Isaias Afewerkiኢሳያስ ንዝደልዮ ዕላማ ወጥርን ውግእን፣ ኲናት ከም ፖለቲካዊ መፍትሒ ኢዩ ዝጥቀመሉ። ናይ ጉጅለ 15፣ ካብቲ ናይ 1973 ዝፍለየሉ ገለ ዓይነታዊ ነገር ኣለዎ። ኣብቲ 1973 ምጡን ቁጽሪ ተጋደልቲ ንንቕሓት ከባራብሩ ዝኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ስለ ዘንቅሑ ድማ ኢዩ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ እዋን። እሱ እውን፣ እቶም ምስ ሕሙም ከብዶም ናብ ግንባር ዓውዲ ኩናት ንዝኸዱ ተጋደልቲ፣ ነቲ ርሱንን ውዕውዕ ኩነታት ተኻታቲሎም ኣብ መፍትሒ መስርሕ ከየውዕልዎ ምእንቲ ኢዩ ግዜ ኲናት ተመጢጡ፣ ክሳብ ተሰዊኦም ዝሓልፉ ክጽበ ዝመረጸ። ገለ ግን ተሪፍናስ፣ እታ ጽሕፍቲ ናቱ ሎሚ ኣብ ኢድና ኣላ። ኣብ ናይ 1998 ኲናት ግን እተን ሓፋሽ ውድባቱ ኣቐዲመን ስለ ተበተና፣ ነቶም ዘነቓቕሑ ኣካላት ካልእ መደንዘዚ ኣተኣታትዩን፣ ውሽጣዊ መበታተኒ ኣብ  ሃገራዊ ሰራዊት፣ ማለት ኣብ መንጎ ዋርሳይን ይከኣሎን ፈጠረ። ግዜ መጢጥካ ህዝቢ ንቕሓቱ ከየዕቢ ዝተፈላለየ፣ ብናጽነት ስም ዝቐረበ በብዓይነቱ ድሑር ረቛሒታት ከም ትሕቲ ሃገራዊ ቅርጺ ዝኣመሰሉ ተጸልዩ ጉዳይ ሃገሩ ክጎሲን ክርስዕን ተገይሩ። ህዝቢ ኮታ ብምሉኡ ኣብ ቅድሚኡ ዝተፈጸመ ገበን ከም ዘይስተብህል ንቕሓቱ ባይታ ከም ዝዘብጥ ኢዩ ተመዲቡ። እቲ ናይ ሓበሬታ ኣካል ሃገር ድማ ንህዝቢ ዘይኮነስ፣ ስም “ሓደ ሓድሽ ንጉስ ዘቖጸልጽል” ኢዩ ፈነውኡ። ስለዚ ኸኣ ኣምልኾት “ብዘይ ከብካብ” “ሃጸይ ኢሳያስ” ስሙን ግርምኡን ሰማይ ዓረገ። ወዲ ህዝቢ ክመስል ኣብ ክበባት ኣስመራ ሸናዕ ከም ዝብል (Simplicity) ተገርይሩ። ኣብየት ጉድ! ኣካል ህዝቢ ኲንካ ብጠራሙስ ሰብ ምፍጋእ ያኢ ምቕሉልነት ተባሂሉ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ሃዋሁ፣ ሃገር ከም ኣንጭዋ ኣብ ትሕቲ “ሃጸይ ድሙ” ወደቐት። መንእሰያት ኣብ ግንባር፣ ሽማግለታት ቃልሲ ናብ ባራት። ሕጂኸ ናበይ ዝብል ጉዕዞ ንመልከት።
 
“ሃጸይ ድሙ” ኣብ ዝወለዖ ኲናት ዘደይባ ክልተ መሳልላት ነይረን።

(1) እታ ሓንቲ ኣብ ኲናት ተዓዋቲ ኮይኑ ብዓቢኡ ንቀርኒ ኣፍሪቃ፤ ብተዘዋዋሪ ድማ ንመላእ ኣፍሪቃ፣ ቀጺሉ ድማ ንዓለም ዝመሓላለፍ ሓድሽን ሓያልን መልእኽቲ ምዝርጋሕ።  (2) እታ ካልኣይቲ ድማ እንተ ተሳዒሩ ናብቶም ናይ ኣብ ከባቢኡ ዘለዋ ሃገራት ዝኣትወሉ መጽናዕቲ ኣንጺፉ ስለ ዝነበረ፣ ንዕኡ ምትግባር ዝብል መደብ ኢያ ከም እንኮ ኣማራጺት ኮይና ጥራይ ትተርፍ። ኣብ ናይ የመን ዛጊድ ብሕጊ ተረቲዑ ምስፈሸለ፣ ብስምምዕ ከም ዝተፈጸመ ኣምሲሉ ተቐቢልዎ። ብዛዕባ ኲናትን ውጽኢቱን፣ ኣብ ጽላል ሕጊ ክወርድ ድልየት ስለ ዘይነበሮ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭብጥታት ከም ዘቃልዖ ስለ ኣፈለጠ፣ ልዕሊ 250 ሽሕ ሰራዊት ኣዕቲቑ ወተሃደራዊ ቅርጹ ንዓለም ዘርጊሑ ንኹለን ብሄራትን እንዳታትን ብሕቡእ ዓስኪሩ፣ ክርብጽ መደበ። ናይ መጀመርያ ናይ ፈተና ኦፐረሽን ወይ ዘመተ ናይ ሱዳን ብሸርቕያ ዝፍለጥ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ፈጠረ። ሱዳንውያን ጽባሕ ንኹሉ ሓቅታት ገሊሆም ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኢድ ኣእታውነት ኢሰያስ ኣብ ደቡብ ሱዳን ከይተረፈ ክኸሽሕዎ ኢዮም። ምስ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ በደል ስለ ኣጽቂጦም ዘይነብሩ፣ እቲ ምስጢር ክወጽእ ከሎ፣ ኣበሳ ህዝብና ከም ዝኸውን ዘይምስሓት። ናይ ሱዳን ጉዳይ ብምፍርራሕ እውን ክሳብ ሕጂ ይጻወት ኣሎ። ሱዳናውያን ብሱሩ ኣብ ምብራቕ ዶቦም፣ ቀጺሉ ሃይለስላሰ ዘጎሃሃሮ ናይ ደቡብ ሱዳን፣ ኢሳያስ መቐጸልትኡ ስዒቡ ዘጋደዶ ወጥሪ፣ ናይ ሸርሒ ዝሕመረቱ መርገጺኡ ድማ፣ ሓዲሽ ባይታ ኣብ ዳርፎር ረኺቡ፣ ነዛ ሃገር ፈጣሪት ዞባዊ ህውከት ኮይና ክትግለጽ ገባራ። ገና በዚ ኣየብቀዕን።
 
ን30 ዓመታት ኣብ ኩናት ተጸሚዳ ዘድመየትና ኢትዮጵያ፣ መዕለቢ ረኺባ፣ ናብ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ገጻ ትሕንበብ ስለ ዝነበረት፣ ክትዝረግ ኣለዋ ዝብል ሕማም ኢሳያስ ተላዕለ። እዚ “ድሙ” እዚ ካብ ናይ ኤርትራ ድሙ ሓሊፉ ናይ “ከባቢ ሓኽሊ ድሙ” ንክኸውን በቕዐ። ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ሃይለ ስላሰን ናይ ደርግን ጭፍጨፋ መሪርዎ ስለ ዝነበረ፣ ነቲ ክዓርፍ ዝነበሮን ናይ ዳግመ ህንጻን ዕማሙ ብኢ.ወ.ደ.ግ. ከም ዝተቖጽየ ዘምስል፣ ጽልኢን ቂሚን ዘዕቢ መካኒዝም ጻሕተረ። ክሳብ ሎሚ እውን እቲ ሃልሃልታ ኣይዘሓለን። ንብዙሓት እውን ሸንኮለል ኣቢሉ። ኢሳያስን ናይ ስለላ መርባበባቱን፣ ኣብቲ ናይ ምሕዝነት እዋን ከም ደላይ ጽቡቕ ርክብ ሓንጻጺ ክመስል፤ ጃንዳታቱ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ካብ 1991 ጀሚሩ ኣዋፊሩ ነይሩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ መቐለን ሕሞራን  ከይተረፈ፣ ምቕንጻልን ምጭዋይን ዝኣመሰለ ግብረ ሽበራ ብሰፊሑ ኢዩ ተኻይዱ። ኣቐዲሙ ፍሉይ ናቱ ሰራዊትን ስለላን ስለ ዝቐረጸ፣ ዘዋፍሮን ዘላዓዕሎን ውጥርታት ከም ክልተ የማነታት (የማነ ገብረኣብን የማነ ገብረመስቀልን)፣ ዓብደላ ጃብር፣ ሓጎስ “ኪሻ” ገብረሂወት፣ ሰመረ ርእሶም፣ ግርማይ ኣስመሮም፣ ግርማይ “ሳንቲም” ገብረማርያም፣ ዘመደ ተኽለ፣ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ዝኣመሰሉ፣ ፊንፊን ዝብሉ ኣኽላባት ልኢኹ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ናይ ሽበራ ዘመትኡ ኣካየደ። ፍትሕን ሕግን ዝተሓረማ ኢሳያስ ዝመሃዛ ኤርትራ፣ ከም ቅርጺ መንግስቲ፣ ናይ ኮንትራባድ ትካል፣ ኣብ ኢዱ ኩሉ ዘለዎ እንኮ ዲክታቶር ኮይኑ ኣጣጠሐ። ዝቖጻጸሮ ናይ ሃገር ፍትሓዊ ኣካል ስለ ዘይንበረ ድማ፣ ዘይተኣደነ ገበን ፈጺሙ። ናይ ሲ.ኣይ.አ. (CIA) ገበኑ ከይቅላዕ ንተስፋንኪኤል ጆርጆ ቀንጺልዎ። ንሳራ መኮነን እውን ከምኡ። * ንወዲ በዛብህን (ጴጥሮስ በዛብህ) ኮነ ንዳንኤል ገብረኺዳን ጨውዩ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣሕቂቕዎም። እታ ንሃብተስላሰ ገብረመድህን ኣብ ሜዳ ዘሕቀቐት ኢዱ፣ ዓለማዊ ሽበርኣ ክትዝርግሕ ናብ ኢትዮጵያ ተዘርገሐት። ቀዳመይቲ ምጭዋይ ዝጀመረላ ከተማ፣ ከሰላ ኣብ ሱዳን ኢያ። ክሳብ ሕጂ እውን መዓስከራት ላጂኢን ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ምጭዋይ ዝካየድለን ፍሉጣት ቦታታት ኢየን። ናብ ዘምባብወ፣ ንመንግስቱ ሃይለማርያም ዝቕንጽሉ ሰባት ኣዋፊሩ እኳ እንተነበረ ማለት ንጠዓመ ጎይትኦም “መቐለ”ን ብጻዩን፣ ድሕሪ ናይ ጎደና ተኹሲ ተታሒዞም። ኤርትራ፣ ንነዊሕ ዓመታት ደቃ በሊዓ ክንዲ ተዕርፍ፣ ትካል ሸርሒ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ቀጺሉ እውን ኣብ ዓለም ኮነት።

ንዓይ ከም ሰብ መዝገብ ሱዳን ዝምስክሮ፣ ኣብ መደንን ካርቱምን ክልተ ግዜ ኣብ ቅድሚ ውድባቱ ክጭወ ምፍታንን፣ ከምልጥ ከለኹ ምቑሳለይን፣ ብመዓልቱ ዝግለጽ ኢዩ። ካብ ሃገራዊ ሸርሒ ኣህጉራዊ ሸርሒ ኢዩ ክፍጽም ተዋፊሩ። መንግስቱ ዲክታቶር ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት በሽሓት ዜጋታት ዘህለኸ ጨካን ዲክታቶር ምንባሩ መን ይኽሕድ። ግን ኤርትራ ከም ናጻ ሃገር ኣባል ማሕበረ ሰብ ዓለም ካብ ኮነት፣ ፈቲያ ጸሊኣ፣ ብኣህጉራዊ ሕግታት ተጸልያ ፍትሓዊ መንገዳ ከተመዓራሪ ግቡእ ኢዩ።

ገበን ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን ተጣባቒ ውጹዓት ሃገራት መሲሉ ምቕራቡ ብቋንቋ ዓረብ “ከላም ፋርቕ” (ናይ ሓሶት ጃህራ) ተባሂሉ ዝግለጽ ኢዩ ተግባሩ። ኤርትራ ብዝክላ መንግስቲ ኣቢላ፣ ልዕሊ ህዝባ ንዝተፈጸመ ገበን፣ በቲ ግቡእ መድረኽ ክሲ መስሪታ ናብ ፍትሒ ከተማዕዱ ዝግባእ ዝነበረ። ኢሳያስ ግን ካብ ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕጊ ዝተቕየደ መንግስቱ ዘይኮነስ፣ መርዓዲ ዝኾነ ዝተቐንጸለ መንግስቱ ኢዩ ዝመርጽ። ሕግን ፍትሕን ንኢሳያስ፣ ከም ዓውደ ትምህርቲ ተራእያቶ ኣይትፈልጥን። ብርግጽ ነፍስ ወከፍና ግምት ክህልወና ይኽእል። ውልቃዊ ግምት ንውልቃዊ ጉዳይካ እንድዩ ዝገለጽ። ኣብቲ ናይ ሓባር ግምት ግና ንኹላህና ዝምልከትና ክኸውን ኣለዎ። ኢሳያስ፤ ምቕንጻልን፣ ውግእ ምብራዕን፣ ናቱ ቀንዲ መሳርሒታት ኢየን ዝብል ስእሉ ግን ንኹላህና ብብሩህ ዝንበብን ዝልለን ክኸውን ነይርዎ። እቶም ናቱ “ቅዱስ” ስእሊ ጥራይ ዘንብቡ ከመይ ዝበሉ ክኾኑ ይኽእሉ? ንኹሎም ዝተጋገዩ ምስኡ ኣብ ሓንቲ ድስቲ ኣእቲና ክንክሽኖም ኣይንኽእልን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣይግባእን እውን። ዘይግበኦም ኢዩ በሃላይ ኣይኮንኩን። ሜላዊ ግን ክኸውን ኣይክእልን። ዕድሚኡ እውን መናውሒ ስለ ዝኸውን፣ ነቶም ኣብ ሑቕፉ ዝርከቡ፣ ካብቲ ኢደ በይዛ መሕቆፊኡ ስሒብና ከነውጽኦም፣ ኣደና ኤርትራ ንኹላህና ብሓባር ትጽወዓና ኣላ።

*"They include a pilot who had been paraded through the streets of the Eritrean capital of Asmara after his capture. The Reuters news agency says that it was not clear whether the pilot, Bezabeh Petros, was among those released on Thursday." BBC report
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...