ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ርእሲ ስርዓት ኤርትራ ውሕሉል ማዕቀብ ካብ ዝወሰነሉ እዋን ጀሚሩ፡ እቲ ካብ ዓለም ዝተነጸለን ብኡ መጠን ዝተኾነነን መሪሕነት ስርዓት ኤርትራ ከይሓነኸ፡ ባይቶ ጸጥታ ዘይሕጋዊ ብይን ከምዝገበረሉ ከምስል ብናህርን ዲፕሎማሲ ብዝጎደሎን ኣገባብ ይጓየ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ሕቡራት መንግስታት ነዚ ውሳኔ እዚ ንኽወስድ ዘገደድዎ ጉዳያት ማለት ነቲ ዘይሕጋውን ሓላፍነት ዝጎደሎን ተግባራቶም ብሓቅነትን ብትብዓትን ኣብ ክንዲ ምምርማር፡ ብኣንጻሩ ነቲ እከይ ተግባራቶም የባልሕዎን  የጋድድዎን ኣሎዉ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ንተግባራት ውጽኢት ናይ’ቲ ማዕቀብ ያኢ ንኸዘሓሕል ዝሃንደሶ ኣርባዕተ መድረኻት ዘሎዎ እስትራተጂ እንዳተኸሽሐ ይኸይድ ኣሎ። እምበኣርከስ እስከ ነቶም ዝወጹ እስትራተጂ ተመሊስና ንርኣዮም።

መድረኽ  ርኣዩለይ ስምዑለይ፤ እዚ መድረኽ’ዚ በቲ ናይ ሾመንተ ሰዓት ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ መእሰሪ ዘየብሉ፣ዕኑድን ተደጋጋምን ዝኾነ ቃለ-መጠይቕ ዝተጸምበለ እዩ። እዚ ዘመልክቶ ከኣ እቲ መሪሕነት ክሳብ ክንደይ ኣዚዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ ዝሕብር ድኣ’ምበር ካልእ ዘቕረቦ ሓድሽ ነገር ምንም ኣይነበረን። ዕላማ ናይ’ዚ መድረኽ’ዚ ግን ህዝቢ ብኸመይን ንምንታይን ኣብ’ዚ ሽግር’ዚ ወዲቕና ዝብሉ ሕቶታት ንኸይልዕል ልቡን ቀልቡን ንምጥምዛዝ እዩ። እንኮ ፈተንኦም ህዝብን ሃገርን ኣብ ጎድኒ እዚ ውዱቕ ስርዓት’ዚ ንምዕሳል  ኮይኑ ክበጽሕዎ ዝደልዩ ከኣ መሪሕነቶምን ሕጋውነቶምን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንምርግጋጽ እዩ። እዚ ግን ከም’ቲ ዝሓሰብዎ ኣይሰርሐን።

መድረኽ  ዘርዮሙና፤ ቀደሙስ  እንታይ ሰብ ጽቡቕና ነይሮም እዮም ኢልካ ድኽመትካ ንምሽፋን፡ ብነበረያ-ነበረ ዝተወስደ ውሳኔ ምስ’ዚ ውሕሉል ማዕቀብ ብምዝማድ፡ ነቲ ናብ’ቶም ቶዃሉ መራሕቲ ኣረመናዊ ስርዓት ህግደፍ ዘቕንዐ ማዕቀብ፡ ናብ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝተበየነ ኣምሲልካ ናይ ኣማዉትና ጸዋዒት ምግባር። ምስ’ዚ ጎኒ-ንጎኒ ዝኸይድ መልእኽቶም ድማ የዋህ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ኣለዓዒልካ ነቲ ሕቡራት መንግስታት ዝሓተቶም ግን ከኣ ክምልስዎ ዘይከኣሉ  ሕቶታት መሸፈኒ ያኢ ክኾኖም ናይ ቀደም ተቓናቐንቲ እንዳሰመኻ ዝሞተ ወኒ ከተለዓዕል ምፍታን።

ናይ ጠቐነ መድረኽ፤  ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ዝተወስደ ውሕሉል ማዕቀብ እንታይ ምዃኑን ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋን ኮነ ኢልካ ዘይትርጉሙ ክወሃብ ጸኒሑ። እዚ ማዕቀብ’ዚ ነቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣራዊታዊ ስርዓት ህግደፍ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢዝዓለመ ኣይኮነን። እዚ ማዕቀብ’ዚ ነቲ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ብፖለቲካ፣ ብቑጠባን ማሕበራዊ ናብራን ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ዝዓለም’ውን ኣይኮነን። ማዕቀብ 1970 ነቶም ስልጣን ቢሒቶም ዘሎውን ላዕለዎት መጋበርያ ናይ’ቲ ብህዝባዊ ምርጫ ዘይመጸ መንግስቲ ዝዓለመ እዩ። እቲ ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ብመንግስታውን ከምኡ’ውን ዘይወግዓዊ ዓለም-ለኻዊ ናይ ህግደፍ ማዕከናት ጽዑቕ ዘመተ ዝካየደሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ንኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝነብር ኤርትራዊ ንምድንጋር ጥራይ ኢዩ። እዚ ከኣ ከም’ቲ “ከተዕግቦም እንተዘይካኣልካ ኣደናግሮም” ዝብልዎ ምስላ ዝዓይነቱ እስትራተጂ እዩ። እቲ ዝርዝር ናይ’ቲ ማዕቀብ እዋኑ በጺሑ  በታ ናይ ማዕቀብ ሽማግለ ምስ ወጸ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን እቲ ሓቀኛ ትርጉም ናይ’ቲ ማዕቀብ ብቐሊሉ ክርድኦም እዩ። እዚ ክኸውን ምዃኑ ስለ ዝተረድአ ድማ እዩ እቲ ስርዓት ስምዒት ህዝቢ ከይዘሓለ እንከሎ ክረኽቦ ዝኽእል ደገፍ ንኽምእርር ሃርገፍገፍ ዝብል ዘሎ። እዚ ከኣ ምስ ግዜ ምቅድዳም እኳ ይኹን እምበር ንሓቅነትስ ንዘልኣለም ክሽፍና ኣይክእልን እዩ።

ናይ ምድንጋር መድረኽ፤  እዚ መድረኽ’ዚ ብጻውዒት ናይ’ቲ ኣብ ለካቲት 22 ነቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ናይ ማዕቀብ ዝቃወም ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝካየድ ሰልፊ እዩ ጀሚሩ። እቲ ስርዓት በቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዝራኣዮ ናይ ኣሰራርሓ መቐይሮ ፈጺሙ ሰንቢዱ እዩ። ተስፍኡ ዝነበረ ሓንቲ ካብ’ተን ክልተ ኣባሊገታቱ ማለት ሶቭየት ሕብረትን ቻይናን ዘለወን ናይ ድምጺ ሓይሊ ተጠቒመን ካብ ውሳነ ማዕቀብ ከድሕነኦ እዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ ግን እተን ክልተ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ  በቲ ዝተዋህበን ጭብጥታት  ዓጊበን፡ ነቲ ቀይደ-ኣልቦ ጸቓጢ፡ ንመሰረታዊ ዲፕሎማስያዊ ሕግን ኣገባብን ዘይክተል ስርዓት ኣእዳወን ካብ ምዝርጋሕ ተቖጠባ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ዘርኣዮ ኩቱር ሕርቃንን  እንቃዓ-እንቃዓ ምትንፋስን ድማ ፍርሒ ዝሰረቱ ቀቢጸ-ተስፋዊ ስጉምቲ ምዃኑ ርዱእ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ማዕቀብ ሓንቲ ሽግር ከምጽኣሉ ከምዘይክእል ንህዝቢ ከደናግር ይፍትን፤ በቲ ሓደ ወገን ድማ ዓለም ብዓለማ ተሰሊፋ ከተድሕኖ ይጽውዕ። እዚ ትዕዝብቲ’ዚ  ከኣ እቲ ስርዓት ኣብ ከመየናይ ዝኣመሰለ ዘይርጉእ ኩነታት ከም ዘሎ የብርሃልካ። በቲ ካልእ ሸነኽ ክርሳዕ ዘየብሉ ድማ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ዞወሰደቶ ውሳኔ ብመምርሒአን መሰረት ብኹለን ኣባላት ሕቡራት መንግስታት ዝኾና ሃገራት፤ ዋላ’ውን እታ ኣንጻሩ ዘድመጸት ሊብያ ከይተረፈት ክትግበር ኣሎዎ። 

ኣብ’ቲ ራብዓይ ክፋል ዝተዓዘብናዮ ኣጀንዳ ህግደፍ ስኣን ደጊምካ ምሕሳብ ንዝተኣዘዝዎ ሰልፊ ከም ዘላታ ከተግብሩ ምስ ዝፍትኑ፡ ብፍላይ ንኣብ ስደት ዘሎዉ ኤርትራውያን ሓደገኛ ሳዕቤን ኣሎዎ። ነዚ ህጹጽ ዝኾነ መጸዋዕታ ክንገብር ዘገደደና ድማ ነዞም ዘይቁዱስ ዝኾነ ሰልፊ ንኽሳተፉ ዝሓስቡ ዘሎዉ ክንሕብሮምን መጠነኛ ማዕዳ ክንልግሰሎምን ግቡእና ምዃኑ ስለ እንኣምን እዩ።

ነዚ ሰልፊ’ዚ መን ኣበጊሱዎ? እቲ ሓቀኛ ዓላማ ናይ’ዚ ሰልፊ’ዚ እንታይ እዩ? ዝምድና መኸተን እዚ ሰልፊ እዝን እንታይ እዩ? ካብ’ዚ ሰልፊ’ዚ መን ይረብሕ? ቅድሚ ሕጂ ብሰልፊ ዝለገሰ ማዕቀብ ኣሎዶ? እዚኦምን ከምዚኦም ዝኣመሰሉን ሕቶታት ብምንጻር ድማ ነቶም በቲ ስርዓትን በቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ መንግስቲ ዝቖጸሮምን ዘይቆጸሮምን መጋበርያታቱ  ተመዊሎም “መንግስቲ ኣድሕን” ዝመልእኽቱ ሰልፊ ንምስታፍ ዝጉስጉሱ ዜጋታት ደጊሞም ክሓስቡን፤ እቲ ከስዕቦ ዝኽእል ሳዕቤን ክርድኡ ይኽእሉ።

እቲ ኣዝዩ ዘገርምሲ ኢሰያስ ባዕሉን ስርዓቱ ዝውንኖም ናይ ዜና ማዕከናቱን ወግሐ-ጸብሐ ኣብ ኣመሪካ፣ ኤውሮጳን ብሓፈሽኡ ድማ ኣብ ዓለምን ጨና ናይ ደሞክራሲያ የሎን እንዳበለ ክግዕር ከም ዘይጸንሐ፡ ሕጂ ነቶም ኣብ ስርዓት ደሞክራሲ ዝኽተላ ሃገራት ዘሎዉ ኤርትራውያን ደሞክራሲያዊ መሰሎም ተጠቒሞም ሰልፊ ብምክያድ ከድሕንዎ ጸሓይ ኣብ ምዕራባ ሸበድበድ ይብል ኣሎ።

እቶም ኣብ’ዚ ዘይቁዱስ ሰልፊ ክሳተፉ ወሲኖም ዘሎዉ ኣሕዋትና፡ ነቲ ምስ ሕልናኦም ዘይቃዶ ዝገብርዎ ተግባራት ከስተባህሉሉ ይግባእ። ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ መሰል ናይ ኩሉ ህዝቢ ምዃኑ እንኣምንን እንድግፎን እኳ እንተኾነ፡ ስም ደሞክራሲ ተጠቒምካ ነቲ 10,000 ማይልስ ካብኻ ርሒቑ ዝነብር ዘሎ ህዝብኻ ዝረግጽን፡ ዓለም ብዓለማ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣቢላ ኣብ ታሕሳስ 23, 2009 ዓ. ም. ማዕቀብ ዝኣወጀትሉ ስርዓት ንምድሓን ዝግበር ሽርሒ ግን ኣትሪርና ንቃወሞ።

ከም መደብ ናይ’ቲ ስርዓት፡ ነዚ ተበይኑ ዘሎ ማዕቀብ ተጠቒሙ ነቲ ኣብ ወጻኢ እንዳኣንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ደገፋቱ ናይ ምድሓን ስልቲ ገይሩ ክጥቀመሉ እዩ። ምንም እኳ ነዚ ሰልፊ እዝን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ስልፊ ዝግበር ናይ መኸተ ቁጠባዊ ምኽዕባትን ዘዳልዉ ውልቀ-ሰባት ናብ ናይ ኣመሪካ ሃገራዊ ድሕነትን ክፍሊ ንግድን ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ተኽእሎ እንተሎ፡ እቲ መንግስቲ ግን ኣብ’ቶም ውልቀ-ሰባት ክበጽሕ ዝኽእል ጉድኣት ዘገድሶን ዝሓመሉን ኣይኮነን።

እዚ ስርዓት እዚ ንግዚኡ ዘዓውቶ ነገር ንኽረክብ ዝኸፈለ ክፊሉ እዩ ዘተግብራ። ተግባራቱ እዚ ምዃኑ ስለ እንፈልጥ ኢና ድማ ክመጾም ዝኽእል ሓደጋ ብዘየገድስ  ነቲ መርዛም ዝኾነ ናይ እዋን’ዚ ኣጀንድኡ ኣብ ብዙሓት ኣሕዋትና ከስርጾ እዩ ዝብል ስግኣት ዘሎና። ዋላ’ኳ ኣብ ኣረኣእያን ኣብ ምምዛን እዚ ስርዓትን ፍልልያት እንተ ሃለወና፡ እዚ ሃቂኑዎ ዘሎ ሰባብ ሽርሒ’ዚ ግን ኣብ ማንም ኤርትራዊ ክወርድ ኣይንምነን። ነዚ ውድቀቱ ቀሪቡ ከም ጥንስቲ መዓልቱ ዝቖጽር ዘሎ ሙሽሙሽ ስርዓት ንምድሓን ክብሉ ጨቐቕ ኢሎም ዘጥረይወን ንብረት ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ዘሎዉ ኣሕዋትና ናይ ምሕባር ሓላፍነት ግቡእና እዩ።

ኣብ ታሪኽ ሕቡራት መንግስታት ንማዕቀብ ዝቐየረ ሰልፊ የልቦን። እቲ ማዕቀብ ንኸይጋደድ እትከላኸለሉ መንገዲ ግን ሓንቲ ጥራይ እያ። ንሳ ድማ እቲ ስርዓት ብዘይ ቅድመ-ኩነት ዝተኣዘዞ ክፍጽም እንከሎ እያ።

እዚ ሕጂ ከካይድዎ ዝሸባሸብዎ ዘሎዉ ሰልፊ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ነቲ ስርዓት ማዕቀብ ምስ ገበረትሉ ዘይኮነስ፡ ኣቐዲሞም ብሕቡራት መንግስታት ደው ንኸብሎ ዝተሓተቶ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ደው ንኸብል ኣንጻር እቲ ስርዓት ክስለፉ ነይሩዎም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ባህጎም ምሕጋዝ ኤርትራ እንተኾይኑ፡ ምሕጋዝ ማለት ካበይ ከም ዝጅምር ክርድኦም ነይሩዎ። እዚ ማለት ከኣ ነቲ ዘይሕጋዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ’ቲ መንግስቲ ከብቅዕን፤ በቲ ዓንዳሪ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ ንመጻኣኢ ዕድል ናይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ናብ ሓደጋ ናይ ምእታው ጻዕሩ ደው ከብልን ኣጥቢቖም ክሓቱን ክስለፉን ነይሩዎም። እዚ ሕጂ ዝሓስብዎ ዘሎዉ ግን “ከብቲ ምስ ወጻስ ማዕጾ ደምበ (ገርገራ) ምዕጻው” ዝዓይነቱ ኣፈታትሓ ሃገራዊ ሽግር እዩ።
ሕቡራት መንግስታት ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ኣቐዲሞም ብምሕባር እቲ ስርዓት ምስ ኢጋድ፣ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ባይቶ ጸጥታን ዘሎዎ ጉዳይ ንኽፈትሕ ዝኣክል ግዜ ሂቡዎ ነይሩ እዩ። ናይ’ቲ ስርዓት ትዕቢት ግን ነቲ ሽግር መመሊሱ ኣጋዲዱዎ። ኣብ’ዚ እንብሎ እንተሃልዩ ከኣ “ በቲ ሳዕቤን ምቑዛም ሓዲግኩም እቲ ጠንቂ እንታይ ምንባሩ ኣለሊኹም መክትዎ” እዩ።
ንኤርትራን ህዝባን ንምክልኻል ዝሓሸ መንገዲ እምባኣር፡ ምስ’ቲ ክውንነት ናይ ሃገርና ዝጓዓዝ ሓቅነት ሒዝካ ነቲ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝተነጸለን ዝተኾነነን ስርዓት ንጠቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይውክል ምእማን እዩ። እዚ ስርዓት እዚ ክዕረ ዝኽእል ስርዓት ኣይኮነን። ዝሓበረ ቅልጽምና ኣብ ክንዲ ንዝመሽመሸ ስርዓት ንምፍዋስ ግዜኡ ዘባኽን፡ ዘለኣለማዊ ፍታሕ ዘምጻኣልና ሰላምን ደሞክራስን ንምርግጋጽ ክንጠልብን ክንሰርሓሉን ይግባእ።

ናይ ኣቶ ኢሰያስ ናይ ርኣዩለይን ስምዑለይን ዓጀውጀው ክሰርሕ ኣይከኣለን። ጸለመ እንተኾነ’ውን   ምንም ከሰጉሞ ኣይተራእየን። እታ ክትሰርሓልና ኢያ ኢሎም ዘቕረብዋ ናይ ምድንጋር እስትራተጂ እውን በብቑሩብ ሓቅነታ እንዳተቐልዐት ትኸይድ ኣላ። ህዝብና ካብ’ቲ ኣንጸላልዩዎ ዘሎ ሓደጋ ምእንቲ ክድሕን፡ እዚ ስርዓት’ዚ ናብቶም ኣብ ስደት ዘሎዉ ኣሕዋትና ኤርትራውያን ክዘርኦ ዝውጥኖ ዘሎ ሰይጣናዊ መልእኽቲ  ብዘይ ውዓል-ሕደር፥ ሕጂ ደው ከነብሎ ይግባኣና።

ዘይምትሕልላይ ዝዓበየ ገበን ስለ ዝኾነ ከም ሓደ ህዝቢ መጠን ካብ’ኡ ርሒቕና ክንነብር ይግባእ። ካብ መቓብር ሕሉፍ ጉድለታትና ብሓባር ብምብጋስ ነታ እንፈትዋ ሃገርና ካብ’ቲ ተጸሚዳቶ ዘላ ናይ  ጭቆና ጸልማት ኣላቒቕና ናብ ናይ ናጽነትን ፍትሕን ብርሃን ነሰጋግራ።

ነዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ  ሓደጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ሕጂ’ውን ናብ’ቲ ኣብ ለካቲት 22, 2010 ዓ. ም. ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ሰልፊ ከይትሳተፉ ደጊምናን ደጋጊምናን ንምሕጸን። ታሪኽ ሓዳግ ኣይክኸውንን እዩ። እብ ጎድኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው በሉ። ነቲ ዓማጺ ስርዓት እትገብርዎ ሓገዛት ድማ ኣቋርጽዎ።

ኤርትራዊ ዓለም-ለኻዊ ምትእስሳር
ጥሪ 28, 2009 ዓ. ም.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...