ክቡራት ኣንበብቲ፡ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ክፋሉ ምስናይ ገለ ቁንጫብ ድሕረ ባይታዊ ጽሑፍ ሓንጢጠ ተፋንየኩም ነይረ’የ።እንሆ ከኣ፡ ካል’ኣይ ክፋሉ ምሳኩም የራክበና ኣሎ።እሞ ደኣ፡ ሃየ ኣሰውድዎን ኣህፍትምዎን ዝብል ጻውዒት ኣቦት’ኡ’ዩ።እቲ ምንታይሲ ከምቲ ኣብ ርእሲ ዛዕባና ተገልጹ ከምዘሎ ኣስተውዒልኩምሉ ክትኮኑ ተስፋ ይገበር።ወልድና’ውን ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲዮም እመስለኒ “ንወሃቢ ጸባ ይክላእ’ዶ ማይ ጨባ” ክብሉ ከለዉ ዓሚዩቕ መሰረት ከምዝህልዎ ዕጹብ ኣየጠራጥርን’ዩ።

ኣብራሃም ኣፈወርቒ፡እልቢ ዘይብሉ ህያባት ጥበብ ዝመጠወና፡እንተወሓደ ማይ ጨባ ዉሬታ ክንምልሰሉ ንቡርን ግቡእን እዩ ዝብል ሰረተ-እምነት እመስለኒ።

ኣብዚ ቐረባ ሞዕልቲ፡ምስ መመህር፡ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ሳህለ፡ ኣብ መገዲ ብሓባር ናብ ሓደ ቦታ እናምራሕና ከለና፡ሓደ ኣብ መንደቕ እቲ ከተማ ዝተለጠፈ ጽሑፍ ከነንብብ ደውታ ፈጢርና ናብ ዉራይ ንባብና ኣተና።

“ናይቲ መምህር ሕይወት ኣብራሃም ኣፈወርቒ ግጥምታት ደርፍታቱ፡ብ…. ዝተብሃለ ኣድናቒኡ ተጻሒፉ ብመልክዕ መጽሓፍ ንመሸጣ ኣብ ዕዳጋ ዉዒሉ ኣሎ።” ዝብል መንፈስ ትሕዝቶ ዘለዎ ነቢብና ክልቴና ኣብ ባሕሪ-ሓሳብ ተሸመምና።

ሽዑ፡ከመቕጽበት ን’ኤማ ርእይቱ’ኡ ንክሰምዕ ኣእዛነይ ወጠርኩ፡ኣንቴናይ ዘርጋሕኩኩም።ንስ’ውን ከምታ ዘልመደና፡ከም ወዮ “ዘልመደ ኣይክላእ!| ዝብልዎ በሃልቲ…”…ካብ ብኣድናቒኡ ካብ ዝብል ግዳ፡ካብ ‘ብሰራቒኡ’ ዘይብል።” ክብል ደወል ስምዒቱ ሃበና።

ኣነን ወዲ ባጽዕን ርእይቱ ክህበና ብሓንሳብ ንጽበ ከምዝነበርና ዘስምዕ ብሓባር “እዚ’ኦም ከምዚ ዝገብሩ ሰባን ንመን ኣፍቂዶም ከምዚ ይገብሩ ኣለዉ፧” ቢልና ብወገና ነቲ ወግዒ ኣደራዕናዮ።

በዚ ዝተላዕለ፡ ኣብ ጉዳይ መሰል ኣሕታምነት፡ ኣብ ጉዳይ ተሓታትነትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ኮነ ትካል ነጋሪትን ስድራቤታዊ ፍቓድ ኣድሂብና ዘዝመስለና ሓሳባት ኣሸራሺርና፡ንእግረ መገድና ዛዕባ መጋሪያ-ዕላል ፈጢርና።

ቕድሚ ሕጂ’ውን፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ተጻሒፉ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ምንባሩ፡ ካብ ሓደ ኣድናቒ ኣብራሃም ኣፈወርቒ መራጎዲ ሓሳብ ረኺብና ኢና።ኣብ ከተማ ኣስመራ ተኮነ ቕድሚ 6 ዓመት ግጥምታት ኣብራሃም ተ’ኣኪኑ፡ተጠሪዙ ኣብ መሸጣ ወሪዱ ምንባሩ ብዙሓት ይዛረቡ እዮም።እዚን ከምዚ ዓይነት ተግባራት፡ምስኽር ዘየድሊዮ ናይ ትማሊ ተዘኽሮ’ውን እዩ ዝብሉ ኣለዉ።

ኣማኑኤል ብሓጺሩ ነዚ ከምዚ ነገራት፡መፍትሒ ዝብሎ፡ ማሕበራዊ ንቕሓት ሕልና ምዕባይ፡መንፈስ ተሓታተትን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ኬዘውትር ዘይሕለል ጻዕሪ ምግባር ዘየሻሙ ዕማም ምዃኑ ኣስሚሩ ተዛሪቡሉ’ዩ።

ኣብ መንበሪ ቤት ‘ገዛ’ ኣማኑኤል፡ ንኣተሓሳስባ ዘተኹር ኣብ መንደቕ ዝተለጠፈ ‘ፅሑፍን ስእልን’ ከም ዘሎ ዘኺረ ን’ኣማኑኤል፡”ኣብራሃም ዳርጋ ካብ ኩሎም ደረፍቲ ብዝዓዘዘ ፍሉይ ኣተኩሮ ሂቡ ዝደረፈሎም ዛዕባታት ኣለዉ እዮም።ብፍላይ ከኣ፡ “ኣተሓሳስባና ተሃፍቲሙ፡ድኽነት ሽዑ ኣኽቲሙ።” ዝብል ወርቓዊ መልእኽቲ ቅድሚ 25 ዓመት ነፍሲሄር ስነ-ጥበባዊ ፀጋይ ሓድሽ፡ብትሪ ዝዛረበሉን ዝዓየለሉን ዝነበረ ተዘይኮይኑ፡ካብ ካል’ኦት ብዙሕ ዘይስማዕ ትእይንቲ እዩ ክብል፡ ‘ኣይትሰከፍ፡ዘለካ ተወከፍ’ ኮይኑኒ መማቕርቲ ዕላልና ወስ ኣበልክሉ።

ኣማኑኤል፡ ኣብ ጉዳይን ኣብራሃምን ኣተሓሳስባን ዘለዎ ርእይቶ፡ኣብ ካልእ ፅሑፍ ዛዕባ ገይረ ክምለሶ’የ።ንሕጂ ግን ኣብታ ‘ማይ ጨባ…’ ክቅጽል፡

እቲምንታይ ሕምረት ፅሑፈይ፡ኣብ ዓንኬል ወሃቢ ጸባ ዝኮነ ስነ-ጥበባዊ ኣብራሃም ካብ ዝተኮልኮለ’ዩ።

ኣብራሃም፡ኣብ ከተማ ኣስመራ ተወሊዱ፡ክሳብ ወዲ 12 ዓመት ዝከውን ከኣ፡ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኣስመራ ዓበየ።ካብ’ኡ ናብ ሱዳን ክስደድ ተቐሰበ።ወዲ 14 ዓመት ምስ ኮነ ኸኣ፡ናብ ከተማ ሮማ-ዓዲ ጥልያን ከደ።ክሳብ መበል 2ይ ኣልበሙ ዝሕትም ብዘይምቁራጽ ኣብ ዓዲ ጥልያን ተቐመጠ።ብድሕሪ’ዚ፡ንሮማ እናገደፋ ክኸይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ኣብ 2006 ሰማይ ትብል ኣልቡም ሰሪሑ ናብ ኣስመራ ተመሲሉ፡ብሞት ካብዛ ዓለም ስጋብ ዝምለስ፡ኣብ ኣመሪካ እቕመጥ ነበረ።

ናብ ሙዚቃ ብከመይ ዝንባሌ ከምዝሓደሮ ተሓቲቱ፡ካብ ዝህቦ ዝነበረ መልሲ ኸኣ፡ “ወዲ 8 ወይ ኸኣ ወዲ 6 ዓመት ከለኹ፡ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ብዘምጻእክዎ ዉጽ’ኢት ፡ከም ሽልማት ተሓቲተ፡ካብ’ቲ ዝተፈቕደለይ ነገራት ፋም-ፋም መሪጸ፡ብኣኣ  ኣቢለ ኸኣ ናብ ኡዚቃ ኣትየ።ብድርሕሪ’ኡ፡ ናብ ሱዳን ምስ ኣተኩ ኣተኹ፡ኣባል ቀያሕቲ ዕምባባ ኮይነ፡ክራርን ጊታርን ክጻወት ጀሚረ።

ቀዳሞት 4 ደርፍታተይ ኸኣ ኣብ’ኡ ኮይነ ፅሒፈየን።ካብዘን ወዲ 13 ኦኣመት ኮይነ ዝጸሓፍክወን ደርፍታት፡እታ ሕጂ ብ ”ዝኣምና ሃይማኖት ፍቕሪ’ያ ሽማ” ትፍለጥ ደርፊ እያ ኣብ ሕታማተይ ኣትያ ብህዝቢ ትስማዕ ዘላ።

ኣብ ሮማ ከለኹ፡ኣብ  ናይ ኤርትራ ይኹን፡ኣብ ናይ ወጻኢ ናይ ሙዚቃ መድረኻት ብዓቕመይ ክዋሳእ ጀሚረ።ብድሕሪ’ኡ፡ ዝቐጸለ ነዊሕ ጉዕዞ ምትንታኑ ግና ከይነውሓና…” ክብል እምልስ ከምዝነበረ ማህደራቱ ይገልጹ እዮም።

“ትርጉም ናይ ‘ፍልስፍና’ ኣብ ግምት ብምእታው፡ነዚ ኣባህላ’ዚ ከም ናእዳ ክርድ’ኦ ስለዝኾንኩ፡ስለቲ ናእዳ’ኦም ኤመግኖም።ኣነ ግና ፍልስፍና ኣድንቕ እምበር እቲ ዓቕምስ የብለይን።” ክብል ኣብራሃም ኣፈወርቂ “ትሕዝቶ ኣብ ደርፍታትካ ዘለዉ ግጥምታት ብዕምቆት ዘስተማቕሩ ሰባት፡ናብ ፍልስፍና ዝዛዘወ መሳጥነት ዘለዎ ምዃኑ እዮም ዝዛረቡ፡እዚ ካብ ምንታይ’ዩ፧” ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ ወቕቲ ዝሃቦ ምላሽ’ዩ።

ስነ-ጥበባዊ ኣብራሃም ምስ ካል’ኦት ሓቢርካ ተላፊንካ ምስራሕ ዝ’ኣምን ብተግባር ዝተዋስ’ኣሉ ምዃኑ፡ኣብ መበል 5ይቲን ናይ መወዳእታን ካሴቱ ‘ኣልበሙ’፡ኣብ ሰለስተ ደርፍታቱ ምስ ስነ ጥበባውያን ከም እኒ ኣኽሊሉ ተስፋጽዮን፣ሙኽታር ሳልሕ ወ ምስ ሳሙኤል ኣልመደን ሰሪሑ እዩ።

በዚኸኣ ዓበይቲ ጸጋታት ከም ዝተተቐመ ኮይኑ እስምዖ ከምዝነበረ ደጋጊሙ ምስኽርነቱ ሂቡ እዩ።

ነዞም ሰለስተ ኮዋኽብቲ “ሓያላት ክ’ኢላታት እዮም።ጽቡቕ ስራሕ ሰሪሑ ዝቕርበልካ ክህሉ ትዕድልቲ እዩ።” ክብል ዝሃቦ ዕንጋለ-መልሲ፡ማዕረ ክንደይ በዓል ልበ-ብርሃን ከምዝኮነ ሓደ ገጽ መረጼን ድልዱል ኣብነት’ዩ።

ኣብራሃም ልዕሊ 70 ደርፍታት ናብ እዝኒ ሰማዕቲ ኣብጺሑ እዩ።ኣብቲ ዝደረፎ ደርፍታት ዘይተ’ኣደነ ረዘኒ መልእኽታት ንዉሉድ ወለዶ ኣለዎ ዝብል ርድኢት ኣሎ ብብዙሓት ኣስተማቀርቲ ደርፍታቱ።እሞ ንገለ ካብ ደርፍታቱ፡ሕጽር ሕጽር ዝበሉ ትሕዝቶ ዘለዎም፡ኣብ ፈቀዶ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታት ክንርእዮም።

“ኣሎ ዘይጸገመ ድራር እለት፣
ብዙሕ’ዩ ትርጉም ምንባር ማለት።”

============/////================

“ዘመስግን’ዩ ዕውት፡ዝዕገስ’ዩ ሓያል
ዘዋህል’ዩ ለባም
ይ’ኣኽለኒ ምባል ዝፈልጥ’ዩ ሃፍታም!”

=============//////===============

“ምስትንታን የብሉን መለሳ
ጠጥዕሙ ክዝክር መሪጸ ካብ ጣዕሳ።”

===========/////================

“ቅኑዕ ኢልካ ኣብ ዘይ’ኣመንካሉ መንገዲ
         ካብ ምምራሽ
እቲ ዝበለጸ ንድሕሪት ክትምለስ ምኽ’ኣል’ዩ።”

=============/////====================

“በብዘለናዮ ሓቦ ጌርና ንውጸ’ኣዮ።”

===========////====================

“ዓዲ እንተረሓቐ ……    እንተተፈላለና
ኣብ መዓሙቕ ስምዒት ብሓንሳብ ኣለና።”

===============/////////////===============

“ንዝሓልፍ ግዜ ዘይሓልፍ ቃል ኣይትዛረብ።”

ዝ’ኣመሰሉ ንሓያል መልእኽቲ ኣብራሃም ኣፈወርቒ ዕሙቐቱ ዝተሰወጦምን ኣብ ጉዕዞ ሕይወቶም ዘስተማቅርዎ በብግዚ’ኡ ምስ መቕርቦም ኮነ የዕርኹቶም ዝለዋወጥዎ ስእላውን ወ ፅሑፋውን እዩ።

ኣብራሃም፡ብዙሕ ክበሃልለሉ ዝኽእል ወናምን ሓያል ናይ ጥበብ ሰብ ሙዃኑ ዘየማትእ’ዩ።ዓቕምን ክእለትን ተዘይሓሊዩኹና ከኣ፡እናሻዕ ክትዛረበሉን ክትጽሕፈሉን ትደናደን ኢካ።በሉ ኣብ ዝቕጽል ክሳብ ንራኸብ ሰናይ ቕነ ኢለ ክፍለየኩም።ንስኩም’ውን ገለ ክትብሉና ሰብ ተስፋ ኢና!

 

 

 

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...