(ሀ)

ጉዳይ ሃገርና ስለ ልዕሊ ኩሉ ገርና ንሰርዖ፣ ኣብ ህይወትና ቀዳማይ መስርዕ ዝሓዘ ኢዩ። ካብዚ መወከሲ’ዚ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ከም ክትግበር ዘለዎ ስጉምቲ  መዲብና ድሕሪ ፖለቲካዊ ጥምጥም ምስ ገዛእትና፣ ቅኑዕ ጠለብናን ትጽቢትናን ገሊጽና ብቕሉዕ ኣብ መተግበሪ ጠረጴዛ ምንባርና፣ ግን ብኣንጻሩ ዝተዋህበና መልሲ ምድሃኽን፣ ከም ዜጋታት ድማ ምምሕዳርና ኣብ ኢድና ከይኣቱ ተሓሪምና። መልሲ ኩሎም ገዛእትና ሞትን ህልቂትን ዓመጽን ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ዕጽው መዕጾን ብመናድቕ ሓጹራትን ተሓጺርና፣ ብሰላማዊ ሕቶ ነቕርቦ ኩሉ ሓንሳብን ንሓዋሩን ተረጊጡ። እንታይ ከም ዝስዕብ ድማ ንመላእ ህዝብና ብሩህ ነይሩ። ዕጥቃዊ ቃልስና ከነብግስ ተገዲድና። ቅትለትን ደም ምፍሳስን ስለ ዝናፈቕና ኣይኮናን ዕጥቂ ክንሕንገጥ መሪጽና። ካልእ ኣማራጺ ስለ ዝሰኣና እንበር። ንጸላኢና በታ ትርድኦ ክንብድሆ ተሲእና። ናይ ሰላም ባህግና ሕጂውን ኣየብቀዐን። ከም ንንድርን፣ ከም ዘይንሕለልን ኢና በታ ቀዳመይቲ ናይ ኣዳል ጥይትና ኣቃሊሕና። ዝተጀመረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘስዕቦ መስዋእትን ከቢድ ክሳራታትን እውን ክሳብ ክንደይ ከም ዝኸውን ሓርፋፍ ግምትስ ነይሩናን፤ ተመጢጡ ክነውሕ ከም ዝኽእልን ንኩላህና ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። ጸላእትና፣ ከም ሃገራት መጠን፣ ልዑላውነቶም ዘረጋገጹን ንውሽጣዊ ምዕብልነኦም ክብሉ  ዘለዋ ሰባውን ባይታውን ጸጋታት ንምግሓጥ ብስስዐ ኢዮም ተበጊሶም። ዝገሓጥው ድማ ኣይወሓደን።
 
ናይ ሃይለ ስለሰ መንግስቲ መኸተ ኤርትራውያን ስለ ዝሓየሎ፣ ምስቲ ኣብ ትሕቲ ጥልያንን እንግሊዝን ዘጋጠመና መግዛእቲ ዘዋህለልናዮ ተመክሮ ስለ ዝነበረ፣ ብኣንጻሩ ድማ ኢትዮጵያ ብመስፍናውያን ዘይማዕበሉ ቅርጺ ብመሳፍንቲ ትመሓደር ስለ ዝነበረት ንመኽተና ክትጻወሮ ኣይከኣለን። ናይ መግዛእቲ ምረት ኣብ ሊብያ፣ ኣብ ሶማልያ፣ ኣብ መጨረሽታ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብ1935 ዓ.ም፣ ኣብ ዘይምልከተና ውግኣት ተሸሚምና።  ወጺእና ክንቃለስ ጀሚርናን ኣቓልቦና ግን ናብ ጸላኢና ጥራይ ኣተኲርና። ሃይለ ስላሰ ካብዚ ኩርናዕ እዚ ተበጊሱ፣ ናይ ናጽነት ጠለብ ከም ሕማም ስለ ዘዕበድበዶ ንኤርትራ ናብ ክልተ ተመቒላ፣ ባጽዕን ዓሰብ ወኒኑ ነቲ ምዕራባውን ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ንሱዳን ክወሃብ መዲቡ ነይሩ። ንኤርትራ ኣብ ክልተ ምምቃላ ዝብል ሜላ ድማ ብኩለን ብሄራትና ዘይቅቡል ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ፣ እቲ መደብ ገና ከይተበገሰ ኢዩ በርዒኑ። እዚ ናይ ምምቓል ድሕሪ ምፍሻሉ፣ ስዒቡ ዝምጸ ድማ ኤርትራ ብምልእታ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮፕያ፣ ኣብ ሓደ ጆግራፊያዊ ቅርጺ ክልተ ሃገራት ዘስምዕ ምምሕዳር ኢዩ ከም ምርጫ ዝቐረበ። ኤርትራውያን ነዚ ናይ ፈደረሽን እመማ እውን ብተሪር ኢዮም ተቓዊሞሞ።

እቲ ካብ ፍርቂ 40ታት ጀሚሩ ዝቃለስ ዝነበረ ኤርትርዊ ቀጽሪ ኣዝዩ ብሱልን ተሪርን ኢዩ ነይሩ። ነዚ ከኣ ኢዩ ቃልሱ ካብ ሓደ መድረኽ ናብ ካልእ ዘደየቦ። ኣበጋግሳ ሰውራ ኤርትራ ከም ሓዲሽ ብረታዊ ጎነጽ፣ ኮነ ኣመራርሕኡን ጉድለት ከም ዝህልዎ ክሰሓት ዘይግብኦ ሓቂ ኢዩ። ኩሉ ኣብ ምብጋስ ዝርከብ በዳህን ፈታንን ተበግሶ፣ ምስ ጉድለቱ ክውለድ ባህሪያዊ ኢዩ። እቲ ሎሚ ብዙሕ ዝዝረበሉ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ፣ በቶም ቀዳሞት ኣቦታትና፣ ነዚ ሓዲሽ ወለዶ ኣበሓጎታቱን ዘሐብን ተበግሶ ጥራይ ዘይኮነስ ንጽህና ዝዓሰሎ ደሞክራዊያዊ ባህሪ ይውንን ነይሩ። ንውልቀ-ረብሓ ዝሓለነ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣይነበረን። ኣብቶም ምስ ኢትዮጵያ ዝብሉ ኣውን ከይተረፈ፣ ወከልቲ ክኾኑ እንተዘይኮይኑ፣ ውልቐ መራሕቲ ክኾኑ ኣይሃቀኑን። ናይ ባዕዲ ረብሓ ዝውክሉ ምምራጾም ጉጉያት ክንብሎም ንኽእል። “ኣምልኹና” ዝብል ሕማም ግን ኣይነበሮምንን። ስለዚ ከኣ ኢዩ ክሳብ ልዝብን ዘተን ኣብ ክልቲኡ ደምበ ኣሕዋት ዝተኻየደ። ነፍስ ወከፍ ደምበ ከረድእ ኢሉ ዝፍትነሉ እዋን ነይሩ ኢዩ። ልክዕ ኣብ ደንበ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ በሃልቲ፣ ዓመጽ ዝተዋፈረ ናይ ሸፋቱ ባህሪ ተደራቢ ሜላ ነይርዎ።
 
ነዚ ኩሉ ካብ መቕርብኡ ዝሰነቐ ኢሳያስ ኢዩ ድማ፣ ሕልምታቱን ሕልምታት ለኣኽቱን ከተግብር ዝተበገሰ። እታ ምስ ድምጺ ኣመሪካ “ናይ ኮንፈደረሽን” ቃለ መሕትቱ በጨቅ ዝበለቶ እቲ ገርሂ ልቢ ህዝብና ኣየስተብሃለላን። ናይ ዕርቂ ጻውዒት ገይሩ ኣንቢብዋ። ኢሰያስ ግን ንግርህነትና ጥር ክብል ኢዩ ክብለጸሉ ዝተበገሰ። ንሕና እውን ቆላሕታና ናብ ገዛእትና ጥራይ ኢዩ ዘማዕዱ ነይሩ። ነዚ ሸርሒ እዚ ግን ምዕሩይ ውሽጣዊ ቆላሕታ ዳርጋ ኣይተገብረሉን። ውሽጣዊ እምነትና ፈጺሙ ርዒሙ ኢዩ ደቂሱ ጸኒሑ። ኣብ ገለ እውን ሕጂ ገና ኣይተበራበረን። ከምቲ ኢሰያስ ዝደልዮ፣ ሕቶና ሕቶ ኤርትራ ከም ዝኾነ ተረሲዑ፣ ሕቶ ወልቀ-ሰብ ገይሮም ዝወሰድዎ ኣብ ቀረባ እዋን ብብሩህ ሪኢና። ኣማን ዓንዶም ከም መራሒ ደርጊ ኮይኑ ንጉዳይ ኤርትራ መፍትሒ ዝኸውን ሓበረታ ክእክብ ምስ መጸ፣ ወድና ካብ ኮነ ንሕና ኢትዮጵያውያን ኢና በሃልቲ ተፈጢሮም ነይሮም። እዚ እኩይ ፍጥረት ድማ ከም ለዋህ ድሙ ሰም ሰም እንዳበለን ኛው ዝብል ናቁኡ፣ ገና ስጋኹም ደምኩም ኣይጸገብኩን ዝብል መልእኽቱ ዘስከሮም ሰዓብቱ ምስ ምሉእ ዓለም ክበኣሱ በትሮም ገና የዋጣውጡ ኣለዉ። እስኪ እቲ ሸርሑ ምስታ ዝሓለፈት ሳልሰይቲ ክፋል ኣላጊብና ንቐጽላ።
 
እተን ናይ ኢትዮጵያ ተቓውምቲ ውድባት ጻውዒት ናይ ሕብረት ወይ ኪዳን ኩለን ውድባት ከም ፖለቲካዊ መስርሕ ኣብ ኣስመራ ክካየድ ኣንቢብናዮ ነርና። ንናይ ተጋሩን ኦሮሞን ውድባት ገዲፉ፣ ጥርናፈ ጻውዒት ኢሰያስ ንናይ ሃይለሰላሰን መንግስቱ ሃይለማርያም ተረፍ መረፍ ሰሪዑ ኢዩ ኣንጻር መንግስቲ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ፈልዩ ኣብ ኢትዮጵያ ከእቱ ዝወጠነ። እዚ ግን ክልተ ሓደገኛ ተርእዮ ኢዩ ነይሩ። ቀዳማይ፤ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልእ ሃገር ኢድካ ምእታው። ካልኣይ፤ ድማ ሓንሳብ ምስ ተወለዐ፣ ብናቱ ዓቕሚ ከጥፍኦ ከም ዘይክእል ብሩህ ኢዩ ነይሩ። ዘሕዝን ግን ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝብታት ናይ ደም ደበና ይሰርብ ምህላዉ ዝተገንዘበ ዳርጋ ኣዝዩ ውሑድ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ተቓላሲ ህዝቢ፣ ብፖለቲካ ኣመራርሓ ዘይበሰለን ብዲፕሎማስያ ዝምድና ዘይእርነብን ነዚ’ውን ዘይጻወር፣ ዓንዳሪ ስብ ክምራሕ ዘሕፍር ኢዩ።
 
ኣብ ውሽጢ እታ ንሃገር ትመርሕ ዝነበረት ጉጅለ ንምእራም ዘካይድዎ ኣሰሮም እንዳ ተኸተለ ምትዕንቓፍን፣ ኣቓልቦኦም ናብ ካልእ ከም ዝቐንዕ ምግባርን ዘበገሶ መርበብ ፍሕት ምባል ኢዩ ከሊእዎም። ሕጂ’ውን ስልም ልም ዝብል ኣዒንቱ እንተ ዘየስተብሃሉሉ፣ እንተስ ኣብኡ ዝሓሸ ምትእኽኻብ ተበሪህዎም፣ ትጽቢት ዝገብሩ ኣለዉ። ካብ ደም ምፍሳስ ዘቖጥብ ጽቡቕ ድልየት ክህልዎም ይክእል ይኸውን። እዚ እውን ከም ሓልዮት ክንበብ ይከኣል። ኢሰያስ ግን፤ ደም ናይ መን ከይፈስስ ኢዩ ዝጥንቀቕ? ንከልቢ እንካ ስጋ ሓሉ ዝዓይነቱ ጥበብዶ ኣይመስለኩምን? ትምክሕተኛ ተሓግሒጉ ከም ዝሓረረ ቅጫ ናብ ጎሓፍ ክድርበ ኣለዎ። ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኣሃዱ፣ ደም ኣፍሲሱ ስልጣን ንህዝቢ ከረክብ ከም ዕላማ ቀዳማይ ገይሩ ዝሰርዕ የለን። እቲ ጎነጽ ዝተጠቕመ ካልእ ኣማራጺ ስለ ዝሰኣነ ኢዩ። እቲ ብሰላም ዝጽውዕ እውን ናይ ህዝቢ ጻውዒቱ፣ ከም ዝድንፍዕ ገይሩ፣ ናብ ዑዉት መድረክ ክድይብ እንተዝኽእል ኩሉ ምሰዓቦ።

እዚ ንምግባር ግን “ህዝቢ ንዑ” ማለት ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ናይ ኣመራርሓ ጉድለት ዘስተብሃለ ህዝቢ ብቀሊል ኣሚኑ ሕራይ ክብል ትጽቢት ክግበረሉ ኣይክእልን። ህዝቢ ብብዙሕ ኩርናዓት ዝቐርብ መንገዲ ፍሽለት ኣጋጢምዎ ኢዩ። ማለት ነቲ ዳርጋ ኣብ መዋእሉ ንሃገር ክመርሕ ዝመደበ ብሓደ መዳይ፣ እቲ ተቛዋማይ ዘይምድምዑ ስለ ዘስተብሃለ፣ ኣንፈቱ ከመዓራሪ ዝኽኣል ጭቡጥ ነገር ክርኢ ይጽበ ኢዩ እቲ ህዝቢ ጸኒሑ። ህዝቢ ባዕሉ ንዘይከውን ኣብ ክውን ክልውጥ ምተገበኦ። ይኹን እንበር ትጽቢትን ድልየትን በይነን እኹላት ኣይኮናን። ህዝቢ ዘይተሓወሶ ቃልሲ ካብ ሰማይ ወይ ካብ መለኰታዊ ሓይሊ ዝዕወት የለን። ብዝኾነ ግን እቲ ነታ ሃገር መጣልዒት ክገብራ ዝደሊ እውን ኣብ ውሽጢ ቃልሲ ከም እሙንን ተቓላሳይን መሲሉ ተሞኽልዩ ስለዝኣቱ፣ ኣዝዩ ሃሳይን ለካምን ይኸውን። ንሓደ ውሽጣዊ ጸገማቱ ከየማዕደወ ዝቃለስ ህዝቢ፣ ዝወርዶ ማህሰይቲ ካብቲ ግዳማዊ እቲ ውሽጥኣዊ ከዳዕ ኢዩ ኣዝዩ ዝኸፍአን ዝመረረን። እዚ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ስለ በቲ ዘይተጸበኻዮ ጎድኒ በሲዑ ዘጥቅዕ።
 
ኣብ ኢትዮጵያ ንኹለን ተቓወምቲ ሓይልታት 2005 ንዝካየድ ምርጫ ክካፈላ ኣቐዲሙ ጻውዒት ተኻይዱለን ነይሩ። ነዚ ናብ ደሞክራሲያዊ ባይታ እግርኻ መሊእካ ዝካየድ ብጽቡቕ ራእይን ቅርዕው መስርሕን ጻውዒት ግን ብኣንጻሩ ከመይ ገርካ ተምክኖን ተፍርሶን ዝብል ሕልሚ ኢሰያስ ምስቶም ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ትምክሕተኛታት ብሓባር ሸርሒ ኣለመ። ከም ሰላማዊ ፍታሕ መሲሎም ኣብ ምርጫ ክኣትዉ፣ ካልኣይ ሕቡእ ቅርጾም ድማ ናይ ሓርበኛታት ሓድነት ዝብል ዕጥቃዊ ዘመተ ከካይዱ መደብ ወጸ። ኣብቲ ናይ ምርጫ ምስታፎም ከም ዘይምረጹ ስለ ዝፈልጡ፣ እቲ ምርጫ ቅኑዕ ከም ዘይነበረ፣ ኣምሲሎም ናዕቢ ከልዕሉ ኢዮም መዲቦም። ብኽልቲኡ መዳይ እታ ሃገር ክትሕመስን፣ ስእሊ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ሓንሳብን ንሓዋሩን ክድምሰስ ዝብል ባህጊ ኢዩ ነይሩ እቲ ቀንዲ ዕላማ። ብወገን ኣንበብቲ ግን ስለምንታይ ኢኻ ናብ እዚ ኣርእስቲ ኣድሂብካ ዝብል ሕቶ ይለዓል ይኸውን። ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ክግምቶ ዝግብኦ ሓቂ ኣሎ። ካብቲ እኩይ ፍልስፍና ኢሳያስ ወጻኢ፣ ሓንቲ ናብ መሰረታዊ ለውጢ ገጻ ተቕንዕን ናብ ጎደና ምዕባለ ብሩህ ስጉምቲ ትስጉም ኢትዮጵያ’ዶ ንሃገርና ኣወንታዊ ኣብነት ትኸውን? ወይስ ሕንፍሽፍሽ ዝኣተዋ ሃገር? እታ ብመለኽቲ ትውነን ኢትዮጵያ’ዶ ኣይኮነትን ኣድምያትና ኢልና ዝተቓለስና? ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ኣወንታውን ኣሉታውን ፍታሓት ፈላልዩ ከማዕዱ ይግባእ ዝብል ኣበሃህላ ለኪዕና ምርኣይ ንረብሓና ኢዩ። ኢሰያስ ናይ ውልቁ ርብሓ የማዕዱ። ንሕና ድማ ናይ ሃገርና ሓባራዊ ረብሓን ስለምን ቅሳነትን ከነማዕዱ ይግባእ በሃሊ ኢየ።
 
ነዚ ዝካየድ ምርጫ ንምፍሻል ቅድሚ ክልተ ዓመት፣ ኣብ ዋሺንግቶን ብ2003 ኣብ ምሽብሻብ ተረኺበን፣ ኣብቲ ናይ ምርጫ ጉዳይ ዘመተ ከካይዳ ጻውዒት ብሕቡእ ተገይሩለን ነይሩ። ነዚ ጻውዒት እዚ ሃንዳሲትን መዋሊትን ድማ ህ.ግ.ደ.ፍ. ክትከውን ከላ ኣዳለውቲ ክመስሉ ናይ ኣምሓሩ ኣዋፈርቲ ኢዮም ቀንዲ ተዋሳእቲ ነይሮም። መን ይካፈል መንከ ኣይካፈልን ድማ ካብ ኣስመራ መምርሒ ተዋህቦም። ነቶም ቀንዲ ጸላእቲ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ዝኾኑ፣ ናይ ትግራይ ተቓውሞ  ወከልቲ ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ክንጽልዎ ኢዩ እቲ ቀንዲ ውጥን ዝነበረ። ትግራዋይ ቀጺሉ እውን ኦሮሞ ፈሊኻ ትብገስ። ምስ ተጎሃሃረ ድማ ንክልቲኦም ጸኒሕካ ተዕጥቕ። ንኩሎም በበይኖም ጌርካ ተበግሶም። ግርጭታት ፈጢርካ ብድሕሪ ናይ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ምውዳቕ፣ ከተናቑቶም ትኽእል ዝብል ናይ መጻኢ ጠመተ ዘበገሶ ውጥን ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢዩ። ገለ መንገዲ ሰላም ዝመርጹ ኢትዮጵያውያን ምኩራት፣ እቲ  ምጉጅጃል ኣብ ዘይድሊ ኣንፈት ከየምርሕ ምእንቲ፣ ንኹለን ናይ ካልኦት ብሄራት ኢትዮጵያ ጻውዒት ከካይድ ኣቐዲሞም ዝጸውዑ ነይሮም ኢዮም። ንሳቶም ኢዮም ድማ ነቲ ጉድ ከቃልዕዎ ዝጀመሩ። ገለ ካብኣቶም ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ኤርትራ ኢድ የብልናን ይብሉ ኣለዉ።

እዚ እውን ክብጻሕ ዝተደልየ ኣንፈት ማለት፣ ንምርጫ ኢትዮጵያ ንምስንኻል ዝግበር ሸርሒ ፈሊጦሞ ስለ ዝነበሩን፣ ብፍላይ ድማ ካብ ሰላማዊ መስመር ወጺእካ ዝካየድ ጠለፋ ዘስዕቦ ሓደገኛ ኩነታት ንምእላይ ዝሓለነ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ኩነታት እዚ ኣመልኪቱ ነቲ ቀንዲ ሃንዳሲ ናይዚ እኩይ ሕንጻጽ ንምህዳእ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ውድብ (ዴምህት) ክዝትን ነተን ካልኦት ውድባት ድማ ተራኺቡ፣ ካብቲ ኣዕናዊ ኣንፈት ክኣልየን ፈተነ ከካይድ ኣቐዲሙ ኢዩ ጻውዒት ዝገበረ። እቲ ውድብ ነቲ ብሄራት ዝፈላሊ ከህድእ ምስ ኢሳያስ ክመክር ምምዳቡ፣ ኣወንታዊ ይኹን እንበር ናይ መማኸርቱ ኣተሓሳስባን መርገጽን ስለ ዘየነጸረ ዕላምኡ ክብገስ ከሎ ናብ ዘየተኣማምን ገጹ ይምርሽ ከም ዘሎ ክግመት ይከኣል። እቲ ስዒቡ ካብ መላ ኣማራ ድርጅት ሓቢኡ ,,መላ ኢትዮጵያ ኣንድነት ድርጅት (መኢኣድ) ዝመርሑ ኣቶ ሃይሉ ሻውል ወከልቲ ዝኾኑ ዝሳተፍሉ (ኣብ ዋሽንግተን ዝርከቡ  ዶክተር ኣክሊሉ ሃብተን፤ ዶክተር ኣልማዝ ዘውዴን) ክራኸቡ ይውስኑ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ብዝርዝር፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሕተም ”ኢትዮጵያ” ዝብል መጽሔት ኮነ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ዝሕተም “ሓዋርያ” ዝብል መጽሔት ብፍላይ ,”ብናይ ኤርትራ ፋይል ዝኽፈት” ብተኻታታሊ ዝተጠቐሰ ነይሩ። ካብተን ጽሑፋት ዝበገስ ውጥን ንምእላይ እውን ነቲ ከባቢ ናብ ካልእ ትርጉም ዘይብሉ፣ ግን ኣዕናዊን ንነዊሕ ግዜ ዘስዕቦ ሕንፍሽፍሽ ዝገልጽ፣ ኣሊኻ ለባም ማዕዳ ንምሃብ ዝሓለነ መግለጺታት ሒዙ ምብጋሱ ዝእንፍት መስመር ከም ተበገሰ ድማ በቲ ካልእ መዳይ ነይሩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...