ኤርትራውያን መንእሰያት ተቐማጦ ዙሪክን ከባቢኣን ንቓልሲ ይለዓሉ !

ብቐዳምነት ዓበይቲ በዓላት ናይ ክልተ እምነታትና ኣብዒልና፤ እንቋዕ ኣብ’ዚ ኣብቃዓና ንብል። ወርሒ መስከረም ኣብ ቓልስና፣ ኣደ ምምካትን፣ ኣደ ጽንዓትን፣ ስለ ዝኾነት ኩልና ካብኣ ክንመሃር፣ እቲ ክፍጸም ዘይክኣል ዝነበረ ሓይሊ፣ ሓደ ብሓደ ዝሰዒርና፣ ሳላ እምነትናን ተስፋናን ኢዩ፣ ሕጂ’ውን ኣብ ገዛእ ነፍስና ኣሚና ብተስፋን ብኒሕን ቓልስና ክንቕጽል ናይ ነፍስወከፍ ዜጋ ኣብ ወርሒ መስከረም ክወስዶ ዘለዎ መብጻዓ ኢዩ። ንሕና’ውን ነዚ መብጻዓ ዓበይትን ንኣሽቱን ተኣኪብና ደጊምናዮን ዘኪርናዮን።

ብዕለት 27 መስከረም ኣብ ከተማ ዙሪክ ኣብ እተኻየደ ኣኼባ፣ ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ሃገርን ሕዝብን፣ ህልው ኩነታት መንእሰያት ኣብ ኤርትራን ኣብ ስደትን ኣመልኪቶም ሰፊሕ ገምጋም ጌሮም።  

ኣብቲ ንኩነታት ሃገርናን ሕዝብናን ብጉቡእ ንምርዳእ እተገብረ ውድዓዊ ትንተናታት ፣ ተሳተፍቲ መንእሰያት ኣብ ሕዝብና ወሪዱ ዘሎ ፋሺሽታዊ መግዛእቲ ህግደፍ ብዕምቆትን ብትብዓትን ገሊጾም። ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ተሞክሮ ተሞርኪሶም ሽግራት መንእሰይ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ባርነትን ጥሜትን ማእሰርትን ፣ ውግእን ወረውግእን ከምዝነብረ ። ኣብ ሰደት ድማ ካብኡ ዘይውሕድ ሓደጋታት ኣጻምእ ምድረበዳ ግብጽን ሊቢያን፣ ማእሰርትን ከርተትን ካብኡ ቀጺሉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምጥፋእን ሓሊፎም ከምዝመጹን ገሊጾም።  ጠንቂ እዚ ኹሉ ዘስካሕክሕ ኩነታት መንእሰያትን ሕዝቢን ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራ ሱር ሰዲዱ ዝርከብ ፋሺሽታዊ ስርዓት ውልቀመላኺ ምኻኑ ኣስሚሮምሉ።  

ኣብ ሃገርን ሕዝብን ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ሽግራትን መንቀሊኦምን ብንጹር ድሕሪ ምቕማጥ፣ ኣኼበኛ ናይዚ ገዚፍ ሃገራዊ ህልቀትን ፍሽለትን ፍታሕ ንምርካብ እንታይ ክግበር ኣለዎ ኣብ ዝበል ብሰፊሕ ተመያይጡ። እቲ ቀንዲን ቀዳማይን ክግበር ዘለዎ ኤርትራዊ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ኣብ ዘዘለዎ ምጥርናፍን ምውዳብን ምኻኑ ተገሊጹ። ዝተፈላለየ መንገዲ እካ እንተሃለወ፣ መንእሰይ ብዝጥዕሞን ብመጀመርያ ኣብ ዝነብረሉ ሃገር ጥቕሙ ዝሕልወሉን፣ ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ንፍትሓውን ደሞክራሲያውን ለውጢ ኣብዝካየድ ቃልሲ በብከባቢኡ መሪሕ ተራ ከትሕዞ ዝኽእል ውደባን ምጥርናፋትን ወሳኒ ከምዝኾነ ተበጺሑ።

ኣብ ነሻተል፣ ፍሪቡርግ፣ በርን፣ ዙሪክን ጀነቭን ዝተራእየ ተሞክሮታት በብከባቢኡ ተገሊጹ። ተሞክሮ ማሕበር ኤርትራውያን ሰደተኛታት ኣብ ፍሪቡርግ ከምኡውን ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ንደሞክራስን ተገሊጹ። ብሓቂ ድማ ሰባት እንድሕሪ ተወዲቦምን ተጠርኒፎርምን ወላ ብቑጽሪ ውሑዳት ይኹኑ ዓቢ ሰራሕ ከሰርሑ ከምዝኽእሉ ብኣብነታት ዝተሰነየ መግለጺ ተዋሂቡ።   

ኤርትራውን መንእሰያት ኣብ ስዊስ ብዝመስሎም ኣገባብን መንገድን ክጥርነፉን፣ ህልዋት ማሕበራት፣ ማለት ማሕበር ኤርትራውያን ሰደተኛታት ኣብ ፍሪቡርግ ከምኡውን ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ንደሞክራስን ክሕግዛ ቅሩባት ምኻነን ገሊጸን።  

እቲ ዝተገብረ ኣኼባ ብማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ንደሞክራስን ዝተጸወዐን ዝተመርሔን እዩ ኔሩ። በቲ ኣጋጣሚቲ ጨንፈር ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ንደሞክራስን ኣብ ዙሪክ፣ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ድማ ካልእ ስፍሕ ዝበለ ኣኼባ ኣብ ከባቢ ዙሪክ ክግበር መደብ ወጺኡ ኣሎ። እቲ ዝመጽእ ኣኼባ ቀንዲ ብሓልዮት መንእሰያት ኣብ ከባቢ ዙሪክ ዝውደብ እዩ።

ኣኼበኛ ድሕሪ ኣገዳሲ ክትዕን ለበዋን ክልተ መደብ ስራሕ ሓንጺጹ። ቐዳማይ ንነፍስኻ ከም’ቲ ንስኻ ትደልዮ ምጥርናፍ፣ ንነፍስኻ ባዕልኻ ምምራሕ፣ ካልኣይ ድማ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብሰንኪ ዝተሓላለኸ መንገዲ፣ ንዝወርድ ዘሎ ግፍዕታትን ንምቅላል ሰላማማዊ ሰልፊ ንኽግበር ዝብል ነበረ። ነታ ቐዳመይቲ ምስ ናይ ዙሪክ ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ደሞክራስን፣ ተሓባቢሮም ንህዝቢ ክጽዉዑ፣ ካብ ባይቶ ሾብዓተ መንእሰይ ብድልየቶም ንዝተወፈዩ ባይቶ ኣጽዲቑ። ነቲ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ስራሕ ኸኣ ድሕሪ ምጥርናፍና ይኹነልና ተባሂሉ ንገለ ኣዋርሕ ንቕድሚት ተደፊኡ።  

ፖሎቲካውያን ናይ ሕልና እሱራትና ብርሃን ክርእዩ፣ ስራሕና ዝተዓጻጸፈ ቓልሲ ይዝሓትት ከም ዘሎ ተረዲእና ብሓድነትን ብተወፋይነትን ከም ቐዳሞት ተጋደልትና ብተስፋን እምነትን ንበገስ።

ነዚ መደብ ክዉን ንኽኸውን ዝተቓለሱ ንኹሎም ምስጋና ይብጻሓዮም። ነታ ሓዳስ ኮሚቴ ድማ ዓወትን ኣሳልጦን ንምነየላ።
 
ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ንደሞክራስን
Eritreans for Peace and Democracy
Code postale 402
1214 Vernier, Genève
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...