Eritrean Democratic Public Forum of Greater Boston
ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ መኣዲ ዘተ ቦስቶንን ከባብን
Eritrean Democratic Public Forum of Greater Boston
590 Shawmut avenue
Boston, massachusetts, 02118
Mailing Adress: EDPF-BOSTON
P.O.BOX 230385
BOSTON, MA 02123
E-mail: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ዝዓበየ በደል፣
ውሳኔ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ.ሃ. ድዩ
ወይስ ውሽጣዊ ምልካዊ ምምሕዳር ስርዓት ህግደፍ?

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን

ኣሕዋንት ኣሓትን መላእ ኤርትራውያን

ብዝቐድመ ዝኸበረን ንኹሉ ዘሕበረን ሰላምታና ይብጻሕኩም።

ኣስዒብና: ነፍስ ወከፍ ንሃገረይን ንህዝበይን አፍቅር ኢየ ዝብል/እትብል ኤርትራዊ/ት ዜጋ ብዕትበትን ብኽፉት ኣእምሮን ኪምልሶ/ክትምልሶ ዝግባእ ሕቶ ከም ኣርእስቲ ኣበጊስና ኣለና። ነዚ ሕቶ’ዚ ብሓላፍነት ርትዓዊ መልሲ ክንህበሉ ምእንቲ ክንክእል ግን ግድን ኣቐዲምና ክንምልሶም ዝግብኣና ሕቶታት ኣለዉ፥

  1. ህዝቢ ኤርትራ ጻማ ናይቲ ነዊሕን መሪርን ቃልሱን ክቡር መስዋእቱን ረኺቡዶ? ኲናት ኣኸቲሙ ኣየር ሰላምዶ ከስተንፍስ ክኢሉ?
  2. ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ህሞት ሰላም ነጻነቱ ብብርሃን ሓርነት ህያው ኾይኑ፣ ሰብኣዊ መሰሉ ተሓልዩ፣ ብነጻ ፕረስ ሓሳቡ ናይ ምግላጽን ናይ ምግባእን ሓርነቱ ከቢሩ፣ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ኣንጊሱ፣ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ተኺሉ፣ ብልሑን ህርኩትናኡን ብዝፈቕደሉ ብዘይ ማሕለኻ ሰሪሑ ይኣቱን ስድራ ቤቱ ይሕብሕብን ኣብ ምዕባለ ሃገሩ እጃሙ የበርክትንዶ ኣሎ?
  3. ከም ጸጋ ነጻነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዓጸቦን ሕማምን ነጻ ኾይኑ ይነብር ኣሎዶ ክንብል ንኽእል?
  4. ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣተ-ሕጊ: ጸጋ ፍትሒ ረኺቡ ካብ ዘይሕጋዊ ቀይድን ማእሰርትን ሓራ ኾይኑ ምይቝ ከይበለ ቀሲኑ ዝነብረላ ሃገርዶ ኣላቶ?
  5. ተስፋ ሃገር ኣብ ህይወት መንእሰያት ዝተመርኰሰ ከም ምዃኑ መጠን፣ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ መንእሰያት ደቃ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ሰላምን ርግኣትን ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ተሰሪዖም ንፍልጠት ኪደልዩዋን ኪቐስሙዋን ይወናጨፉን፣ ህሞት ነጻነት ዝፈረዮም ምሁራት ደቃ ኣብ ኩሉ መኣዝናት መሰረት ምዕባሌኣ ዛጊት ስለ ዝዘርግሑላ ሃገረ ተስፋ ኾይና ኣላዶ ክንብል ንኽእል?

የእምሮና እንተ ዘይደንዚዙ: ሕልናና እንተ ዘይተቐቢሩ፣ ሎሚ ኤርትራ ሕድሪ ስዉኣታ ተጠሊማ፣ ብዕርቃን ግዝኣተ ሕጊ ዝባና ሰምቢሩ፣ ህዝባ ከይዛረብ ኣፉ ተዓቢሱ፣ ከይሰርሕ ተኸልኪሉ፣ ረዲኤት ከይረክብ ተኣጊዱ ብዓጸቦ ዝማስነላ፣ ከም ሓምሊ ቍራዕ ብሽግርን ተስፋ ምቝራጽን ዝበስለላ፣ ደቃ ካብ መኣዲ ትምህርትን ምህናጽ ስድራ ቤትን ተዀሊፎም ኣብ ወፍሪ ወተሃደራዊ ባርነት ተጸሚዶም ዝነብሩላ ዓባይ ናዅራ ኰይና ምህላዋን፣ ከምኡ’ውን ኣተሓሕዛ ስርዓት ህግደፍ ዝመረሮም መንእሰያታ ናብ ስደት ኪጐዓዙ ኣብ ምድረ በዳን ማእከልይ ባሕርን ማእለያ ዘይብሎም ይጠፍኡ፣ ካብዚ ዝሰገሩ ከኣ ኣብ ፈቐዶ ስደት ሕማቕ ህይወት የሕልፉ ምህላዎምን ዝተጋህደ መሪር ሓቂ ኢዩ። እምበኣር እዚ ንስሙ እዋን ነጻነት ዝበሃል፣ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዘይተጸበዮ ዝመረረ ጸልማት ጨቋኒ ውልቀምልኪ ተሸሚሙ፣ ኣብ ግሁድ ዕርቃን ግዝኣተ ሕግን ንድየት ፍትሕን፣ ዓጸቦን: ሕማምን ሞትን ዕጫ ዕለታዊ ህይወቱ ኮይኑ ዝማስነሉ ዘሎ ጸልማት እዋን’ዩ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብምኽንያት ዘይፍትሓዊ ውሽጣዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ህግደፍ እገዳ ምእዋጅስ ይትረፍ፣ ንማለቱ’ውን ኣየልዓሎን። እንተ ዚእውጅ ነይሩ፣ ኣህጉራዊ ሕጊ ልኡላውነት እኳ ዘይፈቕደሉ ይኹን፣ ንህዝቢ ኤርትራስ ትንፋስ ዝህቦ ፍትሓዊ ምኾነ። ጠንቂ እገዳ እምበኣር እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብምልካዊ ምምሕዳር ዝረግጽ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፣ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እናተጓነጽካ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ቅሳነትን ትኸልእ፣ ምስ ሓይልታት ተግባረ ራዕዲ ሶማል ትተሓባበር ኣለኻ ተባሂሉ ስለ ዝተራእየ ጥራይ ኢዩ። ኤርትራ እቲ ምዕሩግ ባህሊ ግዝኣተ-ሕግን ሕያውነትን ዝውንን ህዝባ መስዋእቲ ከፊሉ ህያው ዝገበራ መሬቱ፣ በቲ ብዘይ ኲናትን ህውከትን ኪነብር ዘይኽእል ሓይሊ ጸላም ውልቀመላኺ ናብ ናይ ስቓይ ቤት ማእሰርቲ ምቕያሩ ከይኣክል፣ ካብ ዓለም እውን ፍጹም ብምንጻል ዓፊኑ የማስና ምህላዉ ድርብ ሃየንትኡ ኢዩ።

ስርዓት ህግደፍ ዋላ መላኺ መንግስቲ እናኾነ፣ ንህዝቢ ዝሓሊ ጎድኒታት እንተ ዚነብሮ -- ማለት ህዝቢ ከም ዓቕሙ ኪሰርሕን፣ ኪነግድን ኪሽቅጥን ዝፈቅድ፤ ዓጾቦ ንምክልኻል ኩሉ ረዲኤታት ኪኣቱ ክፉት ብምግባር ህዝቢ ተጠቓሚ ከም ዚኸውን ዝገብር መንግስቲ ነይሩ እንተ ዚኸውን፣ እወ ዝኾነ ይኹን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝግበር እገዳ ንህዝቢ’ውን ብኣሉታ ስለ ዝጸልዎ፣ ምእንቲ ረብሓ ህዝብኻ ክትቃወሞ ሃገራዊ ሓላፍነት ዘገድዶ ርትዓውን ፍትሓውን ጉዳይ ምኾነ። ካብኡ ተረፈ፣ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ፋሺስታዊ ምልካዊ ስርዓት ተረጊጹ ከይሰርሕን ረዲኤት ከይረክብን ተኸልኪሉ ብዓጸቦ ንዚሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ እቲ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ሰበሰልጣንን ዝተወሰነ እገዳ ኪሃስዮን ብኣሉታ ኪጸልዎን ኣይኽእልን ኢዩ። እኳ ድኣ: ሽፍታዊ ስርዓት ህግደፍ እታ ኣብ ክሳድ ህዝቢ ዘእተዋ መሽቀቕ ገመድ ሕጂ ናብ ክሳዱ ስለ ዝኣተወት፣ እዚ ናይ እገዳ ስጉምቲ ህዝቢ ካብ ማሕነቕቲ ተጋላጊሉ ነታ ብምሉእ ንምስትንፋስ ተኽእሎ ትስፍውቲ እዋን ህያው ንምግባራ መንገዲ ዚጸርገሉ፣ ሰንሰለት ጭቈናኡ እንተ ዘይበተኾ ዘላሕላሓሉ፣ ጸልማት ደመና ጋሊሁ በርሃው ዘብለሉ ዕድል ኪኸውን ምግማት ርትዓዊ ኣረኣእያ ኢዩ። ካብኡ ተረፈ እቲ ስርዓት ህግደፍ ንንጹህ ሃገራዊ ስምዒት ህዝቢ እናመዝመዘ ናይ ምድንጋር ስልቱ ሎሚ ህዝቢ ብመሪር ተመክሮ ስለ ዝነቕሓሉ ከንቱ ውዳሴ ምዃኑ ተቓሊዑ ኢዩ። እቲ ተስፋ ብምሉእ ዓወት ፍትሒ ምእንቲ ኪረጋገጽ ግን፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ቃልሱ ኣወሃሂዱ ነዚ ምቹእ ኩነታት ኪጥቅመሉ ይግባእ። ሎሚ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብኣዕናውን ኣጽናትን ፈላላዪን ተግባሩ ዕርቃኑ ወጺኡ፣ ነታ ብፍቕርን ሰላምን ትልለ ኣስመራና’ኳ መዐንደሪ ናይቶም ተጻባእቲ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ቅንጅትን ግብረሽበራውያን ሶማልን ገይሩ ንህዝቢ ኤርትራ ዘድፍር ዘሎ ትፋኡ ዘልምጽ ስርዓት ዓዋሉን ሸፋቱን ከም ዝኾነ ብምርግጋጹ፣ ህዝቢ ዓኽ-ጡፍ ኢሉ ካብ ሕላናኡ ፍጹም ሓኺኹዎ ኢዩ።

 

እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ደረት ኣልቦ ግፍዒ እምበኣር፣ ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ/ት ዜጋ ኣብ ልዕሊ ወለዱን ውላዱን፣ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ይወርድ ከም ዘሎ ጌሩ ኣዕሚቑን ኣስፊሑን ኪርኢ እንተ ዝፍትን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኪህሉ ዝግብኦ ሓቀኛ ፍቕሩ ህያው ምኾነ። ካብኡ ተረፈ፣ ብመርዛም “ሃገራውነት” ህግደፍ ተዓሚትካ “ሆ” ምባል ኣብ ልዕሊ ርእስኻን ህዝብኻን ጥፍኣት ምእዋጅ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ወሪዱ ዘሎ ጥፍኣትን ዕንወትን እኹል መርትዖ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ ቤተሰቡን ናይ ማሕላ የዕሩኽቱን ፍቕሪ ዘይብሉ ኢሳያስ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ፍቕርን ክብርን ኪህሎዎ ምጽባይ ናይ ከንቱነት ከንቱ ኢዩ።

ካብዚ ሓቂ’ዚ ምስ እንብገስ፣ እዚ ስርዓት ህግደፍ ንለካቲት 22: 2010 ጸረ እገዳ ሰላማዊ ሰልፊ ንምግባር ኣብ ወጻኢ ንዚርከቡ ደገፍቱ ዘዋፍሮ ዘሎ ከንቱ ጐስጓስ፣ ኣብኡ ንምስታፍ ዝዕጠቕን ወፈያ ገንዘብ ዝገብርን ኩሉ ዜጋ፣ ብፍላጥ ይኹን ብግርህነት፣ ኣንጻር ህዝቡ ኣእጋሩ ይስጉማ፣ ኣእዳዉ ይዝርግሓ፣ ድምጹ ይቃላሕ ምህላዉ ኪስቈሮ ይግባእ። ህዝብን ሃገርን ነባሪ፣ መንግስቲ ግን ይድከም ይሓይል፣ ይኽፋእ ይጥዓይ ጽባሕ ንጕሆ ተቐያሪ ክነሱ፣ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ምርኣዩ ብዕርቃን ናይ ልቦናዊ ኣተሓሳስባ ዝልለ፣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘሕትትን ዘሕፍርን ተግባር ምዃኑ ምስ ወግሐ ኪገሃድ’ዩ። ናይ እትነብረሉ ሃገረ-ስደት ዝፈቕደልካ ዲሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰላት ምስ ጸጋ ቁጠባዊ ህይወት ተጠቒምካ፣ ኣብ ክንዲ ኣብ ጐድኒ’ቲ ከምቲ ናትካ ራህዋ ሓሪሙዎ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብኻ ደው ትብል፣ ብኣንጻሩ ነቲ ምሉእ ሰብኣውን፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን መሰላት ገፊፉ ዘሳቕዮ ዘሎ ስርዓት ብድንቍርና ይኹን ወይ ብጸቢብ ብሕታዊ ጥቕሚ ምድጋፍ፣ ብኹሉ ሰብኣዊ መምዘኒታት ትሕተ እንስሳ ዘጸውዕ ተግባር’ዩ። እዚ መሰል ዜግነት ዝሃበካ ሃገር ብተኣፋፍነት ምስ ዝርእዮ መንግስቲ ተኣሳሲርካ ኣንጻሩ ደው ምባል እውን እንተ ኾነ ኣብ ህይወትካ ከቢድ ሳዕቤን ከኸትል ዝኽእል ተግባር ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ኣብ ልዕሊቶም ንህዝቢ ዘሳቒ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ዓው ኢሎም ዝድግፉ ዘሎዉ ሰብ ክልተ ዜግነት፣ ስለ እቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ሕጋዊ ስጉምት ኪውሰደሎም ከም ዚከኣል ኪፈልጡ ይግባእ። “ንለባምን ኣምተሉ ኣየናይ ከይስሕቶ፣ ንዓሻን ደርጕሓሉ ኣየናይ ከይፈልጦ” ስለ ዝኾነ፣ እቶም ብሰሪብ ብዝመረጽኩሞ ንውልቀመላኺ ኣምልኾኹም ኣእምሮኹም ኣደንዚዝኩም ሕልናኹም ቀቢርኩም ኣንጻር ህብኹም ተሰሊፍኩም ዘሎኹም ኤርትራውያ፣ ይቐልጥፍ ይደንጕ እቲ ኪወርደኩም ዝኽእል ሳዕቤን ደርጒሕናልኩም ኣለና። ካብኡ ዝተረፈ “ምኸሮ ምኸሮ፣ እምቢ እንተ በለ መዓት ይምከሮ” ከም ዝበሃል፣ ልቦናዊ ምኽሪ ንዘይሰምዕ ሰብ ሽግር ከም ዚምህሮ ዘይተርፍ ተርእዮ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ።

ክቡር ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣት!
ሓርነት: ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!!

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ መኣዲ ዘተ
ቦስቶንን ከባብን

12 ለካቲት: 2010


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...