ንቕድሚት ምህዳም፡ ፋይዳ የብሉን!
 
ታሪኽ ቀላሲ ጉዕዞ ደቂ ሰብ እዩ። ታሪኽ መምህር እዩ፡ ታሪኽ ኣመት መጻኢ ወድ ሰብ እዩ። እወ ታሪኽ ነቶም ብግቡእ ዝተማህርሉ መጻኢኦም ዘስተኻኽል ብሶላ እዩ። ይኹን እምበር ታሪኽ ብግቡእ ክስነድን ንሓቀኛ ዝሓለፈ ኩነታት ከንጸባርቕ እንተኾይኑ ግን፡ ብመሰረቱ ሓርነት ሕብረተሰብ ይሓትት፡ ብቐንዱ ድማ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ይጠልብ። ሓራ ዘይኮነ ሕብረተሰብ ድማ ቅኑዕ ታሪኽ ከውንን እዩ ኢልካ ምሕሳብ ዝከኣል ኣይከውንን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ መሳርሒ ዓመጽትን መለኽትን ክኸውን ግድን ይኸውን። ብቐንዱ ድማ ታሪኽ ዳርጋ ናብ ጽውጽዋይ ይቕየር።

ታሪኽ ኣብ ሰለስተ ክፋላት ማለት ናይ ርሑቕ ማእከላይን ቀረባን ኢልካ መቓቒልካ ክርኣ ዝከኣል እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ድማ እቲ ናይ ርሑቕ ታሪኽ ኣብ ሓርነት ዘይብሉ ሕብረተሰብ መሳርሒ ዝተፈላለየ ግሁድን ስልታውን ዓመጽ ክኸውን ምዕዛብ ዘገርም ኣይኮነን። ብኣንጻር እዚ ግን እቲ ናይ ቀረባ ታሪኽ መጋበርያ ክኸውን ብዙሕ ዝገሃድ ተርእዮ ኣይኮነን። ንሕና ኸ ከም ሃገርን ህዝብን እቲ ናይ ርሑቕን ማእከላይን እዋናት ታሪኽና ገዲፍና፤ ካብቲ ናይ ቀረባ እዋናት ታሪኽና ተማሂርና ዶ፧ ኢልካ ምሕታት ንጌጋ ብጌጋ ንከይትድብሶ ይሕግዘካ።

ኣብዚ ቅንያት ኣብ ድምበ ተቓውሞ ኤርትራ ብዘዓባ ሃገራዊ ዋዕላ ኣመልኪቱ ርሱን ክትዓት ክካየድ ቀንዩን ይቕጽልን ኣሎ። ብመሰረቱ ሃገራዊ ዋዕላ ይኹን ካልእ ተበግሶ ኣብዚ እዋን እዚ ክንኣድን ክሕገዝን ዝግበኦ ነገር እዩ። እዚ ኮይኑ ግን መሰረት ሃገራዊ ዋዕላ ሃገራዊ ሓድነትን ስኒትን ስምረትን ንፍጣር እምበር ከይተበገሰ ኣካታዒ ዝኾነ ሃገራዊ ዋዕላ ምዃኑ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። እታ ኣዳላዊት ሽማግለ ብዓቢኡ ድማ መሪሕነት ኪዳን ክሓስበሉን ክዝተየሉን ክሳዕ ልክዕ ግዜ ዝመጽእ ድማ ኣብ ሃናጺ ዝኾነ ጽምዶታትን ዘሎ ፍልልያትን ኣብ ምስትኽኻልን ምጽባብን ክነጥፍ እዩ ዝግብኦ። ኣይኮነን ዶ ክንድዚ ዝአክል ዋዕዋዕን ዋጭዋጭን ናይ ሓደ ሰብ ዘይዕግበት እኳ ብግቡእ ንኽስማዕ ጻዕርታት ክግበር ምተገብኣ። ክሳብ እዚ ክውንነት ዝረጋገጽ ድማ ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ ብዘይተስፋ ምቑራጽን ብዘይምሕላልን ክሰርሕን ክቃለስን ድማ መሰረታዊ ዕላማ ናይቲ ቃልሲ ጌሩ ክሕዞ ግድን ክኸውን ኔርዎ። እቲ ምንታይ ዝኾነ መሪሕነት ኣብ ቃልሲ ክልተ ሸቶታተ ክህልዎ ግድን እዩ፡ ወይ ነቲ ዘበገሶ ራእን ዕላማን ምጭባጥ ምናልባሽ እዚ ነዊሕ ዝወስድ እንተኾይኑ ድማ ነቲ ዕላማ ከቕጽል ዘኽእል ዓቕምን መሪሕነትን ምፍጣር ክኸውን ምተገብኦ።
ሎሚ ግን ንእምኖ ንኽሓዶ እዚ ዘሎ መሪሕነት ኪዳን ኣብዚ ክልተ ኣማራጽታት ፈሺሉ እዩ።

ንምንታይን ስለምንታይን ዝብሉ ሕቶታት ንጎኒ ገዲፍና እቶም ዘበገሶም ራእታትን ዕላማታትን ዛጊት ኣይተጨበጡን፡ ነዚ ራእን ዕላማን እዚ ክቕጽል ዝኽእል ሓድሽ ውለዶ ድማ ኣይመልመሉን። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን እምበኣር ብዓቢኡ ዓቕምን ጉልበትን ኪዳን ኣብዚ ክልተ ተበግሶታት ክጽመድ እምበር ካብዚ ሓቕዚ ሃዲሙ ኣብ ጫካ ሃገራዊ ዋዕላ ክሽፍት ኣይምተገብኣን። እዚ ምርኣያ ምዝባዕ ቀዳምነታት ኣብ ስትራተጂ ኪዳንን፡ ካብቲ ናይ ቀረባ ታሪኹ ዘይምምሃሩን ካብ ሕሉፍ ጽልእን ናይ ህንጡይነትን ተርባጽን ስምዒት ዝተበገሰ ምዃኑ ድማ ሓደ መርኣያ እዩ።

ኣብዚ ቆይቂ እዚ፡ መንዩ ቅኑዕ መንዩ ጌገኛ ኢልካ ምፍራድ ትርጉም የብሉን ምኽንያቱ እዚ ቆይቂ እዚ ናይ ክልተ “በራሓት ናይ መሰንተር ባእሲ”  ስለዝኾነ፡ ምኽሳቱ ግን ብዓቢኡ ነቲ መሰረታዊ ተበግሶ ድሮ ኣህሲስዎ እዩ። ስለዝኾነ መሪሕነት ኪዳንን እታ አዳላዊት ሽማግለን ሕጅውን እንተኾነ ምስቶም ዕቓበታቶም ዝገልጹ ዘለዉ ውደባትን ማሕበራትን ኣብ ሃናጺ ጽምዶ ክኣቱን ክላዘበሉን እምበር ዝመጸ ይምጻእ ክግበር እዩ፡ ኢሉ ክደርቕ የብሉን ብዚ ስጉምትዚ እንተኸይዱ ግና ነታ ዝነበረት ንእሽቶ ተስፋ ኣቕሂሙ ንኹሉ ዝነበረ ናብ ምዕባለታት ኪዳን ዘብጸሐ ክውንነት ብዓይኒ ጥርጠራ ክርኣ ክገብር እዩ ጥራይ ዘይኮነ ኪዳን ከምጽላል ህልዋውነቱ ኣብ ጥርጥር ክኣትው እዩ። ብሕጽር ዝበለ ኪዳን ንቕድሚት ብምህዳም ሓንሳብን ንሓዋሩን ነብሰ ቅትለት ክፍጽም እዩ ማለት እዩ።
 
እዚ ተበግሶ እዚ ቀሊል ከምዘይኮነን ልክዕ ግዜን ቀዳምነታትካ ምንጻርን ልዕሊ ዝኾነ ከምዘድልዮ፡ ካብ ማንም ክዉል ኣይኮነን። ይትረፍ ዶ ምስ ኤርትራዊ ህልው ክውንነት እተን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር እቲ ዓለም ዝፈንፈነቶ ስርዓት ኣፓርታይድ ከምዚ ዓይነት ዋዕላ ምክያድ ቀሊል ኣይነበረን። እዚ ተበግሶ እዚ፡ ብመጀርትኡ ከ ሃገራዊ ዋዓላ ተባሂሉ ክጽዋዕ ኔይርዎ ድዩ፧ ንሃገራዊ ዋዓላ ንምክያድ ዝበቅዕ ዓቅሚን ተፈላጠነትን ሓይልነከ ደሊቡ ድዩ፧ ህዝቢ እንተዋሓደ 50 ሚእታዊ ዝኸውን ብዛዕባ እዚ ዝግበር ዘሎ ዋዓላ ኣፍልጦ ኣለወዶ፧ ኣበርክቱከ ማዕረኽንደይ እዩ ዘሎ፧ ዝብሉ ሕቶታት ምልዓል ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ።

ብዘይከዚ እዚ ዝሕለን ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ እዚ ብውሑዱ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከስተብህለሎም ምተገብኣ፡

1 ሎሚ ኣብ ደምበ ተቓወሞ ኤርትራ ብዘይካ ኣብ ናይ መርበባት ሓበሬታ ህላወ ኣብ ባይታ እሞ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝቢ ዘድምዕ ህላወ ኣብ ዘይበሉ እዋናት ሃገራዊ ዋዓላ ክብሃል ኣምተገብኦን። ኪዳን ብዝተኻእለ መጠን ነዚ ክውንነት እዚ ተገንዚቡ ህዝቢ ኣብ ከባቢኡ ንክዓስል ዝገብር ተበግሶ ንጥፈታት ግዜን ጻዕርን ክጥፍእ ምተገብአ፡

2 ነዚ ክውንነትዚ ድሕሪ ምፍጣር ድማ ቀዳማይን ንኹሉ ክጥርንፍ ዝኽእልን ሓደ ኣጀንዳ ኣንጻር ፖለቲካዊ ቁጠባዊ ማሕበራዊ ብሔራዊ ሃይማኖታውን ካልእን ዓመጽ ክገጥም ዝኽእል ሓባራዊ ራእይ ዘለዎ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ንምጣር ዝኽእል ህላወ ክጽዕር ነይርዎ፡

3 እቲ ሕጂ ነዚ ኩሉ ኩነታት ሃገር ገቢቱ ኩሉ መጻኢ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ዘሎ ስርዓት ካብ ኣካይድኡ ክገትኦን እዚ ምስዘይከውን ድማ ክቕስቦን ዘኽእሎ ሓባራዊ ስትራተጂ ክነድፍ ዘኽእሎ ኩነታት ክሰርሕ ቀዳምነት ክህቦ ምተገብአ፡

ካብ ነዚ ኽውንነት ምግጣምን፡ ከም ቀዳማይ ኣጀንድኡ ምውዳብ ህዝብን ምብርባርን ወንዚፉ፡ ኣብ ሃገራዊ ዋዓላ ዝብል ግዜ ዘይሓለወ ኣጀንዳ ሸንኮለል ክብል ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘሎ ህዝቢ ኣሽንካይ ንሃገራዊ ዋዕላ ኣንጻር ህግደፍ ተሪር ተቓውሞ ኸቅርብ ብቕዓት ዘለዎ ኣይኮነን። ንህላውነቱ ትልኽ ዝብል ዘሎን ገና ኣብ ፋሕ ጭንግራሕ ዝበለ ራኢታት ተጸሚዱ፡ ን ሃገራዊ ኣጀንዳስ ይትረፍ ወረዳዊ ኣጀንዳ ከሳሲ ዘይክእል ደምበ ተቓውሞ፡ ብካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝኾነ ኣጀንዳ ክስሓሓብ ክትርኢ ኣዝዩ ዘሕፍርን ኣነዋርን ነገር እዩ። ኣብ ታሪኽ ዘሕትትን ሓድ ሕድ ዘተዓዛዝብን ጉዳይ ድማ እዩ። እተን ውድባት እቲ ንኽንደይ ዓመታት ኣብ ውሽጠን ብትሒም ትሒም ክኸይድ ዝጸንሐ ምፍሕፋሕ ንሃገራዊ ዋዓላ መዋጽኢ ተሃነን ክጥቀማሉ ዘደንጹ ጉዳይ እዩ።

እዚ ጉዳይ ብክውንነታዊ መዳይ እንተተራእዩ፡ እዘን ውድባት ብናይ  ኣጀንዳን እስትራተጅን ምምህማን ጸገም ይሳቐያ ስለዘለዋ፡ ሃገራዊ ዋዓላ ከም ማይጨሎት ሓሲበን፡ ኣብ ዓቢ ኣጀንዳ እንተተዛሪበን ዝዓበያ ኮይኑ ንክስምዐን ዝገብርኦ ዘለዋ ምዃኑ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ንተመክሮ እዘን ውድባት ብግቡእ ዘይርዳእ የዋህ ሰብ እዚ ናይ ለንቅነ ቆይቂ ናይ ብሓቂ ክመስሎ፡ ከም  ዘንጊ ጦንቃላይ ተኣምር ሒዙ ዝመጽእ ክመስሎን ክጭነቐን ክስንብድን ይክእል ይኸውን፡ እንተኾነ ግን ኪዳን ይኹን ኣባል ኪዳን ውድባት ክንደይ ዘይበላን ዘይመደራን፡ ክንደይ ናይ ምስሕሓብ ኣጀንዳታት ዘይፈጠራን፡ ኣባይታ ዘምጽኦ ለውጢ ግን የለን። ስለዚ እዚ ሕጂ ኣብ ሃገራዊ ዋዓላ ዝብል ኣጀንዳ ብብዝሒ ምጭዳርን ካብቲ ዘለና ሕማም ክፍውሰና ኣይኮነን። እቲ ሓቂ እምብኣር ንክውነትካን ንዘሎካ ፈተነታትን መስገደላትን ብግቡእን ኣብ ባይታን ምግጣም እንበር፡ ነዚ ኽውንነት ኪሒድካ ኣብዘየድሊ ሸንኮለል ምቅጻል ግን ንቕድሚት ምህዳም ጥራይ እዩ።

ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኤምዲሰመ

3 ታህሳስ 2010
ፕሪቶርያ

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...