ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም። 

ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ንሃገሩ ከም ዘፍቅርን ከም ዘኽብርን ምንም ጥርጥር የብሉን። አብ ስልጣን ዘሎ ህ.ግ.ደ.ፋ.ዊ መላኺ ስርዓት’ውን ነዚ  ስሚዒት’ዚ ስለዝፈልጥ፣ ስሚዒት መዝሚዙ ብምብላጽ፣ ንጹሃት ዜጋታት ብምግጋይ  ክንደይ ጊዜ  ኢዩ ብሽም ኤርትራን ህዝባን  እከይ ተግባርን፣ ሐደገኛ ሽርሕን ዘይፈጸመ። ህዝቢ ኤርትራ ቅያ ዝሰርሔ ጅግና ህዝቢ ከምዘይተባህለ፣ ሎሚ ከም ምርሒት አግማል ብሐደ ህግደፋዊ ሕሻል ተወጢጡ፣ እቶ ናብ ዝተባህሎ  ጥራሕ ዝአቱ ተማእዛዛይ መሲሉ  ክርኤ እንከሎ፣ብኻልኦት አህዛብ’ውን እንተኾነ ብሐቂ ክብሪ ዘስእኖ’ዶ አይኮነን?
 
እዛ ንነጻነትን ሐርነትን፣ ፍትሕን ማዕርነትን ንምንጋስ  ንልዕሊ 30 ዓመታት ብጅግንነት ዝተረባረበት ተቓላሲት ኤርትራ፣ ሎሚ ብሰንኪ’ቲ አብ ልዕሊ ህዝቡ ዝሸፈተ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝኽተሎ ሐደገኛን ግጉይን ፖሊሲታት (ቅዋማት)፣ ብጥርጠራ ሽበራን፣መደበር ህውከትን አብ ቀርኒ አፍሪቃ ተባሂላ ክትክሰስን ክትውንጀልን  እንከላ፣ ካብ ማንም መድረኽ ንላዕሊ ንኤርትራውያን ከሻቕል ዝግብኦ ኢዩ።
 
ዝተፈላለያ ሃገራት ብቐጥታ ኮነ  ወከልተን ብምልአኽ  መንግስቲ ህግደፍ  አብ ቀርኒ አፍሪቃ ንዘካይዶ ጸይቂታት ከቋርጾ ብዙሕ ጽዒረን ኢየን። ብፍላይ ከአ ንከም አልሸባብ ዝአመሰሉ ናይ ሶማልያ ግብረ ሽበራ ሐይልታት ደገፍን ሐገዝን ደው ከብል ንዝቐረበሉ መጸዋዕታ ዕጭ ሐንፈፍኩ ብምባል፣ ነቲ ሕቡራት መንግስታት  ኮነ ሕብረት አፍሪቃ  ከምኡ’ውን መላእ ሃገራት ዓለም ዝተቐበልኦ  መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ንምውዳቕ፣ አንጻር ዓለም ለኻዊ ርእይቶ ደው ኢሉ ንበይኑ ክጋልብ’ዩ ዝመረጸ።  
 
ሃገራት አፍሪቃ ይኹና ሃገራት ኤውሮጳን አሜሪካን ንዝገበርኦ ጻዕሪን ድኻምን ጸማም እዝኒ ድሕሪ ምሃብ፣ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ተአኪቡ፣ አብ ልዕሊ መንግስቲ ህግደፍን ሰበ ስልጣናቱን እገዳ ክግበር ከም ዝወሰነ ዝዝከር’ዩ።
 
ከምቲ አብ ምሉእ ዓለም ህግደፍ ዘወናብዶ ዘሎ፣ አብ ከባቢና’ውን እንተኾነ ብተመሳሳሊ  ብተለአአኽቱ ዝተጻሕፈ  “ዕድመ ንኹሉ ኤርትራዊ  ወዲ ሃገር” አብ ትሕቲ ዝብል አርእስቲ፣  “ደቂ ሐደ ልቢ ከመይ አለኹም”  ዝብል መደናገሪ ቀመም  መእተዊ  ተጠቒሙ፣ አንጻር ናይቲ  አብ ልዕሊ መንግስቲ ህግደፍ ዝተበየነ እገዳ ሰላማዊ ሰልፊ ንኸካይድ፣ ብሐሶት ልቢ ሰብ  ዝዘምት ጽሑፍ ተዘርጊሑ’ሎ።
 
ብመጀመርያ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ከስተውዕለሉ ዘለዎ እቲ እገዳ አንጻር መን ከምዝተወሰነን እንታይ ከም ዝብልን ብግቡእ ክርድኦ ይግባእ። እቲ እገዳ ሰለስተ አገዳሲ ነጥቢታት ዝሐዘ ኢዩ። ንሱ ከአ፡-

 

  1.  ህግደፍ ንአሸበርቲ ሐይልታት ዝኸውን ብረት ከዚኑ ከይዝርሕግን፣ ንረማሲ ህዝቢ ዝኾነ ጸጥታዊ ትካላቱ አጎልቢቱ፣ ሰበ ስልጣን ህግደፍ ዝኸስብሉ ወተሃደራዊ  ኮንትሮ ባንዶ ዝሐንቕ፣ ናይ አጽዋር ብረት ምሽማት ዝእግድ።
  2. ነቶም ብመሰልን ንብረትን  ህዝቦም ዝቋመሩ ሰበ ስልጣን ህግደፍ ንወጻኢ ከም ልቦም ከይገሹ ዝእግድ።
  3. ነቲ ህግደፍን ሰበ ስልጣናቱን መንዚዖም ዝገፈጥዎ አብ ናይ ዓለም ባንክታት ከአ ዝሐብእዎ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ከየውጽኡ ንኽድስክል ዝሐለፈ እገዳታት የጠቓልል።

ህጹጽ ናይ ሕልና ጻውዒት ናብ ኣብ ደገ እንቕመጥ ኤርትራዉያን !
 
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡ ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።
 
ኣብዚ ብሰንኪ እቲ ሕሱምን ጨካንን ግፍዔኛን ዝኾነ ኣታሓሕዛ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈውርቂን ናይ ገበን መሻርክቱ ህግደፋዉያን፡ ህዝብና ጽሩይ ማይ ታሓሪምዎ፡ መሪር ሓሞት ዝሰትየሉ ዘሎ እዋን፡ ንስኻ ኣንታ ክብሪ ናጽነትካን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትካን ኣብ ትሕቲ ግዝኣተ-ሕጊ ዘረጋግጻልካ ደሞክራሲያውያን ሃገራት እንዳ ነበርካ፣ ቀይሕን ጻዕዳን እንዳ ኣማረጽካ፡ ጥጡሕ ህይወት እንዳ ኣጋየጽካ ከተብቕዕ፡ ኣብ ክንዲ ኣንጻር እቲ ንህዝብና ኣብ ሃገርና፡ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ዝኾነ፣ ካብ ባርነት ፈሊኻ ዘይረኤ፣ ናብራ፡ ከምዘሕልፍ፣ ገይሩ ዘሎ ስርዓት ውልቀ-መላኺ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ጭፍራታቱን፡ ትምክት፣ ኣብ ደገ እንዳወጻእካ ሰላማዊ ሰልፊ ተካይድ፣ ብኣንጻሩ፡ ኣንጻር ናይዚ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶራዊ ስርዓት ሃገርና፡ ብኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ተወሲዱ ዘሎ “ማዕቐብ” ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብር ትሻባሸብ ምህላውካ፡ ጽባሕ ንግሆ ታሪኽ ክሓተካ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ሕጂ ትሻባሸበሉ ዘሎኻ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣንጻር ዝተወስደ ውሳኔ ”ኣህጉራዊ ዕቓቤ“ ብማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ንስኻ ወይ ንስኺ ሰላማዊ ሰልፊ ገርኩም ኣይገርኩም ብዘየገድስ፡ እዚ ”ማዕቐብ’ዚ/እገዳ’ዚ“ ክሳብ ዕላምኡ ዝወቅዕ፡ ጠጠው ክተብልዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ብህጽር ዝበለ ኣዘራርባ፡ ብሰንኪ ክትገብርዎ እትዳለውሉ ዘለኩም ሰላማዊ ሰልፊ ዝመጽእ ለውጢ የለን። የግዳስ ቀንዲ ትርጉምን ዕላማን ናይዚ ንክትገብርዎ ትሻባሸብሉ ዘለኹም ሰላማዊ፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኣረሜናዊ ዝኾነ ባዕደ-ሽበራዊ ስርዓት፡ ህይወት ሶኺዕኩም፡ ንህዝብና ክጭፍጭፍን ክጭፍልቕን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝፍጽሞ ዘሎ ወንጀላትን ግፍዕን፣ ቀጻልነት ክህልዎ ምእንቲ፡ መዋእል ስልጣኑ ክናዋሕ፡ „ኣብ ጎድንኻ ኣሎና“፡ ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እዩ። እሞ ካብ ጽባሕ ንግሆ፡ እንታይ ኢና ንገብር ነርና፡ ኢልኩም ካብ ብጣዕሳ ኣካልኩም ትበልዑ፡ ብጣዕሳ ዝዕረ ዝተገብረ ጌጋ ስለዘየሎ፡ ካብ ንዓማጺ ስርዓት ህግድፍ፡ ንህልቐት ህዝብናን ዕንወት ሃገርናን ክሰርሕ ንምትብባዕ፡ ሰለማዊ ሰልፊ ምግባር፡ ሞራልኩምን ሕልናኹምን ክተስርሕዎ፣ ንተግባራትኩም ዳግመ ርእይቶ ክትገብርሉ እዚ ህጹጽን እዋናውን ናይ ኣሕዋት ጸዋዒት ነቕርበልኩም።
 
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡
እዚ ንብዓት ኣዴታትና ዝመስትኡ፣ እንግድዓ ውዕለቱ ዘይተኸፍለ ህዝብና ዝሃብቱ፣ ሂወት መናእሰያና ዝቀልቅቡ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈውርቂን ናይ ገበን መሻርክቱ ህግደፋዉያን፡ ቕድሚ ኲሉ እቲ ባዕደ-ሽበራዊ ስርሓቶም ኣብ ልዕሊ ሕዝብና እዮም ኣተግቢሮምዎን ፈቲነምዎን። ኣብ ልዕሊ ህዝብና ስለዝተዓወተሉ እዮም ከኣ ሎሚ ባዕደ-ሽበራነት ናብ የመን፡ ስሪላንካ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ጁቢቲን ሶማልን ምስ ከም በዓል ሑዝበል-ኢስላም፡ ኣል-ሸባብን ካሎት ንዖዖም ዝመስሉ፡ ምስ ኣል-ኻኢዳ ምታስሳር ኣለዎም ተባሂሎም ብሕብረ-ተሰብ ዓለም ዝጥርተሩ ሸበርቲ ተማሓዝዮም ንዓለምናን ከባቢና ሰላም ንምክላእ ለይቲ ምስ መዕልቲ ፋሕተርተር ዝብሉ ዘለዉ። እንተ ብዛዕባ ማዕቐብ፡ ኽንዛረብ እንተኮይና ግደ ሓቅስ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈውርቂን ናይ ገበን መሻርክቱ ህግደፋዉያን እዮም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ማዕቐብ ገይሮም ዘለዉ። ንኣብነት እቲ ሓላፊ ናይ ባዕደ-ሽበራነት ኢሳያስ ኣፈውርቂ ኣብ ትቪ-ኤረ ኣብ ዝገበሮ መግለጺ “ኣብ’ዚ ሃገር እኽሊ ምሻጥን ምልዋጥን ክልኩል እዩ፣ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ህዝቢ ቢሑቕ ክሽይጥ ጀሚሩ ከምዘሎ ፈሊጠ ኣለኩ፡ ስጉምቲ ከኣ ክንወስድ ኢና” ከምዝበለ ኲሉ ዝፈልጦ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።
 
እሞ ድኣ ናይ’ዚ ኣብ’ዚ እዋን ኣዚ ኣብ ጀነቭ (Switzerland),)፡ ሳንፍራንሲስኮ፡ ዋሽንግቶን ዲሲን(USA)  መልበን (Australia) በቶም ኣገልገልቲ ናይ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈውርቂን ናይ ገበን መሻርክቱ ህግደፋዉያን ዝዳሎ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ንምታይ ዝዓለመ ኮን ይከዉን ኢልና ነብስና ምስእንሓታ መለሱ ከምዚ ዝስዕብ ኮይኑ ንረኽቦ፡-

  1. ንኤርትራዊ መንነት ምስ ዓለም-ለኻዊ ባዕደ-ሽበራነት ብምትሕሓዝ ነቶም እንኮ ህወቶም ንምድሃን ኣብ ኩለን ሃገራት ዕቑባ ዝሃሓቱ ዘለዉ መናእሰያትና፡ ብዓይኒ ዓለም-ለኻዊ ባዕደ-ሽበራነት ተራዮም ዑቑባ ከምዘይረኽቡ ንምግባር ዝዕላምኡ ኮይኑ ንረኽቦ። 
  2. ነቲ ብሰንኪ ሕሱምን ጨካንን ግፍዔኛን ዝኾነ ኣታሓሕዛ ስርዓት ውልቀ-መላኺ፡ ዝሳቐ፣ ጽሩይ ማይ ታሓሪምዎ፡ መሪር ሓሞት ዝሰቲ ዘሎ ህዝብና፣ እቶም ኣብ ዓዲ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዘለዉ ደቅኻ ነዚ ዝብሮ ዘለኹ ባዕደ-ሽበራነት ይድግፍዎ እዮም፡ ፍሒት ከይትብል ተጠንቀቕ ወይልካ ንምባል ዝዕላምኡዉን ይመስል። 
  3. ብስም ልዕላዉነትን ሃገርናን ድሕነት ህዝብናን ኣመኽንዩ ነቶም ገርሀኛታት ኤርትራዉያን ኣታሊሉ ኣብዚ ሰላምዊ ሰልፊ እዚ ከምዝካፈሉ ብምግባር  በተን ዝነበሩለን ዘለዉ ዓድታት ናይ ጸትጥታ መሓዉራት ተጠርጥሮም፡ ንዐኦምን ንስድኦምን ኣብ ኣደራዕ ንምዳቅ ዘዓልመ’ዉን ኮይኑ ንረኽቦ፡።ስለዚ ኣብ ናይ ስደት ናብራኻን ስራሕካን ኮይንካ ንግብረ-ሽበራዊ ስርዓት ብዝኾነ ይኹን ዓይነት ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን እንተድኣ ገርካ፡ ባዕልኻ ብተግባራትካ ኣካል ናይ ግብረ-ሽበራ ምዃንካ ተረጋግጽ ምህላውካ ከፍልጥ ንደሊ።

እብዞም ኣብ ላዕሊ ጠቂስናዮም ዘሎና ግንዛቤታት ከነቀምጥ ዘብቅዑና ነጥታትን ሓበሬታትትን፡  ነቶም መግለጺታት ውልቀ-መላኺ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ንጋዘጠኛታት ዓለም ይኩን ንናይ ዉሽጢ ሃገር፡ ኣብቲ ማሕበ-ረሰብ ዓለም ነዚ ሕጂ ወሲድዎ ዘሎ ማዕቐብ/እገዳ ቅድሚ ምዉሳኑ ዘመሓላለፎ መጥንቀቕታታት ድሕሪ ብጽሞና ምምርማርና እዩ።
ንኣብነት ውልቀ-መላኺ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ምስ ሮይተርን ካሎኦት ጋዜጥናታት ዓለም ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምተይቅ ከምዚ ስዕብ ከምዝበለ ኲልና እፈልጦ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ “ሕብረተ-ሰብ ዓለም ኣብ ልዕለይ ማቐብ እንተገሩ ንዘላኣልም ክጥዓስ እዩ፡፡ ማዕቐብ ንስርዓተይ መሐየሊኡ እዩ። ምጣነ-ሃብተይ እይትንከፍን እዩ ስለምታይሲ ብባንኪ ኣለም እንይንጥቀምን ኢና።” ኣይኮነን’ዶ ምስ ኢትዮጵያ ንበያና፣ ሱዳን፡ ጁብቲን፡ ኢትዮጵያን፡ ስለስቲአን ብሓደ እተተዋጋኣና ንዓመታት ከዋግእ ዝክእል ኣጽዋር እሎና። ኣል-ሸባብ ሕጋዉያን ናይ ሶማል ተቃልስቲ እዮም ካብ ሞዕጣቆምን ሞዕላሞምን ዓዲ-ኣይኽንዉልን ኢና።” ብተወሳኺ “ነቲ ብማሕብረ-ሰብ ዓለም ቅቡሉነቱ ዘረጋገጺ መግስቲ ሶማል ኣይንቅሎን ኢና ሕጋዊነት የብሉን” ዝብሉ ድሒሮም ዉን ብቶም ናይ ገበን መሻርክቱ ዝኮኑ ሰብስልጣን ህግደፍ ኣብ ዝተፈላዩ መግለጺታት ዝደጋገሙ ዘለዉ ቃላት ስለ ዘስተባሃልና ኢና ነዚ መተሓስሰቢን ምዕዶን ኽንጽሕፍ ተደሪኽና ዘሎና።
 
እግዝኣብሔር/ረቢ ንሃገርና ይባርኽ፡ ንህዝብና ኸኣ ካብዚ ባዕደሽበራዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈውርቂን ናይ ገበን መሻርክቱ ህግደፋዉያን ከነድሕኖ ይሓግዘና!!!
    
ካብ ኤርትራውያን፡ ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ውድባት/ሰልፍታት፤ በርገሳዊ ማሕበራት፤ ብውልቀ ተቓወምቲ፤ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ፓልቶክ (Paltalk)፡ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፣ ከምኡ እውን፡ ብኣገባብ አቃላልሳናን ኣቐዋውማናን፡ ኣንጻር ውልቀ መላኺ ሃገርና፡ እንመያየጥን እንዛተን ደቂ ሃገር። This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

From administrators and members of Eritrean Room For Strong And United Opposition in Paltalk.



Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...