ሕ/ሰባዊ ንጥፈታት ብደቂ-ሰብ ከምዝዕመም መጠን፡ ውህሉል ፍጻመታት ውልቀ-ሰባት ተደሚሩ ኢዩ ሃገራውን ዓለማውን ታሪኻት ዝኾነልና። ኣብ ሃገርና ንኣብነት ብፍላይ ፖለቲካዊ ታሪኽና ብፈጸምቱ ደቂ-ሃገር ተዓሚሙስ ድሕሪ ከቢድ መስዋእቲ፡ ሃገርና ከምዓ ለማ ሃገር ኮይናትልና። እናሓደረ ዝተጋህደ ነገር እንተኣልዩ ግና ንወያ ዝተመነናያ ሃገር ዝፈታተን ተርእዮ ሰማይ ዓሪጉ። ሃገርና ብታ ሪኽ ተበጃዉነት ህዝባ ከምዘይተወለደት፡ ንምስላባ፡ ንምብሓታ ካብተደለየ ግዳ ታሪኻ ክነጽፍ ኣለዎ። ታሪኽ ምጉዕጻጽ ዝከአል ንፈ ጸምቲ ታሪኽ ብምጽናት ኢዩ። ብካልእ ኣገላልጻ ታሪኽ ከም ውቅያኖስ እንተተመሲሉ፡ ወዲ-ሰብ ድማ ኣብቲ ባዕሉ ዝሰርሖ ባሕሪ ታሪኽ ኢዩ ዘንሳፍፍ። እቶም ኣብኡ ዝሕምብሱ ኣህዛብ ድማ ከምዓሳታት ክበሃሉ ይከአል። ስለዚ “ዓሳ ንምጽናት ውቅያንስ ወይ ባ ሕሪ ምንጻፍ“ ብዝብል ውጥን ዘዝተለኽፈ ዘበለ በሓቲ ገባቲ፡ ነዚ በጺሕናዮ ዘለና ዓለማውን ሃገራውን መልኽዕ ክንርኢ ኣብቂዕና።

ከምትፈልጥዎ ታሪኽና ብኸምዚ ዝተገለጸ ፖለቲካዊ ጻውቲ ዝተወጠረ ኢዩ። ደቂ ኤርትራ ከምኣናብስ ሃገርና ካብ መንጋ ጋ ጸላእቲ ኣናጊፍና ከነብቅዑ እንተኾነስ ብገዛእ መራሒና ተገዲና። ኣብ ርእሲ ተጋዳላይ ህዝብና ብስዉርን ግሁድን፡ ብ ንጽልን ጅምላን ዝተፈጸመ ወንጀል‘ሞ ብጽሞና ሕሰብዎ። ብሰንኪ ግርህነትናን ሃገር ንምሕራር ክንከፍሎ ብዝነበረና መስ ዋእትን፡ ጀጋኑና በቢሓደን ብጉጅለን ተተሓኒቖም ናብ መዳጎኒኦም ኣምሪሖም። ኤርትራ ከርሳን ባሕራን ደሪቑ ንሕና ህዝ ባ ከኣ ልክዕ ከምቲ ማይ ገዲፍዎም ዝነጸፈ ዓሳታት፡ ብሰንኪ ዘይስኒትን ጥምረትን፡ ብዘይ ድርዕን ዋልታን፡ ናብ ምጽናት ኣምሪሕና። እንተኾነ ሓደ ፍጹም ነገር ኣሎ። ሓቀኛ ታሪኽ ንዘንተ-እለት ነይሩን ክነብርን ኢዩ። ወዮም ንሶምን ቅያታቶም ን ነይሮም ከምዘይነበሩ ክድፈኑ ዝተፈረዱ ስዉኣትን ህሉዋትን ሓርበኛታትና ከነዘንትወሎም ጥራይ ዘይኮነ ብመሰረቱ ድ ማ ሓርበኛ ዘይነብር‘ዃ እንተኾነ ታሪኹ ከምዝውረስ መጠን ንጀጋኑና ከነዘንትወሎምን ክንወርሶምን መብጻዓና ኢዩ።

ሓደ ካብዞም ግዳያትና እቲ ኣባል ማ/ሽማግለ ህ.ግ ነበር ተ/ይ ቢተወደድ ኣብርሃ ኢዩ። ንሱ ካብ ዝቕየድ ንደሓር ማለት ካብ 22-10-91 ንነጀው ሰለስተ ግዜ ዝተሓላለኸ ፈተነታት ከምዝተፈተነ ሰሚዕክሞ ትኾኑ።

- ብሕጊ ከምዝተፈትሐ ተመሲሉ ተፈንዩ። ሽዑ ግን ንሱስ ንዕዑ ብዝርድኦ ነገራት ኣይሃደመን። ደጊሞም ድማ ረኩዕዎ።

- ብሓይሊ ከምዝመሎቐ ተመሲሉ ከምዝሃድም ተገይሩ። ሽዑ‘ውን ኣይሃደመን። ብኣንጻሩ ብተሌፎን ክጻረፎም ሓዲሩ።

- ስዒቡ ዝመጸ መስርሕ ብዙሕ ውዲታት ከምዝነበሮ ኢዩ ዝተወርየሉ። ንኣብነት ምስቲ ሃዲሙ ዝተባህለ ተማሃራይ ዩኒ ቨሪሲቲ ክሃድም ተለሚኑ ከምዘቕበጸ ሰሚዕናዮ። እቲ ተመሃራይ መቸም ሽዑስ ብጎራሕ ሽርሕታት ‘ከምዝሃደመ‘ ተወርዩ ሉ ኢዩ። ክሳብ ክንድኡ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ክሃድም ካብሰለጦስ ዳሕረዋይ ንጥፈታቱኸ ንዝምልከት‘ሞ እንድዒኸ።

ቢተውከ ንክሃድም ካብተዓደመ እንተዝብገስ እንታይኮን ምሰዓቦ?

ንነገሩ ሃዳምነት ከምርእሱ ዝኻአለ ተበግሶ ኣወንዚፍና፡ ስለምንታይ ኢዮም‘ዞም ኩሎም ገዳይም፡ ምኩራትን ሓለፍትን ተ ጋደልቲ ዝነበሩ ክሳብ ካብወጻኢ ተመሊሶም ክእሰሩ መሪጾም? ንምንታይከ ከምቲኩሉ ዝርአ ክቐትሉ ክኣስሩ እናኻአሉ ከ ምኡ ዘይደለዩ? ንመን ካባና ኣሚኖም ኢዮምከ ተተጎቲቶም ዝተቐፈዱ? ብዝኾነ ከምኡ ዝኣመሰለ ጐነጽ ብዘይምድላዮም ን ብዘይምህዳሞምን ክሳብ ሕልፈቶም ተኸዚኖሙልና ኣለዉ። ንሕና ‘ ሰላማውያን ተቓለስቲ‘ እምባአር ቀዳሞት ኣየናገፍ ና ዳሕረዎት ኣየስረርና። ንጉሆ ንጉሆ ዎየ....... ኮይኑ መዝሙርና።

ኣብዚ መፋርቕ ቃልስና ከምኣ ኮይና ተሪፋ ኣላ ኤርትራውነት!!

ቢተወደድ ን22 ዓመታት መመላእታ ፍትሒ ኣይረኸበን። ብምዃኑ ዋላ‘ዃ ብሂወት እንተሃለወ ደጊምሲ ዳግማይ ኣምሊ ሱ ንመሰሉ ክሟጐት ክንደየናይ ተኽእሎ ከይህሉዎ። ንሱ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ኮማንዶ ከምምንባሩ መጠን፡ እሞ ድማ ሰራ ዊት ኮማንዶ ምስቲ ሽዑ ዝናኦም ንምጅላሕ ብዛዕባኦም ዝተነዝሐ ወረ፡ ክቡር ሓድሽ ፕረሲደንት ኤርትራ ከኣ ንሳቶም ምእንቲ መሰሎምን መራሒኦምን ክብሉ ክላዓሉ ይኽእሉ ኢዮም“ ዝብል ስግኣት ስለዝነበሮ ነቲሰራዊት ሓድሽ ሙእዙዝ መራሒ ተካኣሉ። እቲ ሑሩይ መራሒ ብሕልና ክቡር ፕረሲደንት ንኣባላቱ መመዝሒቑ ዝቕፍድ ክኸውን ነይርዎ።

ብሓቂ ሙእዙዝ  ምዃኑ ቡኡ ንቡኡ ዘመስከረ መራሒ!! ክሳብ ግምባር ነፋሲት ወሪዱ ምስቶም መረዃኹስ ዝብሬናቶም ስንኩላን ተሓናኒቑ ብስያፍ ዝዓጸደ፡ ዘጽሓየ ሙእዙዝ! ብዝወዓሎ ዕዉት ውዕሎ ድማ ካብኢድ ወዲ-ወርቂ ማህጸን ንሻን ወርቂ ኣንበሳ ዝተሸለመ ጅግና!!

ኣይትሓዙልና፡ ዋላ ኣርቲፊሻልነት ወርቂ-ማህጸን ኣዳቒቕኹም ተርጉሙዎ፡ ፈተናዮ ጸላእናዮ ከምኡ ዝዓይነቱ ትዕዝብቲ ከምዘለና ድማ ከይንሓብእ ኢለ ጥራይ ኢየ። ክሳብ ለይቲ ሎሚ ድማ ንሓርነት ሃገርና ዝበቕዐ ሰራዊት ወይ መራሒ ኣይ ተራእየን። ከምቲ ናይ 102፡ ከም ጀነራል ደምሴ ቡልቱ መኖምከ እዃ ፍኒፍኒሕ። ሎሚ፡ ጽባሕ ከምዝመሓየሽ እናተመኽ ነየ ተኾድጭካ በላዕተኛ ምጽባይ ኮይና ዕድልና።

ስብሓተ-ወዲሓጎስ፡ እኒ ውጩ ፍሊጶስ

ሰብ ድርብ ሹቶላት፡ ናይግምባራት ኣናብስ

መዃንንቲ ኩሉምሎም፡ ከዋኽብቲ ጸጽዒኖም

ፍታሕ ብዒዳቶም፡ ከፍአ ግን ናይ ኣድሓኖም።.......... ይበሃል ኣሎ ።

መሬት ብንጉኡ፡ ከልግቡሉ ከክፉኡ

ደገፍቱ ክምስክሩ ንጽሬተ-ሕልናኡ

ሎሚ ‘ታይ ረኸቦ ዘጸግዕ ናብ ኣያኡ

ዶስ ሓቂ ነይራ ‘ታ ጥንታዊት ሳጓኡ.............‘ውን ኣለዎ።

ስለዝተባህለ ጥራይ ኢየ ዝብል ዘለኹ። ሓያለይ ካብ ህዝብና ነቲ መዋእሉ ከምሓደ ተበላጺ፡ ከም ሓደ ‘ፈራህ ኣንበሳ‘ እና ተመሰለ ዝሓለፈ ኣድሓኖም ድሕሪ ማእሰርቲ ናይቶም “ምስኦም መኺረ“ ዝብሎም መማኽርቱ ኣብ ዘካየዶ መደረታት፡ ን እለቱ ንጉጅለ ህግደፍ ቀራሲሙ ንጉጅለኡ ከናግፍ ወጢኑ ዝቖረጸ ህቡብ መራሒ መሲልዎ ከም መስተርሆት ዝተምየኖ ሰብ ኣይወሓደን። እንተኾነስ ኣይግድን። ኣማስያኡ ንዋቱ ጠራኒፉ ኣ.ኣበባኡ ምስተደርገመ ኩሉ ፖሊሲታቱን ውጥናቱን ጠ/ይ ሚኒስተር መለስ ከምዝሰርሓሉ ከምዝተረኸ ተወረየ‘ሞ፡ “ያእ፡ እቲ ወረስ ወረ ጥራይ ኢዩ“ ክበሃል ድሕሪ ምጽናሕ እንሆ ሎሚ ኣብ ዘመተ “ሚስ/ዲስ ኢንፎርሜሽን“ ተሸኺሉ ተሪፉ ካላእ ክልተ - ሰለስተ ሳዕ ይሰመዮ!

ተስፋይ ገለ ቴክኒካዊ ጉድለታት ተዛሪቡ ክኸውን ይክእል። ንበል ኢሳይያስ ብደዉ ይተኩስ ተኾርምዩ፡ ስልጣን ብስሪኡ የምጻኣዮ ብቀምሹ፡ ከምኡ ድማ ብሓቂዶ እቲ “ክቐትሎ መጺኡ“ ዝተባህለ ሓቅነት ነይርዎ? ኢልካ ብዙሕ ምተባህለ። ብ ተወሳኺ እንተኾነ ከምቲ ተስፋይ ዝበሎ እተን ሓይልታት ኣብ ኣልጌን ከምዝነበራን ኣድሓኖም ንርእሱ ኣብ ሓይሊ ዓሊ ሒና ከምዝነበረን ዝትርኹ ህሉዋት ኣለዉ። ከምቲ ኣድሓኖም ዝበሎ ኣብ ገረግር እንተነበራኸ ነቲ መሰረታዊ መዛረቢ ዛዕ ባ እንታይ ለውጢ የምጽኣሉ ኮይኑ ኢዩ ኣድሓኖም ዝኣክል ሓርበኛ ቀቁምነገሩ ጐስዩ እራይ ምራይ ክቖናጥጥ ዝተሰምዐ?

“ወዲተምኖ ስትራተጂካዊ ጌጋ ጌሩ“ ዝብል ጽሕፈት ድማ ተጀሚሩ ኣሎ። ብወገነይ ንብዛዕባ ዓላማ፡ ስትራተጅን ስልትን ኣብ ዝኣመሰሉ ክልሰ-ሓሳባት፡ ዕጹብ-ድንቂ ገላጺ ጣቛታት ከቕርብ ዝበቅዕ ኣይኮንኩን። ይኹን‘ምበር ንመቃልስትኻ እና ኣዳቐቕካዶ ቃልሲ ኣሎ ኢዩ? ክብልሲ ክኢለ ኢየ። እዞም ተቓወምቲ እንተላይ ቃልሲ ተስፋይ ካብዘይማእምኦም ድኣ‘ሞ ነየናይ ድኽመት ህግደፍን ምስመንን ኮይኖም ኢዮም ክቃወሙ? እንታይ ዝምስሉ መንግስቲ ንምትካል?

ዕሉል ድማ ኣብ ፍጹም ዕሽነት ኣድሂብሉ። ኣውራ መዐወኒኡ እቲ ኩሉ ዝገብሮ ዘሎ ብስልጣኑን ብቕዓቱን ከምዝመስለና መሲልዎ ዓሽዩ። ኣይምትዎ መንእሰያት ሃገርና ‘ከይመትዎ እናሓለየሎም‘፡ ከምቲ ዝበልኩዎ ተሓቢኡ ዘሎ እናመሰሎ ገላ ይኡ ንሃገሮም ብኩሉ ክውፈዩላ ወጢኑ። ክለፍዑላ፡ ክስውኡላ፡ ክሽየጡ ክልወጡላ።/ ብሂወቶም ኮነ ተጐዝዮም!

መዓስ፡ ንመንን ካብምንታይን ከተድሕን ድኣ ኣድሓኖም ድሕሪ‘ዚ?

ሃውቲተዶ? በሉ ናብቶም ከምኡ ከይሪኡ ዝተሓየሩ ንመለስ። ንሳቶም ከምሽዩጣት፡ ዓደግቶም ድማ ኣመሪካን ወያነን እና ተባህለ ተዓሽና። ክሳብ ገለ ተጋሩ‘ውን ጥፍኣትና ንልምዓቶም ወሳኒ ሓቂ መሲሉዎም ተሰራሲሮም ኢዮም። እቲ ሽዑስ ህ ግደፍ‘ውን ዘይቕላዕ መሲልዎ ጥራይ ዘይኮነ ካልእ ምርጫ ከኣ ስለዘይነበሮ ብዙሕ ኣነዊርዎም ኢዮ። እቲ ሓቂ ግን፡-

ቢተው ከምኣብነት እንተወሰድና ከምዚ ስለዝሓሰበ፡ ስለዝበለ...፡ እናተባህለ ብዙሕ ብዙሕ‘ዃ እንተተወርየሉ፡ ዝኾነ ነገር ካብኣቶም ክስማዕ ምተመርጸ። ግናኸ ቃላቶም ክስማዕ ቃል ጎይታ ክሃጥም ስለዝኾነ ኣይተኻእለን። ዝኾነ ኮይኑ ንሕና ከ ምታ መብጻዓና በቢንኡስ ክፋላት እናገበርና ቀዳማይ ክፋል ሰነድ ናይቲ ቢተወደድ ኣብርሃ ብጋህዲ ዝተኸራኸረሉ ዛዕባ ንህዝቢ ክንፍዎ ደሊና ኣለና። ኣብ ዝቕጽል መደባትና ድማ ካልኣይ ክፋላት ኮነ ናይቶም ካልኦት‘ው ን ከነቕርብ ኣኻእሎ ክፈጥረልና እምነ።

ድሓን ቀንዩ።

ጎደፋ፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...