ብዕለት 03/10/2013፡ 359 ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ብርክት ዝበሉ ቆልዑን ነብሰ-ጾር ኣደታትን መንእሰያትን ዝርከብዎም፡ ኣብ ገማግም ደሴት ላምፐዱዛ ብዘጋጠሞም ድንገት ምንዳድን ምግልባጥን ናይታ ዝተጓዕዙላ ጀልባ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ኣብ ሸዊት ዕድመኦም ተቐዚፎም። ብጀካ ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ህግደፍን ሕልና-ኣልቦ ዕሙታት ደገፍቱን፡ በዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ህልቀት ንጹሃት ዜጋታትና ዘይሰንበደን ዘይጐሃየን ደላይ ፍትሕን ደሞክራስን ኤርትራዊ ዜጋ የለን። ኤርትራዊ ዜጋ ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመታት መሪርን ጽንኩርን ሓርነታዊ ገድሊ፡ ፍትውቲ ሃገሩ ኤርትራ ናጽነታ ትጐናጸፍ ድኣ'ምበር፡ ብሰንኪ ኣረመናዊ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ናጻ ሃገሩ ሩፍታ ኰነ ራሕዋ ረኺቡ ኣይሓደረን። ከይፈተወ፡ ካብ ኣደራዕ ግፍዕታት ስርዓት ህግደፍ ከምልጥ፡ ዳግማይ ክስደድ'ዩ ተገዲዱ። ብሕልፊ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ባርነት ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘስካሕክሕ ምብስባስ ማሕቡሳትን ኣረመናዊ መንግስቲ ህግደፍ ከይኣኽሎ፡ ኣብ ጕዕዞ ስደቱ ብባርባርነት ኣረመናውያን በደዊን ሲናይን ብመጭወይቲ ሸፋቱ ራሻይዳን፣ ከምኡ'ውን ብዘይጽወር ሃሩርን ኣጻምእን ምድረበዳ ሳሃራ ሊብያን ምስርን ሱዳንን ኣብ ዕሸል ዕድመኡ ብቐጻሊ ከም ቆጽሊ ይረግፍ ኣሎ። በዚ ኣዝዩ ዘሰቅቕ ሃለዋት'ዚ፡ ኣብ ውሽጢ ኰነ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ ልቡ ብጓሂ ተመሊሑ ዝርንዝሕ እናነብዐ ክትክዝን ክቓዝንን ከም ዘይሓገየን ከም ዘይከረመን፡ ኣብዛ ዓለም መዓት ንኽዎርዶን ክሓስርን ከም ዝተፈጥረ፡ ህልቀትን መቕዘፍትን ላምፐዱዛ ተደሪብዎ። 

       ኲልና ከም ዝተኸታተልናዮ፡ በቲ ኣብ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ ዘሕዝን ድንገት፡ ዓለም ብምልኡ ናይ ጽንዓት መልእኽቲ ንስድራቤት ግዳያትን ንማሕበረሰብ ኤርትራን ክግልጽ እንከሎ፡ መንግስቲ ኢጣልያ ኸኣ ብሸነኹ ኣብ ባሕራዊ ግዝኣቱ ብዘሰቅቕ ኩነታት 359 ዝኣኽሉ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ብኸንቱ ህይወቶም ብቛሕ-ሰም ብምስኣኖም ድንጋጸኡን ርህራሀኡን ንምግላጽ፡ ብሃገር ደረጃ ዕለት 4 ጥቅምቲ ናይ ሓዘን መዓልቲ ክኸውን ብዕሊ ኣዊጁ። ብኣንጻሩ፡ እቲ ብቕጥታ ዝምልከቶን ዝሕተተሉን መንግስቲ ኤርትራ፡ ሓላፍነት ምእንቲ ከይውስድ ንኤርትራውነት ናይቶም ግዳያት ብምኽሓድ፡ ከም ኣመሉ ከይሓፈረ "ዘይሕጋውያን ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠሞም ናይ ጀልባ ምግልባጥ ድንገት፡ ካብኣቶም ልዕሊ 13 ዝዀኑ ኣብቲ ባሕሪ ብምጥሓል ህይወቶም ኣጥፊኦም" ዝብል ቅንጣብ ጎደሎ ወረ ብምውራይ፡ ብፍላጥ ከም ዘየገድሶን ዘይምልከቶን ንኡስን ተራን ዕለታዊ ፍጻመ፡ ሸፈፍ ኢሉ ክሓልፎ ሃቂኑ። ጸኒሑ፡ ናይ ዓለም ማዕከናት ዜና ካብቶም 518 ተሳፈርቲ ናይታ ጀልባ፡ 510 ኤርትራውያን ምዃኖም ምስ ኣቃለሐኦ፡ ከይሓፈረ መልሓሱ ሓይኹ ነቶም "ዘይሕጋውያን ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን" ብምባል ኤርትራዊ ዜግነቶም ዝኸሓዶም ግዳያት ኣሕዋትና፡ ከምዛ ዝሓለየሎም፡ ድሕሪ ሰሙን ኣብ ዕለት 9/10/2013 ንኩነታቶም ዝምልከት "ዕላዊ ጋዜጣዊ መግለጺ" ኣውጺኡ። ኣብቲ ዘውጽኦ "ዕላዊ ጋዜጣዊ መግለጺ" (ኣብ ቲቪ ኤረ ብመልክዕ ሓተታ ዝቐረበ)፡ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን እቲ ንሱ ዘቖሞ ዘይሕጋዊ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓትን፣ እቲ ንተቓውሞ መንእሰያት ንምልማስ ዝበየኖ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ናይ ባርነት "ሃገራዊ ኣገልግሎትን"፣ እቲ ንመባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከይተረፈ ብምግሃስ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ብብድዐ ዘውርዶ ዘሎ ዘስካክሕ ግፍዕታትን፣ ከምኡ'ውን እቲ ንቊጠባ ሃገር ንምልማስ ኰነ ኢሉ ዝወስዶ ዘሎ ኣዕናዊ ውልቀ-ምልካዊ ምጕንዳባትን ምዃኑ ክኽውሎ ፈቲኑ።

      እቲ ነዚ ርኡይ ሓቅታት'ዚ ንምኽዋል ዘቕረቦ ምስምስ፡ ኤርትራውያን ሃገሮም ገዲፎም ዝስደዱን ኣብ ጕዕዞ ስደቶም ተጨውዮም ኣብ ኢድ ብኣካላት ሰብ ዝነግዱ ናይ ማፍያ ጕጅለታት ብምውዳቕ ዝሳቐዩን ዘሎዉ፡ "ብውዲት ናይ ኣመሪካ ምምሕዳር ዋሽንቶንን ናይ ስለያ ማእከሉን'ዩ" ዝብል ኢዩ። እዚ ኢዱ ካብ ዝፈጸሞ ወንጀል ንምሕጻብ ዘቕረቦ ምስምስ፡ "ዲያብሎስ ጻድቕ ክመስል ዝዋውዕ ይኣስር" ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ "ኤርትራዊ ዜጋ ዝሳቐን ዝበሳበስን ዘሎ ባዕዳዊ ተጻብኦታት ይገጥሞ ስለ ዘሎ'ዩ" ዝብል ናይ ዕንዛይነት (ግዳይነት) መንፈስ ኣሕዲሩ፡ ተቓውሞኡን ቊጥዖኡን መረርኡን ክንዲ ናብ ስርዓት ህግደፍ ዘቕንዖ፡ ናብቶም ባዕዳውያን ተጻባእቲ ብምባል ዝተሰልበጦም ግዳማውያን ሓይልታት (ብሕልፊ ኸኣ ኣመሪካን ኢትዮጵያን) ንከቕንዕ ተሓሊኑ ዝተማህዘ ኢዩ። ይኹን'ምበር፡ ስርዓት ህግደፍ ዘቕረበ ምስምስ የቕርብ፡ ኣብዘን ድሕሪ ናጽነት ዝገዝኣለን ዕስራን ክልተን ናይ ጸልማት ዓመታት ብግብሪ ከም ዝተመስከረ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ቅንጣብ ሓልዮት ዘይብሉ ኣዕናውን ኣጽናትን ስርዓት ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኰነን። ናይ ስርዓት ህግደፍ ወንጀልን መንቅብን፡ ጒድለት ሓልዮት ጥራይ እንተ ዝኸውን እውን ኣይመስደመመን። እዚ ስርዓት'ዚ፡ ካልእ ይትረፍ ንርእሲ ከተማና ኣስመራ መባእታዊ ናይ ማይን ካህረባን (ኤለትሪክን) ቀረብ ከቕረብ ዘይከኣለ፡ ፍጹም ምምሕዳኣዊ ክእለትን ብቕዓትን ዘይብሉ ውዱቕ ስርዓት ክንሱ፡ "ሰነፍ ንፉዕ ክበሃል ንዘወዓሎ ገዲፉ ብዘይወዓሎ ይወራዘ" ከም ዝበሃል፡ ሕመቑ ንኽሓብእ ዘይድርጕሖ ሃጠው-ቀጠው የብሉን።

      ንኣብነት፡ ኣብቲ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ጥቕምቲ ካብ ዕለት 12 ክሳብ ዕለት 15 ንሽድሽተ ሰዓትን ሓምሳ ደቐቒን ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ዝረዓዱን ዝተኣዘዙን ጋዜጣታት ስርዓቱ ዘካየዶ መትሓዚ ዘይብሉ ዝተዋደደ ቃለ-መጠይቕ፡ ልቦና ዝመልኦ ግብራዊ ፍታሕ ዘቕርብ ዘሎ መሲልዎ፡ ኣብ ዘበን ስነ-ፍልጠትን ስነ-ኪንትን (in the era of science and technology)፡ ብብድዐ "ሰብ'ዩ ናብ ማይ ዝርከቦ ስፍራ ዝኸይድ፡ ማይ ኣይኰነን ናብቲ ሰብ ዝመጽእ" ብምባል፡ ንህዝቢ ከተማ ኣስመራ ብንዕቀት ኣባጪይሉን ተፈላሲፍሉን። እዚ ባጫን ፍልሰፋን'ዚ ግን፡ ኲልዕ ኣቢሉ በሃምነትን ነውራምነትን ስርዓት ህግደፍን ባዶነትን ድንቍርናን ትምክሕታዊ መራሒኡን ኣብ ርእሲ ምንጽብራቑ፡ እቲ ምሽሙሽ ምምሕዳሩ ብዂሉ መልክዕታት መንግስቲ ዝፈሸለ ዘይረብሕ ስርዓት ምዃኑ'ዩ ዘረጋግጽ። ምጭውቲ ሃገርና፡ ምስ ሃብታም ጸጋኣን ህርኩት ህዝባን፡ እዚ ማፍያዊ ስርዓት'ዚ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ፡ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት'ያ ክትነብር።

     ስለዚ፡ ሃገርና ክትብልጽግ ከምኡ'ውን ህዝብና ክርህዎ እንተዀይኑ፡ ፋሽል ስርዓት ህግደፍ ክጽገን ዘይኰነ ካብ ስሩ ተማሕዩ ክድርበ'ዩ ዘሎዎ። እቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብተደጋጋሚ ንገበናቱን ፍሽለታቱን ክሽፍን ወግሐ-ጸብሐ ዘቕርቦ ፍጊዕ ዘብል ቀንዲ ምስምስ፡ "ኣበይ ኣሎኻ ዘይበልዎስ ኣብየት ይብል" ከም ዝበሃል፡ ምስልባጥ ነታ ንዒቓ ኣበይ ኣሎኻ ዘይበለቶ መንግስቲ ኣመሪካ ኢዩ። ብዝዀነ፡ ንስልበጣኡ ብጀካቶም ብዕዉር እምነትን ብውልቃዊ ጥቕምን ተደፋፊኦም ነቲ ስርዓት ዘሳስዩ ዘሎዉ ዕሙታት ደገፍቱ፡ ሓደ ዝኣምኖን ዝቕበሎን ቅንዕናን ልቦናን ዘሎዎ ኤርትራዊ ዜጋ የለን። ኣብ ውሽጢ ኰነ ኣብ ግዳም ዘሎ ህዝብና፡ መን ይዕምጾን የስራጥዮም ከም ዘሎ ስለ ዝፈልጥ፡ ብሽሕጣን "ዕላዊ ጋዜጣዊ መግልጺ" ወይ መተዓሻሸዊ "ዝተቐናጀወ መንግስታዊ ሓተታ" ኣይታለልን ኢዩ። ዝበዝሕ ህዝብና፡ ንመንነት ህግደፋውያን ኣብዘን ዝሓለፋ ዝገዝኡለን ዕስራን ክልተን ናይ ደልሃመት ዓመታት፡ ንጥልመቶምን ሓሶቶምን ጭካነኦምን ስድነቶምን ብልሽውነኦምን ብቐረባ ኣስተውዒሉን ተዓዚቡን ብምምማይ፡ ልቢ ኣዕቢዩን ዓይኒ ኣንቊሑን መን ምዃኖም ኣዳዕዲዑ ስለ ዝፈለጦም፡ ሽሕጣኖም መመሊሱ ብዝያዳ ከንዕቖምን ከኽርሆምን (ከጽልኦምን) እንተዘይኰይኑ ዘፍረዮ ነገር የብሉን።

    ንስርዓት ህግደፍን ዕሙታት ደገፍቱን፡ ምሕሳውን ምስልባጥን፡ ምው`ርዛይን ምምጽዳቕን፡ ሕልና ይኹን ሞራል ስለ ዘይብሎም ኣየሕፍሮምን ኢዩ። እዞም ሰብኣዊ ሕልናኦም ዘዕረቡን ሞራል ዝሓርበቶምን ዕሙታት ደገፍቱ፡ ዓይኒ-ሕፍረት ዘይብሎም ጨካናት ስለ ዝዀኑ፡ ኣብዚ ጓኖት ከይተረፉ ዝሓዝንሉ ዘሎዉ መሪር ናይ ሓዘን ወቕቲ፡ ዘሕጕስ ፍጻመ ከም ዝተረኽበ ንፍንፉን ህግደፍዊ መንግስቶም ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምምእራር፡ ኣብ ዘዳለወሎም ናይ ሸቐጥ ትልሂት እናተሳተፉ ሂር ዝበለ ጓያላ ብምትካል፡ ስኽፍ ከይበሎም ይስዕስዑን ይጭርፉን ኣሎዉ። እዞም ዝባኖም ዝቐልዑ ምስሉያት፡ ሳዕሲቶምን ጭፈሮኦምን ክተርፍ ዘይክእል ዓቢ ጕዳይ ያኢ ኰይኑ፡ ክንዲ ንክብሪ ናይቶም ብዘሰቅቕ ኩነታት ኣብ ላምፐዱዛ ዝተቐዝፉ ኣሕዋቶም ክብሉ ነቲ ዳንኬራ ዘቋርጽዎን ዝውንዝፍዎን፡ "ዓለም ብሓዘንን ሓጐስን ዝተፈራረቐት ስለ ዝዀነት፡ ዝክረ-ሰማእታት ጌርና ኣብ ውራይ ትልሂትና ንእቶ" ብምባል፡ ህልቀት ኣሕዋቶም ድንብርጽ ከይበሎም ንዕድመ ዘይሕጋዊ ኣረመናዊ ስርዓት ህግደፍ ንምንዋሕ እጃሞም ብብድዐ የበርክቱ ኣሎው። ዝዀነ-ዀይኑ፡ እዚ ብድዐ'ዚ ብጋህዲ ብደም ኣሕዋትካ ምጽዋት ስለ ዝዀነ፡ ብታሪኽ ዘሕትት ገበንን ብሰማይ ዘሕትት ሃየንታን ኣሎዎ። ከምቲ ነቢ ሰሎሞን ዝበሎ፡ ንኹሉ መማዓልቱ ስለ ዘሎዎ፡ ብመዓልትና ነቲ ዘይንቕነቕ ዝመስሎም ዘሎ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓቶም ረሞቕ ምስ ኣበልናዮ፡ ከነረኻኽበሎም ኢና።

   ካብ ንውርምና ዕሙታት ደገፍቱ ብዘይፍለ፡ ንጹግ ስርዓት ህግደፍ ዓለም-ብዓለማ ብጃምላዊ ህልቀት ግዳያት ላምፐዱዛ ሰንቢዳ ክትደናገጽ ምስ ተዓዘበ፡ ኣብ ልዕልቶም ሃገራዊ ዜግነቶም ዝኸሓዶም ኣሕዋትና ሰብኣዊ ርህራሀን መንግስታዊ ሓልዮትን ከም ዘሎዎ ንኸምስል፡ ንሬሳታቶም ናብ ሃገሮም ንምውሳድ ዘድሊ ወጻኢታት ብምልኡ ባዕሉ ክሽፍኖ ምዃኑ ብምጅሃር፡ ኣብ መሬት ዓደቦኦም ሓመድ ኣዳም ክለብሱ ከም ዘፍቅድ ከምስል ይኹን ክረኣ በይኑ ኣሎ። ብይኑ ኣብ ግበሪ ከውዕሎን ከየውዕሎን ብሕጂ ክረጋገጽ ኢዩ። ኣብዚ ጕዳይ'ዚ ገለ ክበሃል ዝከኣል ነገር እንተሎ፡ ግዳያት ኣሕዋትና ኣብ መሬት ዓደቦኦም ክቕበሩ ዘይገሃስ ሰብኣውን ሃገራውን መሰሎም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንዓመጽ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ዘቃልዕን ብርቱዕ ህዝባዊ ቊጥዐ ከሕድር ዝኽእልን ዓቢ ተረኽቦ ምዃኑ ኢዩ። እዚ ተረኽቦ'ዚ፡ ዘሕዝን ሃገራዊ ኣበሳ ይኹን'ድኣምበር፡ ንስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ክርቢት ዝሽርጥጥ ሃገር-ለኸ ህዝባዊ ቍጥዐ የገንፍል ስለ ዘሎ፡ ነዚ ኣጋጣሚ'ዚ ንስርዓት ህግደፍ ኣንጸራሪዩ ድቃስ ዝኸልእ ስሙርን ኣድማዕን ሓያልን ሃገራዊ ናዕቢ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ንኸተንስእ ከይተሃመልና ክንጽዕረሉ ኣሎና። ምኽንያቱ፡ ነቶም ዝሃለቑ ግዳያት ኣሕዋት እንኽሕሶም፡ ዝርንዝሕ ብምንባዕን፣ ሽምዓ ኣብሪህና ብምዝካርን፣ ኤይ-ኤይ ኢልና ብምልቃስን፣ ከምኡ'ውን ሕልናኻ ዝወቅስ መዝሙርን ግጥምታትን ብምስማዕን ጥራይ ኣይኰነን። ብርግጽ፡ መሪር ሓዘና ብዝተፈላለየ መልክዕ ክንገልጽ ግቡእን ንቡርን ኢዩ።

     ይኹን'ምበር፡ ብሓቂ ክንክሕሶም እንተዀና፡ ኣንጻር'ቲ ናብዚ ንመላእ ዓለም ዘስካሕከሐን ዘሕዘነን ህልቀትን ቅዝፈትን ንኽወድቁ ጠንቂ ዝዀኖም፡ ዘይሕጋውን ዘይደሞክራሲያውን ስርዓት ህግደፍ፡ ግብራዊ ስጕምቲ ብምውሳድ ነበር ምስ እንገብሮ ማለት ምስ እንውግዶ ጥራይ ኢዩ። እቲ ንስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ክንወስዶ ዘሎና ግብራዊ ስጕምቲ ከመይ ዝኣመስለ ኢዩ? ስርዓት ህግደፍ፡ እንትርፎ ብሓይሊ ብኻልእ ቋንቋ ዘይርዳእን ዘይሰምዕን ብዱዕ ስርዓት ስለ ዝዀነ፡ እቲ እንወስዶ ግብራዊ ስጕምቲ ኣድማዕን ዕውትን ዝዀነ ውጽኢት ክርከቦ ዝኽእል፡ ኣብ ሓይሊ ዝተመርኰሰ ማለት ጐነጻዊ ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ። እቲ እንወስዶ ጐነጻዊ ስጕምቲ ግን ዘይድለ ናይ ሰባት ንዋትን ክሳራታት ከየኸትል፡ ከመይ ዝበለ መልክዕ ዝሓዘ'ዩ ክኸውን ዘሎዎ? ዝዀነ ጐነጻዊ ስጕምቲ፡ ዘይተደልየ ሰፍ ዘይብል ናይ ሰብን ንብረትን ክሳራ ከስዕብ ስለ ዝኽእል፡ ኣብ መሮር ሰፊርካ ዝተናወሐ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምስልሳል ተመራጺ ኣይኰነን። ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ብመላእ ህዝብና ኣብ ርእሲ ምጽልኡን ካብ ኲለን ሃገራት ዓለም ኣብ ርእሲ ምንጻሉን፡ እቲ ዝምከሓሉ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣባላት ሰራዊቱ ብኣሽሓት ናብ ስደት እናምርሑ ስለ ዘማህመንዎ፡ ከም ብፍልሖ ዝተበልዐ ዓንዲ ቦኽቢኹ ጓንጓ ኰይኑ ኣሎ።

     እቶም ክሳብ ሕጂ ንስርዓቱ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት እናፈጸሙ ደው ኣቢሎሞ ዘሎው ባእታታት፡ እቶም ንውልቃዊ ረብሓኦም ብምቕዳም ምስ ውልቀ-መላኺ ወጊኖም ኢዶም ኣብ ምፍሳስ ደም ንጹሃት ዜጋታትና ዝሓወሱ ተበለጽቲ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊትን ሰበ-ስልጣን መንግስትን ኣባላት ናይ ስለላን ጸጥታን ትካልቱን ከምኡ'ውን እቶም ኣብ ስደት ኰይኖም ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝምእርርሉን ንገበናቱ እናኸወሉ ዘመኻንይሉን ዘሎው ዕሙታት ደገፍቱ ኢዮም። እዞም ብ "ንሕና-ንሱ፣ ንሱ-ንሕና" ዝፍለጡ ዕሙታት ደገፍቱ፡ ካብቶም ብሓፈሻ ንህዝብና ብዝያዳ ኸኣ ንመንእሰያትና ብጃምላ እናገፈፉን በብሓደ እናለቐሙን ብምእሳርን ብምግራፍን ከም ባርያ ብምሻጥን፡ ዘሳቕይዎን ዘከላብትዎን ዘጥምይዎን ዘስድድዎን ዝቐዝፍዎን ዘሎዉ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊትን ሰበ-ስልጣን መንግስትን ብዘይፍለ፡ ኣድመይትና ስለ ዝዀኑ ከም ደመኛታትና ቆጺርና ብትሪ ከየናሕሰና ክንውግዞምን ክንምክቶምን ኣሎና። እንተበጽሐ፡ እቶም ቀንዲ ንውልቀ-መላኺ እናሓብሓቡ ንኣረመናዊ ስርዓቱ ዘሳስይዎን ዝዕንግሎዎን ዘሎዉ ባእታታት (ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊትን ሰብ-ስልጣን መንግስትን ኣሕሉቕ ንሕና- ንሱን)፡ ቊጽሮም ካብ ሓደ ሽሕ ዘይበዝሕ ኢዩ። ካብዚ ዝተላዕለ፡ እቲ ዝቐለለን ዝሰለጠን ኣድማዕን ውጺኢታውን ግብራዊ ስጕምቲ፡ ኣብ መሮር ካብ ዝሰረትካዮ ደጀን ታተ እናበልካ ዓርሞሽሽ ሓርነታዊ ሰራዊት ብምቛም ዝተናውሐ ብረታዊ ቃልሲ ምክያድ ዘይኰነ፡ ነዞም ካብ ሓደ ሽሕ ዘይበዝሑ ባእታታት መሚኻን ነቒስካን በርቃዊ ደብያዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ፡ ካብ ውልቀ-መራሒኦም ጀሚርካ፡ ሓደብሓደ ከየናሓሰኻ ብውሕልነት ምምንካሎም ኢዩ።

    ነዞም ዘይረብሑ ወይጦታት ክትብል ዱር-ገደል ምስፋርን ዘይምለስ ዕድመኻ ምብኻንን ሕሱም ናብራ እናሕለፍካ ከርተት ምባልን ዘድሊ ኣይኰነን። ቅድሚ ሕጂ ብዝፈጸምዎን ሕጂ ብዝፍጽምዎ ዘሎዉን ገበናት ተሓቕዮም ሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ሰለም ከብሉ ኰነ ሸነን እናበሉ ክዛውኑ (ከንደልህቑ) ኣይግበኦምን ኢዩ። ስለዚ፡ ካብ ሕጂ ንድሓር፡ እቲ ከም ተቓለስቲ ፍትሕን ደሞክራስን መጠን ክንዝትየሉ ዝግባእ ጕዳይ፡ ከመይ ጌርካ ነዞም ወይጦታት እዚኣቶም ትምንክሎም ክኽውን ኣሎዎ። ንኣብነት፡ ከመይ ጌርና ዘመን ዘምጽኦ ብሪሞት ዝፍጀር ቦምባታት ንምስራሕን ምጽዋድን ዘደሊ ፍልጠት ንቐስም፣ ዝተራቐቐ ናይ ፈዳኢን ስርሒታት ንዕለም፣ ከምኡ'ውን ከመይ ጌርና ነዚ ስርሕታት'ዚ ዘሰላስላ ናይ ደባይ ኣሃድታት ኣብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ብምስጢር ንውድብ፡ ዝብሉ ኣገድስቲ ኣርእስታት ገለ ካብቲ ብፈተ-ግንባር ሰሪዕና ክንዝትየሎም ዝግብኣና ውዕዉዕ ዛዕባታት ኢዮም። ታሪኽ ቀዳማይ ዕዉት ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልስና ከም ዘመስክሮ፡ ንዘይስገር ዝተባህለ መሰናኽላት ጠሓሒስና ዝተዓወትና ምኲራት ሃገራውያን ተቓለስቲ ከም ምዃና መጠን፡ ሓንሳእ ሰሚርናን ቆሪጽናን ንስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ እንተ ኣንቂዳና፡ ሸቶና ኣብ ዝሕጸረ ግዜ ንኸይንወቅዕ ዝኻልፈና ነገር የለን።

    ስለዚ፡ ኲለን ተቓወምቲ ውድባት ብሓፈሻ፡ እተን ብዕጥቂ ብረት ዝቃለሳ ዘሎዋ ግንባራት ከኣ ብፍላይ፡ ናይቲ ዋልታ ኰይኑ ዝሕለቐሉን ዝከላኸለሉን ስኢኑ ዘሎ ክቡር ህዝብና፡ ምሉእን ልባውን ደገፍ ክረኽባ ዝኽእላ፡ ጉባኤታት ብምክያድን መግልጺታት ብምውጻእን ጥራይ ዘይኰነ፡ ብቐንዱ ንስርዓት ህግደፍ ዘርዕድን ዝሩኽምሽን ግብራዊ ስጕምታት ብምውሳድ እየን። እዋኑ ፍጹም ዘየሳልን ዘየደቅስን፡ ድሕነት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ወዲቕሉ ዘሎ እዋን ስለ ዝዀነ፡ ተቓወምቲ ውድባት ሃየ ናይ ብሓቂ ንሓርነት ህዝብኽን እትቃለሳ ሃገራውያን ውድባት ምዃንክን፡ ንመራሕቲ ህግደፍን ደገፍቱን ዘጅሩቕ ጭቡጥ ዘየላቡ ግብራዊ ስጉምታት ብምውሳድ ኣመስክራ! እንትርፎ ብኣድማዒ ግብራዊ ስጉምታት፡ ብዘብለጭልጭ ኣስማትን ዝምስጥ መደባትን ዝዀነት ሃገራዊት ተቓዋሚት ውድብ'የ እትብል ሰልፊ ትኹን ግንባር፡ ናይ ህዝቢ ደገፍን ተቐባልነትን ክትከስብ ይኹን ከተስፍሕ ማለት ዘበት ኢዩ። ኣብ ዝዀነ እዋንን ኩነታትን ኣብ ህዝብኻ ተሰማዕነት እትረክብን ህቡብነት ኣጥሪኻ ዝና እተትርፍን ታሪኽ እትሰርሕን ብእትወስዶ ንህዝብኻ ዘዕግብን ንዓመጽቱ ዝድህክን ግብራዊ ኣድማዒ ስጕምታት ጥራይ ኢዩ። ክንዲ ዝዀነ፡ ኣበዋት (ቀዳሞት ኣቦታትና) ግብራውያን ክንከውን ክምዕዱ እንከሎዉ፡ "ሓንቲ ዓባይ ዳርባ (ሞያ) ክንዲ ሽሕ ዘረባ" ይብሉ። እዚ ምስላ'ዚ፡ ጭቡጥ ካብ ተሞክሮ ዝተቐስመ ልቦና ስለ ዘሎዎ፡ ኣብዚ እንሰላስሎ ዘሎና ዳግማይ ሓርነታዊ ቃልሲ ከም ግብራዊ መምርሒና ወይ መትከልና ጌርና ብምውሳድ ኣብ ግብሪ ብዘይወለቕዘለቕ ከነውዕሎ ይግባእ። ኤርትራዊ ዜጋ ከም ድላይካ ትጻወቱን ትብለጸሉን ሕሱር ፍጡር ኣይኰነን።

     ከም ዝዀነ ካልእ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ዜጋ፡ ዘይገሃስ ሰብኣዊ ክብርን ሰብኣዊ መሰልን ዘሎዎ ክቡር ፍጡር ኢዩ። ህይወቱ ካብ ኲሉ ነገራት ዝዓዘዘ ኣዝዩ ልዑል ብገንዘብ ዘይትመን ዋጋ ኣሎዎ። ዋጋኡ ዕዙዝ ክንዲ ዝዀነ፡ ሓርነት ህዝቡ ከረጋግጽን ናጽነት ሃገሩ ከጐናጽፍን ንሰላሳ ዓመታት ከይተሓለለ ብዘስተንክር ጅግንነትን ጽንዓትን ስምረትን ብዕጥቂ ብረት ተቓሊሱ ንልዕለ-ሓያላን ገጢሙ ብምስዓር ዝተዓወተ መዘና ዘይብሉ ምዑት ዜጋ ኢዩ። ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ግን፡ እምነት ዘሕደረሎም መራሕቱ ስለ ዝጠለምዎን ኣደዳ ስደትን ሕስረትን ስለ ዝገበርዎን፡ ንግዜኡ ክሳብ ዕምሮም ዘሕጽሮ ንክብረቱ ደፊሮም ንትግዕስቱ ጸንቂቖም ከንበርኽዎ ይፈታተንዎ ኣሎው። ይኹን'ምበር፡ ፍጹም ዘይክማህ ጽንዓትን ዘይሕለል መንፈስን ኣብ ርእሲ ምህላዉ፡ ክብረቱ ዘይንምዛዕ ኣካል ሰብኣውነቱ፣ ዘይስረዝ ኣካል ሃገራውነቱ፣ ከምኡ'ውን ዘይድወን ኣካል ታሪኹ ስለ ዝዀነ፡ ብዘሰላስሎ ዳግማይ ሓርነታዊ ቃልሲ ብዘየዘማትእ ሓንሳእ ንሓዋሩ ክመልሶን ከሐድሶን ኢዩ። ገባትን ጨቋንን ስርዓት ህግደፍ፡ ብህዝቢ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ሃገራዊ ምርጫ ከይተመርጸን ከይተወከለን ኣብ ኮርሻ መንግስታዊ ስልጣን ብዓመጽን ጐበጣን ተወጢሑ፡ ሸሸይ እናበለ ባዕዳውያን ገዛእቲ ካብ ዘወረድዎ ኣበሳ ንላዕሊ ዝብእስ ኣበሳ ብምውራድ ንሃገርና ከባድማን ከድክያን ከዘኽትማን፡ ከምኡ'ውን ንመንእሰያትና ኣጽኒቱ ንህዝብና ከንበርክኽን ክድህልን ከጃጅውን ህርድግ ይበል ድኣ'ምበር፡ ብዘይቊጸ ዳግማይ ሓርነታዊ ገድልና ረሞቕ ከም እነብሎ ዘወላውል ኣይኰነን። የግዳስ፡ ውድቀት ማፍያዊ ስርዓት ህግደፍ ከነቀላጥፎ፡ ብዘይውዓል-ሕደር ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከቡ ኣባላቱን ደገፍቱን ዘየናሕሲ ገታኢ ግብራዊ ስጕምቲ ክንወስድ ኣሎና።

    ምኽንያቱ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝፈጸምዎን ሕጂ እውን እንተዀነ ከየቋረጹ ዝፍጽምዎ ዘሎዉን ገበናት፡ ስለ ዘይተቐጽዕሉን ዘይተፈርድሉን ዘይተሓትሉን፡ ኣብ ልዕሊ ናተይ እትብሎም ህዝብኻን ሃገርካን ገበናት ምፍጻም መንፋዓትን ጽድቅን ጌሮም ብምውሳድ፡ ዓገብ ዝብሎምን ደው ዘብሎም ስኢኖም መመልሶም የግድድዎን ይውስኽሉን ኣሎዉ። ብዝተረፈ፡ ብዘጋጠመ ሓዘን ህልቀት ግዳያት ላምፐዱዛ፡ ብፍላይ ንስድራ ግዳያት ኣሕዋትና፡ ብሓፈሻ ኸኣ፡ ንመላእ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብና ጽንዓት ይሃቦም። ካብዚ ብዘይፍለ፡ ንኣባይ ኲልና ዝዀነ ስርዓት ህግድፍ፡ ዘቝርን ዘልምስን ኣምስያኡ ድማ ዝድዕሙኽን ዘዋርድን መስጣ የውርደሉ። በዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ ነተን ብረት ኣልዒለን ዝቃለሳ ዘሎዋ ተቓወምቲ ውድባት፡ ንክቡር ህይወት ናይቶም ኣብ ላምፐዱዛ ብጃምላ ዝሃለቑ ግዳያት ኣሕዋትና፡ ንስርዓት ህግደፍ ዘዕበድብድ ግብራዊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብምውሳድ ክኽሕሰኦ፡ ከምኡ'ውን ነቲ ብቐጻሊ ደም እናነብዐ ዝዋረድን ዝሳቐን ዝጕህን ዝጸንትን ዘሎ ውጹዕ ህዝብና መድሕን ክዀንኦ ክንብድሀን ግቡእን ኣድላይን ኢዩ። ኣብዚ ህሞት'ዚ፡ ብድሆ ክንብለን እንቕሰበሉን እንድረኸሉን ኣብነት፡ ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስን ካብ ውሽጢ ሃገር ኰነ ካብ ወጻኢ ኣሰር እተን ብግብሪ ጭቡጥ ገታኢ ስጕምታት ዝወስዳ ሃገራውያን ውድባት ብምስዓብ፡ ኣብ ጎነን ብዕስለ ክስለፉ ድሉዋት ብምህላዎም ኢዩ።

ዓወት ዳግማይ ሓርነታዊ ቃልስና ዘይተርፍ ኢዩ!

ፍጹም ውድቀት ንውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!

ብያሲን ዑመር (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...