ቀደም ምስ ጀብሃ ዝተቓለሰ፡ ኣብ መወዳእታ ረፈረንደም ዘየ’ድመጸ፡ ሎሚ ድማ: ዕሉል ደጋፊ ዝመስል  ሰብኣይ፡ ዓዲ በጺሑ: ደሃይ ቤተሰቡን ዑና እንዳ መዓለ’ብኡን ጌሩ፡ ናብ ኣመሪክኡ ምስ ተመልሰ: ማለት’ሲ:

ናብ’ዛ ኣመሪካ ዓባይ፡ ናይ ናጽነት ቀላይ።

ውላድ ጎይታ ዘርኢ ባርያ፡ ካብ ሸቃላይ ክሳብ ተመሃራይ፡

ካብ ፐኦርያ ክሳብ ፕሪቶርያ፡

ካብ ኮሎምቢያ ክሳብ ቶኾምብያ፡

ካብ ሃቫና ክሳብ ጋና፡

ካብ የመን ክሳብ ጀርመን፡

ካብ ቦምበይ ክሳብ ኖርወይ

ካብ ሓርጌሳ ክሳብ ላምፐዱሳ፡

ዝቦቖለ ዓይነት ሰብ፡ ናብ ሑቕፎኣ ምስ ዓለበ፡ ብዘይ ገለ ብሎኮ ብዘይ መንቀሳቐሲ ወረቐት፡ ኣብ ዝማምኦ ክሳድ፡ ዓውዱ መድሚዱ፡ ኣጎዝኡ’ንጺፉ፡ ፈጣሪኡ’መስጊኑ ዘሳፍሓላ፡ ዓባይ ኣመሪካ፡ ከም ዓለሙ ክነብር ስለ ዝተዓደለ፡ ብንጽጽር ንዝተዓዘቦ ናይ ሂወት ዓይነታት ገሪሙዎ፡ እዚ ፍልልይ እዚ’ሲ መለክዒ’ብሉን። ወላ! ወላ’ንድዕሉ ምስ ሚዛን ፍትሒ ናይ ወለ’ዝጊ ክሳብ ምጽብጻብ ዘድፍር’ዩ  ዝመስል …. ኣይበለን።

    ሰብኣይ ተዓዲሉ፡ ናብ’ዛ ለይትን ቀትርን፡ ንዕስራን ኣርባዕተን ሰዕታት ጀበና ተሰኽቲታ፡ ምስ ውዕይቲ ጣይታ፡ ፈቐዶ ገማግም ጽርግያ ተቐሪበን፡ ዝርከበላ ዓባይ ኣመሪካ፡ ምስ ተመልሰ’ሲ፡ ቁጽሪ ዘይብለን ማይ ዝመስላ መኻይን፡ ካብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ አእጃመን ምእንቲ ከልዕላ፡ ከም ውሕዥ ፉፍ ክብላን ክቀዳደማን እንከለዋ ብመስኮት እናተዓዘበ፡ ኣብ በሪኽ ቦታ ኮፊ’ሉ፡ ግርማ ሞጎስ ናይ ከተማ እና’ስተማቐረ፡ ቡን ምእንቲ ክሰቲ፡ ናብ ሓንቲ ኣብ ደንደስ ሃይ-ወይ!! ዓርበ-ሮቡዕ እምባትካላ ዝመስል ጸድፊ ተንጠልጢላ፡ ትክን ምዑዝ ሽታን ለልኢኻ፡ ንወዲዓዲ ይኹን ዘይወዲዓዲ ሓላፍ መንገዲ፡ ንቐደም በሉ ክትብል ዘይትርብርብ፡ ቤት ብልዒ መሪጹ ኣተወ።  …. ዝምረጽ ይፍጠረልና።

    እዋኑ ብርሃንን ሙቐትን ንእብረ ዝርዕሙሉ፡ ቁርን በረድን ድማ ንመጽእ ኣለና’ሞ ክዳውንትኹም ቀይሩ እናበሉ ብማዕዶ ዝፍክሩሉ፡ ከምኡ’ውን ኣቑጽልቲ ተልእኾኦም ፈጺሞም ዝሰናበቱሉ፡ ክፋል ናይ እዋን ኮይኑ፡ ሰዓቱ ድማ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ንግሆ’ቢሉ’ዩ ዝነበረ። ልዕሊ ኹሉ ግን ዘርከበ ኤርትራዊ ዘዕልለሉ ቦታን ሰዓትን ስለዝነበረ፡ ብናይ እዋን ቋንቋ ከም ደገፍትን ተቓወምትን ዝጽብጸቡ መናብርቲ ወረ ዓዲ ክሓቱ ዓቕሉ ክሳብ ዝጸ’ቦ ከበብዎ።

    ሓቂ’ሓይሽ ሰብኣይ፡ ፊት ንፊቱ ንዝጥምቶ ተዓዛቢ፡ ማዩ ስትይ ኣቢሉ! ስሳታቱ ቆራጢሙስ፡ ሎም’ውን ኣለኹ ጌና ዝብል’ዩ ዝመስል። ብሓፈሽኡ ግን ሕጽር ዝፍጥጥ ዝበለ ዱልዱል ሰብኣይ ኮይኑ፡ ካብ ምዝራብ ምስማዕ ዝዕብልሎ ባህሪ’ለዎ።

    ስለ’ዚ ኣጸቢቕካ ክሳብ ትላለዮ ብቐሊሉ ኣይድፈርን’ዩ ቆለ-መልኣኹ። ብፍላይ ብላዕላይ-ላዕላዩ’ቢሉ ንዝጥምቶ ህዉኽ ዓይኒ ተዓዛቢ፡ ሓፈሻዊ መልክዑ፡ ንኸመ’ዓልካ ናይ ወለዝጊ’ኳ ስግጽ ዘብል’ዩ። ምኽንያቱ ሓምሓም ርእሱ ዝተረፋ’ብላን። ብሪቕሪቕ’ያ ትብል። ምስ’ቲ ድሙቕ ነጸብራቕ፡ ስሕት ኢላ ነተን ፍርቂ ጎድነን ሽጉርቲ-ቐይሕ ዝመስላ ጨምጫማት ኣዕይንቱ እናገማጠለት የማነ-ጸጋም ክትዕዘብ እንከላ፡ ንኽትቋዮቕ ትህንደድ ዘላ’ያ ትመስል።

  ብፍላይ’ተን ኣብ ጽላል ደበንገረ’እዛኑ ተላሒገን፡ ዕባራ ኽረምቲ ተሳጊረን፡ ዕምረን ምሰ’ናውሓ፡ ከም ህጓግ ስገም ሓንሰ-መስቀለ፡ ንፋስ ናብ ዝነፈሶ’ቢለን ፊልፊል ዝብላ ኣጻጉሩ፡ ዝህቦኦ ውቃበ ከኣ ንሓላፍ መንገዲ ዘዐንቅፍ’ዩ።

ንሱ ብዘየገድስ ግን፡ ንኽዛረብ ክምስ እንተጀሚሩ፡ ዕላሉ ንበይኑ’ዩ። ደጋፍን ተቓዋምን ኣብ ሓንቲ ጣውላ ኣውዒሉ ዘሕድር ላዛ’ለዎ፡ ኣወዳድቓ ቃላቱ።

  ስለ’ዚ ሳላ ትዕድልቱ፡ ነቲ ዘጋጠሞ ሕቶታት ንምምላስ ብዙሕ ኣይተሰከፈን። ዓዲ ደኣ እንታይ ክወጽኣ፡ ናይ ቀደም ኣስመራኮ ኣብ እንዳ ድኳን ከይተሸጠ ዝሓደረ ባኒ፡ ኮሪሹ ተባሂሉስ ኣብ ዘምቢል ተቐሚጡ፡ ብሽክለታ ተጻዒኑ፡ ወጋሕታ ናብ ዋንኡ ናብ እንዳ ፎርኖ ተመሊሱ፡ ብውዑይ ባኒ ዝትክኣሉ ክንክን ዜጋታት ዝነበሮ ዕዳጋ’ዩ ኔሩዋ። … ክብል ምቁር ዕላሉ ኣይጀመረን።

ንሱ ጥራይ’ውን ኣይኮነን፡ ሓኪም ዝመሓለሉ ናይ እንዳ ጎላ ስጋ’ሲ፡ ሽጉርቲ ክቑሎ እንከሎ ጨንዩኒ እነሀኹ መጺአ’ሞ፡ ስኞራ’የ ምስ’ቲ ጠስምን ድልኽን መሰለይ ኣኽብርለይ ንምባል፡ ብወረቐት ተጠቕሊሉ፡ ብድሕሪት ኣብ ብሽክለታ ተጎራቢቱ፡ ኮምብላስዮነ ብዝለበሰ ሸቃላይ ተዓጂቡ፡ ሰዓቱ ሓልዩ፡ ቅድሚ ፋዱስ ኣብ ካንቸሎ እንዳ ስኞራ ደው ኢሉ፡ ዋግኡ ብጸኒሕ ኣብ መሃያ ክኽፈል ምዃኑ እናፈለጠ፡ ብናይ ሸቃሊት ፊርማ ገዛ ንኽኣቱ፡ ጽቡቕ ፍቓድ ናይ ስኞራ ንምሕታት፡ ፐርመሶ! እናበለ ካምፓነላ ዝድውለላ ዝነበረ ከተማ’ያ ኔራ። ሕጂ ግን ምስ’ንዳ ዝናን ባህታን ሽሻይ ሃዲሙ’ዩ። ኣብ’ንዳ ስጋ’ኳ ካራሩን ሃመማን’ዮም ተኸስ ዝብሉ ዘለዉ፡ ዝብሉ ሰባት ኣየሰኣኑን’ዮም፡ …… ኣይበለን።

    ምናልባት በ’ንጻሩ፡ መንግስትና ናይ ቢሻ ወርቅና ሽይጥ-ሽይጥ ኣቢሉ፡ ፍሪጅን ማይክሮወይቭን ክዕድል ምስ ጀመረ፡  ዘመናዊ ኣቑሑ፡ ከም በዓል ሓጸብትን መንቀጽትን ናይ ክዳውንትን ናይ ድስቲ-ኹስኩስትን ኣብ ገዛውቲ እንዳ ኹሉ ዜጋ ምስተጠረ፡ ስታር ባክስ ፈቐዶ ኣንጎሎ ናይ ገዛውትና ተተኺሉ ብውሕሉል ኣገልግሎት ንጉስ-ዕዳጋ ተሰንዩ፡ ቡን ምስ ዕጣኑ ክድክር ምስ ጀመረ፡ ገነት ስለ ትኸውን ሃገርና’ሲ፡ ናይ ኡጋንዳ ይኹን ናይ ወለጋ ቡን ምቑላው ክተርፍ’ዩ ኣብ መጋርያና፡ ዝብል ሕልሚ ዘለዎም ሰባት’ውን ኣይሰኣኑን’ዮም፡ …… ኣይበለን።

    ወይ’ውን፡ ዓዲ ዝተረፋ’ብላን፡ ጽርግያ ተበዣዢሉ፡ ጥልያን ዝገደፎ ገዛውቲ’ውን ዓንዩ፡ ብንጽጽር ድማ ቤት ማሕቡስ ናይ ደርጊ ቀሊል’ዩ ኔሩ ዝበሃለሉ ናይ ናብራ ዓይነት’ዩ ሰፊኑ ዘሎ። ካልእስ ይትረፍ ማይ’ኳ እዛ ማይ ናየ’ባ’ዥጎ፡ ከም ኮካ ናይ ኣመሪካ ብታኒካ’ያ ትዕደል ዘላ፡ ዝብሉ ደቂ ገዛውቲ’ውን ሕሹኽሹኽ ክብሉ ይስምዑ’ዮም፡ ……. ኣይበለን።

      ናይ ሉቸ ወረ ድማ ንበይኑ’ዩ። ከም’ዛ ሓው’ንዲዲ ትመስል ነበልባል ውዕይቲ ፍቕሪ ቤት ትምህርቲ “ምጅማርስ ተጀምረኒ’ለኻ  ከተወድኣኒ ዲኻ” ዝብል ናይ ሻቕሎት ደርፊ እናተደርፈላ’ያ ትረስን ዘላ ሞጎጎ’ስመራ፡ …… ኣይበለን።

   ከመይ’ሲ ብመሰረት’ቲ ምሸት-ምሸት ቲቪ ኤረ ተርእዮ ስእልታት ክዝረብ እንተኾይኑ፡ ናይ አለክትሪክ ፓሎታት ፈቐዶ ዓድታት እንኪራገፈ ዝምስክር ናይ ምዕባለ ተኣምራት መሊኣ’ላ ዓዲ ዘብል’ዩ።

  ኣጋ ምሸት ምስ ናይ ጸሓይ ዕርበት ኣብ ኮምብሽታቶ ዘሎ ደልሃመት እንተተዘኪሩ ግን ዋዕ ኢልካ እዚኣ’ኮ  ኣስመራ’ያ ዘብል ኣይኮነን። ካልእስ ይትረፍ ምናልባት ኣማስያኻ ወኻዕካዕ ኮምቢሽታቶ ቃሕ ኢሉካ’ሞ፡ ኦክያለኻ ረሲዕካ ዘውር ክትብል እንተፈቲንካ፡ ምርኩስካ ቀርማሕ እና’በልካ፡ ቁልጭ-ምይሕ ዝብል ናይ መንበረ ታቦት ሽምዓ እናድነቕካ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ቤት ጸሎት፡ ብጸልማት ዝምህለሉን ዝምህለላን ሰብ ጻዕዳ ነጸላ፡ ኣብ ባይታ ተደፊኦም፡ እናረአኻ’ዩ ብቕድሚ ካተድራለ ደርገፍ ዝበሃል ዘሎ። …. ኣይበለን።

   ምናልባት ኣበ’ስመራ ሕድሪ ዘይጠለመት እንተ’ላ ግን ናይ ካተድራለ ደወል’ያ። ከም’ታ ፈለማ ኣብ ግዜ ጥልያን ዝጀመረታ ድምጻ ክሳብ ሕጂ ከየ’ቋረጸት ሰዓታት እናፈቐደት’ያ ደሃይ እዋን ትገብር ዘላ። እንተኾነ ግን ናይ ሎምስ ንበይኑ’ዩ። ምስ’ቲ ጸልማት ናይ ጽርግያ’ሲ፡ ኣብ መንጎ ግመን ዕምብረን ዝቀላቐል፡ ናይ ወርሕን ከዋኽብትን ብርሃን ቃሕ ከም ዝበላ፡ መቓልሕ ድማጻ ንሰማይ ገጹ፡ ሕድርኹም ሩፋኤል-ሚኪኤለ፡ በጃኹም ሱራፍኤል-ገብርኤለ እናበለ ናብ ዙፋን ወለ’ዝጊ ገጹ ክምሕጸን መሬት ከምዝዓረቦ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ደሃይ ኮምብሽታቶ ዝስቆሮ ኣይመስልን ዘሎ። …. ኣይበለን።

    ምኽንያቱ ወላ፡ ወለ’ዝጊ ባዕሉ’ውን፡ ንስኻትኩም’ሲ ኣይትሰምዑን ኢኹም። ካብ ታሪኽ ትልብሙ  ኣይትመስሉን ኢኹም’ሞ፡ ባዕልኹም ትፈልጡ፡ ናትኩም መወዳእታ-ዓለም’ሲ ቀሪባ’ያ ብምባል ደሃይ ኤርትራ ምግባር ዝገደፎ’ዩ ዝመስል ዘሎ ።………… ኣይበለን።

ከም’ዛ ንሪኣ’ያ መልክዓ!

   ዝኾነ ኾይኑ ሰብኣይ ዓዲ’ኸመ’ላ ዝብል ሕቶ ምስ በዝሖ፡ ናብ ጽርግያ ገጹ እናጠመተ ብርቱዕ ትንፋስ ኣተንፈሰ’ሞ፡ ኣከታቲሉ ክልተ መዓጎ ቡን ሰተየ። ግልብጥ ኢሉ ድማ ጸጋማይ እጅግኡ ሰብሲቡ ሰዓቱ ተመልከተ። ኣይደንጎየትን ግን፡ ወያ ኩሉ ሰብ ዝብህጋ ፍልይቲ ሃብቱ፡ ማለት’ሲ ፍሽኽታ ካብ ገጹ ተሰወረት።

  ሻቡ ከም ጠበቕ ርእሱ ነቕነቐ። ብምቕጻል ድማ እንተደለ ንእዝኒ ሰማዒ’ኽበዶ ብዝዓይነቱ ሜላ፡ ኣንቱም ሰባት ንዓዲ፡ ማለት’ሲ ናበ’ዝማድኩም ተለፎን ትድዉሉዶ ዝብል ሕልና ዝቑንጡ ሕቶ ብምቕዳም፡ ንደገፍትን ተቓወምትን ዘዕግብ መልሲ ካብ ልቢ ነፍስ ወከፎም ፍሒሩ ከውጽእ ፈተነ።  ይኹን ደኣ’ምበር ዝምልሰሉ ሰብ ኣይረኸበን።

    ስለ’ዚ ሰብኣይ ብሱቕታን ብምጥምማትን ናይ መዓልልቱ ተገሪሙ፡ በሉ ዓዲ ከም’ታ ኣዝማድኩም ብተለፎን ዝነገሩኹም’ያ ትመስል ዘላ፡ ብምባል ናይ ባዕሉ ቃላት ከይሓወሰ፡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ናይ ህዝብናን ዓድናን ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ለልብና ከምዘሎ ንፋለጢ’ና’ሞ፡ በጃኻትኩም፡ ኣብ ለልብና ክንዓብጦ ንንደልዮ ዘረባ ኣነ ከውጽኣልኩም  ኣይትደፋፍኡኒ። ዓለምና ከም’ዛ ሓቢርና ንሪ’ኣ’ያ ትመስል መልክዓ።

 መን’ፈልጥ ግን መዓልቱ ኣኺሉ ክሳብ ዝበልየልና፡ ከም ኣመልና፡ ንኹላትና ሰሱቕታና’ሕሸና፡ ብዝዓይነቱ ሜላ ኣዋሕልል ኣቢሉ መለሰ’ሞ፡ ምቅድዳም ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ከየምልጦ ከም ዝሰግአ ናብ ጽርግያ ገጹ ምጥማት ቀጸለ። ኣዕሙቕ ኣቢሉ ድማ ኣተንፈሰ።

ዝገርም’ዩ!

እዚ ኹሉ ጣጣስ ነዛ ናይ ኣፍሪቃ ሮማ፡ ትመስል’ያ ዝበልዋ ደቂ ማማ።

ኣስመራ ኸተማ፡ ንባጽዕን ዓሰብን ተደጊፋ

እንጌራ ጣፍ ክንዲ ዝልወሰላ፡ ስፓጌቲ ብፋርኬታ ክንዲ ዝጥቕለለላ፡

እዋና ተደናጊሩስ፡ ከመ’በሃህላ ናይ’ዚ ማይህሙ

በዓልዓቢ ናይ ናጽነት ዝተኸድነ …ዣህራ- ክምዘን እንተኾይኑ፡

ድሕሪ’ቲ ኹሉ ፍንጥርያዕ ድሕሪ’ቲ ኹሉ ጉራ፡

 ባጤራ ናቕፋኮ መርዓት ውሻጠ’ያ

ምእንቲ ከይትዕየን ዓይኒ ሓሳድ ከይርእያ፡

ድርኩዂት ርትዓዊ ድኳን ኣይትሰግርን’ያ።

ስለ’ዚ’ሲ ሰላም ዘይትህቡና፡ አረ እንታ’እኹም ትደልዩ ካባና?

ኣሰር’ቶም ዝሓለፉ ዓበይቲ፡ ወራዙት ሰብ ቀደም

 ቦጣት ክንልእኽ ከይንቀዳደም

 ማያት ሳዋን ማይ ስርዋን ብጸሓይ ሃፊፎም፡ ሩባ ማ’ዕዳጋ ነጺፉ።

ጉዳይ ተከዘን መረብን ድማ ምስ ባድመ ክሳብ ዝጥረር መጽሓፉ፡

ቃልስና ቀጻሊ’ዩ!

ከም ኣመልኩም ጥራይ ብረትኩም ዕጠቑ፡ ዘ’ልናኩም ሰሰሚዕኩም ኣጣቕዑ።

ኣብ ሎሚ በጺሕኩም፡ ነብስኹም ከይቀየርኩም’ሲ፡

እንታይ ሓዲሽ ኩነታት ርኢኹም ኢኹም ሕሹኽሹኽ ተብዝሑ።

በጃኹም’ባ ኣስተባህሉ፡ በብኸምኡ መኣስ ኮይኑ፡

ኣጸቢቕኩም ክሳብ ትበራበሩ፡ ምሳልኩም ድማ ብጋህዲ ክሳብ ትፍትኑ፡

 ዓቕምኹም፡ ፍርሓትን ምጥርጣርን ጥራይ እንተኾይኑ፡

ንምንታይ ብደውኩም ቀባሕባሕ እናበልኩም፡ ኣብ ጸልማት ዘይትነበሩ።

ንሕና መኣስ ጸሊእናኩም ኮረንቲ ንበቀልኩም።

እቲ ትፈልጥዎ ተረፍ መረፍ ደርጊ ኣብ በለዛ ዝጸንሐ

ጀነረይተር ናይ ናፍታ

ኣሪጉ ስለ ዝቦኽቦኸ ብትኪ ጥራይ እናተዓብሎኸ፡

ክሳብ ዝፈጥረልና ዘይተሓስበ፡ ብሰማይ ዝነጠበ፡

 ተ’ደለኹም ጸሓይ-ጥፋእ ደቂስኩም፡ ጸሓይ-ብራቕ ንቕሑ።

ንሕና ጸላኢ ሰጒግናልኩሚ’ና፡ ካብኡ ንላዕሊ እንታ’ዩ ትጽቢትኩም ካባና።

ሕጂ’ውን እንተኾነ

ጸላኢ ከይሰቱኽ ክንጸናቶ ካብ ድፋዕ ስለ ዘይወጻእና:

 ስለምንታይ ኢኹም ደልሚ ማይ ገዛ-ገዛ ከነብጽሕ ትጸበዩና።

ፈቲኹም ጸሊእኩም፡ እቲ ዝርካብና ስለዝኾነ ንሱ

መዋእልኩም ናይ ለውጢ ትኳቦ ካብ ኢድና ክትቋምቱ፡ እናኸድኩም ኣይትታኸሱ።

ካልእስ ይትረፍ ኣሰር በዓል ዋርሳይ፡ ወላ ብሲናይ፡

መጻወድያ በደዊን በጢስኩም በጣጢስኩም ካብ ቅድሜና ኣልግሱ።

 ኣማራጺ ምብሳል ስለ ዝኣገመኩም’ሲ ብኣና ኣይተመሳምሱ።

ምናልባት እንተ ተመሰለልኩም ግን፡ ኣብነት ዝኾነኩም

ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ርሑቕን ቀረባን ፈትሹ።

ጥራይ ሩባ ሰጊርኩም ካብ ሰሜን ታሕቲ ገጽኩም ኣይተንቆልቁሉ’ምበር

ማይን ሉቸን ናብ ዘለዎ ዓዲ ኬድኩም፡ ፉኑስን ሽምዓን ንስድራኹም ለግሱ።

ዝብል ኣዋጅ ዝባኑ ቀሊዑ ካብ ተነግረ ኣዳዕዲዑ።

    ኣንፈት መጻኢ ዕድልና’ሲ ከም’ዛ ንሪ’ኣ ዘይኮነ ከም ታሪኻ፡ ዝብል ጥሩምባ እናነፍሑ፡ ባጉም ባጉም ኣውቲስታ ዘይብላ ኦ’ቶቡስ ከይተምልጠኩም! ዝብሉ ፎቶሪኖታት ዝተቖጻጸርዋ’ያ ትመስል ዘላ። ይኽደነና፡ ብዓርበ-ሮቡዕ ከይሃትፉ ሒዞሙና። …………………… (ክቕጽል’ዩ)

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

10/22/2013

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...