ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን።                    
ኣገዳሲ ሓበረታ ንኩሉ ኤርትራዊ።        

29.03.2010
ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ብዕሊ ኣብ ሃገር ፈረንሳ ካብ ዝምስረት እነሆ 7 ዓመታት ኣሕሊፉ። ጨናፍሩ ከኣ ኣብ ሱዳንን ጀርመንን መስሪቱ ይርከብ። ሎሚ ዓመት ከኣ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ንምምስራት እነሆ ይዋደድ። ንዓወቱ ከኣ ፍጹም ምጥርጣር የብሉን። ምኽንያቱ ከኣ እቲ ዕላማኡ ቁዱስን ሰብኣውን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነጻን ንኹሉ ዘሳትፍ ሃገራዊ መርሆ ዝዓተረ ስለዝዀነን ኢዩ።

እቲ ማሕበር ካብ ዝምስረት ሓያሎ ኣገደስቲ ፍርያት ኣመዝጊቡ ኢዩ። ጕዳይ ዓቅምን ኣኽእሎትን እንተዘይኣሳናኺሉና፣ ማሕበርናስ ንኹሉ፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣጸቢቖም ዝተሃስዩ ኣካለ-ጽጉማን ኤርትራውያን ዘይረድኣሉ ምኽንያት የለን። ብመሰረቱ ከኣ እቲ ማሕበር ፖለቲካዊ ማሕበር ዘይኮነስ፤ ሕብረተ- ሰባዊ ማሕበር እውን ኢዩ። ዝዀነ ኤርትራዊ፤ ፖለቲካዊ መንነቱ ብዘየገድስ ክሳተፎ መሰሉ ኢዩ። ኩሉ ኤርትራዊ ክካፈሎ ዝምረጽ እውን ኢዩ።

ማሕበርና፤ ምስ ተበግሶ ሕዳር 2008 ብምትሕብባር፤ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዓለም ብምርኻብ ክሰርሕ ከምዝጸነሔ ዝዝከር ኢዩ። እቲ ተበግሶ ብፍሉያት ጉዱሳት ውልቀሰባት ጀሚሩ ክሳብ ዝሰፍሔ ህዝቢ ክጥርንፍን ንማሕበርና ብገንዘብ ክረድእን በቒዑ ኢዩ። እዚ ከኣ ብነጻ ሓላፍነታዊ ድልየቱ ኢዩ ነይሩ። ንማሕበርና ከኣ ዓቢ ተስፋን ሓልዮትን ኰይንና ኢዩ። ሕጂ ከኣ ብሓባር ኣሳናዳዊት ሽማግለ ካብ ህዝብን ካብ ማሕበርን ብምርቛሕ ንናይ ክፍሊ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን  ንምድላው እነሆ ኣብ ተሪር ቃልሲ ተጸሚዶም ከምዘለዉ ትካታተሉ ትህልዉ። ማሕበርና ንስራሖም ምትብባዕ ድኣምበር፤ ኣብ ውሽጢ ስራሓቶም ፈጺሙ ኢዳ ከምዘየእቱ ዝምስከር ኢዩ። ኣሳናዳዊት ሽማግለ ግዜን ቦታን ናይ መስራቲ ጕባኤ ወሲና ከምዘላ ፈሊጥኩም ኣለኹም። ንሱ ከኣ ኣብ ከተማ ሺካጎ ንሓምለ ዕለት ሰለስተን ኣርባዕተን (3-4/07/2010) ምዃኑ ኢዩ።
 
ኣብዚ ታሪኻዊ ናይ መመስረቲ ጉባኤ እዚ ንኽትካፈሉ ብኽብሪ እንዳዓደምና፤ ንተግባራዊ ዕድመ ብዝምልከት ግና ምስ ኣሳናዳዊት ሽማግለ ክትራኸቡ ኣለኩም። ኣካል ናይቲ ማሕበር ኰንኩም ከተማዕብልዎ ከኣ ንትስፎ። ገለ ካብ ኣድራሻታት  ኣሳናዳዊት ሽማግለ ብዝምልከት  ከኣ   እነሆ።

1.Tzegai Negash at (303) 665-1005, email : This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.              
2.Zehaye Araya home : 847-485-8379 after 9 pm (CST) work : 847-618-6284 9am - 9pm
3.Tesfaldet Abraham at ( 773 ) 550-8433, email : This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...