ስርዓት ህግደፍ ብቀዳም ዕለት 27 ሚያዚያ 2013 ኣብ ከተማ ኦታዋ ካናዳ ፍሹል ናይ ሕሹኽሹኽ ኣኼባ ኣካይዶም። ስርዓት ህግደፍ ብምክትታል ናይ ደለይቲ ፍትሒ ተሸጊሩ ኣኼባታቱ ብቋንቋ ሕሹኽሹኽ ከካይድ ኣብ ዝግደደሉ ዘሎ እዋን ብተመሳሳሊ ሜላ ንኣባላቱ ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ክመጽእ እዩ ኢሎም ብምጥባር ወዮ ጋሽኦም ሰመረ ገብረማሪያም ቆንስል ኤርትራ ካብ ቶሮንቶ እዩ ኔሩ። ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ሓበረታ ኣብ ድሮ’ቲ ኣኼባ ዝግበረሉ እዮም ፈሊጦም። ይኹን ደኣ’ምበር ኣብቲ ጸቢብ ግዜ ሕሹኽሹክ ናይ ደገፍቲ ምልኪ ንምቅላዕ ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ጸጥታ ከተማ ኦታዋ ተራኺቦም ነቲ ዘይ ሕጋዊ ኣኼባ ስርዓት ህግደፍ ተቃውሞኦም ብሰለማዊ ኣጋባብ ንከስምዑ ፋቃድ ኣብ ዝሓተትሉ እዋን ህጹጽ ስለዝኾነ ካብ 2 ሰባት ክሳብ 15 ሰባት ዝኾኑ ጥራሕ እዩ ዝፍቀደኩም ኢሎም እዚ ዓይነት ፍቃድ ሂቦምና። ንድሕነት ናይ ኩሉ ከኣ ፖሊስ ክንምድበልኩም ኢና ብዝብል ቀጠሊያ መብራህቲ ኣቐቢሎም ኣፋነዉና። ኣብ ሓጺር እዋን ዝተወደበ ደላይ ፍትሒ ንወከልቲ ስርዓት ህግደፍ ብፍላይ ከኣ ሕልና ኣልቦ ዝኾነ ስዩም ኣዋጁ ኣብ ራዕዲን ሸበድበድን ኣእቲዮሞ።ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም ንሕሱር ሜላ ስርዓት ህግደፍ ዘቃልዕን ኣግሊሑ ዘርኢን፡ ሓላው ማዕጾ ወዲ ጓና (ጸሊም ኣመሪካዊ ቀላጽሙ ዘሕበጠ) ቆጺሮም፡ ነቶም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ንኸይኣትዉ ብወዲ ጓና ተኸልኪሎም። ኤርትራውያን ጓኖት ዝቁጸሩሉን ፡ ዝተኻረዩዎ ጓና ሓላው ማዕጾ ካኣ ኤርትራዊ ዝኾነሉን ሃዋህው ፈጥሮም። ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ወዲ ጓና ብፖሊስ ምስ ኣዛራረቡዎ፡ ኣነ ሓሉ ተባሂለ እየ ተቆጺረ፡ ዝፈልጦ ነገር የብለይን ክብል ነቲ ሽርሖም ኣቃሊዕዎ። ፖሊስ ስለ-ምንታይ ዳኣ ተኽልክሎም ምስ በሎ፡ ኤርትራውያን ኣይኮኑን ኢሎምኒ ክብል መሊሱ።

ገለ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣኼባ እገለ እቶ እገለ ውጻእ ትብሉ እንተኮንኩም ንሕና እውን ምስ ዝወጹ ክንወጽእ ኢና ብምባል ነቲ ኣኼባ ከም ዝተሓሰምዎ ተረጋጊጹ። ስዩም ኣዋጁ ዑሉል ወኪል ህግደፍ ናይ ከተማ ኦታዋ፡ ነዚ ኣእትውዎ ነዚ ኣውጽኡዎ ክብል ኣብ ቅድሚ ማዕጾ ተሰጢሑ ከም ዝወዓለ፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም። እቲ ሓደገኛ ዝኾነ ላንጋ-ላንጋ መርገጽ ስዩም ኣዋጁ ተቓወምቲ ክረክብ እንከሎ ሓላይ ህዝብን ጸረ ምልክን መሲሉ ምቕራቡ፡ ተገልቢጡ ንኤርትራውያን ዘጨኻኽን ተግባራት፡ ኣኼባ ጸዊዑ ደገፍቲ እተዉ ተቓወምቲ ውጹ ክብል ገጽ መናፍቅ ኮይኑ ተረኺቡ። ሓድነት ኤርትራውያን ዝበታትን ኣረመናዊ ተግባራት ምክያዱ ሕልንኡ ዘዳኽም ሰጉምቲ ምውሳዱ ንቡዙሓት ኣቆጢዑ።

ደለይቲ ፍትሒ ታበላታት ሒዞም ኣብ ከባቢ ቀጽሪ ኣኼበኛታት ተረኺቦም፡ ሕልና ግበሩ፡ ኣይትታለሉ ዝብል መልእኽቲ እንዳ ኣመሓላለፉ፡ ሓደ ኣባል ህግደፍ ዝኾነ ተወልደ ቀለታ ዝስሙ፡ ኣብ ክንዲ ኣብዚ ደገ ኴንኩም ዘየድሊ ነገር ትገብሩ ኣብቲ ኣኼባ ኣቲኹም ብስነ ስርዓት ዘይትሓቱ፡ ክብል ሓቲቱዎም። ንሕና ኣይትኣትዉን ተባሂልና ተኸልኪልና ዝብል መልሲ ተዋሂቡዎ። ካብ ኣኼባ ዝኽልከል የለን። መን እዩ ዝኽልክል። ኣነ ብሓላፍነተይ የእትወካ፡ ብስነ-ስርዓት ሰማዒ እንተኾንካ ክብል ምስ ወዲ ሓላል ተዘራሪቡ። ወዲ ሓላል ነዚ ተሰማሚዑ ሓራይ ተበሃሂሎም ምስ ከዱ፡ እቲ ዋርድያ ንስዩም ኣዋጁ ተወከሶ እሞ፡ ኣቶ ስዩም ምግፋዕ ኤርትራውያን ኣብ ግዜ ካድር ናይ ደርጊ እንከሎ ስለ ዝለመዶ፡ ዋላ ነቲ ኣባሎም ከይተረፈ ንስኻ እውን ምስቲ ዘምጻእካዮ ትኸይድ በሎ።ኣቶ ተወልደ ቀለታ ድማ የካይደኒ ኢሉ ነቶም ኣኼበኛታት ድምጹ ኣልዒሉ ቻው ኢሉዎም ወጸ። ትሕዝቶ ናይቲ ኣኼባ፡ ስርዓት ህግደፍ ብቑጠባ ተዳኺሙ ስለ ዘሎ፡ ናይ ዓቕሊ ጽበት ፈተነ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ኣቲኹም ሕርሻ ኮነ ንግዲ ኩሉ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም ዝብል መርዛም መልእኽቱ ከመሓላልፍ እዩ ኔሩ ዕላማ ናይ ’ቲ ኣኼባ። ቁዋም ኣልቦ ዝኾነት ሃገር፡ ሰብ ንሂወቱ ዘይኣመኖምሲ ንገንዘቡ ክኣምኖም ሕጂ ኸ ንመን እዮም ከገርሁ ዝብል ትሒም ትሒም ድሕሪ ኣኼባ ተሰሚዑ።

ሲዒድ ወዲ ሓላል

ኦታዋ ካናዳ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...