2ይ ክፋል

ምቋም ኮሚተ ንሃገራዊ ዕርቒ

እዚ ሕማም'ዚ ብእዋኑ ንምፍዋሱ እንተዘይክኢልና ብዘገምታ እንዳማሰነ ክቐትለና ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። እሞ ምሕማምና ካብ ፈለጥና፡ ንሕማምና ዝፍዉስ ሓኪምን መድሃኒትን'ዩ ዘድልየና። እቲ እንኸዶ ሓኪም'ከ መን ኢዩ? እቲ ዝእዝዘልና መድሃኒት'ከ እንታይ'ዩ ዓይነቱ? ብርእይቶይ ፈዉሲ ናትዚ ሕማም፡ ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን እየን። ምኽንያቱ ተቓወምትናን ደገፍትናን ብሓደ እንከበለን፡ እንኮ ቦታታት ንሰን ጥራይ ስለዝኾና። ስለዚ እቶም ሓካይም ድማ ኣቕሺሽትን፡ መሻይኽን፡ ፓስተራትን ክኾኑ ግድን ኢዩ። እዞም መራሕቲ ዝተፈላለያ እምነታት ብሓደ ተኣኪቦም መጀመርያ በይኖም ክመኽሩ፡ ደሓር ድማ ኣኣብ ከተምኦም ንዝርከብ ህዝቢ ብትብዓት ከምዝነቕሕ ክገብርዎ፡ ንዝተጋገየ ክግስጽዎን ክመኽርዎን መድረኽ ዝጠልቦ እዋናዊ ሓላፍነት ኣለዎም። እቲ ኣብ ጸጽባሕ ፋሕ ጭንግራሕ እንዳበለ ንህዝብና ዝሓቕዮን፡ ዓቕሉ ዘጸንቅቖን ዘሎ ህልዊ ኩነታት ደምበ ተቓዉሞ፡ ኣብ ሓደ ጽላል ዓሲሉ ሓንቲ መዝሙር ሰላም ምዘመረን ኣብ ንሓድሕዱ'ዉን ድምዱል ምትእምማን ምፈጠረን። እንተሰሚርናን እንተተፋቒርናን፡ ፍልልያትና'ዉን እንተተጸዋዊርናን፡ ንኹላትና ኣኺሉ ዝተርፍ መዓርን ጸባን እተዉሕዝ ሃገር ከምዘላትና ክንኣምን ይግብኣና። ከም`ቲ ፕረዝደንት ኣመሪካ ነበር ኣብርሃም ሊንከን ዝበሎ፡ ኣብ ነንሕድሕዳ ዝተኸፋፈለት ቤት ክትቀዉም ከቶ ኣይክኣላን'ዩ እሞ፡ ነዚ ቀዳምነት ናይ ቀዳምነታትና ብምስራዕ ክንሰርሓሉ የድሊ።

የግዳስ እዚ ሕልሚ እዚ ጋህዲ እንተኾይኑ፡ እቲ ዝዓበየ ዕማም እታ ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን፡ ካልኦት ሽማግለታትን ዓበይቲ ዓድን ዝርከብዋ እትቐዉም ሓዳሽ ኮሚተ፡ እቲ ዝዓበየ ተልእኾኣ ንዉሽጢ ሃገር ዝኣንፈተ ኽኸዉን ይግባእ። መራሕቲ ፖለቲካዊ ዉድባት ንህዝብና ኣብ ሓደ ደንበ ከጽልልኦስ ይትረፍ ክብትንኦን፡ ነቲ ዘይምትእምማን'ዉን መሊሰን ከባልሕኦን ክንዕዘብ ጸኒሕና። ብዙሓት ድማ 'ኣንታ እዛ ዓዲ ካን'ዶ ለባም ሰብ ተሳኢንዋ' ክሳዕ ምባል ዝበጽሑ ኣለዉ። ምናልባት እንተተመሰለልናን፡ ጉዳይና ፈጣሪ`ዉን እንተተሓወሶንሲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣእጃምኩም ከተልዕሉ ነማሕጽነኩም። ፈጣሪ ጥበብ ክህበካ ኣሚንካ ዝግበር ዕዩ ድማ፡ ፍረስ ኣይስኣኖን ኢዩ። ጸኒሕና እምብኣር ዕማምን ብፍድሆታትን እዛ ኮሚተ እንታይ ክኸዉን ከምዝኽእል፡ ብመንጽር ህልዊ ክነታት ክንሪኦ ክንፍትን ኢና።

መዘዝ ብረት ዝዓጠቐ ሰለማዊ ህዝብን ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን

እቲ ምስዚ ክልዓል ዝግብኦ ጉዳይ እምበኣር፡ ጉዳይ እቶም ብኣስገዳድ ብረት ዓጢቖም ዝርከቡ መንእሰያትን ሽማግለታትን ኢዩ።  ስርዓት ህግደፍ ብሰለማዊ መንገዲ ስንጣኑ ንህዝቢ ከምዘየረክብ ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ ኢዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ዕጭኡ ድማ ብኣጥፊእካ ጥፋእ ትራጀዲ ንኽዛዘም ኩሉ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ ይርከብ። ንሰለማዊ ህዝቢ ብረት ምዕጣቕ ማለት እንታይ ማለት ምኻኑ፡ ንበሃም እንከይተረፈ እኳ ንኽርድኦ ዝእግም ኣይኮነን። ኣብቲ ልእላዉነት ሃገር ተጋሂሱ፡ መሬት`ዉን ከም ዑንቂ ዝጸበበትሉን፡ ሓደ ርብዒ መሬት ኤርትራ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተጎብጠሉን ህሞት ሳልሳይ ወራር እኳ፡ ሰላማዊ ህዝቢ ብረት ከምዝዓጥቕ ኣይተገብረን። እሞ ኣብ`ዚ ኲናት ዘኽተመሉን ናይ ኲናት ስግኣታት ብዓቢ መጠን ዝቐነሰሉን ህሞት ድኣ፡ ገዛ ገዛ እንዳኣተኻ ብረት ምዕዳል እንታይ'ዩ ቕንቊኝኡ ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ንኹላትና ብሩህ ኢዩ።

ስለዚ እምበርኣር እዚ ስርዓት ኣብ ዝወድቀሉ፡ ዘይከምቲ ስርዓት ደርግ ክወድቕ እንከሎ፡ ነቲ ዝተፈጥረ ሃጎፍ ዝሽፍን ኣብ ኤርትራ ህ.ግ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ህወሓት ቁልፊ ግደ ዝነበሮ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ከምዚ ዓይነት ዝዋደበ ዘለዎ ነቲ ሃጋፍ ዝዓብስ ሓይሊ የለን። ህዝብና ኣብ ሕንፍሽፍሽ ንኸይኣቱን ታሪኽ ሶማል ኣብ ሃገርና ንኸይድገምን ክንሰግእን፡ ነዚ ናይ ጥፍኣት ደበና ንምብርዓን፡ ህጹጽ ስጉምቲ ክንወስድ ዝግባኣና። ኣብዚ ቕንያት ንሰምዐ ከምዘለና፡ ህዝብና ብህልቂት ኣማኢት ደቁ ሓዘኑ ከይወደአ፡ ኢሰያስ ደምሒት (ትግራይ ዝመበቆሎም ዕጡቓት ጉጅለ) ልኢኹ ንተቐማጦ ከተማ ኣስመራ ብግፋ ደቁ ክድብሶ ተራእዩ። እዚ ብዕጡቓት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዉሽጢ ኣስመራ ዝተፈጸመ ተግባር ዕሽሽ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ክሳዕ ክንደይ ደይ መደይ ብምባል መመሊሱ ነገራትና ይሓላልኾ ከምዘሎ`ዉን ክንግንዘብ ዝከኣል ኢዩ። እዞም ኢሰያስ ብፍሉይ ክረርዎም ዝጸንሐ ተቓወምቲ ዉድባት ኢትዮጵያ ዝተሰምዩ፡ ኣብ ተግባር ግን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ልክዕ ኣብ ሓለዉኡ ኣዋፊርዎም ይርከብ። እዞም ዉድባት ብፍላይ እኳ ደምሒት፡ ኣብ'ዚ ጽንኩር እዋን፡ ነዚ ተግባር ምፍጻሞም ህዝብና ዕድል እንተረኺቡ ከመይ ጌሩ ከምዝቐጽዖም ብዓንተብኡ ተገንዚቦም ኣለዉ። ነቲ ዘዕቖቦም ህዝቢ ብኣፈሙዝ ብረት ከሰራጥይዎ እንክትርኢ ድማ ዘበነ ግርምቢጥ ጥራይ'ዩ ክበሃል ዝክኣል። እዚ ፍጻመ ነቶም ብፍላጥ ይኹን ብምትላል ጎረርኦም ክሳብ ዝነቕዕ ነዚ ስርዓት ክመጻደቕሉ ዝጸንሑ ''ኤርትራዉያን ኢና'' በሃልቲ ወገናት እምበኣር፡ ናይ መወዳእታ ደወል ተሃሪምሎም ኣሎ። መርገጺኦም ለዊጦም ዓገብ እንተዘይሎም ድማ ድሕሪ ደጊም  ብህዝቢ ቅንጣብ ትኹን ፋዕራ ከምዘይብሎም ዘመስክርን፡ ዕርቃኖም ዘዉጽእ ናይ ፍርዲ እዋን ተበጺሑ ኣሎ።

ኣብ 2006 ኢሰያስ ንኹሎም ተቓወምቲ ዉድባት ብምእካብ ''ኣብዛ ሃገር ብሳላይ ኢኹም ዘለኹም፡ እምበር ህዝቢ ኤርትራስ ሓንቲ መዓልቲ ትኹን'ዉን ኣይመቐመጠኩምን።'' ክብል ከምዝተዛረቦም ኣብቲ እዋን ምስ እዞም ዉድባት ቅርበት ዝነበሮ ሰብ የዕሊሉኒ ኔሩ። እዞም ቊጽሮም ኣብ`ዚ እዋን ናብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ክብ ኢሉ ዘሎ፡ ፍሉይ ክንክን ዝግበረሎም ምሩጽ ወተሃደራዊ ዕጥቒ ዝቕረበሎም ዉድባት ኢትዮጵያ፡ ንዓቢ ሓደጋ ሃገራዊ ጸጥታ ምኽንያት ኮይኖም ይርከቡ። ደምሒት ቀጻልንት ስልጣን ኢሰያስ ንምዉሓስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ንዕዖም`ዉን ናይ ሞትን ህይወትን ቋልሲ ኢዩ። 'ሞትካ ሞትና ህላወኻ ህላወና' ብምባል ምስ ሓይልታት ምክልኻልና ምርጻሞም ዘይተርፍ ከምዝኾነ እንዳተጋህደ መጽዩ ኣሎ። እቲ ምንታይሲ ህላዉነቶም ኣብ ኤርትራ ብፍታዉ ኢሰያስ እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራስ ኣይባረኸሎምን። እቲ ክዉላዕ ልዑል ተኽእሎ ዘለዎ ኲናት ሕድሕድ እምበኣር፡ ብቐንዱ ኣንጻር እዞም ዉድባት እዚኦም ዘነጻጸረ ክኸዉን ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ኮይኑ ግን እቲ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ጀነራላትና ዘሎ ኢሰያስ ብዝፈሐሶም ዉዲታት፡ ኣብ ምትፋናንን ዘይምትእምማንን ስለዘእተዎም፡ ንሶም'ዉን ዘቕስኑ ኣይኮኑን። ብፍላይ እኳ ደኣ መብዛሕትኦም ብገበን ስለዘቖማጥዖም፡ ህላዉነቶም ምስ ህላዉነቱ ኣተሓሒዞም ክሳዕ ሕጂ ክርእይዎ ጸኒሖም ኢዮም። በዚ ድማ ክጥቐስ ዝእኽል ብድሆ ካብዞም ጀነራላት ከየጋጠሞ ሓያለ ዓመታት ሓሊፉ። ሕጂ ግን እታ ዓባይ መርከብ ትጥሕል ስለዘላ፡ ነብሶም ከመይ ከምዘዉጽኡ ጨኒቝዎም፡ ኣብ ወጥሪ ኣትዮም ከምዝርከቡ ከነስተብህል ይግባእ።

እዞም ዉድባት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ስርዓተ-ለዉጢ እንተመጽዩ፡ እታ ዝነበረቶም እንኮ ኣማራጺ ዶብ ኣቋሪጽካ ናብ ሱዳን ምህዳም ኢያ። እዚ ኣማራጺ ግን ኣብ`ዚ እዋን ማህሚኑ እዩ። እዞም ዉድባት ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወይ ኣብ መሬት ጋሽ ኣይኮኑን ዓሪዶም ዘለዉ። ኣብ ዞባ ማእከልን ከባቢ ጋሕተላይን እዮም ዝርከቡ። ካብዚ ሓሊፎም ዉሻጠ ኣስመራ ኣትዮም ገበርትን ሓደግትን ኽኾኑ ስልጣን ተዋሂብዎም። በዚ እምበኣር፡ እቲ ዉሽጥናን ቖምሽጥናን ጽቡቕ ጌሮም ካብ ፈለጥዎ፡ ናብ ሱዳን ክሃድሙ'ዮም ኢልካ ምሕሳብ ዓቐበት ኢዩ። ዝሃድሙሉ ምኽንያት'ዉን ኣይረኣዮምን። ዕድልን ግዜን እንተረኺቦምሲ፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ንምዕባስ ዘይመጣጠርሉ ምኽንያት'ዉን የለን። እቶም እዚ ክዉንነት ምዉሓጡ ዝኣበዮም፡ ነገራት ደንጉዮ ዝበረሃሎም ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ንሃገርና ካብ ወራር ደምሒትን መሰልቶምን ሓራ ንምዉጻእ ኣብ ዝኸፍትዎ ተኲሲ፡ ከቢድ በሰላ ኪገድፍ ይኽእል ኢዩ።

ህዝብና በዚ ትማል ዘጋጠመ ተግባራት ደምሒት፡ ልቡ ክሒኑ ስለዘሎ፡ እቲ ዓጢቝዎ ዘሎ ብረት ብምምዛዝ  ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል ኢዩ። እዚ ምልሻ ወዳቢ እንተዘይብሉ ድማ፡ ሕንፍሽፍሽ ክልዓልን ፈታዊኻን ጸላኢኻን ኣብ ዘይትፈልጠሉ ደረጃ ክብጻሕን ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። ሓንሳብ ጥይት ኳሕ እንተ ኢላን፡ ምፍሳስ ደም እንተጀሚሩን ድማ፡ እቲ ኩነታት ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ክኸይድ ይኽእል ኢዩ።

ኣብ`ዚ ኣነኣኢስካ ዘይርአ ድማ፡ ጉዳይ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢዩ። ተጋደልትን ሃገራዊ ኣጎልጉሎትን ኣንጭዋን ዱሙን ኢዮም። ብሰሪ ብልሽዉን ዘይዉዱንን ምሕደራ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ልቢ ብዙሕ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ብቒምታ ዝሰምበረ ኢዩ። ኣብ ሞንጎ ኣዘዝትን ተራን ዘሎ ቂም ብሒነ ምፍዳይ ከይዛዘም'ዉን ስግኣት ኣሎ።

እዚ ክብ ኢሉ ክጥቀስ ዝጸንሐ ክስተታት እምበኣር፡ ክልስ-ሓሳብ ጥራይ ኮይኑ ክተርፍ፡ ህጹጽ እዋናዊ ስጉምቲ ምዉሳድ ከድሊ ኢዩ። እቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዝርከብ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ስለዝርከብ ድምጹ ከስምዓሉ ዝኽእል ኣፍደገ የብሉን። ሳላ መግዛእቲ ኢሰያስ ግን፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ካብ ህዝብና ኣብ ስደት ሰፊሩ ስለዝርከብ፡ ተወዲቡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል ኢዩ።

ስለዚ እምበርኣ እታ እትቐዉም ኮሚቴ ዕርቂ፡ ንኹሎም ቀጸላታት ሕብረተሰብና እትዉክልን ብመራሕቲ ሃይማንትን ዓበይቲ ዓድን ምስ ቖመት፡ ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ተረዲኣ ስርሓ ክትጅምር ይግባእ። ካብቲ ቀንዲ ዕማም እዛ ኮሚተ እዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ከካትቱ ይኽእሉ ኢዮም።

1. ኣብ ወጻኢ ንዝርከብ ህዝብና ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ መራሕቲ ፖለቲካዉያን ዉድባ፡ ንህልዉ ሓደገኛ ኩነታት ሃገርና ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ብዘለዎም ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ኣብ ነንሕድሕዶም ምጥቅቃዕ ከወግዱን፡ ንድሕነት ሃገር ቀዳምነት ሰሪዖም ብሓባር ክሰርሑ ምጉስጓስን ምምዓድን።

2. ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናት ይኹን መሳጊድ ብሰሪ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ተተፋኒኖም ንዝነብሩን ኣብ መንገዲ ተረጋጊጾም ዝሓልፉን ዘለዉ ዜጋታትና፡ ዘለዎም ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ብዘየገድስ ፍልልያቶም ብምክብባርን ብምጽዉዋርን እቲ ዝምድንኦም ናብ ንቡር ክምለስ ምጽዓር።

3.  ነዚ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና ጥፍኣት ንምግታእ፡ ብሚስጢር ንላዕለዎት ወተሃደራዉያን ሓለፍቲ፡ ካብ ኮለኔላት ክሳብ ጀነራላት ረኺቦም፡ ህዝቢ ኣብ ጎኖም ከምዘሎን ምስ መዛንኦም ኣዘዝቲ ንዘለዎም ምትፋናን ስለ ድሕነት ሃገር ዕሽሽ ብምባል፡ ሃገርና ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ደልሃመት ንኽትወጽእ ዝተወሃሃደ ተባዕ ስጉምቲ ብምዉሳድ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክረክቡ ምጽዋዕ። እዚ እንተደኣ ጌርም ድማ፡ ኣብቲ ኣብ መጻኢ ዝምስረት ሓድሽ መንግስቲ ቦታ ከምዝህልዎምን፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኲነት፡ እቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝፈጸምዎም በደላት፡ ካብ ህዝቢ ምሕረት ከምዝግበረሎም ቃል ክእተወሎም። ካብ'ታ ብተመሳሳሊ ተመክሮ ዝሓለፈት ኮሚተ ሃገራዊ ዕርቒ ኣልጀርያ፡ እዛ ኮሚተ ብደቂቕ ብምጽናዕ ብዙሕ ፍልጠት ክትቀስም ትኽእል ኢያ።

4. ብጎረባብቲ ሃገራትን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን፡ እቲ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ብሓይልታት ምክልኻል ዝዉሰድ ስጉምቲ ህዝባዊ ደገፍ ከምዘለዎን ተፈላጥነት ክረክብን  ምንጣፍ።

ካልኦት ነጥብታት እታ ኮሚተ ኣገዳስነቶም ብምርኣይ ዕማማ ከተሰላስል ትኽእል።

እቲ ኣብ ደገ ዝነብር ደላዩ ፍትሒ ኩሉ ዜጋ፡ ነዛ ኮሚተ ብወግዒ ደገፉ ክህባ ይግባእ። ሓደ ካብቲ ንዕድመ ስልጣን ዉልቀ-ምልካዊ መግዛእቲ ህግደፍ ክሳዕ ክንድዚ ከምዝሻድን ዝገብሮ፡ እቲ ኣብ ተቓዉሞ ደምበ ዝተራእየ ዘይብስለትን ዘይምክእኣልን እዩ። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ እምበኣር ኩሉ ፍልልያት ኣወንዚፉ፡ ነዛ ኮሚተ ደገፉ እንተሂብዋ፡ ኣብ'ታ ደሞክራሲ ዝሰፈና ኤርትራ፡ ናይ መኖም ሓሳብ ከምዝሓይሽ ህዝቢ ባዕሉ ስለዝዳንዮም፡ ነዚ ሕልሚ ክዉን ንምግባር ጥራይ ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ። እዚ እንተጌሮምን ንስቅያትን ኣዉያትን ህዝቢ ቀዳምንት ሂቦም እንተሰሪሖምን፡ ኣብ ሓንቲ ጽላል እንተደኣ ተጠርኒፎምን እምበኣር፡ ተዓጽየን ዝነበራ ኣእዛን ብዙሓት ክኽፈታን፡ ልቢ ሓያለ ሰባት ብተስፋ ክርስርሳን እየን።

በዚ ኣጋጣሚ ንተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ብዝወሰዶ ተባዕን ለባምን ስጉምቲ፡ ከየመስገንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ስነ-ጥበባዊ የዉሃንስ ትካቦ'ዉን ንክልቲኡ ወገን ንምትዕራቕ ከምዝሰርሕ ብዝሃቦ ቋል ክምጎስ ይግብኦ። ብፍላይ እኳ ፓስተር ጎይትኦም ገብረዮናስ ክብ ዝበለ ምስጋናይ ይብጽሓዮ። ንሱ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ዋሽንግተንን ከባቢኡን ንዝነብሩ ኩሎም ደገፍትን ተቓወምትን ዕድመ ብምግባር፡ ኣብ ንሓድሕዶም ዘሎ ጽልኢን፡ ጸቢብ ትሕተ-ሃገራዊ ስሚዒታት ወጊድ'ሎም ብምጽዉዋር ተኸባቢሮም ክነብሩ ሓያል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኢዩ። እቶም ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት'ዉን ኣሰሩ ብምስዓብ፡  ይጽንሓለይ ዘይብሃሎ ዕዩ-ገዛ ከምዘለኩም ክትግንዘቡ ይግባእ። እዚ ብወዲ ቫካሮ፡ ወዲ ትካቦ ከምኡ'ዉን ፓስተር ጎይትኦም ብንጽል ዝተወስደ ዝንኣድ ተበጉሶ እኳ እንተኾነ፡ ዝበለጸ ኣድማዒ ዉጽኢት ምእንቲ ክርከቦ ግን፡ ከምኦም ዝኣመሰሉ ካልኦት ለባማትን ዓበይቲ ዓድን ብዝተወደበ መልክዕ ክድርዕዎ ይግባእ።

እዚ ሕልሚ እዚ ጋህዲ እንተዘይተቐይሩ፡ እቲ ዘንጸላልወና ዘሎ ሓደጋ እምባዛ ሓደገኛ ኢዩ። ኢሰያስ ብደይ መደይ ዝፈሓሶም ዉዲታት፡ ሽቶኦም ከይወቕዑ እንከለዉ ብኣጋ እንተዘይ ኣለሊናዮምን፡ ንምፍሻሎም እንተዘይተረባሪብናን ግን፡ እታ ጽቡቓ እንመነየላ ሃገርና፡ 'ናብ ሶማል ክትቅየር ኣይትኽእልን ኢያ' ኢልና ጥራይ እንተፈከርና፡ ካብቲ መዓት ክንስወር ኣይንኽእል። ከምቲ ኣብ'ዚ እዋን ሓያለ ሶማላዉያን ንስርዓት ስያድ ባረ ምስ ኩሉ ጽያፈታቱ ዝናፍቝዎ ዘለዉ፡ እቶም ደገፍቲ እዚ ስርዓት ክሳዕ ክንድዚ ክሻድንን ሃገርና ኣብዚ ዘላቶ ደረጃ ክሳዕ እትወድቕ ንዝገበሩሉ ምትብባዓትን ዘንጊዖም፡ ''ቀደሙስ ኣይበልናኩምን'ዶ ዘይንሱ ደኣ መን'ዶ ሒዝዋ ጸኒሑ ኢዩ።'' ብምባል ክመጻደቑ ክጅምሩ ኢዮም። በዚ ድማ ኣብ ነንሕድሕድና ክንተፋነን ኢሰያስን እኩይ ዉዲታቱን ዝዝክሮ ሰብ'ዉን ክስኣን ኢዩ። እዚ ክዉንነት'ዚ ጋህዲ ንኸይቅየርን ህዝብና ካብ'ዚ መዓት`ዚ ክስወርን እምበኣር፡ ሃየ ዓቕምና ብዝፈቕዶ ዘበለ ብትግሃት ዉዳቤና ኣሐይልና ክንሰርሕ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ መድረኽ ዝጠልቦ ዝበረኸ ሓላፍነት ይጽበየና ኣሎ።

ብቴድሮስ ኣብርሃም

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...