ሓበሬታ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ኦስሎ ኖርወይ ን13 ሚያዝያ ክግበር ታሓሲቡ ዝጸንሐ ሰላማዊ ሰልፊ

እቲ ንሰሉስ ዕለት 13 ሚያዝያ ብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣብ ኦስሎ ኖርወይ ክግበር ተመዲቡ ዝጸንሐ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ናብ ካልእ ግዜ ከነመሓላልፎ ከም ዝወሰንና ክንሕብረኩም ንፈቱ፡፡

ነዚ ስጉምቲ`ዚ ንኽንወስድ ዘገደደና ምኽንያት ከኣ፡ ፖሊስ ብሃንደበት፡ ንሕናን ህ.ግ.ደ.ፍን ኣብ ሓደ ቦታን፡ ኣብ ሓደ ስዓትን፡ ሰላማዊ ሰልፊ ክነካየድ ከምዘይጥዕም ድሕሪ ብምሕባር፡ ድሒርና ፍቓድ ዝሓተትና`ውን ንሕና ብምንባርና፡ ንዓና ንሰለስተ ስዓት ቅድሚ ህ.ግ.ዲ.ፍ ወይ ድሕሪኦም መደብና ንኽንቅይር ስለ ዝሓተቱና እዩ፡፡

እቲ ክግበር ዘለዎ ለውጢ ምስቲ ናትና መደባት ክወሃሃድ ብዘይምኽኣሉ ከኣ ኢና፡ ናብ ካልእ ግዜ ከነመሓላልፎ ተገዲድና ዘሎና፡፡ ብዝኾነ እቲ ኣብ ሓጺር እዋን ንኽንገብሮ ንምድብ ዘለና ሓድሽ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ንማዓስ ምዃኑ ኣብ`ዚ ሓጺር እዋን ክንሕብር ስለ ዝኾንና ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ተኸታተሉና፡፡

ነቶም ናብቲ ተመዲቡ ዝጸንሐ ሰላማዊ ሰልፊ ንምስታፍ ኢልኩም፡ ካብ ስራሕ ፍቓድ ዝሓተትኩምን መደባትኩም ዝቐየርኩምን ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ተቓለስቲ ኩልኹም ይቕሬታ ንሓትት፡፡

በዚ ኣጋጣሚ`ዚ፡ ንኹሉ ዝሓስብ ኣእምሮ ዘለዎን!! ብህዝቡ ዝሓዝንን ዘስቆርቁርን!! ዘበለ ኤርትራዊ ኩሉ፡ ኣብ ጎኒ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንኸይስለፍ ንላቦ፡፡ ብፍላይ ከኣ ንሓደስቲ ሓተቲ ዑቕባ ምስ ህ.ግ.ዲ.ፍ ምስላፍ ከቢድ ጠንቂ ከምጽኣሎምን፡ ዕድሎም ከበላሽወሎምን ከም ዝኽእል እንዳ ሓበርና፡ ከነጠንቅቕ ንፈቱ፡፡          

ሲቪካውያን ማሕበራትን ተቓወምቲ ውድባትን ኣብ ኦስሎ ኖርወይ።

   

 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...