ሃገራዊ ምንቅስቓስ ንዴሞክራስያዊት ኤርትራ (ምንቅሰቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ) “ሓድነት ዴሞክራስያውያን ሓይልታት መፍትሕ ንህጹጽ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ እዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ኣብ’ዚ ተጠቒሱ ዘሎ መዓልታት ዕዉት ዋዕላኡ ኣካይዱ፡፡ እዚ ብ“ዋዕላ ሽመልባ” ዝተሰየመ ዋዕላ ኣብ’ታ ንኣስታት ሹድሽተ ዓመታት መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኮይና እትርከብ መዓስከር ሽመልባ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ ኣገደስቲ ከባብያውን ሃገራውን ዛዕባታት ዘትዩን ገምጊሙን። ከምኡ’ዉን ውሽጣዊ ኩነታት ምንቅስቓስ ገምጊሙ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣሕሊፉ፣ መጻኢ መደባቱ ወጢኑ፣ ንዕኡ ንምዕዋት ዝበቕዑ ዝበሎም መራሕቱ ብዴሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ፡፡

ቅድም ክብል ብምንቅስቓስ መንእሰያት ዝፍለጥ ዝነበረ ምቅስቓስና ሃገርና በጺሑዋ ንዘሎ ኣደራዕ ክዓጽፍ ዝኽእል መሪሕ ውድብ ተሳኢኑ ምህላዉ ብምግንዛብ ካብ መጋቢት 2007 ጀሚሩ ናብ ሓደ ድልዱል መሪሕ ውድብ ንምስጋር ክቃለስ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ፡፡ በዚ መሰረት ንኹሉ ግዱስ ሃገራዊ ንድፊ ፐሮግራሙ ብምዝርጋሕ፡ ኩሉ ዜጋ እጃሙ ከበርክት ብምዕዳምን፡ ኣብ ፖለቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ስራሓቱ ንቕሓት ህዝብና ክብ ኣብ ምባል፡ ናይ ዘተ መድረኻት ብምድላው፡ ናይ ቡን-ሻሂ መደባት ብምስራዕ፡ ናእሽቱ በረርቲ ጽሑፋት ብምዝርጋሕ ዝረኸቦ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ዕድላት ብምጥቃም፡ ኣብ መዓስከራት ሽመልባን ማይ ዓይንን ብምዝውዋር ዘይነዓቕ ናይ ምብርባርን ምውዳብን ስራሓት ከምዝዓመመ ይኣምን፡፡ እንተኾነ ግን ብመንጽር እቲ ክንገጥሞ እንዳሎ ዘሎና ስርዓት፡ ብመንጽር ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ዘሕደርናዮ ጽልዋ፡ ከምኡ’ውን ብመንጽር ካብኡ ክንሓፍሶ ዝግባኣና ናይ ውደባ ዓይነትን ዝርገሐን ክረአ እንከሎ፤ እቲ ዝተዓመመ ዕማም ናብ’ቲ እንደልዮ ድልዱል ዴሞክራስያዊ ውድብ ንምስግጋር ዘብቅዕ ስራሕ ተጠናቒቑ እዩ ክበሃል ዘኽእል ኣይኮነን፡፡ ስለዝኾነ ምንቅስቓስና ኣብ ዓውዲ ፖሊቲካዊ፤ ፕሮፖጋንዳውን ውደባን ስራሓቱ ሰፊሕ ዝርገሐ ዘሎዎ፡ ናብ ኩሉ ሸነኻት ዓለም ዘሎ ህዝብና ዝበጽሕን ተሳትፎ ኩሉ ድማ ዘረጋግጽን ስራሕ ክሰርሕ ከም ዝግበኦ ተገንዚቡ፡፡
ካብ 25-30 ጥሪ 2009 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባኡ ዘሕለፎ ውሳኔታት ከምዘመልክቶ ምንቅስቓስና ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣወርሕ ጉባኤ ክገብር ዝብል መደብ ከምዝነበሮ ይፍለጥ፡፡ እንተኾነ እዚ ናይ ዝሓለፈ ሾመንተ ኣዋርሕ ውጽኢት ስራሕ ብምግምጋም፡ ግዜ ጉባኤኡ ከናውሕ ወሲኑ፡፡ ግዜ ጉባኤ ክናዋሕ ካብ ዘገደዱ ቀነዲ ምኽንያታት፡-

1. ምንቅስቓስና ናብ ኩሉ ሸነኻት ዓለም ዝርገሐኡ ኣስፊሑ ውዳበታቱ ኣጠናኺሩ ዘተኣማምን
  መሰረት ስጋብ ዝተክል፡
2. ተበታቲኑ ዘሎ ሓይልታት ተቓውሞ ንምትእኽኻብ ዕድልን ናይ ዘተ ግዜን ክህብ፡
3. ዝቀላቐሉ ዘሎዉ ሓደስቲ ናይ ተቓውሞ ባእታታት ተጠናኺሮም ኣካል ናይ’ቲ ዝድለ ዘሎ ሰፊሕ ዴሞክራስያዊ ውድብ ክኾኑ ዕድል ክህብን፡
4. ንስም ጥራሕ ዘገልግል መስራቲ ጉባኤ ንምክያድ ዘይኮነስ፡ ትርጉም ዘሎዎ ሰፊሕ ኣሳታፊ ዝኾነ ጉባኤ ብምቅናዕ ሓደ ድልዱል ዴሞክራስያዊ ውድብ ንምፍጣርን ስጋብ ዝበቅዕ፡

ምንቅስቓስና እቲ ናይ ጉባኤ ግዜኡ ብምንዋሕ እዚ ሰፊሕ ኣኼባ’ዚ “ዋዕላ ሽመልባ” ብዝብል ታሪኻዊ ስያሜ ሰይሙ ነዞም ዝስዕቡ ውሳኔታት ኣሕሊፉ፡፡
• እቲ ንምይይጥ ወሪዱ ዝነበረ ንድፊ ፕሮግራም ኣብ’ዚ ዋዕላ’ዚ ጸዲቑ ስጋብ ጉባኤ ዘስረሓና ውዱእ ፕሮግራም ክኸውን ወሲኑ፡
• መሰልን ግቡኣን ኣባላት ዘነጽር ሕገ-ህንጻ ኣጽዲቑ፡
• ሽም ምንቅስቓስ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊት ኤርትራ (National Movement for Democratic Eritrea) ክኸውን ወሲኑ፡
• “ሓድነት ዴሞክራስያውያን ሓይልታት መፍትሕ ንህጹጽ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ እዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭረሖ ንመረትእኽኻብ ሓይልታት ተቓውሞ ብዕቱብ ክሰርሕ ወሲኑ፡
• ወግዓዊ ልሳን ምንቅስቓስ “ራኢ” ብዝብል ስም ክትስየም ኣብ ነብሲ ወከፍ ስለስተ ኣዋርሕ ብመልክዕ መጽሄት ክትሕተም ወሲኑ፡
• ኣብ መጻኢ ናይ ስራሕ መደባቱ፡
• ሰፊሕ ናይ ጎስጓስ፡ ዜናን ፕሮፖጋነዳን ስራሓት ናብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ክዝርግሕ፤
• ሰፊሕን ዓይነታውን ውዳበ ከካይድ፤
• ብቑጠባ ነብሱ ዝኽእለሉ ንጥፈታት ከካይድ፤
• ስፊሕ ዲፐሎማስያዊ ወፍሪ ናብ ኩሉ ሸነኻት ክዝርግሕ፤
• ካብ በታታኒ ተጻብኦን ስልኳታትን ጸላኢ ነብሱ ክከላኸል ወሲኑ፡፡

ብመሰረት ዘሕለፎም ውሳኔታትን ዝወጦኖም ውጡናትን፤
1. ምንቅስቓስ ብዝተወደነ መልክዕ ከወሃህዱን ክምርሑን ይኽእሉ እዮም ዝበሎም ዓሰርተ ሓደ (11)
  ኣባላት ኣካየዲ ቦርድ ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ።
2. ኣቦ ወንበር፡ ም/ኣ/ ወንበርን ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈትን ሰይሙ።
3. ኣብ ምድላው መጽሄት ምክትታል ዝገብር ኢዲቶርያል ቦርድ ኣቚሙ።
4. ስራሓት ዝምድናታት ዝዓምም ኮሚቴ ኣቚሙ፡፡

ዋዕላ ሽመልባ ኣተሃላልዋ ስርዓት ህግደፍ ብሰፊሑ ገምጊሙ፡-

  • እቲ ንምይይጥ ወሪዱ ዝነበረ ንድፊ ፕሮግራም ኣብ’ዚ ዋዕላ’ዚ ጸዲቑ ስጋብ ጉባኤ ዘስረሓና ውዱእ ፕሮግራም ክኸውን ወሲኑ፤
  • መሰልን ግቡኣን ኣባላት ዘነጽር ሕገ-ህንጻ ኣጽዲቑ፤
  • ሽም ምንቅስቓስ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊት ኤርትራ (National Movement for Democratic Eritrea) ክኸውን ወሲኑ፤
  • “ሓድነት ዴሞክራስያውያን ሓይልታት መፍትሕ ንህጹጽ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ እዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭረሖ ንመረትእኽኻብ ሓይልታት ተቓውሞ ብዕቱብ ክሰርሕ ወሲኑ፤
  • ወግዓዊ ልሳን ምንቅስቓስ “ራኢ” ብዝብል ስም ክትስየም ኣብ ነብሲ ወከፍ ስለስተ ኣዋርሕ ብመልክዕ መጽሄት ክትሕተም ወሲኑ፤
  • ኣብ መጻኢ ናይ ስራሕ መደባቱ፡ ሰፊሕ ናይ ጎስጓስ፡ ዜናን ፕሮፖጋነዳን ስራሓት ናብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ክዝርግሕ፤
  • ሰፊሕን ዓይነታውን ውዳበ ከካይድ፤
  • ብቑጠባ ነብሱ ዝኽእለሉ ንጥፈታት ከካይድ፤ 
  • ስፊሕ ዲፐሎማስያዊ ወፍሪ ናብ ኩሉ ሸነኻት ክዝርግሕ፤
  • ካብ በታታኒ ተጻብኦን ስልኳታትን ጸላኢ ነብሱ ክከላኸል ወሲኑ፡፡
    ሃገራዊ ምንቅስቓስ ንዴሞክራስያዊት ኤርትራ (ምንቅሰቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ) “ሓድነት ዴሞክራስያውያን ሓይልታት መፍትሕ ንህጹጽ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ እዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ኣብ’ዚ ተጠቒሱ ዘሎ መዓልታት ዕዉት ዋዕላኡ ኣካይዱ፡፡ እዚ ብ“ዋዕላ ሽመልባ” ዝተሰየመ ዋዕላ ኣብ’ታ ንኣስታት ሹድሽተ ዓመታት መረበት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኮይና እትርከብ መዓስከር ሽመልባ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ ኣገደስቲ ከባብያውን ሃገራውን ዛዕባታት ዘትዩን ገምጊሙን። ከምኡ’ዉን ውሽጣዊ ኩነታት ምንቅስቓስ ገምጊሙ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣሕሊፉ፣ መጻኢ መደባቱ ወጢኑ፣ ንዕኡ ንምዕዋት ዝበቕዑ ዝበሎም መራሕቱ ብዴሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ፡፡

    ቅድም ክብል ብምንቅስቓስ መንእሰያት ዝፍለጥ ዝነበረ ምቅስቓስና ሃገርና በጺሑዋ ንዘሎ ኣደራዕ ክዓጽፍ ዝኽእል መሪሕ ውድብ ተሳኢኑ ምህላዉ ብምግንዛብ ካብ መጋቢት 2007 ጀሚሩ ናብ ሓደ ድልዱል መሪሕ ውድብ ንምስጋር ክቃለስ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ፡፡ በዚ መሰረት ንኹሉ ግዱስ ሃገራዊ ንድፊ ፐሮግራሙ ብምዝርጋሕ፡ ኩሉ ዜጋ እጃሙ ከበርክት ብምዕዳምን፡ ኣብ ፖለቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ስራሓቱ ንቕሓት ህዝብና ክብ ኣብ ምባል፡ ናይ ዘተ መድረኻት ብምድላው፡ ናይ ቡን-ሻሂ መደባት ብምስራዕ፡ ናእሽቱ በረርቲ ጽሑፋት ብምዝርጋሕ ዝረኸቦ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ዕድላት ብምጥቃም፡ ኣብ መዓስከራት ሽመልባን ማይ ዓይንን ብምዝውዋር ዘይነዓቕ ናይ ምብርባርን ምውዳብን ስራሓት ከምዝዓመመ ይኣምን፡፡ እንተኾነ ግን ብመንጽር እቲ ክንገጥሞ እንዳሎ ዘሎና ስርዓት፡ ብመንጽር ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ዘሕደርናዮ ጽልዋ፡ ከምኡ’ውን ብመንጽር ካብኡ ክንሓፍሶ ዝግባኣና ናይ ውደባ ዓይነትን ዝርገሐን ክረአ እንከሎ፤ እቲ ዝተዓመመ ዕማም ናብ’ቲ እንደልዮ ድልዱል ዴሞክራስያዊ ውድብ ንምስግጋር ዘብቅዕ ስራሕ ተጠናቒቑ እዩ ክበሃል ዘኽእል ኣይኮነን፡፡ ስለዝኾነ ምንቅስቓስና ኣብ ዓውዲ ፖሊቲካዊ፤ ፕሮፖጋንዳውን ውደባን ስራሓቱ ሰፊሕ ዝርገሐ ዘሎዎ፡ ናብ ኩሉ ሸነኻት ዓለም ዘሎ ህዝብና ዝበጽሕን ተሳትፎ ኩሉ ድማ ዘረጋግጽን ስራሕ ክሰርሕ ከም ዝግበኦ ተገንዚቡ፡፡
    ካብ 25-30 ጥሪ 2009 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባኡ ዘሕለፎ ውሳኔታት ከምዘመልክቶ ምንቅስቓስና ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣወርሕ ጉባኤ ክገብር ዝብል መደብ ከምዝነበሮ ይፍለጥ፡፡ እንተኾነ እዚ ናይ ዝሓለፈ ሾመንተ ኣዋርሕ ውጽኢት ስራሕ ብምግምጋም፡ ግዜ ጉባኤኡ ከናውሕ ወሲኑ፡፡ ግዜ ጉባኤ ክናዋሕ ካብ ዘገደዱ ቀነዲ ምኽንያታት፡-

    1. ምንቅስቓስና ናብ ኩሉ ሸነኻት ዓለም ዝርገሐኡ ኣስፊሑ ውዳበታቱ ኣጠናኺሩ ዘተኣማምን
      መሰረት ስጋብ ዝተክል፡
    2. ተበታቲኑ ዘሎ ሓይልታት ተቓውሞ ንምትእኽኻብ ዕድልን ናይ ዘተ ግዜን ክህብ፡
    3. ዝቀላቐሉ ዘሎዉ ሓደስቲ ናይ ተቓውሞ ባእታታት ተጠናኺሮም ኣካል ናይ’ቲ ዝድለ ዘሎ ሰፊሕ ዴሞክራስያዊ ውድብ ክኾኑ ዕድል ክህብን፡
    4. ንስም ጥራሕ ዘገልግል መስራቲ ጉባኤ ንምክያድ ዘይኮነስ፡ ትርጉም ዘሎዎ ሰፊሕ ኣሳታፊ ዝኾነ ጉባኤ ብምቅናዕ ሓደ ድልዱል ዴሞክራስያዊ ውድብ ንምፍጣርን ስጋብ ዝበቅዕ፡

    ምንቅስቓስና እቲ ናይ ጉባኤ ግዜኡ ብምንዋሕ እዚ ሰፊሕ ኣኼባ’ዚ “ዋዕላ ሽመልባ” ብዝብል ታሪኻዊ ስያሜ ሰይሙ ነዞም ዝስዕቡ ውሳኔታት ኣሕሊፉ፡፡
    • እቲ ንምይይጥ ወሪዱ ዝነበረ ንድፊ ፕሮግራም ኣብ’ዚ ዋዕላ’ዚ ጸዲቑ ስጋብ ጉባኤ ዘስረሓና ውዱእ ፕሮግራም ክኸውን ወሲኑ፡
    • መሰልን ግቡኣን ኣባላት ዘነጽር ሕገ-ህንጻ ኣጽዲቑ፡
    • ሽም ምንቅስቓስ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊት ኤርትራ (National Movement for Democratic Eritrea) ክኸውን ወሲኑ፡
    • “ሓድነት ዴሞክራስያውያን ሓይልታት መፍትሕ ንህጹጽ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ እዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭረሖ ንመረትእኽኻብ ሓይልታት ተቓውሞ ብዕቱብ ክሰርሕ ወሲኑ፡
    • ወግዓዊ ልሳን ምንቅስቓስ “ራኢ” ብዝብል ስም ክትስየም ኣብ ነብሲ ወከፍ ስለስተ ኣዋርሕ ብመልክዕ መጽሄት ክትሕተም ወሲኑ፡
    • ኣብ መጻኢ ናይ ስራሕ መደባቱ፡
    • ሰፊሕ ናይ ጎስጓስ፡ ዜናን ፕሮፖጋነዳን ስራሓት ናብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ክዝርግሕ፤
    • ሰፊሕን ዓይነታውን ውዳበ ከካይድ፤
    • ብቑጠባ ነብሱ ዝኽእለሉ ንጥፈታት ከካይድ፤
    • ስፊሕ ዲፐሎማስያዊ ወፍሪ ናብ ኩሉ ሸነኻት ክዝርግሕ፤
    • ካብ በታታኒ ተጻብኦን ስልኳታትን ጸላኢ ነብሱ ክከላኸል ወሲኑ፡፡

    ብመሰረት ዘሕለፎም ውሳኔታትን ዝወጦኖም ውጡናትን፤
    1. ምንቅስቓስ ብዝተወደነ መልክዕ ከወሃህዱን ክምርሑን ይኽእሉ እዮም ዝበሎም ዓሰርተ ሓደ (11)
      ኣባላት ኣካየዲ ቦርድ ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ።
    2. ኣቦ ወንበር፡ ም/ኣ/ ወንበርን ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈትን ሰይሙ።
    3. ኣብ ምድላው መጽሄት ምክትታል ዝገብር ኢዲቶርያል ቦርድ ኣቚሙ።
    4. ስራሓት ዝምድናታት ዝዓምም ኮሚቴ ኣቚሙ፡፡

    ዋዕላ ሽመልባ ኣተሃላልዋ ስርዓት ህግደፍ ብሰፊሑ ገምጊሙ፡-
    ኣብ ፖሊቲካዊ መዳዩ፡- እቲ ስራዓት ኣዝዩ ብዝቐልጠፈ ናህሪ እንዳንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ኮይኑ፡ ኩሉ ናይ ምድንጋር ሜላኡ ተኸሺሑ ዕርቃኑ ወጺኡ ኣሎ፡፡ በቲ ንመደናገሪ ዝጥቀመሉ መራኸቢ ብዙሃን  ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓለምና ዘሎ ኩሉ ከኩፍኡ ዜና ኲናት፤ ጥሜት፤ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣጉሊሕካ ብምርኣይ “ንስኻ ትሓይሽ ካብ ካልኦት” ብዝብል ናይ መደዓዓሲ ፖሊቲካ እኳ ክጥቀም እንተፈተነ፡ ንህዝቢ ግን ክእብዶ ኣይከኣለን፡፡  
    ቁጠባዊ መዳዩ፡- ህግደፍ ከም ኩሎም መዝመዝቲ ስርዓታት እቲ ፓርቲ ድኻ እዩ ክበሃል ዝከኣል እኳ እንተዘየኮነ (ምናልባት’ውን ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘሎዉ ፖሊቲካውያን ሰልፍታት እቲ ዝሃብተመ ክኸውን ይኽእል’ዩ) ብመንጽር ሃገራዊ ቁጠባ ክረአ እንከሎ ግን ቁጠባ ኤርትራ ናይ ውሽጢ ጠለባቱ እውን ከማልእ ዘይኽእል፡ ናብ ሰደድ ዝለኣኽ ይኹን ናብ ሃገር ዝኣቱ ትሕዝቶ ዘይብሉ ኮታ እቲ ዘሎ ቁሩብ ቁራቦውን እንተኾነ ኣብ ረብሓ ሃገር ዝውዕል ዘይኮነስ ኣብ ምስፋሕ መሓውራት ስለያ፡ ወተሃደራዊ ትካላትን፤ ምሕጋዝ ተቓወምቲ ጎረባብቲ ሃገራትን ዝውዕል ምዃኑ ርእዩ፡፡
    ወተሃደራውን ጸጥታውን ኩነታቱ፡- ኣብ  ወተሃደራውን ጸጥታውን መዳዩ እንተኾነ’ውን ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ተዓስኪሩ ዝርከብ ሰራዊት ብሰንኪ ዝተናወሐ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ዘውረዶ ክሳራታት ዝፈጠሮ ናይ ሞራል ውድቀት፤ ዝተናወሐን ስቅያት ዝበዝሖን ሂወት ውትህድርና ዝፈጠሮ ተስፋ ምቑራጽ፤ ግፍዒ ኣዘዝቲ ስራዊት፤ ማሕበረ ቁጠባውን ፖሊቲካውን ክሳራታት ናይ’ቲ ስርዓት ዘስዓቦ ጸቕጢ ወዘተ…. ተስፋ ዝቖረጸን ብእምነት ዘይኮነስ በኣስገዳድ ዝተታሕዘ፤ ኣብ ዝጠዓሞን መሙሎቒ ዝረኸበሉን ኣጋጣሚ ዝበታተን ምዃኑ ይፍለጥ፡፡ እቲ ስለያዊ መሓውራት’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ደረጃ ናይ’ቲ ሰራዊት ዝርከብ ኮይኑ፡ ዕድል ብዝረኸቦ ይበታተን ኣሎ፡፡ እቲ ስርዓት ብፍሉይ ዘዕጠቖን ፍሉይ ድጎማ ብዝገብረሉ ሓይሊ እንዳተሓለወ ይነብር ከም ዘሎ ንግንዘብ፡፡

    ዲፕሎማስያዊ መዳዩ፡ ኣብ ዲፐሎማስያዊ ዓውዲውን እንተኾነ ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ተናዳፊ ፖሊሲኡ ካብ ዓለም ተገሊሉ፡ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝጅምር፤ ሃገራት ኣፍሪካ፤ ሃገራት ዓለም፤ ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለም-ለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዓለማዊ ትካል ገንዘብ ይኹን ዓለማዊ ባንክ፤ ኩሎም ካብ መጠንቀቕታ ስጋብ ማዕቀብ ዝኸይድ ዲፕሎማስያዊ እገዳ ይገብርሉ ኣሎዉ፡፡ ንህዝቢ ኤርትራ’ውን እንተኾነ ካብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ክረኽቦ ዝግቦኦ ረብሓታት ኣስኢኑዎ፡፡ ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ዓውዲ’ዚ እውን እንተኾነ ዝኸሰርን ነዚ ስርዓት’ዚ ምግጣም ድማ ኣዝዩ ዝቐለለን፡ ንስርዓት ህግደፍ ምቅዋም “ኣጆኹም” ዘብል እምበር “ዓገብ” ዘብል ከምዘይኮነ ገምጊሙ፡፡

    ዋዕላ ስርዓት ህግደፍ ብኹሉ ሸነኹ ዝቦኽቦኸ ስርዓት ምዃኑ ድሕሪ ምግምጋም ኩሉ ሓይልታት ተቓውሞ ቐላጽሙ ጠሚሩ እንተዝገጥሞ ብቐሊሉ ክወድቕ ዝኽእል ስርዓት ምዃኑ ርእዩ፡፡ ነዚ ንምትግባር ድማ ብዕቱብ ክሰርሕ ወሲኑ፡፡

    ገምጋም ኩነታት ህዝብና፡ ህዝብና ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ሰላምን ቅሳነትን ዝሰኣነ፡ ብመቕተልቲ፡ መጭወይቲ፡ ማእሰርቲ፡ ሰደት፡ ጥምየትን ከልበትበትን ዝልለ ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ብሰንኪ’ቲ ብጀካ ውልቀ ረብሓኡ ካልእ ዘየገድሶ ጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ እዩ፡፡ ብመንጽር’ዚ ህዝብና ዘርእዮ ዘሎ ዋሕዚ ስደትን ዘይተወደነ ተቓውሞን ግብረ-መልሲ ነቲ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ዋላ ይኹን እምበር፡ ነቲ ስርዓት ብዘስግእን ዘሰንብድን ኣገባብ ተቓውሞኡ ኣየጠናኸረን ዘሎ፡፡ ከም ገምጋም ምንቅስቓስና ነዚ ህዝቢ’ዚ  ኣበራቢሩ ኣብ ምውዳብን ምቅላስን መሪሕ ተራ ዝጻወት ዝደልደለ ዴሞክራስያዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ምስ ዝርከብ ህዝቢ ንለውጢ ድልው ምህላዉ የረጋግጽ፡፡ ነዚ ዕማም’ዚ ንምትግባር ድማ ብትብዓት ክሰርሕ ወሲኑ ኣሎ፡፡

    ገምጋም ደምበ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤረትራዊ ዴሞክራስያዊ ኪዳን ዝተጠርነፉ ይኹኑ ካበኡ ወጻኢ ዘሎዉ፡ ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሽጣዊ ፖሊቲካዊ ሃለኪ ዝሓልፍ፡ ንስርዓት ህግደፍ ስግኣት ዝፈጥር፡ ነቲ ተሓኒቑ ዘሎ ህዝቢ ድማ ተስፋ ዝህብ ስራሕ ፍጹም ኣይተሰርሐን፡፡ እኳ ድኣ ኣብ ዘየድልን ንመጻኢ’ውን ከቢድ ስግኣት ዝፈጥርን ምፍንጫል፡ ኣብ ዘየድለዩ ቕጽል ኣስማት ምስያምን ሕድሕድ ምቁርቛስን ኣትዮም ይርከቡ፡፡ ብእምነት ምንቅስቓስና እዚ ዓይነት ኣካይዳ’ዚ ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ኣናዊሑ ስቓይ ህዝብና ካብ ምግዳድ ሓሊፉ ካልእ ፋይዳ የብሉን፡፡ መሪሕ ጭሮሖና ከምዝገልጾ ኣብ ፕሮግራምና’ውን ሰፊሩ ከም ዘሎ፡ ህጹጽ ፍታሕ ስቓይ ህዝብና ዝርከብ፡ እዚ ሓይልታት ተቓውሞ ግዜኡ ዘይሓለወ ፍልልያቱ ኣወንዚፉ ኣብ እዋናዊ መድረኻዊ ዕማም ኣተኵሩ ኣብ ዘሰማምዕዎ ናይ ሓባር ዕላማታት ብሓባር ክሰርሕ ከምዝግበኦ ንርኢ፡፡

    ዋዕላ ኣድህቦ ሂቡ ካብ ዝዘተየሎም ከባብያዊ ኩነታት እቶም ቀንዲ፡-
    ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ስልጣን ዝርከብ   ስርዓት ኢህወደግ ካብ ቀደም ጀሚሩ ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምድጋፍ ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋ ኣብ ታሪኽ ክልቲኡ ህዝብታት ስኑድ ኮይኑ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ሉኣላውነት ኤርትራ ዘሎዎ ንጹር መርገጺ፡ እቲ እንኮ ስትራተጂካዊ መሓዛ ቃልስና ንሱ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ፡፡ ብኣንጻሩ ብገለ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ሉኣላውነት ኤርትራ ናይ ምሽርራፍ ወይ’ውን ጠቕሊልካ ናይ ዘይምእማን ህቀናታት፡ ብፍላይ ድማ ምስ’ዚ ዝረአ ዘሎ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምዕብል ዘሎ ናይ “ኣይበልና’ንዶ ካብ አትዮጵያ ተፈሊኹም ክትነብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኣተሓሳስባን ጸረ-ሰላም ፖሊሲኦምን ንኽልቲኡ ህዝብታት ዘሎዎም ንዕቀት ዘርኢ እዩ፡፡ ስለዚ ብኣጋ ክቃላዕ ዝግበኦን ክንቃለሰሉ ዝግባኣናን’ዩ፡፡ መንግስቲ ህግደፍ ነዞም ከም’ዚ ዝሓስቡ ናይ ትምክሕቲ ሓይልታት ዝገብሮ ዘሎ “ናይ ጸላእየይ ጸላኢ ፍታውየይ እዩ” ዝትርጉሙ ምትብባዓት ናይ ዕብዳን ዕብዳን ምዃኑ ብምእማን ብትሪ ንቃወሞ፡፡ መንግስቲ ኢህወደግ ከም ታሪኻዊ ስትራተጂካውን መሓዛ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መጠን፡ ሕጂ’ውን ከም ዝሓለፈ ኣብ ዝግበር ዘሎ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልሲ ዝዓበየ ጠመተ ሂቡ፡ ኩሉ ዝኽእሎ ምድግጋፍ ክገብረሉ መጸዋዕታና ነመሓላልፍ፡፡
    ሱዳን፡ መንግስቲ ሱዳን ከም ታሪኻዊ መሓዛ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መጠን ሕጂ’ውን ባይታኡ ንቓልሲ ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ኤርትራ ርሑው ክገብርን ዝከኣሎ ሓገዝ ከበርክትን ጻውዒትና ነመሓላልፍ፡፡ ከምኡ’ውን ኩለን ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ነዚ ምቹእ ናይ ቃልሲ ባይታ ብህግደፍ ተባሒቱ ከይተርፍ ዝካኣሎም ቃልስን ምርብራብን ክገብሩ ንላቦ፡፡

    ኣብ መደምደምታ፡ ዋዕላ ሽመልባ ክውንነት ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብምግምጋም ኣብ ፖሊቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ዲፐሎማስያዊ ይኹን ወተሃደራዊ መዳዩ ዝተዳኸመ፡ ብሓያልነት ገዛእ ርእሱ ዘይኮነስ ብድኻምን ምብትታንን ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ይነብር ምህላዉ ኣርጊጹ ገምጊሙ፡፡ ዕድመ ህግደፍ ዝቕጽል ዘሎ ንዕኡ ክደፍእ ዝኽእል ሓደ ድልዱል ዴሞክራስያዊ ሓይሊ ስለዘይተረኸበ ምዃኑ ደምዲሙ፡፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ መድረኻዊ ዕማም እዚ ክገጥም ዝኽእል ድልዱል ደሞክራስያዊ ውድብ ንምህናጽ ብዕቱብ ክሰርሕ ወሲኑ፡፡
    ለበዋ (መጸዋዕታ) ንኹሉ፤

    ብመንጽር ሃገርና እትጽበዮ ዘላ ናይ ለውጢ ስራሕ፡ ኣዝዩ ነዊሕ ጉዕዞ ይተርፈና ምህላዉ ብምእማን፡ ነዚ ጉዕዞ’ዚ ኣብ ብዝሓጸረ ግዜ ናብ መዕለቢኡ ንምብጻሕን፡ ብኡ ኣቢልና ድማ ኣታ እንምነያ ልዕልና ሕጊ ዝነገሳ፡ ዴሞክራሲ ዝዓምበበላ፡ ሰላምን ምርግጋእን ዝዓሰላ፡ ዕብየታ ዘረጋገጸት ኤርትራ ንምውናን፡ ዝተወሃሃደ ቅልጽም ናይ ለውጢ ሓይልታትን ተሳትፎ ኩሉ ሓፋሽን ወሳኒ ምዃኑ ዘማትእ የብሉን፡፡ ስለዝኾነ ድማ፤
    1. ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና ብሓፈሻ፤
    2. ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ብፍላጥ ይኹን ብሓይሊ ተገዲዱ ተዓስኪሩ ንዘየኣምነሉ ዕላማ
       ዘገልግል ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ፡
    3. ብመልክዕ ውልቀ ሰባት፡ ስቪክ ማሕበራት፡ ይኹን ፖሊቲካዊ ውዳበታት ተጠርኒፉ ግን ድማ ብዝተበታተነ ኣካይዳ ንለውጢ ዝዓይ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ብሙሉኡ፡ ናይ ተቓውሞ መንፈስና ኣሕዲስናን ኣሐይልናን፡ ቀላጽምና ጠሚርና ንምሕጻር ዕምሪ ናይ’ዚ ጨፍላቒ ስርዓት ሓቢርና ክንቓለስ ሒጂ’ውን ጻውዒትና ደጊምና ነመሓላላፍ፡፡

    ምስ’ዚ ናይ ለውጢ ሓይሊ’ዚ ‘ሃገራዊ ምንቅስቓስ ንዴሞክራስያዊት ኤርትራ’ ተወዲቡ ክቃለስ  ዝደሊ፡ ኣብ ክሊ ዘረዳድኡ ነጥብታት ተወሃሂዱ ወይ ተላፊኑ ክሰርሕ ምስዝደሊ፡ ዝኾነ ናይ  ሞራል፡ ሓሳብ፡ ንዋትን ገንዘብን ሓገዛት ከበርክት ንዝደሊ ኩሉ ውልቀሰብ፡ ማሕበር ይኹን ውድብ ማዕጾና ክፉት ምዃኑ ደጊምና ነረጋግጽ፡፡

    “ሓድነት ዲሞክራስያውያን ሓይልታት መፍትሕ ንሕጹጽ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ”
    ምህናጽ ዴሞክራስያዊት ኤርትራ ሕለሚ ኮይኑ ኣይተርፍንዩ!!!
    ሃገራዊ ምንቅስቓስ ንዴሞክራስያዊት ኤርትራ
    (ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ)
    Contact Address - e-mail This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
    Tel – 251-913-219403/251-911-686784

    Latest

    መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

    እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

    መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

    እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

    Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

    ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

    ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

    ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

    Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

    The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

    “ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

    ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...