ሸርሒ ህ.ግ.ደ.ፍ. ምስ ውድባት ኢትዮጵያ። (ቀዳማይ ክፋል)
ኢሰያስ ካብ ናይ ዶብ ኲናት መስርሕ፣ ጸጥታ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክዘርግ ከም ዕላማ ኢዩ ሒዝዎ። እዚ እውን ምስቲ ዝነበሮ ናይ መበግገሲ ዕላምኡ ስለ ዘይቃዶ፣ ነቲ ሕቡእ ኣጀንድኡ ዘጣጥሕ መሲልዎ ኢዩ ነቲ ኩናት ዝወለዐ። ክዕወትን ወይ ዘይክዕዎትን እውን ኣብ ግምት ኣትዩ ጽምዳዊ መለክዒ ኢዩ ነይረዎ። ብኽልቲኡ መዳይ እውን ውጽኢቱ ናብ ዓወት ዘብጽሖ ጎደና ገይሩ ኢዩ ሓንጺጽዎ። ይተዓወት ወይ ኣይተዓወት፣ ቀንዲ ምህርቱ፣ ጽልእን ቅርሕንትን ስለ ዝሰፍን፣ ህዝብታት ኣብ ምፍጣጥ ገጾም ኢዮም ዘድህቡ፣ ስለዚ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘይተረጋግአ ሃዋሁ፣ ስልጣን ክናዋሕን፣ ሕልሚን ትጽቢትን ክረዊ ይኽእል፣ ዝብል ፍልስስፍና ተኸቲሉ ኢዩ ሓዊ ዝጻሕተረ። ሰራዊት ኤርትራ እንተ ሰዓረ፣ ስሙን ወተሃደራዊ ብቕዓቱን ኣብቲ ዝለዓለ ናይ ጅግንነት ስለ ዝድይብ፣ ናይ ጀጋኑ ጅግና ተባሂሉ፣ ኩሉ ኣብ ከባቢኡ ስለ ዝስራዕ፣ ነቲ ክበጽሖ ዝደሊ ዕላማ ክዕወት ዘወንጭፎ መንኮርኮር ረጊጹ ኢዩ ክሕንበብ።


እቲ ዘዋፈሮ ሰራዊት እንተ ተሳዕረኸ? ዝብል ሕቶ እውን ጋሊህካ ክቕላዕ ኣለዎ። ዕላምኡ ከም በሓትን ገባትን ስልጣን መጠን ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ዕላማ ኣለዎ። ከም ኩሉ ዓውደ ፍልጠታት ድማ ናይ ስልጣን ሕማም ዝዓሰሎ መላኺ መተንተኒ ዕያር፣ ንዝመደቦ መስርሕ ንኸተግብር፣ ለኪዑን መቲሩን ዝንቀሳቐሰሉ ከምቲ ካልኦት ዝትግበርዎ መስርሓት መንደርደሪን፣ ዝድየብን ዝሑኮርን መዕረፊታት ክህልዎ ናይ ግድን ኢዩ። ካብቲ ካልኦት ጥዑያት ወፍርታት ናቱ ወፍሪ ዝፍለ፣ ተንኮልን ሸርሕን ዘሜልኡ ሕንጻጻት ኢዩ ንድፉ። ካልእ መለክዕን ዕያርን ድማ ምስቶም ካልኦት ንቡራት ወፍርታት ቅርዕዋት ናይ ሓባር ረቛሒ የብሉን ጥራይ ዘይኮነስ ኣይቃዶን’ውን።
ሰራዊቱ እንተ ተሳዕረ ናብቲ ካልኣይ መደቡ ዘደይብ ሕንጻጽ ዘተግብር ዕጽውን ስውሩን ጎዶንኡ ይኽፈት። እታ ቀዳመይቲ ናይ ዶብ ዕላምኡ እንተዘይ ተዓወተት፣ ከምቲ ልሙድ ኣሰር ሃይለ ስላሰን መንግስቱን ተኸቲሉ ከተግብር፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተእትዎ ሕንጻጽ ንምውፋር፣ ብወገኑ በይኑ ዝኣለማ፣ ዘይትረአ፣ ዘይትድህሰስ ገይሩ ዝሓንጸጻ ወፍሪ ኢያ መበገሲቱስ። ብምብራቕን ብምዕራብን ኢትዮጵያ ብረታዊ ጎነጽ ይጅምር። ቀጺሉ ድማ እተን ዝድለያ ወፍርታት ምስ ተወለዓ፣ ብገላዕታ ገይሩ ቁልዒ ሓዊ ኣሳዊሩ ብሰሜን ሓድሽ ሃልሃልታ ይኸፍት። ነዚ ክገብር ግን ኣቐዲሙ ቅድሚ እቲ ናይ ዶብ ኩናት፣ ካብ 1991 ዝሓንጸጾን ዝተኸሎን መሰረት ኩዒቱ ነይሩ። ምስቶም ምስኡ ክሰርሑ ዝኽእሉ ካብ ሳሕል ጀሚሩ ኣንቢርዎ ዝነበሩ እምኒ መሰረት ደቂ ሃጸይ ምንሊክ፣ ከዳህልልን ከም ህዝቢ ዝጸልኦም ይፍንተትን ይርሕቕን፣ ነቶም ቀንዲ ኣብ መጻኢ ዘዋፍሮም ተዃሉ፣ ምስ ባህሮም ዝሰማማዕ ስዉር ርክባት ብሕቡእ የደልድል። ንሶም ክንብለጸሉ ንኽእል ዝብል ትጽቢት ከም ዝገብሩ ስሚዒቶም ሸውሃት ዝኸፍት ሕማም ከሕድሩ ኣለዎም። ኣብቲ ተጎሃሂሩ ዘሎ ሰውራ መተዓያይትና ንሱ ኢዩ ኢሎም’ውን ይኣምኑ። ዕላምኦም ምስ ሃረሙ ድማ ገለ ድርብይ ኣቢሎም ክኣልይዎ ከም ዝኽእሉ ገሚቶም ኢዮም ምስኡ ጠላም ሽርክነትን ብርኪን ዝተኽሉ። ማለት ጎቢዞምን ደንፊዖምን ዕላምኦም ምስ ሃረሙን ሕልሞም ኣብ ክውንነት ምስ በጽሐ ኢዮም ሓጸል ከብልዎ ዝምድቡ። ንሱ እውን ነታ ናይ ትውልዲ ቦትኦም ምስ ተቖጻጸረ፣ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ትሕቲ መሬት ኢዩ ከስጥሞም ዕላምኡ። ኣብ መንጎ ድማ እቲ ንናጽነቱ ዝተቓለሰ ሓፈሽ እንዳ በለ ዘታለሎ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ዓቢ ግዳይ ናይቲ ወፍሩ ክኽውን ዘለዎ።
ስለዚ ብሱዳንን ብሶማልን ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ክዘምትን ክወርርን ዝቐረቦ ናይ ሓርነት ሰራዊት ከይዱ ከይዱ ናቱ መህረም ዕላማ ገይሩ ዘንቀሳቐሶ ይተዓወት ይሰዓር ንረብሓ ኢሰያስ ጥራይ ኢዩ ዘገልግል። ኮይኑ ድማ ዋርሳዩ ይከእሎኡ እንሆ ኣብቲ መብለይ ዝባኑ ዝኾነት መድረኽ በጺሑ ይርከብ። እታ ካልኣይቲ መድረኽ ምስ ኣስራተ ካሣ ብሓባር ዝተሓንጸጸት ሰረት፣ እቶም ተስፋ ዘንበረሎም ልኡኻት ግን ገለን ለቢሞም ገለን ድማ ከም ጎሓፍ ተኣልዮም፣ ኢሰያስ ግን እንሆ ንዝሓንጸጾ ከተግብር ተዋፊሩ ኣብ ምትግባር ገና ይሓልም ኣሎ። ዕሽነቱ ናይ ፖለቲካ ጸሓይ ትዓርቦ ከም ዘላ ከማዕድዋ ኣይከኣለን። ናቱስ ይጽነሓልና ናይቶም ንወገኖምን ዝህዝቦምን ዘየኽብሩ፣ እንዳ ረኣዩ ዝዓወሩ፣ ገለን ጋህሚ ዝሸፈኖም ጠንበርበር ዝብሉ፣ ብእሾኽን ብጨዓን እንዳ ተመዥረጡ ደድሕሪኡ ዝስዕቡ ኣሕዋት ምህላዎም ንስውኣትና ሰላም ዘይህብ ኢዩ። ኣብታ ካልኣይቲ መድረኽ ሰጊረ ክትንትን እመርጽ። ኢሰያስ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ኢና በሃልቲ ብሄረ ኣምሓራን፣ ኦሮሞን ርክብ ነይርዎዶ ትብል ኢያ ኣርእስተይ ክትከውን። እወ ነይረዎ። ነቲ ደጉልዎ ዝጸንሐ ሕማሙ ብርኡይ ርክቡ ክሽትት ዝኸኣለ ድሕሪ ናይ ባድመ ውግእ ኢዩ።
ኣብቲ ድሕሪ ናይ ኤርትራ ናጽነት ብተኻታታሊ ናይ ዝውሰድ ዝነበረ ስጉምቲ ህግደፍን ኢሰያስን፣ ኣንፈት ናይዚ ህዉኽ ጉጅለን፣ እንኮ መላኽን ናበይ ገጹ ይሕንበብ ነኸተንብቦ ኣጸጋሚ ኣይነበረን። ዕጥቃዊ ቃልስና ሰላሳ ዓመታት ዝኣክል ተመጢጡ መዕለቢ ምስ ረኸበ፣ ህዝብን ሃገርን ብኸመይ ክምራሕ ኢዩ ዝብል፣ ሕቶታት ኣቕሪብካ ክትምልስ፣ ነቲ ተቕርቦ ሕቶታት ካብ ክውንነት ዝተበገሰ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ስነ-ፍልጠታዊ መወከስታት ጥራይ ኢዩ እቲ እንኮ መፍትሒ። ብኹሉ ኩርናዓት እውን ውሕሉል ጠለባት ዘሰነዮ፣ ኣንፈት ኣብ ትሕቲ ከርሲ ደርግ ተጨቁኖም ዝነብሩን፣ ርእይቶ ጭቆናን ትጽቢቶምን ወሲኾም ዘቕርብዎ ኣፈታትሃን ምሕደራ ሃገርን ይጥለብ ነይሩ። እቲ ዋዜማ ናጽነት ብፈንጠዝያን ዓቢ ንቕድሚት ዝጠመተ ትጽቢት ከመይ ክኸውን ይኽእል ብዝብል ሕቶታት ዝተሰነየ ኣብ ገጽ ነፍስ-ወከፍ ይንበብ ነይሩ’ውን። ብረታዊ ቃልስና ዘሕደሮ ስነ-ኣእሙራዊ ቁስልታት ምፍዋስን ምንዳቕ ሃገርን፣ ተመኲሱ ዝቐርብ ርእይቶታት ብርሱን ይለዓል ነይሩ። ኣብ ስደትን ግዳምን ዝነብሩ ምሁራት እውን፣ ንናጽነት ብመን ተረኺባ ብዘየገድስ፣ ዝርሳዕ ረሲዖም፣ ዝወነንዎ ሞያዊ ዓቕሞምን ብወለንታ ክውፍዩ ኢዮም ተበጊሶም። ባህርን ልምድን ህግደፍ ስለ ዘይፈልጥዎ፣ ኣብታ ሓዳስ ሃገር ናይ ኩሎም ዜጋታት ክእለትን ጉልበትን ቁጠባዊ ዓቕሞም ከይበቐቑ ኢዮም ከበርክቱ ዝተቓዳደሙ።

በቲ ካልእ መዳይ እውን ኤርትራ ከም ሓዳስ ሃገር፣ ኣባል ሕብረተ-ሰብ ዓለም ክትከውን፣ ኣብ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ዝምድናኣ ከተደልድል ብዙሓት ሞያውያን ዘለዎ ዓቕምን ኣብ ስደት ዘጥረይዎ መዛምዶም ኣሰንዮም ከራኽብዎ ፈቲኖም። ነታ ሃገር ምስ ከባቢኣን ኣብ ዙርይኣ ዝርከባ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ምስ ሕቡራት ሃገራት ከላልይዋን፣ ዓቢ ዝላ ንቕድሚት ከትሰጉም ዝብል መርገጺኦም፣ በቲ ሽፍታ ኣይንጸግን ይኸውን ብዝብል ወለንታዊ ወፈይኦም ከቕርቡ ሃቂኖም። ብርግጽ ኣነ ዝምስክሮ፣ ናይ ክንደይ ውፉያት ልግስን ብሕማቕ ከም ዝተመለሸን፣ ከም ዝተነጽገን ከቕርቦ ዝከኣል ሓቂ ኢዩ። ነታ ሃገር ክብሕትዋን ገና ኣብ እግሪ ተኽሊ ከላ ክዘምትዋ ከም ዝደለዩ ኣምሲሉ ኢዩ እቲ መግለጺ ናይ ህግደፍ ጸብጻብ ዝጠቅስ። ሽፍታ ዝዝመት እንበር ወፈያ ዝብሃል ከም ዘይፈልጥ ብሩህ ኢዩ ነይሩ። ሃገር ናይ ህዝቢ ከም ዘይኮነት ብብሩህ ኢዩ በሪሁ። እቲ ናይ ምምሕዳር ቀጥዒ ገና ስለ ዘይወጸ ዝተባህለ፣ ኣማርርሓ ህግደፍ ቀጥዒ ክነድፍ ተጸበዩና፣ ምባሉ ክሳብ ክንደይ ጭልቅዕ ምንባሩ ንምግማቱ ዝጠፍኦም ኣይተሰኣኑን። ግን እዚ መሰጋገሪ መድረኽን ቀጥዕን ከየንጸፈ ኣብ ስልጣን ረፈጥ ዝበለ ህዉኽ ሽፍታ፣ ነቶም ኣብ ስደት ዝነበሩስ ይትረፍ፣ ነቶም ተሰኪሞም ዘእተውዎ ተጋደልቱ፣ ከም ዓጽሚ ኣብ ዓንቀር ኮይኑ ከም ዝሓነቖም ጥር እንጥሾ ከይበለ ኢዩ ክረጋገጽ ክኢሉ።
ብመጀመርያ ሃገር ክትቁመል ኣለዋ ዝብል ወፍሪ ኢዩ ተካይዱ። ኩሉኹም ኣንበብቲ ነዚ ዘለናዮ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ተዓዚብኩም፣ ኣበሃህላይ እንታይ ከም ዝኾነ ከም ትርድኡ ተስፋይ ልዑል ኢዩ። ኣብ ቀጻሊ ጽሑፈይ ዓቕሚ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብፍላይ ድሕሪ ናጽነት ናበይ ከም ዘምረሐ ስለ ዝቕጽል፣ እንዳ ሓበርኩ ኣብ ካልኣይ ሕታም የራኽበና እብል። ወፍሪ ክድዓቱ ናበይ ገጹ ኢዩ ጓዚሙ ኩለን ማዕከናቱ በርቢና ብስነ ኩዕታ ንላዕሊ ኣብ ብርሃን ኣውጺእና ጉድ ጉሒላ ከነብርህ ኩላህና ሓላፍነት ኣለና።