ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዘለኹም ኤርትራውያን ሰላምታይ ይብጻሕኩም

ጸላኢና ገበነኛ ይኹን፡ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ተገንዚቡዎ ከምዘሎ ስርዓት ኢሳይያስ ብዘየወላውል ተጸንቂቑ ኣብቂዑ’ዩ፡፡ ግና ከም ዝሞተት ዝነቐጸት ቆልቋል ቁሩብ ድፍእ የድልዮ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኩውንነት ዝብገስ ኮይኑ፡ ብ ቡዙሓት መስተውዓልትን ለባማትን ኤርትራውያን ተገሊጹ’ዩ። ውድቀት ህግደፍ ከምቲ ንህዝቢ ከደናግሮ ዝፍትን፡ ብወርቂ ናይ ቢሻ ዝሰርር ዝድሕን ሂወት የብሉን። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ብወርቅን ኣልማዝን ዘይትመን ፍቕሪ ሃገሩን ፍትወት ስራሕን ትዕግስትን ዝውንን ህዝቢ ክንሱ፡ ብሕጊ ኣልቦነትን፡ ብማእሰርትን፡ብመቕተልትን፡ ብስደትን ፋሕ ብትን ዘበሎ ጉጅለ፡ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ኮይኑ ንስልጣኑ ገለ ኣዋርሕ ንምልቃብ ህዝቢ ሞሱኡ ክረክብ ኣለዎ ህዝቢ ሞሱኡ ክረክብ ኣለዎ ምባል ንመን ንምዕሻው።  ኢሳይያስ ኣብ መበል 20 ዓመት ጽንብል ባዓል ነጻነት ኤርትራ መደረ ኣብዝጀመረሉ ህሞት፡ ካብቲ ኣብቲ ኣዳራሽ ዝነበረ ህዝቢ ፋጻ ዝተሓወሶ ድምጺ የለን ገለ ዝብል ድምጽታት ምስ ተሰምዔ ካብ ገጹ ዝንበብ ምስ ንዕዘብ፡ ካብ ሓደ ፉጹም ነብሰ ታኣማንነት ዘጥፈኣ ዝተጸንቀቐ ሰብ ነበረ፡፡ 

ካብቲ ናይ ቦጅቧጃት ቀባሕባሑ ኣንታ ማዓልተይ ግዲ ኣኺላ’ያ እምበርዶ ብሂወተይ ክወጽእ’የ ሎምስ ገለ ተኣሊሙለይ ኣሎ ዝብል ካብተን ናይ ተንኮላት ኣዒንቱ ተንብብ፡፡ እወ ህዝቢ ኤርትራን ኢሳይያስን ልዕሊ ዝኾነ እዋን ተፋሊጡ ይርከብ፡፡ ኢሳይያስ በቲ ናይ ኣርባዓ ዓመታት ፉንፉን ገበናቱ ብሂወቱ ኮሎ ኣብ ጋሃነብ ኢዩ ዝነብር ዘሎ፡፡ ምናልባት ገሌና እንታይ ኣብ ጋሃነብ ክነብር ዳኣ ዊስኪ ክጭልጥ ጮማ ክቖርጽ እንዳዋዓለ ንብል ንኸውን፡፡

እወ ኢሳይያስ በቲ ዘታለሎ ገርሂ ልቢ፡ ዘፍሰሶ ናይ ኣሽሓት ንጹህ ደም ናይ መንፈስን ናይ ሕልናን እፎይታ የብሉን ክህልዎ ውን ኣይግባእን፡፡ በቲ ኣብ ሰብዓታት ንባዓል ሙሴ ተስፋሚካኤልን ብጾቱን ኣሳቒየን ዝቐዘፋ ኣእዳው፡ ንክንደይ በላሕቲ ካድራት ተ.ሓ.ኤ. ብ ቃጻ ቀቲለን ሓዊ ዘንደዳ ኣእዳው፡ ንባዓል ኢብራሂም ዓፋን ካልኦትን ጸልማት ከደኖ ዝጠለማ ኣእዳው፡፡ ኣዘንጊዔን ክሳድ ባዓል ስዒድ ሳልሕ ዝሃረማ ኣእዳው፡ ብደም ባዓል ወልደ ዳዊት ተመስገን ሃይለ ጋርዛን ዝጨቀዋ ኣእዳው፡ ደም ባዓል ዶክተር ያሲን ኣበራ ዘፍሰሳ ኣእዳው፡ ንባዓል ሸሪፎን፡ ሃይለ ዱሩዕን፡ ጴጥሮስን፡ ዑቕበን ካልኦትን ዘማስናን ዝቐትላን ዘለዋ ኣእዳው፡ ኲናት ጻሕቲረን ንህዝብና ወላድ መኻን ዝገበራ ኣእዳው ወ.ዘ.ተ.ን ከመይ ጌረን ክቐስናን እፎይታ ክረኽባን፡፡ 

ኢሳይያስ ፈራህ’ዩ፡ ፈራህ ኣይሓዝካ ፈራህ ዓሰርተ በትሩ ውን ይባሃል’ዩ፡ ስለዚ ካብቲ ህዝቢ ዝፈልጦ ንላዕሊ ገበናቱ ስለ ዝፈልጥ፡፡ ብገበናቱ ታሓታትን ዝኸፍሎ ዋጋ ድማ ፉሉጥ ብሙዃኑ፡ ዕላማኡን መደባቱን ብዝኾነ ዋጋ ንስልጣኑ ምክልኻል፡ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ከም ወትሩ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ከላሕልሕን ክጎድእን ዝኽእል ኩሉ ምጥቃም፡ ብድሕሪ ካብ ስልጣን ብሓይሊ ምምሓው ድማ ስምርትን ሓድነትን ዘለዋ ኤርትራ ክትህሉ ከምዘይብላ ለኪምካያ ምጥፋእ’ዩ መደባት ኢሳይያስ፡፡

እወ ነገሩ ንድሕሪት ጠምት ንቕድሚት ኣምት እንዲ’ዩ፡ ዝተፈጸመ ሕሉፍ ገበናትን ዝፍጸም ዘሎን፡ ፈጸምቱን ዋናታቱን ኮለውዎ ክንዛረበሉን ክንደጋግሞን ንዘይ ፈለጡ ከነፍልጥ ስኽፍ ክብለና የብሉን፡፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ገበናት፡ ሃንዳሲኡን ማሃዚኡን ኢሳይያስ ይኹን እምበር ኣሳሰይቱን ተግበርቱን እቶም ብሂወት ዘለው ሎሚ ተጋደልቲ ወይ ተጋደልቲ ነበር ንጹሃት ብምምሳል መብዛሕቶኦም ስልጣን ሒዞም ይርከቡ። ዝተረፉ ድማ ገለ ከም ተቓወምቲ ወይ ከም ውልቀ ሰባት ኣብ ስደት ኣለው፡፡ ኣነ ነዞም ብዛዕባ’ዚ ዝገለጽኩዎ ገበናት ኣፍልጦ ዘለኩም ወላ ውን ኢድ ዝነበረኩም ሃየ ሎሚ’ዩ እቲ ግዜ ንህዝቡኹም ካሓሱ ንህዝቡኹም ንገሩ ተናዘዙ ይብለኩም፡ ኣሰር መስፍን ሓጎስ ኣይትከተሉ፡፡ ምኽንያቱ ሰብ ዝገበሮ ምድሪ ነገሮ ስለዝኾነ ምስቲ ሩሑቕ ዘይኮነ ሮሞቕታ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኩሉ ዝተፈጸመ ገበናትን ፈጸምቱን ታሪኽ ስለ ዝኾነ፡ ወናን ታሪኽ  ድማ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ከም ታሪኽ ቃልሱ ህዝቢ ኤርትራ ክርከቦ ኢዩ፡፡ ፈጸምቲ ገበናት ድማ ኣብ ቅድሚ ሕግን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ክቐርቡ ኢዮም ወይሉኹም ገበነኛታት፡፡      

ኣብ ዝሓለፈ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ይኸውን፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሓደ ብዛዕባ ገበናት ቅትለት ኣብ ልዕሊ ሓርበኛታት ኣብ ሱዳን ኣመልኪቱ ኣገዳሲ ሓበሬታን ናብ ካልእ ሓበሬታ ዝመርሕን ውልቀ ሰብ ብምጥቃስ ትንተና ኣቕሪቡ ነበረ። ይብል ንሱ ጉጅለ ማሓውር ገበናት ኢሳይያስ ኣሰራርሐኦምን ብምባል፡ ንሓደ ካብቶም ቀንዲ ጨወይትን ቀተልትን ዝበሎ፡ መብራህቱ ዝተባህለ ኣብ ካርቱም ኣብ ሓደ ሆቴል ሽም ናይታ ሆቴል ሕጂ ረሲዔዮ ቀምቃማይ ኣስተኻኻሊ ጨጉሪ ርእሲ ዝነበረ ጠቐሰ’ሞ፡ ተዘክሮታት ካርቱም ኣብ ኣእሙሮይ ተሳእለ።

ኣብ ውሽጢ ካርቱም ኤርትርውያን ዝራኸቡሉ እንዳ ሻህን መግብን፡ እንዳ ሓዳስ ገዲማ ዝባሃል ነበረ’ሞ፡ ኣነን ኣዕሩኽተይን ኣብ ሱዳን ሓደስቲ ኣብቲ ከባቢ ድማ ንሰርሕ ብምንባርና ክንምገብ ይኹን ክንዛናጋዕ ዳርጋ ማዓልታዊ ንመላለስ ነበርና። ዘይርሰዖ መብራህቱ ከደራይ ቆማት ዱልዱል ኣካላቱ ብዕድመ ውን ኣያና ይኸውን ነበረ፡፡ ዝባን ሽክና ርእሱ ብርሕ ዝበለ ህድእ ኢሉ ዝዛረብ ቀጻሊ ኣብ እንዳ ሓዳስ ገዲማ ንርኽቦ ነበርና። ኣብቲ ቦታ ገዳይምን ሓደስትን  ኤርትራውያን ዝራኸቡሉ ኮይኑ፡ እንኮላይ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ነበርን ካብ ሜዳ ዝሃደሙ ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ካድረታትን መራሕቲ ሓይልታትን ቦጦሎኒን ምልክትን ዝነበሩ ዝርከቡዎም ነበሩ።

ሓደ ማዓልቲ ከቢብና ሻሂ እንዳሰተና፡ ሓደ ኣብኡ ዝተላለናዮ ሰብ ንመብራህቱ ስራሕ ከመይ ኣሎ ብምባል ይሓቶ’ሞ ስራሕ መሊኡ ኢዩ ይብሎ፡ ወዮ ዝሓተቶ ናባይ ግልብጥ ኢሉ ኣብ ሆቴል እኳ’ዩ ዝቕምቅም ማዓት ገንዘብ ኢዮም ዘእቱው ይብለኒ፡ ኣነ ድማ ዘይፈልጦ ክንሰይ ን መብራህቱ ጹቡቕ ገንዘብ ተእቱው ማለት’ዩ ይብሎ’ሞ  እው ኣብ ሆቴል ምቕምቃም ጹቡቕ ገንዘብ ኢና ንረኽበሉ ምስበለኒ፡ ብውሽጠይ ነቲ ንኸብድና ምምላእ ጥራይ ንሰርሖ ስራሕ እንዳ ሓጃ ባርዳ ብምጽላእ ከምዚ ናይ መብራህቱ ስራሕ ንኽንረክብ ብውሽጠይ ተመነኹ። መብራህቱ ኣብ እንዳ ሻሂ ጥራይ ኣይኮንካን ትረኽቦ፡ ኣብ ዴምን ሳሓፋ ዘለጥን ዝባሃል ኣብ ካርቱም ኣብ ሰለስተ እንዳ ኣስላም ኤርትራውያን ስድራ ቤት ውን ምስ ካልኦት ብምምጻእ ረኺበዮ ኣለኹ።

ኣብቲ ግዝየ’ቲ ብዕድመ ንእሽቶ ብባህርያተይ ውዑይ ብምንባረይ ንመብራህቱ ካብ ዓቢ ሓወይ ወዲ ሃገረይ ሓሊፈ ካልእ ዝኾነ ኣብ ልዕሊኡ ጥርጠራ ኣይነበረንን። ይኹን እምበር፡ በዚ ኣብ 2006 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝተጻሕፈ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ኩሉ፡ ሎሚ ዕድመ ደፊአ ከስተውዕል ምስጀመርኩ ንኹሉ ባህሪያት መብራህቱ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ልዕሊ መብራህቱ ሙኽኑይ ጥርጠራ ኣለኒ።  ስለ’ዚ ከም መብራህቱን መሰልቱን እንተ ውዒለሞ ባዕላቶም ክናስሑ ክሕብሩ ንህዝቢ ክኽሕሱ እዋኑ ሎሚ ኢዩ ብምባል ይላበዎም ምኽንያቱ ደም ሰብ ስለ ዘይሰድድ።

ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን ኣብ መቦቆል ዓደይ ካብ 1974 ክሳብ 1978 ኣትሒዙ ዳርጋ ቀዋሚ ተጋደልቲ ዓሪደሙሉ ዝነበሩ ከባቢ ኣስመራ ብሙዃኑ፡ ሌላይ ምስ ተጋደልቲ ካብ ቁልዕነተይ ኢዩ ዝጅምር። እቶም ቀዳሞት ምስ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ባይቶ ህዝቦም ኣኪቦም ዝተላለዩ ሓርበኛታት፡ ባዓል ዓብዱልቃድር ሮሞዳን። ኪዳነ ዓንደመስቀል፡ ስዒድ ሳልሕ፡ እምባቆም፡ ወዲ ነጋሽ ወ.ዘ.ተ.ን ነበሩ፡፡ ተጋደልቲ ኣብ ገዛናን ኣብ ጎረባብትናን ይነብሩ ብምንባሮም፡፡ እኒ ከማይ ቆልዑ ስለዝነበርና፡ ተጋደልቲ ቆልዑ ይፈትውን የኽቡሩን ብምንባሮም፡ ካብታ ዘላቶም ሻሂ ይኹን መግቢ ምስኦም ንኽንካፈል ይዕድሙና ነበሩ። ናይ ቆልዓ ነገር፡ ሳዓት ሻህን ምሳሕን ኣጽኒዕናዮ ወላ ገዛና’ኳ ሙሉእ እንተኾነ ምስ ተጋደልቲ ክንበልዕ ጭንን ንብል ነበርና።   

ሕጂ ኮይኑ ይራኣየኒ፡ ብፍላይ ኪዳነ ዓንደመቀል ኣብ ሕቑኡ ሓዚሉ ከጻውተና፡ ነቲ ጹቡቕ ነዊሕ ጮግሪ ርእሱ ዓትዒትና ብማሓዝ ክንጻወት ክንሕጎስ ትዝ ይብለኒ። ኪዳነ ወዲ ካርነሽም ካብቲ ቀንዲ መለለይኡ፡ እቲ ጹቡቕ ግሩም መልክዑን ጹቡቕ ዕጥቁን ጥራይ ዘይኮነ። ዓድታት ኣኪቡ ኣኼባ ከካይድን ህዝቢ ከንቅሕን ዝነበሮ ኣፍልጦን ብልሕን በቲ ካልእ ድማ ንበይኑ ዓይነት ቆራጽነትን ትብዓትን እቲ ፍልይ ዝበለ መለለይ ኪዳነ ዓንደመስቀል ነበረ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ዘጋጠመ ኣብ ሞንጎ መራሕትን ተጋደልትን ዘይ ምቅዳው ምስተፈጠረ፡ ኣብ ብብረት ምትህርራም ውን ምስተበጽሐ፡ እቲ ዝበዝሐ ብፋሉል ዝፍለጥ ከበሳዊ ሓይሊ ናብ ህዝባዊ ግንባር ብምጽንባር፡ ካብ ተ.ሓ.ኤ. ክፍለ ዝገደዶ ምኽንያትን፡ ዝነበሮ ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባን ብግልጺ ኣብ ቅድሚ ተጋደልትን መሪሕነትን ህዝባዊ ግንባር ክገልጹን ክካቱዑን ምስጀመሩ፡ ባህሪያት ባዓል ኢሳይያስ ዘይፈትዎ ስለ ዝነበረ፡ ንመንካዕ ኣጥፊእና ተዓዊትና እንዳበልናስ ካልኣይ መንካዕ ብምባል፡ ባዓል ኢሳይያስ ደይ መደይ ኢሎም ነቲ ብዓይነትን በታሓሳስባን ዝተመረጸ ኤርትራዊ ሓይሊ፡ ኣብ ውግእ ባጽዕ መላስ ኣውያት ዘይቡሉ ከምዝሓቅቕ ተጌሩ።

ባዓል ኪዳነ ዓንደመስቀል ዝርከብዎም ግና ወላ’ኳ ኣብታ መጻወድያ ውግእ ባጽዕ ንምእታዎም ባዓል ኢሳይያስ ንዑ ናባና እንተበሉዎም፡ ባዓል ኪዳነ ግና ኣይተሃመሉን። ንመራሕቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ኪዳነ ኢሉዎም ከምዝባሃል፡ ካብ ነባራት ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ.ን  ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ካብ ቅድሚ ነጻነት ኣትሒዘ ከምዝሰማዕኩዎ፡ ናባኹም’ዶ ይምጻእ’ዩ በሎም፡ ኢሂ እንተበሉዎ ዕላማኹም ዕላማ ስልጣን ስለዝኾነ ዕላማ የብልኩምን። እንታይ ዳኣ ኢና ምስበልዎ፡ እኩባት ሰብ ብረት ኢሉዎም ይባሃል። እወ ካብ ናይ ባዓል ኪዳነ ሓቅነትን ጭውነትን ንበይኑ ዓይነት ትብዓትን ካብኡ ንታሕቲ ኣይትጽበን ኢኻ ብዘይ ምግናን።

ኣብቲ እዋን እቲ ባዓል ኪዳነ፡ በቲ ገደል በቲ ሓዊ ኮይኑዎም መቃለሲ ባይታ ምስ ሳኣኑ፡ ሕልናኦም ኣዕሪቦም ናብ ጸላኢ ኣይሰለሙን። እንታይ ዳኣ ጅግንነት ፈጺምካ ምሱዋእ ብምምራጽ፡ ምስ ብጾቱ ኣስመራ ብምእታው ኣብ አየር ፖርት ኣስመራ ነፋሪት ንምጭዋይ ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት፡ እቲ ስርሒት ዕውት ብዘይምንባሩ ብጅግንነት ተሰዊኡ።

ካልእ ብቑመት ብ ቅርጺ ኣካላት ብግርማ ብ ኣፍልጦ ብትብዓት ልክዕ ንኪዳነ ዝማሳሰል ሓርበኛ፡ ሓደ ካብ ከዋኽብቲ ካድረታት ተ.ሓ.ኤ. ዝነበረ ናይ ዩኒቨርሲቲ ሙሁር ኣብ ኣስመራ ዝዓበየ ሞቦቆል ዓዱ ጽልማ ሰራየ ካብ ጀበርቲ ነበረ፡ ካብ ካርነሽም ክሳብ ባዓል ሊባን ግራት ገብሩ ሓማሴን ዝንቀሳቐስ ዝነበረ፡ ብህዝብን ብተጋደልትን ዝላዓለ ተቐባልነት ዝነበሮ የሱፍ በያን ይባሃል።

ወዲ በያን ኣብ ባዓል ካርነሽምን ዓንሰባን፡ መቐርካን ሊባንን ኣብ ካልእን ህዝቢ ኣኪቡ ፖለቲካ ክምህር፡ ከንቅሕ ሕቶታት ህዝቢ ብህድኣት ክምልስ በቲ ዝህቦ መልስታት ህዝቢ ዕግበቱ ንምግላጽ ብጣቕዒት ኣኼባ ከናውጾ ኮሎ ትዝ ይብለኒ። ሓደ ማዓልቲ ኣብ ዴዳ ዝተባህለ ዓዲ ኣብ ሓማሴን፡ ብክፍሊ ባህሊ ተ.ሓ.ኤ. ዝተሰነየ ዓቢ ኣኼባ ነበረ’ሞ ወዲ በያን ኣብቲ ኣኼባ፡ ነቲ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ከምስል ብኣፉ ስምረት እንዳበለ ብተግባር ግና ኣብ ዝተፋላለየ ቦታታት ውግእ ሕድሕድ ብምብራዕ ብድብያታት ዘካይዶ ዝነበረ ንኽንደይ ሓርበኛታት ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ሽማንጉስን ኣብ ሰምሃርን ኣብ ልዕሊ ካድረታት ተ.ሓ.ኤ. ኣዘንጊዑ ዘውረዶ መጥቃዕቲን ነቲ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዘስካሕከሐን ነቶም ዝተሰውኡን ዝተወግኡን ብሓደ ኣኪቡ ላምባ ነስኒሱ ንሙሉእ ማዓልቲ ዘቃጸሎም ሓርበኛታት ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ብድራማ ቀሪቡ ብምንባሩ ምስኡ ኣሰንዩ ወዲ በያን ብቑጥዐ ብምረት ክገልጾ ኮሎ ዘይርሳዕ ትዝታ ኣለኒ። ካብቲ መዛሙር ገለ ንምጥቃስ፡ እዋይ በብሓደ ኣባልና ዋሓደ መሪሩና ሎምስ ደጊም ኣኸለ። እዋይ ትኽስ ዱሙ መዘንግዕ ኣንጭዋ ሎምስ ፈሊጥናዮ ተግባራ ሻዕቢያ። ንፈትዎም ቡጾትና ኮኾብ ናይ ሰውራና ወ.ዘ.ተ. ዝብል ይዝክር።

እቲ ዝሳዓበ ኣብ 1980 ሙዃኑ’ዩ ነቲ ባዓል ኢሳይያስ ካብ ነዊሕ ዝተዳለውሉን ዝሓለሙዎን ዝጠፍኣ ይጥፋእ ብዝኾነ ዋጋ ስልጣን ናይ ምብሓት ሕልሚ ኩውን ንምግባር ንወያነ ዓዲምካ ዝካየድ ዝነበረ ወሳኒ መጥቃዕቲ፡ ብፍላይ ድማ  ንነዊሕ ዝሰርሑሉ፡ ማለት ነቶም በላሕቲ ተባዓት ብህዝቢ ተቐባልነት ዝነበሮም ካድረታት ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ዘለውዎ ብቓጻን ብድብያን ብዘይ ንሕስያ ከምዝጸንቱ ብመትከል ተታሓሒዙዎ ነበረ። ገለ ንምግላጽ ባዓል መንግስታኣብን ቡጾቱን ካድረታት ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ከባቢ መቐርካ ንምቕታሎም ብህዝባዊ ግንባር ምስተኸበቡ ምስኣቶም ዝነበረ ሰነዳት ድሕሪ ምቅጻል ኢዶም ንኸይህቡ ብቦምባ ኢድ ነብሶም ብምፍንጃር ነብሰ ቅትለት ፈጺሞም።

ተማሳሳሊ እቲ መጥቃዕቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ቦታ ባዓል የሱፍ በያን ዝነበሩዎ ከባቢ ምስ በጽሐ ኣብ ሓማሴን ከባቢ ባዓል ሊባን ግራት ገብሩ። ወዲ በያን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ብጾቱ መን’ዩ ንመን ካብ ሃገሩ ከውጽኦ ብምባል፡ ከምዚ ኢሉዎም ነበረ፡ ኣሕ እዚ ኩሉ ሓርበኛ ዓርሞሽሽ ሰራዊት’ሲ ሳኣን ቡቑዕ መሪሕነት ኣዋሃሂዱ ዘዋግኦ ብብዓል ኢሳይያስ ከም ኣባጊዕ ክኹብኮብ። ንስኹም ኪዱ ኣነ ግን ኣብዚኣ’የ ክተርፍ ብምባል የቕብጾም፡ ከምታ ቃሉ ድማ ነቲ ተሃንዲዱ ዝስዕቦም ዝነበረ ሓደ ቦጦሎኒ ህዝባዊ ግንባር፡ የሱፍ ወዲ በያን ንበይኑ ኣብ ሓደ ጋህሲ ኣድብዩ ብምጽናሕ ዘይገመቱዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ሓደ መራሕ ቦጦሎኒ ዝርከቦም ኣርባዕተ ተጋደልቲ ኣሕዋቱ ቀቲሉ ክሳብ ቡሙሉኡ ጠያይቱ ዝውዳእ ተዋጊኡ ብጅግንነት ተሰዊኡ።

እዚ ልቢ ወለድ ኣይኮነን፡ ምስኡ ዝነበሩ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ኣለው፡ ኣብ ሜዳ ኣነ ባዕለይ ዘዛራረብኩዎም ኣብቲ ውግእ ወዲ በያን ክስዋእ ኮሎ ዝነበሩ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣለው፡ ድሕሪ መስዋእቱ ብኣካል ብካሜራ ዝሳኣልዎ ኣለው። ነቲ ትብዓቱን ቆራጽነቱን ድማ እቲ ንበይኑ’ዩ ዓይነቱ ብምባል ብኽብሪ ኢዮም ዘልዕልዎ። ኣብ ሊባን ስለ ዝተቐብረ ድማ ኣስላሙ ክርስቲያኑ ቡሙሉኡ እቲ ከባቢ ኢዩ ቀቢሩዎ። ወለደይ ውን ኣብቲ ቀብሪ ከምዝዋዓሉ ኣነ ህልው ምስክር’የ።

ዝኽበርኩም ኤርትራውያን እዚ ምጽሓፈይ፡ ቁስሊ ከም ምሕካኽ ክሕሰብ የብሉን። እንተ ዳኣ ሱውኣትና ንዘልኣለም ይዘከሩ ንብል ኰና፡ እዚኣቶም ውን ሓርበኛታት ሱውኣት ስለዝኾኑ ክዝከሩ መሰል ኣለዎም። ይሕመቕ ይጸብቕ ታሪኽ ታሪኽ’ዩ። ኣብዚ ክላበዎ ዝደሊ ንስድራ ቤት የሱፍ በያን፡ ኣብ ኣስመራ እንዳ ተማሃርኩ፡ ኣብ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ከባቢ ኣብ ከባቢ እድገት እንዳ ደናግል ጥቓ መስጊድ ብ ቪያ ጅዳ ዝጽዋዕ ጥቓ መቓብር ኣስላም ትሕቲ ሓዝሓዝ፡ ስድራ ቤት የሱፍ ወዲ በያን ብርግጽ ገዝኦም እኳ ተዘይ ፈለጥኩዎ፡ ሓው መሰታይ ኣብቲ ከባቢ ብፍላይ ኣብ እንዳ መብራህቱ ድስቲታት ዝሸይጥ ወይ ድማ እንዳ ኣቦይ ዓጣ ዱኳን ባሓንሳብ ንጻወትን ነዕልልን ስለ ዝነበርና ሽምካ ረሲዔዮ ግና ብሂወት እንተሊ’ኻ እሞ እዛ ጹሑፍ እንተ ኣንቢብካያ ብ ኢመይል ክትራኸበኒ ብትሕትና ይሓተካ። ግዜ ነዊሑ ሌላና ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ስለ ዝኾነ ኮምኡ ውን ንየሱፍ በያን ትፈልጡዎ እንተ ሃሊኹም፡ ኮምኡ ውን ስድራ ቤት ኪዳነ ዓንደመስቀልን ትፈልጥዎን ፈተውቱን።

ታሪኽ ጀጋኑና፡ ከምቲ ባዓል ጉጅለ ኢሳይያስ ክኸውን ዝደልይዎ፡ እቲ ሓርበኛ ብዝተቐንጸሎን ብዝተሰውኦን ይተርፍ፡ እቲ ሓድሽ ወለዶ ድማ ይርስዕ፡ ንሕና ድማ ከም ቀንዲ ፈጠርቲ ኤርትራ ኰንና ንህዝቢ ኣደናጊርና ብምቕራብ ሃገር ከም ዊን ዝበለና ንጻወተላ ዝብል ሕልሚ ነዳያት ኣይኮነን ክኸውን። ነቶም እንትርፎ ንህዝቦም ሓርነት ከጨብጡ ንስልጣን ይኹን ንውልቃዊ ረብሓ ሕልሚ ዘይነበሮም ሓርበኛታት፡ ዝተሰውኡን ዝተቐንጸሉን፡ ታሪኾም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኩሉ ክፈልጦም ኣብቲ ዝኾነ ተማጣጢሩ ዘየርክቦ ልዑል ቦታ ክንሰቕሎ ሓላፍነት ኣለና።

ታሪኽ ዓባቢጥካን ቆራሪጽካን ክቐርብ ሕግታት ታሪኽ ስለ ዘየፍቅድ። ሰላምን ፍትሕን ቅሳነትን ኣብ ኤርትራ ክሰፍን እንተኾይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሱ ዝተፈጸመ ገበናት ገበነኛን ግዳይን ተለሊዩ ሕጋዊ መዕለቢ ከይተገብረሉ። ደቆም ዝሳኣኑ፡ ሰብኡተን ዝሳኣና፡ ወለዶም ዝሳኣኑ፡ ብጓሂ ተረሚሶም ዝሓለፉን ዝተረፉ ኢሕ እንዳበሉን፡ ኣይትዘክሩ ንሓድነት ጠቓሚ ኣይኮነን ንመጻኢ ጥራይ ንሕሰብ ምባል፡ ኣብ ነቓዕ መሰረት ርሻን ይስራሕ’ዶ ወላ እንተፈተንካ እንተሃነጽካ ውን ሃዶሽዶሽ ኢሉ ብምፍራስ እንዳኣሉ ዝጸቕጠካ።

እቲ ኩሉ ግዜ ከብደይ ዝበልዓኒ፡ ኣብ 1986 ኣብ ከሰላ ኣብዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብ ከሰላ ወርሒ ኣይገበርኩን ኔረ። ኣብ ከሰላ ዝነበረ ወዲ ሓትነይ ደልየ ይርኽቦ እሞ፡ ምስኡን ምስ ካልኦት ደቂ ዓደይን ይነብር ነበርኩ። ሓደ ማዓልቲ ከይጠፍእ እንዳ ፈራህኩ፡ ካብ ናይ ወዲ ሓትነይ ገዛ ክዛወር ኢለ ይወጽእ እሞ፡ ከይተፈለጠኒ ነዊሕ ይጓዓዝ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ሃሩር ስለዝነበረ ማይ ጸማእኩ። እንዳመን ሙዃኑ ዘይፈልጦ ገዛ ማይ ንምስታይ ማዕጾ ካንሸሎ ኳሕኳሕኩ፡ ኣጋጣም ሓንቲ ቀያሕ ጾግራም ዓባይ ሰበይቲ ይኸፍታኒ፡ ርህራሄ ብዘለዎ ድማ ኢሂ ዝወደይ ይብላኒ፡ ኣነ ድማ ማይ ጸሚኤ ማይ ኢየ ደልየ ይብለን፡ ሰበይቲ ብርህራሄ ዋይ ወደይ ብምባል ናዓ በል እቶ ይብላኒ። መጀመርታ እንዳ ኤርትራውያን ምዃኑ ተሓጎስኩ፡ ኮምኡ ድማ እዋይ ክንደይ ይልዋሃ ዳኣ’የን ብምባል ብውሽጠይ ተኸቲለየን ንውሽጢ አተኹ።

ኣብ ሓደ ክፍሊ ናይቲ ገዝኣን ይኣቱ’ሞ፡ ከይደንጎያ ማይን ጽሟቕ ለሚንን ክልተ ብርጭቆ ሒዘናለይ ደበኽ ይብላ። ኣብቲ ዝነበርኩዎ ክፍሊ ቡዙሕ ዘየስተባሃልኩሉ ኣብቲ መንደቕ ኣዝዩ ዓቢ ስእሊ ተሰቒሉ ነበረ። ማየይ ድሕሪ ምስታይ፡ ሽመይ ኣይሓተታ ሃይማኖተይ ኣይሓተታ፡ ብኢደን ናብቲ ስእሊ ብምምልካት፡ ትሪኦ ዘለኻ ሓውኻ ይብላኒ፡ ኣነ ድማ መን ዲዩ ይብለን ትቕብል ኣቢለን ስዒድ’ዩ ስዒድ ሓውኻ ስዒድ ሳልሕ ምስበላኒ ኣእሙሮይ ፍዝዝ ይብል። ቀጺለን ኣነ ኣዲኡ’የ ኣዴኻ ኣበባ ይባሃል ብምባል እንዳ ኣስተንተና ሓውኻ ጸላእቲ ረኺቡ ጥንጥን ኣቢሉና ከይዱ ምስበላኒ፡ ኣነ ድማ ማዓንጣ ከብደይ ሕርር በልኩ።

ዓይነይ ንብዓት ቆጺሩ እኳ እንተነበረ፡ በኽየ ከየብክየን ስለ ዝፈራህኩ ንብዓተይ ክሓብእ ተቓለስኩ። ይኹን እምበር ከምዝበኸኹስ ሪኤናኒ ኢየን ንሰን ውን ነብዓ። ድሕሪ ቁሩብ ሓንቲ ማኣዲ ሒዛ ትመጽእ እሞ እዚኣ ድማ ሰበይቱ ኢያ ይብላኒ ንሓዘነይ ድማ መሊሱ ኣግደዶ። ድሕሪኡ ማኣዲ ይቕረብ ናይ ቃልዓለም ሰለስተ ጊዜ እኳ ኢደይ ወስ እንተ ኣበልኩ፡ ብጓሂ ነቲ ብኢድ ዋሓላሉ ዝተሰርሐ ዝተፋላለየ ጡዑም መግቢ ኣእሙሮይ ፉጹም ነጸጎ፡ ሻሂ ግን ሓንቲ ኩባያ ሰተኹ።

ቀጺልና ኩነታት ኣማውቱኡ ይሓተን። ይብላኒ እቲ ዝተቐትለሉ ምሸት ንሰን ዝፈልጦኦ ስዒድ ውን ዝፈልጦ ካብ ገዛ ሒዙዎ ከምዝወጸ፡ ቆጸራ ኣለና ይብል ከምዝነበረ፡ ነቲ ቆጸራ ዝገበረሉ ክረክብ ኢሉ ከምዝወጸ። ገዛ ከይተመለሰ ምስሓደረን ንጽባሒቱ ኣብ ሆስቢታል ኣሎ ተባሂለን ሰባት ናብኡ ሒዞመን ከምዝኸዱ፡ ከይሞተ ከምዝጸንሐን፡ ንነዊሕ ሳዓታት ብሂወቱ ከምዝነበረን። ኣብ ኣካላቱ ውን ብዘይካ ኣብ ኣፍንጭኡ ቁሩብ ደም ዝኾነ ብዓይኒ ዝረአ ማህረምቲ ከምዘይነበሮ። ኣብ ኣጋ ሞቱ ግን ሱዳናዊ ዶክተር ገማጢሉ ምስ መርመሮ ብከቢድ ብድሕሪት ኣብ ሞንጎ ርእሱን ክሳዱን ከምዝተሃረመን ደም ናብ ሓንጎሉን ናብ ነብሱን ናብ ውሽጢ ከምዝዛዓገን ነጊሩና ካብኡ ሓውካ ኣይጸንሐን ኣብ ኢደይ ዓሪፉ ብምባል ማዓንጣኻ ዝኹምትር ታሪኽ ነጊረናኒ። ብድሕሪኡ ብወገነይ ሽመይ ሳልሕ ከምዝባሃል ኣብ ኤርትራ ዓደይ ኣብ ከሰላ ወርሒ ከምዘይመላእኩ ገሊጸለን፡ ተመሊሰ ክበጽሐን ሙዃነይ ገሊጸለን ተፋላሊና። ድሕሪ ክልተ ወርሒ ይኸውን ምስ ሓደ ዓርከይ ክንበጽሐን ኬድና ግና ኣብ ገዛ ሰብ ኣይነበረን ካልኣይ ግዝየ ውን ፈቲና ጎረቤተን ሎሚ ሳልሳይ ማዓልተን እንዳ ኣዝማደን ከይደን ኣለዋ ኢላትና ዳግማይ ከይተራኸብና ንካርቱም ቀጺለ ካብ ሱዳን ወጺኤ።

ኣደ ሓርበኛ ስዒድ ሳልሕ ሎሚ ኣበይ ከምዘለዋን ኣለዋ ዲየን ሞይተን ዝፈልጦ ወላ ሓንቲ የብለይን። በቲ ዝገበራለይ ለውሃት ዝመልኦ ጹቡቕ ተግባርን፡ ኣደ ሓደ ሙሩጽ ሓርበኛ ስዒድ ሳልሕ ብሙዃነንን ኣብ ሂወተይ ኩሉ ግዜ ብኽብሪ ምስ ዘከርኩወን ኢየ’ሞ ሃለዋተን ዝፈልጥ እንተ’ሎ ክትሕብሩኒ ብኽብሪ ይላቦ።

ኩቡራት ሃገራውያን ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ፡ ጀጋኑና ምስ ዘሐብን ታሪኾም ሓሊፎም ኢዮም። ነቲ ዘሐብን ታሪኾም ብቐጻልነት ብዘይ ሙቑርማም ታሓዲሱን ተኾሊዑን ሓድሽ ወለዶ ክፈልጦን ክማሃረሉን ክዕቅቦን፡ ንሰብ ገበን ድማ ንታሓሳሰቦምን፡ ኣብ ሕጊ ብምቕራብ ናይ ገበናቶም መቕጻዕቲ ከምዝኸፍሉ ምግባር፡ ናይቶም ዘለና ሓላፍነትን ግዴታን ኢዩ።

ክሳብ ኣብ ዝመጽእ ጹሑፈይ ንራኸብ ሰላም ንኹልና

ሳልሕ  ዓብደላ

ካብ ለምለም  ካናዳ

ናይ መን ታሪኽ ተተሪኹ ናይ መን ታሪኽ’ከ ክጓሓፍ  ክርሳዕ!!!

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
   


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...