መልሲ ዘይብሎም ሕቶታት

እወ እታ መዓልቲ መስደምም ዝኾነት መዓልቲ ካብ ጸሓይ ብራቖ ክሳብ ዕራርቦ-ጸሓይ  ሃንቀውታን ሻቕሎትን በብእብረ ዝተፈራረቓኣ ዕለት መዓልታ እውን ከምዛ ሎሚ ኢያ ዚነበረት። እታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ሓደ ወገን ሃለዋት ጴጥሮስ ብዘይምፍላጥና ዝኽርታቱ ኣብ ቅድሚ  ገጽና ቅጅል ቅጅል እናበለ ምሉእ መዓልቲ  ንልብናን ቀልብናን ሃምናን ሰዊሩ  ኣይ ኣብ መሬት ኣይ ኣብ ሰማይ ሓዲግ መኣዝና ዘስሓተት ዕለት ኰይና፤

በቲ ሓደ ወገን እንቋዕ’ኳ ኣስቴር ትመጸእ ኰነት፡ መጺኣ እውን ደቃ ትሕብሕብ ተጸናንዕ ብማለት ባዕልና ንባዕልና ንነብስና ኣጸናኒዕና ቆልዑ ኣኻኺብና ንመዓርፎ ነፈርቲ ነስቴር እወ ነዛ ኣስቴር ንምቕባል ኢና ዘምራሕና። ሒጂውን  ሃምናን ቀልብናን ናብታ ናይ ምቅባል ኣዚርና ንዝሰፍን ፍጻሜ ሕውስውስ ብዝበለ ስምዒት ኣብቲ ቦታ በጻሕና።  ኣብኡ ካብ ልዑል ሓንቀውታ ዚተላዕለ ክሳብ ንርእያ ተሃዊኽና ከመይ ተቐዪራ ትኸውን ብዝብል ነናትና ግምት ክንዛረብን ድሕሪ ምጽናሕና ከይተፈለጠና ብውሽጥና ዝን ብማለት  ከነስተንትን ጀመርና።

ጊዜ ከመይ ኢሉ ከምዝሓለፈ ኣይተፈለጥናን እታ ንጽበያ ዝጸናሕና ነፋሪት ክትዓልብን ኹሉ ኣቓልቦናን ሓሳብናን ናብኣ ኮይኑ ከምዛ ክንዘራረብ ዘይጸናሕና ሽዑ ግን ፍጹም ጸጥታ ነጊሱ ኩልና ካብ ምጥምማት ሓሊፉ ኣፍና ተለጉመ።  እንታይ ኢዩ ኪኸውን ሕጂ? እንታይ ኢና ክንብል? ቆልዑኸ? ኣስቴር’ከ? መልሲ ዘይብሎም ሕቶታት....ሕቶታት ኣብ መንጎ ከምሰባ... ከምብጾታ ዕጫ ሮማ በላይነሽን ካልኦትን ተልዕል ዝብል ሓሳብ ባዕልና ኣልዒልና ንባዕልና ንጸናናዕ ነበርና።  ቆልዑት እንተ ኾኑውን  ሃንቀውትኦም ናፍቆቶም ኣብ ዓይኖም ይርኤ ነበረ። ኣዲኦም ብማዕዶ ክርእዩ  ዝከኣል እንተዝኸውን መንደቅ ንምፍራስ ኣይምዓጀቦምን።  ዓቕሊ ሰኢኖም ናብዝን ናብትን ይጥምቱን ይንቀሳቐሱን ነበሩ። መን ቀደመ ዕንባባ ዝህብ እውን ነንዝመጽእ ጋሻ ተመለስ ንኽብልዎ ተሪፍዎም እንበር ናብቶም ኣጋይሽ  ቀሪቦም ዘይተጸግዕዋ ኣደ ኣይነበረትን።

በብሓደ ኣጋይሽ ምስ ቤተሰቦም ተራኺቦም ነናብ ቤቶም ኣምሪሖም ኤርፖርት ጭውጭው ምስ በለት   ጠፊኡዎም ንመን ከም ዝሕተት።  ዋእ እንታይ’ዩ ጉዱ ? እንታይ ኣጋጢሙ ? ተሪፋ’ዶ ደኣ ኮይና ? ነፋሪት’ዶ ገዲፋታ .... ሕጂውን ሕቶታት....ሕቶታት መወዳእታ ዘይብሉ ሕቶታት... መልሲ ዘይብሉ ሕቶታት ፡ ሰማዒ ዝሰእነ ሕቶታት ኣልቦ መልሲ ምስኮነ በብቁሩብ ኣብ ኢድ ቆልዑ ዝነበረ ዕንበባታት ዘርጠብጠብ እናበለ ክወድቅ ከም ሓደ ተኽሊ ወቅቱ እናሓለወ ዝረግፍ እናቐምሰለ ክበታተን ኣዕንቲ ንብዓት ካብዚ መጺኡ ዘይበሃል  ዘርጠብጠብ ክብል ጀመረሞ እተን ተሓቛቚፍና ክንሰዓዓምን ናይ ናፍቖት ውዑይ ንብዓትና ሓዊስና ክንጸናንዓለን ዝተቀረባ ኣእዳውና ከይተፈለጠና ብጓሂን ሻቅሎትን ንድሕሪት ተጠውየን ተረፋ ሓንጎልና ንቡር ምምዝዛን ኣጥፊኡ ንመሓውርና ይኹን ኣካላትና ፍጹም ካብ ምቁጽጻር ሓዲግ ኮነ፡ መን ንመን እንታይ ከም ዝብሎ ፡ ኣበይ ? ንመን ? በየን ? መን ኢዩ ዝሕተት ከማን ጠፍኣና።

ከምቲ ጴጥሮስ ኣብ ባጽዕ ዝፍተወኒ ዝብሎ ጸሓይ ክትበርቕ ናብ ውሽጢ ባሕሪ ክትዓርብ ንውሽጢ ባሕሪ ዝብሃግ ትርኢት ዘይኮነ ሽዑ ጸሓይ ንውሽጢ ባሕሪ ንሓዋሩ ኣትያ እያ ጠሊማ ። ልብና’ውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ደም ጥራይ ዘይኮነ መዓንጣና ተኾምቲሩ ኣሕ ምባል ምስ ተጀመረ መሪር ሓሞት እውን ምንጻግ ዝጀመረ።

ናይ ኣስቴር ሃንቀውታ ሓቚፋን ስዒማን ዘይጸገበቶም ደቃ እሞኸኣ ሓልዮትን ፍቕርን ናይ ኣቦ ብሰንኪ ማእሰርቲ ዝተነፈጎም ኣእዳዋ ዘርጊሓ ክትሓቕፎም ክንደይ ተሃንጥያ ከም ዝነበረት ሕጂ’ውን ክሳብ ሎሚ ኩሉ ጊዜ ተዘርጊሔን ይርኣያኒ፡  ናይ ወላዲት ፍቅርን ለውሃትን ክሳብ ክንደይ ዓሙቊን ትብዓትን ዝመልኦ ከም ዝኾነ ተዘክረኒ፡ ቆልዑ ናይ ሽዑ ዝነበረ ድሌቶምን ሕልሞምን ድማ ብየማን ብጸጋም ዓጒጎም ነዲኦም ክሓቚፉን እቲ ተፈልያቶም ዝነበረትሉ ዝሓለፋ ናይ ህይወቶም ዛንታታት ኪነግሩ ሰእልታት ይኹን ናይ ትምህርቲ ውጽኢታት እዚ ከነርእያ ኣብዚ ክንወስዳ ምስ መሃዙትና ከነፋልጣ ኢሎም ዝተዳለዉሉ ኩሉ ትርጉም ሰኣኑሉ ፡ ምስጢሩ ገሪምዎም ኣቦናን ኣደናንሲ ተጋዲሎም ነጻነት ዘምጽኡ ክነሶም ንምንታይ ተኣሲሮም ? ኣበይ ኣሎ ኣበይ ኣላ ? መኣዛ ዝነኣሰት ካብ ኩሎም እንታይ ኢልካ ከም ትንገር ዓቕልና ጸበበና ኣይክርደኣን እዩ ብማለት ድማ ኣብቲ ናይ ቀዳማ ትፈልጦ ዝነበረት ስርሑ ባጽዕ ከይዱ ስለ ዝተባህለት ኩሉ ጊዜ ባባ እንታይ ኮይኑ ዶንግዩ ኣይመጽእን ድዩ ናፊቀዮ እንድየ እንዳበለት ክትሓትት ጀመረት ናይ ኣስቴር ኩነታት’ውን ንበይና ስለ ዘይፈለጠት ማማ እንታይ ኮይና ዘይትድውል ኣይርድኣን ድዩ ከምዝናፍቃ ክትብል እንከላ ዝስመዓና መሪር ስቓይ ንምግላጹ ዘተሓሳስብን ከቢድን እዩ።

እወ ብዙሕ ሕቶታት ኣሎ ኩላትና ክንሓቶ ንደሊ መልሲ’ውን ንጽበየሉ

መን? ንመን ? ኣበይ ? መዓስ ? ከመይ ? በየን ? ኣበይ ኣላ ? ኣበይ ኣሎ ? እንታይ ኮይኑ - እንታይ ኮይና ?

....ሕቶታት


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...