ነዛ ናይ ዘመነ-ገድሊ ሓርበኛዊት ግጥሚ’ዚኣ ዶ ሰሚዕኩማ ትፈልጡ? እንተሰሚዕኩማ ክትደጋግምዋ ከምትብህጉ እመስለኒ። እንተዘይኮ ነ ከኣ ምንም ኣይተጋገኹምን። መድረኽ ምዕራፍ ስለዘለዎ እቲ ኣሕዋትኩም ዝመደርሉ ውዕሎ ተጋዳላይን ስንብታኡን ታራኹም ባዕሉክ መጸኩም ኢዩ። እቶም ድሮ መጺእና ዘሎ ድማ ራሕሲ ንገድፍ ይግበረና:፡ ጸሓይ ክዓርብሲ ንጽባሕ ዝኸውን ጸጽቡቑ ተመኒኻ ስንብታከ ኣ ሓላል ኢዩ፡ ባህርያዊ ስለዝኾነ። እሞ ኪኖ’ዚ እኩይ መንፈስ፡ ቅኑዕ ሕልና፡ ኒሕን መኽተን ናይቲ ንጹህ ተጋዳላይሲ ይዕጾ’ሎ። ኣሜን!

ግና’ኮ ንቡርን ዘይንቡርን ሕልፈት ድማ ኣሎ። ንቡር ሕልፈት ንሰላማዊ ምስግጋር መዋእል ብረታዊ ቃልሲ የዘኻኽረና። እቲ ዘይንቡር ግዳ ከምዚ ንሪኦ ጽንተት ዝዓላማኡ ስለዝኾነ ደጊምሲ ህግደፍ ከኣ ዝኸፍአ ትሕተ-ሃገራዊ ማሽን ብርሰት ምዃና ምንም ኣየተሓትትን። ኮይኒ’ውን ብዘይዝኾነ ምኽኑይ ሓላፍነታዊ ተሓታትነት ታሪኽ ናይቲ ትማሊ ኮይኑ ንሎምን ጽባሕን ዝጠመተ ተጋዳይ ደዂዕዋ እንሆ።

ብቱርጉም ንምጅማር ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ክልቲኡ ውድባት ”ሰራዊት ሓርነት” ከምኡ’ውን “ህዝባዊ ሰራዊት”ዝጽዋዕ ዝነበረ ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ዝተወፈየ ኩሉ ብሓደ ቓል “ተጋዳላይ” ከምዝበሃል ኣይንስሕቶን። ሕሉፍ ሓቂ ኢዩ’ውን ሃገረ-ኤርትራ እንክትለዓል ብ ዘይህዝባ ምስሊ ሃገር ኣይምሃለዋን። እቲ ሰረት ሃገር ዝኾነ ሓፋሽ እናክዝከር ከኣ ተጋዳላይ ምርሳዕ ኣይከኣልን። እናሓንሳብ ሃገር፡ ህዝቢ ን ተጋዳላይን ከም ኣምሳል ስላሰ ሰለስቲኡ ኣእጋር መቖምያ መንነት ኮይኑ ይረኣየኒ።ተጋዳላይ ካብተባህለ ድማ ብዘይ’ታ ሃገራዊት ፈቃር  ልቢ ምንም ኣይምተተርጎመን። እታ ልቢ’ቲኣ ዓላማን ጽንዓትን ኢያ። እንኮላይ ፍቕርን እምነትን። እረ ኩሉሙሉ። ልቢ ተጋዳላይ!

ከምቲ ‘በየናይ ኣእጋር ኣሰጋጋር’ ዝበሃል፡ ‘በየናይ ቀልበይ ዓቕመይ’ እናበልኩ እንተዘይኮይኑ ኣነ’ሞ ኩሉሳዕ ንተኣምራት ተጋዳላይ ብትን ግርታዊ ብሂላት ክገልጾ ምደለኹ። ግና ኣይኮነለይን ባቃ! እሞ በታልቢ’ቲኣ ንዘንተእለተይ ተዘኒበ እነኹ። ኩሉ ሃገራዊ ከምዛከማይ ምዃ ኑ ከኣ ርግጸኛ ኢየ። ምግላጹ ዓቕሚ ንዝሰኣንና ከይነመራስሖ ምእንቲ ግን ‘ዘኢትነገር’ ኢልና ክንሓልፎ ነጊሮሙና ኢዮም ተጋደልቲ።

ወናኒ ዓቢ ሞያ ተጋዳላይ ኣለምሰገድ ተስፋይ!

ነቲ ናይሓዋሩ ረኻብ ጸገማቱ /ጸገማትና/ ዶኾን ብእዋኑ ተራእይዎ ነይሩ ኮይኑ ኣብ ማእከል’ቲ ኣእምሮና ዝበሃጎ ነባሪ ታሪኽ ብማል ዘይ ኮነ ስለታሪኽ ክንውደሰሉ ንነብር መሲልና ረዚን ናይ ክልተ-ቅነ ኣፍዓበታዊ ዓወት ክንስዕስዕ እንከለና ንሱ ግን ነታ ንምስክርነት ካብቦታ ኣ ወጺኣ ዝተራእየቶ ልቢ ተጋዳላይ ነባሪ መስመይኣ ሂቡ ዘቐመጣ? ሽዑ መቸም ንወያ ረዚን ዝትርጉማ ጽሕፍቲ፡ ሓደ ናይቲ እዋን ተጋ ዳላይ ከምዛ ክንቲት ከምዘቕለላ ትዝክሩ ኢኹም። ከምወዝቢ ከምዝሰማዕናዮ ሓቂ እንተኾይኑ ድማ እዚ ናይ ሎሚ ኣምኣምባሳደር በዓ ል-ቤት ናይታ “ደም ርሃጸይ ንዓኺ፡ ዓጽመ-ይስጋይ ንዓኺ፡ ኩሉ እንትናይ ንዓኺ ንሃገረይ ንክብረይ”…….. እናበለት ብገዛእ ‘ብጾታ’ ምስ ሓዋ ኣምባሳደር ኤርሚያስ /ፓፓዮ/ ዝተቐፈት ተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ ከምዝኾነን ምስ ካልእ ባሌህታኡን ሰማዕና።

ኦይ! ኣነ ከኣ ዕጫ እንዳቦይ ደበሳይሲ ገዲፈ ከምዛ “ሰብኣይ ንሰበይቱ ከምነብሱ ይፍተዋ፡ ሰበይቲ ድማ ንሰብኣያ ትተኣዘዞ” ትብል ሕጊ ቃል ኪዳን ቅዱስ መጽሓፍ ትዓጅበኒ ነገር ኣይራአኹን ኮይነስ ወትሩ በዛ ጥቕሲ’ዚኣ እሓስብ። “ንሰብኣይ ዝተዋህበት ትእዛዝዶ ትኸብድ ንሰበይቲ”? እናበልኩ። ሰብ ብፍታዉ ንሰብ ክእዘዞ ኣሳልጦ ኣለዎ። እንተዘይፈተወ ግና ‘ባርነት’ እንተዘይኢልክሞ ብጉስጢ ግድነታዊ ኣገ ልግሎት ኣሎ። ንመርዓትካ ከምመርዓት ኣዒንታኻ ምፍታው ማለት ግዳ ኣይከምኡን። ብመንጽር ነብሱ፡ እንተከፊእዎ ከምዝኸፍኣ፡ ከም ትዓርቕ፡ ከምትጠሚ፡ ከምትጉሂ፡ ከምትዝኽትምን ወዘተን ኢዩ ሓቁስ። ኣሸበሸብ ሰብኣያ እንተበዲልዋ ድማ ትነብዕ። ንሳ መፈጠራ ኮይ ኑ ኩሉ ነገር’ዩ ዘንብዓ። እንተተሓጎሰት እንተሓዘነት ትነብዕ! ብሕሉፋት ብህሉዋት ትነብዕ! ከምዚሎም ከይተራኸሰ እቲ ብኽያታ ባህሪያ ዊ መስተፋቕር ነበረ። ስለኡ ”ንመጻምድኻ ኩሉ’ሞ ኩነላ፡ ብኩሉ መለክዒታት ባዕላ ንርስትኻ ክትዋጋኣሉ ኢያ” ነይሩ’ቲ ሓቅስ። ከምገለ እንተዘይተሰማምዑ’ውን መገዱ ጹጹይ ነበረ። በዚሎሚ እዋን ኣምባሳደረ-መሰልቱኸ ኪዳን ሃገርን ሓዳርን ይጸንዕዶ?

እንተ ተጋዳላይ ሽዑን ንሓዋሩን ምስሃገሩ ንዝኣተዎ ልባዊ ቃል-ኪዳን ኣካን’ዃ ኣጽኒዕዎ!! እቲ ሽዑ ቅብጸት፡ እትብል ነባሪት ፊልም ዘዳለ ወ ተጋዳላይ ስዩም ጸሃየ’ውን ናይሓዋሩ መጻኢና ከይተኸሰተሉ ኣይተረፈን። ኮይኑ ድማ ነታ ጽሕፍቲ ብምድጋፍ እቲ ታሪኻዊ ፍጻመን  ተወፋይነት ተጋዳላይን ንዘንተ-እለቱ ኣብ መናድቕ ሃገርን ልቢ ኩሉ ዜጋን ተሰኒዱ ክነብር ምእንቲ “ልብና’ምበር ልቢ ተጋዳላይ” ክብል ነዛ ዘይነባሪት ነብሲ ብወርቃዊ መስመይኣ ሰይሙ ንርእሱ ኪኖ ስዩመ-ጸሃየነቱ፡ ብዝደመቐ ስዩመ-ህዝብነቱ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ዝኾነ ኮይኑ ከምቲ ቅያታት ተጋዳልቲ ተዘንትዩ ዘይውዳእ ምርስዑ”ውን  ኣይከኣልን ኮይኑስ ከምቲ ኣብ መድረኽ ብዜማ “ኣይረሳዕናዮን” ዝበልዎ ኣ ይክርሳዕን ኢዩ። ከመይ ኣቢሉኸ ክርሳዕ!!

ሓርበኛ ኣይነብርን ኢዩ፡ታሪኹ ኢዩ ዝውረስ። የግዳስ መናገድያ ዝለመደ ወይ ዝሰነፈ ዘበለ ኩሉ ነገር ይግደፎ ባቃ!

ከምቲ ከማና ወፈርቲ በረኻ፡ ዓዲ ምስኣተዉ ነታ ብኽንደይ መስዋእቲ ዝረኸቡዋ ሃገር ከምብሌን ኣዒንቶም ክከናኸኑዋን ታሪኾም ክዕቅ ቡን ኢዮም ተጓይዮም። ቻይናዊ ዓቢ መንደቕ ክንጠቅስ ንኽእል። መስሕብ በጻሕቲ ሃገረ-ቬትናም ድፋዓትን ናይ ትሕቲ መሬት ኣባይት ን ብምዕዛብ ጥራይ ንምረት ቃልሶምን ጽንዓቶምን ነባሪ ምስሉ ክዕቅቡ ክኢሎም ኣለዉ። ኣተሓሕዛ ሰብውዕሎ ድማ ከምቀንዲ ቅርሲ ናይቲ ዝቕጽል ወለዶ ብምዃን ከም ምንጪ ስነዳት ታሪኽ ይተሓዙ። ኣብ ሃገርናኸ?

ብስዉር ዝተጠንሰ ብጋህዲ ከምዝውለድ መጠን፡ እንሆ ሎምስ እቲ ሓቀኛ ዓላማ ህግደፍ  ብዘይምስምስ ተቓሊዑ። ብላዕሊ ከምስል ብ ታሪኽን ስነዳን ሃገራውነት እናመደረ ብውሽጢ እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ብርሰት ተጋድሎ ስርሒት ተጠናቒቑ ናብ ዕደላ ወደባት ተበጺ ሑ። ብርሰት ክበሃል እንከሎ መቸም ጉልበታዊ፡ንዋታዊን መንፈሳውን ሃብቲ ሃገር የጠቓልል። እዚ ማለት ሎሚ ኣብ ሃገርና ጥር ዝብል ተጋዳላይ፡ መንእሰይ፡ በዓልሞያ ሙሁር ኮነ ከበርክት ዝኽእል ሰብ ዘይብላ ጉንዲ ኣውሊዕ ቀይርዋ ኣሎ። ደጊም መንፈሳውን እቲ ስምን ርእሱን ክድምሰስ ተደልዩ ኣሎ። ንኣብነት ትንግርቲ ህዝባዊ ሰራዊት ምእንቲ ክድምሰስ ክብል ሓቀኛ ቁዉም ነገሮም ስሒቱ ብኣምሳል ና ይቲ ገባር ቅያ ዝስመዩ ሓደስቲ ዕጡቓት ኣዳልዩ ኣሃዱ ዕማሞም ‘’ቆጸራ ህዝቢ’’ ኢልካ ነገር ጀሚሮም ኣለዉ። ኮታ ብኩሉ እንትናኡ ሎ ሚ ብሕልና ገዛኢና ውዕሎ ተጋዳላይ ፍጹም ተጀሊሑ እንሆ። ነቲ ፈገር ህግደፋዊ ትሕተ ሃገራውነት ከምውዕሎን ዓላማን ቃልሲ ከምስ ል’ውን ክንደይ ዘይተጻዕረ። ማይን ጸባነትን ተጋዳላይን ህዝብን ንምሕምራጕ ክንደይ ዘይተሸርሐ!

ሎሚ ኮነ ሓምለ ኮነ ኮይኑ ናይቶም ግባር ተጋዳላይ ዘከሻምሹ ገዲዱ። ሓራይ’ንዶ! ግን ድማ ጥልዕምልዕ ይትረፍ’ሞ ታሪኽ ተጋዳላይ፡ ታሪኽ ህዝቢ’ኮ ብኸምኡ ዝመራሳሕ ስለዘይኮነ አእጃምካ ኢዩ ዝግበር።ንምዃኑ ንውዕሎ ተጋዳላይ ዝግባእ ዋራትስ ይትረፍ እቲ ንይም ሰል ዝቕልቀል እንተዘይኮይኑ ሓቀኛ ታሪኹ ተነጊሩ ተሰኒዱዶ? ሞሳ ህዝቢ ንምኽሓስከ ተጻዒሩዶ?.........

ኣይፋል!! ግናይ ሕልና ህግደፍ ኩሉግዜ ብርሰት’ምበር ህንጸት ኣይተልእኾኡን። ሓላይ እናመሰለ ሰሊፊ ኣፍሪሱ ንርእሱ ከም ሰልፊ ቆይ ሙ። ኣእላፍ ዕዮታት ብሕቱው ሰልፊ ከኣ ብምስጢራት ቅትለት ዝተመልአ ኢዩ። ኣማስያኡ’ውን ብዋጋ ሃገር ምውጋይ ክስዕብ ግድን ኢዩ። ዝኾነ ወዲ ሃገርና ሃንሳብን ከምዛዋዛን ብደማዊ ማሕላ ኣባል ሰልፊ ክኸውን እንተተሓርዩ ንሓዋሩ ኣኸለ ባቃ!! ዝተባህሎ ካብ ም ግባር ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ ኣይፍቀደሉን። ንበል“ቅተል” ዝብል ትእዛዝ ዝመጾ ኣባል ብዘይዝኾነ ዕጻይምጻጻይ እንተዘይፈጺሙ ማሕላ ስለዘይምሕር ወይልኡ። እዞም ኩሎም ትርእይዎም ዘለኹም ሰብ ኮዋኽብቲ ኮኑ ካልኦት ሰበ-ስልጣን ለካ ኣብቲ ታኼላ ‘ማሕላ’ ኢዮም ተሸኺሎም ዝነብሩ። ‘ሓረድዋ ሞተት፡ ነጸይዋ ሞተት’ ኮይኑዎም ኢዩ’ውን ክሳብ’ታ ግዚኦም እናኣቑላሕልሑ ንሞት ዝጽበዩዋ።

ኢሱ ድማ ጎራሕ ኢዩ። ንጽባሕ ኣሰር ከይርከብ ክብል ብወረቐት ኮነ ብቐጥታ ኣዚዙ ኣይፈልጥን። ሕጋውነትዶ ቅዋማውነት ኢሉ ዘካል ፎ ድማ ኣይብርሆን ኢዩ። እሞ ኣቐዲሙ ብዝፈጸሞ ስሕታን ናብ ጣዕሳ ዘድሃበሉ ኣባል ሰልፊ እንተተራእዩ ኣቐዲሙ ክምንክሎ ኣለዎ። ክትፈልጥዎ ምእንቲ ንሱ ኣቐዲሙ ብምትዕጽጻፍ “ረብሓ ሰልፊ ምቕዳም” ብዝብል ሰባብ ምኽንያት ንዘስግእዎ ኣባላት ከይቀደምዎ ቀዲ ሙ በቲ ዝፈጸምዎ ትእዛዝ ሰልፋዊ ገበን ከሲሱ ኢዩ ዘብርሶም ዘሎ። ንሳቶም ድማ እናሓደሩስ ብገበን ናይቲ ረብሓ ሰልፍን ሃገርን መሲ ልዎም ዝፈጸምዎ ግፍዒ መመሳመሲ የብሎም። ኣማስያኦም ንርእሳቶም ጠሊሞም ክንሶም በቲ ገዛእ ወሃብ ትእዛዝ ተጠሊሞም ስለዝፍረ ዱ፡ ጥራይ ክሳብ’ታ ታራኦም ከሰራጠዩ ኢኹም ትርእይዎም ዘለኹም። ምስዝወጸ የውጽኣና ጎይታይ ምዓረይ!!

ኣብዚ ዝሓለፈ ዙርያታት ቅዝፈት ዝተፈላለየ መሳበቢ ከምዝነበረ ርኢኹሞ ኢኹም። ስርሒት ፎርቶ ከምኣብነት እንተርኢና ንዝደጎሎ ረመጽ ኣመሳሲሉ ዘታለሎም ንሱ ባዕሉ ኢዩ። እቶም ኣብዛ መድፈና’ዚኣ ዝተጎበጡ ድማ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ማዕከናት ዜናታትና ገሊጸ ንኦም ኣለዋ። ክሳዕ መዓስ ኢዩ እዚ ከምዚ? ምስጢር ዝሰርሐን ዝፈልጥን ከተሕቅቕ ክበሃል እቲ ተግባር ኣይከቛርጽን ኢዩ’ሞ ዕድል እን ተተረኺቡስ ጸኒሑኸ ክንደይ ዝኣክል ምስጢራት ኮን ክነቱግ ይኸውን?

ረዲዮ ወጋሕታ ድማ ኣብዚሓቶ’ኮ ኢያ። ሕኒሕነ ናይቲ ድሕሪ መለስ ዝተረፈ ኢሳይያስ ከምዘናቐጻ እንኮ ኣፉ ክሳብ ንፈለጥቲ ምስጢር ኣባላት ሰልፊ ከይተረፈት ኢያ’ኮ ኣፍ ኮይናቶም። ምስጢር ምንፋስ ድማ ንገባር ኩፉእ ኣይትቃደዎን ኢያ። እሞ ብዘመናዊ መጨንጉዒ ዶኾን ጨልጊምዋ ዶስ ነገር ጉዳይ ወደብ ኮይንዋ ኣዚማ? እንድዒኸ፡ ጽባሕ ንርእዮ!

ዝኾነ ኮይኑ ሓርበኛ ስለዘይነብር ደጊም ነገር ተጋዳላይ ተዓጽዩ ኢዩ። ታሪኹ ዝውረስ ካብኮነ ወረስቲ ናጻ ሃገርከ ከመይ ከምተመሓድሩ ዋ ተሊምኩምዶ? መዓንጣ ዘይቖጸሩ ቆልዑ ማይከብድኹም እናቦኹአ ኒሕናን ጽንዓትናን ከንትዕ ዝበሃገ እኩይ ስለዝለመደና ብውላዱ ከይተረፈ ከሳራጥየኩም ክፍትን ኢዩ። ወላድ ኤርትራዊት ማህጸን መላገጫ ጉጥየት ራሻይዳን መሰላቱን ኮይና። ሓሞት ኤርትራዊ ፈሲሱ መሳሓቒ ሸራፋት ዀንና። ኣብ ታሪኽ ከምኡ ዝኣመሰለ ምድዋን ምስሊ ሰብና ሰሚዕና ኣይንፈልጥን። እሞ ኣብቀምሽ ወላዲት ንዘይምሽ ዃዕ ፈኸራ ፓልቶክ ይትረፍኩም። ቃልስና ኣብ ጎቦታት ኣዳል፡ ጎላጉል ባርካን ሽርጓናታት ዓላን ኢዩ ተጀሚሩ። ናበይ ጽግዕ ምግዕ።

ኢሳይያስ ከኣ ኣብጐደናታት ኣ/ኣበባ ክዛውን ኣይክትረኽብዎን ኢኹም። ከምኡ’ውን ብስም መበቆለ-ጉርብትና ከይትሸሓጡ ተጠንቀቑ። እንተ’ቲ ግዜ ሂብዎ ዘላግጽ ዘሎ ኢቲዮጲያዊ ዕምሩ ቅድሜና ስለትሓጽር ብዙሕ ኣይትገደስሉ።ዝያዳ መቃልስትና ትግራዋይ እንተመሲል ኩም ኣይተጋገኹምን።ብዘይቃልዓለም ክንደላለ’ውን ግድን ኢዩ። የግዳስ ልቢ ትግራይ ድማ እንድዕላ።ብሳላኣ ከምዝተዓወትናምበር ስረ ከምዝወደና ኮይኑ ዘይስማዓ ከምዘላ መቸም ዘይምዝንጋዕ። ድሓን እንዶ! መንእሰይ ኤርትራ መቸም ቀደም ኣንጻር ኢቲዩጲያ ዘምርሑ ሓያላት ሎሚ’ውን ኣንጻር ህግደፍ ዘምርሑ ሓያላት ኮይኑስ ኩሉ ሓደና ኢዩ። ነዛ ጽባሕ ዝጸባ ጎረቤት ገዲፍናያ እንተኼድና ክንምለሳ ዝለዝኾንና ኩሉ ንዓና ኢዩ’ሞ እቲ ፈራዕ-ፈራዕ ተሪፉ ኣርሒቑ ዝጥምት ሕልና ይፍጠረላ። ማለተይ ትግራይና ዝጸሓፍን ዝንበብን ትግ ርኛኣ ጥራይ ተማዕብል’ምበር ናብ ንኸዳ ወይ ትኸደና የብላን። ከምኡ ድማ ኣምሓራ ኮነ ኩሉ ኢቲዮጲያዊ። እምበር’ቲ ግዜ ተጋደልቲ ክልቲኡ ሃገራት ብነብሱ ሓሊቑ ስለዝኾነስ ንነባሪ ሰላም ዘጠምት ሕልናን ትንሳኤ ታሪኽናን ጥራይ ይፍጠር። ኣሜን!!

ንኩልና ምሕረቱ የውርደልና ጎይታ! ንኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ንክልቲኡ ህዝብታት ድማ ርሑስ ልደት ይግበረልና!!

ሓርበኛ ኣይነብርን፡ ታሪኹ ኢዩ ዝውረስ!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ጎደፋ፡

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...