ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 7 ሓምለ 2013 ብሓልዮት ጨናፍር ዞባ ኤውሮጳ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከተማ ካስል ተኻይዱ፡፡ እዚ ብዙሕ ሰብ ክጽበዮ ዝጸንሔ ርክብ ፈስቲቫል ብኣዳለውቱ ዝነበሮ ትጽቢት ክንደየናይ ነቢሩ እንድዒ ብትዝብተይ ግን ጽቡቕን እኹል ተሳታፋይን ምንባሩ ኢዩ፡፡እቶም ብሓላፍነት እዚ ፈስቲቫል ብጽቡቕ ኩነታት ክሓልፈሎም ዝጸዓሩ ኣዳላውቱ ብዙሕ ደኺሞም ከምዝኾኑ ካብ ትሕዝቶ እቲ ፈስቲቫል ክትዕዘቦ ዝከኣል ኩነት ኢዩ ዝነበረ፡፡

 

ኣዳለውቲ ሓደስቲ ድዮም ኮይኖም ወይ ከምኡ መሲልዎም ንዓይ ዘይበርሀለይ ኣብ ኢንተርነት ዝዘርግሕዎ መደብ ፕሮግራምን እቲ ጉዳይ ዓርቢ ሰዓት 10 ቅድሚ ቀትሪ ዝጅምር ሙዃኑ ዝሕብር ብምንባሩ ኣብ እዋን ስራሕ ዝጅመር ፈስቲቫል ናይ መጀመርያ ፈስቲቫል ዝብል ስም ብምሃብ ምስ ስድራና  ኣስታት 400 ኪ,ሜትርተጓዒዝና ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕናስ ብዘይካ ዕድመኦም ድፍእ ዘበሉ ጉሩማት ኣቦታት ኣብቲ መእተዊ ካንሸሎ ዘላ ንእሽቶ  ገዛ ኮይኖም መእተዊ ገንዘብ ዝሓቱ እንተዘይኮይኖም ብዙሕ ሰብ ኣይትርእየላን፡፡እቲ ዝተሓተትናዮ መእተዊ ግብሪ ከፊልና ናብቲ ገፊሕ ኣዳራሽ ምስ በጻሕና ተስፋ ዝህብ ላዕልን ታሕትን ምድላው ምግብታትን ምስተዓዘብካ እቲ ክጽልምት ጀሚሩ ዝነበረ ኩነታት በርሃው ክብል ይጅምር እሞ ነቲ ኣብቲ መጀመርያ ዝነበረ ምጥርጣራት ደምሲስካ ተስፋታትካ ኣላማሊምካ ትሓስብን ተውርድን፡፡ እታ ዕለተ ዓርቢ እምብኣር ከምቲ ኣብቲ ወጺኡን ተዘርጊሑን ዝነበረ ኩነታት መደበ ፕሮግራም ዘይኮነስ ክሳብ ሰዓት 18,00 ብጽቕታ ኢያ ተሓሊፋ፡፡እዚ ኩነታት እዙይ ነዳለውቲ ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሉ ንኸምዙይ ዝበለ ጉዳይ ንዘዳሉ ተሞክሮ ኮይኑ ክምህር ዝኽእል ኩነታት ምንባሩ ኢዩ፡፡ ክሳብ ብሂወት ዘሎና ምምሃር ሰለ ዘይነቋርጽ እውን ጽቡቕ ሓዲስ ተሞክሮ ምንባሩ ኢዩ፡፡

ናብ ዝርዝር ምድልዋቱ ምእታው ኣየድልየንን፡፡ ተሳትፎይ ውሱን ስለዝነበረ እውን ካብዚ ንላዕሊ ክብሎ ዝደሊ የብለይን፡፡ናብቲ ጻዕርን ድኻምን ኣዳለውቲ ዘሎኒ ኣኽብሮትን ናእዳን ግን ደረት የብሉን ፡፡ ንኹሎም ኣዳለውቲ ብፍላይ ንጨናፍር ሃገረ ጀርመን ነዚ ሓዲሽ ተሞክሮ ከተኣታትው ምፍታኖም ጽቡቕ ስራሕ ሰሪሕኩም የቐንየልና ብምባል ከመስግኖም ይፈቱ፡፡ ፈስቲቫል ክሳብ ሕጂ ብውድባትን ብህ.ግ.ደ.ፍን ሕዙእ ምንባሩ ኢዩ ዝፍለጥ፡፡ እዚ ብባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከምዚ ዝበለ ገፊሕን ድሙቕን ፈስቲቫል ንመጀመርትኡ ምክያዱ ሓዲሽ ተሞክሮ ኮይኑ ጽቡቕ ኔሩ፡፡ ኣዳለውቱ ክሕብነኑን ንብድሕሪ ሕጂ እውን ብተመሳሳሊ ክቕጽልን ይግባእ ምበልኩ። ከምቲ ምስ ብዙሓት ንዓመታ ኣብ ኣስመራና የራኽበና ንብሃሃሎ ዝነበርና  እውን እሙን ንምግባሩ ብዙሕ ስራሕ ኣብ ቅድመና ከምዘሎ ኢዩ`ሞ በርቲዕና ንስራሕኢዩ ለበዋይ፡፡

ኣዳለውቲ ፈስቲቫል ሓደ ድልድል ኮይኖም ንህዝብን ባይቶን ኣራኺቦም፡፡ መሪሕነት ባይቶ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቦም ነዊሕ ብጣዕሚ ነዊሕን ኣድካምን ምስቲ ዝገበርዎ ዕዮ ዘይራኸብ ብነዊሕ መግለጽን ናብ መኣዝንካ ዘስሕት ኩነታትን ዘዘንበለ ግብራውነት ዘይብሉ መግለጺ ሂቦም፡፡

ብፍላይ ምክትል ኣቦመንበር/ኣደመንበር/ ብፍቱው ግጥምታት  ነፍስሄርዶክተር ርእሶም መእተዊ ገቢራን ጓል ወሓለታት ኢለ ኢየ ኣብ ፓልቶክ ዝኣቱን ምኽንያት እቲ ስም መምረጺኣን ክሳብ ፍጊዕ ዝብለናን ነንጸርጽርን ካብ ስነስርዓት ወጻኢዝኾነ ዓውታ ተጠቒምና ናብቲ ሕመረት ጉዳይና ምለስና ብምባልን ንወይዘሮ ፍረወይኒ ሃብተማርያም ክንሓታን ክንቃወምናን ፈቲና፡፡ ብኸምዚ ኣገባብ ንኽትእረምን መግለጺኣ ከተመሓይሽን ከተሕጽሮን ክትእለኳ እንተፈተንካ ጓለያቱ ኣይዓጀባን፡፡ ክንደይ ሰብ ንደገ ምውጻእ እንተገበረ እኳ  ቀጺላ፡፡ሰባት ብዘይ ፍቓድ ተተሲኦም ንሕና ሕቶ ኣሎና ናብቲ ንደልዮ ሕቶ ንኺድ እዚ ትገልጽልና ዘሎኺ እንፈልጦ ኢዩ፡፡፡ ሎሚ ዘይኮነ እውን ቅድሚ ዓመትን ፈረቓን ክኸውን ነይርዎ ዝብል ርእይቶኳ እንተተዋህበ ሕጂውን ለውጢ ኣይነበረን፡፡እቲ ዝነበረ ለውጢ ኣቦመንበር ኣቶ ጸጋይ የውሃንስ ማይክሮፎን ሒዙ ካብ መቐመጢኡ ብምትሳእ ክንጻወርን ክንዕገስን ከምዝግባእ ክምዕድ ምፍታኑ`ዩ፡፡ኣብ 2011 ኣብ ዋዕላ ኣዋሳ ዝቐረበን ጸዲቑን ዝበሉና ሮድማፕን ፕሮግራምን ንልዕሊ ዓመትን ፈረቓን ዋላ ዝያዳን ደቂስካ ጸኒሕካ ሎሚ ክትገልጽን ከተረድእን ምፍታን ማዕረ ክንደይ ካብቲ ህሉው ኩነታት ኣደራዕን ሽግርን ህዝብን ሃገርን ተራሒቑ ከምዘሎ ዝሕብር ስለ ዝኾነ  መራሕቲ  ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ውድቀቶምን ድኻሞምን ኣሚኖም ብሓዲሽ ተበግሶ ክምርሹ ኢዩ ዝግባእ እምበር ንነዊሕ ዝምድሩ ፖለቲከኛታትን መራሕትን ክትመስል ከተታልል ጊዜ ክትቀትልን ሰብ ተዳኺሙ ምክትታሉ ክስሕትን ምፍታን ሎሚ ኣብ ኤርትራዊ ዜጋ ቦታ የብሉን፡፡

 

ኣነ ተማሂረ ኢየ ብዙሕ መጽሓፍ ኣንቢበ ኢየ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ኢየ ዘለኹ ኢልካ ንድምጺ ሓፍሽ ክትዓግት  ምፍታን ጊዜኡ ከምዝኣኸለ ፈስቲቫል ካስል ብግብሪ ምሂሩ፡፡ስለዝኾነ ነዚ ተደጋጋምን ፍረ ዘይነበሮ መግለጺ ምክትል ኣቦመንበር ብምጽላእ መብዛሕትኡ ተሳታፊ ንደገ ክወጽእ ጀሚሩ፡፡ድሕሪ ነዊሕን ኣድካምን መደረታት ብድፊኢት ተሳተፍቲ መራሕቲ ባይቶ ገለ ሓቅታት ክገልጹ ፈቲኖም፡፡ ኣብ ሞንጎ መሪሕነት ባይቶን ኣብ ሞንጎ ፈጻሚ ኣካልን ከምቲ ዝድለ ናይ ስራሕ ዝምድናን ምውህሃድን ከምዘየሎ ዝሕብር ኮይኑ ናብዚ ናይ ሎሚ ፈስቲቫል እውን ሓቢርና ንኽንመጽእ ብዙሕ ደብዳቤታት ከምዝተጻሓሓፉንን ብምኽንያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ፈጻሚት ኣይሰለጠናን ተባሂሉ፡፡

እዚ ፈስቲቫል ካስል ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ካብ ዝስማዕ ነዊሕ ኮይኑ ኢዩ፡። ፈጻሚት ኣካል ባይቶ እውን ዘይትፈልጦ ኣይመስልን፡። ስለምንታይ ኣብቲ እዋን ፈስቲቫል ርክባት ክገብሩ ፈቲኖም ግን ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኮይኑ ህዝቢ ንጉዳዩ ባዕሉ ክቋጻጸሮ ዓይኑ ክኸፍት ከምዝግባእ ክፍለጥ ኣለዎ፡፡ሕጂውን ከምዛ ንመሪሕነት ባይቶ ኣብ ካስል ዘዋጠሮም ንፈጻሚት ኣካል ባይቶ ጸዊዑ ክሓታን ክብድሃን ይግባእ እሞ ኣዳለውቲ ፈስቲቫል ካስል እዛ ጠለብ እዚኣ ከተግብርዋ ይጽውዕ፡፡ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንቃወመሉ ዘሎና ኩነታት መበገሲኡ ምልካዊ  ባሕርያቱ ኢዩ፡፡ ምልኪ እንዳተቛወምካ ክትመልኽ ምፍታን ረሳዕቲ ኮና እምበር መራሕቲ ኢልና ዝመረጽናዮም  መራሕቲ ውድባት ነዚ ባህርያት እዚ ዘርኣዩናስ በርከት ኢዮም፡፡ብሕጂ ግን ዝክኣል ከምዘይኮነ ከነፍልጦም ኣሎና፡፡

መራሕቲ ባይቶ ኣብ ካስል ተማሂሮም ክኾኑ ዘሎኒ ምንዮት ብዙሕ ኢዩ፡፡ገለ ካብ ኣብ መድርኽ ዝነበሩ ኣለይቲ ነቲ ረሲኑ ዝነበረ ክትዕ ንምቕጻይ ናይ ሙዙቃን ትልሂትን እዋን ኣኺሉ ብምባል ብዘይ መደምደምታ ክዘርግዎ ፈቲኖም፡፡ ሓደ ምሉእ ክዳን ዝተኸድነ መንእሰይ ካብ ዝተቐመጦ ብምትንሳእ ክልተ ኣእዳዉ ብምዝርጋሕን ናብ መራሕቲ መድረኽ ብምቕራብን ጓይላ ኣይኮነን ኣምጺኡና ዘይተመለሰ ሕቶ ኣሎና መልሱ ጓይላ ንህ.ግ.ደ.ፍ ይኹኖ ምስ በለ ኣዳራሽ ብጣቒዒት ክትፍንቀል ደልያ ክትዕን ሕቶን ቀጺሉ ምርብራብ ኮይኑ፡፡ህዝቢ ጽንዓቱ ኣረጋጊጹ፡፡ንኹሉ ሕቶታቱ ዳሕዲሕዎ ድኽመቶም ነጊርዎም፡፡ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ካላኣይ ርክብ ባይቶ ስለምንታይ ንውድብ ብሄረ ኩናማ ኣግሊልዎ? ኣብቲ ርክብ ስለምንታይ ንመድያ ከልኪልኩም? ብፍላይ ስለምንታይ ንኣሰና ./ኣማኑኤል ኢያሱ/ ዓጊትኩሞዝብሉ ተረርቲ ሕቶታት ተሓቲቶም፡፡ ቅናት ኣደይ ሓንኩሉኒ መልስታት ሰሚዕና፡፡ ኩነታት ሲናን ስደት መንእሰያትን ተዘትይሉ፡ብሓተቲ ብዛዕባ ዝመጽእ ካልኣይ ጉባኤ እውን ተላዒሉ ኢዩ፡፡ድንግርግር ዝበለ ከይከውን ክንጥንቀቐሉ ከምዝግባእ ኢዩ እቲ መልእኽቲ ብፍላይ እቲ ካብ ህዝቢ ዝቐርብ ዝነበረ፡ሕቶ ህዝቢ ዳርጋ ሓደ ዝዓይነቱ ሕቶ ዝሓተተ ኮይኑ ምቅላስ ትዓግቱና ኣለኹም ዝብል ኣመት ዘለዎ ምንባሩ ምጥቃሱ ይክኣል፡፡ መለስቲ ሕቶታት ነቲ ጸገም ካብ ነብሶም ኣርሒቖም ንኻልኦት ከሰክምዎም ይፍቱኑ  ኔሮም ብፍላይ ኣብዚ ፈስቲቫል እዚ ዘይነበረ  ናብ ፈጻሚ ኣካል ባይቶ፡፡

 

ኣብዚ ፈስቲቫል እዚ ጽቡቕ ተስፋ ዝህብ ብዙሕ ነገራት ተኸሲቱ፡፡ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ዝቕመጡ ኤርትራውያን መንእሰያት ምስ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ውድብ መንእሰያትን ብሓባር ኮፍ ኢሎም ምዝታዮምን ርክቦም ክቕጽል ከምዘለዎን ኣብ መጻኢ ዕድሎም ክጠቕሞም ዝኽእል ሞያ እንዳጥረዩ ህዝቦምን ሃገሮምን ንምድሓን ክጽዕሩን ተማይጦም ተመዓዒዶም፡፡ ዘሓጉስ ጽቡቕ ነገር ኢዩ፡፡

ብድሕሪ ከምዚ ዝበለ ሩሱን ኩነታት ናብ ሙዚቃዊ ትልሂት ሰለ ዝተሰግረ መድርኽ ንመንእሰያት ሃገረ ስዊዘርላንድካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹን ተመሓላሊፉ፡፡ ድሙቕ ጓይላን ሙዚቃን ሓንካስ ብሙርኩስ ሰሳዕስዕ ኮይኑ ነበረ፡፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ክእለትን ጉልበትን ዝውንን መንእሰይ ካብ ሃገሩ ተሰዲዱን ተባሩሩን ክትርኢ እንከለኻ ዓው ኢልካ ዘይብከዮ ሞት ሕጹይ ትብል እሞ በቲ ካልእ ሸነዅውን ትጸናናዕ ፡፡ካልእ ኣብዚ ፈስቲቫል እዚ ተስፋ ዝህብ ተርእዮ ድሙቕ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኢዩ፡፡ ልዕል ኔሩ፡፡ክሳብ ውድቀት ህ.ግ.ደ.ፍ ክቕጽል ይግባእ፡፡

 

ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት ኢዩ፡።

ዓወት ንባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡፡

ዝኽሪ ንጀጋኑ ሰማእታትና፡፡

ስዩም ኪዳነ፡፡

 

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...