ክቡራት ኣንበብቲ፡ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ቀዳማይ ኽፋል ናይዚ ጽሑፍ ቐሪቡ ነይሩ እዩ።እንሆ ሕጂ ኸኣ ካል’ኣይን ናይ መወዳእታን ኽፋሉ ናብ ኣንበብቲ ቐሪቡ ኣሎ።

ብምኽኒያት 8 መጋቢት ዓመት፡ ዓመት ዝተፈላለየዩ ጽምብላትን መደባትን ክክበሩን ክበዓሉን ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ኣቑጺሩ እዩ።ደርጊ ብዓቅሙን ብዕላም’ኡን 8 መጋቢት የኽብራን ይጽንብላን ምንባሩ ናይ ትማሊ ፍጻሜ’ዩ።ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ተኮነ ኣብ ሓራ መሬት ይጽንበልን ይዝከርን ምንባሩ ናይ ቐረባ ግዜ ተዘኽሮ እዩ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኸኣ፡ብመንግስቲ ብዳንኬራን ጽንብላትን ይዝከርን ይኽበረን ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ።ኣብ ደገ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ተኾነ ኣብ ትሕቲ መሓውራት መንግስቲ ኮይነን ብምሳርዕን ዕላማን ተሞርኩሰን የኽብሩ’ኦን ይጽምብል’ኦን እየን።ኣብ ቐጽሪ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ከኣ፡ብናይ ባዕለን ርእየትን ኣድማስን ንባዓለን ይዝኽሮኣን ይጽንብል’ኦን እየን።

ክንዮ ምዝካርን ምጽንባልን ካልእ ክግበር ዝግበኦ  ዕዮታት ከምዝሎ ብዙሕ ሳዕ ይዝረብ እዩ፣ብግብሪ ግና ክንድቲ ዝድለ ከምዘይተዓመመ እኩብ ድምር ናይ ውድቐትን ግህሰትን መሰላትን ዉጺኢት ምር’ኣይ እኹል መርትዖ እዩ ዝብሉ ኣለዉ እዮም።ብ’ኣንጻሩ ግርም ኣለና፣ኣብ ጽቡቕ ሓዲድ ዕቤትን መሰልን ኢና ዘለና ዝብሉ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ዳርጋ ጎና ጎኒ ይሳለዩ ኣለዉ እዮም።

ኣብ 2016፡ “ማዕርነት ድርዒ፡ንነባሪ ልምዓት” ኣብ ዝብል መሪሕ ጭርሖ 8 መጋቢት ብመንግስቲ ከምዝተሰላሰለ ዳርጋ ኩሉ ጉዱስ ዝተከታተሎ እዩ።

ኣብ መደብ ትቪ ኤረ፡ ኣብ መደብ ጉዳይ ኣብ-ዘተ ጋዜጠኛ ምኪኤለ ተኽላይ፡ ምስ ሓላፊት ክፍሊ ማሕበረ-ቁጠባ ኣገልግሎት ሃማደኤ ወይዘሪት ናይት መሓሪ፡ ኣብ ዘካየዶ ቓለ-መጠይቕ ካብ ዝተልዓሉ ነጥብታት ገሊኦም ክሕንጥጥ ቐሲቦሙኒ እዮም።

ወይዘሪት ሰናይት መሓሪ ኣብቲ ቓለ መጠይቕ፡ “ሃማደኤ- ትግባረ ፖሊስታት ምኽትታልን ምፍጻምን ሓላፍነት ኣሎዎ።ብጉባኤ ዝምራሕ ማሕበር’ዩ።ብቁዋም ተመሪሑ ዝከይድ፡ደሞክራሲያዊ ማሕበር እዩ።” ክትብል ኣብ መጀመርታ መኽፈቲ ቓለ መጠይቕ መብሪሂ ሂባትሉ እያ።

ብሓቂ እዚ ብወይዘሪት ሰናይት ዝተገልጸ፡ዓሚዩቕ ሓሳብን መትከልን ዝገልጽ ብግብሪ ኣብ ባይታ ኣሎ ዲዩ የለን፡ ካብ ማንም ሰብ ዝኽወል ኣይመስለንን እዩ።ሃማደኤ፡ትግባረ ፖሊሲታት ምኽትታልን ምፍጻምን ሓላፍነት ተሰኺሙ፡ሓላፍነቱ ዝዋጻእ ትካል እዩ ክትብሎ ዝከ’ኣል ዘይምዃኑ ብዙሓት ይ’ኣምኑ፡ይምጉቱን ይከራከሩን እዮም።

ደሞክራስን ፍትሕን ከም ጭላጭል ኮነ ከም ፈውሲ ጨናን ኣብ ዘይብሉ ሃገር ደሞክራሲያዊ ማሕበር ክህሉ ፍጹም ኣይከ’ኣልን እዩ ዝብል ጽኑዕ እምንቶ ሓሽከት ተዓዘብቲ እዩ።ደሞክራሲ ተዘየለ ኸኣ፡ፍትሓውን ርትዓውን ጉባኤ ክካየድ ዘይሕሰብ እዩ።ቑዋሙ፡ ኣብ ሓቛፊ ዓንዴል ሃገራዊ ቁዋም ከምዝሙርኮስ ርእሰ-ርጉጽ እዩ።እንተኮነ፡ቁዋም ኣብ ዘይብሉ ዓዲ ወይ ሃገር ኣይኮነን ቅዋም ኣለወን ዝበሃላ ሃገራት ዝግበረ ሸፈጥን ጥሕሰት ደሞክራስን ፍትሕን መዓልታዊ ተርእዮ  ኮይኑ ከምዘሎ ምስጢር ኣደባባይ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ኸኣ፡ዝገደደን ዝበ’ኣሰን ባይታ ሕግን ፍትሕን ኮነ ብደሞክራስን ቁዋምን ተነፊጉ፡ኣብ ርጋጽ እግሪ ሒደት ኣካላት ተቐቢሩ ምህላዉ ካብ ማንም ዘይስወር ትእይንቲ እዩ።

እሞ እዚ ኣብ ባይታ ተሃሊዩ ደኣ፡ሃማደኤ ከመይ ኣቢሉ ናጻን ሓራን ማሕበር እዩ ክበሃል ይከ’ኣል፧ በየን ኣቢሉ’ዩ ብቁዋም ተመሪሑ ዝከይድ ዘሎ፧ጉባኤ ምኽያድ ከ እኩል መርትዖ ፍትሕን ደሞክራስን ንበይኑ ይከውን ዶ፧

ሃገራዊ ምርጫ፡ ኣብ ዘይትድግፍን ዘይተካይድን ሃገር፡ደሞክራስን ፍትሕን ከም ፈውሲ ጨና ኣብ ዝተሓለመ ባይታ ከመይ ኣቢሉ እዛ ማሕበር ንበይና ነቲ ዝተገልጸ ኽብርታትን መትከላትን ከተውሕስን ክትወርስን ትኽእል እባ፧

ኣብ 21 ክፍለዘመን ምርጫን ቑዋምን ንበይኑ እኩል መግለጺ ደሞክራስን ፍትሕን ዘይምዃኑ ሕርሕራይ ገይሩ ኣስተምሂሩላ እዩ።ምርጫን ቑዋምን ናይ ባዕሉ ግደን ኣብርኽቶን ኣሎዎ እዩ።ብልዕልና ሕጊ ዘይግዛእ መንግስቲ፡ ዉድብን ዉልቀሰባትን ከቶ ምርጫን ቑዋምን ስለ ዘሎ ጥራሕ ሽግ ሓርነትን ናጽነትን ተረጋጊጹ እዩ ምባል ባሃምነት’ዩ ዘስምዕን ዘድምጽን።

ኣብዚ ግዜ እዚ፡ዳርጋ ንኣምር መለኸት ማዕርነትን መሰልን ደቂ ኣንስትዮ ዘይሰምዖ ሰብ ኣሎ ምባል ከቢድ እዩ።ከም ሕብረተሰብ፡ ኣብ ባህልን ልምድን ዝተፈላለዩ ብሄራትን ሕዝብታትን ንሕቶ ደቂ ኣንስትዮ ዝብድሁ ኣረ’ኣእያን እምነትን ኣሎዉ እዮም።ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝግበር ወፍሪ ምዕባይን ምድንፋዕን ንቕሓት ሕልናን ኣስተምህሮን፡ ኣብ መሰልን ማዕርነትን ዘሎ ብድሆ ይቕረፍን ይረገፍን ምህላዉ መጽናዕታት የረጋግጹ እዮም።ገና ብዙሕ ዝተርፎ ምህላዉ ኸኣ ርዱእ እዩ።ኣብ ኤርትራ’ውን ተመሳሳሊ መስርሕ ዝሓትት እዩ።

ካብቲ ቅድሚ 40 ዓመት ዝነበረ፡ ዝንቡዕ ኣረ’ኣእያን ምቕባልን ኣብ ጉዳይ መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ሎሚ ዝሓሸ ብርኺ ይርከብ ኣብ ዝተፈላለዩ ብሄራት፣እዚ ግና ዘዘናግዕ ፍጻሜ ክኸውን የብሉን።

ኣብ ብረታዊ ቃልሲ፡መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ከም ኣምርን መትከልን ብዙሕ ተጎስጊሱሉ እዩ።እቲ ማዕርነታዊ ስራሕን ተወፋይነትን ታሪኽ ኣብ ረዚን ማህደሩ ኣስፊሩዎ እዩ።እቲ መሰል ግና ከም ሓፈሻዊ መሰል ወዲ ኣዳም ኣብ ዘይኽበሩ ባይታ ክወሓስን ክረጋገጽን ከቶ ኣይከ’ኣለን።

ኣብ ግዜ ቃልሲ፡ማርኪዝምን ሌኒንዝምን ርእይተ-ዓለም ዝሓንገጠ መሪሕነት ህግሓኤ፡ከምቲ ማርኪዝም ሌኒንዝም ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ብተግባር ከምቲ ስብከቱ ዘይሰርሓሉን ዘይኣምነሉን፡ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ’ውን ከምቶም ካል’ኦት ንመጥመቕ ማርኪዝም ሌኒንዝም ወሲዶም ኣብ ተግባር፡ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘይናቶም ዝርእይዎ፡ስማዊ ጥራሕ ኮይኑ ክጭፈረሉን ክጉየለሉን ተራእዩ እዩ።እቲ ደቂ ኣንስትዮ ማዕረታዊ ሓቦን ተወፋይነትን ብግብሪ ዝተር’ኣየን ተኣምር ዘበለ ድንቒ ፍጻሜ እዩ ኮይኑ ኣብ ታሪክ ተመዝጊቡ ሓሊፉ ኣሎ፣እቲ መሰል ግና ኣይከምቲ ማዕርነታዊ ሱታፌን ምርምራምን እዩ።

ድሕሪ ናጽነት ተኮነ፡እቲ ሕዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንቕሓቱ ብምዕባይን ግብራዊ ተወፋይነትን ማዕርነታዊ ዕዮታት ብዓይኑ ክዕየይን ክፍጸምን ብምር’ኣዩ፡ግንዛቤኡ ክዕብይ ተቐሲቡ እዩ።ካብዚ ንላዕሊ ዕድል ተተራሒዩለን ኸኣ፡ብዝዓዘዘን ዝበለጸን ዕማማተን ከሰላስላን ክዓያን ከምዝክእላ ኣየጠራጥርን እዩ።

እቲ ጉዳይ መሰል ግና ዋላ ሕጅ’ውን ሕቶ ኩሉ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ።”ገና ገና፡ ኣሎ ገና ዝዕየ ገና፡ክንዓይይ ኢና ገና።”  ቕድሚ 50 ዓመት ብስነ-ጥበባውያን ከም ዝተብሃለ ፡ሕጂ’ውን ገና ብዙሕ ዝዕየይ ሰፍ ዘይብል ዉራይ ኣሎ እዩ ኣብ ዝባን ኩሉና!

ቅድሚ 10 ዓመት ኣቢላ፡ብስነ ጥበባዊ ስዒድ ኣብ ኣዳራሽ ሃገር-ሜድያ ዝቀረበት ስነ ጥበባዊት ዕዮ፡ ገለ ክፋላ ከምዚ ትብል፡

“መሰል’የ፡ መሰል ንቃልሲ
ኣብ መትከል ፍትሒ ብቃልሲ”

እዛ ደርፊ እዚኣ ምስቲ ድምጻዊ ስዒድ ኣዚዩ ን’ኡስ ምንባሩን ወነ ኣቐራርብኡን ኣዚያ ተምሳጥ የሕዲራ እያ።ክንዮ ኣድማስ ተምሳጥ ከኣ ትሕዝቶኣ ዝቕጅለልካ ሕቶን መልእኽትን ኣሎዋ እዩ።

ገና ንመስለ ቃልሲ ከምዘድልይ፣ንቃልሲ መሰል ከምዝሓተተ ትማሊ፡ ሎሚ’ውን ንመሰል መሪር ቃልሲ ይጠልብ ምህላዉ ኣብ ቅድሚየና ተገቲሩ ዘሎ ጎቦ፡ግርደተ ባርነት ዝሕብሮ እዋናዊ ዉዕይ ባይታ ቓልሲ የነጽሮ እዩ።

ስልጣነ ሓደ ሕብረተሰብ ዝረጋገጽ ኣብ መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ብዝህቦ ቖላሕታ ምዃኑ ብዙሓት ይሰማምዑ እዮም።ሓደ ሕብረተሰብ ስልጡን ክትብሎ፡ “ኣብ ጉዳይ ንቕሓት፡መንፈስ በዓል ቤትነት ክስመዓካ ከሎ፡ሕግን ስነ ስርዓትን ክህሉ ምስራሕን ምትጋህን፣ንፍትሕን ርትዕን ግቡእካ ምግባርን ምርምራምን፡ግዴታካ ምውጻእን፡ዘመናውነት ወይ ከኣ ስልጡን ዘብል’ዩ።” ክብል ሙሑር ስነ-ሰብ ዶክተር ደረስ ይገልጽ እዩ።

እዚ ነጥባታት ኣብ ጎኒ ቃልሲ ንፍትሕን ደሞክራስን ግዴታዊ እጃሙ እዩ።ነቶም ኣብ ዓርዑት ባርነት ኮነ ኣብ ትሕቲ ማሓውር መንግስቲ  ኣብ ደገ ዘለዉ ባእታት ከኣ፡ታሪካዊ ሓላፍነት ከምዘለዎም ፈሊጦም፡ንመስለን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ብልቢ ክሰርሓሉን ብትሪ ንሪሙ ከም ወዲ ድሙ፡ክረማረመሉ ኣብ ዝባን ነፍሲ ወኸፍ ዘሎ ሰፍ ዘይብል ሓላፍነት እዩ።

8 መጋቢት፡ ብዝመጸ ቑጽሪ ታሪኽ ምትራኽን ምብራኽ ሱታፌ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ስርሓውትን፡ ገሊጽካ ምፍሳሕን ምንያትን ጥራሕ ዘይኮነስ ካብዚ ንላዕሊ፡ ንሓርነትን ንለውጥን ስኒ ተነኪሱ፡ተር ከም ዓተር ተባሂሉ ክስርሓሉን ክትቓለሰሉን ዝግባእ፡ጾር-መንደዓት ምኳኑ ክንጸር ይግባእ።ንጽባሕ ዘይበሃሎ ህዝባውን ሃገራውን ከባብያውን ዕዮ ኩሉ ምዃኑ ክስመረሉ ኣለዎ።

ሕቶ ማዕርነት ንምብራኽ፡ብማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሃማደኤ ኮነ ብመንግስቲ፡ ብዉልቀሰባት ኮነ ደለይቲ ለውጥን ኮታ ብሓፈሻ ብጉዱሳት ዜጋታት ዝግበር መስርሕ ምትብባዕን ምብድንፋዕን ሱታፌ ደቂ ኣንስትዮ ክደፈ’ኣሉን ክስርሓሉን ዘለዎ ግዴታዊ ዕማም እዩ።

መሰል ደቂ ኣንስትዮ፡ገና ብዙሕ ብድሆን ዕንቕፋትን ኣጋጢምዎ ዘሎ ጉዳይ እዩ።ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ንቕሓት ደቂ ኣንስትዮ ምስ ሃገራዊ ጉዳያት ተተሒዙ ብዝተሰርሓሉ መጠነ ሰፊሕ ዕማማትን መከተታት፡ ገለ ዝላ ተዘሊሉ እዩ።ብደርፍታት ብግጥምታትን ስነ-ጽሑፋትን ፖለቲካዊ መርሓን ሰፊሕ ወፍሪ ተካይዱሉ እዩ።

ኣብቲ ፖለቲካዊ ንቕሓት ንምድራዕ ተባሂሉ ዝካየድ ዝነበረ ወፍሪ መስርሕ ኣስተምህሮን ጎስጓሳትን ዘይነዓቅ ኣበርኽቶ ተገይሩ እዩ።ሕቶ መሰል ጓል ኣንስተይቲ፡ ምስቲ ምጭዋይ ሕቶ ደሞክራስን ፍትሕን ኮነ ሕቶ ልዕልና ሕግን ለውጥን ገዚፍ ማሕለካ ከምዘጋጠሞ ጉሁድ ሓቂ እዩ።ነዚ ከኣ ከይደቀስካ ለይትን ቐትርን ክስርሓሉ ጻውዒት ዘየድልዮ ደወል ሕልና ኩሉ እዩ።

ኣብ መሕበራዊ መራኸብቲ ብዙሓን ኮነ ማዕከናት ዜና መንግስቲ፡ “ዕስራ ምኢታዊት /20%/ ናይ ብሻ ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ እየን፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ሓድሽ ዝኾነ ናይ ዕደና ስርሓት፡ ብከምዚ ዓይነት ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ምስታፈን ዘኹርዕ እዩ።" ዝብል ጽሑፋት ከም ሓደ ገዚፍ ዓወትን ኩርዓት ሓበን ተወሲዱ ክልጠፍ ምር’ኣይ ብዙሕ ዘደንቕ ተርእዮ ተዘይኮነ’ዃ ግቡእ ግብረ-መልሲ ምሃቡን ንሓዋሩ ብክንድዚ ሚኢታዊት ቑጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዝዓበየ ጥራሕ ከም ሓደ ዓቢ ዝላን ዓወትን ዝውስድ ዘይሙዃኑ መሰል ወዲ ኣዳም ጨሪሱ ዘይብሉ ባይታ ነጊሱ ምህላዉ ሕያው ኣብነት እዩ።

እዚ ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ከኣ፡ክነ’ኣድን ክበራታዕን ኮነ ክኩራዓሉ ዝግባእ ኣብ ባይታ ሓርነት ተረጋጊጹ፡ ፍትሕን ደሞክራስን ነጊሱ፡ልዕልና ሕጊ ሰፊኑ ምስ ዝርከብ ጥራሕ ክከውን ይግባእ እምበር ብቑጽሪ ሱታፌ ክንድዚ ኩርዓት ናይ ጥዕና ኣይመስልን እዩ።

8 መጋቢት ድርብ ሓልፍነት ተሰኽም ዕለት እያ።እዛ ዕለት ብዝመጸት ቑጽሪ ኣብ መዳይ ፖለቲካ፡ቁጠባ፡ማሕበራውን ባህላውን ዘይሕለል ጻዕርን መደባትን ተሓንጺጹ ክስርሓሉን ተጋድሎ ከተካይደሉን ንቡር መስርሕ ቓልሲ እዩ።እዛ ዕለት እዚኣ፡ሕላገት ኹለንትናዊ ነጥበ-መቐይሮ ክንገብራ፡መብጻዓ በጃና ዝሓለፉ ሰማዕታት እዩ።

እኒ ኣስቴር ዮሓንስ፡ኣስቴር ፍስሓጽዮን፡መሪየም፡ ካል’ኦትን ኣብ ዳህሪ ሾልቒ ቐቢርካ ድቓስ ክህሉ የብሉን።ኣበደን፡ኣበደን ንበለሉ። ከም እኒ ሰናይት ደበሳይ ዝርከብ’ኦም እልቢ ዘይብለን ዋዕሮታት፡ ኣብ ዲቕ ዝበለ ጸልማት በዓቲ ቤት-ማሕቡስ ብዘይ ፍርድን ክስን ክሰፍራ፡ዒብን ነውርን እዩ፣ኣብ ዘመነ ሰብ ህደግለነ ዘይብሎም ግና ንቡር ይከውን ኣሎ ሰብ ብዘይ ክስን ፍርድን ንኽንድዚ ዓመታት ክዳጎንን ያዕ፡ያዕ ንበሎ ዝብል ሕልናዊ ጻውዒት እናሻዕ ይኹላዕ ኣሎ፡እሞ ሃየ ሓላፍነትና ንዋጻእ ጽባሕ ኣብ ከብዲ ጣዕሳ ከይወደቕና ከለና ክብሉ ይዛረቡ ኣለዉ እዮም ኣብ ቕርዓት ሕምብርቲ ጽምዒ ፍትሕን ደሞክራስን ዘለዉ ደቂ ኣዳም! ደቂ ሄዋን!

ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ
ከም ኣህባይ በረካ፡ ኣብ ፈቀዶ ጎቦታት ትሓኩሪ፣
ኣብ መትከል ጽንዓት ዛብሎን ወትሩ ትነብሪ።

ከም ተመን ፡ኣብ መሮር ትነብሪ፣
ብቁጠዓ ኣብ እምባታት ትበሪ።

ንስለ ሕዝቢ፡ ኣብ በዓቲ ትሰፍሪ፣
ሓቦን ንያትን ኣብ ማህጸና ተፍሪ።

ንስለ ሃገር፡ኣብ ኣኽራናት ትዓርዲ፣
ወርቃዊ ግዜኪ ኣብ ቁሪ ተርፍዲ።

ለይቲ ተቢዒኪ፡ ኣብ ሓለዋ ተውግሕዮ፣
ቀትሪ ኣብ ዕዮታት ተጸሚድኺ ተሕልፍዮ።

ናትክስ ፍሉይ’ዩ ዋዕሮ ዘመንና ኢኪ
ቐጽልዮ ሎሚ’ውን ቃልሲ ንመስልኪ።

ንማዕርነታዊ ሕቶኺ፡ ብማዕርነትዊ ሱታፌኪ ኣውሑስኺዮ እንዲኪ
እንታይ እሞ ከይእግመኺ’ዩ፡ንሪም መሰልኺ መን’ዶ ክምክቶ’ዩ ክንዳኪ፧


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...