ኣብዚ ቐረባ ኣዋን፡ ኣብ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ፡ ኣብ መደብ ቕሔ ጽልሚ፡ሓደ ክብረ ቑዱሳን ኣብራሃም ዝተብሃሉ፡ ከም ጋሻ ቐሪቦም ነይሮም።ኣብቲ መደብ ከምዝሰማዕናዮን ዝተዓዘብናዮን፡ኣቶ ክብረ ቁዱሳን ኣብ መዳይ ቛንቛ መጽሓፍ ከምዝጸሓፉን ብዙሕ ምርምር ወይ መጽናዕቲ ከምዝገበሩ ክንርዳእ ኽ’ኢልና ኢና።

ቛንቛ ግእዝ መለለይ መንነት ኤርትራን ትግራይን ከምዝኮነ ዘየካትዕ እዩ።እዚ ቛንቛ ‘ዚ ሓደ ካብ ክብርታትናን ሕላገትናን ምዃኑ ኣብ ዕዳጋ ክርክር ዝውዕል ኣይመስለኒን’ዩ።

ቛንቛ ግእዝ መስረት ቛንቛ ትግረ፡ትግርይና፡ኣምሓርይና፡ኣገውን ካል’ኦትን ሙዃኑ ሙሁራትን ተመራመርቲ እቲ ቛንቛን ታሪክ እዚ ከባቢ ዘጽንዑ ይዛረቡ እዮም።

ኣብቲ ኣቶ ክብረወሰን ኣብራሃም ዝገበርዎ ቓለ-ምልልስ ዝሕብር ሓባሪ ፅሑፍ ካብ ገጽ መርበብ ሓበሬታ ድምጺ ኣመሪካ ከምዚ ይንበብ፡

“ግእዝ ትምህርቲ`ምበር ቋንቋ ኣይኮነን ዝበሉ ክብረቅዱሳን፡ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ(ና)፡ ከም ቸ፡ ጀ፡ ኘ፡ ጰ ን ካልእን ፡ ዝበሉ ፊደላት ክኣትዉ ኣይነበሮምን ይብሉ።  እኹል ፊደላትን፡ ቅላትን ስለዘለና፡ ናብ`ቲ ናይ ኣቦታትና ንመለስ ዝብል ርኢቶ ኣለዎም።” እዚ ኣብ መበል ካል’ኣይ ክፋል ኣብ ዝሰፈረ ሓጺር መብርሂ ጽሑፍ እዩ።

“ግእዝ ትምህርቲ ‘ምበር ቛንቛ ኣይኮነን…” ኣድሂቦም ኣብ ዝተዛረብዎ ንእዝነይ ሓድሽ ኮይኑ ረኪበዮ ኣለኩ።እቲ ምንታይ ግእዝ ከም ሓደ ቛንቛ እናሰማዕኩን እናምበብኩን ስለዝመጻእኩ እዩ።ግእዝ ትምህርቲ’ዩ ዝብል ቦኽሪ እዝነይ እዩ።

ኣብ ቛንቛ ግእዝ ልዑል ኣፍልጦን ክእለትን ዘለዎም ብዙሓት ረኺበ ሓቲተዮም እየ።ተመሳሳሊ ርእይቶን ርድ’ኢትን ኣለዎም።ቛንቛ ግእዝ ዝዛረቡን ዘስተህሩን ሙሁራት’ውን ረኪበ ተወኺሰዮም ንሳ ደጊሞምለይ ኣለዉ።እቲ ኣብ ሞንጎ ትምህርትን ቛንቛን እዩ ዝብል ኣፈላላይ ከማን ንግደ ሓቂ ኣይተረደ’ኣኒን ኣሎ።መብርሂ ተዝህቡሉ ክንደይ ደስ ምበለኒ ነይሩ።

ዝኮነ ኮይኑ ኣጋጣሚ ኮይኑ ነዚ ጽሑፍ እንተ ኣንቢቦሞ ምላሽ ከምዝህብሉ፡ ኣብቲ ጉዳይ ግእዝ ዘለዎም ግዳሰ ሓባሪ መንገዲ እዩ።እሞ ስጋብ መልሲ ዝህቡሉ ክንጽበይ ከምዘለና ርዱእ ነገር እዩ።ኽንጽበይ ኢና ንዝተወሰነ እዋን..

ነዚ ምስ ተከታተልኩ፡ካብ ዝረከብክዎም  ኣማኑኤል ሳህለ ሓደ እዩ።ኣማኑኤል ቕድሚ ኣስታት 50 ዓመት ኣቢሉ ቛንቛ ግእዝ ተማሂሩ ከምንባሩ ኣብ ዕላሉ ሳሕቲ የዋግዕ እዩ።ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝተራከብናሉ ምስ ሓተትክዎ ከኣ፡ከምዚ ዝብል ሓሳቡ ሃበኒ። “ግእዝ ቛንቛ እዩ።እቲ ኣደ ቛንቛ እዩ፡፡ ንትግርኛ ኮነ ን’ኣምሓርኛ ወይ ንትግረ ወሊድዎ እዩ ዝብል ግን ኣገላልጽ’ኡ ኣይቅበሎን እየ።ግእዝ ኣብ ግዚኡ ሰሪሑ እዩ።ኣብዚ ግዜ’ዚ ከምቲ ባህሪ ቛንቛ ዝገልጾ ግእዝ ሞይቱ እዩ ዝብል ርእዩቶ ኣለኒ።ምኽኒያቱ፡ኣብ ቤተ-ክርርስትያን ጥራይ እዩ ዝዝረበሉ።ኣብ ቤት-ክርስትያን ከማን ኣብ ስብከት ዝበዝሕ ዝዝረበሉ እምበር እቶም ነቲ ቛንቛ ዝፈልጥዎ ንባዕሎም ብግእዝ እኮ ኣይዛረቡን እዮም።

ግእዝ ጨሪሱ ከይጠፍእ ቤት-ክርስትያን ዓቒባቶ ዝብል የሰማምዕ እዩ።ግና እቶም ነቲ ቛንቛ ፈልጡ ዝበሃሉ ንባዕሎም ኣይዛረብሉን ኣለዉ።ኣብ ፅሑፍ ተኮነ ኣይጸሓፈሉን ኣሎ።ቐደም ተጻሒፉ ተሰኒዱ እዩ።ኣብዚ ሎሚ እዋን ግን ኣሎ ኣይብል እየ።ቛንቛ ግእዝ ኣብቲ መጀመርታ ካብ ዓረብ ካብ እብራይስጥል ይወስድ ነይሩ እዩ።ሎሚ ግን ኣይወስድን እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ከምቲ ንቛንቛ ፈረንሳ ዝቀትሎ ዘሎ ንቛንቛ ግእዝ’ውን ይቐትሎ ኣሎ።እዚ ከኣ ኣይወስድ፡ኣይልቃሕ ዝብል ጉጉይ ኣበሃህላ እዩ።

ቛንቛ እንግሊዝ ረ’ኣዮ ባህሪ ቛንቛ ኣማሊኡ ይከይድ ስለዘሎ’ ኣብ ዓለምና ኣዚዩ ዝማዕበለ ቛንቛ ኮይኑ ኣሎ።መመሊሱ ክብርን ዝናን ይጓናጸፍ ኣሎ።ብዙሕ ተዛራቢ የጥርይ ኣሎ።ተመራመርትን ግዱሳትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣበርኽቶ ይገብርሉ ኣለዉ።ሓደሽቲ ቓላት ካብ ኩሉ ይወስድ ኣሎ።ቛንቛ ሽወደን’ውን ከም’ኡ እዩ ክትብል ትክእል ኢካ።ዓመት መጸ፡ ዓመት ካብ ካል’ኦት ቛንቛታት ይወስድ ኣሎ።ኣድላይ ዝበልዎ ቃላት ካብ ካልእ ይወስዱ እዮም።’የሰስንዎ ኣለዉ።ተመራመርቲ ቛንቛ ተ’ኣኪቦም ንዕቢየቱ ይሰርሑሉ እዮም።

ስለዚ፡ቛንቛ ባህሪ ቛንቛ ከማልእ ኣለዎ።እዛ ባህሪ ቛንቛ ትብል ኣዘራርባ ሙሁር ቛንቛ ዝኮኑ ደራስን ጸሓፍን መምህር ገብረዝግቢሄር ቢሆን እናሻዕ ዝዛረቡላ ዛዕባ እያ።

መምህር ኣማኑኤል መንግስተ’ኣብ ፣ ሊቀ ሊቃውንቲ ያረድ ካሳ ኮነ ፕሮፌሰር ኤፍረም ይስሓቅ፡ ኣብ መዳይ ቛንቛ ግእዝ ዘለዎም ርእይቶን ሓሳብን ኣብ ዝቕጽል ከቅርበልኩም እየ።ኣቐዲመ ግን ንዝገበሩለይ ምትሕብባር ካብ ልቢ ኤመስግኖም።

ቛንቛ ትግረ ካብ ግእዝ ዳርጋ ዝበዝሕ ዝወረሰ ቛንቛ እዩ ዝብሉ ብዙሓት ጸሓፍትን ተመራመርትን ኣለዉ።ንቛንቛ ትግረ ኣፍልጦ ዘይብሎም ከኣ፡ቛንቛ ትግርይና ካብ ኣምሓርይና ዝበለጸ ናብ ቛንቛ ግእዝ ይቐርብ ይብሉ እዮም።ብ’ኣንጻሩ ብርኽት ዝበሉ ሙሁራት ንትግርይና፡ ካብ ዘይምፍላጥ ይኹን ብካልእ ምኽንያት ኣምሓርይና ወራሲ ዓራት ናይ ቛንቛ ግእዝ ሙዃኑ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመት ዝሞገቱሉ ጽሑፋትን ቓለ መጠይቓትን ይሕብሩ እዮም።ሓደ ኣብነት፡ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ዋዕላ ክውሰድ ይክእል እዩ።ኣብዚ ዶክተር ኣብራሃምን ኣቤ ጉቤኛን ዝገበርዎ እወንታዊ ኣስተዋጽ'ኦ ፈጺሙ ዝርሳዕ ኣይኮነን ዝብል ምስኽርነት ደጋጊምካ ትሰምዖ ሓቂ'ዩ።

ኣብዚ ቕነ ‘ዚ ንገለ ተዛረብቲ ቛንቛ ጉራጌ ኣብ ዝተወከስኽሎም ግዜ፡ቛንቛ ጉራጌ ምስ ግእዝ ኮነ ትግረን ትግርይና ተዛምዶ ከምዘለዎ ክዕዘብ ክ’ኢለ እየ።ብፍላይ ኣብ ገለ፡ ገለ ዳርጋ ሓደ ትርጉም ዘለዎ ቕላትን ኣበሃህላታትን ኣለዉ እዮም።ምስ ግእዝ ቛንቛ ጉራጌን ኣርጎብኛን ርኽብ ከምዘለዎም እቶም ተዛረብቲ ቛንቛ ጉራጌ ኣውኺዖሙኒ እዮም።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ መዳይ ቛንቛ ግእዝ ኣብ ኤርትራ ፍሉይ ኣተኹሮ ይግበር ከምዘሎ ንዕዘብ ንሰምዕ ኣለና ኢና።ሪምን ግዴታን ኮይኑ ፍሉይ ኣተኹሮ ክግብረሉ ንኩሉ ዝሕጉስን ንዕቤት ቛንቛ ትግረን ትግርይናን ኮነ ካልኦትን ከምዝከውን “ከይተሓልመ ዝተፈትሐ” ከምዝበሃል እዩ።

ንምንታይ እዚ ኩሉ ግዜ ትም ተባሂሉ ምጽንሑ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ ሕጂ ሓደ ወለዶ ምስ ሓለፈ ምጅማሩን ግዳሰ ምርካቡን ተኮነ ዝሕጉስ እዩ።

ግእዝ፡ ቛንቛ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ዩ።ታሪካዊ መሰረት ዘለዎ ክብርታት ሕብረተሰባት ኮይኑ ከምዘሎ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ።ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ብራናታት ብቛንቛ ግእዝ ዝተጽሓፉ ከም ምዃኖም መጠን ኣብ ዕቤት ስነ-ፅሑፍን ምዕቃብ ታሪክን ሰፊሕ ግደ ከምዘለዎ ብብዙሓት ዝእመን እዩ።

ቛንቛ ግእዝ ሙሁራት ካብ ቕድሚ ገለ ኣማኢት ዓመታት ኣትሒዞም መጽናዕቲ ይገብሩሉ እዮም።ጸዓዱ ከይተረፈ ይመራመርሉን የጽንዕዎን ነይሮምን ኣለዉን እዮም።

ቛንቛ ግእዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስታት ከም ሓደ ዓውዲ ትምህርቲ ይወሃብ እዩ።ኣብ ገሊኡ’ውን ከም ን’ኡስ ዓውዲ ትምህርቲ ይወሃብ እዩ።ኣብ ሩሲያ፡ ኣብ ጀርመን፡ ኣብ እስራኤልን ካል’ኦትን ተጠቐስቲ እየን።

ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ፡ ኣብ ጎንደር ፡ኣብ መቐለን ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ከም ዓውዲ ትምህርቲ ኣብ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ከምዘሎ ሓበሬታት ይገልጹ እዮም።ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ሰላም ከኣ፡ ብስሩዕ ትምህርቲ ቛንቛ ግእዝ ካብ ዝወሃቦም ትካላት ሓደ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ’ውን ብደረጃ ኮሌጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ቛንቛ ግእዝ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ረኪቡ’ዩዃ ተዘይተብሃለ፡ ኣብ ገዳማትን ብግዱሳት ሊቃውንቲ እቲ ቛንቛን ቤት ክርስትያን ኣስተምህሮ ከምዝወሃብ ካብ ብዙሓት ምስኽርነት ትረኽበሉ እዩ።ብመልኽዕ መጽሓፍ ክጸሓፍ ጀሚሩ ምህላዉ'ውን ዓቢ ብስራት እዩ ዝብሉ ብዙሓት ግዱሳት ክዛረቡ፡ ሓሳቦም ክህቡ ምስማዕ ዚውትር እዩ።

ግእዝ ትምህርቲ እዩ ዝብሉ ኣለዉ።ግእዝ ሞይቱ እዩ ዝብሉ'ዉን ኣለዉ እዮም።ኣብ ጥንቲ እዩ ነይሩ ከም መራኸብን መረዳድእን ዝብሉ ኣለዉ እዮም።ገሊ’ኦም ከኣ፡ ኣብ ግዜ ኣፄ ዮሓንስ ኮነ ኣብ ግዜ ምኒሊክ ከም ወግዓዊ ቛንቛ ቤት መንግስቲ ኮይኑ የገልግል ነይሩ እዩ ዝብሉ ኣለዉ።ናይዚ ኣብነት፡ኣፄ ዮሓንስ ናብ ነገስታት እንግሊዝ፣ናብ ዮርሳሌም ብቛንቛ ግእዝ ይጽሕፍሎም ነብሩ ዝብል ኮነ ምኒሊክ ናብ እንግሊዝ ዝጸሓፍዎ ደብዳቤታት ብቛንቛ ግእዝ እዩ ዝነበረ ዝብል ሞጎተ ሓደ ካብ ዓምድታት ቛንቛ ግእዝ ኣይሞተን ነይሩ፣ሕጂ'ውን  ተኮነ ኣይሞተን ዝብሉ ገለ መገልጺ ኣብነት እዩ።

ኣብ ዝቕጽል የራኸብ…

ኣብራሃም ብርሃነ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...