ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን
ውልቃዊ ትዕዝብቲ
ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም
መበል 14 ክፋል 10/12/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ መበል 13 ክፋል፣ በዛ እትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም።

“እቲ ኣሰራርሓ ንምዕባለ ሃገር ዝሃሲ ጥራይ ዘይኮነ ፍጹም ዝቐትል’ውን ኢዩ። ዝሓሸ ክእለትን ትምህርትን ዘለዎም ሰባት ኣብ ነናቶም ሞያ ተሰዂዖም ኣብ ክንዲ ዝሰርሑ፣ በቲ ዘቕርብዎ ርእይቶን ዝዛረብዎ ዘረባታትን ጥራይ ከም ቀንዲ ተጠርጠርትን ጸላእትን ተወሲዶም ይህደኑ። ቀንዲ መምዘኒ ሰባት ዝተወልድሉ ከባቢ ይኸውን። ሃገር ድማ ምሁራትን ምኩራትን ደቃ ትስእን። ዘፍርዩን ዝሃንጹን ደቃ ጠፊኦም፣ ብዘህልኹን ዘዕንዉን ሰባት ትዕብለል። ነቐፈታን ቅዱስ ውድድርን ጠፊኡ፣ ‘ወይለኻ’ ዝብል ንህይወቱ ዝሰግእን ሰብን ይበዝሕ። ሰብ ኣብ ክንዲ ብስርሑ ብዘረብኡ ይምዘን። ተጻዋርነት ስለ ዝጠፍእ ድማ ፍርያምነት የንቆልቁል። ሰበ-ስልጣን ሃገር ኣብ ክንዲ ብስርሖም ዝነቓቐፉን ዝተኣራረሙን፣ ድኽመቶም ኣብ ህዝቢ ከይስማዕ ዝሓብኡን ዝሰታተሩን ይኾኑ። ኣብ ክንዲ ኣብ ምዕባለ ሃገር፣ ኣብ ሓለዋ ነብሶምን ‘የስጉኡና ኢዮም’ ንዝብልዎም ሰባት ኣብ ምህዳን ይዋፈሩ። ንኣብነት ኣብቲ ናይ ዶብ ኲናት (1998/2000) ዘጋጠመ ፍሽለትን ህልቂትን፣ ሓላፍነት ዝተሸከመ ወገን ወይ ውልቀ-ሰብ የለን። ክሳብ ሎሚ ከም ዕትሮ ተሓቲሙ፣ ውሽጡ ሕሩር ኮይኑ ይኸይድ ኣሎ። እቶም ዝነቕፉ ተኣሲሮም ወይ ተባሪሮም ኢዮም፣ ብዝተወልድሉ ከባቢ ጥራይ ዝቀራረቡን ዝሰታተሩን መኮነናት ጥራይ ተኣኻኺቦም ኣለዉ። ክሳብ መኣስ?”

….. መቐጸልትኡ ይስዕብ

ህዝብና ካብዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮ ክመሃር ይግባእ

ሎሚ እቲ ናይ ምክልኻል እዚታትን ካልእ ቁልፊ ዝኾነ ናይ ሓላፍነት ቦታታትን፣ ብተወለድቲ ሓደ ከባብን ንሳቶም ብዝኣመኑዎም ውልቀ-ሰባትን ዝተዓብለለ ኢዩ። ንሳቶም እቲ ኣሰራርሓ ንሃገር ዝጠቅም ከምዘይኮነ ኣጸቢቖም ዝፈልጡ’ኳ ኣንተኾኑ፣ ካብኡ ወጺኦም ንምዕራዩ ክሰርሑ ከም ዘይክእሉ’ውን ክብ ኢሉ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝኸውን መሲሉዎም፣ ምስ ናይ ነዊሕ እዋን መሳርሕቶም ዘቲዮም ንምትዕርራዩ ዝፈተኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝወረደ ኣደራዕ’ውን ኩልና ተዓዚብናዮ ኣለና። ንሳቶም ባዕላቶም ብዝሓረይዎምን ዘሰልጠንዎምን ሰባት ተኻሒዶም፣ ብህይወቶም ከለዉ ከም ምዉታት ኣብ ጎዳጉዲ ክነብሩ ተፈሪዱዎም ኣለዉ።

ኣነ ካብ ዝፈልጦ ጥራይ’ኳ፣ እቶም ‘ዝምቡላት’ ተባሂሎም ምስ ተነቕፉ፣ ኣእዛኖም ኣውዲቖም (ኣብ depression ኣትዮም) ‘ዝን’ ኢሎም ዝኸዱ ዝነበሩ ተስፋማርያም ተኸስተን ተስፋሚካኤል ገራህቱን፣ ሓብሒቡን መኺሩን ንቡር ስርሖም ንኽሰርሑ ዘኽኣሎም ሚ/ር በራኺ ገብረስላሴ ኢዩ። ሎሚ የማናይ ኢድ ናይቲ ስርዓት ኮይኖም፣ ነቲ በራኺን ብጾቱን ዘልዓልዎ ሕቶ የናሽዉን ይጭፍልቑን ካብ ዘለዉ ሰባት ብቐዳማይ ደረጃ ዝስርዑ ድማ ንሳዎም ኢዮም። ስለዚ ፖሊቲካዊ መርገጺ ተገማጣልን፣ ምስ ረብሓታት ተኣሳሲሩ ዝኸይድን ካብ ኮነ፣ ህዝቢ ኤርትራ ደድሕሪ’ቲ ተገማጣሊ ረብሓ ውልቀ-ሰባት ክኸይድ የብሉን።

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ን30 ዓመታት ዝደመየሉ ሓርነታዊ ቃልሲ፣ ናብዚ ሕጂ በጺሑዎ ዘሎ ምብትታን ንምብጻሕ ኣይነበረን። ኣብ ዓዓዱ ብሰላም ክነብርን፣ ንጸጋታት ናይታ ሃገር ድማ ከከም ዓቕሙ ብነጻን ብማዕረን ክጥቀመሉ ትምኒት ነይሩዎ። ሎሚ ግን ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ህግደፍ ይትረፍ ተጠቃሚ ጸጋታት ናይታ ሃገር ክኸውን፣ ኣብ ዑናታት ኣባሓጎታቱ ቀሲኑ ክነብር’ውን ኣይተፈቕደሉን። ክነብር ኣይተፈቕደሉን ጥራይ ግን ኣይኮነን።

ሎሚ ኤርትራዊ ደም ዘየጠልቀዮ፣ ኤርትራዊ ሬሳ ዘይተቐብሮ ከባቢታት ዓለም እንተልዩ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። ነታ ዝደመየላ፣ ሰዊት ንእስነቱ ዝኸፈለላ፣ ኣቦታቱን ዓበይቲ ኣሕዋቱን ዝሰኣነላን ሃገሩ ገዲፉ ካልእ ዜግነት ክደሊ ናብ እስራኤል፣ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣውስትራልያን ካልእ ከባቢታትን ንምብጻሕ ረጊጹወን ዝሓለፈ ሃገራት፣ ማያትን በረኻታትን ዓለምና ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ንኹሉ ከኣ ሞባእ እናከፈለ ኢዩ ክሓልፎ ጸኒሑን ዘሎን። ሰብኣዊ ክብሩ ኣረኪቡ፣ ክቡር ሂወቱ ከፊሉ፣ ሰፍ ዘይብል ገንዘብ ከሲሩ ኢዩ ኣብተን ሃገራት ክበጽሕ ዝኸኣለ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ከም ደቂ ዛግራ ኣብ ምሉእ ዓለም ተበቲኑ ኣሎ። ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ጸገማት ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ’ኳ እንተኾነ፣ ንፖሊሲታትን ኣሰራርሓን ናይቲ ስርዓት ዝዳረግ ብቑዕ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ዝበቕዐ ግን ኣይመስልን።

ኣርእስተይ ብቐንዱ ብዛዕባ ኣውራጃዊ ፖለቲካን ሳዕቤናቱን ኢዩ። ሓደ ካብቲ ህግደፍ ህዝቢ ንምፍልላይ ዝጥቀመሉ ዘሎ ፖሊሲ ስለ ዝኾነ። ተጠቀምቲ ናይቲ ኣሰራርሓ’ውን፣ እቲ ውልቀ-መላኺ ባዕሉን፣ ቁንጣሮ መሻርኽቱ ጥራይ ምዃኖም ብንጹር ገሊጸ ኣለኹ። ሕጂ’ውን ካልእ ኣብነት ምቕራብ ጽቡቕ ይመስለኒ።

እቲ ውልቀ-መላኺ፣ ንሃገራዊ ባይቶን ንላዕለዎት ዝምልከቶም ሓለፍቲ ሰራዊትን ከየማኸረ፣ ብኢደ ወነኑ ምስ ኢትዮጵያ ኲናት ወሊዑ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣሽሓት ሂወት ጠፊኡ፣ ብቢልዮናት ዝግመት ንብረት በሪሱ፣ ሓደ ሲሶ መሬትና ናብ ናይ ጸጥታ ዞባ ተቐይሩ። እቲ ካብ ኣቦሓጎታትና ተወሪሱ፣ ነዊሕ ዓመታት እናተነድቀ ዝመጸ ክቡርን ሕፉርን ስም ኤርትራዊ ብሓንሳብ ባይታ ዘቢጡ - ተናዒቑን ተደፊሩን፣ ምስሊ ሃገርና ኣብ ዓለም ተደዊኑ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣዴታት ደቕኽን ስለ ዝተሰውኡ ‘ዕልል በላ’ ተባሂለን። ነዚ ኩሉ ድማ፣ እቲ ፕረዚደንት ንዝኣመነ ኣሚኑ፣ ሕጊ ጥሒሱ ብውልቁ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኢዩ።  ንሱ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ዝፈጸሞ ክሕደትን በደልን እምበኣር፣ ሓንሳብ ዘይኮነስ ሽሕ ግዜ ንሞት ዘፍርዶ ኢዩ።

እዚ ዘሰንበዶም፣ ማዕሪኡን ልዕሊኡን ነታ ሃገር ዝተቓለሱላ መዛንኡ ድማ፣ እቲ ኲናት ምስ ተወለዐ ደው ንምባሉ፣ እዚ ዘይከውን ኮይኑ ምስ ረኸብዎ (ፕረዚደንት ‘ዕጭ ሓምፈፍኩ’ ምስ በሎም) ድማ፣ ኣብቲ ኲናት ዕዉታት ኮይኖም ንኽወጹ ኩሉ ዝከኣሎም ገይሮም። ኣንፈት እቲ ኲናት ንረብሓ ኢትዮጵያ ገጹ ምስ ዛዘወ ድማ፣ ዓለማዊ ሕጊ ተጠቒሞም፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘከራኽር ቦታ ተወሲኑ ደው ክብል ሰሪሖም። ንሳቶም ነዚ ክገብሩ ከለዉ፣ እቲ ብኢደ-ወነኑ ኲናት ዝወለዐ ፕረዚደንት፣ ኣንፈቱ ጠፊኡዎ፣ ሰነዳቱ ካብ ኣስመራ ንሳሕል ልኢኹ፣ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ደንከልን ካብ ብምሉኡ ዞባ ደቡብን ከዝልቕ ኣዚዙ፣ ኣብ ቤት-ገርግስ መህደሚ እትኾኖ ሀሊኮፕተር ቀሪቡ ንህድማ ተዳልዩ ነይሩ።

ኤርትራ ሳላ’ቶም ትእዛዝ ፕረዚደንት ጥሒሶም ብውልቆም ተወፍዮም ዝተዋግኡ  ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን፣ ብሱል ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ላዕለዎት ሚኒስተራትን ናጽነታን ክብራን ዓቂባ። እዞም ክልተ ኣካላት እዚኣቶም በብወገኖም ምእንቲ’ታ ‘ናትና’ ዝብልዋ ሃገር ብዘይ ዕረፍቲ ሰሪሖም ናብ ዓወት ገጾም ክቀራረቡ ምስ ረኣየ፣ እቲ ውልቀ-መላኺ ብቐጥታ በትረ ስልጣኑ ንምሕላው ኣብ ምትንዃል ኢዩ ኣትዩ።

እቶም ሃገር ዘውሓሱ መኮነናትን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ‘ዝነበረና ድኽመታት ገምጋም ንግበረሉ’ ምስ በሉ፣ እቶም ብዓድን ዓውድን ክኣኻኽቦም ዝጸንሐ፣ ልዕሊ ክብሪ ሃገር፣ ክብሪ ውልቀ-ሰብ ዘገድሶም መኮነናት ኣብ ጎድኑ ኣሰሊፉ፣ ነቲ ቅኑዕን ሕጋውን ሕቶ ደቚሱዎ። እቶም ሓለፋ ብጾቶም ስልጣን ዝተዓደሉ መኮነናት ዑቕባ ኮይኖሞ። በቲ ንሓለቓኦም ዝገበርዎ ጉንዖ ድማ ሎሚ ናብ ጎይቶት ተቐይሮም ንርእዮም ኣለና። እቶም ልዕሊ ትእዛዝ ፕረዚደንት ክብሪ ሃገር ዘቐደሙን፣ ሃገር ዘውሓሱን መኮነናትን ሓለፍትን ብክሕደት ሃገር ተኸሲሶም፣ ተሃዲኖምን ይህደኑን ኣለዉ። እታ ንዓመታት ክሰርሓላ ዝጸንሐ ፖሊሲ ድማ ካብ ሞትን ተሓታትነትን ኣድሒናቶ። ኩሉ’ቲ በደላት ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ተፈጺሙ። በዚ ከኣ ኢየ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮ ክመሃር ኣለዎ ዝበልኩ።

ብዛዕባ ፍሽለት ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ተዛሪብካ፣ ነቲ ተኸዲኑዎ ዝጸንሐ ካባ ዝቐንጠጠ ናይ ዶብ ኲናት ከየልዓልካ ምሕላፍ ስለ ዘይከኣል፣ ብዛዕባ’ቲ ብኢደ-ወነኑ ምስ ኢትዮጵያ ዝወለዖ ኲናት፣ ምስ ብቕዓት ናይቲ ወታደራዊ እዚ ኣዛሚደ ቁሩብ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ።

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...