{jcomments off}

እወ ነይርዎ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ምስኣቶም ህዝቢን ሃገርን ክሸይጥ ዘንበሮ ውዕል ኣለዎ። እቲ ናይ ክልተ ነዳያት ርክብ ኣብ ክልተ ከፊልና ክንሪኦ ንኽእል። (1) እቲ ንመዋእል ዝተቓለስናሉን ዝደመናሉን መሪር ተጋድሎና ከም ዘይተኻየድ ታሪኽና ከንቱ ምግባሩ። (2) ሃገርና ከም ናይ ብሕቲ ጥሪቱ ገይሩ ክሸይጥን ክልውጥን ዝገብሮ ውዕላት ኢዩ።
 
እቶም ተረሲዖምን ካብ ኣእምሮ ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ከይተረፉ ተሓኺኾም ዘለዉ ጉጅለ 15 ብፍላይ ገለ ሓደ ዓቢ ግማዕ ካብኣቶም ነቲ ምሻጥን ምልዋጥን ኣስተብሂሎምሉ ኢዮም፣ ህዝቢ ከባራብሩ ዝፈተኑ። ኢሳያስ እውን እቲ ናቱ ገና ኣብ ውልዶ ዘሎ ዕላምኡ፣ በቲ ብልጭ ዝብል ዝነበረ መደቡ፣ ሃሰስ ኢልካ ዘይርከብ መሲልዎ፣ ገለ እንተ ኣተንብሁ ሓሶት ኢዩ፣ ወይ ጭብጢ ዘይብሉ ኢዩ ክብል ክሒዱ፣ ህጹጽ ናይ ሞት ስጉምቲ ክወስድ ዘኽእሎ ክሲ ክምስርት ኢዩ ተጸብዩ። ነቲ “ተጋጊና ኣለና” ናብ ህዝቢ ንውረድ ዝብል መግለጺኦም ክጽመሞን ግዜ ሂቡ ክድምስሶ ከም ዝኽእልን ገሚቱ ኢዩ ክዕገስ ከም ዝመረጸ ወስ ዝብል ዝነበረ። ህዝቢ ንዘይፈጦ ሳትናኤል ዓወት ደቁ ኣብ ገጹ ከም ዘንበበ ኢዩ ኩሉ እልልትኡን ሓበሬትኡን ተርጉሙ ዘይተኣደነ እምነት ኣብ እቲ ምልኩዕ ሳጥናኤል ዘንበረ። መደቡ ካብ ምምስራት ህዝብዊ ሓይልታት ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ባዶ ከእቱ ዝተዋፈረ። እቲ ካብ 40ታት ዝጀመረ ናይ ደሞክራስን ናጽነትን ምንቅስቓስ ቆጽዩ ናብ ሓውሲ ጽምኢ መስፍናዊ ናፍቖት ከም ዝዓስል ዝገበረ። እቲ ኣብ ገለ እውን ዳርጋ ናይ እምነት ጸግዒ ክህልዎ ዝጠልብ ሕማም ኣዝዩ ኢዩ ኣማዕቢልዎ። ንቆላዊ መበቆል ዘለዎ፣ ሓደ ህዝቢ ዝብል ናይ ሓሶት መናፍሕ ሂቡ፣ ነቲ ከበሳዊ ድማ ብላህጃን እምነትን ከም ዝታለል ኢዩ ሕንዚ ነስኒሱ። ሎሚ ብናይ ዕለት 22 የካቲት 2010 ሰላማዊ ሰልፊ ዝተኻፈሉ ክትሪኦ ከለኻ፣ መን ኣብቲ ሰልፊ ዓብላሊ ነይሩ ንምግማት ከቢድ ክኸውን ኣይክእልን። ኣብ ገለ ገሊህናን ኣብሪህናን ከይንገልጾ ዘሰክፈና ጉዳይ ኣሎ። ይኹን እንበር ብምጽቃጥና ነቲ ሕዱር ሕማም ናብ ቀታል ሕ/ሰብ ገርና ኢና ነማዕብሎ ዘለና ክብል እደፍር። እቲ ምስ ናይ ,,መላ ኣማራ ህዝብ ድርጅር“ ቀሲሉ ድማ ,,ግንባር ሓርበኛታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ማለት EPPF“ ተመስሪቱ ክስውድ ኣብ ኣስመራ ኢዩ ተወሊዱ።
 
ዘለዓዓሎ ቀንዲ ሕማም ኣብ ኢትዮጵያ ዝምዕብላ ዝነበራ ሰለስተ ኣንፈታት ኢየን። ንሰን ድማ ከምዘን ዝስዕባ ገርና ኢና ክንገልሀን ንኽእል።

  1. ንተቓወምቲ ኣብ ሃገሮም ዘውሕስ ቅዋምን፣ ብምርጫ ዓብላልነት ኣብ ስልጣን ዝድይብ ሰልፊ ሙቓም ዘፍቅድ ፖለቲካዊ መስርሕ ክዕንብብ ምጅማሩ።
  2. መሰል ብሄራት ዘረጋግጽ ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ዓንቀጽ 39 ዘስዕቦ ጽልዋ ንመንበር ኢሰያስ ከም ዘናቓንቆ'ዩ ተረዲእዎ።
  3. እቲ ከም ጉጅለ ኣብ ምምራሕ ዘሎ (ክሳብ 2000) ተኣልዩ ከም ናይ ሃይለ-ስላሰ ተማእዚዙ ንዝኾነ ንሱ ዝወጠኖ መደባት ዘተግብር፣ ኣሜን በሃሊ ጉጅለ ክሃንጽ ምምዳቡ።

ኢትዮጵያ ብውሽጦም ብናይ ኣምሓራ ዓብላልነት ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያ ኣንድነት ብመሰረቱ ታሪኹ ካብ ዳግማዊ ምንሊክ ዝሰረታ ኢትዮጵያ፣ ግን ዓለም መቐይሮታት ብተኻታታሊ ይጸልዋ ስለ ዘሎ፡ ከም  ሞደል ንሳቶም ዘንበርዎ ሕንጻጻት ብሓባር ብናቱ ከም መምርሒ ዝወጸ ክመስል ናይ ሓባር ኣዋጅ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ነይሩ። ቀንዲ ናይ ሓባር ዕላማ ግን ህላዌ ብቐንዱ ሕውሓት ቀጺሉ ድማ ኢህወደግ ንረብሓ ክልቲኦም ብዘይ ዕጥቃዊ ብረት ዝምክት፣ ናይ ዲሞክራሲ ኣተገባብራ ህዝባዊ ዕርቅን፣ ኣብ ምምዕባል ሃገር ድማ ቁጠባዊ ዓቅሚ ኣበራቢሩ ንቕድሚት ክስጉም ዝተበገሰሉ መስመር ስቕ ኢሎም እንተ ሪኦሞ፣ ግብኣተ መሬቶም ዝተረጋገጽ ሙዃኑ ኣረጋጊጾም ስለ ዝፈልጡ ኢዮም ኣቐዲሞም ርክባቶም ዝሰረቱ። ናይ ሓባር ጥፍኣቶምን ዝሓለፈ ኩሉ ተግባሮም ዝቕለዓሉ መድረኽ ይተኣታቶ ከም ዘሎ እውን ኣይሰሓትዎን። ኣብ ህዝቢ ብኽልቲኡ መዳይ ዝመሓላለፍ ናይ ንዕቀትን ናይ ጽልእን ወፈራ ከም ዘመተ ታሕቲ ታሕቲ ብኹሉ መስመራት ተዘርጊሑ።
 
ብፍላይ ንህዝቢ ኤርትራ ብቐጥታ ኢሰያስ ጎብለል ሰውራ፣ ተዋጊኡ ዘስዓር፣ ናይ ናጽነት ሰራትን ወላድን፣ ናይ ጀጋኑ ጅግና ከም ዝኾነ ስሙ ልዕሊ ህዋ ኢዩ ተዘርጊሑ። የመን ሱዳን ኣቐዲመን ጉስጡ ምስ ጠዓማ፣ ገለ እውን ኣመሪካ ተጋግያ ወስ እንተ ኢላ ኣእዳዋ ክትቅርሰም ኢያ ዝብል ዓሻ ዘመተ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ተሰቢኹሉን ተዘሚሩልን። እዚ ሕጂ ጸረ ኣመሪካ ዝካየድ ዘሎ ዘመተ መዓስ ይኖቱግ ዝብል ፍርሒ ብዙሓት ለባማት ብፍርሒ ዝተዋሕጡሉ እዋን ኣብቂዑ፣ ሕጂ ምስታ ብደቂ ኣንስትዮ ተሰንኪታ የማን ጸጋም ትገላበጥ ቅጫ፣ እንሆ ክንዕወት ኢና ዝብል ጭርሖታት ሓዙላ ብቲቪ ኤረ ትመሓላለፍ ኣላ። ኢሰያስ፣ ሃይለ ስላሰ ከም ሃጸያዊ ንጉስ ዘይገበሮ፣ ኣብ ማልያታትን ደረት ደገፍቱ ስእሉን ጭርሑኡን ተለጢፉ የመርሾም ኣሎ። ናይቶም ንሃገር ተበጅዮም ዝሓለፉ ጀጋኑ ስሞም ኣብ ጎደና፣ ኣብ ህዝባዊ ኣደባባይ ኣይተገልጸን። እቶም ቅያ ዝሰርሑ ጀጋኑ ፈንቅል ኣብ ባዓልን ጽንብልን ኣይተጸውዑን። ስንኩላት ምስ ህዝቢ ዘለዎም ርክባት ምህሙንን ዳርጋ ዘየለን ኢዩ።
 
ሕጂ ኣብ ኣርእስትና ክንምለስ ይሓይሸ። እቲ ዝርዝር ናይተን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ መደባት ክትግበራ ምምሕዳር ህ.ግ.ደ.ፍ. ካልእ ቅርጺ ክወሃቦ ኣለዎ። ማለት እታ ጉጅለ ካብ ሜዳ ዝኣተወት፣ ንኢሰያስ ዓጽሚ ኣብ ዓንቀር ኢያ ኮይናቶ። ካብ 1986 ጀሚሩ፣ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓሱ ጽኑዕ ምክትታል ስለ ዝገብሩን ብዘይ ናቱ ፍቓድ ነንሕድሕዶም ክራኸቡን ውሽጣዊን ሓድሕዳዉን ዘተ ከካይዱን ስለ ኣስጋኢን ሓደገኛን ኮይኑ ዝተሰመዖ፣ ብናቱ ብሕታውያን ስለያ ምክትታል የካይድን ንኹሉ ዝረገጽዎ ከባቢ ኣሰሮም ይከታተልን ነይሩ። ብወገን እታ ናብ ዓወት ዘብጸሐት ጉጅለ ናቱ ምክትታል እውን ከይጠመተቶ ከየማዕደወትን ኣይተረፈትን። እቲ ቀንዲ ናይታ ጉጅለ ግን ኣብ ክልተ ዝተመቕለ ጸገማት ኢዩ ነይሩ።

(1) ከምቲ ዘውትር ምቅይያራት ክግበር ኣብ ሓደ ንቡር ቅርጺ ሓንቲ ሃገር፣ ብራድዮ፣ ተለቪዥን ኮነ ጋዜጣታት ወይ ናጻ መጽሔታት ገርካ ህዝቢ ከም ዝሕበር ምግባርን፣ ብድሕሪኡ ናብ ግሉጽ መድረኽ ጎስጓሰ ምእታው ኢዩ ንኹሉ ሃገራዊ ሽግራት ብዝርዝር ክቐርብ ዝከኣል። እቲ ጸገም ግን ናብ ህዝቢ ትወርደሉ መድረኽ ዝተረገጸን ፈጺሙ ክትግበር ዘይክእል ዝገመቱ፣ ነተን ብሕታውያን ናጻ ጋዜጣታት ኣቐድም ኣቢሎም ፍቓድ ክረኽባ ጽልዎኦም ዘሕደሩ። ግን ኢስያስ ነቲ ዝንህር ዝነበረ ኩነታት መታን ከበርዕንን፣ ሃገርን ህዝብን ኣብ ትሕቲ ናይ ወተሃደራዊ ተጠንቀቕ ዝብል ህሞት ፈጢሩ፣ ንዓኣቶም ንምእላይን፣ ምሉእ ርእይቶን ኣቓልቦ ህዝቢ ከዘንብዕን ናይ ዶብ ኩናት ዝፈጠረ። ከምቲ ህዝቢ ዘይተጸበዮ እቶም ኣብ ፈጻሚ ኣካል ዝነበሩ ኣባላት መሪሕነት ግንባር ዘሰንብድን ዘይሓንጸጽዎን ኩነታት ዝኣተዉ። ፍልጥቲ ተንኮሉ ድማ ምስታ መገሻ ሱዑድ ኢዩ ዝመደባ። ድሕሪ ምውላዕ ኩናት እተን ሓደስቲ ጋዜጣታት እውን በቲ ዝቐርብ ዝነበረ ዜናን መናፍሕን ተጸልየን፣ ነቲ ካብ ግንባር ዝወሃብ መግለጺ ከም ዘለዎ ከቕርብኦ ዝተገደዳ። ገለ ገለ ለባማት ህዝብን ሰራዊትን እቲ ድቦላ ሃንደበት ዝተወለዐ ኩናት፣ ገለ ምልክት ንህዝቢ ከይሃበ ብምልዑ ብዙሕ ጥርጣረ ከም ዘሕድሩ ኮይኖም። ብውሽጢ ምስ ትኣምኖ ትሒም ቲሒም’ውን ኣይተረፈን። እዛ ሎሚ ተቐይዳን ተሰዲዳን ዘላ ኣባል መሪሒነት ተኻታቲላ ትፈልጦ ኣይነበራን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሪሩና ዝብል ቁጠዐ ንኹሉ ክኣምኖ ዘይክእል ዘደንጹ ኢዩ ኮይንዎ። ሕውነትን ምቅርራብን፣ ናይ ሓባር ጸላኢ ምስጓግን ጀጋኑ ናይ ክልቲኡ ውድባት ምሕዝነቶም ሓልዮም ዝተሰውኡሉ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንረፈረንዱም ቀልጢፉ ሓንጎፋይ ኢሉ ዝተቐበሎ ናጽነት ሃገር ክጥሕስ ወፊሩ ዝብል ክትኣምኖ ኣጸጋሚ ነይሩ። ገለ ካብ ክልቲኡ ጾታት እውን ይፈልጡና ንፈልጦም እንዲና። ናይ ክልተና ናይ ሓብር ሰራዊት ብሓባር ዝሰርሐ፣ ሃንደበት ኣብ ውግእ ካብ ዝኣትዉ፣ ኣዝዩ ከቢድ ክሳራታት ከኸትል ኢዩ ዝብል ስግኣቶም ልዑል ኢዩ ነይሩ። ሚኒስተር ሓበሬታ ተጋዳላይ በራኺ ንኹሉ እቲ ሸርሒ ቀልጢፉ ቆብ ኣቢልዎ፣ ምስ ብጾቱ ኮይኑ ሃገር ካብ ጸገም ትወጸሉ ብልሒ ክጣበብ ኢዩ ዝፈተነ። እታ ለውጢ ንምምጻእ ዝነበረት ኩሉ ኣወንዚፋ ነቲ ዘይተጸበዮቶ ኩነታት ክትግምግም ተዋፊራ፣ ሃገር ከመይ ተድሕን ዝብል ዕማም ሒዛ ኢያ ትጓየ ዝነበረት። ዓይንኻ ዓሚትካ ውዲት ኢሰያስ ምቕላዕ ሃገራዊ ክሕደ ኮይኑ ክንበብ ስለ ዝኽእል ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረን። ብዝያዳ ሃንደበት ዝኾና እታ ንሃገር መቐይሮ ክትገብር ትስጉም ዝንበረ ጉጅላ ድማ ኢያ ዝያዳ በቲ ናይ ኩናት ኣዋጅ ዝተዳህኸት። ኣብ ትሕቲ ናይ ውግእ ወጥሪ ትርከበሉ እዋን ድማ ውሽጣዊን ተባራዕን ኩነታት ምኽፋት ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን ዝኽእል። ኣብቲ እታ ጉጅለ ተቐርቂራትሉ ዝነበረት ኩነታት ድማ ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ክርድኣ ኣይምኻኣለን። ኢሰያስ ገለ ተቓውሞ ካብታ ጉጅለ ክቐርብ ኣይምጸልአን። ነቲ ዳሕራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዝወረደ ድኽመት ኩሉ ኣብታ ጉጅለ ምለጠፎ። ሓላፍነት ከይስከም ድማ ነቲ ዝወለዖ ውግእ ክቕጽሎ መደበ።

ሚንስተር ትምህርትን ዜና ዝነበረ በራኺ ገብረስላሰኣብቲ ምስ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኮነ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፣ መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ኩናትን ንምህዳእን ደም ምፍሳስን ደው ከብሉ ዝጓየዩሉ ዝነብረሉ፣ ሚኒስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ሚኒስተር ወጻእን በራኺ ገብረስላሰ ሚኒስተር ሓበሬታን ምድሓን ሃገር ብቐዳምነት ሰሪዖም ኣበርቲዖም ኣብ ምንቀሳቐስ ተዋፈሩ። ክልቲኦም ብጽዑቕ ይራኸቡ ስለ ዝነበሩ፣ ነቲ ኣመሪካን ርዋንዳን ዘቕረብኦ ሓሳብን ጠለብን ቅቡል ክኸውንን ከም ምራሕ ሃገር ኢሰያስ ክቕበሎ መደቡ። ጅግና በራኺ ብጽሑፉ ናብ ኢሰያስ መልእኽቱ ኣመሓላለፈ። ኣብ መንጎ ኢሰያስን በራኽን ዘየቃዱ ናይ ሓቤረት ኣዘራግሓ ብሰፊሒ ተዘርጊሑ ነይሩ። ጅግና ሓው በራኺ ዲሞክራሲያዊ ባህሪ ዘለዎ መስርሕ ኢዩ ከተኣታቱ መዲቡ። ህዝባዊን ሃገራውን እምነትን ስለ ዝነበኦም ድማ ነተን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብውሽጣዊ ድፍኢት ኢዮም ከም ዝዕንብባ ዝገበሩ። መልእኽቲ ሓው በራኺ ከም ዘላታ ኩሉ ሃገራዊ ከንብባ ዕላዊት ኮይና ዝወጸት፣ ገለ ክጣቅስ እፈቱ። እጠቅስ,,ከምቲ ሃገርና ብብረታዊ ዕጥቂ ተቓሊስና ሓራ ዘውጻእናያ፣ ሕጂ’ውን ነቲ ብኣመሪካን ሩዋንዳን ዝቐረበት ናይ መተዓረቒ ጠለብ ተቐቢልና ብሕጋዊ ባይታ ጉዳይና ሞጉትና ክንረትዕ ከም ንኽእል ንሕብረተ-ሰብ ዓለም ከነረጋግጽ ኣለና። ናይ ብዙሓት ኣባላት ሰርዊትና ህይወትን ኣድሒና፣ ክወርድ ዝኽእል ጉድኣት ከነወግዶ ንኽእል፡ ክብል ጽሑፍ ኣመሓላሊፉ ነይሩ። ኣብ እተን ናጻ ዝኾና ጋዜጣታት ድማ እታ ጽሕፉ ብኢድ በራኺ ገብረስላሰ ዝተጻሕፈትን ኢሰያስ ድማ ነቲ ሓሳብ ከምዘይቅበሎን ከም ምጅጃዊ ገይሩ ዘስተናዓቖ ሓሳብ መግለጺኡን ምስ ክታሙ ሚኒስተር ሓበሬታ ንህዝቢ ክፈልጣ ዘርጊሓቶ። ከምዚ ዝዓይነቱ ኣብታ ብኢሰያስ ትርገጽ ዝነበረትን ዘላን ሃገር ዘይልሙድ ቆራጽ ተግባር ኢዩ ነይሩ። ታርኻዊ ኢዩ እቲ ዝተኻየደ መስርሕ።
 
ኢሰያስ "ዋላ ጸሓይ ብምዕራብ ትብረቕ" ክብል ነቲ ናይ ዕርቂ ሓሳብ ነጺጉ ውግእ ከም ዝቕጽል ኣፍሊጡ። ብድሕሪኡ ኣብቲ ሳልሳይ ዙር ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ካብ ዶብ ተከዘ ብሑሞራ ክሳብ 120 ኪ.ሜ ዝኣክል ተሰነይ በጺሖም ንሰሜን ትርከብ ከተማ ባረንቱ ብሓባር ከም ዝሓዝወን ኩላህና ንፈልጦ ሓቂ ኢዩ። እዚ ከዳዕ መራሒ ሎሚ ተዓዊትና ክብል ይምድር ኣሎ። ስዕረት ኣብ ውግእ ከምቲ ድሩዕ ዝበሎ፣ ክትስዕርን ክትሰዓርን ባህሪ ኩናት ኢዩ። ኣብ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ክትሰዓር ግና ንሓንቲ ሓገር ዘይሓዊ በሰላ ኢዩ።
 
እታ ጉጅለ ብ"ድሩዕ" ኣቢላ መፍትሒ ከተናዲ ተመያይጣን፣ ኣብቲ ዘይተለማመደትሉ ናይ ኤርትራ ከም ሃገር ድርድር ክትኣቱ ምስ መራሕ ኣልጀርስ ኮነ ምስ ካልኦት ንኤርትራ ብዓይኒ ሓልዮት ዝርኡን ዘርኣዩ ናይ ዲፕሎማሲ ብቕዓት ነቲ ደበና ውግእ ከም ዝእለ ምግባሩ ብዙሓት ዝግምትዎ ክሳብ ሎሚ ረኺብናዮ ዘለና ከምቲ ዝድለ ኣይኹን እንበር ካብ ጽላል ውግእ ወጺእና ኣብቲ ኣይውግእ ኣይ ሰላም ሃዋሁ ኣቲና። ኢሰያስ ኣብዛ እዋን እዚኣ ከም ዝተወረት ሃገር ዘምስል ነፍሒ ከየካይድ፣ እቶም ጉጅለ 15ን ሰዓብቶምን ምስጢር ከም ዘቃልሑ ስለ ዝተረድኦ ኣቐዲሙ ከም ሃገር ዝኸድዑ ኢዩ ቃሎም ንከይስማዕ ዝቐየዶም። ስለ ዝባህረረ ድማ ክሳብ ንሶም ካብ ዓለም ዝእለዩ፣ ክጸንሕ ዝመደበ። ሽዑ ኣብ ውሽጣዊ ሃገር ሰላሕታ ወራር ጀሚሩ ሸርሓዊ ተግባሩ ክዝርግሕን ናይ ጥፍኣት ድባርኡን ክፍሕስ ዝጀመረ።

(2) ነቲ ክትውድቦን ንረብሓ ሃገር ከውሕስ ዝኽእል ሰራዊት ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኣትዩ ወይ ተጸልዩ ፍታሕ ከይህብ፣ ብወተሃደራዊ ድስፕሊን ተረጊጹ፣ ሃገር ኣብ ትሕቲ ሓደገኛ ኩነታት ውግእ ስለ ትርከብ፣ ዝኾነ ይኹን ናይ ሃገርዊ ፍታሕ ዘተ ኣብ ሰራዊት ከም ዘይካየድ ገይሩ ኣብ መከላኸሊ ግንባር ከም ዝጽመዱ ገይሩ፣ ብድሕሪት በይናዊ ስጉምትታት ዘርገሐ። ኩለን ብሄራትን ህዝቢ ብምሉኡ ኣብቲ ብኢሰያስ ዝተፈጥረ መርበብ ከይተፈለጠን ተሓሊኸን፣ ኣተሓሳስባአን ኮነ ስምዒተን ሰንኪሉ ዘንበሉን ይርከብ።
 
ኢሰያስ ኣብ ነቶም ከም ብጾቱ ገይሩ ብቑልማጾ ዝጽውዖም ኣሚንዎም ኣይፈልጥን። ንቃልሲ ሒነ ክፈዲ ዝተበገሰ፣ ናብ ሰውራ ድማ ከም ተማሃራይ ሰሊኹ ዝኣተወ ሰብ፣ ኤርትራ ናጻን ሓራን ትወጸሉ መንገዲ ዘየጠምት፣ ብዙሕ ሽግራት ዘለዎ ሰብ ኣብ እንትኡ ኢዩ ዘማዕዱ። ካብ ቤተ ሰቡ ዝቐርብ ምቱኽታኽ እውን ክህልዎ ይኽእልን ኣለዎን። ኣብቲ ከም ብዝሒ ካብ ኩሉ ኩርናዓት መጺኦም ዝተሓዋወሱ ተመሃሮ ዝርከቡላ ኣስመራ መን ንመን ይፈልጥ ዝብል መንፈይ ሑጻን እኽልን ስለ ዘይነበራ፣ ማለት መንነት ሓደ ዜጋ ካብ መበቆል ስድርኡ ጥራይ ስለ ዝትንተን፡ ካልእ ኣድላይ ሓበሬታ ክሳብ መውስቦ ኪድ ኣዝማድካ ካብ ዓዲ ኣምጽእ ዝብል መሰነነይታ ይስዕብ ብምንባሩ ገለ ገለ ሰባት ነቲ ጠለባት ብቕምታ ከንብብዎን ቂም ከሕድሩ ክኢሎ። ቀጺሉ ድማ ሰውራ ምስ ተዋደደ ዝመጹ ፈሊኻ ናይ ምጽራይ ዘይምንባሩ ኣለልዮም ከም ሰለይቲ ኮይኖም ክኣቱዉ ዝነበረ ቀዳድ ኣዝዩ ርሒብ ስለ ዝነበረ፣ ኣብታ ፈጺማ ከይመርመርት ትቕበል ክጽንበሩ ዝቐለለ ኮይኑ ረኺቦሞ። ንውሑዳት ክትብል ተከትሎ ጥቡቕ ምክትታል ከም ባህሪ ፍሉጥ እውን ኣይነበረን። ኢሰያስ እውን ነቲ ጉድለት ምጽራይ ርእይዎ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ከመይ ገይሩ ናብ ረብሕኡ ከውዕሎ ከም ዝኽእል መዲቡን ሓንጺጹን ዝመጸ ሰብ ኢዩ። ብሓጺሩ ካብ ተሓኤ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት፣ ቀጺሉ ብህዝባዊ ግንባር ጸጽዩን መድሚዱን ናብ ህግደፍ፣ ቀጺሉ ንህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ዝመደቦ ናይ ውሽጡ ቁስሊ ሕነ-መፍደይ ዕላማ ኢዩ ዘምርሕ ዘሎ። ሓንሳብ ዝተቐየሞ ብውሽጢ ዝህውጾ ጉዳይ ስለ ዘሎ፣ ንመላእ ኣፍሪቃ እውን ኣብ ባርዕን ሃልሃልታ እንተ ቀየራ ዘገድሶ ኣይኮነን።

ቁጠባ ሃገር ዘዕኑ፣ ቀጻልነት ወለዶ ዝሰብርን ዝዓጽፍን፣ ባህልን ልምድን ዘህስስ፣ ዘይነበረ ብዘይ ስለንፍልጠታዊ መስርሕ ማሕበራዊ ቅርጺ ክቐርጽ ዝደሊ፣ ሃገር ኣብ ኩሉ ግንባራት ከም ትዋጋእን ኣብ ናይ ኩናት ዓዘቕቲ ሸሚሙ ዘዳኽም፣ ገዲፍና ሎሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብታ ዝነብርናይ ክትመልሰና ኢያ ምባልገዲፍና፣ ንኹሉ ናብ ዘይተጸበናዮ ሓደጋ ከም ንቃላዕ ዝገብረና ብዘይካ ህግደፍ ካልእ ጸላኢ የብልናን። ድኽሞት ናብ ሞት ዘብጽሕ ሰፊሕ ኣንፈት ኢዩ። ድኹም ብፍትሒ ኮነ ብፍልጠት ሃገሩ ክከላኸል ኣይክእልን። ካብ 192 ሃገራት ዓለም ሰደን ቀረብን ብንቡር ዘይቅረበት ሃገር እንተላ ኤርትራ በይና ጥራይ ኢያ። ኣመርካ ገባቲትን መዝማዚትን ክብል መጽረይ ኣፉ ገይሩ ዝምድር ኢሰያ፣ ስለ መን ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። ስለ ኤርትራ ማለት ዶኾን ይኸውን? ዋእ ኤርትራ ቪቫ ኢሰያስ!!! ኤርትራ በዚ ትዓንወሉ ዘላ ጎደና ዝሸይት የብላ፣ ብዘይካ ኣብ ስደት ዘለዉ ደቃ ዝምጥውዋን ዝተኽቡላን ባጤራ። ዕዳጋ እንዳ ኣኽበረ እንሆ 100 ዶላር ወይ 100 ኦይሮ ዝሰደድናዮ ኣብ ወርሒ ወርሒ እንዳ ኣንቆልቆለ ብሸመታ ርብዒ ዋግአን ኢየን ኣብ ኤርትራ ኣንቆልቂለን።
 
ኣብ ኣርእስተይ ክምለስ፣ ዕላምኡ ዝወቕዓሉ ሸቶ ኣብ ምቅርራብ ምህላዉ ክበጽሕ ዝተረፎ ሓጺር ግዜ ስለ ዝገምገመ ንመቓልስቱ ምስ ተጋደልቲ ብጾቶም ከጻልኦም ዝጀመረ 1986 ኢዩ። እዞም ብዝተፈላለየ ናይ ዝርጋን ዝንባሌ ዝነብሩ ዘለዉ ሓለፍትኹም ብመስተን ኣንስትን (Womanizing) ዝዘንብዑ ኢዮም ዝብል ዘመተ ኣካየደ። እቶም ንኹሉ ናይ ህልኽ ባህሪ ዘኸትሎ ምግምማዕ ዝተዓዘቡ፣ ሓለፍቲ ነቲ ጸለመ ብጭቡጥ መርትዖ እንተዘይ ቀረቦ ብኣልማማ ዝቐርብ ትርጉም የብሉን ክብሉ ሓሊፎሞ። ውድብ ክመቕሉን ንናይ መንግስቱ ሃይለማርያም ዕድመ ምንዋሕ ከም ዝኾነ ገሚቶም ,,ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ“ ዝብል ለባም ትዕግስቲ ተኸቲሎም።
 
ንህዝባዊ ግንባር ትሓቀሉን ናብ ህግደፍ ገጻ ትሳገረሉን ኩሉ መድሚዱ ወዲኡ። ብውሽጢ እውን ዳርጋ ምስ ደርግ ርክባት ዝገብረሉ ርክባት በይናዊ ግዜ እውብ ነይሩ። ግን ናይ ኢሂወደግ ምዕባለን ዓወትን ምስቲ ሓርበኛዊ ህዝባዊ ሰራዊትና ብሓባር ይስጉም ስለ ዝነበረ፣ እቲ ሸርሑ ንግዝይኡ ኣወንዚፉ፣ ክጸንሕ መሪጹ። ነታ ውድብ ግን ከም ድላዩ ገይሩ ብስሚ ክሓጽባን ትኩሳን ስለ ዝመደበ ድሕሪ ናጽነት ብመጀመርያ ነታ ኣሰራርዓ ህዝቢ እትውድብ ጉጅለ ከይተድመዓሉ ስለ ዝጠርጠራ ,,ሓፋሽ ውድባት“ ክፈርሳ ኣዊጁ፣ እቲ ቕርጺ ሓፋሽ ውድባት ከም ዘብቀዐ ኢዩ ገይሩ። ብረቂቕ ኣሰራርሓ መደብ ዘለዎ እኩይ ተግባር ኢዩ። ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክውደብን ክጥርነፍን ንዕኡ ሓደገኛ ኩነታት ከም ዝኾነ ኣማዕዲዩ ኢዩ ኣጽኒዕዎ። ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ፋሕ መጻሕፍቲ መሳርያታት በብዓይነት ክሳብ ናይ ኣካላት ምውስዋሳት ዝበሓተ ሰብ ኩሉ ነገር ኣብ ኢዱ ይርከብ ስለ ዝነበር በይኑ ከም ድላዩ ክሓስብ እኹል ግዜን መሳስለጥን ነይርዎ። ኣብ ክፍሊ ገንዘብ በዚ መጺኡ ኢሉ ዝግምቶ ዘይብሉ፣ ተቐጻጻሪ ዘይብሉ ናይ ወጻኢ ጥረ ገንዘብ ዘይተኣደነ ኢዩ ነይርዎ። መስኪን ኩሉ ተጋዳላይ፣ ብድሕርኡ ኣብ ሑቑኡ እንታይ ይፍጸም ኣለ ኣየስተውዓለን። ካብ ደባይ ናብ ሓውሲ ደባይ፣ ካብ ሓውሲ ደባይ ናብ ቀዋሚ ሰራዊት (From sub-guerilla to conventional army) ክሰጋገር ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ነቲ ጸብጻብ መራሕቲ ዝህብን ዝሕንጽጽን ንሱ እንኮ ኮይኑ። እቶም ጀጋኑ ውላድ ህዝቦም ዝኾኑ፣ ንኹሉ ጽባሕ ብሓባር ንፈትሖ ክብሉ ግንባርም ንዓረር ክህቡ ከለዉ፣ ኢሰያስ ዙፋኑ በይኑ የጣጥሕ ነይሩ። መን ኣሎ ካብቶም 1976 ክሳብ ምንሰሓብ 1979 ዝነበሩ ሎሚ ኣብ ከባቢኡ? ኤርትራ ከም ክትሕረድ ዝቐረበት ጤል ብገመድ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈቱ ተኣሲራ ካራ ክሳሓል ከሎ፣ ጅግና ድማ ከም ማሕስእ ምስ ዓኾኸት ክትጉያሕ ትጽበ ነይራ። ነርክበሉ ረቢ ኣርከቦ ዝብልኹም ብኽያት ኢዩ ዕጫና ኮይኑ።
 
ነቶም ኣባላት መሪሕነት ድማ ድሕሪ ሕጂ ሃገርን ህዝብን ደኣ እንበር ብዞባ ኮነ ብከባቢ ወይ በብጉጅለ ሓፋሽ ውድባት ኣየድልይን ክብል ከረድኦም ክኢሉ። ድሕሪ ናጽነት ተቓውሞ ከም ዝመጽእ ስለ ዝፈለጥ ኢዩ ነቲ ሓፋሽ ውድባቱ ከይተረፈ ኣየድልን ኢሉ ብዕሊ ዘፍረሶ። ነቲ ተቓዋሚ ደንበ ናይ ምውዳብን ምጥርናፍን ባህሊ እጥፊኡ ድኽምቲ ኤርትራ ከጥሪ። ሎሚ ተወደብ ተጠርነፍ ሃገር ከተውሕስ ዝብል ጻውዒት ገዲፉ እዚ ህዝቢ ኣታ ሓፋሽ ውድባት ፈረሰን ኢየን ትብል ጥራይ ኣጽኒዑ ሕዝዋ። ሓንጎል ምሕጻብ (Brain washing) ይብልኹም እሳ ኢያ። ምሕጻብ ምሕጻቡ ብሩካን!!!!!!!!!!!፡ ቀጹክይ ድና ,,እታ ሃገራዊት ሓሳብ ትሰበር“ ትብል ቀጺላ (Blow or rack the national brain out) bሎሚ ኣብ ኣስመር ኣብ ክንዳና ኣምሓራ፡ ተጋሩ፡ ሶማል፡ ሱድና፣ ካልኦት ዘይተፈልጢ ኢዮም ተወዲቦም ዝለኣኹ ዘለዉ። ንዓናስ ባይቶ ዓደቦና እኳ ሓሪሙና።
 
ብጾቱ ዘየስተዓሉሉ ናቱ ናይስለላ መርባብ ኢዩ ዝሃንጽ ነይሩ። ቀጺላ ትፈርስ ድማ እንዳ 72 እታ ብጴጥሮስ ስለሙን ትምራሕ ኢያ። ኩሉ ምንቅጽቓሳት ኣብ ትሕቲ ጠረጴዛ ኢሰያስ ክትሱኳዕ ኣለዋ። ሰኹዑን ሓንጺጹን ምስ ወደአ ድማ ተድልዮ መሪሕነት ክእክብ ቀጺሉ ድማ ክሰርዓን መዲቡ። ዘሳርሕዎ ሰባት ፍሉይ ዓይነት መለክዒ ዘለዎም ክኾኑ ይግባእ። ንሶም ድማ፣

  1. ናይ መንነት ሕርኽራኽ ዘለዎም።
  2. ዘይምክቱን ብዝበሎም ዝኸዱን ዓባሳት።
  3. ኣዝዩ ትሑት ናይ ትምህርቲ ደረጃ ዘለዎ ኮነ ኣብ ናጻ ሃገር መጻኢ ተስፋ ዘይሎምን ሞያዊ ዓቕሚ ዘይወነን።
  4. ንሱ ኣብ ገለ ጉድለታት ኢዶም ኣእትዩ ብገበን ዘመራሰሖም፣ ብባዕሉ ዝፈጠሮ ተግባር ገበን ዘልበሶም ክኾኑ ከለዉ ብፍርሂ ተዘቢሖም ኣሜን በሃልትን የጠቓልል።

ካብኣቶም ንምስማይ ናይ ነፍስ ወከፍ ሃገራዊ ዕማም ኢዩ። ግን ገለ ንምጥቃስ፣

  1. ሓጎስ ገብርሂወት “ክሻ"
  2. የማነ ገብርኣብ
  3. ሰመረ ርእሶም
  4. ግርማይ ኣስመሮም
  5. ግርማይ ገብረማርያም “ሳንቲም”
  6. ወዲ “ገራህቱ”
  7. ተኸስተ “ወዲ ባሻይ” 
  8. ሙስጠፋ ኑርሑሴን
  9. ዓብደላ ጃብር
  10. ፈውዚያ ሓሽም 
  11. ኣምና ኑርሑሴን
  12. ኣረፋይነ በርሀ
  13. ካሕሳይ ኣስፈሃ
  14. ተወልደ ቀላቲ
  15. ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
  16. ዓሊ ዓብዱ ዩኑስ (ባዕሉ ዝፈጠሮ)
  17. ተስፋይ ገብረስላሰ “ቺና”

ኣብ ሰራዊት ድማ ከም ፍሊጶስ፣ ተኽላይ ሃብተስላሰ፣ ጠዊል፣ ዓንደማርያም "ውጩ"፣ ተመስገን በርሀ፣ ካልኦት ጸብጺብካ ዘይውድኡ ካብ ኮሎነል ንላዕሊ ኢዮም።
 
ብኸምዚ ምስ ደምደማ ከመይ ገይሩ ብዋሽንግተንን ሎንደንን ምስ ኣምሓሩ ርክብ ከም ዝገበረን ዕላማ ርክቡን ኣብ ሳልሳይ ክፋል ይቕጽል።    
 
 
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...