ዓሰብ-ዓሰመ!

ዓሰብ-ዓሰመ ንኣኺ ሒዘ ዝሓደርኩ ተገሲመ፡

ዓዊረዶ ጸሚመ?

ወይስ ብእምነት’የ’ስጊለ ክሳብ ዝልለ ደንቊረ

ዓሰም-ዓሰበ።

እንድዕኸ ዓሰበ! ደንጽዩኒ’ሎ ተገሪመ

እንተስ ሓሚመ እንተስ ዘኽቲመ

ብጽምዋ ተሳዒረ ብሕሰም ተሸቝሪረ

ዝሓይሽ ከማዕዱ እንተጠመትኩ’ንቃዕሪረ

ኣብ ሎሚ በጺሑ ሕብሪ ሰማይ ከምዝተቐየረ፡

ሕውዝውዝ ኢሉኒ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ

ደሃይኪ ጠፊኡኒ።

ዓሰም-ዓሰበ።

ዝሓለፈ ከም ዘይኣኸለ ናይ ዘረባ ሓኸለ።

ሕጂኸ!

ኣብ ቅድሚ ኣሬባ እንታይ ክበሃል’ዩ ዝተደለ?

ኣይግዱን ዝ’ወረ!

ኣኽባሪኺ ዝመስል ብቕርሕንቲ ዝዘቕበበ ከስዐ

ሕምባሻ ስደት ምስ መልአ፡  ሃለዋትኪ’ኳ እንተረስዐ፡

ደሃይ ሲናይ ከምዘይረኸበ ይግዕር ከይረብረበ፡

ሸዋ ዘ’ልዋ ትብል ብላይ ጽዋ ከም ቆሎ እናቖርጠመ

ሽግር ኤርትራ ብኤርትራውያን’ዩ ዝጨርሐ

ከይደቀሰ ከምዝሓለመ

ሽግር ኤርትራ ዝፈትሑ ገበርቲ ሰናይ ከምዝዓለመ።

ዓሰም-ዓሰበ።

እቲ ዝገርም ነዛ ናይ ኦባማ ዓለም ከምዘድንቓ

ኣብ ብርሃና ተጸጊዑ ከይርሕቃ

50 ዓመት ዝወሰደትሉ፡ ዘይትዓዪ መወሊዒ’ዩ ዝጠወቓ።

መኣስ ስሒትዎ ኣበይ ከምዘውደቓ፡

ምስ ንእስነቱ ክዘልል ባተርያ ከምዘምሎቛ

ተስፍይ ተምነዎ መንኮን’ኸውን ሸተት ኣቢሉዎ

ብዙሕ ንዝደኸመሉ ቃልሲ ህሙኽ ኣቢሉዎ።

ከይሓፈረ

ጽባሕ ክደልዩና’ዮም ኢትዮጵያ

ብምባል’ሲ

ይጽሕትር ከሳውር ይፍትን መጋርይ

ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን ሃዋርያ።

ኣብ ቅድሚ ዓይኑ እናቐረበሉ ብቪድዮ ተሳኢሉ

ኤርትራዊ ንእስነት ዘራይ ስኢኑ ልቡን ኩላሊቱን ተጠቢሑ ተዘልዚሉ፡

ሕዱር-ህልኹ ስዒሩዎ ናይ ንእስነት ኡሉኹ ትውሽሕ ኣቢሉዎ።

ቃሕ ኢሉዎ ተራእይዎ

ምስ’ቶም መማህርቱን መዓብይቱን መራሕቲ ኢትዮጵያ

ዘይወድኦ ናይ ኣነዶ ንስኻ ጉያ

መስሓቒ ሰብ ምርኩስ ሒዝካ ዘብዘብ

ኣይንርኣያ ብኡነት ደድሕሪኣ ትስዕብ ውርደት።

ዓሰብ-ዓሰመ!

ንኣኺድ’የ ንሰብ’የ ኣሚነ

ዝነብር ዘለኹ፡ ብደወይ ተኾኒነ

ዋይ ኣነ ኣንቲ ዓሰም-ዓሰበ

ኣሎ እናበሉኒ’ኮ’የ ብሂወተይን ዕድለይን ቆንቊነ ማህሚነ

ዓሰም-ዓሰበ።

መኣስ ጠፊእዎም ኣርብዓ ከምዝብል ወረቐተይ

ስለዘይመስልኩ ግን

ብጣዕመ ልሳን ምእንቲ ክጥብሩኒ፡ ይብሉኒ ዋርሳይ መንእሰይ

ተጎኒፎም መራሕተይ ኣቤት ጉደይ!

ዓሰም-ዓሰበ

ሰኣን ቁንጣሮ ኣዮዲን

ምስቲ ጨውኪ ሕውስ ድቑስ

ከም ሔሮን ገመድን ንድሕሪት ዝጎትት

ይሳጽየኒ’ሎ ጉርንጉሪት

ብጎሮሮ ዝሓንቕ ከም ዓለቕቲ ዝስርንቕ

ኣቤት ክደርቕ ናይ ትማሊ ታሪኽ።

ዓሰብ-ዓሰመ

ዓዊረዶ ጸሚመ?

ወይስ ኣሚነ’የ ደንቊረ

ንኣኺ ሒዘ ዝሓደርኩ ተገሲመ።

 

 

ዳንኤል ተኽለጊዮርጊስ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...