ጠንቂ ስደት መንእሰያት እንታዩ? ተሓታቲ’ኸ መን’ዩ ?
ሰደት ወዲ ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ እንስሳ’ውን ከይተረፈ ብዘይ ወለንትኡ ዝገብሮ ጉዕዞ ሂወት ኢዩ። እዚ ማለት ነቲ መሰረትካን ምበቆልካን ዝዓበኻሉን ከባቢ ራሕሪሕካ፡ ብዝይ ፍቶትካ ተገዲድካ ትኣትዎ ድኣምበር ምርጫ ኣይኮነንን። መጽናዕታዊ ጽሑፋት ሰነ ሰብ ከምዝሕብርዎ ጠንቂ ሰደት ደቂ ኣዳም ኣብ ክልተ ዓበይቲ ምክንያታት ከፊሎም ይርእይዎ።

1.ተፍጥራዊ
ኣብዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም እታ ናይ መጀመርያ ቤት ወዲ ሰብ እዛ ምጭውቲ ኣህጉርና ኣፍሪቃ’ያ ይብሉ፡ ናይ ቅርስታት ተመራምርቲ (ኣርኪኦሎጂት)። እዞም ተመራመርቲ ኣብ ዘካየድዎ ነዊሕ ጊዜ ዝወሰደ ምርምርን ድህሰሳን፡ዝተገብረ ደቂቅ መጽናዕቲ፡ እቶም ናይ መጀመርያ ቀዳሞት ማለት ቅድሚ ኣማኢት ኣሸሓት ዓመታት ዝነበሩ ፍጡራት ደቂ ኣዳም እታ ፊልማዊት ቤቶም ኣፍሪቃ ከምዝኮነት ይምስክሩ። እሞ እዛ ናይ ሎሚ ዓለምና ድኣ ብከመይ ዝኣምሰለ ኩነት’ያ ከምዚ ሎሚ ንርእያ ዘሎና ክትከውን ዝከኣለት ዝብል ሕቶ ክልዓል ግድን ኢዩ። ብመሰረት እቲ ዝተካየደ መጽናዕቲ፡ እቶም ጥንታውያን ነባሮ ኣፍሪቃ መንባብርኦም መስረቱ  ኣብቲ ተፍጥሮ ዝለገሰቶ ጸጋታት፡ ኣብ ሃድንን ፍረታትን ከምዝነበር ይሕብሩ። በዚ ድማ ዕለታዊ ሂወቶም የካየዱን ይነባበሩን ከምዝነበሩ ይዝንቶ።እንተኮነ ድሕሪ ዝተወሰነ ኣማኢት ዓመታት፡ ምስ ምውሳክ ብዝሒ ህዝቢ፡ምስ ምቅይያር ኩነታት ኣየር፡ንሱ ዘዓቦ ደርቅን፡ እቲ ናይ ዝህደኑ እንስሳ ቁጽሪ እንዳወሓደን፡ እቲ ናይ ፍረታት’ውን ብተመሳሳሊ እንዳባደመ ምስ ከደ፡ንዝያዳ ሃድንን ምልቃም ፍረታትን ካብቲ ዝነብርዎ ከባቢ ክፍናቀሉ ግድን ኮይኑ። ብከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እንዳተንቀሳቀሱ ኸኣ እዛ ናይ ሎሚ ዓለምና፡ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኣክቢብናያ ንርከብ። ብተመስሊ ኩነታት እቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝክሰት ዝነበረ ናይ ተፍጥሮ ሓደጋታት ቃጸሎን እሳተ ጎመራን ውሕጂን ምጥልቅላቅን ብዙሕ ሰብ ቀዚፉን ኣፍናቁሉን ኢዩ። በዚ ድማ ንብዙሓት ጠንቂ ሰደት ኮይንዎም ናብ ዝሓሸን ውሑሱን ክሳግሙ ጌርዎም ኢዩ።የግዳስ ሎሚ ምስ ምምዕባል ሳይነስን ተክኖሎጂን እቶም ንወዲ ሰብ ከሳድዱን ከማዛብሉን ዝጸንሑ ናይ ተፍጥሮ ሓደጋታት ብኸፍል ኽጎድሉ፡ብኣግኡ ግድኣት ከየብጽሑ ከለው ይፍለጡ ብምህላዎም ኣብ ምድሓን ብዙሕ ሂወትን ንብረትን ጥሪትን ዓቢ ግደ ካብ ዝጻወት ሓያሎ ዓመታት ኣቑጽሩ ኣሎ።

2.ሰብ ዝፍጠሮ ጥንቂ

 

ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ወፍሪ ባርነት

 

 

 

 

 

እዚ ካብቲ ቀንዲ ጠንቂ ሰደት ደቂ ሰባት ኮይኑ ዘሳቂ ዘሎ መድሃኒት ዘይብሉ፡ ዛጊት መዕለብን መፍትሕን ዘይተረኽቦ መንሸሮ ዓለምና ኮይኑ ዝጸንሕን ዘሎን ኢዩ። እወ ደቂ ሰባት ካብዘይ ሚዛናዊ ኣትሓሳስባ፡ ካብ ስስዔን ትምክሕትን ዕብለላን፡ ናይ ኣብዲ ሕልና ሰነሞጎት ተሓንጊጦም፡ ኣብ ዘካይድዎ ትርጉም ኣልቦ ወድድር፡ ኣነዶ ንስካ፡ ዝመሰረቱ ካብ ናይ እንስሳዊ ባህርይ ዘይፍለ ኩነት ኢዩ። ክሳብ’ዛ ዕለት ድማ ንዓለምና ሰላም ከሊእዋ፡ ህዝብታት ድማ ከም ደቂ ዛግራ ኣፍቀድኡ ክበታተኑን፡ ሰድራቤታት ክጸንታ፡ ዓሌታትን ቛንቛታትን ክበርስን ከዓኑን፡ ዓድታት ክባድማ ልሙድ ተርእዮ ዓለምና ኢዩ። ኣብዚ ነዊሕ ዕድሜ መዋእል ደቂ ሰባት እምብኣር፡ ህዝብታት ዓለም ብፍላይ ህዝብታት ኣፍሪቃ ብሰንኪ ግዳማዊ ይኹን ብዓል ቤታዊ ገዛኢ ደርቢ ዘሳወሮ፡ ዓሌታዊ ሓድሕድ ኩናት፡ ፖለቲካዊ ዕብለላን ቅልውላውን ፍሉልነትን ዝፈጠሮ ሞትን ማእሰርትን ጸቅጥን ራዕድን፡ ህዝብታት ብዘይ ድሌቶም ተቀሲቦም ክስደዱ ክበታተኑን ክፋናጨሉን፡ ርስቶምን መሬቶምን መዳሕንቶም ዝተቀብረላ ዑና ኣቦታቶም ራሕሪሖም ሰሚዔሞ ዘይፈልጡ ዓዲ ጓና ክስፍሩ ኮይኖምን ይኾኑ ኣለውን።

ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ህዝብታት ዓለም ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ግዳይ ዘስካክሕ ሰደትን መከራን ዝኮነ ህዝቢ ኢዩ።ኣብ ሃገርና ስደት ብወግዒ ካብ ዝፍለጥ ከባቢ ክልተ ዘመን ኣቅጺሩ ኣሎ። ቅድሚ ምምጻእ መግዛእቲ ጣልያን፡ ኣብ ዓሰርተው ሸሞንተ ክፍለ ዘመን፡ ብሰንኪ’ቲ ተደጋጋሚ ካብ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ፡ ብነገስታትን ራእስታትን ትግራይን ኣምሓራን ዝካየድ ዝነበረ ወራርን ዝምታን ከምልጥ፡ ሓያሎ ህዝቢ ካብ ከበሳታት ኤርትራ ናይ ሸዑ ብሓማሴን ዝፍለጥ ዝነበረ ከባቢ ንምዕራብ ገጹ ክሳብ ከሰላ መሬት ሱዳን ከምዝተሰደ መዛግብቲ ታሪክ ይሕብሩ። ብድሕሪ  ምሉእ ምእታው መግዛእቲ ጣልያን’ውን እንተኮነ ብዙሓት ኤርትራውያን ደቀባት ብሰንኪ ዝተፍጠሩ ግርጭታት ኣብ ጉዳይ መሬትን ዘይፍትሓዊ ምሕደራን ንኢትዮጵያ ገጾም ይስደዱን ይሸፍቱን ከምዝነበሩ’ውን ዝፍለጥ ኢዩ። ግን ኣዝዩ ወሑድ ቁጽሪ’ዩ ዝነበረ። በንጻሩ ግን ብፍላይ ካብ ምጅማር መምሕዳር ጣልያን ክሳብ ምዝዛም ካልኣይ ኩናት ዓለም ምትካእ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ኤርትራ ኣደ ብዙሓት ሰደተኛታት፡ ብፍላይ ካብ ሰዑዲ የመን ግሪክ ህንድን ኢትዮጵያን ከምዝነበረት ገለ ናይ ዕድሜ ሰብ ጸጋ ዘዘንትውዎ ሓቀኛ ታሪክ ኢዩ።

ድሕሪ ምትካል ፈደረሸን፡ ምፍራሱን ግን ብቁጽሪ ብዝሕ ዝበለ ኤርትራዊ ገለ ንምስርን ምእከላይ ምብራቅን፡ ገለን ድማ ንሃገረ ኢትዮጵያ ክስደድ ጀመረ። ቀጺሉ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝተኸስተ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘስዓቦ፡ስርዓት ሃይለስላሰን ንዕኡ ዝተክኤ ደርግን ከም ስትራተጂ ዝተጠቀምሉ፡ ኤርትራውያን ብፍላይ መንእሰያት ብዝተራቐቐ ሜላ ብትምህርትን ስራሕን ኣመኽኒኻ ንሸዋ ክስደዱ ምግባር፡ መትካእትኦም ድማ ኣምሓራን ተጋሩን ምምጻእ ኢዩ ዝነበረ። ሕሉፍ ሓሊፉ ነቶም ዝተሰዱ ኤርትራውያን ከም ደቀባት ኢ/ያ ቆጺሩ ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ክሳብ ጋሻ መሬት ክሕዙ ክሸነኑን ተጌሩ ኢዩ።
እቲ ቀንዲ ዋና ነገር ግን፡ እቲ ከምቲ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ፡ ድሕሪ ምፍራስ ፈደረሸን ኣብ ሃገርና ኤርትራ ሓያል ፖለቲካዊ ቅልውላውን ናዕብን ተከሲቱ። ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ናይ ተመሃሮን ኣድማ፡ ብድሕሪኡ’ውን ናይ ፖሊስ ተቃውም፡ ብዓቢኡ ድማ ምስ ምቅልቃል ምንቅስቃስ ማሕበር ሸውዓት (ሓራካ) ኣብ ኤርትራ እዚ ዘይብሃል ወጥርን ዕግርግን ወሊዱ። በዚ ዝተስናበደ ሰርዓት ሃይለስላሰን መጋበርያ መሓውራቱን ነቲ ዝተላዕለ ተቃውሞን ናዕብን ንምብርዓን ናይ ምእሳርን ምቅጥቃጥን፡ ክቐትልን ዓድታት ከንድድ፡ ብጀምላ ዜጋታት ክሓርድ ምስጀመረ፡ ቡዙሕ ህዝቢ ንሱዳን፡ ሓያሎ መንእሰያት ንሜዳ ገድሊ ውሓዙ።

ብተመሳሳሊ ምልክዕ ድሕሪ ምውዳቅ ሰዓት ሃይለስላሰ፡ ንዕኡ ዝተክኤ ደርግ’ውን እንተኮነ እቲ ዝተከተሎ ፖሊሲ፡ “ ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየና’ዩ “ዝብል ጭርሖ ብምንባሩ፡ ብሰንኩ’ውን ብዙሕ ግፍዕን ማእሰርትን ሞትን ሰለዘስዓበ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኣማኢት ኣሸሓት ቁጽሪ ዓዱን ንብረቱን ራሕሪሑን፡ ነብሱ ከድሕን ንሱዳን ተሰደ። ህዝብና እቲ ዋና ምክንያት መሰደዲኡ ብፍላይ ድሕሪ ምፍራስ ፍደረሸን ምጥሓስ ወዕል ውዱብ ሃገራት A390/5/ ዘይፍትሓዊ ጎበጣ  ኢትዮጵያን፡ ሰእነት ሰላምን ምርግጋእን ኢዩ። ህዝብና ዝተሰደ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተወሪሩ ከም ካልኣይ ዜጋ ስለ ዝተቆጽረ፡ ኣደዳ ዓመጽን መርገጽትን ቅትለትን ማእሰርትን፡ኩሉ ሰብኣውን ክብሩ ተጋሂሱ መስሉን ተነፊጉ ግዳይ ጨካን ተግባራት ገዛእቲ ሰርዓታት ሃይለስላሰን ፍሸሸታዊ ደርግን ኢሰፓን ስለዝኮነ ኢዩ። እምቢ ኣይግዛእን ኣይምብርከክን ኢሉ ንመሰሉ ሓርነቱን ደው ዝበለ ። ሰወራ ዝተከለ ቁጣባዊ ሕቶ ክምልሰ፡ ድክነትን ሰእነትን ክቀርፊ ኣይኮነንን። የግዳስ ሕቶ መግዛእታዊ ወራር ክምክት፡ መሰሉን ክብሩን ክመልስ፡ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ከረጋግጽ፡ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ብሕጎምን ባዕላቶም ዝሓረይዎም ደቀባት ክምሓደሩን ክዳነዩን፡ ቛንቖኦምን መንነቶምን ክዕቅቡ፡ከይስደዱን መፍቶት ጓኖት ከይኮኑን’ዩ ዝነበረ። እዩ ድማ። ከምኡ ሰለዝኮነ ድማ ንኣስታት ሓደ ሚኢቲ ዓመት ዝተቃለሰን ክሳብ ሞት’ወን ድልው ኮይኑ በጃ ሓርነትን ናጽነትን መስዋእቲ ዝከፈለ፡ ንሰላሳ ዓመታት ዝኣክል መሪር ደማዊ ኺናትን ጥምጥምን ብረታዊ ቃልስን ዘካየደ። ናይ ህዝብና ሕቶ፡ ሕቶ ባኒ ኣይነበረን፡ ዘተሰደ ሰለዝጠመየ ሰለዝዓረቀ ኣይኮነንን።እንታይ ድኣ ኣብ ገዛእ ዓዱን መሬቱን ተወሪሩ፡ ሓሰረ መከራ ጸጊቡ፡ ህወኸትን ዕግርግርን ነጊሱ፡ብሰላም ወፊሩ ብሰላም ክምለስ ሰለዘይኽኣለ፡ ልቡ ቀሲኑ ክነግድን ክሓርስን ዕድል ሰለዘይረኸበ ኢዩ። ኸም ጠለ በጊዕ ኣብ ሻርዕ ከይቅተልን ከይሕረድን ፍሪሑ ሂወቱ ከድሕን’ዩ ንስደት ክወሕዝ ዝተገደደ።

ኣብ ታሪክ ሃገርና፡ህዝብና ኣብ መዋእል ሂወቲ ብርክት ዝበሉ ኩፉኣትን ከርፍሓትን ዘመናት ሰጊሩ ኢዩ። ደርቂ ዘኸተሎ ሕሱም እዋን።ብሰንኩ ድማ ብዙሕ ሰብ ሃሊቁን ተሰዲዱን ኢዩ። ከምዚ ሎሚ ዘይኮነ ርሑቅ ስግር ባሕሪ። ህዝብና ስደት ዝብሎ እምበኣር እቲ ኣብ ወሽጢ ሓደ ሃገር ዝግበር ምምዝባል ኢዩ ዝነበረ። ከምኡ ክንዲ ዝኮነ ድማ ኣዝዩ ሕሱም ደርቂ’ኻ እንተጓነፎ ካብ ዓዱ ዶብ ሰጊሩ ኣይፈልጥን። እንተሰገረ’ውን ዘመን ምስተምልሰ ትወን ምስኮነ፡ ኣዝመራ ምስተቀየረ ከይዋዓለ ከይሓደረ ይምለስ ከምዝነበር ኣቦታት ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ። ነዚ ዘራጉድ ምስ ምምጻእ መግዛእቲ ጣልያን፡ ብዕስክርና ምክንያት ናብ ናይ ሎሚ ሊብያ ምስ ከዱ፡”ትርቡሊ ጸላኢና ኣይኪዶ” በሉ ይብሃል። እዚ ማለት ሰደት ካብ ሃገርካን ቤተስብካን ምፍልላይን፡ዳርጋ ከም ሓውሲ ሞት ጌሮም ሰለዝርእይዎ፡ኣይሽምባይ ዶ ንፍታዊካ ንጸላኢካ ዃ ኣይትምነየሉን ማለቶም ኢዩ። እዚ እምብኣር ህዝብና ንስደት ሓንቲ ምዓልቲ’ዃ ቢሂጉዋ ከምዝይፍልጥ ዘነጽር ሓቂ ኢዩ።

ብመሰረት እቲ ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ ኣብ 1951 ዓ.ም ዝጸደቀ ወዕል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ዝተኸተመ ሰምምዕ ምስ ንምልኸት፡ ሃገራት ዓለም ብፍላይ ምዕራባውያን ሃገራት ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኩናት ዓለም፡ንሱ ዘስዓቦ ምምዝባል ብምግንዛብ፡ንሰደትኛታት ዝከታተል ሓደ ትካል ኣቆሙ። እቲ ትካል ወዱብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ጉዳይ ሰደተኛታት (UNHCR) ይብሃል። ዋና ዕላምኡ ነቲ ኣብ ዓለምና ብሰንኪ ጦርነት፡ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ዓሌታዊ ግጭት ዝፍጥሮ ምምዝባል ወይ ስደት ዝከታተል ኣካል ኢዩ። እዚ ትካል ምስ ኩለን ምሻርክቲ ሃገራትን ወድባትን ብምዃን ነቶም ግዳያት ሰደት ዝኮኑ ህዝብታት ኣብተን ኣባል ሃገራት ናይ ዳግመ ምጥያስ ዕደል ፈጢሩ ኣብ ሳልሳይ ሃገር የሰጋግር። እዚ ትካል’ዚ ተፈጥሮ ይኹን ሰብ ዝፍጠሮም ወሸጣዊ ምምዝባላት’ዃ ይሕግዝ እንተኮነ፡ እቲ ዝያዳ ኣተኩርኡ ግን ነቶም ንዓዶም ክምለሱ ዘይክእሉ ሰደተኛታት ኢዩ። ኣብ ሃገሮም ፖሎቲካዊን ሃይማኖታዊን ጸገም ፡ ዘይደቀሰ ዓሌታዊ ግጭት ዘለዎም ዓዶም ክምለሱ ዘይክእሉ እንተተመሊሶም ሞትን ማእሰርትን ዘጋጥሞም ኣካላት፡ ብመገዱ ኣብ ወሑስ ሃገር ክጣየሱ ይገብር። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ኣብ ቻርተር ኮሚሸን ስደተኛታት ብናይ ቁጠባ ጸገም ፡ ብጥሜትን ስእነትን ዝተሰደዱ ወገናት ከም ፍሉይ ግዳይ ኣይረኣይን፡ እቲ ኮሚሽን ካብ ዕለታዊ መቁነን ምሕጋዝ ሓሊፉ ካልእ ናይ ዳግም ምጥያስ ዕድል ኣይፍቅድን ኢዩ። ሰለዚ ብዓይኒ ውዱብ ሕቡራት ስደት ዝብሃል እምብኣር እቲ ፖለቲካዊ ኩነታት ናይ ሓደ ሃገር ዝፈጠሮ ኹናትን ዕግርግርን ዝስዓቦ ሰደትን ምምዝባልን ከም ውግዓዊ ሰደት ዝብሎ።

ናብ ጉዳይና ክንምለስ፡ ከምቲ ኩላትና ዘይንስሕቶ፡ ከምቲ ዘይባህግናን ሕልምናን፡ንኣስታት ፍሪቂ ዘመን ተቃሊስና ከንብቅዕ፡ እቲ ንትምነዮን ከማይ ንጸምኦን ዝነበርና፡ባህጊ ኣብ ዓድካ ተኸቢርካን ተሓፊርካን መሰልካ ተሓልዩ ምንባር ኢዩ። እቲ ዝዓበየ ጸጋ ወዲ ሰብ ዝብህጎን ዝሓልሞን ድም ንሱ ኢዩ። እንተኮነ እቲ ኩሉ ዝተቃልስናሉ ኣማኢት ኣሸሓት ዝኸፍልናሉ ዕላማ ብወሑዳት ተጨውዩን፡ ኣብ ረብሓ ሓደ ጉጅለ ውዒሉ ንረክቦ። ሃገርና ብዘይ ባይቶን ሕግን፡ ልክዕ ከምቶም ባዕዳውያን ገዛእቲ ብኣፍሙዝ ጠበንጃን ብዋርድያን ትምሓደር ኣላ። ዜጋታት ከምዘይ ደቂ ሃገር መሰሎም ተገፊፉ፡ከም ብዕራይ መኬዳ ከይዛረቡ ኣፎም ተለጉሙ፡ክግፍዑን ክርገጹን፡መንእሰያት ከም ባሮት ብኸብዶም ክግዝኡ፡ ብዘይ ክብረት ሰብኣዊ ሓርነቶም ተቀንጢጡ፡መጋብርያ ሸሞኛታት ህግደፍ ኾይኖም፡ግራውቲ ሃብታማትን ሓለፍትን ክጽህዩን ክዓጽዱን፡ ኣባይቲ ክሃንጹን፡ ክልምጹን፡ዕንጨይቲ ኽኣርዩን ክፍሉጹን ብዓይንና ዝርኣናዮ ግፍዕን ዓመጽን መራሕቲ ህግደፍ ኢዩ። ዘሕዝንን ዝጉህን ከም ሰብ ምፍጣርካ ዘጽልእ ተረክቦ መንእሰይ ኤርትራ ኢዩ።ካብቲ ዘገርም መርሕቲ ህግደፍ ብመራኸቢ ቡዙሓኖም ወግሔ ጸብሔ ሰርዓት ሃይለሰ ከምዚ ገበረ፡ደርጊ ክምዚ ደገም ክብሉ ክስምዕ ከሎካ ብጣዕሚ ዘደንጹን ዘሕንኽን ጨለ ዘረባ እዪ። እቲ ዝገርም ግን እቲ ደርግን ኮራኩሩን ዝፍጸምዎ ግፍዕን ቅትለትን ማእሰርትን ብዝፈኤ ምልክዑ፡እዃ ብዝገደድ ይደግምዎ ምህላዎም ኢዩ። ብሓቂ ክንዛረብ እንታዋይ ኤርትራዊ’ዩ ብጥርሑ ናይ ሓደ ደርጊ ኮነረል ገዛ ሰሪሑ፡እንታዋይ ኤርትራዊ መንእሰይ ናይ ሃብታም ወይጦ ኣባል ኢሰፓ ግራት ዝጎልጎለን ዝጸሃየን ዝዓጸደን፡ እታወይቲ ኤርትራዊት ጎርዞ’ያ ገረድ ሓደ መኮነንን ዝሓለፉ ሰርዓታት ኢ/ያ ኮይና ዘገልገለት ? ፍጹም ይተሰምዔን፡ ኣይነበረን’ውን። እንተሎሚ ምስክር ዘየድልዩ ናይ ኣደባብይ ምስጢር’ዩ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝፍጸም ዘሎ ዘስካክሕ ግፍዕን ማእሰርትን ቅትለትን ።ቀደም ሰብ ብማርያም ግብን ሰምበልን የስካሕክሕን ይስምብድን ኔሩ። ሎሚ ግን እቲ ኣብ ሸዱሻይ መደር፡ኣብ ጎዳጉዲ ቤት ገርግሸ፡ኣብ ሓድሸ ማዓሰኸር፡ ኣብ ብዙሓት ዘይፍለጡ ምስጢራውያን መዳጎኒ ምዓስከራት ክንዳይ ንጹሕ ደም ዕሸላት ይፈስስ ከምዘሎ ክስቆረና ይግባእ። ካብቲ ዘገርምን ዘደንጹን ደርጊ ጓና ሰለዝኮነ ንሓምምን ክሳብ ወሸጥና ይስምዓና ንጉሂ ድማ ኔርና።ህዝብና ልክዕ ከም ደርግ ብህግደፍ ይሕረድን ጭፍጨፍን ይምቛሕን ይቅጥቀጥን’ዩ ዘሎ፡ ደም’ዩ ዘምብዖ ዘሎ፡ልኻይ ኣይኮነን ዝለክዮ ዘሎ። ከነማኻንየሉ ንስማዕን ንርኤን። ሓቂ ክንዛረብ ህግደፍ’ኾ ክልእ ቛንቛ ዝዛረብ ኢሰፓ ኢዩ። ብህርያቱ ፖሊስኡን ካብ ደርግ ዝፍልዩ እንኾ የልቦን።

ህግደፍ ልክዕ ከም ኩሎም ፋሸሸታውያን ወራሲ ዓራት ኢሰፓ ንህዝብና የሳቅን የበሳብሰን፡ ሃጽ ኢሉ ንስደት ከም ዘምርሕ ዝገብር ዘሎ ሓይሊ ኢዩ። ሃገር ድማ፡ ብዘይ ባይቶ፡ብዘይ ሕጊ፡ብፍጹም ምልኪ፡ብግብር ኣይትግበር ይመርሕ ኣሎ። ብሰንኩ ድማ ኤርትራ ንህዝባ ኹርኳሕ መርገጺ ዘይርኸባ እሾክ መርገም፡ ንመንእሰያት ርስንቲ መቅሎ ከይናቶም ትርኸብ።እዚ ፋሉል ባህርያት ህግደፍን የዕናዊ ፖሊስኡን ዘበገሶ ሸግር ልክዕ ከምቲ ኣብ ዘመነ መግዛአቲ ህዝብና ዝገጠሞ ፡እንሆ ሃገርና ኣብ መገዲ ዕንወት ሸሚምዋ፡ምድራዊት ሰኦል ተቀይራ፡ኣማኢት ኣሸሓት መንእስያት ዝፍትወዎም ቤተስቦምን፡ ዘፍቅርዋ ሃገሮምን ራሕሪሖም ብዝርኸብዎ ምሳኹቲ ናብ ሰደት የምርሑ ኣለው። ሰለዚ ጠንቂ ሰደት መንእሰይን ህዝብን ኤርትራ ህግደፍን ንሱ ዘስዓቦ ብደልን ዕፍዕን’ዩ።

በንጻሩ ግን ጉጀለ ህግደፍን መርሒኡን ከም ወትሩ ካብ ሓቂ ክሃድሙን ገበኖም ክሸፍኑ፡ካብ ክውንነት ክክወሉ ዝየምጽዎ ዕባራ ምክንያት፡ ዘይፍጥሮዎ ሸርሒን ዘይምህዝዎ ሓሶት የሎን። ህግደፍ ከም ዝሓለፉ ፋሸሸታውያን ኣያታቱ ኣብ ፍጠራን ሓሶትን ምድንጋርን ኢዩ ዝነብር።ከምኡ ክንዲ ዝኮነ ድማ ነዚ ዓለም ትምስክሮ ዲክታተርያዊ ብህርያኡን፡ ዘይቁዋማዊ ምሕደርኡን ክሓብእ፡ነዚ ከም ወሕጅ ዝፍስስ ዘሎ ወሕዚ መንእሰያት ንሰደት፡ “ሓንሳብ ብሲኣይኤ ተሓቢሎም፡ ሓንሳብ ንዑደት’ዩ ዝግሹ ዘለው፡ ሓንሳብ ድማ ናይ ሰባት ኮለኛ(human traficing) “ይብሉ። ካልእ ሓንካሰ ምክኒት’ውን ኣላቶም። ኣብ’ዚ ሎሚ ቕነ ኣፈኛ መንግስቲ ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል “መንእሰይ ዝስደድ ዘሎ ቁጠባዊ ሸግሩ ክፍትሕ’ዩ ፡ዶላር ይሕፈስ ኣሎ ሰሚዑ’ዩ ዓዱ ገዲፉ ዝከይድ ዘሎ” ኢሉ። ኣልእ ዝብሎ’ውን የብሉን፡ ካብ ዘረባ ኣይኡ ምድጋም። እቲ ክወን ግን ሲኣይኤ ወይ ካልእ ዘኮነስ፡እቲ እንኮ ምንጪ ኹሉ ሕሰምናን ሰደትናን ህግደፍ ባዕሉ ኢዩ። እቲ ሓቂ ንኩሉ እንዳበራሃሉ ዝከይድ ዘሎ፡ ቀንዲ ምክንያት ስደት መንእሰይ ኤርትራ፡ 

 

  • ስእነት ሰላምን ፍትሕን፡ መሰሉ ሰለዝተንፍገ ኽብሩ ሰለዝተቀንጠጠ
  • ከም መጽዓኛ ኣፉ ሎጊሞም ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ባርነት ሰለዝጸመድዎ
  • ስብኣዊ ክብሩ ጊሂሶም ብግበር ኣይትግበር ሕሱም ግፍዕን መከርን ሰለዝጸገበ
  • ሰብ ምካኑ ረሲዖም ከም ኣቅሓ ኣብ ዝደለይዎ ክጥቀምሉን ከቀምጥዎን፡ መርውይ ኩሉ ድሌታቶም ሰለዝገብርዎን ኢዩ።

እቲ ሓቂ እምብኣር እዚ ኢዩ። መንእስይ ኤርትራ ካብ ዓዱ ዘሰድዶ፡ ሰእነት ሰላምን ክብርን፡ መሰሉን ሓርነቱን ተገፊፉ፡ ራእዩ ጸልሚቱ፡ ክምሃረሉን ክዓየሉን ዝግብኦ ዕድሜ ንከንቱ ክበሊ፡ ሂወቱ ከም ወካርያ ኣብ ጎዳጉዲ ክሕልፎ፡ብነጻ ጉልበቱ ጁባ ወልቀ ሰባት ክህጥር ፍቃደኛ ሰለዘኮነ ጥራይ ኢዩ። ካልእ ኣበሳ የብሉን። እቲ ኣበሳ ባዕሉ ህግደፍን መጋበርያ ሓይልታቱን ኢዮም።

ዓሻ ክሳብ ዝፈልጠካ ኣይትጉራሕ ይብሉ ለባማት። ሓድሸ ነገር ዝተፋጥረ የልቦን። ወዮ ከምቲ ዝተባህለ ኢዩ። ደርጊ ንሰውራ ኤርትራ ዝምልከት ሕቶ ኣብ ዝተላዕለሉ ክምልሸ ከሎ “ ሸዕቢያ ሓደ ናይ ሸፋቱ ጭፍራ፡ኤርትራ ክግንጽል በዕራብ ዝተላአከ ጉጅለ ኢዩ።” ይብል ነበር። ሕጂ’ውን ህግደፍ ንሱ’ዩ ዝደግም ዘሎ። ኣብቲ ክውንነትን ሳይነሳዊ ሓቂ ምስ ንምልኸት ግን፡ናይ ሓደ ሃገር ምዕባለ መዓቀኒ እቲ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ምሕደራን፡ እቲ ሰርዓት ዝክተሎ ቀጠባውን ፖለቲካውን ፖሊስታት ኢዩ። በዚ መለኺዒ ህግደፍ ዝክተሎ ዘሎ ናይ ቁጠባ ፖሊሲ ገባትን ብሓትን ኢዩ። መሃዝነትን ፍጠራን ዘደስል፡ ድክነት ስእነትን ዘጋድድ፡ ርእሰማላውያን ማሎም ከየዋፍሩ ዝዕንቅጽ፡ሃገር ናብ መፍረ ወተሃደራት ዝቀየረ፡ነታ ፍልማዊት መሰረት ሕብረተሰብ ዝኮነት ስድራቤት ብስእነት ዝማሰነ፡ ዜጋታት ብድክነት ረሚሱ፡ተመጽወቲ ጌርካ ክግዝኡ ንምግባር ዝተሓንጸጸ ትልሚ ኢዩ። ሰሊዚ ከምቲ ህግደፍን ዓሳክሩን ዝብልዎ፡ መንእስይ ቁጠባዊ ጽገሙ ክፍትሒ’ዩ ዝስደድ ዘሎ ዋላ’ውን እንተተባህለ፡እቲ ነዚ ቁጠባዊ ቁልውላቅ ክውን ዝገበረ እቲ ህግደፍ ዝክተክሎ ዘሎ ግጉይን የዕናውን ፖሊሲ ኢዩ። ንኩሉ ኣፍራይ ዜጋ መንእሰይ ጥበንጃ ክስከም ዝገበረ ፖሊሲ። እንተ በቲ እንተ ብካልእ እቲ ተሓታቲ ሓይሊ ህግደፍ ኢዩ። ካብ ሰማይ ባዕሉ ዝነጠበ ኣደራዕ ኣይኮነንን።የግዳስ እቲ ዝግበር ሃቀነ ነቲ ዘይፈልጥ ወዲ ማርያም ኪልዖ ንምድንጋርን፡ሓቂ ንምሕባእን እንተዘይኮይኑ ካልእ ፋይዳ የብሉን።


መንእሰይ ኤርትራ ኣንተ ብጸቡቅ እንተ ብሕማቅ፡ ድምጺ ዶላር፡ ስተርሊግ፡ ይሮ፡ ሪያል፡ ሎሚ ኣይኮነንን ሰሚዕዎ። ኣብ ደሮ ናጽነት’ዩ ዝፍልጦ። እቶም ብልምዲ በለስ ኢልና ንጽውዖም፡ ክረምቲ መጸ ካብ ኣውሮጳን ካናዳን ኣሜሪካን ዓዲ ዝገሹ ዜጋታት ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ክሕሸሹ ከለው ኢዩ ተላልይወን። ሎሚ ከምቲ ሸሞኛታት ህግደፍ ዝብልዎ ቦኩሪ እዝንና ኣይኮነን። ከምኡ ባህግን ሕልምን እንተዝነበሮ፡ ብሎኮታት ዶባት ኤርትራ ተኸፊተን እንከለዋ፡ ከምዚ ሎሚ ብሓጹር ዋርድያታት ከይትሓጽራ ክሰገር ምክኣለ፡ዝሕዞ’ውን ኣይነበረን። እዚ ዘነጽሮ ሓቂ እምበኣር፡ ሎሚ ከምቲ ትማሊ ንስደት ብስእነት ሰላምን ክብረትን ዘመረጽናያ፡ከምቲ ሰብ እዋን ዝብልዎ ዘይኮነ፡ ጸገምና ድክነትን ጥምየትን ኣይኮነንን። ጸገምና ሕጊ ስለዘየለ፡ ፍትሒ ስለዝተሓረመ፡ ብደቂ ሸቁን ዓዋሉን ዝተዓብለለ ሰርዓት፡ ፍሉልነት ዝነገሶ፡ ብኣፍሙዝ ጠበንጃ ብዘይ ፍርዲ ዜጋታት ዘኣሰርን ዘማስንን ዝቀትልን ናይ ሸፍቱን ገበነኛታት ምሕደራ ሰለዘሎ ኢዩ። ሚስጢር ሰደት ካብ ኩላትና ዝተኸወለ ኣይኮነን። መንእስይ እቲ ሕሱም ተመክሮ ናብራ ሰደት ይፍልጦ’ዩ። ኣቀዲሞም ኣብቲ ዝሓለፈ ሕሱም ወቕቲ፡ከምዚ ሎሚ ደጊሱና ዘሎ፡ ዝተሰዱ ኣቦታቱ፡ ኣደታቱ፡ ኣያታቱ፡ ኣሓቱን ኣሕዋቱን ሰደት ሰደት ምኻኑ ካልእ ምልኽዕ ከምዘይብሉ፡ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ ኢዩ። ነጊሮሞ ድማ ኢዮም።ሰለዝኮነ ድማ ድሕሪ ናጽነት ሸሕ’ኻ ድክነትን ስእነትን እንተነበረና፡ንሰደትግን ፈጺሙ ኣይበሃጋን። የግዳስ ራእይ ኔርዎ። ራእይ ልኽዕ ከምቶም በጃ ዝሓለፉ ኣያታቱን ተጋዲሎም ዝኣተው ቅኑዓት ህዝባውያን ተጋደልቲ። ምዕብልትን ብልጽግትን፡ ንኩሉ ብማዕረ ትሓቁፍ ሌላን ጉሌላን ዝይብላ ሃገር ክሃንጽ። ሰደት ኣብቂዑ ኩሉ ኣብ ሰደት ዘነበር ዓዱ ክምለስ፡ እቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ድማ ኣብ ሃገሩ ተክቢሩን ተሓፊሩን፡ ብሰላም ወፊሩ ብሰላም ክምለስ፡ ብመንነቱ ኮሪዑ፡ ኣፍልቡ ነፍሑ ከይተሰከፈ ከይተሸቁረረ፡ ልቡ መሊኡ ክዛረብ፡ ዝመሰሎ ክገብር፡ ክምሃር፡ ክፈላሰፍ፡ ክምህዝ፡ ንህዝብን ንሃገርን ዝጠቅም ሰራሕ ክሰርሕ፡ ሃገሩ ማዕረ እተን ዝማዕበላ ክሰርዓ’ዩ ዝነበረ። ሕልሚ ኔርዎ ሓደራቶም ምእንትኡ ዝወደቁ ሓርበኛታት ከተግበር፡ ሓላፍነት ክስኸም፡ ሃንቀውታን ትምኒትን ህዝቡ ክመልእ፡ ካብ ወሸጡ ዝነቀለ ርሱን ሃገራዊ ፍቕሪ ዘንቀዶ ሰናይ ባህጊ።

ከምኡ ክንዲዝኮነ ድማ ኢዩ፡ ኣብቲ ኣብ ግንቦት 1998 ዝጀመረ ናይ ዶብ ግጭት፡ ነጋሪት ክተት ምስተ ወቅዔ፡ ነዛ ሕድሪ ኣቦታቱ ዝኮነት ብለበዋ ዝተዋህበቶ ኤርትራ ከይትድፍር፡ ወልቃዊ ወራዩን ዋኒኑን ራሕሪሑ፡ ኣለኹልኺ ሃገረይ፡ ርስቲ ኣያታተይ መን’ዩ ዝትንክያ ዝበለ። ክንደይ ዓመት ዲና ጌር ? ኣንሸቡ ድኣ ተረሲዑ። ሕጂ መንእስይ ብጥልመትን ብክድዓትን ዝክሰስ? እቲ ዝኸፍኤ ዘሕዝንን ዘጉህን ግን ነዚ ዓለም ዝፈንፈነቶ ሓሶትን ምድንጋርን፡ እዚ ዘይባሃል ጸለመን ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ምንእሰይ ዝሰምዓ የእዛን፡ ከም መቃልሕ ዝደግማ ልሳናት ምህላወን ኢዩ። ካብ ብሃሊኡስ ድጋሚኡ’ዩ እቲ ነገር። እስኸ ቁሩብ ንድሕሪት ንመለስ፡ ኣብቲ ናይ ዘሮ ሰዓት፡ ኣብቲ እዋን ተሓናነቅ፡ ጉዕዝኡ ጠቅሊሉ፡ ገለን ንሸዕብ ገድገድ፡ገለን ንናቅፋ መከላሲ፡ ገለን ንማዕዶ ከሃድም ዝቛመተ፡ ጭርኡ ደጉሉ ብራዕዲ ዘንቐጥቀጠ፡ መን ድዩ ናይ ተስፋ ቁርጸት መግለጽን መደረን ዘስምዔ “ ትማሊ’ውን 78 ካብ ኣፍደገ ኣሰመራ እና ተመሊስና ዝበለ” መን ኢዩ? እዚ ሕጂ መንእሰይ ብሃዳምነትን ክድዓትን ዝወንጅል ዘሎ ጉጅለን መራሒኡን ኢዩ። ግን ሓባል በልያ ከይትቅድመኪ’ዩ ነገሩ። ሓቂ ኣብ ዘይምዓልታ ሓሶት ከምዝብሃል፡ እቲ ክውን እምብኣር ዝወጻሉ ምዓልቲ ርሑቅ ኣይኮነንን። እቶም ዝወዓሉን ዝቐበሩን ናይ ዓይኒ መስካክር ቃለ ምስክርነቶም ክህቡ ኢዮም። ነቲ ዝነበር ቅያን ጅግንነትን ጠቀር ከዲኑ፡ ከነኣእስን ከከሻምሸን’ዃ እንተፈተነ፡እቲ ሓቂ ሓቂ ስለዝኮነ፡ኣብቲ ልክዕ ሰዓቱን ዕለቱን ኩሉ ሓደ ብሓደ ከም ጽሓይ ቀትሪ በጣዕጣዕ ክብል ምዃኑ ጥርጥር ይልቦን። ህግደፍን ኮራኩሮምን ዝበሉ እንተበሉ፡እቲ ሓቂ ካልእ ከምቲ ዝተባህለ ሰለዝኮነ ዝሰክፈና ኣይኮነንን።


ንምጥቅላል እምብኣር ከምቲ ኣብ ላዕሊ ብዝርዝር ዝተጠቅሰ፡ ጠንቂ ሰደት መንእሰያት ኤርትራ፡ ፋሽሸታዊ ባህርያት ህግደፍን ምሕደርኡን ኣዕናዊ ፖሊስታቱን ኢዮም። ነቲ ሰደት ዘስዓቦ ሞትን ስቅያትን ጥፍኣትን፡ ምብትታንን ህዝብታት ኤርትራ ተሓታቲኡ ድማ እቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ሰርዓት ብዓቢኡ፡ ብቀንዱ ድማ እቲ ኣብ ሰልጣን ዘሎ መርሕነት እዩ። ከምቲ” እንተ ዘይትንውንውወኒ መን መጽደፈኒ” ዝብሃል፡ነዚ ኩሉ መኸራ ኣቃሊዑና ዘሎ ኣገባብ ምሕደርኡን ፖሊስታቱን ሰለዝኮነ እቲ ጽባሕ ምስ ወግሔ ኣብ ፍርዲ ዝቀርብ ጉጀለ ድማ ንሱ እዩ፡ ካልእ ኣይኮነንን። እቲ ኩሉ በቲ ጉጅለን መራሒኡን ዝወሃብ ጓል መገዲ መግለጽን ሓሶት መናፍሓትን ግን ንገበናቶም ንምሸፋን ህዝቢ ንምድንጋርን ንፕሮፕጋንዳዊ ሃልኪ እንተዘኮይኑ ካልእ መልእክቲ የብሉን። እቲ ሓቂ ንምሸፋን ዝግበር ፈተነ ድማ ካብ ግዜ ምብላዕ ሓሊፉ ዘምጾ ለውጢ ኣኽህሉን ኢዩ። የግዳስ ከንቱ ጻዕሪ፡ ኣብ ልዕሊ ሓቂ ኣደራሻት ሓሶት ምንዳቅ ጥራይ ኢዩ።

ኣብዚ መድረክ ዓወለማ ሳላ መራከቢ ብዙሓን ካብ ዓይኒ ዓለም ዝክወል ነገር የልቦን። ሰብ ጣሻ ህግደፋውያን ግን ኣብዚ መበል 21 ክፍለዘመን ዘሎ ምዕባለ ዝገደፎም ኣብ ዘበነ እምኒ ዝተረፈ፡ ምስ ህልወ ምዕባለ ዓለም ዘይቃዶ ድሑር ፖለቲካ ክጥቀሙ ወትሩ ይርኣዩ። እዚ ግን ብዘይካ ከምእቶም ምስ ህልው ኩነታት ምዕባለ ዘይጓዓዙ ገለ ዝንቡዓትን ድሑራትን እንተዘይኮይኑ ልቢ ዝብለሉ ከቶ የልቦን። ድሓር ድማ ደርሆ ፋሕቲራ ትረክቦ ሕሱር ዝበለየ ነብሰ ምትላል ኢዩ። እዚ ድማ ክሳብ ክንደይ ህግደፋውያን ድሑራት ጠፋሻትን ምዃኖም ዘምልክት ኢዩ። እቲ ሓቂ እምብኣር ከምቲ ተዃሉ ጉጅለ ኢሰያስ ክሳብ ምልሓሶም ዝሓብጡ ዝብልዎ ዘይኮነስ፡ እቲ ሓቂ ካልእ ኢዩ። እቲ ሓቂ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘኮነስ ዓለም’ውን ትምስክሮ ሰለዘላ ብዙሕ ሓተታ ዘድልዮ ኣይኮነንን። ብሩህ ከም ጽሓይ ቀትሪ ዝደመቀ ኢዩ። መንእሰይ ኤርትራ ከምቲ ዘይሕብሩ ክለኽይዎ ዝፍትኑ፡ ብህድማን ክድዓትን ዝወንጅልዎ፡ንስደት ተገዲዱ ድኣምበር ብፍቃዱ ዝመርጾ መገሻ ንግደት ኣይኮነንን። ወትሩ ከም ትማሊ ሃገሩን ህዝቡን ካብ ልቡ ከምዝፍቅሮም ምስክር ዘድልዮ ኣይኮነንን። ዘይምርጭኡ ኣካሉ ድኣ የርሕቅ እምበር፡ እቲ ሃሙን ቀልቡን’ሲ ኣብታ ዕትብቱ ዝተቀብረታ ሃገሩ ኤርትራ ኢዩ። ነታ ዘውዲ ዝትንክያ ድማ ወይልኡ።

ምእንቲ’ዚ ሕጂ’ውን ነዛ ኣያታቱ ዝተበጀውዋ ሃገር፡ ብዓዋሉን ደቂ ሸቁን ሸፋቱን ፋሉላትን ጉጅለ እንዳተሓመሰት፡ ስቅ ክመርጽ ፈጺሙ ኣይኮነንን። ነቲ ወርሻ ኣቦታቱ ዝኾነ ንሒን ሓቦን ተቀኒቱ፡ ረጋጺ ሰርዓት ህግደፍን ኣዕናዊ ኣተሓሳስብኡን ካብ ሱር መሓወራቱን ደምሲሱ ምሉእ ሓርነት ከረጋግጽ ምዃኑ ጥርጥር የልቦን። ህዝቢ ኤርትራ ባዕዲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ወሉድ ብርከይ ዝበሎም ካብ ከርሱ ዝወጹ፡ ብግርህነቱ ዝተጣልዑ ጠላማት ኣብታ ባዕላቶም ዝኹዕትዋ ዘለው ጋህሲ ከይቀበሮም፡ ኣብ ሬስኦም ድማ ሸግ ሓርነትን ፍትሕን ከይወልዔ ደቀሰ ማለት ከኣ ዘበት ኢዩ።እቲ መንእሰይ ዝጀመሮ ጉዕዞ ወፍሪ ሓርነት ድሮ ኣብ ምስስንን ምዕንባብን ይርኸብ። እቲ ውጽኢት ድማ ርሑቅ ኣይኮነንን። እንታይ ድኣ ኣብ ስጉሚ ኢዩ። ከምቲ መንእሰይ 60ታት ንወፍሪ ሃገራዊ ናጽነት፡ ዓርሞሽሽ ደርግን ዓንገልቱን ዝሰዓረ፡ ናይ ሎሚ ወለዶ ድማ ንወራሲ ዓራት መላኺ ስርዓት ህግደፍን ተሓባበርቱን ሓምሽሹ ሽግ ሓርነት ክውልዕ ምዃኑ ጥርጥር የልቦን።    
                       
ዓወት ንሓቀኛ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ !!!!
ውድቀት ንፋሸሸታዊ ሰርዓት ህግደፍን ዓንገልቱን !!!!
ብንቑሕ ተሳትፎ መንእሰይ ቃልስና ክዕወት ኢዩ !!    
ክፍሊ ወደባን ስነዳን ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...