ብዛዕባ ስነ ጥበባዊ መምህር ኣብራሃም ኣፈወርቒ ተዛሪብካ ዝውዳእ ኣይኮነን።እቲ ምንታይ ኣብራሃም ኣብ ስነ ጥበባዊ ዕዮኡ እልቢ ዘይብሉ መልእኽታት ኣስተምህሮ ዝሃበን ድንቒ ዝኮነ ተመኽሮን ዘመሓላለፈ ክንዲ ዝኮነ እዩ።

እስከ ንገለ ብዛዕባ መምህር ኣብራሃም ኣፈወርቒ ሓሳባቶም ዝመጠወኒ ከካፍለኩም፥

“ብዛዕባ ኣብራሃም ኣፈወርቒ ዝብሎ፡ንፉዕን ብርቱዕ ደራፋይን ምንባሩ፡መምህር ንመጻኢ ወለዶ ንዘሎ ሕብረተሰብ ዝኸውን ደርፍታት ከምዝደረፈ፣እቲ ደርፉ ንሕዝቢ ከከም ዝጠቕም ደርፉ’ዩ ገይሩ’ዩ ደሪፉ።ንሱ ግና ኣብዛ ዓለም ኣይተጠቐመን፡ን’ዓለምን’ውን ኣይተጠቀመላን’ዩ።ብሸለልትነት ሰባት ከም ዝሞተ ዝዝረብ ሞት ኣብራሃም ኣዚዩ ካብ ዝስመዓኻ ነጥቢ እዩ።

ኣብራሃም፡’ኣሎ ዘይጸገበ ድራር ዕለት፡ብዙሕ’ዩ ትርጉም ምንባራ ማለት።’፣ ኮነ ‘ይናፍቕ ኣለኹ ስድራይ’ ትብል ደርፉ ሚሒር ትትንኽፈኒ ደርፊ እያ።…ምሳይ ከለኹም ከማን ይናፍቐኩም ስድራይ…ከይሽግረኩም ገለ ዝብል ትሕዝቶ ደርፉ ምስ ሕይወተይ ዝተሓሓዝ እዩ።ነደይ ክሕግዝ ኢለ ከቢድ ዋጋ ናይ ሕይወት ከፊለ፡ካብታ ተወሊደ ዝዓበኹላ ከተማ ኣሥመራ ወጺኣ፡ኣደይ ሞይታ ምስ ሰማዕኹ ናብቲ ዝነበርኽዎ ክምለስ ኣምበ ኣይምጸላኹን።መሪር ናፍቆት ስድራቤት ብፍላይ ከኣ ናይ ኣደ ህላዌካ ይፈታተነካ እዩ።ሚሒር እየ ሰንቢደን ሓዚነን በዚ ኸኣ ደርፊ ኣብርሃም እንክሰምዕ ኣመና እስመዓኒ እዩ።ብዛዕባ ኣብራሃም ተዛሪብካ ኣይውዳኣን እዩ።” ክብል ኣትሌት ኣለም ካሕሳይ ሓሳቡ ብሓጺሩ ገሊጹለይ።

ሙሑር ፖለቲካዊ ስነ ፍልጠት ዝኮነ ስነ ጥበባዊ መንእሰይ ተኽላይ ወልዱ ብወገኑ ኸኣ፡

“ኣብራሃም ሓደ ካብቶም፡ ኣብ ዓለም ዝበለጸ ኣእምሮ ዝነበሮ ዉልቐሰብ እዩ።ዓለምናን ሕዝብናን ንዘል’ኣለም ዝኸሰረቶ፡ ካብቶም ውሑዳት ሕሩያት ዝንበረ ነቢይ ወይ ከኣ ፈላስፋ ምስጢር ሕይወት’ዩ።

ኣብራሃም ማለት ሓደ ካብቶም ዝበለጹ መምህራን፡ዘመሓላልፎ ትምህርቲ ከኣ ከም ክርስቶስ፡ፍቅሪ፡ፍቅሪ ንፍቅሩስ ሓቐኛ ፍቅሪ’ዩ።

ኣብራሃም ማለት እኮ ዘል’ኣለማዊ ሰብ፡ዋላ ምስ ሞትካ፡ ኣብ ገሃነብ ሰማያት እንተደኣቲካ፡ብሓይልን ፍቅርን ኣብራሃም ናብ መንግስተ ሰማይ ዝ’ኣቱ ዓቢይ ወንጌላዊ ጥበብ ዘስንቕ መምህር’ዩ።

ናይ ኣብራሃም ደርፍታት ልክዕ ከም ናይ ክርስቶስ ቃላት ብደንቢ ብመንፈስን ብነብስን ዝጠንከሩ፡ሓይሎም ትንፋስ ህይቡ ብሕይወት ንክትነብር ዝገበር ቁዱስ ሓሳብ ዘለዎ’ዩ።

  • ተደኪሙካ
     
  • ተጠሚካ
     
  • ተተጋጪካ
     
  • ተፅሚኡካ
     
  • ተተጨኒቕካ
     
  • ………………..
     
  • …………………

እዝን ወድዝን ከጋጥመካን ክስመዓካን ከሎ፡ንኣብራሃም ዘኽሮ፡ምዝኻር ጥራይ ወንጌል ኣብራሃም ኣንብብ፡ተመሰጥ።” ክብል ርእይቱ ሂቡኒ እዩ።

ኣቦይ ጸጋይ ሓጎስ፡ ኣብ 1914 ኣብ ከባቢ ሹቕ ጥቃ እንዳ እንቛቁሖ ተወሊዶም፡ ኣብ መበል ሻምናይ ዓመቶም፡ ብሰንኺ ፋሽስታዊ ትእዛዝ ሞሶሎኒ ናብ ዕዳጋ ዓርቢ ቤቶም ዝቀየሩ፡ኣብ ግዜ ንእስነቶም ፍቕርን ሓልዮትን ስድራቤቶም ኣስተማቒሮም ዝዓበዩ፡ ኣብ ደርፊ፡ባህልን ታሪኽን ዓሚዩቅ ፍትወትን ኣኽብሮትን ዘለዎም፡ንደርፊ ኣብራሃም ኣፈወርቂ ብፍሉይ ጠመተ እዩም ዝርእይዎ።እታ ስድራይ ትብል ደርፉ ፍሉይ ጦብላሕታ ትፈጥረሎም እያ።ን’ኣብራሃም ክስዕስዕን ክለሃይን ክዕዘብዎ ከለዉ፡ነቲ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ዝነበሮም ወንን ቑመትን ኣብ ግምት የእቲዮም ብዙሕ ዘምሳስል ነገር ከምዝለዎም የዋግዑካ እዮም።

ኣቦይ ጸጋይ ን’ኣብራሃም፡ ኣብ በዓላት ናጽነት ንኃይለስላሴ መሲሎም ኣብ መድረኻት ‘ካርኒቫል’ ክሰርሑ፡ ብ’ኣካል ክርእይዎን ክፈልጥዎን ዕድል ዝረከቡ እዮም።ኣብራሃም ክደርፍ ከሎ ዘለዎ ወኒ ምስ ቕድሚ 60 ዓመት ወኒን ዕልን ስነ ጥበብን ኤልያስ መስመርን ዶክተር ንጋቱን የመሳስልዎ እዮም።

ኣብራሃም፡ትርግታ ሕዝቢ ዘንብብ፡ንሕዝቢ ዘቐድም፡ሕይወቱ፡ንስለ ሕዝቢ ዘወፈየ ስነ ጥበባዊ እዩ ክብሉ ሓሳቦም የካፍሉካ እዮም።

በዓል-ሞያ ኮምፒተር ዝኮነ ሃብቶም ብወገኑ፡ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ካብ ዝጸሓፎ ከኣ፡

“ብልክዕ‘ዩ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ካብ ዝረኣዩ ተርእዮታት ሓደ፡ ካብ ምሕዝነት ዝምድና ብዓቢኡ ከኣ ካብ ፍቕሪ ዝኽልክል ባህሊ ኣለና።እዚ ግን ጽቡቕ ድዩ ሕማቕ ንዝብል ሕቶ ምስ ዝላዓል።ብፍላይ ኣብዚ ግዜ`ዚ ጽቡቕ ከምዘይኮነን ድሑር ባህሊ ከም ዝኾነን ማንም ሰብ ዝምልሶ ሕቶ ኢዩ።ከምኡ ስለ ዝኾነ‘ዩ ከኣ ነቲ ባህሊ ዝቃወም ዝተፈላለዩ ፊልምታትን ኮሜዲታትን ዝተሰርሑነ ዝስርሑ ዘለውን።

ነዚ ባህሊ‘ዚ ኣብ ግምት ዘእተወ፡ነፍሲሄር ኣብርሃም ኣፈወርቂ  ነታ ብኹልንትንኣ ዝማረኸቶ ዋላ ሓንቲ ኣበር ዘይብላ ክነሳ፡ ኣብቲ ትሕቲ ባህሊ ተጸቒጣ ትርከብ ተፈቃሪት፡

"ሓ ደ ራ…ሓ ደ ራ" ብምባል እቲ ነጻሊ ባህሊ ንኸይስዕራን ተኸተልቲ ባህሊ ንኸይቅይርዋን ኣትሪሩ ዝተላበዋ…
ናይ ተፈጥሮ ጸጋ‘ዩ…ብፈጣሪ ዝመጸ
እምበር መን‘ሞ‘ሎ…ዘርኡ ዝመረጸ…

ብምባል ንገርሂ ልባ…ተንኮልን ሕሰምን ናይ ሰባት ከይቅይርዋ ብምምሕጻን…ኣብ መወዳእታ ከኣ፡
ከም ቀደምኪ ኩንለይ ሓ ደ ራ 

ከይንጣለም ሓ ደ ራ ሓ ደ ራ… ዝበላ..!!

●●● ሓደራ ●●●

መልክዓ ማሪኹኒ..ጠባያ መሲጡኒ 
      ኣ ፍ ቂ ረ ያ 
ሕሜት ሰብ ሰሚዓ..ምስ ስቕታኣ ክትጭነቕ
      ሪ ኤ ያ
ባህሪኡ ብዙሕ'ዩ..ናይ ወዲ ሰብ ነገር
      ገ ሪ ሙ ኒ
ኣነ እንዳፍቀርክዋስ..ኣጉል ትሒም ካብኣ
      ክ ፈ ል የ ኒ 

ናይ ተፈጥሮ ጸጋ'ዩ ብፈጣሪ ዝመጸ
እምበር መን'ሞ 'ሎ ዘርኡ ዝመረጸ

              ••••••••

ትሕቲ ሽፋን..
እቲ ረቂቕ ባህላዊ ነጸላ

እትርከብ..
ብጠባይ መሰታ ዘይብላ
           ዘምሕረላ..
ዘመናዊ ምስላ ኣዘውቲራ
መልክዐኛ..ኢያ መን ክወዳደራ
          ሓደ ኣካል..
ሓደ መንፈስ ጽቡቕ እንከለና
መን ይረብሕ…
ምስኣ 'ተተፋላለና
        ገርሂ ልብኺ..
ሕሰም ናይ ሰብ ከይቅይራ
ከም ቀደምኪ..
ኩንለይ ሓ ደ ራ ሓ ደ ራ።

••••••••••••

እስኪ ብዝፈትዎም..እስኪ ብዘፍቅሮም 
            ክ ግ ም ቶ
ፈላላዪ ልምዲ..ብናይ ፍቕሪ ዋልታ 
            ክ ም ክ ቶ
በውራጃ ይኹን ብዘርኢ..ወይ ባህላዊ ፍልልይ 
         ና ይ እ ም ነ ት
ኣይክዓግተንን'ዩ..እንካብ ንጹህ ፍቕሪ 
        ካ ብ ዕ ር ክ ነ ት

ናይ ተፈጥሮ ጸጋ'ዩ ብፈጣሪ ዝመጸ
እምበር መን'ሞ ኣሎ ዘርኡ ዝመረጸ።

••••••••••••

በቲ ሓደ 
ናይ ወገነይ ባህሊ ከኽብር
          በቲ ሓደ 
ዘይክኣል ፍቕራ ክጸወር
     ሩሕ ናይ ልበይ
ኣብ ፍቕራ ኣጥሒላቶ ንሳ
      ብዘይ ብኣ
ካብ ባሕሪ ከም ዝወጸ ዓሳ
       ሓደ ኣካል 
ሓደ መንፈስ ጽቡቕ እንከለና
      መን ይረብሕ 
ክልቴና 'ተተፋላለና
       ገርሂ ልብኺ 
ሕሰም ናይ ሰብ ከይ ቅይራ
       ከም ቀደምኪ 
ኩንለይ ሓ ደ ራ ሓ ደ ራ...

ከም ቀደምኪ…ኩንለይ ሓ ደ ራ…ሓ ደ ራ
ከም ቀደምኪ… ኩንለይ ሓ ደ ራ…ሓ ደ ራ 
ከም ቀደምና…ክንከውን ሓ ደ ራ …ሓ ደ ራ
ከይንጣለም…በጃኺ ሓ ደ ራ …ሓ ደ ራ
ከም ቀደምና…ክንከውን ሓ ደ ራ…ሓ ደ ራ 
ከም ቀደምኪ…ኩንለይ ሓ ደ ራ …ሓ ደ ራ።”

ክብል ልዑል ተመስጦ ኣብ ደርፍታቱን ኣብ ሓሳቡን ከምዘለዎ ደጋጊሙ ዝገልጾ ጉዳይ እዩ።

እሞ ኽቡራት ኣንበብቲ፡ብዛዕባ ምስኽርነትን ርእይቶን ዝተፈላለዩ ሰባት ንሎሚ ኣብዚ ይ’ኣኽለና።ኣብ ዝቕጽል ከኣ ናይ ካል’ኦት ከም ኣድላይነቱ ክንውስከሉ ይከውን እዩ።

ኣብራሃም ንሙዚቃ ብኸመይ ኢኻ ትገልጾ፧ እንታይ’ዩ ሙዚቃ ንዓኻ፧  ተባሂሉ ኣብ ዝሕተተሉ ግዜ፡ “ናይ መንፈስ መግቢ ወይ ቀለብ ክብሉ ሰሚዐ፡ተሰማሚዐ።” ክብል እምልስ ነይሩ።

መብዛሕት’ኦም ደረፍቲ ደቆም ደረፍቲ ኪኾኑ ኣይምነዩን እዮም ስለምንታይ ይመስለካ፧ ናትካ ኣረ’ኣእያ ኣብዚ ጉዳይከ ከመይ እዩ፧ ኣብ ዝበሃለሉ ከኣ፡ “ከመኡ ምዃኑ ኣይፈልጥን ኔረ።ንምንታይ ምዃኑ’ውን ተኣማሚነ ክምልስ ኣይክእልን።ኣነ ግና፡ሕጂ ከይወልድኩ ከለኹ ክሓስቦ፡ኣብ ስነ ጥበባዊ ባህጊ ናይ ዉላደይ ተጽዕኖ ክገበር ዝሓስብ ኣይመስለንን።ብተወሳኺ፡ካብ ሕጂ ክሳብ እቲ ወሊደ ዘዕቢ ዘሎ ግዜ፡ኣብ ናብራን ስእልን ናይ ስነ ጥበበኛታት ዝመጽእ ኣሉታውን እወንታውን ለውጢ ምግማቱ የሸግረኒ’ዩ።” ኢሉ መልሹ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ 2006 ኸኣ፡ “ዝበዝሕ ግዜኻ ኣብ ምንታይ ኢኻ ትሕልፎ፧” ንዝብል ሕቶ፡ “ኣብዚ እዋን’ዚ እንተኾይኑ፡ኣብ ሙዚቃ ወይ ንሙዚቃ ኣብ ዘገልግሉን ምስ ሙዚቃ ዝተኣሳስሩን ንጥፈታት ኣሕልፎ ኣለኹ።” ኢሉ ንዝሃቦ ግብረ-መልሲ ብሕይወት ተዝጽንሕ ነይሩ ክንደይ ክዓምም ከም ዝክእልን ልዑል ክዕለትን ተመኽሮን ቀሲሙ ብምንባሩ ንረብሓ ሙዚቃ ትግርኛ ወሰን ኣልቦ ግደ ክጻወት ደርማስ ተኽእሎ ምንባሩ ኣምሪሮም ዝዝክሩ ፍቕዲ የብሎምን እዮም።

ኣብራሃም፡ኣብ እምነቱ ተባዕ፡ንዘይ ኣመነሉ ብገንዘብን ብግዚያዊ ነገራትን፡ ከቶ ከምዘይዕሾ ብዙሓት የዕርኩቱን መቕርቡን እናሻዕ ይዛረቡ እዮም።ኣብ ስርሓውቱ ቐጻሊ ጻዕሪ ካብ ምግባር ወትሩ ዘይቑጠብ፡ኣብ ትምህርትን ተመኽሮን ምቕሳብ ብልቢ ዝ’ኣምን፡ንዕቤት ሙዚቃ ትግርኛ ለይትን ቐትርን ዝተህግህን ሒለት ዝብልን ምንባሩ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።

“ኣብራሃም፡ ኣይሞተን ተሰዊሩ እዩ ዘሎ።ኣብ ሕቡእ ቤት ማእሰርቲ እዩ ተቐይዱ ዘሎ።ወሊዱ እዩ ኣይወለደን’ዩ።” ዝብልን ካልእን ኣብ ጉዳይ ኣብራሃም ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ደጋጊምና ዝሰማዕናዮ ዛዕባታት እዩ።እሞ ነቲ መልሱ ኩሉ ጉዱስ ምላሽ ይሃበሉ።እንተ እቲ ምህላው፡ብሕይወት ተዝኅልወልና ሓጎስና ወሰን ኣይምነበሮን።ግን እንታይ እሞ እንታይ እሞ ናይዛ ዓለም ጉዳይ እዚ’ኣ እሞ… ዶ በልዎ ገጠምትን ኣዝመርትን፧

ኣብራሃም፡ ኣብ መራከቢ ብዙሓት ከምቲ ዝድለ ዕድል ዘይረክብ ሰብ እዩ ነይሩ።ማዕረ ኣብ ደርፍታቱ ምቁንጻብን ምንኣሳን ወፍሪ ተገይርሉ ምንባሩ ቤተ ሰብ ስነ ጥበብ ዝዝኽርዎ ናይ ቀረባ ተርእዮ እዩ።ኣብ ጋዜጣታት ንስርሓውቱ ዘነ’ኣእስ ብመን ይግበረ ነይሩ፣ወፍሪ ምንሽውን እኒ መን የዋፍርዎ ነይሮም ታሪኽ መዝጊብዎ ኣሎ ባዕሉ፡ኣብ ግቡእ ግዚኡ ክቃላሕ ምዃኑ ከኣ ኣምሪሮም ዝዛረቡ ኣይሰ’ኣኑን እዮም።

ሚኒስተር ዓሊ ዓብዱ ደርፍታት ኣብራሃም ከመይ ይርእዮ ነይሩ፧ እንታይ ትእዛዝ የመሓላልፍ ነይሩ፧ ወዘተ ዝብሉን ካል’ኦት ሰብ ግዜን ኣብ ስነ ጥበብ ቐዲሙና ኢሎም ወንጪፍ ወፍሪ ምድካምን ምንሻውን ዝገብሩ ዝነበሩ እኒ መን እዮም ግዜ ባዕሉ ክምልሶ ተቀሪቡ ኣሎ።

  ሰማይ

ኩሉ ሓላፋይ እዩ ኢለ ገሚተ

ስግር ጋሻ ዉሑጅ ጠሚተ

ይጽዕር ኣለኹ ብተስፋ

ነዛ ሕማቕ እዋን ክሓልፋ

እጽዕር ኣለኹ ብዓቕመይ

ቃልሲስ መናብርተይ ናይ ቀደመይ

ንግዚ’ኡዃ ‘ተሓየለኒ

‘ስዕሮ ‘ምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ።

 

 ተስፋ’ዩ ደገፈይ

ተስፋ’ዩ ሓይለይ

ደጋጊመ ‘ጽዕር ክሳብ ዝሰምረለይ

ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ።

 

 ይቕጽል…

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...