{autoremote linkfromdisplay="false" height="20" width="620" shuffle="false" autostart="true" plthumbs="false"}http://blip.tv/file/get/Asmarino-ritLessSolomonAbera131.mp3{/autoremote}

ኣብ ልዕሊ ካልኦት በደልን ዓመጽን ዝፍጽም ዘበለ ኩሉ፡ ልዋም ክድቅስ ኣይክእልን። ክንዲ ዝኾነ ካብ ዝቐስኖ፡ እቲ ዝሻቐሎ፤ ዝሽቑረሮን ዝብህርሮን ይበዝሕ። ንፍርሑን ንሻቕሎቱን ዘቃልለሉ እናመሰሎ እውን፡ ተወሳኺ በደልን ጨቖናን ይፍጽም። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ ክወጽኦ ናብዘይክእል ዓዘቕቲ ይሽከል።

ህዝቢ ኤርትራ እናተበደለ እውን ንህግደፍ ተተናዂልዎ ኣይፈልጥን ኢዩ። “ሎሚ’ዶ ጽባሕ ዒብ ይገብሩ ይኾኑ፧” ብዝብል ልቦና። ብኣንጻሩ እቲ ገባር እከይ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ጨቊኑን ረጊጹን ክገዝኦ ከምዝደሊ ብግብሪ ኣርእዩ ኢዩ። ብሕልፊ ከኣ ንመንእሰይ ወለዶ፡ ብከመይ የማዕብሎን የሰስኖን ዘይኮነስ፡ ብከመይ ይዶቕሶ፤ መሃነኑ ኣጥፊኡ የማህምኖ፤ ኣደንዚዙን ምእዙዝ ገይሩን ይገዝኦ ብመደብ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ምዃኑ “እዋሓስ ኣግብእ” ዘይሓትት ጭቡጥ ኢዩ። ኪጓዕዘሉ ዝጸንሐ መንገዲን ውጺቱን እኹል ምስክር ኢዩ’ሞ።

መንግስቲ ህግደፍ፡ ከም ኣካል ናይ’ዚ ቄናን ኣካይዳኡ፡ ንመንእሰያት ኤርትራ፡ እንተኾይንሉ ካብ ኣፍንጫኦም ኣርሒቖም ዘይሓስቡ፡ ዓለም ኣበይን በጺሓ ከመይንከ ትኸውን ኣላ ንኸይፈልጡ፡ እኳ ደኣ ኣብ ታኼላ ጓይላታቱ ተሸሚሞም ግዳይ ጸቢብን ትምክሕታውን ኣተሓሳስባታቱን ዋጋኣልቦ ኣጉል ኣነነቱን ኮይኖም ከምዝተርፉ ንምግባር ኪሰርሓሉ ጸኒሑን ኣሎን። ብግልጺ “ኣዒንትኹም ዓምቱ፤ ኣእዛንኩም ሕተሙ፡ ብዘይካ ንሕና እንብሎ፡ ካልእ ኣይትርኣዩ ኣይትስምዑ” በሃሊ ኢዩ።

ሓደ ኣብነት ክነግረኩም። እዛ ስእሊ እሞ ኣስተውዕሉላ፡፡ ዋላ’ኳ ናይ ወጻኢ እንተኾነት፡ ነቲ ኣብ እንዳ ዜና ኣብ ትሕቲ ሓለዋን ጸቕጥን ኢንተርነት ተጠቒምካ ዝስራሕ ስራሕ ኣዘኻኺራትኒ። እዚ“ገጽካ ናብ መንደቕ” ዝብል ሜላ’ዚ ካብ 2004 ዓ.ም. ኣትሒዙ ብግዜያዊ ሚኒስተር ዜና ዓሊ ዓብዱ ዝተኣታተወ ኣገባብ ኢዩ። ስለምንታይን ብኸመይን፧

ኢንተርነት ይትረፍ’ዶ ዜናዊ ዕዮ ኣብ ዝነጣጠፈሉ ትካል፡ኣብ ውልቀ-ገዛ እኳ ኣዝዩ ልዑል ኣገዳስነት ከምዘለዎ፡ ዕለታዊ መንብሮና ዝምስክሮ ዘሎ ኢዩ።እዚ ይኹን እምበር፡ እቲ ስርዓት ካብ ሰግኣታቱ ብምብጋስ ኪኸውን ይኽእል፡ተጠቃምነት ኢንተርነት ናብ ኤርትራ ደንጉዩ ኣብ መጋቢት 2000 ዓ.ም. ኢዩ ብዉሑድ ሓይልን ዓቐንን ኣተኣታትዩ። ስለዚ ድማ እቲ ዝርጋሐ ብኣውርኡ ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት፤ ብኣዝዩ ውሑድ ዓቐን ከኣ ኣብ ብሕታዊ ትካላት ዝተሓጸረ ኮነ።

ስለዚ ኩሉ ከም ኣብ እንዳ ዜና ዝኣመሰለ መንግስታዊ መሓውር ዝዓዪ ተራ ሰራሕተኛ፡ ዕለታዊ ዕማሙ ንምስላጥ ማለት ዜናታት ይኹን ካልእ ፍጻመታት ብፍላይ ናይ ዓለም ክምእርር ምእንቲ፡ ዋላ’ውን ኣብ ሰዓታት ዕረፍቱ ነቲ መሳልጥያ ንምርካብ፡ ግድን ናብ ናይ ስራሕ ቦታ ኪኸይድ የድልዮ።

ኣብ 2000 ዓ.ም. መስመር ኢንተርነት ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና እውን ኣብ ነብሲ ወከፍ ክፍሊ፤ ጨንፈር፤ ከምኡ እውን ገለ ኣገልግሎታት መስመራት ኣትዩ ነበረ። ደሓር ግን ኣብ 2004 ዓ.ም. ነተን ከምመጽሓፊ (typewriter) ዘገልግላ ገዲፍካ፡ እተን ካልኦት ኢንተርነታዊ ምትእስሳር ዝነበረን ኮምፒዩተራት ኣብ ሓደ ክፍሊ ከምዝእከባ ተገብረ። ንነብሲወከፍ ክፍሊ፤ ጨንፈር ወይ ኣገልግሎት ከኣ 1-2 ካርድታት ተዓደለ። ሓደ ኣባል ዜና ኢንተርነት ክጥቀም ምስ ዝደሊ፡ ንናይ ቀረባ ሓላፊኡ ይነግር’ሞ፡ እታ ካርድ ትወሃቦ። ንዓኣ ሒዙ ናብ’ታ ዓሊ ዓብዱ ዘዳለዋ ደምበ ኢንተርነት ይኸይድ። ኣብኡ ነቲ ጉዳይ ንኺከታተሉ ንዝተመደቡ ሰባት(ኣቐዲሞም ኣብ እንዳዜና ዘይፍለጡ፡ ምናልባት’ውን ካልእ ዕማም ዘለዎም) ነታ ካርድ ይህቦም። ንሳቶም ከኣ ኣብ ሓደ ዓቢ መዝገብ፡ ስምካ፤ ቁጽሪ ካርድኻ፤ ስለምንታይ ኢንተርነት ኣድሉዩካ፤ ክትከፍቶ እትደሊ ኣውራ-ገጽ (Home page) እንታይ ምዃኑ፤ ኣየነይቲ ኮምፑተር ከምትጥቀም፤ ካብ ሰዓት ክንደይ ክሳብ ሰዓት ክንደይ፡ ብደቂቕ ይጽሕፉ። በዚ እውን ኣይቀሰኑን እንዳ ዓሊ ዓብዱ። እተን ኣብ ምኽፋት ናይቲ ደምበ ናብ ኩሉ ሸነኽ ከምዝጥምታ ኮይነን ተቐሚጠን ዝነበራ ኮምፒዩተራት፡ ጸኒሖም ናብ መንደቕ ከምዝጽግዓ ገበሩ። እዚ ድማ ነብሲ ወከፍ ተጠቃሚ ሕቘኡ ሂቡ ክሰርሕ ዘገድድ ኮነ። ብድሕሪ’ዚ፡ ገባር ቅያ ኣይተ ዓሊ ዓብዱ ኣገሪሁ ናብቲ ደምበ ብምምጻእ፡ እቶም ተጠቀምቲ ኣብ ዕዮኦም ኣድሂቦም ከለዉ(ሕቘኦም ሂቦም ስለዝሰርሑ እውን ኣጋጣሚ እንተዘይኮይኑ ክርእይዎ ኣይክእሉን’ዮም) ሰልዩን ፈቲሹን ይኸይድ።

ኢመይል ምጽሓፍ ይኹን፡ ንሳቶም ዘይደልይዎ ኣውራ-ገጽ (home page) ከፊትካ ምርኣይ ከኣ፡ ባዕልኻ ኣብ ታርጌት ምእታው ይኸውን። እተን ናይ ህግደፍ ጨናፍር ከምዝኾና ዝእመነለን፤ ኣባላተን ናብ ኣስመራ መጺኦም ናብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዜና ሰጊድ-ሰላም ከይበሉን ምስ ዓሊ ዓብዱ ኣኼባ ከየካየዱን፤ መዛወሪት መኪና ምስ ኣውቲስታኣ ከይተዋህበቶምን ዘይምለሱ፤ “ብቐጥታ ብዓሊ ዓብዱ ኢየን ዝእዘዛ” ተባሂለን ዋላ ኣብ ኣስመራ እውን ዝሕመያ፤ ከም በዓል ኣለናልኪ፤ ደሃይን ካልኦትን፡ መጉሓፊ ክፉእን ሓሶትን ዝኾና ወብሳይታት፡ ክትርኢ እንተተረኺብካ ግን ሓላል ኢዩ።

ዓሊ ዓብዱ፡ እዚ ንሱ ዝተጠቕመሉ ሜላ “ገጽካ ናብ መንደቕ” ናብ ካልኦት ኣብያተ ጽሕፈት ክልሕም፤ ኢንተርነት ካፈታት እውን ብኸምኡ ኣገባብ ኪዓያ፤ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣብ ዝሰርሕ ኣደራሻት ኪእከባ፡ ዘገድድ ውጥን ኣውጺኡ ላዕልን ታሕትን ክብል እውን ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ። “ህዝብን መንግስትን ሓደ ኣካል-ሓደ ኣምሳል” ይብልኹም እዚ!? ጉድ’ዩ። እዚ ጭብጢ’ዚ ካብ ዘግህዶ ሓቅታት፡ ገለ ቁንጣሮ ተበለጽቲ ገዲፍካ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስዚ ሕቘኡ ሂቡ ክሰርሓሉ ዘገድዶ ስርዓተ-ዓመጽ፡ ብግብሪ ሕቘን ከብድን ምዃኑ ኢዩ፡፡ ልዕሊ እዞም “ነመሓድረካ ኣሎና” እናበሉ ዝድህኩናን ዘጽንቱናን ዘለዉ እከያት ከኣ፡ ጸላእቲ የብልናን።

ኣምላኽ ንሃገርና ይባርኽ።
ሰላም፡ ፍትሕን ዲሞክራሲን ንህዝቢ ኤርትራ!

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...