3ይ. ክፋል መወዳእታን፤

ቅድሚ ኹሉ ነዚ ንዝመጽእ ዕለት 7/ 1/ 2012ዓ.ም. ልደትና መለት ልደተ ክርስቶስን፣ከምኡ’ውን እቲ ናይ ፈረንጂ ልደትን ምስ ሐድሽ ዓመቱን እንቋ አብጽሓና እናበልኩ፣ ልደት ሠላም ሀረናን ህዝብናን’ኣ አብዚ ዓመት ንኸሪኤን እቲ ኩሉ ዘይስኣኖ ልዑል አምላኽ የብቅዓን አሜን።

ከምቲ አብ ዝሐለፈ ተኻታታሊ ጽሑፋተይ ዝገለጽክዎ እቲ ናይ ’ዚ  አብ’ዚ 2011ዓ.ም. መጨረሻ ወርሒ ዐሰርተ ሐደ፣ ዝተፈጸመ ዕውት „ሀገራዊ ጒባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፤“ ይኹን ወይ’ውን እቲ ነዚ ዝወለደ ዐሚ ከምዚሎሚ ማለት አብ መጨረሻ ናይ 2010ዓ.ም. ዝተዋዕለ „ሀገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣“ ብሐይሊ ደቅሰብ ዘይኮነ ተዐዊቱ፣ እንታይ ደኣ ብሐይሊ እቲ ኩሉ ዝኽዕል ሐያል ሰማያዊ አቦ ሙኻኑ፣ ምልክታቱ ምስቲ ወለድና ዝንበዩልና ዝነበሩ ብምዝማድ ዐቕመይ ብዝፈቕዶ ከተሓሕዞ ፈትነ’ዬ፤ ከምዚ ስለዝኾነ ኸኣ ቅድሚ አብ ካልእ ሐሳባት ምዛረይ፣ ነቶም ናይ ውሽጥን ወጻኢን ሰብ ደም ህዝብና፣ „ወዮ ደኣ ምዒድካን ናይ ልቢ፣ መዊጽካን ናይ ስኒ፤“ ኢዩ’በር፣ ብዘይ ዋጋ ምኽረይ ፈይ አቢለሎም ክሐልፍ ምፈተኹ፤ ስለዝኾነ’ምበኣር እቶም አብ ውሽጥና ኾይንኩም፡ ንዐና መሲልኩም ከም አስካላ ተጠቒምኩም  ብስም ተቓውሞ እናሸቅጥኩም አስማት እናቐያየርኩምን፣ ከተዕገርግሩ ዓመታት ዘቑጸርኩም ከምዘይኮነልኩም ካብዚ ናይ መጨረሻ ፈተናታትኩም ዘየዳግም ትምህርቲ ኮይንኩም ክኸውን ተስፋ እናጋበርኩ፣ እቲ ዘይዓግብ ናይ ሥልጣን ሸውሃትኩም ቁርጽ አቢልኩም አብቲ ሐባራዊ ህዝባዊ ሥራሕ እንተሰመርኩም ንዐኻትኩም ይኹን ነቶም እትወልድዎም ደቅኹም ማሕረ ምኾነ፤ አቱም „ወይጦታት አኽላባት ናይ’ዚ ውርደት ዝኽብረቱ! ፂእ መንድዓት! መስገደል ህዝብና! ምስ ኮራኩርኩም፣ ንምብታንን ምዝራግን ጭራኹም ድጉልኩም ደድሕሪኡ ሎኽ ሎኽ እናበልኩም ስቓይ ህዝብና ዕድመ ንኽውስኽ ብደሙ ነጊድኩም ብዋጋ ኮላሊቱን ልብታቱን  ዶላራትኩም እተግበስብሱ ዘለኹም፣ ምስኡ ፀሓይኩም ንኽትዓርብ አንቆልቂላ ስለ ዘላ፣ ከይተፀንቀቐት ኮላ፣ ሀዬ! አርክቡ!! አብ’ቲ ደምበ ህዝቢ መጺእኩም አብ ሐባራዊ ሥራሕ፣ ማለት ህዝባዊ መንግሥቲ ብስም አሕዋት እትግዛእ ኤርትራ፣ አብ ትሕቲ ሕገ-መንግሥቲ ዝኾነ መራሒ ዝመርሓ፣ ሀይማኖታት ብዘይአፈላላይ ዘኽብር፣ ከምቲ አቦታትናን አዴታትናን ዝብልዎ/ኦን፣ „ሕረስ ሐረስታይ፣ ንገድ ነጋዳይ፣“ ዝብል፤ ሠላም አብ ውሽጢ ሀገርን ምስ ጎረባብትን አንጊሡ፣ ፍቕርን ራሕዋን ዘውርድ፣ ኮታ ሕላገታ ብዘይ ሀይማኖታዊ፣ ቀቢላዊ፣ መቦቆላዊ፣ አውራጃዊ፣ አፈላላይ ዘይብላ፣ ብኻልእ አበሃህላ ሀገርና ከሉ ወዲ ሀገር ብዘይ ገለ አፈላላይ ነጻነቱን ሐርነቱን ዝተረጋገጸላ፣ ንምምሥራት ኩላህና ብሐደ ልቢ አርማና አልዒልና ሐባራዊ ቃልሲ ተዐጢቕና ንቃለሰሉ ዘሎና በምበ ደሞክራሲ ብህጹጽ ተጠርነፉ።

እወ ኩሉ አብ ስደት ዝርከብ ኤርትራዊ ሠላምን ራህዋን አብታ ኩላትና እነፍቅራ ሀገርና ንምንጋሥ ዝቃለስ ዘሎ ተቓላሳይ፣ ማለት ወገን እቲ አብ ድቕድቕ ፀልማት አርዑት ባርነት ተቖሪኑ ደም ዝጎስዕ ዘሎ ህዝብና ዝኾነ፣ ወከልቱ ብደሞክራስያዊ አገባበ መሪጹ አብቲ ዝሐለፈ መጨራሻ ወርሒ ዐሰርተ ሐደ ዝተጋብኤ ጉባኤ ንኽካፈሉ ዝላኣኸ ጥራሕ ዘይኮነስ ዋላ እውን ደምበ ናይቲ „መንደዓት ውርደት ዝኽብረቱ ሐለቓ ሸፋቱ!“ እውን ዘባህረረ „ዐውት ህዝባዊ ዐወት!“ ነቲ ኩሉ መሰናኽላት ደራዓዒሙ ከም ዝፈለመ ኩላትና ዝተበሠርናሉ ብሥራት ኢዩ፤ ኮይኑ ግን እዚ ዝተረኽበ ዐወት ብኸምኡ ዝተረኽበ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ውጺኢት ናይ ዕስራ ዐመት ናይቶም ክሳብ ሎሚ አላሽ ከይበሉ፣ ሽሕ እኳ ምስቲ ናይ ህዝብና ዝነበረ ናይ ነጻነት ሀንቅውታ፣ „እዚ መራሒ ሸፋቱ ደም መንእሰያት ዝቐለቡ ህዝቢ ብሠላም ከማሓድር ዘይከኣለ!“ ብዝተፈላለየ ሽርሕታቱን ዊዲታቱን ሐሶታትን ንዕስራ ዐመታት ህዝቢ አታሊሉን አዘንጊዒሉን እንተጸንሔ፣ እሞ አውያት ናይቶም ውሑዳትን ምዑታትን ዝነበሩ ተቓለስቲ ጸማም እዝኒ ሂብዎ እንተነበረ፣ አብ ምጨረሻ ግን ሰዓቱ አኺሉ ከምቲ “ሐሳውን ስንቅን እናሐደረ ይፎክስ!“ ዝብልዎ፣ እንሆ ንሱ’ኣ ፈኹሱስ አማሲኡ ህዝቢ ሐይኹ ስለዝተኦ ዐወት አመዝጊቡ።

እንተኾነ ግን እዚ ተመዝጊቡ ዘሎ ዐወት ተጀሚሩ ደኣ’ምበር ተጨሪሱ ዘስምዕ ስለዘይኮነ፣ ነዚ ተተሊሙ ዘሎ ትልሚ እቶም ፀረ-ህዝቢ ሐይልታት ንምፍሻል ይኹን ንምብርዓን ካብ ቅድሞም ብዝኸፍኤ መልክዑ ቃናን ስልትን እናቐያየሩ ተጻራርነቶም ከሔይሉ ስለዝኾኑ፣ ብአንጻሩ እቶም ደሞክራሲያውያን ሐይልታት ነዚ ዐወት ንኽሠምር ለይትን መዓልትን ካብ ናይ ቅድምና ብዝበለጸ ሰብኡት ቁልፍና ሸጥ ብምባል፣ ደቂ አንስትዮና ድግዲግኤን ብምጥባቕ፣ መንእሰያትና ንቕድም ብምውርዋር፣ ከም ቢለን ዐይንና ክንካላኸለሉ እቶም ክልተ ዐበይቲ ገንሕታትናን ማሕበረ-ሰባትና ኮታ ብምልኡ ሕብረተ-ሰብና  ሐላፍ ዘላፍ ከይከውን ቀጥታዊ መስመርሩ ሒዙ ንቕድሚት ንኽምርሽ አብ ርእሲ ርእሲ ክንራባረበሉ ዘሎና ናይኩሉ ተቓላሳይ ዐቢ ውራይን ሐላፍነትን’ዩ።

እወ እዚ አብ አዋሳ ዝተጋብኤ  „ሀገራዊ ጒባኤ ንደሞክራስይዊ ለውጢ!“ ታሪኻዊ ትልሚ ተሊምዎ ዝሐለፈ፣ „ሀገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ!“ 127 ዝአባላታ ባይቶ አቑሙ፣ ካብዜቶም ከኣ 21 ዝአባላታ ፈጻሚት ሽማግለ ምስ አቦ ወንበር መሪጹ፣  ንአቦ ወንበር ብቐረባ መሣርሕቶም ዝኾኑ 10 ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብምድላው፣ ሐለፍቲ ቤት ጽሕፈታት ሰባት ተሰይሞም ናይ ሥራሕ ምድልዳል ተገይሩ፤ ሕጂ ካብዚኣቶም’ምበኣር  ምስ ህዝብና እንታይ ንጽበ?  1.ብመንግሥቲ ኢትዮጵያ ከም ጽላል ናይ ተቓውሞ ሐይልታትን፣ወካልን ተጸዋዕን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተፈላጥነት ምዕቃብ፤ ብድሕሪ’ዚ ካብ ቕድሚ ሕጂ ብዝበለጸ ንዋታውን ዲፕሎማስያውን ሐገዛት ንኽርከብ ካብቅድም ብዝበለጸ ፀዓት ምግባር፣ እዚ ማለት እቲ ንዋታዊ ሐገዛት ነተን ዝተፈላለያ ውድባት ዝወሃብ ዝነበረ፣ ነዚ ናይተቓውሞ ሐይልታት „ፅላል!“  ናብ ናይታ ፈጻሚት ሽማግለ ቁሮባብሻ ንኽኣቱ ንምግባር ምጽዓር፣ ብድፕሎማስያዊ መዳይ’ኣ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ብዕሊ ወካሊ ምኻኑ ድሕሪ ምፍላጣ፣ ምስ መንግሥታት „ሰንዓ ፎርምን!“ ብሐፈሻ ምስ መንግሥታት አፍሪቃን፣ አሜርካን፣ ኤሮጳን ካልኦት መንግሥታት ዐለምን ከተላልዮን ከተፋልጦን ከላ፣ ነቲ ንጥፈታት ፈጻሚት ሽማግለ ወሳን ተራ ክህልዎ ኢዩ፣ እዚ ከምቲ ቀደም እተን ውድባት ምትህልላኽን ምውድዳርን ብዝተሓወሶ አነዶ ካብዚኣተን ኒኢሰ ብዘስምዕ በቢ መገድኻ ጢል! ጢል! ምባል ፈጺሙ ተሪፉ፣ በዚ ነዚ ተመዲቡ ዘሎ ቤት ጽሕፈት አቢሉ ብሐደ ልሳንን ልብን  ክዝረብ ዘለዎን ዝግብኦን ኢዩ።

እዚ ጥራሕ ዘይኮነ አብ ዘይምልከተካ ጉዳይን ኢደወነናውን ስጉምቲ ደዉ ኢሉ፣ ኩሉ በበቲ ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈታት ብመሪሕነት ዶክ.ዮሱፍ ክፍጸም አለዎ።

2.እቲ በብመገድኻ ኮንካ ዝግበር መጥቃዕቲ ፈጺሙ ከዕውት ከምዘይክእል ኩሉ ዝፈልጦ ሐቂ’ዩ፣ ነዚ ብምርዳእ ሐይልታት አሎውና ዝብላ ውድባት፣ ሐይልታተን ብህጹጽ ብዘይ ወዓል ሕደር  „ቀምሽ አደይ ዐንቂፉኒ!“ ከይበላ፣ አብ ትሕቲ እታ ፈጻሚት ሽማግለ ብዶ. ዮሱፍ ብርሃኑ እትምራሕ ብምምጻእ ሐናፊጽካ፣ በቲ ወታደራዊ ቤት ጽሕፈጽ ተማእዚዙ ክንቀሳቐስ ምግባር፤ ከምዚ እንተዳኣ ተገይሩ፡ ቅድም ናይዚ „መንድዓት መስገደል ህዝብና!“ ሐመደ ግብኣቱ ከምዝተቓረበ ተረዲኡ፣ ብምብህራር ናይ ዐቕሊ ጽበት ቀቢጸ ተስፋ ስጉምትታት ክወስድ ሰለ ዝግደድ ባዕሉ ብባዕሉ መዓልቲ ጥፍኣቱ የቀላጥፎ፣ ከምኡ’ኣ ካብዚ ብህዝቢን ዓለምን ተጸሊእዎን ተነጺልዎን ዘሎ ብዝከፍኤ ደረጅኡ ይጽላእን ይንጸልን፣ በንጻሩ ከኣ ቃልስና ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ብምርካብ ፣ ዲፕሎማስያዊን ንዋታውን ደገፍ ናይ ምርካብ ዕድል የጋጥሞ፣ ብዐቢኡ ሞራል አብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ህዝብና ሐፍ ይብል እሞ ፍናን መንእሰይ ተላዒሉ  ሸውሃት ቃልሱ ወሲኹ፣

„ አነ ነዐደዬ! ንዐደይ!

ክኸውን በጃ ህዝበይ!

ከሳጉጎ! ነዚ ህበይ!

ተሕምበለ እናሃለ መለይ!

ክውንን  መሬተይ!“

ሽገይ ከብርሃ ባዕለይ!።

እናባበለ ምዓለለ ነበረ።

መቸም ኩሉ ከምዝፈልጦ ብ2010 ዓ.ም. ዝተጠጅኤ ዐወት ህዝብና፣ በቲ ሐደ ሸነኽ’ኣ መቓብር „መንድዓት!“ ምኹዓት ምጅማሩን አበሢራ፣ ን2011ዓ.ም. ብሐደራ አረኪባትና ሐሊፋ፤ 2011ዓ.ም. ከኣ ነቲ  ዝተጠጅኤ ጥጅእ ጸሚቛ መጻረይትን አማሓዳሪ ምስ አሳሰይትን ሰይማ፣ መቓብር „መንድዓት!“ ፈጹሙ ንመቕበሪኡ ክኸውን ከምዝኽእል ኮይኑ ከምዝዳሎ ወሲና፣ ብሐደራ ን2912 ዓ.ም. አረኪባ ክትከይድ ከላ ህዝቢ „ሰማያዊቱ ምስ አውሊዓ ከውለብልብ፣“ „መንደዓት!“ ምስ አሰሱ ገበስበሱ፣ ተሰብሲቡ አብቲ ዐርኩ ቀጣፊ ከይድዎ ዘሎ መተዕልልቲ ክኾኖ ከምዝለኣኽ፣ ህዝብና ኸኣ ብሰላምን ራህዋን ቅሳነትን፣ ጻማ ደቁ ዝድበሰሉ አዴታት ንብዓተን ዝደርቀሉ ዘበን ክሳብ ዓለም ዘላ ክኾነቱ ሐደራ ብምባል አረኪባ፣ እንሆ ትሐልፍ።

ተደምደመ፤

እግዚኣቢሔር ከምዚ ይብል፡ ሰማይ ዝፋነይ እዩ፡

ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ ኢያ።

እቲ እስኻትኩም ትሠርሑለይ ቤት፡

ደኣ ከመይ ዝበለ ኢዩ? እቲ አነ ዝዐርፈሉ ሥፍራኸ፡

ከመይ ዝበለ ኢዩ? ኢደይ ኢያ ነዚ ኹሉ ዝገበረቶ፡

እዚ ኹሉ ኸኣ ኮይኑ አሎ፡ ይብል እግዚኣቢሔር፡

ግናኸ አብቲ ሽጉርን ድቁስን መንፈስ ዘለዎ ፡

ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘለኹ።

ትብ/ኢሳ፤ 66/1-2፤

 

ብሻም/ኃይለ-ሥላሴ ገብሩ፣

በሔረ ጀርመን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...