ስርዓት ህግደፍ ን 28 አባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ አብ ከባቢ ባርዶሊ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብጋህዲ ረሺኑ፡ እቶም ብምሉኦም ተወለድቲ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዝኾኑ አባላት ሓይሊ ባሕሪ ንናይ ጽጌራዳ ገብረመድህን አማሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊት ቀይሕ ባሕሪ መራሒ መኪናኣ ዝነበረ ከተህድሙ ፈቲንኩም ብምባል ቅድሚ 3 መዓልቲ ንብሙሎኦም አብ ከባቢ ባርዶሊ ከምዝረሾኖም ካብቲ ቦታ ዝበጻሓና ዝተረጋገጸ ዜና ሓቢሩ፡፡ እዚ ብጨፍጫፊ ትካላት ዑሉላት ህግደፍ ዝተወሰደ ጅመላዊ ህልቂት›ዚ መቀጸልታ ናይቲ ብስዉርን ብጋህድን ክገብሮ ዝጸነሐን ዘሎን ባራባራዊ ተግባራቱ ኾይኑ፡ ሙሉእ ናይዚ ጅምላዊ ህልቂት›ዚ ተሓታቲ ዝኸውን መንግስቲ ኤርትራን ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኮይኑ ብፍላይ ድማ ነቲ ናይ ምርሻን ትእዛዝ ዘመሓላለፈ ኮሎኔል ወዲ ሓሊማ ምኻኑ ዲሞክራስያዊ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ይሕብር፡፡

እዚ ዘስካሕክሕ ጅምላዊ ህልቂት›ዚ ንህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንምንብርካኽን ንምጽናቱን ንምፍርራህን እካ እንተኾነ፡ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዝያዳ ጽንዓትን ሰንቅን ከምዝኾነ እንዳረጋገጸ፡ ሕነ ናይዞም ጩቁናት ሱዉኣት ደቁን አሕዋቱን ድማ አብ ዝጥዕም ጊዜን ኩነታትን ክፈዲ ምኻኑ ንኹሎም አብ ትሕቲ እቲ ጨፍጫፊ ስርዓት ዝነብሩ ዘለዉ ዉጽዕ ህዝብና ክገልጽ ይፈቱ፡፡ በዚ አጋጣሚ›ዚ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ነዚ ተግባር›ዚ ክኹንኖን ህዝብና ዝውሕሰሉን ሂወቱ ዝድሕነሉን ኩነታት ክፍጠር ብትሪ ይጸውዕ፡፡

እዞም ካብ ዘይውዳእ ሃገራዊ አገልግሎትን ጊላነትን ናይቲ ስርዓት ክናገፉ ናብ የመን ክሃድሙ ዝፈተኑ አሕዋትና ፍሉይ ዝገብሮ እንተሎ፡ ንአውቲስታ አማሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ምስ መኪንኡ ንመህደሚ ሽፋን ክኾኖም ስለ ዝመረጽዎ ኢዩ፡ አብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ መንእሰያት ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ብሚሳይላት አብ ውሽጢ ጀላቡኦም እንከለዉ ከምዝተሓምሸሹ ዝዝከር ኮይኑ፡፡ አብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ዘርኢ ናይ ምጽናት ፖሊሲ ተኸቲሉ ይኸይድ ከምዘሎን ብዘይ እዚ ዓይነት ፖሊሲ›ዚ ክነብር ዘይክእል ስርዓት ብምኻኑ፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም አበሳ ህዝብናን ህላዌናን ናይ ምጽናት ተግባራት ዘካይድ ዘሎ ስርዓት ንምውጋድ አድላይ ዘበለ ኩሉ ዓይነት ሓገዛት ንዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ንውጹዕ ህዝቡን ከቕርብ በዚ አጋጣሚ›ዚ ውድብና ይጽውዕ፡፡ ንስድራ ቤት ስዉኣትን ቤተሰቦምን ንዓናን ጽንዓት ይሃበና እንዳበልና፡ ውድብኩም ነዚ ንህላዌ ህዝብና ከይተሓለለ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝፈታተን ዘሎ ስርዓት: ጨፍጫሪ አህላቒ ተግባራቱ አብ ምቅላዕን ትካላቱ አብ ምትርማስን ንምውዳቑን ከምእውን መሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝብና ንምርግጋጽን ከይተሓለለ ክቃለስ ምኻኑ ደጊሙ ከረጋግጸልኩም  ይፈቱ፡፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...