ከኤርትራ ጋር ለሶስተኛ ግዜ  ጦርነት እንደማይኖር እናደርጋለን፡ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ
ስለምንታይ ኢዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ፖሊስኡ  ለዊጡ  ዘሎ? 

ከም ናተይ ርእይቶ እዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ይርከብዎም፣

I.  መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጀሚርዎ ዘሎ ናይ 5 ዓመት ናይ ዕብየትን ለውጥን ፕላን   (5   Year Growth & Transformation Plan) ከምቲ ዝድለ ሽቶኡ  ክወቅዕ  ንኽኽእል፣
II.  ህዝቢ ኤርትራ ንናይ ኢሳያስ ምምሕዳር ጸሊእዎ ጥራይ ዘይኮነስ ፈንፊኑ ዓኽ ጡፍ ከምዝበሎ ስለ ዝፈለጠ፣
III.  ሰራዊት ኤርትራ ፈጺሙ ኣብ ኢሳይያስ እምነት ከምዘይብሉን ብተወሳኺ ድማ ንናይ ኢሳያስ  ስልጣን ክናውሕ ኢሉ ክዋጋእ  ከምዘይደሊ ስለዝተረደአ፣
IV.  ስርዓት ኢሳያስ ውሽጡ ቦኽቢኹን መሽሚሹን ምህላዉ ስለ ዝተረጋገጸ፤
V.  ስርዓት ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ ብናይ ኣፍሪቃን ናይ ዓለም ሃገራትን ውድባትን ከምዝተነጸለን ከምዝተፈንፈነን ስለዝፈለጠን ኢዩ፣

ሓሙሻይ ክፋል

ስርዓት ኢሳያስ ውሽጡ መሽሚሹን ቦኽቢኹን ምህላዉ ስለ ዝተረጋገጸ፤

እንቛቖሖ ኣጙ`ሉ ወይ ተበላሽዩ ከም ዘሎ ብትኽክክል ንምፍላጥ ሰቢርካ ውሽጡ ክትርእዮ ኣለካ። ሓደ ዲክታተራዊ ስርዓት ድማ ዋላውን ብደገ ክረአ ከሎ ድልዱልን ናይ ህዝቢ ደገፍ ከምዘለዎ  ክመስል እንተፈተነ ውሽጡ እንተተፈተሸ ግን ክሳብ ክንደይ ዝአክል ቦኽቢኹን መሽሚሹን ከምዘሎ ንምርዳእ ብዙሓት ቀንዲ ምሐበርታት ምውካስ የድሊ። ነዚ ኢለ ኢየ ድማ  እዛ ክፋል ዘቕርባ ዘለኹ። ካብቶም  ቀንዲ መሐበርታት ድማ እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።


- እንታይነትን ባህርያትን ከምኡውን ስነኣእምራዊ ጥዕና ናይቲ ቀንዲ ዲክተተር ምዕዛብ
- ኢሳያስ ምስቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዎ ሰበስልጣናት ርክቡ ምርአይ
- ብዛዕባ ደሞዝን ናይ ጡረታ መሰልን ናይ እቶም ነቲ ስርዓት ዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ምምርማር
- ኣብቲ ውሽጢ እቲ ስርዓት ዝካየድ ብልሽውና (corruption) እንታይ ከም ዝመስል ምግምጋም
- ኤርትራ ዓመታዊ ወግዓዊ ሃገራዊ ባጀት ዘይብላ ብምዃና
- ደገፍትን ተዳናገጽትን ናይ ህግደፍ ዝተደናገሩ ስለዝኾኑ
- ሕልና ዘለዎም ምሁራትን ሰብ ሃብትን ካብቲ ስርዓት ስለ ክርሕቁ ወዘተ ይርከብዎም

ናይዚ ዲክተታራዊ ስርዓት መራሒ ኢሳይስ ኣፈወርቂ ስለዝኾነ ናቱ ኣካላውን ኣእሙራዊ ኩነታት እንታይ ይመስል? ነዚ ንምምላስ ብቐሊሉ ዝሕ ዝ ኣብቲ ብወርሒ ግንቦት 2011 መትሓዝን መእሰርን ዘይብሉ ንአስታት 6 ሰዓት ዝገበሮ ዓጀውጀው ዝመለኦ ኢንተርቪዩ ንምርዳእ ይከአል። እታ ቀዳመይቲ ኣቕርቡለይ ዝበሎም ሕቶ (ሓታታይ ናቱ ሰርሕተኛ ኢዩ)።
 

ሕቶ  “ክቡር ፕረሲደንት ኣብቲ ዝሓለፈ እዋን ቡን እናሰተና ኮለና ሰለስተ ማንካ ሽኮር የእቲኻሉ እሞ ኩነታት ጥዕናኻ ከመይ ኣሎ?
 

መልሲ “ኣነዃ ብመጀምርያ ነዚ ኣይተዳለኹሉን ነይረ  (ኣቤት ጉድ ንዓይ ንአጭዋስ ኣብ ለቖታ)። ኣነ ብአካላውን ብእእምሮአዊ  ከማይ ዝጠዓየ ሰብ የለን እየ ዝብለ። ሰለስተ ማንካ ሽኮር የእትየሉ ኢልካ ተገሪምካ  ትኸውን ግን ከምቶም ሽኮረይ 300- 400  በጺሓ ዝብሉ ኣይኮንኩን። ናተይ ካብ 80-85 ሓሊፉ ኣይፈልጥን ኢዩ። ናይ ደም ጸቕጢ ካብ 80/120 ሓሊፉ ኣይፈልጥን (ኣቤት ጉዳም)። ካብ ኩሉ ሰብ ንላዕሊ ዝጠዓኩ ኢየ ዝብል።
እስኪ ብመጀርያ ብዛዕባ ኣካላዊ ጥዕንኡ ንርአ። ቅድሚኡ ግን ሓንቲ ተገርም ነገር ኣላ። ሓደ ሰብ ብዛዕባ ጥዕንኡ ከመይ ከምዘሎ እንትተሓተስ “ኣነ ነዚ ኣይተዳለኹልን ነይረ” ክብል ንመጀምርያ ግዜ ኢየ ዝሰምዕ ዘለኹ። ደሓን ኣለኹ፣ ቁርብ ተጸሊኡኒ ኣሎ፣ ከምዚ ዓይነት ሓሚመ ኣሎኹ ጥራይ ኢኻ ክትብል ትኽእል እምበር መልሲ ክህበካ ኣይተዳለኹሉን ምባልሲ ኣመና ዘስደምም ኢዩ። ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኢሳያስ ደጋጊሙ ንቐጠር ይመላለስ ነይሩ። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዝመላለሰሉ ዝነበረ ምኽንያት ንሕክምና ምኻኑ ተፈሊጡ ኣብ መርበባት ተቓሊሑ ኢዩ። ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ድማ ሕማሙ ብርቱዕ ምዃኑ ምስ ተነገሮ ሓደ ጣልያናዊ ሓኪም ንኣስመራ ኣምጺኡ እሱ’ውን ይሕክሞ  ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኢዩ። (ኢሳያስ እዚ ሕማሙ ዘይፍለጥ ኢዩ መሲልዎ ነይሩ ግን ከምቲ ጉጀለ 15ን ጋዜጠኛታትን ከምኡውን ካልኦትን ኣበይ ከምዝአተው ከይፍለጥ ተባሂሉ ብምስጢር ተታሒዙ ነይሩ። ደሓር ግን በቲ ኣመና ዘስካሕክሕ ኩነታት ኣብ ዒራዒሮ ስቓዮም እናርአዩ መዓልቲ መዓልቲ በብሓደ ይመቱ ምህላዎም ተፈሊጡ ኢዩ)። ብተወሳኺ ሕማሙ  ብርቱዕ ናይ ኩሊት ሕማም ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ወረ እዚ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ፈሊጥዎ ስለ ዘሎ ኢሳያስ  ሕማመይ ተፈሊጡ ለካ ኢሉ ብዙሕ  ጭንቀት ሓዲርዎ ከም ዘሎውን ካብቲ ዝሃቦ መልሲ ብቐሊሉ ምርዳእ ይከአል። ናይ ጭንቀቱ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘልዉ ጀነራትን ሚኒስተራታትን ኢና በሃልቲ እንተደአ ፈሊጦም ቅድሚ ሙማቱ ወይውን ከም በዓል መንግስቱ ሃይለማርያም ከይሃደመ ከሎ ንዓና ዘዋጻእና ስጉምቲ ክንወስድ ኣለና ኢሎም ኣብ ልዕሊኡ ስጉምቲ ከይወስዱ ኢዩ ድቃስ ስኢኑ ዘሎ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ኢዩ ድማ እታ ቀዳማይቲ ሕቶ ብዛዕባ ጥዕንኡ ክትከውን ከምዘለዋ ዝአዘዞም።

በዚ ኾነ በቲ ዋላውን ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ዘይምሕር ሕማም ክሓብኦ እንተፈተነን እንተሓሰወን ብዙሕ ከገርመና የብሉን። ኢሳያስ ዘሓሰወሉ መዓልቲ ኣሎ ድዩ? ምኽንያቱ ኢሳያስ ዓይኒ ኣንቒሩ ምሕሳው ኩርዓትን ሓበንን ገይሩ ኢዩ ዝቆጽሮ። ዉሑዳት ኣብነታ ንምጥቃስ፣ ሓደ ወዲ እንግሊዝ ጋዜጠኛ ምስ መለስ ዜናዊ ናይ ነዊሕ እውን ጽቡቕ ኣፍልጦ ኣለኩምን ጽቡቕ ርክብ’ውን ነይርኩም ኢዩ እንተበሎ ኣነ ኣይፈልጦን ኢየ ኢሉ ምስ መለሰሉ ክልቴኹም ብሓንሳብ’ዶ ኣብ ሜዳ ተጋደልቲ ኣይነበርርኩምን እንተበሎ ድማ እንድዒ ኣብ ሜዳ ነይሩ ይኸውን ኣነ ግን ኣይፈጦምን ኢየ በለ። ጆሽዋ ኣበይ ተአሲሩ ኣሎ ኢሉ እንተ ሓተቶ ድማ መን ምዃኑ ኣይፈጦን ኢየ ኢሉ። ናይ ኣልጀዚራ ጋዜጠኛ ድማ ኩሎም ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ደገ ተሪፎም እንተበለቶ እዚ ሕጂ ካባኺ ኢየ ዝሰምዖ ዘለኹ ከም ዝበለ ዓለም ብዓለማ ሰሚዓቶ ኢያ። እሞ ሕጂኸ ብሙሉአቶም ተጻወቲ ኩዕሶ እ ሪ ንታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ድሪኤሰላም ተሪፎም። ሕጂኸ ኣይሰማዕኩን ድዩ ክብል። መሬት ጅቡቲ ወሪርካ ሒዝካ ምስ ተባህለ ድማ ኣሉ ቀጣም ኢሉ ነቲ ጋዜጣዊ መልሽሉ።መሸንቆቓ ኣብ ክሳደኡ ምስ ኣተወት ግን ናይ ቓጣር ንጉስ ኣድሕነኒ ኢሉ ኣብ እግሩ ወዲቑ ኢዩ ዝለመኖ።  ናይዚ ተራ ባጋሚዶ ሕሶት እዚ ኢልካ ኣይውዳእን ኢዩ። ግን ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ብፍላይ ናይ ኩሊትን ካልእ ዘይፈለጥናዮ ኣካላዊ ሕማማቱን ግን ክድሕን ከምዘይክእል ሓበሬታት ኣሎ ይበሃል።

ናይ ኣካላው ሕማምሲ ቀሊል ነይሩ፣ እቲ ዝዓበየ ናይ ኢሳያስ ሕማም ናይ ኣእምሮ ሕማም ኢዩ። ርግጽ ኢዩ ብናይ ኣእምሮ ሓኻይም ኣይተመርመረን ይኸውን  ግን ጽቡቕ ገይሩ ንዘስተውዓለ ሰብ ብርቱዕ ናይ ኣእምሮ  ሕማም ከምዘለዎ እቲ መዓልታዊ ስርሑን ዘረብኡን ብዘየጠራጥ የረጋግጹ ኢዮም። ብዙሕ ሰብ ከም ጥዑይ ሰብ ገይሩ ይርእዮ ይኸውን። ጥዑያት መሲሎም ከምቲ ናይ ኢሳያስ ዝሰርሑ ሰባት ግን ኣብዚ ዓለም መሊኦም ኣለዉ። እስኪ ሓንቲ ኣብነት ክህበኩም። ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዊስኮንስን ዝበሃል ስተይት ሓደ ጀፍሪ ዳመር ዝተበሃለ ሰብ ደሓን ስራሕ ነይርዎ፣ ዝነብረላ ገዛ ነይራቶ ከምኡውን መኪና ነይራቶ። እዚ ሰብዚ ኣብ ዝተፋላለየ ቦታ ምስ ሰባት ይራኸብ’ሞ ደሓር ጽቡቕ ገይሩ ምስተፋለጦም ንገዝኡ ይዕድሞም። ኣብ ገዝኡ ምስ ኣተዉ ኣዘንጊዑ ይሃርሞም ብኻራ ድማ ይሓርዶም። ነቲ ሰውነቶም ከፋፊሉ ነቲ ገሊኡ ይበልዖ ነቲ ካልእ ድማ ኣብ ሓደ ዓቢ መዝሓሊ (freezer) የቐምጦ ነይሩ። ከምዚ እናገበረ 17 ሰባት ቀቲሉ። ሓደ መዓልቲ ጎረባብቱ ሕማቕ ሽታ ምስጨነዎም ንናይ ከተማ ክፍሊ ጥዕና ጠሪዖም። ኣብቲ ገዛ ምስ በጽሑ ንዓአቶም’ውን ጨንይዎም። ንሱ ምእታው ምስ ከለኦም ፖሊስያ ኣምጺኦም እቲ ገዛ እንተተፈተሸ እዚ ዘይብሃል ናይ ሰብ የዕጽምቲ ተረኺቡ። ድሕሪ ክንደይ ምርመራ 17 ሰባት ከምዝቐተለ ተፈሊጡ። እቶም ፖሊስያ ተገሪሞም ከምዚ በሉ ”4 ዓመት ሙሉእ ነቲ ሰብ ዝቐትል ዘሎ ገበነኛ ክንረክብ ብዙሕ ጻዕሪ ተኻይዱ። ንጀፍሪ ዳመር ግን ዋላ ሓደ ሰብ ኣይጠርጠሮን። ምኽንያቱ ካብ ስራሕ ቦኺሩ ኣይፈልጥን፡ ዕድኡ ብግዜ ይኸፍል፡ ምስ ሰብ ተባእሱ ኣይፈልጥን ብሓጺሩ ብደገ ክረአ ከሎ ካብኡ ንላዕሊ ዝለወሀን ዝጠዓየን ሰብ ኣሎ ኢልና ኣይገመትናን’” በሉ። ደሓር ግን ብሳይካትሪስታት (ናይ ኣእምሮ ሓኻይም) አእምርኡ ምስተመርመረ ናይ ሰብ ምቕታልን ምስቓይን ሕማም ከምዝነበሮ ተረጋግጩ።  ከምዚ ዓይነት ሰባት ኣብዚ ዓለም ብዙሓት ኣለዉ። ኢሳያስ እዚ ዘይበሃል መቕተልትን ስቓይን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ቖልዓ ኣይብል ሰበይቲ ኣይብል ሽማግለ ከይበለ ዝፍጽሞ ዘሎ ጭካኔ (sadism) ልክዕ ከምቲ ናይ በዓል ጀፍሪ ዳመር ሕማም ከምዘለዎ ይሕብረና።

ኣብቲ ቀደም ዝዓበኹሉ ዓደይ ንኢሳያስ እንዃይዶ ሃገር ከመሓድርስ ሓላው ከብቶም ወይ ጛሳ ክኸውን’ውን ኣይምዓሰብዎን። ብሓጺሩ ህግደፍ መራሒኡ ኢሳያስ ስለዝኾነ እቲ መራሒ ኣእሮኡ ሕሙም እንተኾይኑ እቲ ስርዓት ድማ ሕሙም ጥራይ ዘይኮነስ ውሽጡ መሽሚሹን ቦኽቢኹን ከምዘሎ ሓደ ካብቲ ግሉጽ ዝኾነ መረጋገጺ ኢዩ ። 
ኢሳያስ ምስቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ሰበስልጣናት ዘለዎ ርክብ ምራይ የድሊ

ሓደ መንግስቲ ብግቡእ ክመሃደር እንተደኮይኑ ኩሎም እቶም ሰበስልጣናት ብምርድዳእን ብምትሕብባርን ብምትሕግጋዝን ሃገር ከመሓድሩ ዘለዎም። ኢሳያስ ግን ኣብ መንጎኦም ምትእምማን ከይህሉን ኩሎም ንንሕድሕዶም እናተጠራጠሩን ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ እናሓሰወ ከምዝነብሩ ኢዩ ገይርዎም። ንሱ ድማ ከም ኣብነት ኮይኑ ነቲ ሕማቕ ጠባያትን ምንዕዓቕን ኣብ ግብሪ የውዕሎ።እስኪ ቁሩብ ኣብነታት ክጠቕሰልኩም። ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ዶክተር ወልዳይ ፍጡር ዝተበሃላአ ናይ ማችሮ ፖሊስይ ሓላፊ ምስ ሰለስተ መሳርህቱ ንባጽዕ ከይዱ ንኢሳያስ ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ቁጠባ ከመይ ከም ዘሎን እንታይ ክግበር ከም ዝባእን መብርሂ ክህቦ ምስ ጀመረ ”ይአኽለካ በዓል ንስኻ እኮ ኣብ ሰድያ ኮፍ ኢልኩም ከተምባህቑ ኢኹም ትውዕሉ። እዚ ትሰርሕዎ ዘሎኹም ስራሕ መራሕቲ ጋንታታ ክሰርሕዎ ምኸአሉ ነይሮም። ሕጂ ካብዚ ዉጹ” ኢሉ ከም ከልቢ ኣውጺእዎም። ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ተስፋይ ገብረስላሰ ናይ ማዕድንን ጸዓትን ሚኒስተር ዝነበረ ንሓደ ዳይ ናብ ኢሳያስ ከይዱ ቁሩብ ከዛርቦ ምስፈተነ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ሰባት “ድሁል ጥፋእ ካብዚ ገጸይ” ኢሉ ኣዋሪዱ ኣፋንይዎ። ኣብ ልዕሊ ካልኦት’ውን ምስ ሰኸረ ብጠራሙዝ ችእሶም ፈጋዕ ከምዘብሎም ኩሉ ሰብ ዝፈጦ ኢዩ። ጸርፍን ታህዲድን ጥራይ ዘይኮነስ ይጸፍዖም። ነንሕድሕዶም ንኽተሓሳሰው የበራተዖም። ዘለውዎ ሃለዋት ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ እያ ድማ ሰበይቲ ዘምህረት ንዓዲ ጥልያን ንሰብእያ ከተሐክም ከይዳ ከላ ንሓንቲ ናይ ጀብሃ ተጋዳሊት ዝነበረት “ዘለናዮ ናብራ ኣይኮነን፡ ሰብአይን ሰበይትን ፈጺሞም ዘይተአማመንሉ ኩነታት ኢና ዘለና” ዝበለታ። ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ ይገብር ጀነራላት ህግደፍ ብጥቕሚ ተባኢሾም ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ነንሕድሕዶም ተኹሲ ከፊቶም ጀነራል ስምኦም ገብረድንል ብበዓል ጀነራል ዉጩ ዝቖሰለ። ነቶም ብላዕ (ገንዘብ) ዘይሃብዎም ከም በዓል ፍቕረ ናብ  እንዳ ፖሊስ ወሲዶም ቀቲለሞም ይሓድሩ። ብሓጺሩ እዚ ካብቲ ሓደ ቀንዲ መሐበሪ ናይቲ ስርዓት ምምሽማሹ ዘብርሃልና ኢዩ።

ብዛዕባ ደሞዝን ናይ ጥሮታ መሰልን ናይ እቶም ነቲ ስርዓት ዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ምምርማር

ኣብዚ እውናዚ ኣብ ኤርትራ ብሕጋዊ መንገዲ ተቆጺሩ ብሕጋዊ መንገዲ ወርሓዊ ደሞዝ ዝኽፈሎ ሰብ የለን። ምኽንያቱ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ዝብል ሕጊ የለን። ስለዚ ሓደ ሰብ ኣብታ ዝሰርሓላ ዘሎ ስራሕ ምስ መን ተወዳዲሩ ከም ዝተቆጽረን ስለምንታይ ደሞዙ ከምኡ ከምዝኾነን ዝፈልጦ ነገር የብሉን። ብ1996 ዓ.ም.  ህግደፍ ጸዊዖም ንዓ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ሕጊ ኣዳልወልና ብተወሳኺ ናይ ደሞዝ ምደባ ስርሓልና ኢሎሙኒ ኩሉ ኣዳልየሎም ምስ ተመለስኩ ከምኡ ዓይነት ኣየድልየናን ኢዩ ኢሉ ኢሳያስ ኣብ ስራሕ ከይውዕል ኢሉ ትእዛዝ ሂቡ ኢሎም ከም ዝነገሩኒ ኣብቲ ናይ ዓሚ ጽሑፋተይ ዘርዚረ ገሊጸዮ ነይረ ኢየ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኢሳያስ ህርኩት ክኢላ ወይ ተባላሓቲ ተባሂልካ ዝውሰኸልካ ደሞዝ የለን። ብሓጺሩ እቶም ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛት ኢና ኢሎም ናብ ስራሕ ዝኸዱ ምእንቲ ነታ ደሞዝ ክረኽቡ ደአ እምበር ብዝዕባ ናይቲ ስራሕ ዓጢጥዎም ኣይኮነን። እዚ ከአ ሓደ  ካብቲ ጽቡቕ ምሐበሪ ናይቲ ስርዓት ውሽጡ መሽሚሹን ቦኽቢኹን ከምዘሎ የረድአካ።

ኩሉ ሰብ ከምዝፈጦ ኣብ መንግስትን ኣብ ናይ ብሕቲ ትካላት ዝሰርሑ ሰባት ዕድሜኦም ንጥሮታ ምስ በጽሐ ጥሮታ ኣትዮም ግቡእ ወርሓዊ ናይ ጥሮታ ገንዘብ ይኽፈሎም። እዚ ኣብ ሙሉእ ዓለም ልሙድን ሕጋዊ ኣሰራርሐን ኢዩ። እቲ ሓደ  ኣብዚ ሙሉእ ዓለም ናይ ጥሮታ ሕጊ ዘይብሉን ናይ ጥሮታ ደሞዝ ዘይኸፍልን ስርዓት ኢሳያስ ጥራይ ኢዩ። እዚ ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ሰብ ዘየስተውዓለሉ ሓደ ካብቲ ናይ ኢሳያስ ስርዓት ውሽጡ መሽሚሹን ቦኽቢኹን ምህላው ጽቡቕ ገይሩ ዝሕብር ኢዩ። ኢሳያስ ናይ ጥሮታ መሰል ንኸይህሉ ኢሉ ሓደ ካብቲ ድሕሪ ነጻነት ቀልጢፉ ዝወስዶ ስጉምቲ ኢዩ። 1993 ኢሳያስ “መንግስቲ ኤርትራ ብሰራሕተኛታት ዘቕቢቡ ስለ ዘሎ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ክጽንጸሉ ኣለዎም” በለ። ብኡ መሰረት ድማ ዕድሜኦም ብዘየገድስ ብኣማእት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ዘይጠቕማ  ገንዘብ ሂቡ ካብ ስራሕ ሰጉጉ ሕጂ እንተደሊኹም ዓዓድኹም ኬድኩም ሓርሽኩም ብልዑ በሎም። ኣነ ብ1994 ተመልሸ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ኣስተምህሮ ክህብ ምስ ከድኩ ነቶም ዝፈጦም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ኣበይ ኣለው እንተ በልኩ ተጸንጺሎም ኢዮም ዝብል መልሲ ምስ ሰማዕኩ ኣመና ተገረምኩ። ምኽንያቱ ብዙሓት ካብቶም ዝተጸንጸሉ ኣዝዮም ክኢላታትን ዕድሜኦም ንጥሮታ ዘይተቓራረቡ ብምዃኖምን። ብተወሳኺ ኣብቲ እዋን ናይ ክኢላታት ሰራሕተኛታት ሕጽረት ስለዝነበረ እቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ ናይ ተንኮል ምዃኑ ክርዳእ ክኢለ። ኣብቲ እዋን’ቲ ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ክፍጸም ከሎ ካብቶም መራሕቲ ኢና በሃልቲ ወይውን ህዝቢ ብሒም ኣይበለን። እቶም ዝተጸንጸሉ ድማ ዓቕሞም ፈሊጦም ብጩቕ ኣይበሉን።

ብግዜ ሃይለስላሴን መንግስቱ ሃይለማርያምን ናይ ኩሉ ሰብ ናይ ጡረታ ምሰሉ ሕሉው ኢዩ ነይሩ። ሃይለስላሰ ወይውን መንግስቱ ሃይለማሪያም መንግስቲ ብሰራሕተኛታት ዘቕቢቡ ኣሎ ኢሎም ወይውን መንግስቲ ሕጽረት ገንዘብ ኣለዎ ኢሎም ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ኣይውጽኡን። ብምምሕዳር መለስ ዜናዊ ድማ ኩሉ ኤርትራዊ ብሃይለስላሰ ይኹን ብመንግስቱ ሃይለማሪያም ናይ ጥሮጣ ደሞዝ ዝኽፈሎ ዝነበረ ሰራሕተኛ መሰሉ ተሓልይሉ ናይ ጥሮታ ደሞዙ ይወሃቦ ነይሩ። እቶም ኣብቲ ኤርትራ ነጻ ዝወጸትሉ ግዜ ዕድሜኦም ንጥሮታ  ምስ ኣኸሉ ወርሓዊ ናይ ጥሮታ ደሞዙ ይኽፈሎ ነይሩ። ካብቲ ኹሉ ዘገርምን ዘሓጎሰንን ግን ብ1994 ተመሊሸ  ናብቲ በዓል ኢሳያስ ዘለውዎ ቤት ጽሕፈታት (Macro Policy) ብስራሕ ምኽንያት ይኸይድ ስለዝነበርኩ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ 4 ሰባት ኮፍ ኢሎም ክሰርሑ ይርኢ ነይረ።  ሓደ መዓልቲ ነቲ ምሳይ ዝነበረ ሰብ ናይ ኣየናይ ሚኒስትሪ ሰራሕተኛታት ኢዮም ኢለ ሓተትኩዎ። ንሱ ድማ እዚኦም ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተላእኩ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ኢዮም በለኒ። ሕጂ ዝሰርሕዎ ዘለው ነቶም ኣብ እዋን ሃይለ ስላሴን መንግስቱ ሃይለማርያምን ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ዝነበሩን ዕድማኦም ንጥሮታ ዝአኸሉ ናይ ጥሮታ ደሞዞም ኢዮም ዝምድብሎም ዘልው በለኒ። ካብ ኩሉ ዝገረመኒ ድማ ንሓደ ወዲ ዓድና ዝኾነ ንብዙሕ ዓመታት መምህር ኮይኑ ሰሪሑ ድሓር ናብ ህዝባዊ ግንባር ከይዱ ዝጋደል ዝነበረ ኣብ መንገዲ ምስ ተራኸብና መምህር ኣበይ ደአ ጠፊእካ ሎሚ ቅነስ ኣይተረኣኣን ምስ በልኩዎ፡ ኣዲስ ኣበባ ከይደ ነይረ ትማሊ ኢየ ተመሊሸ በለኒ። እንታይ ነይሩ ደአ ምስበልኩዎ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰኑለይ ናይ ጥሮታ ደሞዘይ ሓደ ሓደ  ጉድለት ስለ ዝነበሮ ንዕኡ ከመዓራሪ ኢየ ከይደ ነይረ ሕጂ ኣመዓራርየዮ መጺኤ በለኒ። ብሓጺሩ ምምሕዳር መለስ ዜናዊ ነቶም ጥሮታ ኣትዮም ጥሮተኦም ምኽባር ዘይኮነስ እንተሎ ነቶም ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ዝነበሩ’ሞ ተጋዲሎም ምስ ተመለሱ ዕድሜኦም 60 ዓመት ዝኾነ ናይቲ ዘገልገልዎ ዓመታት ተጸብጺቡ ናይ ጥሮታ ደሞዝ ይኸፍሎም ነይሩ ኢዩ። እቲ ዘሕዝን  ድማ ክሳብቲ ኢሳያስ ብዶብ ኣመኻንዩ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ  ዝጀመረሉ እዋን ብአሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ወርሓዊ ናይ ጥሮታ ደሞዝ ይኽፈሉ ነይርዎም እዮም።

ኣብ ስርዓት ኢሳይስ ግን ዋላ ሓደ ኤርትራዊ ናይ ጥሮታ ደሞዝ ዝወሃቦ ሰብ የለን። እቶም ተጋደልቲ ዝነበሩ ሕጂ ምስቲ ስርዓት ዝሰርሑ ዘለዉ ዋላውን ዕድሜኦም 70 ዓመት እንተበጸሐ “ኣነስ ክሳብ ሕጂ ተጋዲለን ሰሪሐን ኢየሞ ጡረታ ክውጽእ ደልየ እንተ ኢሉ ዝወሃቦ ናይ ጥሮታ ገንዘብ የለን። ምኽንያቱ ብዛዕባ ጥሮታ ዝምልከት ሕጊ የለን። ስለዚ መታን ወርሓዊ ደሞዝ ክኽፈሎ ኢሉ ዋላ’ውን ብቓሬዛ ናብታ ስራሕ ክመላለስ ይግደድ። ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ የፍሪ ኣየፍሪ ዝግድሶ ሰብ የለን።
 

ኣብቲ ውሽጢ እቲ ስርዓት ዝካየድ ብልሽውና (corruption) እንታይ ከም ዝመስል ምግምጋም

ብልሽውና ኣብ ኩሉ መሓውራት ህግደፍ ከም ካንሰር ተሰራጭዩ ኢዩ ዘሎ። ኩሉ ናይ ህግደፍ ሰራሕተኛ በታ ዘላቶ ስልጣን ትዕበ ትንአስ ብዘየድስ ብዝከአሎ መጠን ገንዘብ (ጥቕሚ) ዝረኽበላ መንገዲ ከናዲ ኢዩ ዝውዕል። ምኽንያቱ ኩሉ ሰራሕተኛ ብሕጋዊ መንገዲ ኣይተቖጽረን። ደሞዙ ከመይ ከምዝተወሰነ ዝፈልጦ ነገር የብሉን። መዓስ ካብ ስራሕ ከምዝስጎግ  ወይ ከም ዝድስክል ዝፈልጦ ነገር የብሉን። ስለዚ እታ ሕማቕ መዓልቲ ከየርከበት ከላ ብዝከአሎ መጠን ንሱ ጥቕሚ ክረኽበላ ዝኽእል መንገዲ ኢዩ ከናዲ ዝውዕል እምበር ብዛዕባ ናይ ኢሳያስ ስራሕ ተሰርሐ ኣይተስርሐ ብዙሕ ኣይዓጦን ኢዩ። ከምቶም መዓልቲ መዓልቲ ዝርእዮም ዘሎ ካብ 40 ዓመት ንላዕሊ ኣገልጊሎም ዕሜኦም 60 ዓመት ሓሊፉ ግን ምእንቲ እታ ደሞዝ ከይትጎድሎም ክብሉ ትልኽ  እናበሉ ንስራሕ ዝመላለሱ ይርእዮም ኣሎ። ስለዚ ንሱ ነዚ ኹሉ ግስሩጥ ምሕደራ እናረአየ ከምአቶም ከይኮነ ከሎ ንምድላው ናይ  ግድን ኣብ ብልሽውና ተሸሚሙ ይርከብ ኣሎ። ኣምሓራ ከምዝምስልዎ “ ሲሾም ያልበላ ሲሻር ይቖጨዋል” ይብሉ። ናይ ህግደፍ ሰራሕተኛታት ድማ በታ ዘላቶም ስልጣን ተጠቒሞም ክርኽብዎ ዝኽእሉ ክምእርሩ ኢዮም ዝውዕሉ።
ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኢዩ ካብቶም ጀነራልት ጀሚርካ ክሳብ ታሕቲ ዘልው ነዞም ኣብ ሃገራዊ ባርነት ተቖሪኖም ዘለው ከም ውልቃዊ ባራይኦም ገይሮም ገዛውቶም የስርሕዋም ከምኡ’ውን ኣብ ሕርሻታቶም ዘሸቅልዎም ዘልዉ። ሕሉፍ ሓሊፎም ኣሻሓት እናኣኽፈሉ ኣብ ናይ ዶብ ምስግጋር ስረሓት ተዋፊሮም ይርከቡ። እዚ ኩሉ ካብ 3,000 ሰብ ንላዕሊ ኣብ ወርሒ ሃገር ጠንጢኑ ዝውጽእ ዘሎ ብኽእለቱ ጥራይ ኣይኮነን። ንናይ ህግደፍ ሰበስልጣናት ብላዕ እናሃበ ኢዩ። እዚ ተግባራት እዚ ኢዩ ድማ ሓደ ካብቲ ብዙሕ መርአያታት ናይ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ውሽጡ መሽሚሹን ቦኽቢኹን ከም ዘሎ ዘረጋግጸልና።

ዓመታዊ ወግዓዊ ባጀት ዘይብላ ሃገር

ኣነ ከም ዝፈልጦ ኤርትራ ነጻ ካብ ዝወጸትሉ ግዜ ጀሚሩ ውግዓዊ ሃገራዊ ዓመታዊ ባጀት ተሰሚዑ ኣይፈጥን ኢዩ። ኩሎም መንግስትታት ብዝከኣሎም ዓቕሚ ይሕመቕ ይጸብቕ ብዘየገድስ ዓመታዊ ባጀት የዳልው ኢዮም። ካብ ዝተፋላለየ ምንጭታት ክንደይ ዝአካል ገንዘብ ከምዝአተወን ክኣትው ከም ዝኽእልን ብምግምጋም ነተን  ገንዘብ ንዝተፋላለየ ስረሓት ይስልዕዎ። ብኡ መሰረት ድማ ሃገር የመሓድሩ። ኢሳያስ ግን ልክዕ ከምቲ ኣብ በራኻ ከሎ ዘመሓድሮ ዝነበረ እዩ ዘመሓድራ ዘሎ። ኢሳያስ ዋላ ሓንቲ ግዜውን ትኹን ባጀት ተዳልዩ ካብ ናይ ሃገር ውሽጢ ግብሪ ክንድዚ ተአኪቡ፡ ካብ ግምሩኽ ቀረጽ ክንድዚ ኣትዩ፣ ካብ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ክንድዚ ተኣኪቡ፡ ካብ ሓገዝ ክንድዚ፣ ካብ ለቓሕ ድማ ክንድዚ ተረኺቡ ኢሉ ኣይፈልጥን። እቲ ካብ ዝተፋላለየ ምንጭታት ዝእከብ ገንዘብ ብዝሑ ዝፈልጡ ኢሳያስን ሓጎስ ገብሪሂወትን (ክሻ) ጥራይ ኢዮም። ብኻልእ ወገን ድማ ዋል ሓንቲ ዓመት’ውን ትኹን ትካላት (ሚኒስትሪታት) ዓመታዊ ባጀት ብወግዒ ተሰሊዕለን ኣይፈልጥን ኢዩ። ሓደ ሚኒስተር ገንዘብ እንተኣድልይዎ ናብ ዲ/ኢሳያስ ቤት ጽሕፈት ብምኻድ ይሓትት፡ እቲ ዝተወሃቦ መልሲ ሰሚዑ ድማ ከም ዝተሰግ ከልቢ ጭርኡ ኣብ መንጎ ክልተ ኣእጋሩ ደጉሉ ይምለስ።  ኩለን ሃገራት ናይ መንግስቲ ኦዲተር ኣለውወን። እቲ ናይ ኦዲተር ቤት ጽሕፈት ኣብ ናይ ባጀት ዓመት መወዳእታ ንኹለን ቤት ጽሕፈታት ኦዲት የካይደለን። እዚ ድማ እቲ ዝተሰለዓለን ባጀት ብትኽክል ኣብ ስራሕ ከምዝወዓለን ከምዘይተሰርቀን ወይውን ብትኽክል ኣብ ስራሕ ከምዘይወዓለ ንምርግጋጽ ተባሂሉ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ግን እዚ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን ኢዩ። ከምኡ ዝበሃል ቤት ጽሕፈት’ውን የለን። እዚ ድማ ኢሳያስ ኮነ ኢሉ ዝገበሮ ኢዩ። ምኽንያቱ ድማ ኢሳያስ ከም ዊን ዝበሎ መታን ክገብርን እቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለው ድማ ከም ዊን ዝበሎም ንኽሰርቁን ኮነ ኢልካ ዝተማህዘ ኢዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ንድሕሪት ተመሊሻ ከምዘላ ንመረዳእታ ዝኸውን ከቕርበልኩም። ኢትዮጵያ ብግዜ ሃይለስላሰን መንግስቱ ሃይለማርያምን ዓመታዊ ባጀት ነይርዋ። ኣነ ኣብ  ንዘብ ሚኒስተር ሰሪሐ ስለዝነበርኩ ድማ ጽቡቕ  ገይረ ኢየ ዝፈልጦ። ኣብ ናይ ክልቲኦም ምሕደራታት ኩለን እተን ናይ መንግስቲ ትካላትን ሚኒስትሪታትን ናይ ዓመት ባጀት ብወግዒ ይስለዓለን ነይሩ። ብኡ መሰረት ድማ ስረሓን የካይዳ ነይረን (ጽቡቕ ምሕደራ ዲዩ ነይሩ ኣይነበረን ካልእ ኣርስቲ ኢዩ)። ኣብ ዓመት መወዳእታ ድማ ኦዲተራት ናብ ኩለን ቤት ጽሕፈታት እናኸዱ እቲ ዝተዋሃበን ገንዘብ ብትኽክል ኣብ ስራሕ ከምዝወዓለን ዘይወዓለን ሪፖርት ተዳልዩ ይቐርብ ነይሩ። ደርጊ ምሕረት ብዝብል ኣመኻንዩ ምስ ፈተሓና ኣብ ገንዘብ ሚኒስተር ተመሊሰ ስረሓይ ቀጸልኩ። ሓደ መዓልቲ ኣቶ ገብረስላሰ ዝተበሃሉ ኤርትራዊ ኣብ ኤርትራ ናይ ገንዘብ ሚኒስተር ሓላፊ ኮይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ቴሌፎን ደወሉለይ። ኣቶ ገብረስላሰ እንታይ ተረኽበ እንተበልኩዎም ብጃኻ ሽግር ኣጋጢሙኒ’ሞ ሓሳብ ክትህበኒ ኢለ ኢየ ዝድውለልካ ዘለኹ በሉኒ። እንታይ ኢዩ ምስ በልኩዎም ጀነራል ጌታቸው ናደው ዝተበሃለ ኣብ ኤርትራ ናይ ጦር ሰራዊት ኣዛዚ ካብቲ ዝተመደበሉ ባጀት ወጻኢ ገንዘበ ሃበና ኢሉኒ። ኣነ ድማ ነቶም ናይ ገንዘብ ሚኒስተር ሓለፍቲ ተሌፎን ደዊለ እንታይ ክገብር ክህቦዶ ወይስ ክኸልኦ እንተበልኩዎም “የመሰለህን ኣድርግ” ኢሎሙኒ። ካብቲ ዝተመደበልካ ባጀት ወጻኢ ኣይህበካን ኢየ እንተ ኢለዮ ክአስረኒ ወይውን ክቐትለኒ ይኽእል ኢዩ፡ እንተሂበዮ ድማ ካብቲ ዝተመደበሉ ባጀት ወጻኢ ስለዝሃብካዮ ተባሂለ ክኽሰስን ካብ ስራሕ ክስጎግን ስለዝኾንኩ ኢየ ሓሳባት ክትህበኒ ዝሓተካ ዘለኹ በሉኒ። ኣነ ድማ ቁሩብ ክሓስበሉ’ሞ ጸኒሐ ክነግረኩም በልኩዎም።

ሓሲበ ሓሲበ ድማ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ደወልኩ። ኣቶ ብረስላሰ ግዜ ከይወሰዱ በል እስኪ ንገረኒ በሉኒ። ንስኹም ብቐጥታ ናብቲ ሚኒስተር ናብ ኣቶ ነጋሽ ደብዳበ ጽሒፍኩም ጀነራል  ጌታቸው ናደው ከምዚ ይብለኒ ኣሎሞ እንታይ ክገብር ከምዘለኒ ብጽሑፍ ብህጹጽ ንገሩኒ፣ ብሁጹጽ መልሲ እንተዘይሂብኩኒ  ግን ሃቦ ከምዝበልኩሙኒ ቆጺረ ክህቦ ምዃነይ ይሕብረኩም ኣሎኹ ኢልኩም ጸሓፉ በልኩዎም። ናይቲ ደብዳበ ቅዳሕ ድማ ናብቲ ሚኒስተር ዲኤታን ናብቲ ናይ ባጀት ምኽትል ሚኒስተር ጌርኩም “ብአስቸዃይ” ዝብል ልአኹሎም በልኩዎም። ንሶም ከምታ ዝበልኩዎም ገይሮም ደብዳበ ሰደዱ። ኩሎም እቶም “የመሰለህን ኣድርግ” ዝበሉ ዝነበሩ ዝገብርዎ ጨነቆም። ሽዑ እቲ ሚኒስተር ናብ በዓል መንግስቱ ሃይለማርያም ከይዱ እቲ ጉዳይ ገለጸ። ዲ/መንግስቱ ድማ ካብቲ ተመዲብሉ ዘሎ ወጻኢ እንተደልዩ ብጽሑፍ ከምዝሰደልና ክገብር ኢየ፣ ሽዑ እንታይ ከምንገብር ክንውስን ኢና ኢሉ ኣፋንይዎ። እቲ ሚኒስተር ናብ ኣቶ  ገብረስላሰ ደዊሉ ንዝመጸካ መምርሒ ወይ ትእዛዝ ተጸበ፣ ብዛዕብኡ ኣይትሸገር ኢሉ ነገሮ። ኣቶ ገብረስላሰ ደዊሎም የቕንየለይ ተወልደ ካብ ማእሰርቲ ወይ ካብ ቅትለት ኣውጺእካኒ በሉኒ። እዚ መግለጽየይ ብግዜ ዲ/መንግስቱ እንተኾነውን እቲ መንግስቲ ብሕጋዊ መንገዲ ባጀት ኢዩ ዝመሓደር ነይሩ። ምሕደራ ዲ/ኢሳያስ ግን እንዃይ ህዝቢ ኤርትራስ እቶም ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝበሃሉ እውን ብዘይፈልጥዎ ናይ ባጀት ኣተሓሕዛ ኢዮም ዝኸዱ ዘልዉ። ነዚ ኢዩ ድማ ጀነራል ኢስቲፋኖስ ስዩም (ብኤኮኖሚክስ ንዶክትረይት ዲግሪ እናተማህረ ከሎ ደሓር ንሜዳ ዝኸደ) ኣብ ገንዘብ ሚኒስተር ከሎ ናይ ኤርትራ ባጀት ብሕጊ ክኸይድ ኣለዎ ናይ ህግደፍ ትካላት ድማ ግብሪ ክኸፍላ ኣለወን ምስ በለ ኢሳያስ ድማ ደሓን ክንረአአ ኢና በሎ። 
 

ደገፍትን ተገዳገጽትን ናይ ህግደፍ ዝተደናገሩ ስለዝኾኑ

ሓደ ካብቲ መለለዪ ናይ ስርዓት ኢሳያስ ክሳብ ክንደይ መሽሚሹን ቦኽቢኹን ምህላው ዘረድአካ ናይቶም ኣብ ደገ ዝነብሩ ዘለዉ ደገፍትን ተደገናጽትን ኢና በሃልቲ ብዝሖምን ዓይነቶምን ብምርዳእ ኢዩ። እዚኦም ድማ ዉሑዳት ካብ ልቦም ዝድግፉ፡ ገሊኦም ዝተደናገሩ፡ ዉሑዳት ድማ ብጥቕሚ ዝተአሳሰሩ፡ ገሊኦም ድማ ተበለጽቲ ምሁራት ኢዮም። እዞም ዝተጠቐሱ ጉጅለታት ዕንወትን ብርሰትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ እናረአዩን እናሰምዑን ዋላ ሓንቲ ቅጭጭ ዘይብሎም ብዙሕ ከገርመና የብሉን። ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ዝተራእየን ዝተፈጸመን ስለዝኾነ። ነዚ ቀሊል መረዳእታ ዝኸውን ክልተ ኣብነታት ክህበኩም። ቀዳማይ ናይ ሂትለር ደገፍቲ ዝነበሩ ካልአይቲ ድማ ናይ ሃሮልድ ካምፒንግ ሰዓብቲ።

ሂትለር ኣብ ስልጣን ክድይብ ከሎን ምስደየበን ነቲ ስልጣን ከደልድል ብማለት ዝተፋላለዩ ደገፍቲ ኣእሚኑ። ካብዚአቶም መብዛሕትኦም እቶም ሓተላ ሕብረተሰብ ዝበሃሉ ኢዮም ነይሮም።ገሊኦም ሰረቕቲ፣ ዓዋሉ፡ ሸራሙጥ ናይ መንነት ቅልውላው ዝነበሮም (ሂትለር ትውልዱ ኦውስትርያዊ ኢዩ ነይሩ ልክዕ ከም ኢሳያስ ወዲ ተምቤን)፣ ሱሱዓትን ንዓይ በሃልትን ወዘተ ኢዩ ኣኪቡ ነይሩ። እዚአቶም ሆ  ሆ እናበሉ ምድጋፍ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ናይ ስለላ ስራሕ የካይድሉ ነይሮም። በቲ ዝተወሃቦም መምርሒ ድማ ነቶም ይቃወሙ ይኸኑ ኢሎም ዝገመትዎም ወይውን ዝጠርጠርዎም ሰባት ኣስማቶም ነቶም ኤስ ኤስ (SS) ዝበሃሉ ናይ ጸጥታ ሓለፍቲ እናሃቡ እዚ ዘይበሃል ንጹሃት ህዝቢ ኣእሲሮምን ኣቕቲሎም ኢዮም። ካብዞም ዝጠቐስኩዎም ሓተላ ሕብረተሰብ ብዙሓት ኣይሁዳውያን ኢዮም ነይሮም። እዞም ሕልነኦም ዝሸጡ ኣይሁዳውያን ካብቶም ቀንዲ ተሓባበርቲ ሂትለር ኢዮም ነይሮም። በቲ ዝተወሃቦም መምርሒ ድማ የሕዋቶም ኣይሁዳውያን ኣበይ ከምዝቕመጡን ኣበይ ከም ዝሰርሑን ነቶም ናይ ሂትለር ናይ ጸጥታ ወተሃደራት እናሓበሩ የእስርዎም ነይሮም። እቶም ሹዱሽተ ሚልዮን ኣይህዳውያን ብተሓባባርነት ናይ ኣሕዋቶም ኣይሁዳውያን ኢዮም ክቕተሉ በቒዖም። ኢሳያስ ዘካይዶ ዘሎ ድማ ልክዕ ከምታ ናይ ሂትለር ኣገባብ ተኸቲሉ ኢዩ ንህዝቢ ኤርትራ ብአሕዋቱ ካልኦት ኤርትራውያን ገይሩ ዘጽንት ዘሎ። ብሓጺሩ እቶም ኣለው ዝበሃሉ ደገፍቱን ተደናገጽቱን ከምቲ ኣብ ጀርመን ዝተራእየ ኢዩ። በዞም ከምዚ ዓይነት ተደጊፉ ዝነብር ስርዓት ውሽጡ ዝመሽመሸን ዝቦኽበኸን ኮይኑ ዕሜኡ ድማ ሓጻር ኢያ።

እታ ካልአይቲ ኣብነት ድማ ኣዛ ትስዕብ ኢያ። ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 21 ኣብ ኣመሪካ ዝተፈጸመት እያ። ነቲ ፍጻሜ ምስ ተዓዘብኩ ንደገፍቲ ኢሳያስ ብዙሕ ሓዚነሎም። እቲ ጉዳይ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ሃሮልድ ካምፒንግ ዝተበሃለ ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርኒያ ዝነብር ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ቤተ ክርስቲያን ናይ “ፍርዲ መዓልቲ” (Judgement Day) ዝብል ቤተ ክርስቲያን ኣለዎ።  ነቶም ሰዓብቱ ግንቦት 21 ዓለም ብእሳተ ጎመራ ክትፈልሕ ኢያ፣እዚ ዘይበሃል ናይ መሬት ምንቅጥቃጥን ኣሎ፣  ክትገላበጥ ኢያ። ሽዑ ሰብ ኩሉ ብኽፉእ ኣማውታ ክመውት ኢዩ። ሬሳታት ካብ መቓብሮም ተገልቢጦም ክወጹ ኢዮም። ስለዚ ዘለኩም ገንዘብ ናብ ናይ ፍርዲ መዓልቲ (Judgement Day) ስደድዎ። ሰዓብተይ ዝኾንኩም ካብዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣሰቓቒ ሞት ክትድሕኑ ኢኹም ወዘተ በሎም። እቶም ኣመንቱ ኣብ ኩሉ ከተማታት ኣመሪካ ዓበይቲ ታቤላታት እናተኸሉ ነቲ እሱ ዝበሎም እናጸሓፉ ተኸልዎ። ንምዃኑ ሰዓብቲ ወይ ኣመንቲ ኣለዉዎ ድዮም ኢለ እንተሓተትኩ እወ ብዙሓት ኣመንትን ደገፍትን ኣለዎዎ በሉኒ። ኣነ እንዳተገረምኩ ነታ መዓልቲ ይጽበ ነይረ። ሽዑ ግንቦት 21 ሓሊፋ። ንጽባሒቱ እዛ ዓለም ከምታ ዝነበረታ ቀጺላ ግን ብናቱ ስብከት ብዙሓት ኣመንቱ ተደናጊሮም ዝነበሮም ገንዘብ ኩሉ ናብቲ ናቱ ቤክርስትያን ኣወፍዮሞ ዝብል ኣንበብኩ። ሓንቲ ሰበይቲ ንአርባዕተ ደቃ ብኻራ እናሓረደቶም ከላ ጎረባብታ ፓሊስያ ጸዊዖም ኣድሒኖሞም። ሓንቲ ጓል ራሻ 14 ዝዓመታ ኣብቲ መዓልቲ ምስቶም ካለኦት ኮይነ ተሳቕየ ክመውት ኣይደልይን ኢየ ኢላ ተሓኒቓ ሞይታ። ካልእ’ውን ብዙሕ ነይሩ ግን ኩሉ  ምግላጽ ኣድላዪ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ነገር ነዞም ተደናጊሮም ንኢሳያስ ዝድግፉ ዘለው ኣሕዋትናን ኣሓትናን  ደቕናን ከምቶም ዝተደናገሩ ጀርመናውያንን ሰዓብቲ ሃሮልድ ካምፒንግን ተደናጊሮም ንኢሳያስን ስርዓቱን ይድግፉ ስለ ዘለዉ ካብቲ ኣትየውሞ ዘለዉ ጸልማት ቀስ ኢልና ክንምህሮምን ከነረድኦምን እምበር እቲ ናይ ኢሳያስ ስርዓትሲ ብኹሉ ኣገላቢጥካ እንተሪኢኻዮ ውሽጡ ፈጺሙ ምሽሚሹን ቦኽቢኹን ኢዩ።


ሕልና ዘለዎም ምሁራትን ሰብ ሃብትን ካብቲ ስርዓት ስለምንታይ ክርሕቁ ከምዝወሰኑ

ብዙሕ ሰብ ከምዝፈልጦ ኤርትራ ነጻ ምስወጸት ብዝሓት ምሁራት ኤርትራውያን ኤርትራ እናኸድና በብኽእለትና ነጻ ኣገልግሎት ንህብ ኔርና። ብዙሓት ጥሮታ ዝአተዉ ድማ ካብቲ ዝነበርዎ ዓዲ ገዲፎም ጥሮተኦም እናተቐበሉ ብነጻ ኣብዝተፋላለያ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ከገልግሉ ጀሚሮም ነይሮም። ኢሳያስ ዝቕተል ቀቲሉ፡ ዝእሰር ኣሲሩ፡ ጠቕሊሉ ስልጣን ንበይኑ ምስገበቶ ኩሎም ጠቕሊሎም ፈንፊኖም ርሒቖሞ ኢዮም። ሕልና ዘለዎ ሙሁር ኤርትራዊ ናብታ ዓዲ ትውዝ ዝብል የለን። ምናልባት ሓደ ሓደ ሕልነኦም ዝሸጡ ቅልቅል ይብሉ ይኾኑ። ንሳቶም ነቲ ዲክታተራዊ ስርዓት ክሕግዝ  ዘይኮነስ ናይ ብሕቱ ጉዳይ ከሳልጥ ኢሉ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣነ ምሁር ወይ ክኢላ ኢየ ንመንግስተይ ህግደፍ ክሕግዝ ይኸይድ ኢየ ኢሉ እስኪ ሓደ ይንገረና። ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ንናይ ገዛእ ርእሶም ጉዳይ ክብሉ ዝኸዱ ኣይሰአኑን ይኾኑ። ሕጽር ብዝበለ ስርዓት ኢሳያስ ብምሁራትን ክኢላታት ኤርትራውያን ተፈንፊኑ ኢዩ።

ኤርትራ ነጻ ምስ ወጸት ብዙሓት ሃብቲ ዘለዎም ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ገንዘቦም ከዋፍሩ ፈቲኖም ነይሮም። እቲ ስርዓት ግን ዝተፋላለየ ማሕለኻ እናፈጠረ ስለ ዘድከሞም  ኣይከአሉን። ነቶም ሓደ ሓደ ሃብቶም ከዋፍርዎ ኣይከአሉን። ገሊኦም ገንዘቦም ምስ ኣፍሰሱ ንገሊኦም ነቲ ንብረት ኣሕዲግዎም ንገሊኦም ድማ ንከም በዓል መሓመድ ሳልሕ ሓጎስ ምኽንያት እናፈጠረ ቀቲሉ ንብረቶም ወሪስዎ። ብሓጺሩ ህግደፍ ውሽጡ እንተተፈትሹ ቦኽቢኩን መሽሚሹን ኢዩ  ቁሩብ ድፍእ ዘብል ሓይሊ ጥራይ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ።

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...