7. ብዛዕባ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ(ውልቀ-ርዝይቶይ)

ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራንመሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ንምሕጋዝ፡ ንምርጋእ ህዝ ቢ ኢቲዮጲያ ኩሉ ዝከኣሎ ገይሩ‘ዩ።

  • ወደባት ኤርትራ ክፉት በሪ ምግባር።
  • ንብረት ኣብ ዓሰብ ዝጸንሐ ምሃብ።
  • መራኽብ ኢቲዮጲያ ብብር ምኽፋል።
  • ሪፋይነሪ ብነጻ ክጥቀሙሉ ምፍቃድ።

 

ካብዚ ንላዕሊ ሕድገት ወይ ሓገዝ የለን። እንተኾነ ኣይረግኡን። በዚ‘ውን ኣይዓገቡን። ነቲ ዝደለይዎ ስልጣን ንምብጻሕ ናጻ ወደብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዋንነት ኢዩ ዘዛርበና። “ዓ ሰብ መሬት ዎሎ ኢዩ“ ይብሉ ኣለዉ። በዚ ከኣ ዝኾነ ሕድገት ስለዘየዕግቦም ነጻ ወደ ብ ጥራይ ነዚኦም ኣኻሊ አዩ በሃላይ ኢየ።

 

-ዕደመ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ብናተይ ገምጋም ካብዚ ዓመት‘ዚ 1992፡ ካብ መፋርቕ ናይዚ ዓመት‘ዚ ኣይሓልፍ ን ኢዩ በናላይ ኢየ። እዚ ከኣ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ንኢቲዮጲያ ኣብ ምምራሕ፡ ካብኡ ካአ ወያነ፡ ካብኡ ከኣ ማ.ለ.ሊ.ት. ንኢቲዮ ጲያ ክመርሕ ዝኾነ ሓይሊ ኣብ ውሽጢ ኢቲዮጲያ ይኹን ደገ ዝድግፎ የለን።

ልዕሊ ኩሉ ናይ ቁጠባ ሜላ፡ ፖሊሲ ናይ ብሄራት ርእሰ-ውሳነ ክሳብ ምንጻል፡ ኦሮሞ ኣብ ሓጺር ግዜ ከምዝንጸል፡ ናይ ምምሕዳር ክልል ወዘተረፈ ዝለዓል ዘሎ ሕቶታትን ተቓውሞን።

 

-እቲ መንግስቲ /ማለት ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ/ በይኑ ኣሎ። እቲ ኪኢላ (ተከኖክራቲክ) ንበይኑ፡ ህዝቢ ንበይኑ። በዚ ኣገባብ ዩ ካ ብዚ ናይ ሶቬት ብዝኸፍአ መለስ ዜናዊ ኣቦ-ወንበሩ ከሎ፡ ኢቲዮጲያ ካልእ መልክዕ ክትሕዝ ኢያ። እታ ዝኣምና ትግራይ ‘ውን ክሳብ ክንደይ ድሕሪ ውድቀት ትቕበሎ ኣጠራጣሪ ኢዩ። ምኽንያቱ አብ ውሽጢ ወያኔ ማ.ለ.ሊ.ት ዘሎ ቃልሲ ናይ ስልጣን፡.......

እዚ ናተይ ውልቃዊ ገምጋም ኮይኑ ካብቲ ኣብ ዓሰብ ዝመጹ ዝነበሩ ወከልቲ ኢቲዮጲያ ክኢላታት ወዘተ ዝተገንዘብኩዎ ን ሕጂ ዘሎ ናይ ህዝቢ ሰላማዊ-ሰልፊ፡ ናይ ተቓውሞ ኣንፈት ናይ ኦሮሞ፡ ዓፋር፡ ወዘተ ዝተበገሰ ኢዩ።

 

ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ዘዋጽኦ ፖሊሲ ካባይ ንላዕሊ ብዕምቆት መጽናዕቲ ገይሩ ስለ ዝሰርሕ ዘዋጽኦ ይግበር ይብ ል።

  • እቲ ዋጋ ምርግጋእ ዝተገበረ፡ሕድገት ወይ ሓገዝ ኣብ ዓሰብ ይኹን ካልእ ነቲ ኩነታት ገምጊሙ ዝሓሸ፡ ረብሓ ሃገርና ዝሕለወሉ፡ ናይ ኢቲዮጲያ ምርግጋእ ከኣ በዚ ሕድገት‘ዚ ወይ ሓገዝ ስለዘይመጽእ፡ ናይ ዓለምን መኽሰ ብን ፖለቲካ ህዝቢ ኢቲዮጲያን ግምት ዝሃበ ክኸውን ይላቦ።

ዝኾነ ኣንጻርና ውግእ ዝደሊ‘ውን ኣብ ዓሰብን ገማግም ባሕሪን ዘለዎ ድሌትን ዝብገስ ኢዩ ክኸውን። ከምኡ‘ውን ናብ መ ሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ዝቐረበ ፕሮፖዛል (እማመ) ብክኢላታት ወደብ (ምስ ወዲ-ካሳ ዘሎ) ምዕዛብ የድሊ። ድሌቶም ስለዘንጸባርቕ።

 

8፡ ዓበይቲ ኣጽዋር ኣብ ዓሰብ ዘሎ፡

 

እዚ ኣጽዋር‘ዚ ጸረ-ኣየር፡ ናይ ካብ ምድሪ ናብ ባሕሪ፡ ካብ ባሕሪ ናብ ምድሪ ሚሳይላት፡ እቲ ብናትና ክኢላታት ኣጽዋር

ክፍለጥ ዘይካአለ ኣዝዩ‘ውን ብዝሒ ዘለዎ ኣብ ምክልኻል ሃገር ዓቢ ግደ ክህልዎ ስለዝኽእል፡ ኣቓልቦ ክወሃቦ ከይተበላ ሸወ ወይ ሓደጋ ከየጋጥሞ።

  1. ኪኢላታት ኣምጺእካ ከምዝፍለጥን ከምዝውገንን ምግባር።
  2. ናብ ዘድሊ ከምዝግዕዝ ምግባር። ምስቲ ስትራተጂ ምክልኻል፡ ባሕሪ ወደብ፡ ጸረ-ኣየር ዘድሊ፡ ቦትኡ ከምዝሕዝ ምግባር። ኩነታት ኣየር (ክሊማ) ዓሰብ ኣዚዩ ሕማቕ ንኣጽዋር ስለዝኾነ ግዜ ዘይምውሳድ፡

 

9፡ ሕጋውን ትካላውን ገምጋም ምግባር።

 

ዝኾነ ስራሕ ይንኣስ ይዕበ እቲ ዝነበረ ስራሕ መበገሲ መደብ ስራሕ፡ መምርሒ ስራሕ፡ ዝነበረ ስራሕ መንግስትን፡ ኣብ ከመይን፡ ብኸመይን፡ ኣዎንታን ኣሉታን፡ ዝነበረ ሕጽረታት፡ ሽግራት፡ ብኸመይ ከምዝተሓላለፈን፡ ጠንቂ ናይቲ ሽግር መ ሰረታዊ ፍታሕከ ከመይ ክኸውን ይኽእል? ካብ ዝነበሩ መደባት ወይ መምርሒ ዘይተፈጸሙ ስለምንታይ? ናይ ቀጻሊ መ ደበባት፡ ዝነበረ ርእይቶ፡ ነቐፌታ፡ ገምጋም ወዘተረፈ ኣጠቓላሊ፡ በቲ ሕጋዊ ተሓታቲ ኣካል (ትካላዊ ኣሰራርሓ) ክግምገ ም ይግባእ።

እቲ ላዕለዋይ ኣካል ከኣ ካብዚ ብዙሕ ቁም-ነገር ክረክብ ይኽእል።

እቲ ዝሰርሐ ኣካል ወይ ውልቀ-ሰብ ከኣ ካብዚ ብዙሕ ይመሃር። ድኹም ጐድኒ ምስዝህልዎ ካአ ብገምጋም ካብ ዝተጨ በጠን ሓቅን ዝብገስ መአረምታ ክወሃቦ ከሎ፡ ንዝነበረ ድኹም ጐድኒ ምፍዋስ ሓጋዚ ይኾኖ። ነቲ ሓያል ጐኒ ካኣ ዝያዳ ከምዝሕይል መተባብዒ ይግበረሉ።

ካብዚ ሓሊፉ ግን ብዘይ-ሕጋዊ ኣገባብ፡ ዘይትካላዊ፡ ዘይምልከቶ ውልቀ-ሰብ ይኹን ክፍሊ ብዝህብዎ ተባራሪ ወረ፡ ወይ ሓንቲ - ክልተ ፍጻመ፡ ዝግበር ገምጋም፡ ናብ ቅኑዕ ገምጋም ወይ መደምደምታ ወይ ውሳነ ዘየብጽሕ የጋጊ።

 

  • ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ካኣ ካብዚ ክቑጠብ እላቦ። ኣብ ሕጋዊ ትካላዊ ገምጋም ክምርኮስ ይምሕጸን።
  • እዚ ሕጂ ዘቕርቦ ዘለኹ ኣነ ገምጋም ካብ ወርሒ 8/91፡ ምሳይ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ፡ ኣብ ግዚኡ ካብ ወርሒ -8/91፡ ምስ ዝቐርብ ክንደይ ምሓገዘ። ኣነ ካኣ ምተመሃርኩሉ።
  • ምስቲ ይበሃል.........፡ ዝብል ፈጺሙ ጥቓን - ቀረብን ዘይብሉ፡ ካብ ዝተጨበተ ዘይብገስ ነቲ ግጉይ ውሳነ ዌኢ መደምደምታ ብጽሕ።
  • ዝያዳ ቨልዕሊ ኩሉ መጻረይት ኮሚተ ብጭቡጥ ብኣሃዛትን ናይ ማ/ቦጦልዮኒ ኣኼባን፡ ዓሰብ ከመይ ተመሓድሩ ን ገምጋም ኣኼባ ሓለፍቲ ክፍሊ ዓሰብ፡ ዓበይቲ ዓድን ክኢላታትን ሲቪልን ኩሉ ኣብ ናስትሮ ዝተመልአ ስለዝ ኾነ፡ ብጸብጻብ መዝገብ ሰነድ......ስለዝረጋገጽ ካብኡ ንሞከር ይብል።

 

10፡ መወከሲ።

 

  1. ኣብ ዕለት 19-06-91፡ ካብ ዓሰብ ናብ ኣስመራ ዝተላእከ ምስ ብጻይ ሸሪፎ፡ ፖ.ቤ.ጽ.
  • ሓጺር ጸብጻብ ወደብ - ማሪታኢም፡
  • ፋይናንሰዊ ሰተትመንት /ባጀት/ 1990 . 1991 ረፋይነሪ።
  • ንብረት ኣብ ወደብ - ማሪታይም ብዝርዝር ዝርከብ።
  • ሚኒስተራት ኢቲዮጲያ ብዛዕባ ዓሰብ ዘቕርብዎ ወረቐት ናይ ዕለት 04-06-91፡ ኣተሓሳስባ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ብዛዕባ ዓሰብ ዘነጽር፡ /ኣርከበ ዝመርሖ/ ወረቐት ናትና ዘቕረብናዮን፡ ውሳኔን፡ ስምምዕን።
  1. ጸብጻብ ነፍሲ-ወከፍ ክፍሊ ናይ ዓሰብ፡ ናይ ወርሒ 6 – 7/91፡ ዝተፈጸመ ስራሓት፡ ሽግራት ዝሕብር፡ ዝነበረ መምርሒ መደብ ስራሕ፡ ምስ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ዝተበጽሐ ስምምዕን /ምስ ወዲካሳ ዘሎ 09-91/፡
  2. ናይ ክኢላታት ወደብ ብኮማንደር ዘለቀ፡ ናብ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ዝቐረበ ፕሮፖዛል /እማመ/ ብዛዕባ ትካላትን ንብረትን ናይ ዓሰብ ዝሕብር /ምስ ወዲ ካሳ ዘሎ/።
  3. ናብ ዋና ጸሓፊን፡ ጠ/ስታፍን ዘቕረብኩዎ ጽሑፍ ብዛዕባ መጠጣ ዊስኪ ዘለኒ ገምጋም ቀይ ርኢቶ ተቓውሞ ብዛዕባ ውሳኔ ኣ.ኣበባ ትካላት ዓሰብን / 10-91 / ዝቐረበ።
  4. ንመጻረይት ኮሚተ ዝቐረበ ጽሑፋት ዕለት 19-12 – 23-12-91፡ ዝተፈላለየ ጽሑፋትን ገምጋምን (ናይዚ 1ይ ክፋል ገምጋም ቅዳሕ)
  5. ገምጋም ሓለፍቲ ክፍልታት - ዓሰብ ዝተመደበ ኣመሓዳሪ ዝተሳተፎ ምስጦፋ - ጃበራ ዝነበርዎ፡ ገምጋም ዓበይቲ - ዓዲን፡ ሰበ-ስ..፡ክኢላታት ዓሰብ፡ መስፍን፡ ካሪካረ፡ ሙስጠፋ ዝፈሳተፍዎ፡ ኣብ ናስትሮ ዜና- ዓሰብን ጽሑፍን ዘሎ።
  6. ብዕለት  29-10፡  19-11፡  23-12 /91፡ ሰለስተ ግዜ ተበዲለ ብሕጊ ክራኣየለይ፡ ብመምባል ዘቕረብኩዎ ጽሑፍ።

 

ሕጂ ዕለት 20-01-92፡ ራብዓይ ግዜ ዘቕረብኩዎ ጥርዓን።

 

 

3ይ ክፋል፡

 

11፡ዘቕረብኩዎ ክሲ ንበደለይ ዝምልከት ቅዳሕ።

 

11.1፡ ቀዳማይ ጥርዓን፡ ብዕለት 29-10-91፡ ኣብ ሻብዓይ መዓልቲ ዝቐረበ።

 

ናብ ብ/ጴጥሮስ ሰለሙን (ፖ.ቤ.ጽ)

ሓላፊ ክፍሊ ስለያን ጸጥታን

ሕቶይ ከተመሓላልፈለይ ብትሕትና ይሓትት።

 

ምኽንያት መእሰርየይ ከይፈለጥኩ እንሆ ሻብዓይ መዓልቲ ጌረ። ካብ ሰሉስ ክሳብ ሰሉስ። (22-10/91 – 29-10/91)

 

ብሕጊ እዉጅ፡-

 

ሓደ ብገበን ዝተኸሰሰ፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ክሱን፡ ከሳሲኡን ክፈልጥ ኣለዎ። ናይ ቦታ ርሕቀት እንተኣሎ ከኣ ኣብ 72 ሰዓት፡ ናተይ ግን 72 ሰዓት ዘይኮነ፡ ሸውዓተ መዓልቲ / 24  7/ ጌረ ኣለኹ።

1፡ ክሰይ ብጹሑፍ ክቐርበኒ።

 

ከምኩሉ ዜጋ ዘለኒ መሰል ብሕጊ ክሕተት። ጉዳየይ ሓቅነት እንታአለዎ ኣብ ሕጊ ክቐርብ፡ ኣነ ዝፈልጦ ገበን ስለዘይብለይ “ገበን ኣለካ“ ዝብል እንታአሎ ከኣ፡ ሕግን ፍትሕን ስለዘሎ፡በቲ ሕጊ ዘፍቅዶ መደረት ጉዳየይ ኣብ ሕጊ ከቕርብ ይሓትት።

 

2፡ብመሰረት ሕጊ ዝፈቕዶ።

 

ክሰይ ፈሊጠ፡ ነቲ ክሲ መልሲነ ክህበሉ፡ ዘለኒ ጎኩሜንትታት ምሳይ ስለዘየለ፡ ዘለኒ መልሰ-ግብሪ ክህብ ክፍቀደለይ ይሓትት። ኩሉ ዶኩሜንተይ ከኣ ክዕቀበለይ።

 

ካብ ብጻይካ ቢተወደድ ኣብራሃ።

ኣብዚኣ ናቱ ፌርማ ኣላ

ዝኾነ መልሲ ኣይመጸንን።

 

11.2፡ ካልኣይ ጥርዓን። ብዕለት 21-11-91፡ ዝቐረበ።

 

ናብ ዋና ጸሓፊ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ።

 

ብመሰረት ነጋሪት ጋዜጣ ኤርትራ።

 

ብግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተሓትመ ቅጺ 1. (1991) ቁ. 1 ካብ ዕለት 15-09-91፡ ኣብ ግብሪ ዝተተርጎመ።

 

ክሰይ የቕርብ። ተበዲለ ብምባል፡ እዚ ከኣ፡

 

ሀ፡ ዓንቀጽ 10.1 ሓላፍነት ዋና ኣኽባር ሕጊ ምርኩስ ብምግባር፡

 

  1. ብዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋን ምምሕዳራዊ ትካላትን ሕጊ ንከይጠሓስ ይከታተልን ይቆጻጸርን። ሕጊ ኣብ ዝጠሓሰሉ እዋን ካብ ናብ ቤት-ፍርዲ ክሲ የቕርብ።
  2. ብመርመርትን ቀየድትን ኣሰርትን ናይ ዝተሓዙ ጡርጡራትን ክሱሳትን እሱራትን ኣተሓሕዛን ኣመራምራን ክቆ ጻጸር ስልጣን ኣለዎ። ተበዲልና ናይ ዝብሉ ቃል ይሰምዕን ይምርኮስን፡ ብመርትዖ ብዝተረጋገጸ መሰረት ከኣ ዘ ይሕጋዊ ቅጥዒታት ንዝጥቀሙ መርመርትን ቀየድትን ኣሰርትን ከሲሱ ናብ ቤት-ፍርዲ የቕርብ።

 

ለ፡ ዓንቀጽ 4 (ሰ)

 

ብዘይካ ኣብያተ ፍርዲ ካልኦት ትካላት ናይ ምፍራድ ስልጣን ከምዘይብለን።

 

ግሉጽ ዝኾነ ካልእ ሕጊ ክሳብ ዘየለ ወተሃደራዊ ሕጋጋት ዝምልከት ዲሲፕሊን ምጥሓስን በደል ምፍጻምን ገዲፍካ፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብገበናዊ ሕጊ ዘቕጽዕ ገበን ኣብ ዝፍጸመሉ ግዜ ብዘይካ ኣብዞም ኣብዚ ገበናዊ ስርዓት‘ዚ ተመዚዞም ዘለዉ ኣ ብአተ-ፍርዲ ብዝኾነ ይኹን ካልእ ትካል ከፍርድ ኣይኽእልን።

 

ዓንቀጽ /5/ 2 ንጽባ ኮይኑ ኣይሰርሕን።

 

ብዋና ጸሓፊ ኣብ ቀይዲ ስለዝኣተኹ ካብዚ ተበጊሰ፡-

 

  1. ካብ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ እንሆ ሰላሳ /30/ መዓልቲ ኮይኑ። ካብ ዕለት 22/10---20/11/91። ብሕጊ ዝኾነ ክሱስ ኣብ 48 ሰዓት ናይ ቦታ ራሕቂ እንታአለዎ ከኣ ኣብ 72 ሰዓት ክሱስ ብሕጊ ኣብ ቤት-ፍርዲ ክቐርብ ኣለዎ። ክሱ ስ‘ውን ክፈልጦ ኣለዎ። ኣነ ግን ኣብ 30 መዓልቲ ገና ክሰይ ኣይፈለጥኩን። ስለምንታይ ኣብ ቀይዲ ኣትየ ኣይፈለ ጥኩን። ክሰይ ክፈልጥ፡-
  2. ኣዋጅ 5-ካልኣይ መጽሓፍ፡ ካልኣይ ኣርእስቲ፡ መርመራ ክሳብ ዝካየድ ክውሰድ ዘለዎ ስጉምትታት ምዕራፍ -1 - ቀይዲ ፡ ዓንቀጽ 59 /3/ ኣብ መወዳእታ እዚ ዝኽተል ሙሉእ ሓሳብ ተወሲኽዎ ይስራሓሉ።

 

“ኩሉሙሉ ተደሚሩ እቲ ናይ ቀይዲ ግዜ ካብ 28 መዓልቲ ክልዕል የብሉን“። ስለዚ፡-

“መርመራ ክሳብ ዝካየድ ኢዩ“ ዝበሃል እንተኾይኑ፡ ስለምንታይ ብመሰረት ዓንቀጽ 59 /3/ ካብ 28 መዓልቲ ና ይ ቀይዲ ግዜ ሓሊፉ? ኣብዚ መሰለይ ክሕለወለይ። ተበዲለ፡ ዋና ኣኽባር ሕጊ ቃለይ ክሰምዕን፡ ጉዳየይ ብሕጊ

ጊ ኣብ ሕጊ ክቐርብን ብትሕትና ጥርዓነይ የቕርብ። ኣብ ናይ ቀይዲ ቦታ ጽቡቕ ከምዘለኹን፡ ዝኾነ ዝጐደለኒ ነ ገራት ከምዘይብለይ፡ ፍትሓዊ ዝኾነ ኣተሓሕዛ ከምዘሎን ክፍለጥ ይፈቱ።

 

ካብ ብ/ቢተወደድ ኣብራሃ።

20-11-91።

 

ቅዳሕ

  1. ንዋና ኣኽባር ሕጊ።
  2. ንሓላፊ ስለያን ጸጥታን።

 

11.3. ሳልሳይ ጥርዓን፡

 

ብዕለት 20/12/91፡-

ናብ መጻረይት ኮሚተ (ከተመሓላልፎ)

 

ኣነ ብዕለት 22/10/91፡ አብ ቀይዲ ኣትየ፡ ዕለት 29/10/91፡ ኣብ ሻብዓይ መዓልቲ ሕቶይ ኣቕሪበ።

 

  1. ስለምንታይ ተቐይደ፡ ክሰይ ክሕበረኒ።
  2. ሓደ ሰብ ክሱ ኣብ 48 ሰ ዓት ወይ ናይ ቦታ ራሕቂ እንተለዎ ካኣ ኣብ 72 ሰዓት ክፈልጥ ይግባእ በዚ ይሓ ትት።

 

ኣብ ሰላሳ መ ዓልቲ፡ ካልኦይ ሕቶይ።

 

ናብ ዋና ጸሓፊ፡ ዋና ኣኽባር ሕጊ፡ ናብ ፋላፊ ስለያን ጸጥታን ብዕለት 21-11/91፡ ኣቕርብ።

  1. ክሰይ ክፈልጥ፡
  2. ናይ ቀይዲ ግዜ ኩሉምሉ ብዓንቀጽ 59/3/ ምርኩስ ምግባር 28 መዓልቲ ስለዝኾነ፡
  3. ክውስኽ እንተኾይኑ ግዜ ከኣ ምስ ምኽንያቱ ክሕበረኒ።

 

ሳልሳይ ጥርዓን ናብ መጻረይት ኮሚተ 20-12/91፡

 

ዕለት 19-12/91፡ ሕቶታት ሓቲታትኒ። ክሰይ ካብኡ በሪህለይ።

 

ሕጂ‘ውን ዝሓቶ ብመሰረት ዓንቀጽ 59/3/ ናይ ቀይዲ ግዜ ካብቲ ሕጊ ዝፈቕዶ ንላዕሊ ስለምንታይ በዚ በደለይ ክረ ኣየለይ ንሕጊ ይሓትት።

 

ካብ ብ/ቢትወደድ ኣብርሃ።

ኣብዚኣ ፌርማኡ ኣላ።

 

11.4፡ ራብዓይ ጥርዓን ፡     20-1/92፡

 

ናብ ዋና ኣኽባር ሕጊ፡

 

ብመሰረት ዓንቀጽ 10.0 ሓላፍነት ምኽባር ሕጊ ዓንቀጽ 10.1 ሓላፍነት ዋና-ኣኽባር ሕጊ ቁ.2 ብመርመርትን ቀየድትን ኣሰ ርትን ናይ ዝተሓዙ ጥርጡራት ክሱሳትን እሱራትን ኣተሓሕዛን ኣመራምራን ክቆጻጸር ስልጣን ኣለዎ።

“ተበዲልና“ ናይ ዝብሉ ቃል ይሰምዕን ይምርምርን ብመርትዖ ብዝተረጋገጸ መሰረት ከኣ ዘይሕጋዊ ቅጥዒታት ንዝጥቀሙ መርመርትን ቀየድትን እሱራትን ከሲሱ ናብ ቤት-ፍርዲ የቅርብ።

ስለዚ ኣነ ካብ ዕለት 22-08/91፡ ክሳብ እዚ ዕለት‘ዚ ሰለስተ ወርሒ ማለት 90 መዓልቲ ሕጊ ዘይፈቕዶ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከብ። “ዝጻረ ኣለካ“ ከይበሃል 60 መዓልቲ ከይተሓተትኩ፡ መጻረይ መጻረይት ኮሚተ ብዕለት 19-12/91፡--23-12/91፡ ዘድለያ ሕቶታት ካባይ ሓቲታ መስርሒ ካባይ ካብ ትውድእ ድሮ ወርሒ ኮይኑ። እቲ ዝሓተተትኒ እውን ኩሉ ኣብ ጸብጻብ ዘሎ፡ ነቲ ጸብጻብ ዝሪኦ እንተረኺቡ ካብኡ ዝምለስ ነበረ። ባዕለይ ገምጊመ ሓቲተ ከቕርብ ዝተመደበን ገምጋም ክሳብ ሕጂ በቲ ዝምልከቶ ኣካል ዝተነፍገኒ፡ ዝጻረ ከምዘይብለይ፡ ኩሉ እቲ ስራሕ ናይ ዓሰብ ካአ ንረብሓ ሃገር፡ ህዝቢ፡ መንግስቲ፡ ምምሕዳር ከተማ፡ ሰራዊትና ዝወዓለ ኢዩ። ንውልቃዊ ረብሓይ ሳንቲም ቀያሕ የብለይን። እዚ ካኣ ብሰነዳት መዝገብ ጸብጻብ ዝተጻረየ ኢዩ።

በዚ መሰረት ዋና ኣኽባር ሕጊ ብመንጽር ሕጊ ተበዲለ ስለዘለኹ፡ በደለይ ክስማዓለይ ቃለየ ከስምዕ ጥርዓነይ ናብ ዋና ኣ ኽባር ሕጊ የቕርብ። ሕጊ ዘይፈቕዶ 90 መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከብ።

ካብ ብ/ቢትወደድ ኣብራሃ፡

ክ/ሰራዊት ኮማንዶ

ኣብዚኣ ፌርማኡ ኣላ።

 

መልሲ 21/12/91 - ብጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት።

 

 

ቢተው

ሰ.ሰላምታ

 

  • ጉዳይካ ክሳብ ዝጻረ ዝኾነ ሰብ ክራኸበካ ኣይኽእልን ኢዩ።
  • ጉዳይካ ናብታ እተመጻሪ ሽማግለ ስለዝተመሓላለፈ ንሳ ኢያ እትውድኦ። እንደገና ክመጹኻ ኢዮም።
  • ኩሉ ደብዳበታትካ ተቐቢለዮ ኣለኹ። ምሳይ ኢዩ ዘሎ። እቲ ነታ ሽማግለ ዝምልከት ኣረኪበያ ኢየ።
  • ክሳብ‘ዚ ጉዳይ‘ዚ ዝመጻረ ድማ መሰልካ ናይ ምርኻብን ምንቅስቓስን ሕጹር ኢዩ።

ምስ ሰላምታ

 

 

11.5፡ ሓሙሻይ ጥርዓን

 

ብዕለት 31-01/92፡ ብመገዲ የሕፈሮም

 

ናብ ጠ/ ስታፍ (ዓሊ ሰይድ - ዝሓለፈ)

 

መጻረይት ኮሚተ - “ንሕና ስራሕና ወዲእና ኣረኪብና ኢና“ ስለዝበሉ፡ ንሓለዋ ምቕባል ኣብዮም።

 

  • ሕጂ‘ውን እዚ ሕቶ ብሕጊ ክርአ ስለዘለዎ፡ ዋና ኣኽባር ሕጊ በደለይ ክሰምዕ፡ ከረክበኒ፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 10.1 ሓላፍነት ዋና ኣኽባር ሕጊ ቁ.2 - በደለይ ከስምዕ ይሓትት።
  • እዚ ጹሑፈይን ጥርዓነይነይን ናብ ዋና ኣኽባር ሕጊ፡ መጻረይት ኮሚተ ከተብጻሓለይ ብትሕትና ብሕጊ ይሓትት።

 

ካብ ብ/ቢትወደድ ኣብራሃ።

ኣብዚኣ ፌርማኡ ኣላ።

 

ብዕለት 05-02/92፡ ርክብ ምስ ስምኦን - ሓላፊ ኮሚተ ምጽራይ።

 

ምጽራይ ከምዝወድአ ብዕለት 28-01/92፡ ኩሉ ነገር ወዲኦም ንዋና ጸሓፊ ከምዝሃብዎ ብወገን ኮሚተ- ስራሓ ከምዝወድ አት ገሊጽለይ።

 

 

 

ናብ ክፍሊ ፍትሒ

ዋና ኣኽባር ሕጊን ላዕለዋይ ቤት ፍርድን

ንመሰለይ ዝምልከት ክሲ።

 

ብመሰረት እዉጅ ሕጊ፡ ኣዋጅ . 1 . መሰጋገሪ ትካላት ምምሕዳር ፍትሒ ኤርትራ፡ ካብ ዕለት 15-09/91፡ ኣብ ግብሪ ክት ርጉም ዝተአወጀ ነጋሪት ጋዜጣ።

 

  1. በየናይ ሕጊ፡ እንታይ ስለዝገበርኩ፡ ካብ ዕለት 22-10/91፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትየ? -------ሰሙን ኣ ብ ሕጊ ቤት-ፍርዲ ከይቀረብኩ?
  2. ክሰይ ስለምንታይ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ዘይፈለጥኩ ሕጊ ዝፈቕዶ ኣብ 48 ሰዓት ወይ 72 ሰዓት ሓደ ዜጋ ክሱ ክፈ ልጥ ይግባእ። ኣነ ግን ድሕሪ 60 መዓልቲ ብዕለት 19-12/91፡ ብመጻረይት ኮሚተ ዝቐረበኒ ሕቶታት ክሰይ ፈሊ ጠ፡ እዚ ሕጊ ይፈቅድ ድዩ?
  3. ብመሰረት እዉጅ ሕጊ፡ መርመራ ክሳብ ዝካየድ ክውሰድ ዘለዎ ስጉምትታት፡ ምዕራፍ-1- ቀይዲ ዓንቀጽ 59/3/ ኣብ መወዳእታ እዚ ዝኽተል ሙሉእ ሓሳባት ተወሲኽዎ ይስረሓሉ፡ “ኩሉሙሉ ተደሚሩ እቲ ናይ ቀይዲ ግዜ ካብ 28 መ ዓልቲክልዕል የብሉን“። ዓንቀጽ 60-62 ከምዘለዎ ቅቡላት ኮይኖም፡ ደድሕሪ ዓንቀጽ 60 ግን እዚ ዝስዕብ ዓንቀጽ 42 ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣትዩ ይሰርሓሉ፡ ይብል።...........። በዚ ከኣ ስለምንታይ ብሕ ጊ ዘይተኸደ? እንታይ ፍሉይነት ስለዝነበረ ኢዩ ግዳየይ?
  4. ዓንቀጽ.42 ኣተሓሕዛ ቅዩዳት።

ካብ ቁጽሪ 1-5 ተዘርዚሩ ዘሎ ብፍላይ ቁ. 4፡ ድሕሪ መርመራ ምጽራይ ብፍላይ ካኣ ኣብ ዓለም ፍቑድ ዝኾነ ሕ ግና‘ውን ዝፈቕዶ ዕለተ-ልደት 7-01/92፡ ናተይ ካአ ተደራቢ ዕለት መርዓይ ስለዝነበረኒ፡ ዝኽሪ ስለዝነበረኒ፡ ም ስ በዓልቲ-ቤተይ ክራኸብ ሓቲተ ኣይመጸትን። ኣይተፈቕደለይን፡ ዝጻረ ከኣ ኣይነበረንን። እዝስ ናይ ሓደ ቅዩድ መሰለይ ኣይኮነን። መርመራ ወይ ምጽራይ ከይዕንቀፍ ከይበሃል፡ ምጽራይ ኣነ ካብ ዕለት 23-12/91፡ ወዲአ ኢየ ። ድሕሪኡ‘ውን ዝጻረ ሕቶታት ናባይ ዝቐረበ የለን።

  1. እዚ ንምቕያድ ዝኣዘዘ ወይ ከሳስየይ ብንጹር ብመገዲ ሕጊ ክፈልጦ ስለዝደሊ፡ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ፡ ዋና-ኣኽባር ሕጊ፡ ነዚ ኣብ ልዕለይ ዝተወስደ ክፍሊ ፍትሒ፡ ላዕለዋይ-ቤት ፍርዲ ወይ ዋና ኣኽባር ሕጊ ይፈልጥዎ ዶ? ብናይመን ሓላፍነት ተወሲዱ? ሕጊኸ ይፈቅድ ዲዩ? ስለምንታይ በቲ ሕጊ ዝፈቕዶ ዘይተፈጸመ? ብመሰረት ኣዋጅ-5- መሰጋገሪ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ቀዳማይ መጽሓፍ፡ ዓንቀጽ 4/ሰ/ ብዘይካ ኣብያተ-ፍርዲ ካልኦ ት ትካላት ናይ ምፍራድ ስልጣን ከምዘይብለን ስለዝሕበር።

ከሳስየይ፡ ቀያዲየይ፡ ፈራዲየይ፡ ሓደ ኣካል ክኸውን ሕጊ ይፈቅድ ዲዩ?

  1. ስለምንታይ ምጽራይ ብዕለት 28-01/92፡ ተወዲኡ ክሳብ‘ዚ ዕለት‘ዚ ናብ ሕጊ ቤት-ፍርዲ ዘይቀረበ?
  2. ስለምንታይ ዋና ኣኽባር ሕጊ ቃለይ ክሰምዕ ሽዱሽተ ግዜ ጥርዓን ኣቕሪበ፡ ዘይመጸኒ መጸዋዕታ ይበጽሕ በይሩዶ ወይ ኣይበጽሐን? እዚኸ ሕጊ ይፈቕዶ ድዩ? ዝተኣወጀ ሕጊ ስልጣን ኣኽባር ሕጊ ቅዩዳት፡ እሱራት ተበዲልና ኣ ብ ዝበሉሉ ብመሰረት ዓንቀጽ 10-1 ሓላፍነት ዋና-ኣኽባር ሕጊ ገጽ 10 ቁጽሪ -2- ክራኸብ፡ ጉዳዮም ክምርምር ሓላፍነቱ ኢዩ። ስለምንታይ ዘይረኽበኒ?

እዚ መባእታዊ መሰለይ ስለዝኾነ፡ ከምዝኾነ ዜጋ ኤርትራዊ፡ እቲ ዕስራ ዓመት ዝተጋደልኩዎ፡ ኣበርክቶይ፡ ዘ ለኒ ጽፍሒ........፡ ዋጋ ቃልሰይ፡ ዋላ ግምት ኣይወሃቦ፡ በዚ መባእታ መሰል-ሰብ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ማዕረ፡ ብ ሕጊ ሰለዝስራዕ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ስለዝኾነ፡-

ሕጊ ስለዝተጣሕሰ፡ ብክፍሊ ፍትሒ ዋና ኣኽባር ሕጊ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሕጊ ክሕተተለይ። በደለይ ክስ ማዕ፡ ቃለይ ክስማዕ፡ ዋና-ኣኽባር ሕጊ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ብእዉጅ ሕጊ ክራኸበኒ፡ ናይዚ ተሓታቲ ከኣ ኣ ብ ሕጊ ክቐርበለይ።

እዉጅ ሕጊ ቅዉም ትካላት ፍትሒ ዋና ኣኽባር ሕጊ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ስለዘለና፡ ዝተጻረየ ጉዳይ ካብ ዕለት 28-01/92፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሕጊ ቤት-ፍርዲ ዋና-ኣኽባር ሕጊ ዘይበጽሐ እንተኾይኑ ክርከብን፡ በዚ እዉጅ ትካ ላት፡ ሕጋውን ትካላውን ክተሓዝ የማሕጽን።

እዚ ካአ ሓደ ሰብ “ነጻ - ኢየ“ ክብል መባእታ መሰል-ሰብ ከኽብረለይን ስለዘለዎ፡ ብናጻ ርእይቶ- ሕቶይ ጥርዓነ ይ፡ በደለይ ዘቕርቦ ዘለኹ።

ኣነ ብዘይካ ንውሳኔ ዓሰብ፡ ርኢቶይ ተቓውሞ ምቕራብ፡ ከምኡ‘ውን ግብራዊ ስጉምቲ ንረብሓ ሃገር፡ ህዝቢ፡ መንግስቲ ምም/ከተማ፡ ሰራዊት......፡ ዝፈጸምኩዎ ገበን ወይ ውልቃዊ ረብሓ የለን።

 

“ገበን ኣለካ“ ዝብልከ ገበነይ ናብ ሕጊ፡ ቤት-ፍርዲ፡ ዋና-ኣኽባር ሕጊ የቕርብ። በቲ ሕጋዊ ትካላት ክፍሊ ፍትሒ ኣብ ሕጊ ይቐርብ።

 

ካብ ብ/ቢትወደድ ኣብራሃ፡

እዚ ክ/ሰ/ ኮማንዶ

ኣብዚኣ ፌርማኡ ኣላ።

 

ትሕቲ ቀይዲ 72 - ራዲዮማሪናዮ፡

ኣስመራ TRAK –A-

በ/ት ጽ-ውሽጣዊ ጉዳያት፡-

 

ብዓሰብ ንዝተላዕለ መዘዝ፡ ሰነድ ቢተው ኣብዚኣ ተወዲኣ ኣላ። ርኢቶታትን መደምደምታን ክቕጽል ኢዩ።

 

ጎደፋ

 

 

 

 

 

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...