ሰላም ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ፋሕ ኢልኩም ትርከቡ ኤርትራውያን

ነገሩ ምኸሮ ምኸሮ እምቢ እንተበለ ግና መከራ ይምከሮ ኢዩ፡

ሎሚ ቅነ ኣብዛ ኣነን ካልኦትን ኤርትራውያን ንነብረላ ብቅዋምን ብህዝቢ ዝመረጾ መንግስትን ብስርዓተ ሕግን ትምሓደር ሃገረ ካናዳ፡ ንውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ወኪሉ ኣብ ካናዳ ንኤርትራውያን ኣብ ምስላይን ሓድነቱ ምዝራግን ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ኣብ ምክያድን ህዝብና ዘይረብሓሉ ናብ ምስጢራዊ ቆፎ ሕሳብ ኢሳይያስ ዝድለብ ብ 2% ዝፍለጥ ብግዴታ ከተግብር ዝጸንሐ ቆንስል ኢሳይያስ ኣቶ ሰመረ ዑቕባሚካኤል፡ ነቲ ሕጊ ዝተኸተለ ውርዙይን ዲፕሎማሲያውን ኣሰራርሓ መንግስቲ ካናዳ ዕሽሽ ብምባል፡ ነቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ንዘይሕጋዊ 2% ካብ ኤርትራውያን ካናዳውያን ብግዴታ ዘኽፍሎ ዝነበረ ደው ከብሎ ዝተዋህቦ መጠንቀቕታ ብምጥሓሱ ካብ ካናዳ ተሰጕጉ።

ምስጓግ ቆንስል ህግድፍ ካብ ካናዳ ብጥራዩ ዝተፈጸመ ኣይኮነን፡ እንታይ ዳኣ፡ ሳላ ቃንዛ ህዝቦም ዘቐንዝዎም ሰብ ሓቦ ብስውርን ብጋህድን ማዕጾታት ዝዃሕኩሑን  ንህዝቢ ዘእወዩሉን ኢዩ ሰማዒ ረኺቡ ክፍጸም ተኻኢሉ፡ እዚ ድማ ብውህደት እንተሰሪሕና ድሌትና ከምንፍጽም ዝዓግተና ሓይሊ ከምዘየለ ምስክር’ዩ። ስለ’ዚ ሞጎስን ክብርን ነቶም ንዓመታት ኣብ ጽሞና ዝሰራሕኩም ሰብ ሓቦ።

ብዛዕባ ኣብ ካናዳ ብተበለጽትን ሰብ ፉሉይ ረብሓን ኣሳሰይቲ ህግድፍ ዝፍጸም በደልን እከይ ተግባራትን ቡዙሕ ኢዩ። ናቱ ኣርእስቲ ሂበ ክሳብ ዝጽሕፈሉ፡ ንሎሚ ኣሕጽር ኣቢለ ወስ እንተበልኩ እንታይ ከይብለና።   ንካናዳ ኣብ ተስዓታት ኢየ ኣትየ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ቡዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ካናዳ ኣይነበሩን። ከምቲ ሰብ ናብ ሰቡ ዝብኢ ናብ ገረቡ ዝባሃል ምስላ፡ ናይ ኤርትራውያን ቤት መግቢ. ቤት ጽሕፈት ወይ ማሕበረሰብ ክትረክብ ኢኻ ትህንጠ። ሓንቲ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ንኹሉ ትውክልን ሓንቲ ድማ ቤት ጽሕፈት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ነበራ። ኣብቲ ማሕበረሰብ ምስትኸይድ ካብ ፍትፍቱ ፊቱ በታ ዓቕሞም ንሓደስቲ ክሕግዙ ከምዝደልዩ ትዕዘብ፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ምስትኸይድ ግና ነቶም ኣብኡ ዝጸንሑኻ ገለ ሱሩዓት ብንጽህና ክሕግዙ ዝደልዩ ወይ ዝሕግዙ ገዲፍካ፡ ካብቶም ወግዓውያን ኣማሓደርቲ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ግና ኣብ ጓል መንገዲ ስሩዕ ዲኻ ስሩዕ ኔርካ ዶ ዝብልን፡ ካልእ ፈላላይን ኣድልዎን ትዕዘብ።

እዚ ድማ  ካብ 1990 ክሳብ እዛ ዘለናያ ማዓልቲ 2013 ዝፍጸም ዘሎ ብሓደ መኽሱራ ተበላጺ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብኣውራጃ፡ ብሃይማኖት፡ ብብሄር ንምብትታን ገርሀኛታት ብምውፋር ልዕሊ ኩሉ ዝሰርሓሉ ኣባል ኢ.ሰ.ፓ. ነበር ብስርቅን ምጥፍፋእን ገንዘብ ህዝቢ ብመሳርሕቱ ዝኽሰስ፡ በቲ ቀይሕ መስመር ዝሰገረ ዘካይዶ በታኒ ተግባራት ንህዝቢ ኣቐዲሙ ካብ ሕቕፎ ህግድፍ ዘህደመ ኢስቲፋኖስ ንጉሰ ይባሃል።

መኽሱራ ወይ መኽሰሪ ዝበልኩዎ ድማ፡ ንጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ውሽጦም ኣትዩ ከም አችኣይቪ ስለ ዘማሰኖም ኢየ።

ግደ ሓቂ ንምዝራብ ምስ ኣባል ኢ.ሰ.ፓ. ነበር ኢስቲፋኖስ ንጉሰ ብምውድዳር፡ ብዛዕባ ቆንስል ህግደፍ ኣብ ካናዳ ከተማ ቶሮንቶ  ካብ 1999 – 2003 ከባቢ ዝነበረ ግርማይ ዝባሃል ትዕዝብተይ ንምግላጽ፡ ግርማይ ፍሕሽው ትሕትና ዘዘውትር ኣውራጃዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ኣድልዎ ዘይትዕዘበሉ ህዝቢ ክጥርንፍ ዝጽዕር ሕሉፍ ሓሊፉ ወላ ነቶም ብጋህዲ ኣንጻር ህግደፍ ንቃወም ኢና ዝብሉ ባህላውያን ተቓወምቲ፡ ኣብ ግዜ ውግእ ኢትዮ-ኤርትራ 1998- 2000 ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ጎስጓስ ብልዙብ ኣቀራርባ እዛ ሃገር ናይ ኩልና ኢያ ብምባል ንክሳተፉ ከምዝተማሕጸኖምን ከምዝተሳተፉን ካብ ኣፎም ዝሰማዕኩዎ ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ቀጽሪ ህግደፍ ዝርከብ ኩሉ ሐደ ዘይምዃኑ ኢዩ ዝምህረና።

ሕጂ ውን ኣብ ቤት ጽሕፈታትን ኣኼባታትን ህግደፍ ቀጻሊ ምክትታልን ምርብራብን ክቕጽል ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ገመል ህግደፍ ወላ ብሓንካሱን ብሙህሙንን ነነይ ነነይ ስለ ዘይገድፍ፡ ዕሙቕ ዝበለ ጉድጓድ ፍሒርና ዳግማይ ከምዘይትንስእ ምግባር  ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዕማም ኢዩ።

ነቶም ኣብ ዩሮፓን፡ ኣዎስትራሊያን፡ ኣመሪካን፡ ማእከላይ ምብራቕን ትርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ድማ ኣሰር ናይ ካናዳ ተኸቲልኩም እዚ 2% ዘብቅዓሉ ኣብ ተካይድዎ ዘለኹም ቃልሲ ከም ካናዳ የማስልኩም ብምባል ጽሑፈይ ይድምድም።

ሳልሕ ዓብደላ

ካብ ለምለም  ካናዳ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...