ብምኽንያት በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን የዕሪፉ ዝጸንሐ፣ መስርሕ ምስግጋር ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሳልሳይ ሃገር ብሎሚ ዕለት 03/02/2010 ስርሑ ጀሚሩ፡፡ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት ፈለምቲ ጉዕዞ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሽመልባ ናብ ኣሜሪካ 23 ኤርትራውያን ስደተኛታት ሎሚ ምሸት ክብገሱ ምዃኖም ተበሲሩ’ሎ፡፡


ምስሊ ሎሚ ምሸት ዕለት 03/02/2010 ብመስርሕ ጉሩፕ ሪሰትልመንት ናብ ሳልሳይ ሃገር ካብ ዝሰጋገሩ

በዚ ኣጋጣሚ ድማ ቤ/ጽ ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ (ARRA) ሰናይ ጉዕዞ ክኾኖሎም ተመንዩ፡፡

ብዘይካ’ዚ መግለጺ ቤ/ጽ ጉዳይ ስደተኛታት ንኤርትራውያን ተጓዓዝቲ፣ ናይ ሪሰትልመን ዕድል ረኺብኩም ናብ ሳልሳይ ሃገር ትኸዱ ብምህላውኩም ዝተሰመዓና ሓጎስ ብሽም ቤ/ጽሕፈትን ብሽም ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ነመስግን ድሕሪ ምባል፡ ከምዝፍለ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 45 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ 4ተ ካምፕታት ማለት ኣብ ትግራይ ኣብ ሽመልባን ማይ-ዓይንን ኣብ ዓፋር ኣብ ኣስሓይታን በርሓለን ከምኡ’ውን ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይምዕሩይ ምሕደራን ጨካን ኣረሜን ዝኾነ ስርዓት ራሕሪሖም ብሓደ ወርሒ 2114 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ኣለዉ፡፡

ብዘይካ’ዚ ኣብ’ቲ መግለጺ፣ በዚ ዝተላዕለ መዓስከር ኤርትራውያን ስደተኛታት ማይ-ዓይኒ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምምልኡ፣ ሓድሽ ካምፕ ዓዲ-ሓሩሽ ዝበሃል ኣብ ምኽፋት ይርከብ፡፡

በዚ መሰረት ሽግራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምቅላል፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ገበርቲ ሰናይ ግብርታትን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣሜሪካ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ካብ 2006ዓ.ም ክሳብ 2009 ቁጽሪ ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝተሰጋገሩ 5822 በጺሑ’ዩ፡፡ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2010 ድማ 3100 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሰጋገሩ’ዮም፡፡ እዞም ናይ ሎሚ ተጓዓዝቲ ድማ ኣካል ናይዞም ኣብዚ ዓመተ 2010 ዝጎዓዙ ናይ መጀመርታ ዙር ምዃንኩም’ዩ፡፡ እቶም ዝተረፉ የሕዋትኩም ድማ ክስዕብኩም’ዮም ድሕሪ ምባል፡ ሕጂ’ውን ኣተሓሕዛን ኣቀባብላን ንኤርትራውያን ሰደተኛታት ብህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ፣ ካብቲ ዝጸንሐ ብዝተመሓየየሸን ብዝለዓለን ክቅጽል’ዩ ክብል ንተጓዓዝቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣበሲሮም፡፡

ብድሕርዚ ተጓዓዝቲ ስደተኛታት ቃሎም ኣስሚዖም፡፡ ብዝረኸብዎ ዕድል ካብ መንጋጋ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ወጺና፣ ነዚ ዕድል ምርካብና ዳግም ምውላድና’ዩ፡፡ ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ድማ ነመስግን፡፡

ንሙሉ ትሕዝቶ ቃለ-መሕተት ተጓዓዝቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ቀጻሊ የራኽበና፡፡


“ራህዋን ብልጽግናን ንህዝብታት ኤርትራን
ኢትዮጵያን!!”

“ ዓለም ዓኽ-ጡፍ ዝበለቶ፣ ፉን-ፉን ምሕደራ ህግደፍን
ኢሰያስን ኣብ ምእላይ ኩልና ኤርትራውያን ዓቅምና
ነበርክት!!”


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...