ኣብ መንጎ ልኡላውነት ሃገርን ልኡላውነት መንግስትን ከምኡ’ውን ልኡላውነት ገድልን-ምግዳልን ዝጸንሐ ሕልኽልኽ፣ ናይ ዙቑር ሓኒሽን ናይ ባድመን ጣጣ ግዲ ሃስይዎ ኮይኑስ፣  መመስቀሉ ክብሕት ዝቐርብ ዘሎ መሲሉ ስለዝተራእየኒ’የ እዚ ዝስዕብ ርኢቶይ ክሕውስ ዝደፍር ዘለኹ።

ዝናን ባህታን ትርጉም ስኢኖም ናጽነትን ሱቕታን ድማ ስኒት ስኢኖም ማለተይ ኢየ።

እወ፣ ዓወት! ይከኣሎ! ጅግንነት! ተመኩሮ ናይ 30 ዓመት ቃልሲ … ዝብሉ ቃላት ከም መዳምቕቲ ናይ ዝናን ባህታን ተቖጺሮም፣ ምስ መስርሕ ገድልን-ምግዳልን ተኣሳሲሮም ንህዝቢ ካብ ዝቐርቡ እነሆ ብዘይቃልዓለም ዕስራ ዓመታት ከም ዕስራ ደቓይቕ ሱቱኽ ኢለን ጠፊአን። በጃና ይግበረን።

ዝስቆሮም ደኣ ኣይመስሉን’ዮም’ምበር፣ ዝናን ባህታን ብዘይመለክዒ መቐረቶም ክሳብ ዝውድኡ ክዝመሩን ክምጎሱን’ዮም ጸኒሖም። ብዛዕባ ዓቐኖምን ረብሐኦምን ብፍላይ ኣብ ዕለታዊ ሂወትን መጻኢ ዕድልን ግን ሕጂ’ዩ ክዝረብ ዝጅመር ዘሎ። እወ! ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብምኽንያት ጽምብል መበል 20 ዓመታት ናይ ነጻነት፣ በቲ ሓደ ወገን ጓይላ በቲ ካልእ ወገን ድማ ናይ ደለይቲ ለውጢ ሰላማዊ ሰልፍታት ከምዝተገብረ ኣብ ብዙሕ ቦታት ናይ ዓለም ተራእዩ’ዩ። ኣምለኽቲ ዝናን ባህታን ከም ኣመሎም ፍንጥርያዕ እንክብሉ፣ ናጽነትን ሱቕታን ድማ ኣይበዝሐን’ዶ???? ክብሉ’ዮም ተራእዮም። ዘይረአናዮ ይፍጠረልና።

ሓሳብ ልብና የስምረልና!!! ይብሉ መረቕቲ። ብኻልእ ኣዘራርባ ድማ ንኣናን ንህዝብናን ንመንግስትናን ዝኸውን ጥዑም ዜና’ዶ ኣለካ ይብል ሓደ ዓርከይ። ኣነ ድማ እዛ ሓሳብ ልብና የስምረልና ትብል ዘረባ ክደግም እደሊ’ሞ፣ ርሑቕ ከይከድኩ እዛ ዘረባ ናይ’ዚ ዓርከይ ትዝ ትብለኒ። እስከፍ ድማ። ምኽንያቱ’ሲ፣

ሀ) ናይ ገለ ልቢ “ዕስራ ዓመት ንዓያሹ ሓበን ንለባት ሓዘን” ዝብል ጭርሖ ሒዛ ኣብ ቅርዓት ወጺኣ እዝግዮ ኣንታ ፈጣሪ ኩሉ-ዓለም መዓት ኣቑረርልና ካብ’ዚ ምስ ዓለምን  ምስ እዝግሄርን ኣባኢሱና ዘሎ ስርዓት ገላግለና ክትብል እንክትርአ፣ ብናይ ፖለትካ ኤኮኖምን ማሕበርዊ ናብራን ሚዛን ድማ እዘን ዘዛርባ ዘለዋ ዕስራ ዓመታት ናይ ነጻነት፣ ንዓያሹ ሓበን ንለባማት ግን ሓዘን ብዝብል ቅጽል ተገሊጸን። ንሱ’ኳ ክውሕደን!! 
ለ) ናይ ገለ ልቢ ድማ ዲጋ ተሰሪሑ፣ ጽርግያ ተዘርጊሑ፣ ናይ ወርቂ ቀውዒ ኣብ ዓውዲ መሊኡ’ሎ። ኣየ ዓዲ! ኣየ ምዕባለ! ኣየ ስልጣኔ! ኣየ መንግስቲ! ክትብልን ኣብ ጓይላን ዳንኬራን ክትሓድርን ተራእያ። ሃገር ማለት ህዝቢ ዘይኮነ ጎቦን ጎልጎልን’ኮ’ዩ ነዚኦም።

በዚ ፍልልይ’ዚ መሰረት እምበኣርከስ ወዮ “ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ” ዝብል ስልጣን ዘጣጥሕ ልሙስ ኣዘራርባ ናይ ርብዒ-ዘመን፣ ትርጉም ከምዘይብሉ ይፍለጥን ይሃስስን ኣሎ ክብል እደፍር። ከምኡ ድማ እቶም ጉዕዞ ሰላምን ምዕባለን ኣምኪኖም ዝጸንሑ ፖለቲካ ናይ ዝናን-ባህታን  ዕለቶም ኣሕሊፎም፣ መስርሕ ዓቐንን ተሓታትነትን ኣብ ጎደና ናይ ተስፋ ይቕልቀሉ’ለዉ። ይመልኣዮ። 

ፖለቲካ ናይ ገድልን-ምግዳልን እምበኣርከስ ንተግባራቱ፣ እንተጸበቐ ምእንቲ ክኹስኮስ፣ እንተሓመቐ ድማ ብኣግኡ ምእንቲ ክእረም ብሓላፍነት ዝሕተተሉ ኣካልን ትካልን ኣብ እዋን ቃልሲ ኣየጥረየን። ዓዲ ምስኣተወ ድማ ክሳብ ሕጂ ማለት ድሕሪ ዕስራ ዓመት’ውን ብተግባሩ ዝሕተተሉ ኣካልን ትካልን ንኸጥሪ ጽቡቕ ፍቓዱ ኮይኑ ኣይተረኽበን። እንሀ ለኪሙዎ።


ስለ’ዚ እቶም ወግሐ-ጸብሐ ካብ ኢትዮጵያ ወራር ይመጽእ ኣሎ፣ ዶብ ኣይተሓንጸጸን፣ ሰላሳ ዓመት ዝተጋደልናሉ ዝና ከይጠፍኣና፣ ብረትኩም ካብ ክሳድኩም ከይተውርድዋ ….. ዝብሉ ናይ’ቲ መስርሕ መቐጸልታ ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ምኹኳስ ምዕባለን ሰላምን ረብሓ ከምዘይብሎም ብተግባራም ተመዚኖም ተራእዮም’ዮም። ኣማራጺ ሃሰስ ምባል ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዝድነቕ ኢዩ። ኢትዮጵያ ድማ ናይ ስግኣትን ኲናትን ምንጪ ጥራይ ከምዘይኮነት  ከም ሓዲሽ ኣንፈት ኣብ መድረኽ ተቐልቂሉ ይምዕብል ኣሎ። 


ንወራሲ ይጭነቆ ተባሂሉ እንተዘይተሓሊፉ ድማ፣ ሎሚ ኣብ ስደት ዝርከብ ኤርታራዊ’ዩ ንቡርን-ናብራን ዝረክብን ዝርእን ዘሎ’ምበር፣ ኣብ ዓዲ ማለት ኣብ ናጻ ኤርትራ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ንምግላጹን ንምእማኑን ብዘጸግም ሕሰም’ዩ ዝሕሰ ዝሎ። ምናልባት እቲ ደቁ ናብ ስደት ዘሕለፈ ሰብ ግን ትሓድ-ትብዛሕ መሻሕሻሕ ቆሎን ቡንን ምሽሕሻሕ ኣይጨነቐቶን ክበሃል ይከኣል ይኸውን። ከምኡ እንተኾይኑ እቲ ህሉው ኩነታት እምበኣርከስ፣ ክሳብ ሕጂ’ውን ከምዝተራእየ፣ ካብ ናብራ ምስ ናጽነት፣ ናይ ስደት ደሞክራሲ ከምዝሓይሽ ተመስኪሩሉ’ሎ ማለት’ዩ። ናይ ጽባሕ ከኣ ጽባሕ ንርእዮ። እንተ እቶም ሰብ እዋንን ተረከብቲ መጻኢ ዕድልን ግን ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ስርዓት ንኽሃድሙ ዑምቆት ባሕርን ም’ረት ጸሓይ ናይ ምድረበዳን’ሲ ይትረፍ፣ ናይ ውቅያኖሳትን ናየ’ጻምእን መልኣከሞት’ውን ኣየፍረሆምን። ይጠፍኡን ይስደዱን ኣለዉ። መስተርሆት ይፍጠረሎም።

እቲ ዝገርም ግን ገለ-ሰባት ኣብ ወጻኢ፣ ብፍላይ ብመንጽር ሃለዋት ናብራ ኣብ ኤርትራ እንተመዚንካ ንመንግስተ-ሰማያት ከርክቡ እንታይ ተሪፉዎም ኣብ ዝበሃሉ ሃገራት እናተቐመጡ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዶም ናይ ምንባር መሰል ናይ ደቂ-ዓዶም፣ ብናይ ገዛእርእሶም መዓቀኒ ዓቂኖም፣ መዓልቱ ዘሕለፈ መዝሙር ናይ ዝናን ባህታን እና’ዘመሩ ዓዲ ጽቡቕ ኣሎ ክብሉ ምድፋሮም’ዩ። እወ ንባዕልኻን ንደቅኻን ናይ ስደት ሕማባሻን ደሞክራስን፣ ንደቂ ዓድኻ ምስ ደቆም ግን ብረታዊ ቃልሲ። እምብርምብር!  ካብ ብረታዊ ቃልሲ ዘይተናግፍ፣ ኣርባዕተ ነጥቢ ዘይብላ ብረታዊ ቃልሲ ንኻልኦት ምምናይ ሰብኣውነት ኣይኮነትን። ይኽደነና ደኣ’ምበር እዚ ዝንባሌ’ዚ ንሓዋሩ ናበይ ገጹ ከምዝወስደና ንግዜ ዝግደፍ ፈተና ኢዩ።

 ማዕረ-ማዕርኡ ድማ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ሰባት ገለ-ገሊኦም እንኪምድሩ፣ “.. ባሕርን ምድረ-በዳን ሰጊሮም ናብ ናይ ስደት ራህዋ ምስ በጽሑ … እቶም ለውጢ ከምጽኡ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሎም ዝግመቱ ሰባት (መንእሰያትና)፣ ካልእስ ይትረፍ ኣኼባ ጸዊዕካዮም’ውን … ኣይመጽኡን’ዮም ...” ክብሉ ይስምዑ። ሽሕ’ኳ ሕጂ ምስ ብዝሒ ስደተኛታት ኣዝዩ ይመሓየሽ እንተ’ሎ፣ ከም ዛዕባ ምጥቃሱ ሕማቕ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ኣበሃህላ’ዚ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝጽንሐ ዝንባሌ እምበኣርከስ፣

 ሀ) እዞም ሰባት እንታይ ገዲፎም’ዮም መጺኦም?
 ለ) ሕጂኸ ኣብ ናይ ስደት ሂወቶም፣ ቅደም-ተኸተል ናይ’ቲ ክገብርዎ ዝደልዩ  እንታይ ኢዩ?
 ሐ) ምስ ሓዲሽ ዓድን ሓዲሽ ባህልን ዘላልዮም ደገፍከ ይረኽቡዶ’ለዉ ዘይኮነ፣
 መብዛሕትኡ እቲ ዝግበር ኣኼባታት ንልኡላውነት ገድል ምግዳልን ኣድሚቑን ኣቐዲሙን፣
“ጭቆና፣ መግዛእቲ፣ ዓወት መስዋእቲ፣ ተመኩሮ ናይ ሰላሳ ዓመት ገድሊ፣ ……….ብዝብሉን ዝመስሉን ቃላት” ዝተዓብለለ ኮይኑ ገለሳብ ድማ ሃደምቲ ወይ ድማ ከሓድቲ ዝብሉ ቃላት’ውን ከይተረፈ ይሕወስዎ። ኣብ’ዚ ድማ’ዩ እቲ ዓቢ ፍልልይ ዘሎ። 

እቲ ወሳኒ ረቛሒ እዞም ብኣእላፍ ዝስደዱ ዘለዉ ሰባት ካብ ከም’ዚ ዝበለ ናይ ገድልን-ምግዳልን ዓለም ኣምሊጦም ናብ’ቲ ብወረ ዝሰምዕዎ  ናይ ስደት ደሞክራሲ ንኽበጽሑ እናረኣዩን እናሰምዑን ናብ ባሕርን ምድረ በዳን ዘእቱ ቆራጽነት የርእዩ’ለዉ። እሞ ከም’ዚ ዓይነት ንመልኣከሞት’ኳ ዘይፈርሕ ቆራጽ ውሳኔ ወሲዱ ካብ መጻወድያ ናይ’ቲ ናጽነት ኣምጺአልካ’የ ሱቕ በል ዝብሎ መንግስቲ ኣምሊጡ ኣብ ዑቕባ ደሞክራሲ ናይ ስደት  ንዝዓለበ ኣእምሮ ናብ ኣኼባ ምጽዋዕ ኣብ ልቡ ዘሎ ምግማት ከድሊ’ኮ ኢዩ። እንተዘይኮነ ግን ምስመረረ ኣብ ልቦም ዘሎ ባዕሎም ክብልዎ’ዮም። ምኽንያቱ ኣብ’ዚ ሓዲሽ ዓለሞም ናጽነትን ሱቕታን መናብርቲ ኣይኮኑን። የውግሓሎም ጥራይ። 

ከም ርኢቶይ ሕጂ ዘድሊ ዘሎ ፈንጅን ናይ ዶባት ሓጹርን፣ ብዝሒ ናይ መፈተሺ ነቑጣታትን ዘይኮነ፣ ብኣንጻሩ ገፊሕ ጽርግያ፣ እታ ዝቐልጠፈት ባቡር፣ ቪዛን ኬላን ዘይሓጽሮም ዶባትን’ዮም ዘድልዩ። ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ምስ እዋን ንምውሳእን ኣብ መኣዲ ውድድርን ምምንጣልን  እጃምካ ንምልዓልን እምበኣርከስ፣ እዞም ሜላታት ናይ ገድልን ምግዳልን ከምዘየዋጽኡ ብተግባሮም ተራእዮም’ዮም። ካብኦም ዘናግፍ ጥራይ’ዩ ጠፊኡና ዘሎ።

ኣብ’ቲ መኣዲ ናይ ውድድር ድማ፣ ንሃርጋፍ ንኾላሲ ተትሕቴኹም ብልዑ ኢሉ ዝግስጽ መዓዲ፣ ወይ ድማ እዚኣስ ናይ እከለ ብጽሒት’ያ’ሞ ከይተልዕልዋ ኢሉ ዝንሕፍ ተመስገን ዝብል በላዒ ክሳብ ሎሚ ኣብ መድረኽ ውድድር ናይ ኤኮንምን ፖለቲካን ናይ’ዛ ዓለም ኣይተረአን። ምናልባት ናይ ጂቡቲ መራሒ ክቡር ፕረሲደንት ሓሰን ጉለድ ግን ፍሉይ ኣብነት ኪኾኑ ይኽእሉ (ኣብ 2ይ ክፋል ተመልከት።) እዛ ዓለም ዕዳጋ ድማ ብዝናን ባህታን ዘይኮነ ብመንፍዓትን ብምትዕጽጻፍን’ያ አእጃምካ ትህበካ።

ዛጊት ከምዝተራእየ ግን ትርጉም ነጻነት “ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ካብ ምፍላይ ንላዕሊ” ኮይኑ ኣብ ተግባር ክቐርብ ኣይከኣለን። እቲ ንወራሲ ይጭነቆ ብዝብል ሸለልትነት ተታሒዙ ዝጸንሐ መጻኢ ዕድል ድማ፣ ድሕሪ ዕስራ ዓመታት’ስ ኣብ ኢድ’ቶም ሕሰም ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይፈልጡ መናእሰይ ክወድቕ ዝተረፎ የብሉን። ውጽኢቱ ንምርኣይ ምቕናይ ጥራይ።

ዝብላዕ ተዛረብ ይብሉ መሰልቲ፣ ነጻነት ማለት እምበኣር ካብ ኢትዮጵያ ምፍላይ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዶብካ ፈሊኻ ማዕጾኻ ሸጊጥካ፣ ርኣዩለይ-ስምዑለይ ዝዓብለሎ ናይ ዝናን-ባህታን ጓይላ ምድካር ማለት ከምዘይኮነ፣ ነጻነት ዶብ ምሕንጻጽ ማለት ከምዘይኮነ፣ ነጻነት ንሕጻን ሽማግለ ንሰብኣይ ሰበይቲ ብረት ምዕጣቕ ማለት ከምዘይኮነ፣ ነጻነት ዲጋን ጽርግያን ሙኽዓት ማለት ከምዘይኮነ….. ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናነጸረ ይምጽኣ’ሎ፣ ግዜ ድማ ይሓልፋ’ሎ።

ነጻነት ሰላም ቅሳነትን ራህዋን፣ ነጻነት ኣብ ቀረባን ርሑቕን ምስ ዘሎ ዕዳጋ ምውሳእ ማለት ከምዝኾነ ብታሪኽን ብተሞኩሮን ይምስከራ’ሎ።

ነዚ ክብሎ ዝደሊ ዘለኹ ምእንቲ ከተብርሃለይ እስኪ ሓንቲ ኣብነት ከዘንትወልኩም። ኣብ 2000??(ይቕረታ ዕለቱ ብትኽክል ዘይምዝካረይ) ኣበ’ስመራ ኣብ ሓደ ንኣባላት ቤትምኽሪ ነጋዶ ኤርትራ ዝተወሃሃደ ኣኼባ ተሳቲፈ ኔረ። እቲ ኣኼባ ንግድን ወፍሪ ርእሰ-ማልን ኣብ ኤርትራ ንምትብባዕ ካብ  Arab Research Center ማለት ካብ ሎንዶን ዓዲ እንግሊዝ ዝመጽአ አኮኖሚስት (ወዲ ኩወት) ዶክቶር ዓሊ ዓልሸሚ? ዝህቦ ኣስተምህሮ ንምስማዕ’ዩ ተጸዊዑ ኔሩ። ኲናት ህድእ ምስበለ ድማ’ዩ ተዋዲዱ። ስለ’ዚ ድሕሪ ኲናት’ሲ ናብ ሰላምን ህንጸት ሃገርን ዝኣመተ ሓዲሽ ኣንፈት ብተስፋ ዝጽበ ህዝቢ’ዩ ተኣኪቡ ዝነበረ።

እወ ዶክቶር ዓሊ ዝሃቦ ኣስተምህሮ ብቛንቋ እንግሊዝ’ዩ ኔሩ። ከም ኣዘራርብኡ ድማ ንቛንቋ እንግሊዝ ዝተወልደሉ እንግሊዛዊ ወይ ድማ ኣመሪካዊ ደኣ’ምበር ወዲ ካልእ ቋንቋ ይመስል ኣይነበረን። ቀሚሽ ዓረብ ተኸዲኑ ምስ ረኣኻዮ ግን ከም’ዚ’ውን ኣሎድ’ዩ ኢልካ ኣድኒቕካ ንሱ ዝብሎ ንዝነበረ ክትስምዕ ምፍታን ጥራይ ኢዩ። ዝኾነ ኾይኑ ንዶክቶር ዓሊ ከማኻ ዝበሉ ይብዝሑ እናበልኩ ከምህዝበይ ክመሃር እንከለኹ ካብ ዝሰማዕኩዎ ዘረባ ናይ ዶክቶር ዓሊ ንምዝካር፣

ሀ) ብዛዕባ ክትገብርዎ ትሓስቡ ንግድን ስራሕን መጽናዕትኹም  ኣቕርቡለይ ጥራይ’ምበር ብዛዕባ ገንዘብ ናባይ ግደፍዎ! ጸገም የለን። (Money is a piece of cake.) ዝዓልበሉ ጥጡሕ ባይታ ጨኒቑዎ ጠልጠል ኢሉ ዝጽበ ገንዘብ መሊኡ’ሎ። ሃየ ኣጆኹም ኣይትሰከፉ ጥራይ! ሓሳብኩም ኣካፍሉኒ። ምናልባት ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ እቲ መጽናዕቲ ኣጻፊፍኩም ንኽተዋድድዎ ባዕለይ ክሕግዘኩም’የ። ኣብ’ዛ ዓድኹም’ሲ ገና ዘይተተንከፈ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣሎ።

ለ) ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ዕዳጋ ድማ ክትጥቀሙሉ ክትክእሉ ኣለኩም።
ሐ) ሰብኩም ኣምህሩ። ካልእስ ይትረፍ ዝሰልጠነ/ምሁር ዜጋኹም ከም በዓል ህንዲ ናብ ጎረባብትኹም ብምልኣኽ ናይ ስራሕ ዕድል ክትፈጥሩ ትኽእሉ ኢኹም….. በለ።

ዶክቶር ዓሊ ሊቅ’ዩ። ዓለሙን ዓለምናን ደኣ ነንበይነን ኮይነን’ምበር። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ’ቲ ወሓዚ ምዕድኡ’ሲ፣ ኣማዞን ዝበሃል ብኢንተርነት መጻሕፍትን ካልእ ንብረትን ዝሸይጥ ኣዝዩ ቅልጡፍን ሃብታምን ትካል ከም ኣብነት ጠቒሱ ሎሚ መዓልቲ ክንድ’ዚ ሚልዮን ሸይጡ፣ ኣብ’ዛ ወርሒ’ዚኣ ድማ ክንድ’ዚ ሚእቲ ሚልዮን ከሲቡ በለ። እሞ ኸኣ ብዶላር’ዩ ዝዛረብ ዝነበረ፣ ብናቕፋ ኣይኮነን። ኣነ ድማ ገሪሙኒ እዚ ዶክተር ዓሊስ ናይ ልቡ ድዩ! መጽሓፍ ሸጥካዶ ክንድ’ዚ ዝጥቀስ ዘሎ ገንዘብ ይንገድ’ዩ ወደይ ክብል ነቲ ዝብሎ ዝነበረ ምርዳእ ስኢነዮ ተጠራጠርኩ። ከመይ’ሲ ኣማዞን ዝበሃል  ወሓዚ ማይን ጽዑቕ ኣግራብን’ምበር ኣማዞን ዝበሃል ወሓዚ ንግዲ ከምዘሎ ኣይፈልጥን’የ ኔረ። ንሳ’ኳ ካብ ናይ ጆግራፍ መጽሓፍ ተረኺባ። ዝኾነ ኾይኑ ሎሚ ነታ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ካብ ቃል ዶክተር ዓሊ ዝሰማዕኩዋ ናይ ኢንተርነትን ናይ ኣማዞንን ዓለም፣ ኣብ ቅድመይ እንክርኢ “ንኹሉ እንቋዕ ኣርከብኩሉ!! ……” ትብል ደርፊ ደጋጊማ ናብ ቅድሚ ዓይነይ ውጥም-ቅልቅል ትብለኒ’ል። ንኹሉኹም ኣብ ጉዕዞ ናይ ስደት ትርከቡ ደቂ ዓደይ ድማ ኣብ ፋሲካ የብጽሕኩም እብለኩም።

ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ዕዳጋ ክትጥቀሙሉ ክትክእሉ’ለኩም ዝብል ዘረብኡ ንምዝካር’የ ድማ ንዶክቶር ዓሊ ኣልዒለዮ። ምናልባት እዚ ደኣ ንመን ጠፊእዎ ወደይ። ክንደይከ ትዛረብ ኢኻ! ሱቕ ኢልካ ሃተፍተፍ ትብል። ኢሳያስን ህግደፍን እንከለው’ኸ እንታይ ይገበር ኢኻ ትብል ዘለኻ ዝብል ሚዛን ክቐርብ ይኽእል ይኸውን። ሓቂ ድማ ኢዩ። እንተኾነ ግን ተራ ኢሳያስን ህግደፍን’ሞ ሓንሳብ ይጽነሓልና፣ እስኪ ናይ’ዚ ዘዛርበኒ ዘሎ ትዕዝብተይ ሓደ-ክልተ ኣብነታት ክጠቅስ፣
  ሀ)        Against All Odss:
             African Languages and Literatures into the 21st Century 
             Asmara, Eritrea 01/11/2000

ኣብ ኣስመራ ብዛዕባ “ቋንቋ ኣደ” ዝመክር ጉባኤ ናይ ምሁራት ኣብ ኢንተር ኮንቲነንታል ሆቴል ተኻይዱ ኔሩ። እቲ ኣኼባ ካብ ወጻኢ ብዝመጽኡ ብዙሓት ምሁራት ዝማዕረገ፣ ኣብ እዋን ርሱን ኲናት ብዛዕባ ተራ ናይ ቋንቋ ……. ዝዝተየ ሰሚናር’ዩ ኔሩ።  መልእኽቱ ድማ

The Asmara Declaration on African Languages and Literatures

ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዓሰርተ ነጥቢ ጠሚሩ ኣመሓላሊፍዎ። ከም ርኢቶይ ኣብ’ቲ ሰዓት’ቲ ከምኡ ዓይነት ኣኼባ ኣ’በስመራ ዝተኻየደሉ ምኽንያት፣ ኢሳያስን ኣማኸርቱን ኣባትር ኣቐሚጥና ናይ ቋንቋ (ዲፕሎማሲ) ረብሓ እንታይ ምዃኑ ከምንፈልጥ ርኣዩልና፣ ዝኣንፈቱ ናይ ዝናን ባህታን ጻዕሪ’ዩ ኔሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ድማ ነቲ ኣይትሓዙኒ ኣይትሸምግሉኒ …. ብምባል ንሰላም ዝሕሰም ዝነበረ ናይ ሽዑ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሎሚ ህግደፍ ጉልባብ ንምሃብ ዝዓለመ ናይ ፕሮፓጋንዳ ሜላ’ዩ ኔሩ። ካብኡ ሓሊፉ ግን መሬት ብዓረር እንተቓጸለት ንቛንቋ ዝምልከት ዋዕላ ንገብር ኣለና ምባል ትርጉሙ ኣይርደኣካን።

ብወገንይ ብዙሓትን ምሁራትን፣ እሞ ድማ ናይ ዝተፈላለያ መንግስታት ናይ ቋንቋ-ፖለቲካን ንግድን ዲፕሎማስን ተረባሕቲ፣ ማለት ብዛዕባ ውረድ ደይብ ናይ ዕዳጋን፣ ሜላ ናይ ዘተን-ዲፕሎማስን ብዑምቆት ዝፈልጡ ሰባት፣ ንሳልስቲ ንራብዕቲ ኣብ ዓዲ ኲናት ተቐልቂሎም፣    ኦ! ኪዳነ-ምህረት ሰምበል ካብ ደብዳብ ናይ ነፈርትን መዳፍዕን ኣጽሊልኪ ብሰላም ናብ ቦታና ምለስና፣ ክብሉ ድዮም ወይስ ካልእ ዝበሃል ኣለዎም፣ ዝብል ሕቶ በርቲዑኒ፣ ሽዑ እዛ ትስዕብ ግጥሚ ኣብ ጋዜጣ ቀስተ ደመና ኣውጺኤ ኔረ።

   
  እዋን!
ክልተ ሽሕ ዓመት!
ኣቤት ክነውሕ
ናይ መን ዕድመ’ዩ
ክንደይ  ይበዝሕ፣
ገንዘብ ኮይኑስ ኣብ ጁባኻ እንተዚበጽሕ
እዋን’ዩ ግን ንኹሉ ዘርብሕ።
ማቱሳላ’ኳ ክንዳኡ ዘይጸንሐ
ካልእ’ውን የለን ከምኡ ዝረብሐ።
ምናልባት!
ከም’ዚ ሕጂ ዝተዓደላ
ኣጋጣሚ ሂብዎ ዘጸምበላ
ኣይደግማን’ዩ!
እንኮሳዕ’ዩ ዘኽብራ።
ብርግፅ ግን!
ዕድመ’ያ ዕድመ ምዕባለ
መዝገብ ዘለዋ ዝተጠቕለለ
ዕዮ ምስክር ናይ ኣቦታት ዝሓዘለ።
እምበር ኣይርከብን’ዩ ዝተፈጥረ
ከም’ዛ ዕለት‘ዚኣ ደጊሙ ዘብዓለ።
ሓቂ ድዩ’ኸ?
ክልተ ሽሕ ዓመት ተወዲአን
ዘገርም’ዩ !
ብኡነት እዚአን
ንኹሉ ብማዕረ እንተተሰሊዐን
ብዙሕ ኣሎ ዝሓንኽ ብአአን
እዋን ረኺቡ ዘይተጠቕመለን።
ምኽንያቱ!
ገለ ጃፓን ገለ ኣመሪካ
ምዕባለኦም ተኣምራት ዘይርድኣካ
ሓዳሮም ጸሓይ የቕንኣካ።
ካን!
ባይታ ገዲፎም ሰማይ
ውቅያኖስ ሃንዲሶም ቀላይ
ብልዖም ማና ስታዮም ጽራይ
መኺሮም ዘትዮም  ይገብሩ ውራይ።
ገለ ድማ፣
ሳልሳይ ዓለም ይጽውዑ
እንጌራ ሄዋን ምስ ሰቦም ከምዘይበልዑ
ካብኣ ፍሕት ከይበሉ ከም ቆልዑ
ጌና ጸሓይ ዘይማሞቑ
ጥራይ ዝባኖም  ጭቃ የቆማጥዑ፣
የደንግጹ’ዚኦም እዋኖም ዝዘንግዑ።
  ክልተ ሽሕ ዓመት!
ነዚኦም’ውንኮ’ዩ ተወዲኡ።
ሕጂውን እንድዒ’ኸ!
ዘመን እናተለወጠ ከይድህለሉ
በ’ዛ ናይ እዋን ደወል እንተ ዝበራበሩ
መጻሕፍቲ ኤውሮጳ ክግንጽሉ
ኣብ ናይ ምዕባለ መኣዲ ክጽንበሩ።
ብፍላይ እዛ ጸላም ኣፍሪቃ
ኣባትር ደርብያ ክትዛረብ ብቛንቋ!
ትበራበር’ዶ ትኽውን ነቕኒቕካ።
 06/11/2011
ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ክቕጽል’ዩ።

 

 

 

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...