ኢጋድ፣ ቅድሚ ኤርትራ ምስሓባድሕሪ ኣንፈት እቲ ዝወለዖ ዶብ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ምብቅዑ፣ ነቲ ዛጊድ ብሕቡእ ጀሚርዎ ዝነበረ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ኣእታውነት ክሰርዖን ብስውር ካልእ ባርዕ ክኸፍት ጀመረ። ሸርሕታቱ ድማ ካብ ዋሺንግተን ዲሲ፣ ብግርማይ ኣስመሮም ክካየድ ጀመረ። ቀንዲ ሃናጺ ናይቲ ዝካየድ ካብ ቤት ጽሕፈት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣስመራ ድማ መልእኽቱ ዝፍጸምን ዘብጽሕ የማነ ገብረኣብ ኢዩ። ብኸመይ ግን?
 
ንኢሳያስ፣ ሕሙማትን ዝሓከሉን፣ ኢዮም ከም ስሩዓት ዘድልይዎ። ኣብ ኣንኮበር ዝተወልደ ናይ ምነሊክ ሕማም፣ ካብ ሓደ መድረኽ ናብ ካልእ መድረኽ፣ ስለ ዝራባሕ፣ ምስቲ ዘጋጠሞ ናይ ባድመ ውግእ ስዕረት ወሲኽካ፣ ነቶም እንዳ ዂስኮሰን፣ ክሃንጾምን ግዜ ዝጽበየሉ ዝነበረ፣ ናይ ኣምሓሩ ወይ ብሓጺሩ ናይ መላ ኣማራ ድርጅት ሕሙማት፣ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ክልእኮም መደበ። ብኣታቶም ኣቢሉ ናብ ናይ ኦሮሞ (ኦነግ) ቀጺሉ ኣብ ናይ ኦጋዴን (ኦብነግ) ስዒቡ። ቀጺሉ ናብ ናይ ሲዳማ ውድብ፤ ኣብ መጨረሽታ ድማ ኣብ ትግራይ ዝባራዕ ሃልሃልታ ዝውልዓሉ ኣጀንዳ መዲቡ።


ብዘየገድስደገፍቱ፣ ሳዕቤኑ ብዘየገድስ፣ ንጸላእትኻ ክትምክት ኣብ ኢድካ ዝነጠበ ዕድል፣ ክጥቀመሉ ናይ ግድን ኢዩ ብምባል ይጀሃሩ። ናይቲ ሃልሃልታ ሸንበባዕታ ንመን ዝያዳ የንድዶ ዝገመትዎ ግን ኣይመስሉን። ናይ ጉርብትና ወጥሪ መፍትሒኡ ዘተ እንበር፣ ጻሕቲርካ ኲናት ምእዋጅ ኣይኮነን መፍትሒ። ኣቓልቦ ዓለም ናብ ኢሳያስ ከየብል ድማ፣ ወጥሪ ሶማልን ኢትዮጵያ ከም ዝጎሃሃር ነዳዲ ምኽዓው ተቓጻጸለ።

ኣመሪካውያን ብፕረዚደንት ክሊንተን ኣብ ካምፓላ፣ ናይተን ኣብ ዙርያ ማያት ዝርከባ ሃገራት፣ ርክብ ዝምድና ኣፍሪቃን ኣመሪካን ክብ ክብል ብምኽኣሉ ኢሰያስ እታ ዘውትር ንኻልእ ዝገልጻ “ሓሳድ” ትብል ቃል ብውሽጢ ክርትብጾ ጀመረት። ንካምፓላ እንታይ ዘኽይድ ኣሎ ክብል ብዘሐፍር ኢዩ ባዕሉ ገሊጽዎ። ፕረዚደንት መለስ ግን ካብ ሽዑ ጀሚሩ፣ ዝምድንኡን ፍልጠቱን ኣብ ዓለም ብትዕግስትን ሰላምን ከዕቢ ክኢሉ። ኢሰያስ ግን ብዝወለዖ ጓሀሪ ክነድድ ጀመረ። ናይ ሸርሑ መሓዙት ካብ ስልጣን ዝወረዱ ጉጅለ ኣንኮበር፣ ዝተረበጹ “እምየ ምንሊክ” ዘብኦም ሕሙማት ኣምሓሩ ከናዲ ድማ ናይ ግድን ኢዩ ነይሩ። ኩሉ እቲ ዝካየድ ድማ ኣብ መንጎ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ዝነበራ ብሄራት ፋሕ ዝብላሉን፣ ካብ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ወጻኢ ኣብ ረጽሚ ክኣትዋን፣ ንመለስ  ካብታ ንኢሳያስ ተሕምሞ ቦታ (ናይ ቀዳማይ ሚኒስተርት) ወሪዱ፣ ኣቃልቦ መላእ ብሄራት ኢትዮጵያ ክስሕብ ኢዩ ድላዩ ዝነበረ። ብውሽጥን ብናይ ኣራዳ ኣዛራርባ፣ ኢሰያስ ምንጻል ኤርትራ ገዲፉ “ንምልእቲ ኢትዮጵያ ክመርሕ” ፍቓደኛታት ከም ዝኾኑ ደቂ ምንሊክን ሃይለስላሰን ዝዛረቡሉ ዝነበሩ፣ እቲ ዕላማ ግዝይኡ ኣኺሉ ክብል ምልክት ክህቦም ጀመረ።

ኣብ ደርጊ ናይ ባይቶ ዝነበሩ፣ ቀጺሎም ድማ ኣብቲ ናይ “ኣርበኞች ግንባር” ዝነጥፉ ከም ናይ ኣስመራ ኣጋይሽ ኮይኖም ምንባሮም ሎሚ ዝዝከር ኢዩ። ኣብቲ ውግእ ባድመ ዝተዛዘመሉ ኣብ ቦን ባድጉደስበርግ (Bad Godsberg, a District of Bonn) ንጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሶማልን ከምኡውን ናይ ኦሮሞ ምንቅስቓስን ብርክት ዝበሉ ምሁራት ስብ ሞያውያን ተረኺቦም ነይሮም። ንኣብነት፣ ፕሮፈሰር ተኪኤ ፍስሃጼን፣ ፕሮፈሰ ታፍላ ከም ኤርትራውያን ምሁራት፣ ፕሮፈሰር እንድርያስ ኢሼቴ፣ ፕሮፈሰር ኣብርሃም ካብ ኢትዮጵያ፣ ኣቦ መንበር ናይ ኦ.ነ.ግ. ኣቶ ለንጮ ለታ፣ ካብ ናይ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ (ናይ ጀርመን ኣምባሳደር) ዝተረኽቡሉ ናይ ሰለሰተ መዓልቲ ዘተ፣ ኣነ እውን ዕዱም ኮይነ ተራኺበ ነይረ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣጽፋር ኢሳያስ ብርግጽ ርኡይ ኢዩ ነይሩ። ግን ነቲ ቊጥዕን ክብጻሕ ዝድለ መድረኽን፣ ሓሊኻ ብዙሕ ስለ እትመሃር ሽዑ ዝጸሓፍክዎን ዘዋህለልክዎን ሓቅታት ኣብ ቦቱኡ ኣሎ። ብዙ እውን ተማሂረ።
 
ኢሳያስ ኣብ ናይ ፖለቲካ ማሕፈዳኡ፣ ማለት መዐደጊ መዝገቡ፣ ንኹለን ውድባት ኢትዮጵያ ኣብ መስርዕ ኣእትይወን ነይሩ። ቀንዲ ኣቓልቦ ዝገበረሉ ንናይ ኦሮሞ ምንቅስቓስ ኢዩ። መምረጺኡ ድማ ብሄር ኦሮሞ ኣብ ኢትዮጵያ ዝላዓለ ቁጽሪ ስለ ዘለዎምን፣ ከምኡ እውን ምስ ባሕሪ ዝቃርረብ ገማምግም ስለ ዘይብሎም፣ ከም ጀርመን ድማ ብጸኒሑ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዝኾነ (በዓልቲ እንድኡ ጀርመናዊት) ግን ምሕዝነት ምስ ስሩዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ፍራንክፈርት ዝነበሮ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎም፣ ደሚሩ ደማሚሩ እቶም ዝተጠቕሱ ሰባትን ረቛሒታት ክኸፍትዎ ዝኽእሉ ናይ ርክብ ማዕጾ ስለ ዘጎምጀዎ፣ ብወተሃደራዊ ወይ ዕጥቃዊ ረብሓ ንዖም ኢዩ መሪጹ ዝነበረ።

እዚ እውን ንውሕ ዝበለ ግዜ ዓመታትን ክጥቀመሎም ዘኽእል ካልእ ረቋሒ እውን ገምጊሙ ኢዩ ነይሩ። ኦሮሞ፣ ምስ ኣምሓሩ ዘለዎም ቂም፣ እንዳ ኣንበድበደ፤ ቅድሚ ዕረፍቲ ኣንጻር መለስ፣ ኣብቲ ካልኣይ ፍርቂ ዕረፍቲ ድማ፣ ከም ኩዕሶ ኣንዳ ገላበጠ ነንሕድሕዶም ከናቑሮም ኢዩ ውጥኑ። “ትግራይ ንኢትዮጵያ ትምዝምዛ” ኣላ ዝብል ዘይጭቡጥ ወረ እንዳ ተነዝሐ እንከሎ፣ ኢሳያስን ኮራኩሩን ኣብ ናይ ጸሊም ዕዳጋ ንዝተፈላለየ ቁጠባዊ ፍግረ-ገንዘብ ተዋፊሮም ነይሮም። ንልዕሊ 30 ዓመታት፣ ብክእለቶምን ብቕዓቶምን ንቁጠባዊ ምዕባለ ዘበርክቱ ዝነበሩ ኤርትራውያን፣ ናብ ጸቢብን ትምክሕትን እናኣስጠመን እንዳመዝመዘን፣ ዘየድሊ ቅርሕንትን ሸፈጥን ከካይዱ ዝደፋፍእ ውሽጣዊ ጎስጓሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ብሰፊሑ ኣተኣታትዩ ነይሩ። ናይ ዶላር ጸሊም ሸርፊ እውን ክሳብ ዘስካሕክሕ ባህሪ ነይርዎ።
 
እቲ ብሕቡእ ማለት ብምስጢር ዝካየድ ዝነበረ፣ ኩለን ውድባትን ተቓወምቲ ኢትዮጵያ፣ ንዕላማ ህ.ግ.ደ.ፍ. ስለ ዘየስተብሃላሉ፣ ብበይነን ርክብ ከካይዳ ምስ ጸንሓ፣ ኢሳያስ ቀጺሉ ብስዉር ሓዲሽ ወፍሪ ኣተኣታተወ። ዘይቅላዕ ሓጥያት ስለ ዘየለ፣ እተን ውድባት፣ ሓንቲ ነታ ሓንቲ ርክባ እንታይ ከም ዝኾነ ንምፍላጥን ምግምጋምን ነሓድሕደን ክተዓዳደማ ጀመራ። ኢሳይስ ናይ ቀረባ መሓዙት እንበር ኣብ ልዕሊአን እምነት ከም ዘይብሉ ንሰን እውን ይፈልጣ ኢየን። ኤርትራውያን ጥራይ ኢና ብኢሳያስ ንድህለል። እቲ ኩሉ ዝግበር ዝነበረ ሃሰስ ኢሉ ኣናድዩን ኣረጋጊጹን ዝተመልከተ፣ ኣቶ ኣብረሃም ያየህ፣ ናይ ባዕሉ ጸብጻባት፣ ብፍላይ ካብ ምብራዕ ሓዊ ገለ ዘድሕነሉ መፍትሒ ኣናድዩ ዝተራእዮ፣ እቲ ርክባት ውድባት ኢትዮጵያ ንክኽፈት ምሽብሻብ ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን ንኢሳያስ፣ 8 ገጻት ዘለዋ ጽፍሕቲ ብህጹጽ በቲ ኣብ ደኒማርክ ወካል ኤርትራ ዝነበረ ኣምባሳደር ዓብዱ ሄጂ ገይሩ ይልእኽ። መልሲ ናይታ ጽሕፍቲ ስለ ዘይረኸበ እውን ንኣስመራ ከይዱ ክመያይጥን፣ ነተን ውድባትን ጉጅለታትን ረኺቡ ኣንፈተን ከይስሕታ ክመዓዓድ ከም ዝጀመረ ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ።
 
ኣብዚ እዋን እዚ ኩለን ውድባት ኢትዮጵያ ብጉዳይ ሃገረን ክእከባ እሞ ኣወንታዊ ፖለቲካዊ ውጽኢት ብሓባር ዝምክታሉ ኣጀንዳ ዝሓዘለ ጻውዒት ተገይሩ ነይሩ ይበሃል። ገለ ኣብ ኣይተ ኣብረሃም ያየህ ንምጥቃስ፣ ኣብታ ናብ ኢሰያስ ዝተላእከት ደብዳበ ገለ ካብ ትሕዝቶኣ ኣንሆ።
 
ብኣጋላልጻ ኣቶ ኣብረሃም ያየህ፣,,ናይቲ ዝለኣክዎ ደብዳቤ ትሕዝቶ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘካተተኳ እንተኾነ፣ ብዋንነት ዘተኮረሉ ጉዳይ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም በብጎደብኡ፣ በብዓሌቶም ወዲቡ ዘሰልጥኖምን ዘዕጥቖምን ዘለዉ ሓይልታት ኢትዮጵያ ተበታቲኖም ንሃገርና ክብታትን ዝተምሃዘ ኣጀንዳ እንተዘይ ኮይኑ፣ ካልእ ዘፍርይዎ ቁምነገር ከምዘየለ፣ ብህዝቢ ኢትዮጵያውን ተቐባልነት ክረኽቡ ከም ዘይክእል ብትንተና ብምሕባር፣ ኩሎም ብመንግስቲ ህግደፍ ዝምወሉ ውድባት ኣብቲ ተጸዊዑ ዘሎ ናይ ሕብረት/ኪዳን መስራቲ ጉባኤ ክርከቡ ክግበር ከም ዘለዎ ትምሕጸን ኢያ። ንኣይተ ኢሰያስ ብምሕጽንታ ምግባር ዘድለየሉ ምኽንያት ፍሉጥ’ዩ። ኩሎም ብመንግስቲ ህግድፍ ዝሕገዙ ውድባት ብጀካ ናይቲ ስርዓት ድልየትን ፈቓድን ናይ ባዕሎም ውሳነ ይኹን ስጉምቲ ክወስዱ ዘይክእሉ ምዃኖም ብተመክሮ ዘርጋገጽኩዎ ጉዳይ ስለ ዝኾነዩ። ሓደ ካብቲ ትሕዝቶ ስጉምቲ ክወስዱ ዘይክእሉ ናይ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ጉዳያት ተቓውምቲ ውድባት ኢትዮጵያውያን ዝርአ ኢድ-ኣእታውነት ክውገድ ከም ዘለዎ ዝሕብር ነይሩ። ኣብቲ ደብዳቤ ካብ ዘንብርኩዎም ዓባይቲ ነጥብታት ብፍላይ ናይቶም ውድባት ኣብቲ ጉባኤ ምስታፍ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ካብ ምምጻእ ሓሊፉ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝርአ ንዘሎ ሓደገኛ ምፍጣጥን ወጥርን ንምርጋእን ዘላቒ ፍታሕ ክረክብ ኣብ ምግባርን ዘለዎ ተረኽቦ ብዘእምን መንገዲ ኣቕሪበ’የ።
 
ንኣይተ ኢሳያስ እንትጽሕፍ ከምኡ ድማ ነቶም ኣብ ኣስመራ ዝዓረዱ ውድባትውን በብውድቦም ስም ብውድብና ብ“ዴምህት“ ኣርማን ማሕተምን ዝተኸተሙ ደብዳቤታት ብምጽሓፍ ኩላትና ኣብቲ ጉባኤ ምስታፍ ዘለዎ ዝለዓለ ኣገዳስነትን ትርጉምም ሓቢረዮም’ን። ትብል።
 
ካብዚ ቀጺለ ነቲ ኣወዳድባ ዝተፈላለያ ውድባትን ሰባትን ኣብቲ ንመንግስቲ ኢህወደግ ንምፍራስ ዝተኻየደ ርክብን ኣስማት ስባትን ኮነ ውጽኢቱና ኣብ ራባዓይ ክፋል ክጽሕፎ ኢየ። ንህዝብና ምሕባር እንበር፣ እተን ኣብ ዞባና ዘለዋ ሃገራት ኩሉ ይፈልጥኦ ኢየን። ከም ኣቶ ሃይሉ ሻውል፣ ኣዮ ልደቱ ያለውን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ናይቲ ጥምረት ኣምሓሩ ጉጅለ ኮነ ካብ ሱዳን ድማ እቲ ንስደት ኣቕኒዑ ዝነብረ ኣሰይ ሰዲቕ ኣልማህዲ ኮነ ካብ ሶማል ድማ መራሕቲ ኣልሸባብ ኮነ ናይ ካልኦት ጉጅለታት ኩሎም ምስ ሃገሮም ተዓሪቖም ስለ ናብ ህዝቦም ዝተመልሱ፣ ነፍስ-ወከፎም ድማ ጸጻቦም ሂቦሙሉስ ዕርቃን ኢሳያስን ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ድማ ተገሊጹን ወጺኡን ኣሎ። ኣብ ጀነቫ ከድካ ዝግበር ዳንከራን ፈንጠዝያን ነቶም ብሕጂ መሬት ከም ዑንቂ ጸቢባቶም ዘላ መንእሰያት ደቅና ኩነታቶም ዘበላሹን ዝጽይቕን እንተዘይ ኮይኑ፣ ካልእ ውጽኢት የብሉን።
 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...