ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ንሃገሩ ከም ዘፍቅርን ከም ዘኽብርን ምንም ጥርጥር የብሉን። አብ ስልጣን ዘሎ ህ.ግ.ደ.ፋ.ዊ መላኺ ስርዓት’ውን ነዚ  ስሚዒት’ዚ ስለዝፈልጥ፣ ስሚዒት መዝሚዙ ብምብላጽ፣ ንጹሃት ዜጋታት ብምግጋይ  ክንደይ ጊዜ  ኢዩ ብሽም ኤርትራን ህዝባን  እከይ ተግባርን፣ ሐደገኛ ሽርሕን ዘይፈጸመ። ህዝቢ ኤርትራ ቅያ ዝሰርሔ ጅግና ህዝቢ ከምዘይተባህለ፣ ሎሚ ከም ምርሒት አግማል ብሐደ ህግደፋዊ ሕሻል ተወጢጡ፣ እቶ ናብ ዝተባህሎ  ጥራሕ ዝአቱ ተማእዛዛይ መሲሉ  ክርኤ እንከሎ፣ብኻልኦት አህዛብ’ውን እንተኾነ ብሐቂ ክብሪ ዘስእኖ’ዶ አይኮነን?
 
እዛ ንነጻነትን ሐርነትን፣ ፍትሕን ማዕርነትን ንምንጋስ  ንልዕሊ 30 ዓመታት ብጅግንነት ዝተረባረበት ተቓላሲት ኤርትራ፣ ሎሚ ብሰንኪ’ቲ አብ ልዕሊ ህዝቡ ዝሸፈተ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝኽተሎ ሐደገኛን ግጉይን ፖሊሲታት (ቅዋማት)፣ ብጥርጠራ ሽበራን፣መደበር ህውከትን አብ ቀርኒ አፍሪቃ ተባሂላ ክትክሰስን ክትውንጀልን  እንከላ፣ ካብ ማንም መድረኽ ንላዕሊ ንኤርትራውያን ከሻቕል ዝግብኦ ኢዩ።
 
ዝተፈላለያ ሃገራት ብቐጥታ ኮነ  ወከልተን ብምልአኽ  መንግስቲ ህግደፍ  አብ ቀርኒ አፍሪቃ ንዘካይዶ ጸይቂታት ከቋርጾ ብዙሕ ጽዒረን ኢየን። ብፍላይ ከአ ንከም አልሸባብ ዝአመሰሉ ናይ ሶማልያ ግብረ ሽበራ ሐይልታት ደገፍን ሐገዝን ደው ከብል ንዝቐረበሉ መጸዋዕታ ዕጭ ሐንፈፍኩ ብምባል፣ ነቲ ሕቡራት መንግስታት  ኮነ ሕብረት አፍሪቃ  ከምኡ’ውን መላእ ሃገራት ዓለም ዝተቐበልኦ  መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ንምውዳቕ፣ አንጻር ዓለም ለኻዊ ርእይቶ ደው ኢሉ ንበይኑ ክጋልብ’ዩ ዝመረጸ።  
 
ሃገራት አፍሪቃ ይኹና ሃገራት ኤውሮጳን አሜሪካን ንዝገበርኦ ጻዕሪን ድኻምን ጸማም እዝኒ ድሕሪ ምሃብ፣ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ተአኪቡ፣ አብ ልዕሊ መንግስቲ ህግደፍን ሰበ ስልጣናቱን እገዳ ክግበር ከም ዝወሰነ ዝዝከር’ዩ።
 
ከምቲ አብ ምሉእ ዓለም ህግደፍ ዘወናብዶ ዘሎ፣ አብ ከባቢና’ውን እንተኾነ ብተመሳሳሊ  ብተለአአኽቱ ዝተጻሕፈ  “ዕድመ ንኹሉ ኤርትራዊ  ወዲ ሃገር” አብ ትሕቲ ዝብል አርእስቲ፣  “ደቂ ሐደ ልቢ ከመይ አለኹም”  ዝብል መደናገሪ ቀመም  መእተዊ  ተጠቒሙ፣ አንጻር ናይቲ  አብ ልዕሊ መንግስቲ ህግደፍ ዝተበየነ እገዳ ሰላማዊ ሰልፊ ንኸካይድ፣ ብሐሶት ልቢ ሰብ  ዝዘምት ጽሑፍ ተዘርጊሑ’ሎ።
 
ብመጀመርያ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ከስተውዕለሉ ዘለዎ እቲ እገዳ አንጻር መን ከምዝተወሰነን እንታይ ከም ዝብልን ብግቡእ ክርድኦ ይግባእ። እቲ እገዳ ሰለስተ አገዳሲ ነጥቢታት ዝሐዘ ኢዩ። ንሱ ከአ፡

 

  1. ህግደፍ ንአሸበርቲ ሐይልታት ዝኸውን ብረት ከዚኑ ከይዝርሕግን፣ ንረማሲ ህዝቢ ዝኾነ ጸጥታዊ ትካላቱ አጎልቢቱ፣ ሰበ ስልጣን ህግደፍ ዝኸስብሉ ወተሃደራዊ  ኮንትሮ ባንዶ ዝሐንቕ፣ ናይ አጽዋር ብረት ምሽማት ዝእግድ።
  2. ነቶም ብመሰልን ንብረትን  ህዝቦም ዝቋመሩ ሰበ ስልጣን ህግደፍ ንወጻኢ ከም ልቦም ከይገሹ ዝእግድ።
  3. ነቲ ህግደፍን ሰበ ስልጣናቱን መንዚዖም ዝገፈጥዎ አብ ናይ ዓለም ባንክታት ከአ ዝሐብእዎ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ከየውጽኡ ንኽድስክል ዝሐለፈ እገዳታት የጠቓልል።

ስለዚ ክቡር ወዲ ሃገር እዚ ናይ እገዳ ውሳኔ’ዚ፣ ብፍላይ ንህግደፍን ሰበ ስልጣናቱን ፈልዩ ዘነጻጸረ’ምበር ንህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዝትንክፎ ከም ዘይኮነ ከተስተውዕል ይግባእ።
 
እቲ ዝመረረን ዝሐሰመን እገዳ’ስ እቲ  መንግስቲ ህግደፍ አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጽዒንዎ ዘሎ ማዕቀብ ወይ  እገዳ ኢዩ። ከመይ ህዝብና ግደፍ ብረት ክሸይጥ፣ ነታ ካብ ቃጽዖ ግራቱ ሐሪሱ  ዘእተዋ ምህርቲ እንዳመንጠለ “እኽሊ ምሻጥ ኩልኩል’ዩ”  ብምባል ናይ ምህርቲ ምሻጥ እገዳ ዝአወጀ ህግደፍ ኢዩ። ብጉዳይ ንወጻኢ መገሻ ዝምልከት እሞ ከአ መስደመም ኢዩ። ንወተሃደራዊ ብርነት ቁጽሪ ሰብ መታን ከይውሕዶ  ካብ ወዲ 50 ዓመታ ንታሕቲ ምጋሽ ብጽኑዕ ካብ ዝኽልክሎ ውሑድ አይኮነን። አረ ናይ ወጻኢ መገሻ’ስ ይትረፍ፣ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ሰብ ነጻ ኮይኑ ከይገይሽ፣  ብዘይካ ይለፍ ወረቐት ከይንቀሳቐስ  አብ ገዛእ ሃገሩ እሱር  ህዝቢ ኮይኑ ንኽነብር ዝአገደ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ብዛዕባ’ቲ ባይቶ ጸጥታ ዘሕለፎ አብ ናይ ዓለም  ባንክታት ዘሎ ገንዘብ ምድስካል ዝምልከት፣ ህዝቢ ኤርትራ ሳላ መንግስቲ ህግደፍ ይትረፍ አብ ባንክ ዓለም ዝቕመጥ’ስ፣ እታ ካብ ኢዱ ናብ አፉ ዝኹልሳ’ኳ ንጋዶ ኮይናቶ ‘ላ። ብሕጽር ዝበለ መንግስቲ ህግደፍ ድአ’ምበር፣  ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እገዳ አይአወጀን።   እቶም ሰላማዊ ሰልፊ ንኺድ ዝብሉ ኤርትራውያን ብሐቂ ለባማትን ሐለይቲ ህዝቦምን ሃገሮምን እንተኾይኖም፣ ነቲ ምሕረት አልቦ ዝኾነ ህግደፍ አብ  ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸዓኖ ማዕቀብ፣ ካብ ህዝብና አልዕሎ ዝብል ታሪኻዊ ጭርሖ’ዮም ከቃልሑ ዝግብኦም።
 
ንዕለት 22 የካቲት (22nd  February)  ብወከልትን ተደናገጽቲን  ህግደፍ  ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ንእከይ ተግባራትን ግፍዒን ህግደፍ ንምሽፋንን፣ ካብ ተሐታትነት አምሊጡ ፣ ናይ ሕገ አልቦነት  ስርዓቱ ንኽቕጽል  ዝተወጠነ’ምበር፣ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድሐን  ከምዘይኮነ ከም ጽሐይ ቀትሪ ድሙቕ ሐቂ ኢዩ። እቶም ሎሚ ነዚ ሐቅታት’ዚ ሸለል ብምባል ክሐልፍዎ ዝህቅኑ ጽባሕ መሬት ምስ ወግሔ፣ ብኻ እንተዘይንውዕሎ  ብምባል  መሪር ናይ ሕልና  ወቐሳን ጣዕሳን ክገጥሞም ምዃኑ ብአግኡ ንእምተሎም። አይፈለጥናን አይተረዳአናን ምስ ሐለፈ መድረኽ ዋጋ የብሉን። ንኽርድአካ መረዳእታ ሽዑ ተዋሂቡካ’ዩ ዝብል  ናይ ጽባሕ መልሲ  አብ ቅድሜኦም ተገቲሩ ከም ዝጽበዮም ክርድኡ ይግባእ።
 
ናይ ህግደፋውያን “ደቂ ሐደ ልቢ” ዝብል ጸዋዒት፣ ናይ ሐደ ዓለም ምሉእ ዝፈንፈነቶ፣ አብ ውሱን ኩርናዕ ተጸጊዑ ዘእዊ  ንጹል ናይ ጽሉላት መቓልሕ’ዩ ዝመሳሰል። መሰል ሐፋሽ ህዝቡ እንዳዓማጦቐ ንዝኸይድ ዲክታተር ልቡን ደገፉን ዝህብ፣  ብሐቂ ልቢ ዘይብሉ ወይ ልቡ ዝገሾ ጥራሕ ኢዩ። ሎሚ ልብኻ ንህዝብኻ ድአ’ምበር ንዲክታተር ዝወሃቦ ሰዓታት’ውን አይኮነን።
 
መንግስቲ ህግደፍ ባዕሉ ዝአጎዳ ሐዊ ባዕሉ ንበይኑ ክስሕና ድአ አለዎ’ምበር፣ ብሽም ኤርትራ ኮነ ብሽም ህዝባ  ብዋሕስ ክልቀቕን፣ ካብታ ባዕሉ ዘጻወዳ ገመድ ወጺኡ ከም አመሉ ሰብ  ከድምን ከንብዕን፣ ንዞናና ኮነ ዓለም ቅሳነቶም ዘሪጉ  ንኽብጽብጽን ዕድል ክወሃቦ ከቶ  አይግባእን።
 
አብ መደምደምታ ነቶም ሰላማዊ ሰልፊ ውጻእ እንዳበሉ ብደረጃ ሽማግለታት ተሰሪዖም ሰብ ዝህውኹ ዘለዉ ክንብሎም እንደሊ፣ መንግስቲ ህግደፍ ኮነ  ንዕኡ ዝጾረ  መድረኽ ክሐልፍ’ዩ፣  እቲ ታሪኽ ከአ ከምዘለዎ  ክምዝገብ’ዩ፣ አብራኽ ናይ ምልኪ አብ ኤርትራ ንምድልዳል፣ ዝገበርኩሞ አሉታዊ አስተዋጽኦ ሐደ መዓልቲ ከም እትጥየቕሉ’ውን አይትጠራጠሩ። እቲ ህያው  ናይ መጻኢ ታሪኽ’ውን አይክምሕረኩምን’ዩ።
 
ነጻን ሐራን ኤርትራ ንዘለአለም ትንበር!!!
ህግደፍ ክዓኑ’ዩ ፣ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክህነጽን ክትከልን’ዩ!!!
ዝኽርን ክብሪን ንኹሎም ሰማእታት ኤርትራ።
 
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ጨንፈር ከተማ  ሳን ድየጎ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...