ሙሁር ንዝብል ቃል እቲ ልክዕ ብእንግሊዝ ትርጉሙ (Intellectual) ኢዩ። ብቋንቋታትና ግን ሙሁር ማለት ዝላዓለ ናይ ምሕሳብን ናይ ምምርማርን ክእለት ዘለዎ ዝብል ትርጉም ወይ ትንታነ ይዋሃቦ እዚ ካብ ኮነ እቲ ትርጉሙ ካብ ሙሁራት ኢና ባሃልቲ በዙሕ ነገር ኢና ንጽበ እንታይ ንዝብል ሕቶ ብመጀመርያ እቲ ዝተማሃርዎ ነገር አብ ተግባር ከውዕልዎ አለዎም ካልአይ ናይ ካልኦት ናብራ ወይ ሕይወት አብ ምምሕያሸ ወይ ምልዋጥን ክሰርሑ ወይ ክጽዕሩ አለዎም ብቀንዱ ድማ ሙሁራት ንናይ ሓንቲ ሃገር ወይ ሕዝቢ ሰላምን ፍትሕን ዲሞክራስን አብ ምንጋስ ዝላዓለ ተራ አለዎም።

ምክንያቱ ሙሁራት ንናይ ሕብረተሰብ ምዕባለ ዝጻወትዎ ተራ ዓቢ ኢዩ ብቀሊል ዘይንቅነቅ ሃገር ንምህናጽ ውን ቀሊል ዘይባሃል ተራ ኢዮም ዝጻወቱ ከምኡ’ውን ንናይ ሓንቲ ሃገር ናይ እቶት ምንጪ ወይ አብ ምምዕባል ናይ ሓንቲ ሃገር ኢኮኖሚ ተጠቀስቲ ኢዮም ብዓቢኡ ድማ ብጀካ እዚ ዝተባሃለ ነገራት ማለት እቶት ናይ ገዛእ ርእሶም ምርካብ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ዘይተማሃረ ናይ ሕብረተሰብ ክፋል ዓቢ ሓገዝን ጥቅምን አለዎም ብተወሳኪ አዝዩ ዝተሓላለከ ነገራት አብ ምፍታሕን ንሰባት ጸገማቶም ብከመይ ክፈትሑ ከምዝክእሉ ምሕጋዝን እቲ ትምህርቲ ዝሃነጾ ብአእምሮኦም አስተውዒሎምን አብ ኩውን ተመርኪሶምን ነገራት ክመምዩን ክፈትሑን ክእለት አለዎም ሙሁራትና ግን አንጻር እዚ ሓቂ ኢየም ዝጎዓዙ ዘለዉ ክንዲ ምስ ሕዝቦም ደው ዝብሉ ብዘሕዝን ኩነት ንናይ ሕብረተሰብ ዕንወት ኢዮም ዝሰርሑ ዘለዉ።

በንጻሩ ሎሚ ሙሁራት ዓለምና ክንዲ ምሰ ሕዝቦም ዝውጉኑ ምሰቶም ዲከታቶራውያን ሰርዓት ኮይኖም አብ ገበን ኢዶም የጨማልቁ አለዉ እዚ ኢዩ ድማ ዘዛርበኒ ዘሎ ሙሁራት ሃገርና’ውን ካብ ሰቦም ብዘይስንፍ ኩንታት ኩሎም እንተዘይበልና መብዛሕትኦም ነዚ ሑሱር ተግባር ኢዮም ዘንጸባርቁልና ዘለዉ አብ ዓለም እቲ ዝከፍኤን ዘሕዝንን ሑሱር ተግባር ብጥቅሚ ተታሊልካ ንሓቂ ምዕፋን ኢዩ እሞ ድማ አብ ልዕሊ ሕዝብካ ናይ ብሓቂ ሕፍረት’ዩ ክብሎም እፈቱ እዚ ዘይምፍላጥ ኢዩ ከይንብል ሙሁራት ኢዮም እዚ ኢዩ ድማ ናይ ሙሁራት ደናቁር ዘብለካ ምክንያቱ እቲ ዓቢ ጸገም ናይዞም ሙሁራትና አብ ዓድና ኩሉ ዓይነት ጸገም ከም ዘሎ ንማንም ቡሩህ ኢዩ ግን እዞም ሰባት አብ ልዕሊ ጸገማትና መሊሶም ጸገም ይፈጥሩልና አለዉ እቲ ሓቂ ሓደ ሰብ ጸገም እንተለዎ ጸገሙ ክትአልየሉ ኢኻ ክትሰርሕ ዘለካ እምበር ነቲ ጸገም ዝፈጥር ዘሎ አካል ንዕኡ ትመስል ተኮንካ የለካን ማለት ኢዩ ስለዚ እዞም ሙሁራትና ንብሎም ዘለና ንህግደፍ ስለዝመሰሉ ኢዩ እቲ ጸገማትና እንዳባአሰ ዝከይድ ዘሎ ምከንያቱ ሓደ ሰብ መገዲ አምላክ ገዲፉ መገዲ ሰይጣን እንተሒዙ ካብቲ መገዲ ሰይጣን ክትአልዮ ኢኻ ዘለካ እምበር ምስኡ አይትጎዓዝን ኢኻ ሙሁራትና ግን አንጻር እዚ ሓቂ ኢዮም ዝሰርሑ ዘለዉ ምክንያቱ ኩሉ ግዜ ንሰናይ ኢኻ ትስዕቦ ንእከይ ድማ ትኩኑኖ።

ልክዕ ኢዩ ዝዓበናሉ ሕብረተሰብ ባህሊ ይኩን ባህሪ ሙሁር ልዕሊ ዘይተማሃረ ክብሪ አለዎ በዚ ድማ አብ ልዕሊ ሙሁራት ክብሪ አለና ምክንያቱ ልዕሌና ስለዝኮኑ ብትምህርቲ ኮይኑ ግን ስብ ብስርሑ ኢካ ተክብሮን ተሕስሮን ስለዚ ሙሁራትና ግን ክብሪ ክንህቦም አይዕድሙናን አለዉ ምክንያቱ ዘክብር ስራሕ ስለዘይሰርሑ ዘለዉ።

አብ ላዕሊ ከምዝተገለጸ ሙሁር ማለት ዝላዓለ ናይ ምሕሳብን ናይ ምምርማርን ክእለት ዘለዎ ዝብል ትርጉም ካብ ተዋሃቦ አበይ ዳአ አለዉ ሙሁራትና? በንጻሩ እዞም ሙሁራት ኢና ባሃልቲ ክንዲ ዓለምና ናብ ናይ ፍቕርን ሰላምን መድረክ ዝቅይርዋ መሊሶም ሓዊ የሳውሩ ኣለው ከምዚ ክብል ከለኩ ገል ገለ ውሑዳት ሕልና ዘለዎም እዛ ግዜያዊት ዓለም ሓላፊት ምኻና ኣሚኖም ብልቢ ብቅንዕና ንናይ ዓለምና ፍቕርን ሰላምን ስኒትን ዝሰርሑ የለውን ማለት ኣይኮነን ግን እቶም ናይ ሙሁራት ደናቁር ኣፎምን እግሮምን ስለዘይሕዙ እዚኦም ኢዮም እቲ ሰበብ ወይ ጠንቂ እዚ ማለት ድማ እዞም ሰባት ድኩማት ፍጥረት ሕልና ዘይብሎም ንብሎም ዘለና እቲ ትምህርቶመ አብ ግብሪ ተዘውዕልዎ ምሓሾም አይኮነን ድማ ኢዶምን እግሮምን ሒዞም ኮፍ ተዝብሉ ኔሮም ኣብ ዓለምና ወላሓንቲ ፍልልይ ኣይመጋጠመን ኔሩ ማለት ኩሉ ነገር  ነቶም ለባማትን ሕልና ዘልዎምን ኣብ ጣውላ ዝኣምኑ ሰባት እንተዝገድፉሎም ብፍቕርን ሰላምን ምነበርና ኔርና ስለዚ እዞም ሰባት ተዝእለዩልና እቶም ለባማትን ሕልና ዘሎውም ናይ ብሓቂ ሙሁራት ልዕሊ ኩሉ ድማ ፈሪሃ ኣምላክ ዘለዎም ሰባት ኣይምተፈላለዩን ምናልባት ውን ገለ ፍልልያት እንተኣጋጠመ’ውን ልቦና ስለዘለዎም እሂን ምሂን ኢሎም ምስፈትሕዎ ጸገማቶም እዚ ውን እንተጋጠመ ኢዩ ምክንያቱ እዞም ሰባት ዝገብሩዎ ዝፈልጡ ኣብ ምርድዳእ ማለት ኮፍ ኢልካ ሽግራትካ አብ ምፍታሕ ስለ ዝኣምኑ ንክፈላለዩ ዘሎ ዕድል ውሑድ ኢዩ ሎሚ ግን ዓለምና በዞም ድሑራት ሕልና ዘይብሎም ኣብ ጣውላ ዘይኮኑ ኣብ ዱላ ዝኣምኑ ናይ ሙሁራት ደናቁር ኢያ ኣዕለቅሊቃ ዘላ እዚ ድማ ናይዞም ሰባት እቲ ዝዓበየ ጸገም።

ስለዚ እንታይ ንምባል ኢየ ከም ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ኣብዚ ግዜና እዛ ዓለምና ኣብ ናይ ጫውጭው መድረክ ኢያ ተቀይራ ዘላ እዚ ድማ እቲ ቀንዲ ካብ ኣምላክ ምርሓቅ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ደናቁር ምብዝሖም ኢዩ እዚ ማለት ድማ ናይ ሙሁራት ደናቁር ክንፈልጦ ዘለና ኩሉ ሙሁር ፈላጥ ወይ ለባም ኢዩ ማለት ኣይኮነን ልክዕ ኩሉ ቃላት ዘገጣጠመ ሊቅ አይኮነን ከምዝባሃል ብዝኮነ ዘይተማሃረ ልዕሊ ሙሁር ፍቕርን ሰላምን ከንግስ ይኸእል ኢዩ ምክንያቱ ሎሚ ሎሚ ንሕና እዞም ናይ ሀ ሁ ምሩቃን ጸገማት አብ ምውጋድ አብ ናይ አተሓሳሰባ ብሰለት ይኩን ናይ ካልኦት ናብራ አብ ምምሕያሸ ወይ ምልዋጥን ንሕና በሊጽናዮም ኢና ክብል እደፍር ምክንያቱ ካባና ዝትፈለየ ነገር ክሰርሑ አይራአናን በንጻሩ ከምዝበልኩዎ ንሕና ንሓይሸ …

አነ ብዛዕባ ናይ ዘመና ሙሁራት ደናቁር ክዛረብ ኮለኩ አብ ሃገርና ዘለው ሰበሰልጣን ሙሁራት ኢዮም ወይ አለውና ኢለ አይኮንኩን አጉል ትምክሕቲ እንተዘይኮይኑ ቡሱል ትምህርቲ ከምዘይብሎም ካብ ማንም ዝስወር አይኮነን ምክንያቱ ከምዝፍለጥ አብ ሃገርና አብ ኩሉ ጽፍሒ ካብቲ ዝላዓለ ሓላፊ እቲ ተራ ሰራሕተኛ ዝላዓለ ትምህርቲ አለዎ ካብቲ ሓላፊኡ ወይ እቲ ተለአአኪ ማለት ቢያንቶኒ ካብቲ አካያዲ ስራሕ ዝላዓለ ትምህርቲ አለዎ ምክንያቱ ነፍሲ ወከፍ አብ ጽፍሒ ሓላፍነት ዘሎ ብጉብእ በቲ ደረጃ ትምህርቱ አሎ ኢልና ተሓሲብና ጸሓይ ብአጻብዕትካ ንምክልካል ምፍታን ክኮነና ኢዩ ስለዚ ብሓቂ ውን ሙሁራት የብልናን ተለዉ ንሸሙ ገለ ብአጻብዕቲ ዝቁጸሩ ሕልናኦም ዝሽጡ ሙሁራት ኢልካ ክትጽውዖም ዘስክፉ ልክዕ ከም በጊዕ አብ ዘእተካዮም ዝአትዉ ኢዮም ዘለውና ምክንያቱ ሓደ ሙሁር ተባሂሉ ንምንታይ ስለምንታይ ዘይብል ተኮይኑ ካብ በጊዕ ዝፍለ አይኮነን አነ ግን ሕጂ ጸቂጠ ክዛረበሎም ደልየ ዘለኩ እዞም አብ ወጻኢ ሃገር ዝቅመጡ ሙሁራት ኢና ባሃልቲ ግን ምስ ጸረ ሕዝቢ ስርዓት ዝደናገጹ ገለ ክብል ሰለዝደለኩ ኢየ። ምክንያቱ እዞም ሰባት አብ ወጻኢ ዘለዉ ምሰቲ ዝነብርዎ ሃገርን ዘሎ ምዕባለን ዘለዎም ናይ ትምህርቲ ደረጃን አመዛዚንካ ልዕሊ ኩልና ክሓስቡን ክመራመሩን ኢካ ትጽበዮም ከምዚ ክብል ኮለኩ ኩሎም አብ ወጻኢ ዘለዉ ሙሁራት ኢዮም ማለተይ አይኮንኩን ብብዝሒ ግን አብ ደሓን ደረጃ አለዉ ክባሃል ይካአል እቶም ቡዙሕ ትምህርቲ ዘይብሎም ውን አብ ሙዕብላት ሃገራት ክሳብ ዝሃለዉ አታሓሳሰባኦም አማዕቢሎም ይኮኑ ኢዮም ዝብል እምነት አለኒ ምክንያቱ ጥቅሚ ዲሞክራሲ ስለዝፈለጡ ንሕዝቦም ውን ከምኡ ክምነይሎም ኢኻ ትጽበ እዚ አይተግበርዎን በንጻሩ ምስ ዲክታቶራዊ ስርዓት የጣቅዑ አለዉ ... አብዚአ ከስምረላ ዝደሊ ግን ብሰለት አታሓሳሰባና አብ ተፈጥሮና ኢዩ ዝሙርኮስ ትምህርቲ ሰለዘለካ ወይ አብ ወጻኢ ስለትቅመጥ በቃ ዘበልካ ኢካ ማለት አይኮነን ክንደይ አላ ዘይትልወጥ...ኮይኑ ግን ደረጃ ትምህርትን አብ ሙዕቡል ሃገር ምንባር ንአተሓሰሰባና አብ ርእሲ ዘለና ናይ ምውሳክን ምምዕባልን ጽልዋ አለዎ ንምባል ኢየ።

እቲ ዘሕዝን እዞም አብ ወጻኢ ዘለዉ ምሰቲ ዝነብርዎ ሃገርን ዘሎ ምዕባለን ዘለዎም ናይ ትምህርቲ ደረጃን ዘይቃዶ ምሰቲ ደረጅኦምን ክብሮምን ዘይከይድ ሰራሕ ኢዮም ዝሰርሑ ዘለዉ ምሰ ጸረ ሕዝቢ ዝኮነ ሰርዓት ወጊኖም ሕዝቢ ካብ መግዛእቲ ንላዕሊ ከፊእዎ መንእሰያትና ሞትን ስደትን ኮይኖም ከም መለዋወጢ አቁሑ አካላቶም እንዳተሽጠ እዚ ኩሉ መከራን ስቃይን ድማ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ክነሱ ነዚ እንዳራአዩ እንዳሰምዑ አብ ልዕሊ ሕዝቦም በደል ይፍጽሙ አለዉ አነ ንምንታይ ሕልና ዘይገበሩ ካብ ብሃውሪ ምጥቃዕ አብ ኩውን ዘይዛረቡ ወይ ዘይሙጉቱ ኢየ ዝብል ዘለኩ ልክዕ ኢዩ አብ ዝኮነት ሃገር ናይ መንግስቲ ደጋፊ አሎ ተቃዋሚ አሎ እዚ ድማ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ ንሓደ ስብ ድማ ናዓይ ምሰል ምሳይ ኩን ከትብሎ አይትክእልን ኢካ ግን ብምርድዳእን ኢሂን ምሂን ኢልካ ዘይፍታሕ ነገር የለን ልቦና ጥራይ ኢዩ ዝሓትት ምክንያቱ መባእስትካ ለባም ይግበረልካ ከምዝባሃል እዚውን ወሳኒ ኢዩ ብዝኮነ ኩሉ ነናቱ አተሓሳስባ አለዎ ሰለዚ እዚ ኢዩ ድማ እቲ ዓቢ ጸገም ኮይኑ ዘሎ አብ መንጎ ደገፍቲ ህግደፍን ደለይቲ ለውጥን እዚ ድማ ናይ ሓሳብ ዘይኮነ ናይ አተሓሳሰባ ፍልልይ ኢዩ ዘለና ምክንያቱ አብ ላዕሊ ከምዝገለጽኩዎ ልቦና ዘይብሉ ብዛዕባ ሕዝቡ ዘይሓስብ ከም ሰብ ሙሉእ ኢዩ ክትብሎ እሞ ካአ ትምህርቲ ዘለዎ ስብ እንታይ ይባሃል ኮይኑ መባእስትካ ዓሻ እንተኮይኑ ዝብሎን ዝገብሮን ዘይፈልጥ ስብ እንታጋጢሙካ እንታይ ትገብሮ ? ምህሮ በይኑ አየኪደካን ኢዩ ብልቦና ወይ ብሕልና ምጉዓዝ ተዘየለ… ካብ ምህሮ ኣእምሮ ዝብል ምስላ ብዘይ ምክንያት አይተመሰለን …                        እቶም ብሃውሪ ብዘይፍላጥ ድዩ ወላ ብስምዒት ዝጎዓዙ ንግደፎም እሞ እዚኦም አይታሓዘሎምን ኢዩ ብዛዕባ ሙሁራት እንዲና ንዛረብ ዘለና እዚኦም ውን ካብዞም ዘይፈልጡ ብሃውሪ ዝጎዓዙ አይሕሹን ኢዮም እዚ ኢዩ ድማ ዘዛርበና ዘሎ ቁርብሲ እቲ ትምህርቶም አይሕግዘሙን ድዩ ነገራት ንከየገናዝቡ እንታይ ኢዩ ሸፊንዎም ኢና ንብል ዘለና ምከንያቱ ኩሎም ሓደ ዓይነት ኮይኖምና … እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ኢዮም ተማሂሮም እቶም ሙሁራት ዝባሃሉ አይርዳአካን’ዩ …

ናይዞም ሰባት ዝገርመካ ነገር ህግደፍ ዝበላ ኩላ ብዑምት ብዘይ ሓደ ጭብጢ ማለት ምርግጋጽ ይኩን ሕቶ ርእይቶ ብዘይብላ ብዘይ ምምያይ ሓሰሩ ገፈጡ ኩሉ ይቅበልዎ ከምዘላታ ድማ ናብ ካልእ ስብ የሕልፍዋ ፓፓጋሎ ይቅየሩ ማለት ኢዩ ነቲ አብ TV-ERI ዝርእየዎ ዝሰምዕዎ ተመርኪሶም ይካቱዕካ እሞ ድማ እቲ ካብ ኩሉ ዘብክየካ ነቲ ትፈልጦ ነገር ብአካል ዝነበርካዮ ከይተረፈ ዐይንካ የንቁርካ ዜሮ ሞራል ድካ አፍልጦ ሃገሮምን ሕዝቦምን ኮለዎም ክንሶም ነቲ ብአካል ትፈልጦን ዘጋጠመካን ይኩን ኩነታት ሃገርን ካልእን ልዕሌካ ከም ዝፈልጥዎ ኮይኖም ይቀርቡካ አቲ ንስካ ትብሎ ኩሉ ሓሶት ኢዩ አብ ቅድምኦም ንአብነት ብዝኮነ አጋጣሚ ተራኪብካ ምሰትካታዕ ወይ አብ ዝኮነ ዌብ ሳይታት ምሰትጸሓሓፍ ሕዝቢ ከፊእዎ ህግደፍ ዓዲ ቀቲሎማ መንእሰያትና ሞትን ስደትን ኮይኖም … ገለ ኢልካ ምስ ትገልጸሎም ዝተማሃረን ዘይተማሃረን ሓንቲ ኢያ መልሶም እታ መጀመርያ ዝብልዋ ነገር “ናይ ወያነ ልኡክ ዓጋመ ኢኻ “ ወይ ብባዕዳውያነ ብዶላር ዝተገዛእካ ኢካ ይብሉካ ሕሰብዎ እሞ ካብ ሓደ ሙሁር ማሰተርስ ይኩን  ወይ ባችለር ዲግሪ ዘለዎ ስብ ከምዚ ዓይነት ሕሱርን ዕሸላዊ መልሰን ክትረክብ ናይ ብሓቂ ዘሕዝንን ተጠሊዕካ ኡይ ዘብልን ኢዩ አነ ብዛዕባ ሕዝበይ ኢየ ዝዛረብ ዘለኩ እንታይ ርክብ አለዎ ምሰ ወያነ ኮይኑ ግን አብ ሓቂ እንተመጺና ከም ሙሁራት መጠን ሕዝቢ ከፊእዎ ክትብሎም ኮለካ ብዛዕባካ አይኮንካን ትዛሮቦም ዘለካ ብዛዕባ ሕዝቢ ኢኻ ስለዚ ቁሩብ ከም ሙሁራት መጠን ናይ ምግንዛብን ወይ ነገራት አሰፊሕካ ናይ ምርአይ ተክእሎ ክህልዎም ምተገብኤ እሞ እቲ ትብሎ ሰሚዖም ኢሂን ሚሂን ተበሃሂሎም ሓቅነቱ ምርግጋጽ ምቀለሎም ካብ ሙሁራት ክነሶም ከም ፈረሰ ብሓንቲ መገዲ ዝከዱ የማኖምን ጸጋሞምን እንዳራአዩ እቲ አብ ሓንጎሎም ዘሎ ፍልጠት እንተዝጥቀሙሉ ምሓሾም። ምከንያቱ ሓደ ስብ ክኮርዕ ዘለዎ ክብሪ ዘለዎ ሰራሕ ምሰዝስረሕ ጥራየ’ዩ እዞም ናይ ሎሚ ሙሁራትና ግን ፍልጠቶም ሒዞሞ ኢዮም ዝሞቱ ክንዲ እቲ ፍልጠቶም ንካልእ ምምሃር ወይ ምሰግጋር ወይ በቲ ዝተማሃረዎ ሃገሮምን ሕዝቦምን ክንዲ ምርዳእ ወይ ምሕጋዝ ኩርዓቶምን ክብረቶምን ኢዩ ዝዓዞም ወይ ዝበልጾም ስለዝኮኑ ድማ አብ ሕዝቦም ዘለዎም ክብርን ምድንጋጽን ትሕቲ ዜሮ ኢዩ በንጻሩ ግን አብ ልዕሊ እዚ ሃገር ዝሕምስ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ዘለዎም ክብርን ምድንጋጽን ብልቢ ድዩ ብጥቅሚ ብዘየገድስ ልዕሊ 90% ኢዩ ስለዚ እዞም ድኩማት ፍጥረት ሙሁራት ኢልና ክንጽውዖም ንክእል ? ብፍጹም ምክንያቱ እዞም ሰባት በቲ ዝተማሃርዎን ዝፈልጥዎን ነገር አይኮኑን ዝሰርሑ ዘለዉ ምክንያቱ ሕልናኦም ዝሸጡ ሰባት ኢዮም።

(አሪስቶትል)  እንታይ ኢሉ ነሩ “ በቲ ንፈልጦ ነገር እንድሕር ዘይሰሪሕና ወላሓንቲ ነገር አይንፈልጥን ኢና ማለት ኢዩ።”

ናይ ዘመና ሙሁራት ብፍላይ እዞም አብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን  ልዕሊ ኩልና ክሓስቡን ክመራመሩን እትጽበዮም በንጻሩ ግን ቡዙሕ ስለዘይሰርሑ አይጋገዩን ኢዮም ክባሃል ይካአል ነዛ ጌጋ ከምሓዊ ኢዮም ዝፈርሕዋ ብጌጋ ዝአክል ማለት ጌጋ ከይፍጽሙ ስለዝፈርሑ እቲ ዘሕዝነካ ድማ እታ ከም ዓባይ ጌጋ ዝርእይዋ ንህግደፍ ምቅዋም ኢያ፡፡ ካብ ናይ ደቂ ሰባት ሕማም ኩሉ እቲ ብብዝሒ ዝርከብ ሕማም ፍርሒ ኢዩ ከም ሓደ ናይ ስነ-ልቦና ሓኪም ዝበሎ ‘ከም ፍርሒ ዝበለ ንናይ ደቂ ሰባት ሰብእና ጸላኢ የለን’ እዚ ድማ አዞም ናይ ሳይንስ ሰባት ክገልጹልና ዝደለዩ ናይ ጥዕና ዘይብሉ ፍርሒ እምበር ብዛዕባ ጥዕና ዘለዎ ፍርሒ አይኮኑን ምክንያቱ ጥዕና ዘለዎ ፍርሒ አገዳስን ጉብእን ኢዩ ጥዕና ዘለዎ ፍርሒ ንዓና ወይ ንገዛእ ነብስና ንምክልካል ዝተዳለወ ስርዓት ኢዩ፡፡ ጥዕና ዘለዎ ፍርሒ ዘይብሉ ሰብ ብልክዕ ዝተወደበ ስብእና አይህልዎን ኢዩ፡፡ ጥዕና ዘለወ ፍርሒ ካብ ሓደገኛን ናይ ደናቁር ወይ ናይ ዓያሹን ሰራሕ ንከይንሰርሕ ይሕለወና ኢዩ፡፡ ብዓቢኡ ድማ ጥዕና ዘለዎ ፍርሒ ዘይብሉ ሰብ ካብ አምላኩ ዝራሓቀ ሰብ ጥራይ ኢዩ፡፡

ስለዚ ኢዮም ድማ እዞም ሙሁራትና ጥዕና ዘይብሉ ፍርሒ ስለዘለዎም ኢዮም ሓደገኛን ናይ ደናቁር ወይ ናይ ዓያሹን ሰራሕ ዝሰርሑ ዘለዉ፡፡ እቲ ሓቂ ግን ሙሁር ናይ ጸገማት መፍትሕ አብ ኢዱ ክሳብ ዝሃለወ ብፍጹም ናይ ፍርሓት መንፈስ ክህልዎ አይግቦኦን ኢዩ፡፡ በንጻሩ ሙሁር ንዝፈርሔ ከተባብዕን ሞራል ከስንቅን አለዎ እምበር ንባዕሉ ፈሪሑ ሰባት ከርዕድን ተስፋ ከምዝቆርጹን ክገብር አይግባኦን ኢዩ፡፡

ትምህርቲ ማለት ካብ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ፍልጠት ቀጺሉ ካብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርስቲ ጥራይ ዝርከብ አይኮነን እንታይ ዳአ ቃል ብቃል ትምህርቲ ማለት ብዝበለጸ እንዳወሰከ ዝከደሉ ካብ መዓልታዊ ሕይወትናን አብ ከባቢና ብዘለዉ ነገራትን ብንሰርሖ ስረሓትን ኢዩ ፍልጠትና እንዳወሰከ ዝከይድ ምክንያቱ ሓደ ሓቂ አሎ ናይ ሕይወት ተመክሮ ንባዕሉ እቲ ዝዓበየ ትምህርቲ ንረክበሉ አብ ሕይወትና ኢዩ ኮይኑ ግን ከምዞም የሕዋትና ፍልጠትናን ተመክሮናን ሒዝናዮ ንድቅስ ተኮይና አብ ተግባር ዘይንሰርሓሉ ነገራት ብኩሉ ኩርናዓት ርኢና ሓቂ ካብ ሓሶት ዘይንመምየሉ ብካልእ አባሃህላ እንታይ ክንገብር አለና እንታይ’ከ ክንገብር የብልናን ዘይንፈልጥ እንተኮይና ውሕሉል ስራሕ ንክንሰርሕ ይኩን ንነገራት ውሳነ ንክንህበሎም ብጣዕሚ ከቢድ ኢዩ ምክንያቱ አብ ልዕሊ እቲ ትምህርትና ልቦና ዝተሓዎሶ ፍልጠት ማለት አብ ሰናይ ግብሪ ዝተሞርኮሰ ፍልጠትን ብሕልና ዝጎዓዝ አእምሮን ክህልወና አለዎ እንተዘይኮይኑ ደረቕ ፍልጠት ሒዝና ንጎዓዝ ተኮይና እሞ ድማ አብ ተግባር ተዘይሰርሕናሉ ምምሃርና’ዉን ትርጉም አይክህልዎን ኢዩ ። ቀደምሲ “ዘይተማሃረ ነየድሕን ዘይተወቀረ ነየጥሕን” ይባሃል ነይሩ ሎሚ ግን አይግድን … ስለዚ ትምህርቲ ወይ ፍልጠት መሰረት ናይ ሕይወትና መፍትሕ ድማ ንዓወትና እምበር ናይ መጠረሽታ ሸቶና አይኮነን ምክንያቱ ዕላማ ሒዝካ ምስትሰርሕን ምስትጎዓዝን ኢካ ናብ ሸቶ ዝብጻሕ ምክንያቱ ሎሚ ደረት ዘይብሉ ዕላማ ሒዝካ ምጎዓዝን ክሰርሕ ምባልን ኢዩ እቲ ናይ ደቂ ሰባት ናይ ዓወት ጎደና ኮይኑ ግን አብዚ ግዜ እዚ ንርእዮ ዘለና ሓደ እንድሕር ተመሪቁ በቃ ዘበለ ኮይኑ ይስመዖ በቲ ዝተመረቀሉ አብ ተግባር ክሰርሓሉ ድዩ የጠራጥረካ ብትዕቢት ይውጠር መን ከማይ ይመጽእ ብትዕቢት ዝተወጠረ ሰብ ድማ ተወጢሩ ኢዩ ዝተርፍ እምበር ዝፍይዶ ነገር የብሉን። ከመዚ ዓይነት ሰብ ኢዩ ድማ ነብሱ ዝዓጦን አብ ሕዝቡን ሃገሩን ግዲ ዘይቡሉን ስለዝኮነ ኢዩ ድማ እዞም የሕዋትና በቲ ዝተማሃርዎን ሓላፍነትን ዝወሰድሉ ፍልጠቶም ከይሰርሑ በንጻሩ ምስ ዲክታቶራውያን ስርዓታት ኢዶም ዘጨማልቁ ዘለዉ ሕዝቢ ኩቡር ኢዩ ኩሉ ግዜ ደቂ ሰባት ንመሃር ሕይወትና ክንቀይር መነባብሮና ከነማሓይሽ ጸቡቅ እቶት ክንረክብ እንተኮነ ዜርና ዜርና ግን እቲ ትምህርትና ንሃገርን ሕዝብን ከነገልግል ኢና ንጥቀመሉ እምበር ውልቃዊ ድሌታትና ከነርዊ አይኮነን እሞ’ከ ዳአ ሎሚ አበይ አለዉ እዞም ሙሁራትና ሕዝቢ እንዳተሳቀየ ካብ መግዛእቲ ንላዕሊ ከፊእዎ ናብራ ሓሲምዎ ደቁ አደዳ ሞትን ስደትን ኮይኑሉ አብ ዘሎ ግዜ አበይ አለዉ ? ዓይኒ ከለወዎ ዘይርእዩ እዝኒ ከለዎም ዘይሰምዑ አእምሮ’ውን አለዎም እዃ ዳአ ፍልጠት ዝመለኤ ክትጥቀሙሉ ግን አይካአሉን….

እቲ ቀንዲ ጸገም ናይዞም ሰባት ከምዝመስለኒ ባዕሎም ብዝፈጠርዎ ጸገም ኢዮም ንሕዝቦም ገዲፎም ምስ ጸረ ሕዝቢ ስርዓት ዝጨማለቁ ዘለዉ ምክንያቱ ውሽጣዊ ሐይልና ብአእምሮና ንከይሓልፍ ዝኮነ ነገር ሽግር ክፈጥረሉ ይክእል ኢዩ ሰባት ብቡዙሕ መንገድታት ናይ አእምሮኦም ብቅዓት ይጋርድዎ ወይ ይደፍንዎ ኢዮም ንአብነት ነብስካ ብምጽላእ ፡ ብፍርሒ ፡ ብጭንቀት ፡ ብነብሰ ፍትወት ፡ ነብሰ ምትእምማን ብምጥፋእ ፡ ብጥቅሚ ብምትላል ፡ ብዝሙት ካልእን ባዕልና ውሽጣዊ ሓይልና ነጥፍእ ኢና ደቂ ሳባት አምላክ ብዝዓደለና ኣእምሮ ናይ ምሕሳብ ናይ ምስልሳልን ውሽጣዊ ሓይሊ አለና፡፡ ናይ ኩላትና ሕይወት ዝውሰነሉ ብደጋዊ ኩነታትና ዘይኮነ አብ ውሽጢ ኣእምሮና ብዝፍጠር አመለካክታ ኢዩ፡፡ ናይ ገዛእ ርእስና ዓለም ንፈጥር ኩሉ ግዜ በቲ ናይ ገዛእ ርእስና አመለካክታ ኢዩ፡፡ ምክንያቱ “ወዲ ሰብ ንአተሓሳስብኡ ኢዩ ዝመስል” ክባሃል ይካአል ወዲ ሰብ ብንቁሕን ንቁሕ ብዘይኮነ ኣእምርኡ ዝሓሰቦ ኢዩ ዝከውን፡፡

ቻርልስ ዲከንስ እንታይ ኢሉ ኔሩ “ አብ ጉዕዞ ሕይወትና አምኪክና ዝሰራሕናዮ ሰንሰለት ተሸኪምናዮ ኢና ንነብር “ ይብለና…

ስለዚ እዞም ናይ ዘመና ሙሁራት ብፍላይ እዞም ንዛረበሎም ዘለና ኤርትራዊያን ሙሁራት ናይ አእምሮኦም ብቅዓት ሙሉእ ብሙሉእ ተጋሪዱ ወይ ተሸፊኑ ኢዩ ክብል እደፍር ከም ዝብለክዎ ብቡዙሕ መንገድታት እንድዩ ሰብ አብ ልዕሊ አእምሮኡ ባዕሉ ሽግር ዝፈጥር እዞም ሰባት ልዕሊ ኩሉ ፍርሒ አለዎም ፍርሒ አብ ልዕሌና ዝዕወተሉ ቀንዲ ምክንያት እቲ ናይ ሕይወትና ገመድ ዝኮነ ብነብሰ ምትእምማን ስለ ዘይንአምን ኢና፡፡ ብተወሳኪ ድማ እዞም ሰባት ምስቶም ብጥቅሚ ተታሊሎም አእምሮኦም ዝጋርዱ ዓይነት ሰባት ክንምድቦም ንኽእል …. በዚ ድማ ንአእምሮኦም ብዘልመድዎ ናይ ጥቅምን ናይ ጭካኔ ባህርን እቲ ቀንዲ ጠንቅን ማሕልኮ ኮይኑ ናይ ልቦም ድሌትን ናይ ሕዝቦም ባህግን ፍቅርን ሰላምን ፍትሕን አብ ምንጋስ ተራኦም ንከይጻወቱን ኩውን ንከይገብሩ ዝክልክሎም ዘሎ።

ሙሁራትና ክፈልጥዎ ናይ ግድን ክርድእዎን ዘለዎም ነገር ተወሓደ እንታይ የጋጥም አሎ አብ ከባቢና ከምኡ ውን ብከመይ ሰላም ሕይወት ነስፍን ክብሉ አለዎም።

ዝበለጸ ዓይነት ደረጃ ትምህርቲ ክህልወካ ይክእል ይኸውን ኮይኑ ግን አብ ሕይወት አተኩሮ ጌርካ እንተዘይተጎዕዝካ አብ ግብሪ ከተውዕሎ አይትክእለን ኢካ ምክንያቱ ትምህርቲ እቲ ሓደን ወሳንን መፍትሕ አይኮነን እንታይ ዳአ ነቲ ብዘይ ትምህርቲ ክግበር ወይ ክስራሕ ዘይክእል ነገር ንክንዓሞ ኢዩ ዝሕግዘና ።

ስለዚ ናይዚ መፍትሒ ማለት ነዚ አከይድኦም ንምቅያር ወይ ነዚ ህልው ኩነታቶም ንምጥፋእ ድማ ብካልእ ፍልይ ዝበለ ድልዱልን መሰረታዊ ሓሳብ ክትካእ ግድን ኢዩ፡፡ እዚ ናይ ፍርሓት ሓሳብ ብቀንዱ ክትዕወትሉ እንተኮንኩም እቲ ሓደን ወሳንን ነገር ቁኑዕ አተሓሳስባ ክህልወኩም ምግባር ኢዩ ምትእምማን ካብ ፍርሓት ይበልጽ፡፡ ካልአይ ድማ ፍቕሪ ይሃልወና ፍጹም ፍቕሪ ፍጹም እምነት ኢዩ በዚ ድማ ፍጹም ፍቕሪ ፍርሓት ከጥፈእ ይኽአል፡፡  ስለዚ ካብ ንውልቀሰባት ፍቕሪ ምልጋስ በጃኩም መጀመርያ አብ ሃገርኩምን ሕዝብኩምን ፍቕሪ ይሃልወኩም አብ ልዕሊ ህግደፍ ዘለኩም ፍርሒ አወግዱ ከምኡ ድማ ነብሰ ምትእምማን አማዕብሉ ርግጸኛ ኢየ ንሕዝብኩምን ንሃገርኩምን ድማ ቁኑዕ አተሓሳስባ ክህልወኩም ኢዩ፡፡

ስለዚ ነብሰ ምትእምማን ብከመይ ከነማዕብሎ ይካአል ? እንተኢልና ቁኑዕ አተሓሳስባ ብምጭባጥ ኢዩ ነብሰ ምትእምማን ዝምዕብል ቁኑዕ አተሓሳስባ ምስ ዝደጋገም ድማ ልምዲ ይኸውን፡፡ ስለዚ አብዚ ግዜ ኢዩ ድማ ሓድሽን ቁኑዕን ሓሳብ ስለዝጨበጥና ብነብስናን ብሃገርናን ብመጻኢ ናይ ወዲ ሰብ ተስፋ ምእማን ንማሃር፡፡

ምክንያቱ ሐደ ሙሁር ተባሂሉ ብመጀመርያ ርእሰ ታአማምነት ተዘይብሉ ዝፈርሕን ብጥቅምን ዝታለልን ተኮይኑ ሙሁር ኢልና ክንጽውዖ አጸጋሚ ኢዩ ዝግባኦ’ውን አይኮነን ምክንያቱ ሙሁር ሃብታም ኢዩ ዘይበርሰ ሃብቲ ኢዩ ዘለዎ ብጥቅሚ ክታለል የብሉን ሳላ ትምህርቱ ወይ ሓንጎሉ አብ ዝከደ ከይዱ ክጸምእ ወይ ክጠሚ አይክእልን ኢዩ ምክንያቱ ሓደ ሙሁር ብጥቅሚ ክታለል ይኽእል ኢዩ ኢልካ ክትሓስበ ከቢድ ኢዩ ከጋጥም’ውን ቡዙሕ ስለዘይርኤ … እሞ እንታይ ዳአ ኢዩ እቲ ጸገም እዞም ሙሁራትና ብጥቅሚ ዝታለሉ ዘለዉ ምክንያቱ እዞም ሰባት አብ ልዕሊ እቲ ዘይበርስ ሃብቶም ተወሳኪ አብ ዝሓሸ ናይ መነባብሮ ደረጃ ኢዮም ዘለዉ እንታይ ኢዮም ስኢኖም ምስዚ ሰርዓት ህግደፍ ዝጨማለቁ ዘለዉ መልሲ ዘይተረኮቦ ሕቶ ኢዩ።

እቲ ዘሕዝነካ ንሕና ንፈልጦ እዞም ዲክታቶራውያን ስርዓታት መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዘይተማህረ አካል ናይ ሕብረተሰብ ኢዮም ከም መሳርሒ ናይ ፓለቲካኦም ዝጥቀሙሎም ምክንያቱ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይተማህረ ከም ፈረስ ትክ ኢልካ ብሓንቲ መገዲ ካብ ሙጉዓዝን ማለት ዝተአዘዞ ካብ ምትግባርን ሓሊፉ ንምንታ ስለምንታይ ብከመይ ዝብሉ ሕቶታት ስለዘየልዕል ኩሉ ግዜ ወላሓንቲ ዘይምፍላጥ ንጨካናትን ዲክታቶራውያንን እቲ ዓቢ ናይ ፓለቲካ መሳርያኦም ኢዩ።

እዞም ናይ ዘመና ሙሁራት ክነሶም ብከመይ ኢዩ እዚ ስርዓት ንናይ ፓለቲካኡ ረብሓ ዝጥቀመሎም ዘሎ ሕርብት ይብለካ አበይ አሎ እቲ ትምህርቶም ካብቶም ትምህርቲ ዘይብሎም ወላሓንቲ ፍልልይ የብሎምን እቲ ዘሕዝነካ ገለ ነገር ክገብሩ አይካአሉን፡፡

ኩሉ ግዜ እቲ ሓንጎልና ኢዩ አመዛዚኑ ነገራት ዝፈትሕን ዝውስንን በንጻሩ ሓንጎልና ፍልጠትናን ብጉብእ እንተዘይጠቂምናሉ ትርጉም የብልናን ከም ሰብ ሙሉእ ሰብ ክንጽዋዕ ሓጥያት ኢዩ ምክንያቱ ካብ እንስሳ ንፍለየሉ እቲ ቀንዲ ነገር ብአተሓሳስባና ኢዩ …ምክንያቱ እንስሳታት ንባዕሎም ከጥቅዖም ንዝመጽእ ኩሉ ብከመይ ክከላከልዎ ከመዘለዎም አጸቢቀም ይፈልጡ ኢዮም።

አብዚአ ሓንቲ ነገር ክብላ ዝደሊ ትምህርቲ ማለት ዲግሪ ምሰቃል ወይ ደረጃ ፍልጠትካ ሓፍ ምባል ጥራይ አይኮነን ተማሂርና መጀመርያ ንነብስና ለዊጥና ንናይ ሃገርና ለውጢ ክንሰርሕ አለና

ኔልሰን ማንዴላ  ነብሱ ይምሓሮ እንታይ ኢሉ ኔሩ “ ንዓለምና ንምልዋጥ ንጥቀመሉ እቲ ቀንዲ መሳርያ እቲ ንሽምቶ ፍልጠት ኢዩ “ ይብለና ሙሀራትና ግን አይኮነን ንዓለምና ክልውጡ ነዛ አብ ሽግርን መከራን ዘላ ኤርትራ ሃገርና ካብቲ ጨዃንን ዲክታቶራዊ ስርዓት ህግደፍ ከናግፍዋ አይካአሉን በንጻሩ አብ ልዕሊ ሕዝቦም በደል ይፍጽሙ አለዉ እቲ ዘሕዝን እቲ ዝሸመትዎ ፍልጠት አብ ሑሱርን ዘይሓላፍነታውን ተግባራት ምውዓሎም ኢዩ ።

ምከንያቱ ንናይ ዓለምና ናጽነት ዝቃለስ ጉጅለ ተወሓደ ንሓንቲ አሀጉር ክጠቅም ይክእል ። ንአህጉር ዝቃለስ ጉጅለ ተወሓደ ንሓንቲ ሃገር ይበቅዕ ። ምናልባት ንሃገሩ ዝቃለስ ተወሓደ ተወሓደ ንዝተወሰነ ናይ ሕብረተሰብ ክፋል ክጠቅም ይኽእል።

ከም አብነት ተርኢና ቡዙሓት ሙሁራት ናይ ዓለምና ካብ ሃገሮም ሓሊፎም ንናይ ካልኦት ሃገራት ነጻነት ዝከራከሩን ዝቃለሱን አለዉን ንርእን ድማ አለና እሞ’ከ ዳ እዞም ናትና መሁራት ቁርብ ቁድስ ቅንኢ አይሓድሮምን ድዩ ንዓለምናስ ይትረፍ ንናይ ሃገሮም ፍትሕን ሰላምን ነጻነትን ዘይከራከሩን ዘይቃለሱን አበይ ኢዩ ከይዱ እቲ ሕልናኦም?

ናይ ገዛእ ርእስካ ሓቀኛ መንነት ብምክሐድ ዝፍጠር ካልእ ሓድሽ ሓቀኛ መንነት የለን ቡዙሓት ሰባት ዘይንሶም ክመስሉ ቡዙሕ ኢዮም ዝጽዕሩ እዚ ግን ዘይከውን ከንቱ ኢዩ …. አነ ካብ አነ ምዃን ሓሊፈ ብፍጹም ካልእ ክከውን ወይ ክመስል አይክእልን ኢየ ወይ መንነተይ ክቅይር አይክእልን ኢየ እንተፈቲነ’ውን ውድቀተይ ኢየ ዝዕድም ዘለኩ ።

ስለዚ እዚ ነገር እዚ ከመይ ኢሉ ክሕባኦም ይኸእል’ዩ ኢልካ ክሕሰብ ይካአል ነዞም ሙሁራት ዝባሃሉ አብ ዲያስፖራ ዘለዉ ምክንያቱ ሓደ ሙሁር ዝባሃል ሙሉአ ሰብ ከም ሰብ ዝሓስብ አብ ልዕሊ ሕዝቡ ከምዚ ዓይነት በደል አይምፈጸመን ሓደ ስብ ከም ሰብ እንድሕር ዘይሓስብ ኮይኑ እዚ እቲ ናይ መጀመርያ ናይ ሕማም ምልክት ኢዩ ልክዕ ኢዩ ኩልና ንቅበሎ ሓደ ሓቂ አሎ እሱ ድማ ወዲ ሰብ ድኩም ፍጥረት ኢዩ ከምዚ ክሳብ ዝኮነ ድማ ድሌት ወዲ ሰብ መወዳእታ ስለዘይብሉ ብጥቅሚ ክታለል ይክእል ኢዩ ክባሃል ይካአል ይኸውን ኮይኑ ግን ቡዙሕ ዓይነት ጥቅሚ አሎ እዚ እዞም ሰባት ዝረክብዎ ዘለዉ ዓይነት ጥቅሚ ግን ሕዝቦም ጠሊሞም ምስቲ ሃገርን ሕዝብን ዝሕምስ ዘሎ ጨዃኒ ሰርዓት ህግደፍ አጣቂዖም ኢዮም ዝረክብዎ ዘለዉ ሽሕ ግዜ ወዲ ሰብ ድኩም ፍጥረት ብጥቅሚ ዝታለል ይኩን እምበር ሕልና ዝባሃል ነገር አሎ ሕልናና ኢዩ ድማ አብ ሕይወትና ነቲ ናይቲ ድኩም ጎንና ሞተረ ኮይኑ ዝሕግዘና ወይ ዘጎዕዘና ምክንያቱ ጌጋ እንድሕር ንፍጽም አለና ሕልናና ኢዩ ቀይሕ መብራህቲ ዝውልዓልና ብሕልናኡ ዝከደ ድማ በቲ ቀይሕ መብራህቲ መሰረት ካብ ተግባራቱ ይቁጠብ እቲ ነዚ ቀይሕ መብራህቲ ረጊጹ ዝከደ እሞ ድማ ከምዚ ንዛረበሉ ዘለና ንሕዝብካ ምብዳል ንግዜኡ ይመስሎ ይከውን ንሓዋሩ ግን ቅሱን ሕይወት የብሉን ሕልናኡ ክወቅሶ ኢዩ ዝነበር ምክንያቱ ሕልናካ ዘይቅበሎ ነገር ምግባር ይጎድአካ እምበር ብፍጹም አይጠቅመካን ኢዩ ። ምናልባት ምስ ግዜ አብ ጌጋ ከምዘለዉ ምስ ፈለጡ ክጣዓሱ ይክእሉ ይኮኑ ምክንያቱ “ ሕልናና ምግጋዩ ዝአምን ጣዕሳ ምስ ዘጋጥሞ ጥራይ ኢዩ “ ስለዝባሃል ስለዚ አብ ጣዕሳ ከይበጻሕና ብእዋኑ ንሕሰብ ሕልና ንግበር ኢዩ መልእክተይ … ፡፡

ሓደ ሙሁር ሕልና ዘለዎ ሰብ ብዛዕባ ውልቁ ወይ ስድራቤቱ ጥራይ አይኮነን ከገድሶ ዘለዎ፡፡ ግደፍ ብዜጋኡ ብማንም ፍጡር ወዲ ሰብ ክግደስን ክጭንቅን አለዎ፡፡

ሓደ ሰብ ሙሉእ ሰብ ክባሃል እንተኮይኑ ሰብአውነት ዝስመዖ ክኸውን አለዎ፡፡ ብክልተ እግሩ ስለዝከደ ጥራይ ሰብ ኢልና ክንጸውዖ አጸጋሚ ኢዩ፡፡ ምክንያቱ ሎሚ ንርእዮ ዘለና እዚ ሓቂ ኢዩ፡፡ አብ ስደራቤተይ አይበጸሔን አይተተንከፍኩን ዝወረደ ይውረድ እንታይ የእተወኒ አነ ብሰላም አብ ወጻኢ ምስ ሙሉእ ስድራቤተይ ብሰላም እነብር አለኩ ዝብሉ ሕልና አልቦ ሰባት ስለዝበዝሑ ኢዩ፡፡ ግን ዜጋካ ማለት ሓውካ ማለት’ዶ አይኮነን ወይ ደቂ ሓንቲ ሃገር ማለት ከም ሓደ ቤተሰብ ማለት’ዶ አይኮነን ብከመይ ስቃዩ መከርኡ ዘይስመዓካ? አፍንጫ ተሃሪማ ዓይኒ ትነብዕ እኮ ዝባሃል ስለዚ ናይ ሓደ መጥቃዕቲ ነቲ ካልእ መውጋእቲ ተዘይኮይኑ አበይ አሎ እቲ ሃገራውነትና ? ስለዚ እዞም ሰባት ይመስሎም ይከውን እምበር እዚ አብ ልዕሊ ሕዝብካ ይቅረ ዘይበሃለሉ በደልን ንዕቀትን ኢዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ፡፡

አብ ላዕሊ ከምዝገለጽኩዎ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ደቂ ሰባት መሰረታዊ ሽግራት ንብሎም መጀመርያ ናይ ፍርሒ ስምዒት ክከውን ኮሎ ካልአይ ድማ አብ ልዕሊ ሰባት ዝፈጸምካዮም ናይ በደል ስምዒት ኢዮም፡፡ እዚ ማለት ድማ ጌጋካ አሚንካ ሰባት ከምዝበደልካዮም ምስ አመንካ ወይ ምስተጣዓስካ ክባሃል ይካአል ዝስመዓካ ስምዒት ማለት ኢዩ ናይ በደል ስምዒት አብ ስብእናና ውሽጢ ሓደ ጎዳኢ ውጽኢት ኢዩ ዘስዕበልና፡፡ እዚ ጎዳኢ ውጽኢት ከቢድ ቁስሊ ኢልና ክንጽውዖ ንኽእል፡፡ ምክንያቱ ናይ በደል ስምዒት አብ ስምዒትናን መንፈስናን ብዑምቀት ናይ ምእታው ብቅዓት አለዎ፡፡ እዚ ድማ እቲ ቀንዲ ምክንያት ናይ በደል ስምዒት ረሳሕ ቁስሊ ስለዝኮነ ኢዩ፡፡ ንአብነት ሓዘን ጽሩይ ቁስሊ ኢዩ፡፡ እቲ ቃንዝኡ ከቢድን መሪርን እንተኮነ ቁስሉ ጽሩይ ስለዝኮነ አብ ናይ ተፈጥሮ ወይ ሕይወት መስርሕ ክድሕን ይኸእል ኢዩ፡፡ ዘይካአልን ዘይሓልፍን ሓዘንን መከራን የለን፡፡ ናይ በደል ስምዒት ግን ካልእ ነገር ኢዩ አብ ልዕሊ ሰባት ኢካ በደል ትፍጽም ዘለካ ስለዚ እቲ ቆስሉ ጽሩይ ስለዘይኮነ ናብ ናይ ቀደሙ ናይ ምምላስን ምፍዋስን መስርሕ ሙሉእ ክኸውን አይክእልን ኢዩ፡፡ ናይ በደል ስምዒት አብ ኣእምሮናን መንፈስናን ውሽጢ ተሸጊጡ እዩ ዝቁመጥ፡፡ ስብእናና ድማ ኩሉ ግዜ ብቀጥታ ንነብሰ ምክልካል ከቢድ ጻዕሪ ኢዩ ዘካይድ፡፡ ተፈጥሮ ከምዚ ዓይነት ቁስሊ ናይ ምፍዋስ ወይ ምምካን ልምዲ እንተሃለዎ ናይ በደል ስምዒት ግን ብቀሊል ንምእላይ የጸግሞ ኢዩ፡፡ ብአብነት ከሰንያ ክፍትን ንበል ሓደ ሰብ አብ ለዕሊ አፍቃሪቱ ዓቢ ጌጋ ወይ በደል ፈጺሙ ንክፈላለዩ ድማ ጠንቂ እንተኮይኑ እቲ ዝፈጸሞ በደል ብፍጹም ካብ ኣእምርኡ አይጠፍእን ኢዩ ክርሰዖ አይክእልን ኢዩ ንዘልአለም እንዳሳቀዮ ኢዩ ዝነብር እታ አፍቃሪቱ ግን ብሞት ተፈልያቶ ኔራ እንተትከውን ከምዝበልኩዎ ንግዜኡ መሪር ሓዘን ክስመዖ ኢዩ ምስግዜ ግን ክርስዓ ይክእል ኢዩ ከም ሰብ ሓንሳብ ሓንሳብ ብናዓዓ ዘዘክሩ ነገራት ክዝክራ ይክእል ይከውን አብ ውሽጡ ግን ዘሳቅዮ ነገር የብሉን ከምቲ በደል ዝፈጸመ ሰብ … ፡፡

ስለዚ አብ ልዕሊ ሕዝብኩም በደል ከምትፍጽሙ ዘለኩም አይትረስዑ የሕዋት አብዚ ከቢድ ሕማም ብቀሊል ዘይፍወስ ኢኩም ትአትዉ ዘለኩም ብአግኡ ግን ካብዚ ተግባርኩም ተቆጢብኩም ብዛዕባ ሕዝብኩምን ሃገርኩምን ምሕሳብ ይሕሸኩም እዚ ትፍጽምዎ ዘለኩም በደል ንዘልአለም ከሳቅየኩም ክነብር ኢዩ፡፡

አብ መወዳእታ ገለ ክብል ሓፈሻዊ ነዞም አብ ስደት ዘለዉ ሙሁራት ስለዝጽውዑ ሙሁራት ክብሎም … የሕዋት ንምንታይ ግን እዛ ዓለም ክራይ ገዛ ክነሳ ንዘይንቅመጠሉ ገዛ ንክንረክብ ኢልና ወይ ብግዜያዊ ጥቅሚ ተታሊልና ሕዝብና እንዳተሳቀየ ሰሚዕና ከምዘይሰማዐና ርኢና ከምዘይራና ንሓልፍ ግን እኮ ነበርቲ አይኮናን ንግዜኡ ነዛ ሓጻር ዕድመ ኢና ሃብቲ ንብረት ገዛ ኩሉ ገዲፍናዮ ኢና ክንከይድ ሓንቲ ሒዝናያ ንከይድ ግብርና ጥራይ ኢያ። ምከንያቱ “መሰነይታ ሬሳና ሰብ ኢዩ መሰነይታ ነብስና ግን ግብርና ኢዩ “ ንዘክር የሕዋት በጃኩም ንምንታይ ኢና ነዛ ሓጻር ዕድመ ብፍቕርን ስኒትን ዘይንሓልፋ  አምላክ ዝፈትዎ ስራሕ ዘይንሰርሕ ኢሂነ ሚሂነ ዘይንባሃሃል እዚ ደጋፊ ህግደፍ ተቃዋሚ ገለ ንግደፎ እሞ ልዕሊ ኩሉ ሕዝብና ከገድሰና አለዎ ሕዝብና ሎሚ አበይ ኩነታት አሎ አብቲ ኩዉን ነገር እሞ ንዛረብ ማንም ዘይስሕቶ ሎሚ ሕዝብና አብ ብቃላት ክግለጽ ዘይካአል ስቃይን መከራን ኢዩ ዘሎ ስለዚ በጃኩም ሕልና ግብሩ ስርዓት ተቀያሪ ኢዩ ሕዝቢ ግን ነባሪ ኢዩ ዝኮነ ሰብ ካብ ባዶ ተበጊሱ ብዘይ ምክንያት ንዝኮነ አየክፍእን ኢዩ ሰለዚ ስርዓተ ህግደፍ ጽቡቕ እንተዝህሉ እንታይ ዘዛርብ አለና ወልፊ ዘረባ አይኮነን ዘዛርበና ዘሎ እንታይ ዳአ ሓልዮት ሕዝብና ኢዩ።

ራአይዎ እሞ እቲ ለውጢ ትማልን ሎምን እዚ ደላይ ለውጥን ፍትሕን አበየ ኩርናዓት ዓለም ድላዩ ነጻ ኮይኑ ክዛረብን ክቃወምን ጀሚሩ እቲ ቁጽሪ ናይ ደለይቲ ለውጢ ድማ እንዳወሰከ ይከይድ አሎ እንተ ንስኩም ተሓቢእኩም አኬባ ይኩን ካልእ ነገር ትገብሩ አለኩም ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ደሊኩም ኩሉ እንዳተረድኦ ይመጽእ አሎ ሰለዚ ነዞም ደለይቲ ለውጢ ካብ ዘይሸሞም ምሃብን ወያነ’ዶ ዑሱባት ካብ ምባል እቲ ምክንያት ክትፈልጥዎ ፈትኑ እጠፍአኩም ኢዩ ኢለ’ውን አይአምንን ኢየ እንዳሰማዕኩም እንተዘይደቂስኩም ምክንያቱ አብ ላዕሊ ከምዝገለጽኩዎ ዝኮን ሰብ ካብ ባዶ ተበጊሱ ብዘይ ምክንያት አይቃወምን ኢዩ ስለዚ እዞም ደለይቲ ለውጢ ዝኮና ሓልዮት ሕዝቢ እምበር ካልእ አይኮነን ዘዛርበና ዘሎ የሕዋት ንሕና ንውልቅና አብ ስደት ኮይና አምላክ ይመስገን አይጸማእናን አይጠመናን ሕልናና ስለዘገደደና ግን ብዛዕባ ሕዝብና ንሓስብን ንጭነቅን አለና እንታይ ገደሰና ንክንብል ሕልናና አየፍቅደልናን ኢዩ ስለዚ ስለዝበላዕና ጽጉባት ኢና ስለዝሰተና ርውያት ኢና ማለት አይኮነን ሕዝብና እንዳጸምኤን እንዳጠመየን ኮሎ ፈንጠዝያን ሳዕስዒትን አይራየናን ኢዩ አቲ ምብላዕ ምሰታይ ውን ንክትነብር ግድን ክትበልዕ ስለዘለካ … ዕረ እንዳጠዓመና ኢና ንነብር ዘለና እቲ ርውየትናን ጽጋብናን ሕዝብና ሰላምን ፍትሕን ዲሞክራስን ምስ ዝረክብ ጥራይ ኢዩ!                                                                                                                                                               የሕዋት አብዛ ጠላም ዓለም ብዙሕ ዓይነት ጥልመት አሎ እቲ ዝከፍኤን ዝዓበየን ጥልመት ግን ሕዝብካ ምጥላም ኢዩ እዚ ዓቢ ገበን ኢዩ አይርዳአኩምን አሎ እምበር ንሕዝብኩም ጠሊምኩም ንጸረ ሕዝቢ ዝኮኑ ገለ ጉጅለ ወይ ውልቀሰባት ኢኩም እኮ ተጣቅዑን ትድግፉን ዘለኩም ንሃገር ከይመስለኩም ሃገር ናይ ሕዝቢ እምበር ናይ ውልቀሰባት አይኮነትን።

አብዚ ከስምረላ ዝደሊ ነጥቢ እዛ ጽሕፍተይ ነቶም ደቂ ሕዝቢ ዝኮኑ ብሕዝቦም ዝጭነቁ ቆራጻት ሙሁራት የሕዋትና ንስለ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝቃለሱ ዘለዉ ትምህርቶም አብ ጉቡእ ዘውዓሉን ብሓንጎሎም ዝጥቀሙን ሰብ ሕልናን አይትምልከትን ኢያ በዚ አጋጣሚ ድማ ከመሰግኖም እፈቱ ።

 

ባቲሞ - ካርቱም

 

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...