ቀዳማይ ክፋል

ኣለና

ርሑስ ሓድሽ ዓመት!

 

ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2012 ንኩሉኹም ተኸታተልቲ ጽሑፋት ደምበ ኣለና። ንኣመንቲ ክርስትና ኤርትራውያን ከኣ ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልኩም!! ከምቲ ነፍስ-ሄር ኣቦና ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ናይ ቀደም መጽሓፎም፦ ‘ቂም-ቂም ሰዓት ኣኺላ’ ዝበልዎ፤ እነሆ ድማ ሎሚ መዓልቲ ምስ መዓልቲ፣ ሰሙን ድማ ምስ ሰሙን ተኣኻኺበን ዓመት ይመልኣ ኣለዋ።

ሎሚ ሞት ኢሳይያስ! ሞት ክናና ንምስማዕ ኣብ ዱሮ “ኣፍ-ኣርክቡ”  ኣብ ዘለናሉ ግዜ፣ ዓመተ 2011 ሓሊፋስ ሓዳስ ዓመት 2012 ንቕበል ኣሎና። ሎሚ ንኢሳይያስ ካብ ሞት ዘድሕኖ ጥበብ፣ ክታብን ሕጃብን፣ መድሃኒት ወይ ‘ፈውሰይ ፈውሲ ዓሻ’ የለን። ሎሚ ብፍላይ ብድሕሪ እገዳ ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ውሽጢን ደገን ብልኡኻት ህግደፍ ዝደጋገም ዘሎ ገርናው መቓልሕ ኣብ እንሰምዓሉ ዘለና ግዜ፤ እዚ እዋን’ዚ ብልክዕ እዋን ኣፍ-ኣርክቡ ኢሳይያስ ምዃኑ ብርግጽ ክንግንዘብ ንኽእል ኢና። ንሕና ኤርትራውያን ብሰንኪ እቲ  ህግደፍ ዝፈጠሮ ፍጮ ስርዓት፣ መደምደምታ ኣብ ዘይብሉ ዛዕባ ብጉዳይ ህዝቢን ሃገርን ክንዘራረብ ዓመታት ሓሊፉና ኢዩ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕልኽላኽ ጉዕዞ’ምበኣር፣ ብተራ ሰብ ይኹን ብውድብ፣ ብሰልፊ ይኹን ብሲቪክ ማሕበር  ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እንታይ ኣፍሪና፣ ንሓድሽ ዓመት 2012’ከ ከመይ ዝኣመሰለ ዕማም ይጽበየና ኣሎ ኢልና ክንግምግም  ግቡእ ኢዩ። ስለዚ እዚ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፍ “ኣፍ-ኣርክቡ” ሓፈሻዊ ገምጋምን መእተዊን ብምግባር ንዝቕጽሉ ክፋላት፣ ብርዑ ኣዋዲዱ ንዳግማይ ስራሕ ክዳሎ ኢዩ።

ሰራውሩ ኣብ ዱኻን ወላኻን ሓመድ ኤርትራ ዝተኸለ ደምበ ኣለና፣ ከምቲ ‘ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፣ ንሱ ርእሰ-መኣዝን ኮነ’ ዝብል ቅዱስ መጽሓፍ፤ ነቲ ከም ጉንዲ በለስ ዝቦኽቦኸ ስርዓት ህግደፍ ንምፍራስ ምስ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ፈተውቲ ሃገራትን ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዙ እምባ ታሪኽ ክሰርሕ ምዃኑ ተዃዕኒንና እንገልጾ ሓበን ኢዩ።

ኣብዚ ሓድሽ ዓመት 2012 ድማ ኣወዳድባ ንቃልሲ ደምበ ኣለና ዘነጽር፣ ዕላማን ሸቶን ምንቅስቓስ፣ ስም፣ ቅርጺ፣ ፕሮግራምን ናይ ስራሕ ንድፊን ንህዝቢ ኤርትራ ክገልጽ ኢዩ። ከምኡ’ውን ነቲ ዝተወጠነ መደብ ናብ ሃገርና ኤርትራ ዘእቱ ቡሶላ /ኮምፓስ/ ኮይኑ ዝመርሕ ደረጃ ብደረጃ ናቱ ወብ ሳይት ክዝርግሕ ኢዩ። ደምበ ኣለና ኣብዚ ዘለናዮ ናይ ሓሸውየ እዋን ብዘይካ ህንጸት ሓንቲ ሓራ ኤርትራ፣ ምንም ካልእ ረብሓ የብሉን። ናብዚ ደረጃ እዚ ንምብጻሕ ከኣ ንሓድነት ከም ሕመረት ዓርኮብኮባይ ኣሚኑ ምስ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብጠቕላላ፤ ምስ ኩላተን ስልጣን ንህዝቢ ከረክባ ዝመሓላን ብግብሪ ዝሰርሓን ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፣ ሰልፊታትን ናይ ሲቪክ ማሕበራትን ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዙ ንምስራሕ ብድርብ ማዕተብ ቃል ይኣቱ ኣሎ።

ብ’ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ዝፈለመ ቀዳማይ ናይ ጎስጓስ ጽሑፍ ደምበ ኣለና፣ ብድሕሪ 20 ክፋላት ተደምደመ። ካልኣይ ጽሑፍ ምስ መድረኽን ተዋስኦን ህግደፍ፣ ከምኡ’ውን ምስ ዕርበተ-ጸሓይ ገበነኛ ኢሳይያስ  ብዝሰማማዕ ኣርእስቲ ክትካእ ስለዝነበሮ ከኣ፣ ‘ዋዜማ ዘመነ-ቅብጸት ኢሳይያስ’ ብዝብል ኣርእስቲ ን15 ተኸታታሊ ጽሑፋት ብድሕሪ ምቕራብ፣ ናብ መደምደምታ ከም ዝበጽሐ ክቡራት ኤርትራውያንን ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራን እትዝክርዎ ሓቂ ኢዩ።

ጎስጓሳዊ ጽሑፋት ደምበ ኣለና ስለምንታይ ኣድለየ? እንታይ ውቐይ’ከ ገይሩ? ስለምንታይ’ከ ኣብ ድርዕቶ ኢሳይያስ ንዝተቐብሩ ገበነኛታት ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ንምቅላዕ መሪጹ? ኢልና ክንግምግም ሰናይ ሓሳባት ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ዓመትን ፈረቓን ብኤርትራውያን ወብ ሳይታትን ማዕከናት ረድዮታትን ክንደይ ዝኣክል ህዝቢ ተኸታቲልዎ ድማ ንወብ ማስተራት  ዝምልከት ኣፍልጦ ይኸውን። ናይ ታሪኽ ጽሕፍቶ ንከይተርፍ፣ እዋኑ ጠቖም-ፈሊጣውያን ዝበዝሑሉ እዋን ኢዩ። ብዘይካ ኣነ እየ ፈላጥ፣ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ወይ ማሕበር ክመሃር እኽእል እየ ኣብ ዘይበሃለሉ ግዜ’ኳ እንተለና፤ ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ ከይከውን፣ ምስጢራት ሜዳን ተልእኾን ገበነኛ ኢሳይያስ እናፈለጡ ዘስቀጡ የስቅጡ ብዘየገድስ፣ ንሕና ደምበ ኣለና ኣብ ክንዲ ንጽባሕ ንሎሚ ብዝብል ተበግሶ በብዘለናዮ እንፈልጦ ዘበለ ታሪኽ ናብ ሓድሽ ወለዶ ካብ ምትሕልላፍ ድሕር ኣይክንብልን ኢና።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእስና ሃብታም ተመኩሮ እናሃለወና፣ ተመኩሮ ኣለቅሑና ኢልና እንኩሕኩሖ ማዕጾ እንዳማትና የለን። ሓደ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሓደ ታሪኻዊ እዋን ከመይ ዝኣመሰለ ናይ ጎስጓስ፣ ናይ ዜናን ፕሮፓጋንዳን ንብረት የድልዮ ከኣ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ስሳታትን ተመኩሮ ሰውራ ኤርትራን ክንመሃር ንኽእል ኢና። ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ብፍጮ ስርዓት ህግደፍ ከይተጨውየ እንከሎ፤ ብዘይካ ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሓፋሽ፤ ከም ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ንተጋደልቲ፣ መሪሕ፣ ማሕታ፣ ፍጻሜታት፣ ተዓጠቕ፣ ሓለዋ፣ ጩራ-ጥዕና፣ ሳግም ወ.ዘ.ተ… ዝኣመሰላ ጽሑፋት ነበርኦ።

ገበነኛ ኢሳይያስ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ብየዋህ መንፈስ ንጹህ ደም እናጨንጎዐት እንከላ ንሱ ግን ነቲ ብማዕተቡ ዝመሓለሉ ዕላማ ጥፍኣት ኤርትራውያን ንምትግባር ኣንጊሁ ዘርኢ ክርዳድ ቋጺሩ ኢዩ ናብ ሜዳ ኤርትራ ዝወፈረ። ፍረ እቲ ብስዉር ዝተለሞ፣ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ድማ፣ ኤርትራ ብድሕሪ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲን ክንዲ ከዋኽብቲ ሰማይ ርዝነቱ መስዋእቲ ብድሕሪ ምኽፋላ እፎይ ኣይበለትን። ኮር ተገልበጥ! ን20 ዓመታት ጋም-ማን ኣብ ሓደ ታኼላ ድማ ኮነ።

ብልምዳዊ ኣዘራርባ “ኣፈርኩቡ” ክበሃል ዘይሰምዐ ኣይህሉን ኢዩ። እዚ ቃል እዚ ሞቱ ንዝቐረበ ሰብ፣ “ትንፋስ ከይሓለፈት እንከላ፣ ናይ መወዳእታ ቃላት ወይ ኑዛዜ ንምስማዕ መቕርብ ብህጹጽ ጸውዑ” ማለት ኢዩ። ኣብ ንእዲ ወይ ኣብ ዓራት ዝተደነሰ ሰብ ኣፉ እንተተዓጽያ፣ ትንፋስ ሓሊፋ ማለት ስለዝኾነ፤ ቀዳሞት ህጹጽ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ “ኣፍ-ኣርክቡ” ዝብል መልእኽቲ ይሰዱ ነበሩ። እዚ ‘ኣፍ-ኣርክቡ’ ዝብል ቃል ፖለቲካዊ ልብሲ እንተለቢሱ ድማ፣ ነዚ ሎሚ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘለዎ ኩነተ-ህላዌ ይመስል። ናብ መቓብር ዘምርሐ ሰብ’ውን ሳሕቲ ግዜ፣ ኣብ እዋን ኣፍ-ኣርክቡ፣ “ማይ ኣስትዩኒ፣ ዝብላዕ ሃቡኒ…” ክብል ይስማዕ ኢዩ።

እቲ ሃለፍታ፣ ናይ ወዝቢ’ምበር ሂወት ንምድሓን ዝወጸ ቃላት ኣይኮነን። ኣይረሳዕናዮን! ከመይ ጌርና’ኸ ክንርስዖ? ገበነኛ ኢሳይያስ እውን ብዙሕ ግዜ ኣብ መዋጥሩ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ጥበብ ኣይተሳእኖን። ካብ መጻውድያ 1973 “መንካዕ’’ ንምምላጥ፦

“ነዚ ጉዳይ’ዚ ንምፍታሕ ሽማግለ ትቑም። ወላ እተን ኣብ ከበሳ ዘለዋ ሓይልታት ናብ ሳሕል ወሪደን ወከልተን ብምምራጽ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ሽግር ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ዝከኣለን ይግበራ” በለ።

ኣብ ኣድማ ተጋደልቲ 2003 ድማ “…ኣነ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ሓላፍነት ኣየድልየንን ኢዩ። እዛ ሃገር ንኩላትና ብማዕረ ኢያ ትብጻሓና…ኣብታ ባንክ ዘለዋ ቁርብ ቁራቦ ገንዘብ ንማቐለን እንተበልኩም…ግርም ንማቐለን” ኢሉ ነብሱ ኣድሓነ።

ኣብ ጉባአ ናቕፋ መጋቢት 1994 ድማ ካብቲ ዝነበሮ ጸቕጢ ንምምላቑ፦ “ቅዋም ብህጹጽ ክንደፍን ክትግበርን፣ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክጅመር፣ ካብ ግዜ ገድሊ ንዝነበረ ናይ ገንዘብ ጉዳይ ምትሕስሳብ ብህጹጽ ክስራሓሉ፣ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ክፍቀድ ወ.ዘ.ተ…ኢዩ” በለ።

ብድሕሪ ብዙሕ ሸንኮለልን ጽውጽዋይ ታሪኽን ሎሚ እውን ኣብዚ ዓፍራ ዘውጽኣሉ ዘሎ ናይ ኣፍ-ኣርክቡ ሰዓቱ፦

“ቅዋም ክትግበር ኢዩ…” ዝብል ማህሌት ይዝምር ኣሎ። ዕድመ ስልጣኑ ንምልቃብ ቅዋም ኣርቲፊሻል ብልጭልጭ ተሸፊኑ ንክዝርጋሕ ክእውጅ ይኽእል ኢዩ። ኢሳይያስ ንሃገራዊ ቅዋም ብግብሪ ካብ ዘተግብር ግን፣ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል። ቅዋም ንብዙሓት መሰላት ወዲ ሰብ ዝሓዘ ሃገራዊ ሞሶብ ኢዩ። ቅዋም ንህዝቢን ንመንግስቲን ማእከላይ ዳኛ ኮይኑ ዝፈርድ ህዝባዊ መጋባእያ ኢዩ። ቅዋም ኣብ መንጎ መንግስቲን ህዝቢን ዝኽተም ናይ ሰላማዊን ዲሞክራስያዊን ናይ ምንብባር  ውዕል ኢዩ። እዚ ክኢላ ተዋሳኣይ ‘ቲፋኖስ’ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ገበነኛ መራሒ፤ ብዘይካ ሓሶትን ምትልልን ካልእ ፍታሕ ከምጽእ ማለት ድማ ሕልሚ ኢዩ። እቲ ምንታይ ሕውነት፣ ሰላም፣ ፍትሒ፣ ሰብኣውነት፣ ዲሞክራሲ፣ ማዕርነት ወ.ዘ.ተ… ካብ ደም ኢሳይያስ ተጸሚቑ ወጺኡ ኢዩ።

‘ወዮ ናታስ ንሓማታ’ ከም ዝበሃል፣ ኢሳይያስ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት 2012 ኣብ ደገ ንዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋር ኣሎ ዝተባህለ ሸፈጥ ክጥቀም ኢዩ። ‘ንፋለጥ’ሞ ንማለጥ!’ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ምድንጋር ከምዘይከኣል ግን፣ ህግደፍ ኣዳቒቑ ዝፈለጦ ሓቂ ኢዩ። ንድሕሪት ተመሊስና ምርኣይ ስለዘድልየና ድማ፣ ኢሳይያስ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ንምስግጋር ዝጥቀመሉ ዝነበረ ጥበባት ንመርምር። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት መረረን ተቓውሞን ህዝቢ ኤርትራ ንምግታእ፣ ኣብ ስምዒት ህዝቢ ኤርትራ ኣትዩ ኣብ ኩላተን ዞባታት እናዞረ፦

“ሽግር ህዝቢ እርዳኣኒ ኢዩ። ናይ መነባብሮ ጸገም ከም ዘሎ ኣይሰሓትኩዎን። ሓቂን ፍትሒን ይዕበጥ ከም ዘሎ እርእዮ ኣለኹ። ንሕና ብደረጃ መንግስቲ ህዝቢ ሰሪሑ ንክሓልፈሉ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ንገብር ኣሎና። ንሽግራት ህዝቢ ቀንዲ ተሓተትቲ እቶም ብደረጃ ንኡስ ዞባታት ተመዲቦም ዘለዉ ኣመሓደርቲን ፖሊስን ኢዮም። ስለዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓደስቲ ኣማሓደርቲ ክንቅይረልኩም ኢና” በለ።

ሽዑ ህዝቢ ነቲ መዳህለሊ ባህርያት ኢሳይያስ ስለዘይተረድአ፦

“ሰብኣይ እነሀልኩም ንሽግርና ፈሊጥዎ ኣሎ። ሓገዝቲ ኢዩ ስኢኑ’ምበር ወዲ ኣፎምሲ ኣይደቀሰን።” እናበል ፍትሒ ንክረክብ ኣንባሃቘ። ብዙሓት ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝነበሩ ሌተናል ኮሎኔላት፣ ሜጀራትን ክፕተናትን ወተሃደራዊ ማዕርጎም ናብ “ኣቶ” ብምቕያር፤ ንመብዛሕትኡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ምምሕዳር ንኡስ ዞባታት ተክእዎ።

ብዙሓት ዓያሹ ኣብ ክንዲ ብዓይኖም ብሰባር ቢኒኮሎ ኣብ ዝጥምትሉ ግዜ፣ “ህግደፍ ገና ኣሎ፣ ኢሳይያስ፣ ንሱ ንሕና፣ ንሕና ንሱ!” ዝብል ሃሌ-ሉያ ከስምዑና ወሪሖም ኢዮም። ኢሳይያስ ካብ ዝተቐርቀረሉ መድፈና ንምውጻእ፣ ብዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ብዝከኣሎ ሓይሊን ጥበብን ክጎዪ ከም ዝጸንሐ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ። ኩሉ ካብ መጻወድያ ንምውጻእ ዝተጠቕመሉ ፖለቲካዊ ኣክሮባት ግን ንከንቱ ኮነ።

ከምቲ ሰረገላ ናብ ዝተመደበሉ ሸቶ ንክበጽሕ፣ ጥዑይን ሓያልን ፈረስ ዘድልዮ፤ ህዝቢ ኤርትራ ብሓድነት ማእኪሉ ናብቲ ዝመረጾን ዝኣምነሉን ዕላማ ንክበጽሕ ድማ ምስ መደባትን ንጹር ራእይን ደምበ ተቓውሞ ማዕረ-ማዕረ ዝስጉም ሓያል; ካብ ቂምን ቅርሕንትን፤ ካብ ጉያን ቅድድምን ንስልጣን ርሒቑ ዘስተውዕል መሪሕ ኣካል የድልዮ ኣሎ። ኣርሒቑ ዝጥምት ወሓለ መሪሕነትን ሽም ዘይብሉ ንህቢን ፍረ ከርኢ ኣይክእልን ኢዩ።

ከምቲ ነዛ ሃገር ካብ ጀጋኑ ሰማእታትና ዝተረከብናያ፣ ንሕና ድማ ነዛ እንተተሓጎስና እንስዕስዓላ፣ እንተሓዘንና ድማ እንበኽየላ ሃገር ነዞም ዝዓብዩን ዝውለዱን ዘለዉ ደቅና ከነውርሶም ዓቢ ሃገራዊ ሓላፍነት ኣሎና። ሃገር ምርካብ ማለት ድማ መሬታ ጤረራን መንደዃዱኻን ጥራይ ምርካብ ዘይኮነስ፣ ታሪኻን ባህላን ከነረክቦም ሕድሪ ከም ዘለና ኣብዚ ምእታው ሓድሽ ዓመት ብዓቢ ዕምቆት ምስትብሃል የድልየና ኣሎ።

“ጨው ዘይብሉ መግብን ስርዓት ዘይብሉ ህዝብን ሓደ“ ከም ዝበሃል፣ ስርዓት ሓደ ህዝቢ ብባህሊን ታሪኽን ዝተባዕጠን ዝማዕረገን ኢዩ። ታሪኽናን ባህልናን ንዓቅብ፣ ምስ እንዕቅቦን ናብ ወለዶታትና ምስ እነሕልፎን ጥራይ ኢና ድማ ንስዉኣትና ደቢስናዮም እንብል’ምበር፣ ንስለ ዝኽሪ ጥራይ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ንሓንቲ ደቒቕ ርእስና ምድናን ኣኻሊ ኣይኮነን።

ከምቲ ጀሪፍ ዘይብሉ ግራት ሓመዱ እናተባሕጎገ ብፍግረ-መሬት ዝጠፍእ፣ ተግባራት ኢሳይያስን ተሓባበርቱ ገበነኛታትን፣ ታሪኽ ጀጋኑናን ዘይክማህ ድሌትና ንሓርነትን ኣብ ግዜኡ እንተዘይ ሰኒድናዮን ናብ ወለዶታትና እንተዘይ ኣማሓላሊፍናዮን ከንቱ ውእቱ ኮይኑ ክተርፍ ይኽእል ኢዩ። ጻማ’ቶም በጃ ህዝቦም ዝሓለፉ ጸዓዱ ከም ፈረንካ ጥልያን ደቂ ህዝቢ ኤርትራና ድማ፣ ጻማ ኤሳው ኮይኑ ከይተርፍ ኣብ ዝባንና ዘሎ መንደዓት ሕድሪ ምዝካር ኣገዳሲ ኢዩ።

ሞራል እቲ ገበታ ስንቂና ኢዩ። ኣጆኻ! ንእሾኽ እሾኽ ኢያ ተውጽኣ፣ ኣራግጻኻ ግን ኣይትቐይር! ሕነ ኣሕዋትካን ኣሓትካን፤ ሕነ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ንምፍዳይ ሞራል ስነቕ ኤርትራዊ። ኤርትራን ኤርትራውያንን ንምጽናት ኢሳይያስ ዝጀመሮ ኣዕናዊ ወፍሪ፣ ኣብ ቅድሜና ተቐጂሉ ኣሎ። ኤርትራውያን ኣቦታት ሃገር ኣረኪቦምና ኢዮም። ጠላማት ይብዝሑ ብዘየገድስ፣ መራግእቲ ኤርትራውነት ግን ኣይተጀልሐን። እቲ ሓኔታይ ዝብል ያታዊ ማዕርጉ፣ ግርማ-ሞጎስ ዝኽደን ዝነበረ ኣንበሳ ዱር ብጭማራ ቀቲሉ ፋረ ዝኣስር ዝነበረ’ኳ ኤርትራዊ ኣቦ ኢዩ። እቲ ንታንኪ ብክላሽን ዝማረኸ፣ እታ ንጸላኢ ብኳሌታ ማሪኻ ታሪኽ ዘመዝገበት ጓልና፣ ናትና፣ ሓበንና ጓል ኤርትራ’ኮ ኢያ። ኢሳይያስ ናብቲ ዝሓለሞ ጥርዚ ሃረም ንምብጻሕ፣ ቅድም ንምሁራት ኤርትራውያን ብስም “መንካዕ” ደሓር ንውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብጽራግ፣ ቀጺሉ’ውን ብስዉር ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንምጥፋእ ዝሰርሕ ዘሎ ሓኽሊ ድሙ ኢዩ።

‘ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን!!’፤ ሎሚ ኢሳይያስ ቋሬጣ ተኣዚዙሉ ክነሱ፣ ኣብ ቃሬዛ ኮይኑ ናይ ዓለም ፈላስፋ ክመስል ናይ ቅድሚቱን ናይ ድሕሪቱን ዘይፍለጥ፤ እንጣጢጢዕ ንዘርእ ኣሎና ዝመስል፤ ኣይሞትኩን… ኣለኹ ብምባል ጨለ መደረ ይገብር ኣሎ። ናስትሮና ንድሕሪት ኣብ እንመልሰሉ ግዜ፣ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብወገን ደቡብ ኣብ ዓዲ ሓወሻ፣ ብወገን ምብራቕ ድርፎ፣ ብወገን ሰሜናዊ ምብራቕ ድማ በለዛ በጺሑሉ ኣብ ዝነበረ ግዚ፤ ኣዛዚ ‘ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት’ ጀነራል ሑሴን ኣሕመድ ኣብ ወሰን ቲራቮሎ ኮይኑ፦

“ወንበዴታት ኢዮም ኢዶም ዝህቡ’ምበር ንሕና ፍጹም ኢድና ኣይንህብን ኢና” ክብል ብረድዮ መዲሩ ነበረ። ጀጋኑ ተጋደልቲ ዝዕጸድ እናዓጸዱ ዝማረኽ እናማረኹ፤ ኣብ ከባቢ ብሎኮታት ኣስመራ ምስ በጽሑ ግን እቲ “ጨለ” መደረ ዝገበረ ጀነራል ሑሴን ኣሕመድ ኣሰር መራሒኡ መንግስቱ ሃይለማርያም ተኸቲሉ ሄሊኮፕተሩ ተሰቒሉ ኢዩ ዝሃደመ። እዞም ሎሚ ምንቕ ዘይብሉ ዝመስሉ ዘለዉ ጭፍራ ህግደፍ፣ ጽባሕ ንግሆ ጭራ-ቁረጽ ከም ዝኾኑ ኣይንጠራጠርን ኢና።

ኣብቲ ብወርሒ ግንቦት 2000 ዓ.ም. ዝነበረ መሰክሕ ኲናት፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገን ካርካሻ ንከተማ ባረንቱ ምስ ኣተወን ብወገን ደቡብ ድማ ናብ ከባቢ ዓዲዃላ ምስ ቀረበን፤ ኣብ ከተማ መንደፈራ ንዝነበረ ሰነዳት ህግደፍ ሓዊ ኣንዲዶም፣ ንብረቶምን ገንዘቦምን ጽዒኖም ብወገን ጋሕቴላይ ተኣኻኺቦም ንህድማ ደኣ ይሸባሸቡ ነበሩ’ምበር ስለ መሬትን ህዝቢን ኤርትራ መስዋእቲ ንክኸፍሉስ ቅንጣብ ተበግሶ ኣየርኣዩን። ስለዚ እቶም ኣብኡ ዝነበርና ኢና ንነግር ዘለና’ሞ ስለምስክርነትና ተሓተትቲ ኢና። ሎሚ’ውን ደቆምን ገንዘቦምን ካብ ኤርትራ ብድሕሪ ምውጻእ ኩላቶም ንህድማ ድሉዋት ከም ዘለዉ  ብዙሕ መርኣያታት ኣሎና።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ብድግምጋም ኩምራ ቃላት ገበነኛታት ዝጃጁ ህዝቢ ኣይኮነን። በዚ ውድቀቱ ዝተቐራረበ ስርዓት ህግደፍ ዝተጨርሐ ይጨራሕ፣ ዝተነፍየ ሓሶት ይነፈ፣ ዝተጠጅአ ውዲት ይጠጃእ ብዘየገድስ ‘ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ’ ከም ዝበሃል፤ ኣብ ሓደ ደምበ ሰሚርካ ከም ትማሊ ሎሚ’ውን ኣብዚ ሓድሽ ዓመት 2012 ስኒ ነኺስካን ብሓድነት ማእኪልካን ቀጥ በል።

ኣብ ካልኣይ ክፋል፣ ብተመሳሳሊ ትሕዝቶ ክሳብ እንራኸብ ሰናይ ቅነ!

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 

ኣለና ብውሽጢን ብደገን!

ብዓወትና ንኣምን!

ሞት ክናና

ንኢሳይያስ!!

 

ይቕጽል…

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...