ኣንታ ዘካርያስ ዝብሉኻ ተባዕ ተቓላሳይ

ሓበን ናይ ኤሪትራ ንውዲት እከያት ሳዓራይ

ንገሮም ከምዘይትጸዓድ ነቶም ናይ ዕንወት ቃፍላይ

ሓያል ከም እምኒ ዓረ ምዃንካ ዘይትብል ለይለይ

ቃልስኻ ቀጻሊዩ ክሳብ ዝኾኑ ዛህላይ ማህላይ

ይደልዬካ እዩ ህዝቢ ኤሪትራ ንኪኖ ሓጹር ንዳሕራይ

ብትብዓትካን ሕልናኻን ካብ ኩሉ ተመራጻይ

ሓበን ናይ ኤሪትራ ምሩጽ ኢኻ ኮኾባይ

ኣበርክቶኻ ይዕበ ኣስተዋጽኦኻ ይብዛሕ ከም ሓቦ ተቐናታይ

ከቢርካ ንከተኽብረና ኣብ ኩሉ ዓውሎማዊ ኣደባባይ

ፈንጠርጠርዶ በሉ ክድህሉ ንዓኻ ንኤሪትራዊ ሓነታይ

በዳህካዮባ ንኣባትር ናይዞም ፈራሓት ኣትማን መንደላይ

ማዕከን ድሕረትን ድንቁርናን ዝበስበሱ ብኹሉ መዳይ

ኣንታ ወዲ ፕሮፈሶር ክብራአብ ሓዬት ኢኻ ሓዬት

ትጉህ ኢኻ በሊሕ ትውንን  ተስንቕ ስነ ፍልጠት

ኣልማዝ ኢኻ ወርቂ ልዕሊ ኩሉ ዝግመት

ኣርኢኻዮም ዶ ብርዒ ከምዝበልሕ ካብናቶም መናውራት

ትምኒትና ወሰን ዬብሉን ክትኮነልና  ነባሪ ማሕዮት

ቀጽሎ ቃልስኻ ኣርእዮም ከምዝኾንካ ወዲዞም ሃብሮማት

ንቐልጥፍ ድኣ ወሰን ከነትሕዞም ነዞም ሕሱማት ተነኮለኛታት

ነቦታትና ነደታትና ካብ ገበርዎም ናይ ወላድ ማኻናት

ክለተጊዜባ ኣርኣዩና ከምዘይነበርና ሕቡናት ጻዕራማት

ንኣርባዓ ዓመታት ዝተጨማለቑ ብፈላሊኻ ግዛእ መርዝታት

ነጋውስ ትምክሕቲ፤ ፈጠርቲ ማሕለኻታት፤ ኣዕነውቲ ኣዳራሻት

ዘርኢ ክርዳድ ናይ ክፍኣት ሃንደስቲ ፋብሪካ ተንኮላት

ፖለፖታውያን ዓዋሉ ቀንጸልቲ ጨካናት  ስሱዓት

ኣደንቁርካ፤ ኣጥሚኻ፤ ኣሲርካ፤ ቀቲልካ ግዛእ ዝስረሖም ሰራማት

ዘርእናባ ተዘርዘረ ኣብኩሉ ማአዝናት ብሰነኪዞም ጨካናት

ዓለም አንዳተወንጨፈት አንዳተሓምበበት ብምዕባለ ንቕድሚት

ዕንወትናባ ቀጸለ በስነኪ መዳረገቲ ኣልቦ ግዕዙይ ምሕደራታት

ምሕረት ድኣ ዬውርደሉ ንህዝቢ ኤሪትራ ካብዚ ኩሉ ማዓት

ይገርመናሎ ካብ ተባህለ ኣብዛ ዓለማዊ ዕምሪ

መንእሰያትና ካብ ኮኑ ድራር ዓሳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ

ደሞም ይጠርዕ ኣሎ ናባና ናብ ደቂ ሃገር ክንብድሆ ብትሪ

እወ ኣጻምእ ሰሃራ ምስ በረኻ ሲና ካብኮኖም ገሀነመ ምድሪ

ንመንእሰያትና ነድሕን ክኾኑልና ናይ መጻኢት ኤሪትራ ክብሪ

ንሓግዞም ድኣ እዛ ሃገርና ንዳሕራይ ከይትኸውን ሃገረ ወጥሪ

ከይንኽውን ኣብነት ውድቀት ንኻልኦት መምሃሪ

መንእሰያትናውን ደርዑ ጻዕርኹም ክሐጽረልና እዚ ክፉእ ነውሪ

ተቓውሞኹም ይሰውድ ይህጠር ብምድሪ ብባሕሪ

ትምክሕቲ ንውድቀት ክም እትጽውዕ ፍሉጥ እዩ ካብ ጥንቲ ነባሪ

ትመጽ ኣላ እታ መዓልቲ ፍርዲ ናይቲ ናይ ህዝቢ ከታሪ

መኔ፣ መኔ፣ ቱቔል ኡፋርሲን ካብ በለ መጽሓፈ ፈጣሪ

መዓልቲ ውድቀት መለኽቲ ቐሪቡ ኣሎ ብጭቡጥ ብግብሪ

ስቅያት ህዝቢ ኤሪትራ ክዛዘም ግራትና ከፍሪ

ሃገርና ክትለምዕ ክትግስግስ በቲ ዝድለ ናህሪ

ኣብ ገዛእ ሃገርና ከይንኸውን ጊልያ ተዋሪዱ ነባሪ

ግንከ ኣሎውና ኣለዋና ምዑታት ዘዬድልዮም መስካሪ

ዬብዝሓዮም ድኣ ከም ዘካርያስ ዝቃለሱ ብፍልጠት ብግብሪ

ሃገርና ኤሪትራ ሰላም ክትከውን ንብዓት ሓጎስና ክዛሪ

ስደትና ክሓጽር ከንሰርሕ ንሃገርና ብሕልና ብፍቕሪ

ስጋብ ዝማሃሩ እቶም ሕጂ ዝተገርሁ ብሓሶት መደናገሪ

ዝነብሩ ዝመስሎም ኣብ ገነታዊ ሕልሚ ልክዕ ከም በላዕቲ ሳዕሪ

ተጊህና ነረዳኣዮም ድኣ ስለዘሎና ኤሪትራዊ ሕድሪ

ክሳብ ዝምለሱ ናብቲ ንቡር ሃገራውነት ናብ ሰብኣዊ ባህሪ

ክሳብ ዝርድኦም ሃገር ከም ዘላ ኣብ ኢድ ዝቖሰለ ነብሪ

እወ ኣብ ኢድ ብሃገር ተቛመርቲ በዘይ ንእሹተይ ፍርሒ

ንቃለስ፤ ንቃለስ፤ ንቃለስ ንፍትሒ በብልሓት ብነድሪ

ሃገር ኣልቦ ከይንኽውን ንውሉድ ወለዶና መሕፈሪ

 

 

ህላዌ ሰናይ (Ph.D)

20/5/2013


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...