ጋዜጣዊ መግለጺ
ንኩሎም ኤርትራውያን ተቐማጦ የተቦሪ ብፍላይ ድማ ንተሳተፍቲ ጉዕዞ ጀነቭ
 
ከም ኣብ ኩሉ ዙርያ ዓለም ዘለዋ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ኣብ የተቦሪውን ማሕበር ጥርናፈ ኤርትራውያን ንዲሞክራስን ፍትሕን ተመስሪቱ ኣድማዒ ዝኾነ ስራሓት ኣብ ምክያድ ይርከብ። ገለ ካብቶም ደሚቖም ዝረኣዩ ፍጻሜታት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ምስ ምምጻእ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ተተሓሒዙ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍን ምስ ናይ ሽወደን ኣገልግሎት ራድዮን ተለቭዥንን ጋዜጠኛታትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብቐጻሊ ዝግበር ዘሎ ርክባት ነቲ ሓቀኛ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ዘቃልሕ ኮይኑ፡ ንብዙሓት ተቐማጦ የተቦሪ መተባብዒ መንገዲ ከምዝኸፈተሎም ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ።
 
እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ነቲ ብዲሞክራስያዊ ሕገ-መንግስቲ ሽወደን ዝተዋህበና ሓሳብካ ብነጻ ናይ ምግላጽን ንሓድሕድካ ተኸባቢርካ ናይ ምንባር መሰላትን ንምዕፋን እታ ብማሕበረሰብ እትፍለጥ ኣገልግሎት ራድዮ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ኤርትራ ኣነዋሪ ጸርፍታት ምትሕልላፍ ጥራይ ከይኣኽላ ’’ኣብ ሓምሳታት ኣቦታቶም ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ሸይጦም ሕጂ ኸኣ ከዳዓት ናይ ዘመንና ኣንድነት ታሪኽ ኣቦታቶም ይደግሙ ኣለዉ’’ እናበሉ ንሓዋሩ ብታሪኽ ዘሕትቶምን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ሽወደን ዘኽስሶምን ጸለመታት ኣብ ምክያድ ተዋፊሮም ኣለዉ።
 
ታሪኽ ኣቦታት ካብ ተላዕለ እምበኣር እታ ኣብ ከበሳን ቆላን መታሕትን ብ653 ዓድታት ተመስሪታ ናብ ወረዳን ኣውራጃን ተጠርኒፋ ዝቖመት ሃገር ብሕግን ፍትሕን ተዳንያ ትመሓደር ኤርትራ ኣውሪሶሙና ዝሓለፉ ኣቦታት ዘኹርዕ እምበር ዝሕፍር ታሪኽ የብሎምን። እንተቲ ከዳዓት፡ ሃሱሳት፡ ሸየጥቲ ሃገር፡ እናበሉ ዘቕርብዎ ክስታት ግን ንግዜኡ ነቶም ምስኦም ዘለዉ ንጹሃት መንእሰያት ከታልልዎምን ከደናግርዎምን ይኽእሉ ይኾኑ ነቲ ምስ ደርጊ ዝፈጸምዎ ጸሊም ታሪኽ ግን ዘጻዕዱ ኣይኮነን። እኳ ድኣ፡
  • እቲ ክሕፍር ዝግብኦስ ህዝቢ ኤርትራ ነጻነቱ ድሕሪ ምእዋጅ ንዕስራ ዓመት ዝኣክል ብዘይ ሕገ-መንግስቲ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ብህግደፍ ተመንዚዑ ምንባሩ ኢዩ።
  • እቲ ከሕፍር ዝግብኦስ ኤርትራ ንዕስራ ዓመት ዝኣክል ብሃገር ደረጃ ኦዲት ወይ ናይ ገንዘብ ምቁጽጻር ትካል ዘይብላ ካብ ህዝቢ ብወፈያን ግብርን ቀረጽን ዝተኣከበ ገንዘብ ተሓታቲ ዘይብሉ ንብላሽ ይባኽን ምህላዉ ኢዩ።
  • እቲ ከሕፍር ዝግብኦስ ህዝቢ ባህሉን ልምዱን ሰብኣዊ ክብሩን መሰሉን ተገፊፉ መንነቱ ጠፊኡዎ ንስደት ፋሕ ምባሉ ኢዩ።
  • እቲ ከሕፍር ዝግብኦስ ኣንቱም ኣብ ራድዮ ማሕበረሰብ ተሓቢእኩም ብመጻኢ ዕድል መንእሰያት ኤርትራ ትጻወቱ ዘለኹም ኢዩ።
እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ ዓበይትን ለባማትን ሽማግለታት የተቦሪ ዘኹርዕ ታሪኾምን ታሪኽ ወለዶምን ኣብ ራድዮ ማሕበረሰብ ብኣባላት ደርጊ ክጽረፍ እናሰምዑ ክምልሱ ወይ ክዛረቡ ዘይምኽኣሎም ኢዩ።
 
እንተቲ ሃሱሳት ከዳዓት ንህዝቦም ናብ ኢትዮጵያ የሕሊፎም ዝሸጡ እናተባህለ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዝፍኖ ጸለመታት ግን እቲ ንሰኑይ ኣብ ጀነቭ ብህግደፍ ተዳልዩ ኣብ ትሕቲ ባንደራ ኢትዮጵያ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ብቑዕ መልሲ ክህብ ስለዝኾነ ነቶም ከይተረድኦም ናብዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንምስታፍ ካብ የተቦሪ ናብ ጀነቭ ዝጐዓዙ ዘለዉ ዜጋታት ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ነቕርበሎም።
 
ብመሰረቱ ንእገዳ ብዝምልከት እቲ እገዳ ዝእዝዞ ምፍጻም ደኣምበር ብሰላማዊ ሰልፊ ዝፍታሕ እገዳ የልቦን። ግድነት ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ካብ ኣድለየኸ፡ እዛ ንነብረላ ዘለና ሃገር ሽወደን ሓንቲ ካብተን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ንውሳኔ እገዳ ዝደገፈት ሃገር ኢያ። ኣብዛ ንቕመጠላ ከተማ የተቦሪ ከኣ ናይ ሽወደን ሃገራዊ ባይቶ ቤት ጽሕፈት፡ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ጽሕፈት፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ጽሕፈት፡ ስለዘሎ ብቐረባ ኣብዚ ክግበር ምተኻእለ። እቶም ገያሾ ድማ ነብሶም ኣብ ናይ በረድ ሓደጋ ካብ ምእታው ምደሓኑ። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሒዙዎ ዘሎ ሕቡእ ዕላማ ህግደፍ ግን ነዚ ዘፍቅድ ኣይኮነን።
 
እምበኣር እቲ ውሽጣዊ ትሕዝቶን ዕላማን ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ ኣበጋግሳኡ ብኸምዚ ሰሪዕና ነቕርበልኩም።
 
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 24 ጥሪ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከተማ ለንደን ወከልቲ ግንባር ሓርበኛታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ወከልቲ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ናይ ሓባር ኣኼባ ኣካይዶም። ኣብቲ ኣኼባ ንግንባር ሓርበኛታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ወኪሎም ዝተሳተፉ፡
 
ጀነራል ታመነ ድልነሳው (ኣባል ደርግ)
ኮሎኔል ኣለማየሁ መንገሻ (ኣባል ደርግ)
ኣቶ ኤልያስ ክፍለ (ናይ ኢትዮጵያ ሪቪው ሓላፊ) ካልኦት ብጾቶም ኣብ ኣስመራ ዝመደበሮም ብነጻነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ኣባላት ቅንጅት ክኾኑ ከለዉ፡
 
ንቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ወኪሎም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ከኣ፡
 
ዶ/ር በረኸት ፍስሓጽዮን (ወኪል ህግደፍ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ)
ኣቶ ኣብርሃም ኪዳነ (ቁጠባዊ ሓላፊ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ)
ዶ/ር ተወልደ  (ኣባል ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ)
ኣቶ ዳዊት ተኽለኣብ (ኣባል ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ)
ኣቶ ስዩም ጸጋይ (ኣባል ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ)
ኣቶ ኣማኒኤል ስዩም (ኣባል ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ) ካልኦትን ኢዮም።
 
ዶ/ር በረኸት ፍስሓጽዮን ንህግደፍ ወኪሉ ኣብቲ መኽፈቲ ኣኼባ ዘስምዖ መደረ ’’ኣብዚ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ንመጀመርያ ግዜ ብሓባር ዝተኣከብናሉ ዋዕላ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ወኪለ ምቕራበይ ዝተሰመዓኒ ታሕጓስ እናገለጽኩ እዚ ዋዕላ ቀጻልነት ንክህልዎ ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ሙሉእ እምነት ምዃኑ ከረጋግጸልኩም ይፈቱ’’ ድሕሪ ምባል .....ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ሓደ ንምግባር ካብ ጽባሕ ነጻነት ጀሚርና ቆራጽ መርገጽ ከምዝነበረና ይፍለጥ። እንተኾነ ግን ወያነ ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ ሓድነት ስለዘይፈቱ ሽዑ ብተንኮል ዝወልዖ ኩናት ክሳብ ሕጂ ኣተዓናቒፉዎ ጸኒሑ ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ኣቐዲሙ ሒዙዎ ዝጸንሐ ናይ ርሑቕ ዕላማን ራእይን ኣበርቲዑ ዝቕጽለሉ ዘሎ መርገጽን ምዃኑ ምሳኻትኩም ምስ ኢትዮጵያውያን ግልጺ ብዝኾነ ቋንቋ ክንረዳድኣሉ ዝግባእ ጉዳይ ኢዩ። ስለዚ ከኣ ስርዓት ወያነ ብናይ ሓባር ቃልሲ ድሕሪ ምእላይ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ወዓል ሕደር ከም ቀደሞም ሓደ ኮይኖም ክነብሩ ቆራጽ መርገጽ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ከበስረኩም ይፈቱ። ’’ ብምባል መደረኡ ደምዲሙ። ካብኡ ቀጺሉ፡
 
ኣቶ ስዩም ጸጋይ ንህግደፍ ወኪሉ ዘስመዖ እዋናዊ መደረ ከኣ ’’.....ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንሓድነታዊ ቃልሲ ኢትዮጵያ ዝጐድእ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኤርትራ ከም እንኮ ደጋፊት ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ምዃና መጠን ብሰንኪ እገዳ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝወርድ ጉድኣት ብቐጥታ ንቃልሲ ሓይልታት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ስለዝጐድእ ነቲ ኣብ ልዕሌና ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክለዓል፡ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ጀሚሩዎ ዘሎ ቃልሲ ኣብዚ ዘለኹም ኢትዮጵያውያን ኩሉኹም ኣብ ጐድንና ክትስለፉ ይግባእ’’ ክብል ተሪር ምሕጽንታኡ ኣቕሪቡ።
 
ኣብ መወዳእታ ድማ ኩሎም ብነጻነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ኣብ ትሕቲ ግንባር ሓርበኛታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ተጠርኒፎም ዘለዉ ኣባላት ቅንጅትን ደርግን ኣብ ናይ ጀነቭ ሰላማዊ ሰልፊ ንህግደፍ ዘለዎም ድጋፍ ንምግላጽ ባንደራ ኢትዮጵያ ሒዞም ንምስታፍ ተሰማሚዕም ኣኼባ ለንደን ተደምዲሙ።
 
ብድሕርዚ ኣብ ኩሉ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ኣብ ቲቪ-ኤረ ከይተረፈ ነቶም ብነጻነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ኣባላት ቅንጅትን ደርግን ’’ግዱሳት ኢትዮጵያውያን’’ ብዝብል ስም ኣማዕሪጎም ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ ባንደራ ኢትዮጵያ ሒዞም ክሳተፉ ምዃኖም ተቓሊሑ።
 
እምበኣር ካብዚ ኩሉ ሓበሬታ ብምብጋስ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ህግደፍን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስዒሩ ዘውደቖም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣባላት ቅንጅትን ደርግን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ቃልዕ ጐደናታት ጀነቭ ጉልባቦም ቀሊዖም ተሓቛቚፎም ዝረኣይሉን ናይ ህግደፍ ግሁድ ፖለቲካዊ ምንዝርናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኻዊ ጥልመት ዝፍጽሙሉ መዓልቲ ውድቀትን ኢዩ። ኩሉኹም ናይ ጀነቭ ተጐዓዝቲ ድማ ምስቶም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ኣባላት ቅንጅትን ደርግን ብሓባር ኣብ ትሕቲ ጽላል ባንደራ ኢትዮጵያ ትውዕልሉ መዓልቲ ብምዃኑ መን’ዩ ከዳዕ፡ መን’ዩ ሃሱስ፡ መን’ዩ ንህዝቢ ኤርትራ የሕሊፉ ዝህብ፡ ናይ ገዛእ-ርእስኹም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኰንኩም ትውዕልሉ ኣጋጣሚ ስለዝኾነ ዋልታ ህዝብኹም ትኾንሉ ሓቀኛ ሚዛን ንምሃብ እቲ ውሳኔ ናባኹም ንገድፎ።
 
ኣብ መወዳእታ ድማ ከም ኩልና ካብ ኤርትራ ዝተወለድና የሕዋትን ተቐማጦ ከተማ የተቦርን መጠን  ብሰላም ተጓዒዝኩም ብሰላም ክትምለሱና ንምነየልኩም።
 
ማሕበር ጥርናፈ ኤርትራውያን ንዲሞክራስን ፍትሕን
የተቦሪ 20 የካቲት 2010 ዓ.ም.ፈ.
 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...