ዕላማ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ናይ ሎሚ ህግደፍን ሸቶ ቃልሲ ጓል ኣንስተይቲ  ኤርትራን ዘይራኽብ  ጫፋት’ዩ

 

ዕላማ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሎሚ ህግዲፍ፡- ንተንኮሉ ብመጋረጃ ናጽነት ብምጉልባብ፡ በቲ ልዑል ተወፋይነትን ካብ ቶግላባነት ነጻ ዝኾነ ተሪር ጻዓትን ቃልስን ደቂ ኣንስትዮ ተሓዚሉ፡ ኣብቲ ዝለዓለ ናይ ስልጣን ደረጃ ክበጽሕ’ሞ፡ ብድሕሪ’ዚ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ወለዶታት ሒዝዎ ዝመጸ  ደምብን ወግዕን፡ ታሪኻዊ መለለይታትን፡ ዘኹርዕ ሓድሕዳዊ ኣኽብሮታትን ዝምድናታትን ህጡር ጸጋታትን ብምብራዝ፡ ብህግዲፋዊ መጽረብያ ብውንትኡ ለኪዑ ከም ሓድሽ ክቐርጾ ሓሊኑ ተቓሊሱ። ኣብታ ዘድምዓላ ድማ በጺሑ።

ዕላማ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡- ሕቶ ሃገርዊ ናጽነት ምምላስ፡ ግዴታ ናይ ኩሎም ሃገራውያን ብምዃኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ከም ሃገራውያን ዜጋታት መጠን፡ ክኸፍለኦ ዝግበአን ዋጋ ምስ ኣሕዋተን ሓቢረን ከፊለን። እዘን ምስ ኣሕዋተን ሓቢረን መግዛእቲ ስዒረን ናጽነት ዘረጋገጻ ሰብ እጃምን ብርክን ደቂ-ኣንስትዮ ድማ፡ ዓስቢ ናይ ናጽነት ምስ ኣሕዋተን ብማዕረ ተኻፈልቲ ንክኾና’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ፍትሓዊ ናይ ኢኮኖሚ ተኻፋልነትን ምምቕራሕ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዘጠቓለለ፡ ኩሉ መሰላተንን ረብሓታተን ዘውሕስ ዲሞክራስያዊ ስርዓት፡ ኣብታ ናጻ ሃገርና ክውን ንምግባር ዘማዕደወ’ዩ። ዝላዓለ ሸቶ ቃልሲ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ከኣ፡ ቀንዲ ሕመረቱ እዚዩ። እዚ ድማ፡ ምስ ባህርን ዕላማን ስርዓት ህግዲፍ፡ ፍጹም ተጻራሪ’ዩ።  ከምዚ ስለ ዝኸነ ድማ’ዩ ህግዲፍ፡ ድሕሪ ናጽነት ብቐጥታ ብልሕን ንያተን ደቂ ኣንስትዮ ክሰብር ዝተጓየየ።

ህዝቢ ኤርትራ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገሩ ከውጽእ ዝጥቀመሉ ዝላዓለ ሓይሊ ኣድማዒ መሳርሒ፡ ሰውራ ስለ ዝኾነ፡ ሰውራ ፈጢሩ (መስሪቱ)። ኮር ተገምጠል ከም ዝበሃል ግን፡ እቲ ህዝቢ ዝፈጠሮ ሰውራ፡ ተመሊሱ ነቲ ዝፈጠሮ ህዝቢ፡ ባዕሉ ከም ዝፈጠሮ ገይሩ ብምሓዝ፡ ከምቲ ዝመስሎን ዝጥዕሞን ጠፍጢፉን ኣዊዱን፡ ኣብ ዘድልዮ ማዓላ ዝውዕሎ ናውቲ ገይሩ ክሰርዖ፡ ብኹሉ ዓይነትን ኣገባባትን ዓየየ። ከም ናውቱ መጠን ድማ ኣብ ዝደለዮ ከስርሖ፡ ከቐምጦ፡ ክኣስሮ፡ ንዝደለዮ ክፋተወሉ፡ ክላፈነሉ፡ ክቃመረሉ ወ.ዘ.ተ ሕቶን ርእይቶን ዘይብሉ ከም ተንቀሳቓሲ ናውቲ ካብ ዝቖጽሮ፡ ነዊሕ እዋን ኮይኑ’ዩ።

ስርዓት ህግዲፍ ኣብዚ እዋን’ዚ፡- ንኤርትራውያን ኣዴታት፡ ከም ወለድቲ ኣዴታት ክሪአንን ከኽብረንሲ ይትረፍ፡ ከም ፈረይቲ ጥሪት (አንስሳ)’ካ ኣይቆጽረንዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝማሕደገ ኣይኮነን።

ዘጥረኻዮ እንስሳ፡ ንኽነብረልካን ክፈርየልካን ከፍርየልካን ጽቡቕ ጌርካ ኢኻ ትሕዞ። ንኣብነት ንውሰድ አታ ዝናኣሰት አንስሳ ገዛ ደርሆ’ያ። እዛ እንስሳ እዚኣ ንኽትፈሪን ንደቃ ጽቡቕ ተንከባኺባ ንኸተዕብዮምን ኩሉ ዘድልያ ነገራት ክትረክብ ኣለዋ። ደርሆ ከምቲ ንቡራን ኣገባባን፡ 12 እንቓቖሖ ውሊዳ፡ ሰለተ ሳምንቲ ሓቒፋ፡ ጨጪሓ ከተዕብየልካ፡ ብዝግባእ እትምገቦን ትሰትዮን ነገራት ተቕርበላ፡ ብቐትሪ እትንቀሳቐሰሉ ለይቲ ድማ እተዕርፈሉ ቦታ ኣዳሊኻ፡ ኩነታት ጥዕናኣን ጸጥታኣን ሓሊኻ ኢኻ ብፍርያታ ትጥቀም። ሓደ መንግስቲ ድማ፡ ከም ጓሳን ኣላይን ናይቲ ሕ/ሰብ መጠን፡ ነቲ ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ነታ ፈለግ ሕ/ሰብ ዝኾነት ወላዲትን ህጻናታን ድማ ብፍላይ ብግቡእ ክሕዘም ግድንዩ። እንተኾነ ግን ናይ ህዝብና ጸገም ንህግደፍ እንታዩ ኣይኮነን።

ናይ ምሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ-ህግደፍ ውዲታዊ ኣከያይዳ በዚ ዝመስል፡ ኣንጊሁ ዝተለሞ ኣዕናዊ መደባቱ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ መድረኻት ከፋፊሉ'ዩ ሰሊዑ ሒዝዎ። ንሱ ድማ እቲ ክልተ መድረኻት ወዲኡ፡ ኣብ መስርሕ ሳልሳይ መድረኽ'ዩ ዘሎ ናብ ዘብል ኣንፈትዩ'ውን ዝመርሓካ።

ንሱ ድማ፡-

  • ቀዳማይ መድረኽ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ቅኑዕ ዕላማ ስለ ዘለዋ፡ ኣጥቂዕካ ካብ ሜዳ ምውጻእን፡ ኣብ ዘዝኸደቶ እናርከብካ ምድቓቓን።
  • ካልኣይ መድረኽ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ንብረቱ፡ ውላዱ፡ ኣእምርኡ፡ መንነቱ፡ ኩሉ ጸጋታቱ ብምስላብ፡ አታ እንኮ ሂወቱ ‘ውን ክውንና ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምብጻሕ። እዚ ዳርጋ ከምቲእዎ'ዩ
  • ሳልሳይ መድረኽ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ከምዝጠፍኣን፡ ዓዲ ከም ትጽሕን ብምግባር፡ ኤርትራ ባዶ ስም ሒዛ ድሕሪ ምትራፍ፡ አቲ ዝተርፋ ውሑድ ህዝቢ ድማ፡ ዓቕምን ክእለትን የብሉን ተባሂሉ፡ እንተስ ተጠርኒፉ እንተስ ተኸፋፊሉ፡ ነቲ ብሓምሳታት ህዝቢ መኪቱ ዘፍሸሎ ውዲታት ተገዲዱ ብምርዓም ናብ ጎሮባብቲ ንምጽጋዕ ዘማዕደወ እከይ ውጥን ከይኮነ ዝተርፍ ኣይመስልን።

ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ እተን ብስፍሒ ፍርቂ ሕ/ሰብ፡ ብግብሪ ድማ ፍርቂ ሓይሊ ህዝብና፡ ብቐንዱ ክኣ ኣፍራይ ሓይሊ ጥራይ ዘይኮናስ ፈራይ ሓይሊ ፈለግ ሕ/ሰብና እየን። እዚ ብምኻነን እዩ’ውን ህግደፍ፡ ናይ ቃልሲ ታሪኸንን ዝነአንን ምድምሳስ፡ ነቶም ዝወለደኦም ቆሉዑ ተተመላሊሱ ብምልቃም ናብ መንገዲ ጥፍኣትን ሓደጋን እናፋነወ ወላዳት መኻናት ክኾና ገይሩወን ዘሎ።
በዚ ኣጋጣሚ ከመልክቶ ዝደሊ፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዲሞክራሲ፡ ኣብ ጥጡሕ መዔሚ ከዓልብ እንተኾይኑ፡ ዝምርኮሰሉ ብቑዕ ሱታፈ ደቂ ኣንስትዮ  ክረክብ ኣለዎ። እንተዘይ ኮይኑ ግን፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዘይውክል ደረጃታት ሕ/ሰብና ዘየመዓራሪ ሰላም ርግኣትን ዘየስፍን ንምዕባሌ ዘይከፍት ናይ ስም ዲሞክራሲ ኮይኑ ስለ ዝተርፍ፡ ኩሉ ደላይ ዲሞክራስን ፍትሕን ኣብ ምጉስጓስ ደቂ ኣንስትዮ ግዲኡ ከበርክት የትሓሳስብ።

ኑራ ሑሴን

{jcomments off}


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...