ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዕለተ ናጽነት ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ ሎሚ፡  ቅድም ብህዝባዊ ግንባር ደሓር ከኣ ሽሙ ቀይሩ ብስርዓት ህግደፍ ተበዲሉ ሕጂ'ውን ጌና ይብደል ኣሎ፡ ፤ እዚ ናይ 23 ዓመታት ሕሰም  ግን ኣብ1991 ኣይኮነን ጀሚሩ፡ ፤ ወዮ ደኣ ንህዝቢ ኣስመራ ኣብ'ቲ ሽዑ እዋን ብዙሕ ኣይጸለዎን'ዩ እምበር ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ናጽነት እውን ብምምሕዳር ህዝባዊ ግንባር ተሳቕዩን ባርነት ኣሕሊፉን ኢዩ፡ ፡ ኣብ ጊዜ ሰውራ ኣብ ሓራን ሓውሲ ሓራን መሬትና ዝነበረ ኣገባብ ምሕደራ ህዝባዊ ግንባር ህዝቢ ዘደንገለን ዘሳቐየን ከም ዝነበረ ክንርስዖ ኣይንኽእልን፡ ፤ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ፍጥር ክብል ኣብ ልዕልና ሕጊ ዘይኣምን፡ ኣረሜናዊ ኢዩ ኔሩ ክብሃል ይክኣል፡ ፤ኣብ መላእ ገጠራት ሃገርና ዝነበረ ምሕደራ ምስ እዚ ሕጂ ዘሎ ዝመሳሰል ኢዩ ኔሩ ክብሃል ይክኣል፡ ፡ እስከ ሓደ ሓደ ኣብነታት ከቕርብ፡ ፡ ኣብ ጊዜ ሰወራ ዝነበረ ህዝባዊ ምምሕዳር እንተ ርኢና ኣብ መላአ ገጠራት ኤርትራ ዝነበረ ናይ ዓድታት ባይቶ ፈሪሱ ፡  ዓበይቲ ዓዲ ባይትኦም ተሓዲጉ፡ ብመንእሰያት ቆልዑ ከምዝትካእ ተገብረ፡ ፤ ዓበይትን ለባማትን ዓበይቲ ዓዲ ክብሮም ተቐንጢጡ፡  ብድሆ ዝብል ሓድሽ ሽም ተቐይሩ፡ ዓድታት መጻወቲ ቆልዑ ኮይነን ክነብራ ጀመራ፡ ፤ብሽም ክፍሊ ህዝቢ ተመዲቦም ዘመሓድሩ ዝነበሩ ተጋደልቲ እውን ራዛ ናይ ኣብኡ ሓዛ ኮይኑ ነገሩ ካብ ላዕሊ ዝመጸ ትእዛዝ እንዳተባህለ ክንደይ ንጹሃት ገባር ይቕንጸሉ ከም ዝነበሩ ማንም ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ፡ ፤ ሓደ ኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ኣውራጃ ጽንዓደግለ ሓውብኡ ነዚ ሕጂ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝስዕስዕ ዘሎ ጋዤጠኛ ኣቶ ተወልደ ወልደገብርኤል ንምትቃስ ይክኣል፡ ፤ አዚ ምስኪን ሓረስታይ እዚ ብዘይ ሓደ ገበን ብይኸውን ጥራሕ ተጠርጢሩ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከም ዝተቐንጸለ ይዝከረኒ፡ ፤እዚ ፍጻሜ እዚ ልክዕ ምስ እዚ ሕጂ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ዝመሳሰል ኢዩ፡ ፤ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓፋሽ ተጋዳላይ እንዳ ሰንከለን እንዳ ተሰውአን ከሎ አብ ህዝቢ ግን ራዕድን ፍርህን ፈጢሮም ይግዝእዎ ከምዝነበሩ ዝክሓድ ሓቂ ኣይኮነን፡ ፤

        መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ዓማጺ ኢዩ ኔሩ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን፡ ፤ እዚ ሕጂ ን20 ዓመታት ዝግበር ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀደም ኣብ 80ታት ዝጀመረ ኣጽናቲ ፖሊሲ ኢዩ፡ ፤ ኣብ ሰማንያታት ኣብ ገጠራት ኤርትራ ብተደጋጋሚ ግፋ እንዳ ተገብረ መንእሰያት ተተገፊፎም ንሳሕል ይወርዱ ከምዝነበሩ ባዕሎም እቶም ብሂወት ዝኣተዉ ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ፡ ፤ መሳኪን ሓረስቶት ዘዝጎበዙ ደቆም እንዳ ተመንጠሉ ኤህ.... እግዚኣብሄር ናይ ኢድኩም ይፍደኹም እንዳበሉ ይራገሙ ኔሮም፡ ፡  ሓረስቶት ሃገርና ደቆም ጥራሕ ዘይኮኑ ዝምንጠሉ ኔሮም፡  ብገንዘቦምን ጉልበቶምን እውን ኣዕሪፎም ኣይፈልጡን፡ ፤ ዓበይቲ ሰባት ርእይትኦም ተዛሪቦም ተባሂሎም ንኣዋርሕ ብመቕጻዕቲ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ተወሲዶም የስርሕዎም ኔሮም፡ ፤ እዚ ኣረሜናዊ ምምሕዳር እዚ ህዝቢ ገጠር ዘብከየን ዘድከመን ኢዩ ኔሩ፡ ፤ እዚ ዓይነት ምምሕዳር እምበኣር ድሕሪ ናጽነት ብተመሳሳሊ ኣብ 1994 ብደቂ ኣስመራ ዝጀመረ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንሆ ክሳብ ሎሚ ክቕጽል ንርእዮ ኣለና፡ ፤ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ክንዲ ሓርነት ባርነት፡  ኣብ ክንዲ መሰል ጭቆና፡ ኣብ ክንዲ ተጻዋርነት ጎንጺ ዝኣምን ኣረሜናዊ ጉጅለ ኢዩ፡ ፤ እዞም ክልተ ኣብነታት እምበኣር ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ኢዮም፡ ፤ ሕጂ ክደግሞ ዝፍትን ዘለኹ ድማ እቲ ቅድሚ ናጽነት ዝግበር ዝነበረ ዘይፍትሓዊ ምምሕዳር ህዝቢ ኤርትራ ደቁ ስለ ዝኾኑ ምእንቲ ናጽነት ተጸሚሙ ከሕልፎ ተገዲዱ፡ ፤ ዓበይቲ ዓዲ ሃገርና ኤህ....እዚኣቶም እንታይ ከመሓድሩ!!! እዚኣቶም ሃይማኖት ዘይብሎም ርጉማት ኢዮም ይብሎም ከም ዝነበረ ክንክሕዶ ኣይንኽእልን፡ ፤ 

     ሎሚ ድማ ቁስልና ሓቢእና ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና ዝብል ርኢቶ'ዩ፡ ዘዛርበኒ ዘሎ። ፤ ናጽነት መጽዩ ስለ ዝዘለልና ፍትሓዊ ምምሕዳር ስለ ዝነበረ ኣይኮነን፡ ፤ ሓፋሽ ተጋዳላይ ዝፈጸሞ ቅያ ክነቃልሎ ኢለ ኣይኮንኩን ዝጽሕፍ ዘለኹ ምኽንያቱ ኣሕዋትና ፍንጫሕ መሰንገለና ዝኸፈልናሉ ሰውራ ስለዝኾነ፡ ፤እቲ ሓቂ ግን መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍ ቅድሚ ናጽነት ይኹን ድሕሪ ናጽነት ብደም ንጹሃት ኤርትራውያን ተሓታቲ ኢዩ፡ ፤ናይ ኣሽሓት ገባርን ተጋደልትን ደም ኣብ ኢዱ ኢዩ ዘሎ፡ ፤እዚ መሪሕነት እዚ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኤርትራ ዘተኣታተዎ  ምሕደራ ክንደይ ንጹሃት ዜጋታት ኣጽኒቱ ኢዩ።

እቲ ኣብ ጊዜ ገድሊ ዝጀመረ ባርነት ድሕሪ ናጽነት ከኣ ንከተማ ኣስመራ ሓዊሱ ደኣ ሓማመሳ፡ ሓፋሽ ተጋዳላይ'ውን ማዕረ ህዝቡ ግዳይ እዚ ስርዓት ኮይኑ ኢዩ፡ ፤ ንኣብነት ተጋዳላይ ሰንኪሉን ተሰዊኡም ከንሱ ብዘይጠቅም ቁንጣሮ ኣቕራሽ ክሰናብትዎ ከለዉ እንርስዖ ጉዳይ ኣይኮነን፡ ፤ ተጋዳላይ ብዕላማ ፋሕ ብትን ከም ዝብል ጌሮም ንባዕሎም ግን መሬት ኣይትጽርኒ ዝበልሉ እዋን ኣይረሳዕናዮን።

     ይዋእ ህዝብና እዚ ቁስሊ ተሸኪሙ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ፤ ባርነት መዓልታዊ ናብርኡ ኮይኑ፡  ዘዝወለዶም ደቁ ኣብ ፈቖዶ ምድረበዳን ሲናይን ማእከላይ ባሕርን ይጸንት ኣሎ፡ ፤ ወለዲ ምስ ቁስሎም ይሓልፉ ኣለዉ፡ ፤ ወለዲ ኤርትራውያን ዓቢ ቁስሊ ተሸኪሞም ካብዛ ዓለም ክፍለዩ ከለዉ ልቢ ንዘለዎ ዘብኪ ኢዩ፡ ፡ ነዚ ኩሉ መፍትሒኡ ግን እዚ ዘሎ ገድላዊ ምምሕዳር ምስ ኩሉ መሓውራቱ ተሓግሒጉ ክእለ ኣለዎ፡ ፤ ኣብ ክንድኡ ብሕግን ስርዓትን፡  ብቁዋም ዝግዛእ ናይ ህዝቢ መንግስቲ ንምትካል ለይትን ቀትርን ክንደኽመሉ ዝግባእ እዋናዊ ሕቶ ኢዩ።

   በዚ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዝተተኽለ ምምሕዳራዊ፡ ፖለቲካዊ፡  ቁጠባዊ፡  ወተሃደራዊ ምምሕዳር ተኣልዩ ብሓድሽ ክትካእ ኣለዎ እብል፡ ፤ ገድላዊ ኣተሓሳስባ ብሓድሽ ዘመናዊ ኣተሓሳስባ ተተኪኡ ኣብ ዓለምና ህላዌና ክነረጋግጽ ይግብኣና፡ ፤ ንሕና ኤርትራውያን ንዝሓለፈ 23 ዓመታት ኣብ ዓለም ከለና ከይሞትና ተቐቢርና ኢና ጸኒሕና ጌና'ውን ካብ ዓለም ተኸዊልና ኣለና።

ነዚ ኣጽናቲ ጉጅለ ዝዘርኦ መደናገሪ ኣተሓሳስባ ዳግመ ግምት ብምግባር፡ ከም ህዝቢ ክጥርንፈናን ከረዳድኣናን ዝኽእል ባህልናን ባይቶናን እንተ ዘየበራቢርና ሓርነትና ክንመልስ ኣይንኽእልን። ንሕና ከም ህዝቢ ፍትሒ ጠሊብና ብድሆ ንብሎ ኣለና፡  እዚ ጉጅለ'ዚ ግን ኣብ በትሪን ጎንጽን ዝኣምን ስለዝኾነ፡  ምስ ጠበንጃና ኣበ'ገልግሎቱ ከምንነብር ጌሩና'ሎ። ከም'ቲ ዝለመዶ ጃለ ኮይና ክንገጥሞ ኣይንኽእልን ኢና።  ብሓዲሽ ኣተሓሳስባና ኣንጻር መደናገሪ ፕሮፓጋንድኡ ብድሎ ገጢምና ካብ ገጽ ኤርትራ ሓኺኽና ህዝባዊ መንግስቲ ተኺልና ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ መራሕቱ ክሰቅልን ከውርድን ክኽእል ኣለዎ ዝብል ርኢቶ'ዩ ዘዛርበኒ ዘሎ፡ ፡ 

    ስለ'ዚ ንሕና ከም ህዝቢ መሰልና ባዕልና ምእንቲ ክንመልሶ፡ ኣብ ዘዝለናዮ  ጊዜን ቦታን ነዚ ቅዱስ ቃልሲ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ክንረባረበሉ'ዩ ጻውዒተይ። ጊዜ ምጽጋንን ምእራምን ሓሊፉ ኢዩ፡ ፤ ጉጅለ ህግደፍ ኣብቂዑ ኢዩ። ዝሓዊ ሕማም ዝሓዞ ኣይመስልን ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ እዚ ኩሉ ሕሰምን መከራን፡  ድሕሪ'ዚ ኩሉ ናይ ደቁ ምጽናትን ሞትን ትንፋስ ኣይረኸበን። 

   ታሪኽ ናይ'ቲ ዝሓለፈ ገድላዊ ቃልሲ ከም ቅርሲ ተዓቂቡ፡  እቲ ሓቀኛ ተጋዳላይን መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን ፈላሊኻ ብምርኣይ ክህነጽ ዝጽበየና ዘሎ ጎደና ለውጢ ቀሊል ኣይኮነን። መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍ ቀደም ዓማጺ ሎሚ ዓማጺ ኢዩ።  መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንህዝቢ ዝቖመ ዘይኮነ ንባዕሉ ዝቖመ ስሱዕ ጉጅለ ኢዩ፡  ስለ ዝኾነ ከኣ እንሆ ንህዝብና ኣብ ክወጾ ዘይክእለሉ ዓዘቕቲ ሸሚምዎ ይርከብ፡ ፤ ንሕና ከም ህዝቢ እንፈርሃሉ ምኽንያት የብልናን ምኽንያቱ እቲ ገድሊ ገድልና፡ እቲ መስዋእቲ ናይ ደቅናን ኣሕዋትናን፡  እቲ ስንክልና ናይ ጀጋኑ ኣሕዋትና ስለዝኾነ ባዕልና እንውንኖ ታሪኽ ኢዩ፡ ፤ ህግደፍ ግን ብገበን ምጽናት ኤርትራውያን ተሓታቲ ኢዩ፡ ፤ ስለዚ ሃየ ኢደይ ኢድካ ኢልና ሓርነትና መሊስና ህዝባዊ መንግስቲ ንትከል፡ ፤ ሓርነትና ክሳብ ሕጂ ጣዕማ ኣይንፈልጦን ኢና፡  ክነስተማቕራ ናይ ኩልና ስራሕ ክትሓተና ኢያ፡ ፤ ምናልባት ሂወት እውን ክትሓተና ኢያ፡ ፤ ስለዚ ስመርርርር ኢልና ብሓባር ንበገስ፡ ፡ 

ፍትሒ ይንገስ

ወልዱ ተኽለ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...