መኸተ ድርዕና፤ ስራሕ ክብርናዶ ኢልኩም፤ ሕጂስ ይኣክል

መኸተ ድርዕናዶ ኢልኩም ላህመት ሃገር መንእሰያትና እንዳጠፋእኩም

ስራሕ ክብርናዶ ኢልኩም ኣይትሰርሑ ኣይተስርሑ ብኹሉ ተግባራትኩም

ንርኢሎና ብደውና ኣድራዕ ሃገርና ብሰንኪ ዘይብቁዕ ምሕደራኹም

ኣቱም አዝዮም ውሕዳት መንሽሮ ሃገር ኣብታ ገዛኢት ዓንከል ህግደፍ ዘሎኹም

ንንድዬት ንዕንወት ቁጠባ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ተሐተትቲ ንስኹም

ወይ ጉድ እንታይ ኢና ንሰምዕ ዘሎና ንህዝቢ ኣደራዕ ጸወታ ንዓኹም

ግደፉባ ጃንዳ ህግደፍ ባጫ ንህዝብና ሃዬንታ ከይኮነኩም

ፍሓስቲ ክፋእ ሃንደስቲ ዕንወት ሕልና ኣልቦ እቲ ልብኹም

ሕጅስ ደሓን ዝበዝሕ ህዝብና ነቒሕሉ እዩ እቲ ሽርሕኩም

ዓገብ ብሃገር ምጥላዕ፤ ብሃገር ምቁማር ሕጅስ ይኣኽለኩም

ብገነታዊ ሕልሚ ምንባር ግደፍዎ ኩሉ ዓለም ንዒቑኩም

ኣርዑትኩም ከቢድዎ ህዝብና ተሳቐዬ ብናይ ጫካ ሕግኹም

ንሰርሕ አሎና ንገብር አሎና እምበር ተዓዊትና ዘይወጻኩም

ክንደይ ጊዜ አሎ ንህዝቢ ምትላል ሕጅስ ይኣኽለኩም

ሓዳስ ሃገርያ፤ ካብ ዜሮ ጀሚርና፤ ተወጺዕና እንዳበልኩም

ዕስራን ክልተን ዓመታት ቀሊል ኣይኮነን ንዘድምዕ ከምዘይከማኹም

እኹል መረዳእታሎ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ዘጋልጽ ስንፍናኹም

በላዕ ሳዕሪ ወይ ትሕተሃገረዊ ኣንተዘይኮይኑ መን እዩሞ ክሰምዓኩም

ጅሆ ዝሓዝኩሞ በቲ ሰራም ንሕናን ንሶምን ዝብል ፈላላዪ ሜላኹም

ከበሮ ሓሶት እንዳወቓዕካ ኣይንበርን እዪ ሕፍረትዩ ንዓኹም

ይኣክል ሕጂስ ጎበዝ ተታሊሉ፤ ክኢላ ተባሪሩ፤ ህዝቢ ተማሪሩ

ናይ ኣፍሪቃ ጃንዳ ክሜርሩዠ ፖልፖታዊ ስርዓት ካን ሕሉፍ ዓንዲሩ

እቲ ዓቃል ህዝብና ካብ በለ ሕጂስ መሪሩና ይኣክል ምጻሩ

ሃዬ ኢደይ ኢድካ ንበል ነድሕና ነዛ ሃገር ክትነብረልና ንወትሩ

ይሕተት ኣሎ ኩሉ ኤሪትራዊ ኣርሒቑ ዝሓስብ ነታ ሓላል ሃገሩ

ዓለምና ትሐምበብያ ዘላ ከይንኸውን ጊልያ ኣብ ዓደቡኡ ዝነብር ሓሲሩ

ጸጋ ሃገሩ ብላዕለዋይ ኢድ ዘይወነነ ዜጋ ይነብር ኣብ ገዛእ ሃገር ተሸቚሪሩ

ሳላ ህግደፍ ኣዬጥርን ኣሎ ክእለትን ሃብትን ዝገብሮ ዘድምዕ ተዋዳዳሩ

ምስቲ ወጻእተኛ ናብ ሃገር ዝመጽእ ክነብር ብሉጽ ሃብቱን ክእለቱን ኣዋፊሩ

እቲ ዝጽበዮ ዕጫ ፍሉጥ ንኽተስምዖውን ዘሰቅቕ ንኹሉ ፈታዊ ሃገሩ

ንሕሰበሉድኣ ንቃለስ እዚ እዩ ክኽውን እቲ ዕድልና ንኹልንና ንሓዋሩ

ሕማቕ ሓድጊ የንጾላሉሎ ንጸላኢኻኳ ዘይትትምነዬሉ ርእስኻ ዘድንን ንወትሩ

ኔው ንበሎ ነዚ ዝገዝእ ዘሎ አደንቊሩ ኣጥምዩ፤ ቀቲሉ፤ ኣሲሩ

እወ ከይንርዕሞ እዚ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ ነብጻሓዮድኣ ናብ መፈጸምታ ዕምሩ

ህዝብና ክነብር ብሰላም ብራህዋ ከምዓለሙ ተኸቢሩ ተሓቢኑ ተሓፊሩ

ኣወ ኤሪትራና ትሓተናላ ከነውጽኣ ካብ ምንጋጋ ሕሱማት ኣራዊት

ባርባራዊያን ጨካናት ዝነብሩ ብናይ ማእከላይ ዘመን ሕገ ግዝኣት

ንቐልጥፍ ነልግሶም ንኤሪትራና ብኹሉ ሓይልና ከኖሰጉማ ንቕድሚት

ቁርዲድ እዮም ኣባይ ናይ ድሕረትን ድንቁርናን መሃንድሳት

ብትሪ ንግጠሞም ኤሪትራና ወሊዳ ደይኮነትን ጀጋኑ ሓዬታት

ነልግሶም ድኣ ተኸፊሉዋ እዩ ሃገርና ደም ጀጋኑ ምዑታት ፈላጣት

ዕድል ኣይንሃቦም ወሰንድኣ ነትሕዞም ነዞም ሕሱማት ተንኮለኛታት

ንኣርባዓ ዓመት ዝተጨማለቑ ከዳዓት ብፈላሊኻ ግዛእ ሽርሕታት

 

ህላዌ ሰናይ (Ph.D.)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...