ድሕሪ እቲ ካብ መላእ ኩርንዓት ዓለም ሃገርናን ህዝብናን ካብ ኣስካካሒ ጭቆና መላኺ ስርዓት ህግደፍ ተገላጊሎም ደሞክራሲያዊ ለዉጢ ኣብ ንኽረጋገጽ ልዑል ድሌት ዘሎዎም ሓይልታት ፖለቲካ በርጌሳዉያን ማሕበራት ደለይቲ ፍትሒ ዉልቀ ኤርትራዉያን ስደተኛታት መንእሰያት ደቂኣንስትዮ መራሕቲ ሃይማኖት ሞያዉያን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ 2010 ብሓባራዊ ዉሳነ ዝቖመ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ነቲ ደሞክራሲያዊ ቃልሲና መስመር የትሕዝ እዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ብኹሎም ኤርትራዉያን ተሳታፍነት ዘረጋግጽ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ንምስንዳእ ብዋዕላ 2010 ዝተዋህቦ ረዚን ታሪኻዊ ዕማም ኣብ ምስልሳል ከምዝርከብ ጥራይ ዘይኮነስ ዳርጋ ልዕሊ ፍርቂ ናይ ዕምማቱ ኣሰላሲሉን ዝተረፈ ኣብ ምስላጥን ይርከብ ከምዘሎ ኩሉ ደላይ ለዉጢ ዝከታተሎ ዘሎ እዩ፡፡

ኩሉ ከምዝፈልጦ እቲ ስጋብ ዝሓለፈ ዓመት 2010 ማለት ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ዝጋብእ ሜዳ ፖለቲካ ኤርትራ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ኣስመራ ዝመደብሩ ንናይ ሓደ ሰብ ዉልቀምልኪ ማእከል ዝገበረ ሽበራ ዝመለልይኡ ስርዓት ህግደፍ፡በቲ ካልእ ድማ ዉድባዊ ህላወን ዉድባዊ ስልጣንን ቅድሚ ምድሓን ሃገር ዝሰርዐ፡ ንሓድሕዱ ዝነጻጸግ፡ ካብ ብዘሳንይዎ ብዝፈላልይዎ ጉዳያት ኣብ ምስራዕ ልዑል ሞያ ዘጥረየ ደምበ ተቓዉሞ ኸኣ በቲ ሓደ ወገን፡ ተባሒቱ ጸኒሑ እዩ።

ይኹን እምበር ብፍላይ ካብ 2007 ንደሓር ነቕ ዘይብል ደሞክራሲያዊ እምነትን ሓድነት ህዝብን ድሕነት ሃገርን ቅድሚ ኩሉ ኢሎም ብዝተንቀሳቐሱ መብዛሕቶም መሰረታት ናይ ፖለቲካዊ ዉድባትን ኣብ ስደት ዘሎዉ በርገሳዉያን ማሕበራት ብዝገበርዎ ጻዕርን ቃልስን ደምበ ተቓዉሞ ናብ ሓደ ሃገራዊ ጉዳያት ብምትኳር ካብ ንሓድሕዱ ምንቛር ኣብቶም ኣወንታዊ ጎድንታቱን ሓድነቱ ኣተኩሩ ክነጥፍ ወሳኒ ግደ ኣበርኪቶም እዮም፡ በዚ መሰረት ከኣ ሳላ እቶም ብድኻምን ኣሉታዊ ጎድንታት ደምበ ተቓዉሞ ካብ ምዉርጻጽን ምምካሕን ተቖጢቦም፡ ድኻም ኣሕዋትና ድኻምና እዩ ኢሎም ኣብ ጎድኒ ደምበ ተቓዉሞ ብዘይሻርነት ደዉ ዝበሉ ሓይልታት በርጌሳዉያን ማሕበራትን ዉልቀ ዜጋታትን መሰረታት ዉድባትን ደምበ ተቓዉሞ ማእዝኑ ብምትኽኻል ልዕሊ ኩሉ ኸኣ እቲ ብብዝሒ ዉድባት ዝቖመ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ነቲ ንነዊሕ እዋን ሓሊንዎ ግን ከኣ በዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ማሕለኻታት ክተዓናቐፍ ዝጸንሐ መስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ብሽርክነት ሃገራዊያን በርጌሳዉያን ማሕበራትን ደለይቲ ለዉጥን ዋዕላ ንኽካየድ ወጢኑስ ስጋብ እቲ ዝካኣሎ ብምስራሕ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ብዘይካ እቲ ብረት ብዝዓጠቓ ዉድባት ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተኻየደ ጉባኢታት፡ ህዝቢ ምስ ፖለቲካዊ ዉድባት ተሻሪኹ ዝዉንኖ ዋዕላ ድሕሪ ኣብ ቤት ጊዮርጊስ ዝተገብረ ዋዕላ ኤርትራዉያን ማለት ድሕሪ 64 ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ 31 ሓምለ ስጋብ 9 ነሓሰ 2010 ክጋባእ በቒዑ።

በዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ክዉንነት ዝተገባአ ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ እምባኣር እዩ እዚ ሎሚ ብልዑል ተወፋይነት 53 ኣባላቱን ነቕ ዘይብል ህዝባዊ ደገፍ ደለይቲ ለዉጥን ሓገዝ ደገፍቲ ደሞክራሲያዊ ቃልስና ብዝኾና ሃገራትን  ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ኮታ ኤርትራዉያን ኣብ ዝርከብሉ ቦታታት ሃገራዊ ጉባኤ ንምስንዳእ ዝተዋህቦ ረዚን ታሪኻዊ ሓላፍነት ዝዓምም ዘሎ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ዝቖመ፡፡ 

ሎሚ ኤሃኮደለ ብዋዕላ ዝተዋህቦ ለበዋን መዝነትን ሓደራን ተጠቂሙ ነቲ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት መወዳእታ ክጋባእ ትጽቢት ዝግበረሉ ኤርትራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ ለዉጢ ንምምጻእ ዝኣምን ወዲ ሃገር ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ፖለቲካን እምነትን መስመርን፡ ቃልስና ንደሞክራሲዊ ለዉጢ ልዕልነትን ዋንነትን ህዝቢ ብዘረጋግጽ መንገዲ ምእንቲ ክጋባእ ኩሉ ኤርትራዊ ንምስታፉ ዕቱብ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ሚስጢር ኣይኮነን፡፡

ካብዚ ብምንቃል ኤሃኮደለ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ምስቲ ኣብ 2010 ኣባል ምድላዉ ዋዕላ ኮይኑ ኣብ መስርሕ ምድላዉ ዋዕላ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ገለ ኣዋርሕ ቅድሚ ምግባእ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ 2010 ብሰንኪ ኣብ ኣዳላዊት ሽማግለ ርእየዮም ዝብሎም ዳርጋ መብዛሕቲኦም ተክኒካዊ ዝኾኑ ሃጓፋት ብምጥቃስ ንነብሱ ኣካል ናይቲ ዘሰናድእ ዝነበረ ሽማግለ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ከዘይኮነ ኢሉ ድሕሪ ምስሓብ፡ ጸኒሑ ኸኣ ስጋብ ካብ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ከምዘይሳተፍ ጥራይ ዘይኮነስ ድሕሪ ዋዕላ ብዓወት ምዝዛሙ እዉን ብዉሳነታት ዋዕላን ብዝቐዉም ኮምሽንን ከምዘይቅየድ ብተኸታታሊ ኣዋጃትን፡ ምስ ኩሉ ኣሎ ዝባሃል ናይ ጸለመን ዉንጀላን ዜናዊ ዘመተ ተሰንዩ ኣብ ልዕሊ ዋዕላን ዋዕለኛታትን ብዕሊ ምስዘካየደን ብሓዉ ወልደየሱስ ዓማር ዝምራሕ ሰልፊ ሕዝቢ ኤርትራ ብ14 ሰነ ኣብ ለንደን ርኽብ ከምዘካየደ ናይዚ ሰሙን ዜና እዩ ኔሩ፡፡

ርክብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ምስ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ (ሸነኽ ወልደየሱስ ዓማር)ስለምንታይ ሕጂ?

ኤሃኮደለ ኣብ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ኣብ ዝተመዘዘሉ እዋን ብሓባራዊ ዉሳነታትን ዝምራሓሎም ኣገባባትን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ኮምሽን ነቲ ብግዜ ገደብ ዝተወሰነ ናይ ስራሕ ዘበኑ ስጋብ ዝዛዘም ንኣሰራርሕኡ ብዝምልከት  ዉሽጣዊ ሕግን መምርሕታትን ቀይድን ብምሕንጻጽ ዕማሙ ከሳልጥ ዋሕላ ሓላፍነት ሂብዎ እዩ። ንጉዳይ ርክባት ፖለቲካዊ ዉድባት ብዝምልከት ንኣብነት ኮምሽን እዚ ዝስዕብ ኣገባብ ክኽተል ዋዕላ ሓደራ ሂብዎ እዩ።

ሀ. ዝኾነት ኣባል ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ኮይኑ ዝንቀሳቐስ ፖለቲካዊ ዉድብ ርክቡ ምስ ኮምሽን ብመገዲ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ጥራይ ክኸዉን።

ለ. ዝኾነ ካብ ኣባልነት ኪዳን ወጻኢ ብምኻን ኣብ ዋዕላ ዝተሳተፋ ዋዕላ ኣንዳተኻየደ እንከሎ ብፍጹም ሓባራዊ ስምምዕ ናይተን ዉድባትን ሰክረታርያ ዋዕላ 2010 ዝተበጽሓ ስምምዕ ስለዘሎ ኮምሽን ንምርኻብ እዘን ዉድባት ነዚ ስምምዕ ክኽተል፡፡

ሐ. ካብዚ ክልተ ወጻኢ ዘሎ ብሓፈሽኡ ኩሉ ኤርትራዊ ብፖለቲካዊ ይኹን ካልእ እምነታት ዝተጠርነፈን ዘይተጠርነፈን ኣብቲ ክግበር ትጽቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ ጉባኤ ንምስታፍ ኮምሽን ኩሉ ኣኻእሎታት ብምጥቃም ኤርትራዉያን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ወሰንቲ ክገብሮም ዝኽእል ካብ ምድላዉ ስጋብ ጉብኤ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ዘሎ መስርሕ ኣሳታፊ ዝኾነሉ መንገዲ ከጣጥሕ ዋዕላ ንኮምሽን ሕድሪ ኣሰኪምዎ እዩ።

ኣምባኣር በዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ታሪኻዊ ሓቅታት እዩ ኮምሽን ድሕሪ እቲ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ኣብ ኮምሽን ብዋዕላ ዝተሓዝኡ ክልተ መናብር በቶም ካብቲ ሰልፊ ብጉዳይ ዋዕላን ካልእ ፖለቲካዊ ናይ መስመር ፍልልይን ካብቲ ዉድብ ብምዉጻእ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘተ ይዓንብብ! ብዝብል ጭርሖ ድሕሪ ምእዋጆምን ነቲ ብዓወት ዝተዛዘመ ዋዕላን ዉሳነታቱን ተቐቢሎም ኣብ ኮምሽን ቦትኦም ዝሓዙ፡ ብዶክተር ተስፋይ ስብሃቱ ዝምራሕ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ምንባሩ ይዝከር።

 ብድሕሪ እዚ ሓድሽ ክስተት ተኸቲሉ እቲ ብወልደየሱስ ዓማር ዝምራሕ ሰልፊ ህዝቢ ካብ ኪዳን ኣባልነቱ ከምዝሳሓበ ብወግዒ ሓቢሩ፡ ነዚ ተኸቲሉ ኮምሽን ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ርክቡ ነቲ ዋዕላ ዝሃቦ ሓደራን ማለት ኣብ ኣገባብ ርክብ ምስ ፖለቲካዉያን ዉድባት ዳግማይ ብምርኣይ ምስቲ ብሸነኽ ወልደየሱስ ዓማር ዝምራሕ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ንምርኻብን ኣብ ጉባኤ ክሳተፍ ንምዕዳሙን፡ ነዚ ምርኩስ ዝገበረ ርክብን ዘተን ከካይድ ዝድርት ነገር ከምዘየልቦ ድሕሪ ምምዛን 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ኮምሽን ብዘሕለፎ ዉሳነ መሰረት ኣቦ ወንበር ኮምሽን ሓላፍነት ወሲዱ ካብ ኣባላት ኮምሽን ዝኾኑ መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ወ/ሮ ዓይሻ ጋዓስ ሙሳ ዝርከብዎ ልኡኽ መዚዙ ንሰልፊ ህዝቢ ወኸሳ ክገብር ስለዝገበረ ርክብ ኣብ መንጎ ኮምሽንን ብወልደየሱስ ዓማር ዝምራሕ ሸነኽ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሎንዶን ግሁድ ክኸዉን በቒዑ።

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሽሕ እኳ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብኮምሽን ዝቐረበሎም ዕድመን ጻዉዒትን ናይ ምቕባልን ዘይምቕባልን ሙሉእ መሰል እንተሃለዎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምርጨኦም እዉን ብዝኾነ ወድ ሃገር ክኽበር ግቡእ እዩ።  ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ሸነኽ ወልደየሱስ ዓማር እዉን ብወገኖም ንተበግሶ ኮምሽን ብኻልእ እንዳጠምዘዙን እንዳተርጎሙን ካብዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ሓቅን ድሕረ ባይታን ብዝረሓቐ ኣገባብ ሓበሬታ ንዉድባዊ ይኹን ህዝባዊ ዜና ኣገልግሎት ክጥቀሙሉ ርዝነት ዝህብ ኣይኮነን፡፡

ሃገራዊ ኮምሽንን ናይ መወዳእታ ሸቱኡን፡-

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ኣብ ዓመተ 2010 ዝወሰዶ ሃገራዊ ጉብኤ ናይ ምድላዉ ዕማም ነዊሑ እንተትባሕለ ንይ ሰለስተ መናፍቕ (ዓመትን ፈረቓን) ዕድመ እዩ ዘሎዎ ኣብዚ ናይ ስራሕ ዕድሚኡ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ሓደ ፈጣሪ ተጸዋዕነቱ ነቲ ኣብ 2011 ዝጋባእ ሃገራዊ ጉባኤ ጥራይ ኮይኑ፡ ምስ ኩሎም ሃገራዊ ሓይልታት ብምምኽኻርን ምልዛብን ብዘይኣፈላላይ ብሽርክነት ይሰርሕ፡ ንዝኾነ ይኹን ፖለቲካዉን በርጌሳዊ ምትእኽኻብ ንጥፈታቶምን ዉዳቤታቶምን ከይተክኤ፡ ንረብሓን ልዑላዉነትን ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ብምዕላም ዝተዋህቦ ሓደራ መዝነት ንምትግባር ዝሰርሕ ዘሎ ዉጽኢት ናይቲ ዕዉት ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ እዩ። በዚ ዘይንቕነቕ ግዑዝ ሓቂ ሕጂ ኣብ ዕቱብ ሃገራዊ ተልእኾ ተጸሚዱ ዝሰርሕ ዘሎ ሃገራዊ ኮምሽን፡ ነቲ ንዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ደሞክራሲያዊ ቃልስን ሃገርና ኣትያቶ ካብ ዘላ ሓደገኛ ኩነታትን ምድሓን ምእንታን ክካኣል፡ ብኹሉ ሸነኹ ህዝብን ሃገራዊ ሓይልታቱን ብሓባር ዝዉንንዎ መልኽዕን ቅርጽን ዘሎዎ ቃልሲ ንምፍጣር ዘኽእል ሃገራዊ ጉባኤ ምድላዉ ንኮምሽን ናይ መወዳእታ ሸቱኡ ምዃኑ ኩሉ ከስተብህለሉ ዘሎዎ ጉዳይ ይምስለኒ።

ዜናዊ ጸለመ ኣንጻር ኮምሽን ዋዕላን ዉጽኢቱን ፤

ዋዕላ ቅድሚ ምክያዱ ካብ ዝነበሩ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ስጋብ ለይቲ ሎም ወሰን ኢሎም ዝተኻየዱ ዘይሃነጽትን መስረት ዘይብሎም ዉንጀላታትን ጥራይ ዘይኮነስ ያኢ! የርብሑና እዮም ተባሂሎም ህግደፍ ንተቓወምቲ ዝኸሰሰሎም ቃላት ሓረጋትን ከይተረፈ እንዳተለቃሕካ ስጋብ ልዑላዉነት ሃገር ይሕሊፍካ ናይ ምሃብ ተርእዮ ከምዘሎ ብምምሳል፡ ንተሳተፍቲ ዋዕላን ዉሳነታቱን ኮምሽንን ዝቐንዐ፡ ብመዘና ዘይብሉ ጽያፍ ተሰንዩ ብተቓወምቲ ኢና ብሃልቲ መርበባትን ዉድባትን ዉልቀታትን ክግበር ዝጸንሐን ዘሎን፡ እዱድ ናይ ጸለመ ዜናዊ ዘመተ ምሃረነ ዘብል እዩ።

ኣብዚ መስርሕ ናይ ምጽላም ዘመተ’ዚ ትማሊ ምስ ኮምሽን ዝተራኸበ መሪሕነት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ሸነኽ ወልደየሱስ ዓማር እዉን፡ ጽባሕ ናይቲ ዕዉት ኮይኑ ዝወጸ ዋዕላ 2010 ተሳተፍቱን ኣካየድቱን ብምንእኣስ ኢትዮጵያዉያን ነቲ ዋዕላ ኣጀንዳ ከምዝሰርዕሉን ከምዘዐወትዎን፡ ካብ ምባል ሓሊፉ ብዓይኒ የብለይ ስኒ ብለይ ክሳብ ምዝርጋሕ ንመሰል ብሕትዉና ተሳተፍቲ ዋዕላ ዝጋህሰ ዉልቃዊ ሓበሬታ ሰነድ ኣብ መርበባት ሓበሬታ፡ ዘጠቓለለ ትምክሕታዉን ነጻግን ስነምግባር ዜናዊ ንጥፈት ዝዘንግዓ፡ ዜናዊ ስድነት ፈጺሙ እዩ። ይኹን እምበር ሕጂ እዉን እንተኾነ እቲ ሰልፊ ዋላ እዃ ካብቲ ቅሉዕ ናይ ጽልእን ጠቃንን ዘመትኡ ዘልሓጥ ዝበለ እንተመሰለ፡ ብግሁድ ግን ነተን መጽረጊ ኣፍ ህግደፍ ኮይነን ከገልግላ ዝጸንሓ ከም ባዓል ኣለናልኪ፡ ብድሆ ወዘተ… ብምትካእ፡ ንረብሓ ህግደፍን ምድኻም ተቓዉሞን ዝሰርሕ ዘሎ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ኣብ ዘካይዶ ዘሎ፡ ንደምበ ተቓዉሞ ኤርትራ ብሃገራዉነትን ጸረ-ሃገራዉነትን ንምጉጅጃል ዝዓለመ ፕሮፖጋንዳዊ ጓይላ፡ መሪሕነት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ሸነኽ ወልደየሱስ ዓማር ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ክፍሊ ዜናን ባህልን እቲ ሰልፊ ንሃገራዉነት ደንበ ተቓዉሞ ብምዝንጋዕ ቀንዲ ተላሃይቲ ናይቲ ጓይላ ምዃኖም ደርሆ ጻሕቲራ ትረኽቦ ጉልባብ ኮይኑ ኣሎ። ይኹን እምበር ከምቲ ’’ሕማቕ ዋጣስ እንዳቡኡ ጸሪፉ ይድረር ” ተባሂሉ ዝተመሰለ፡ መሪሕነት ሰልፊ ሕዝቢ ኤርትራ ንመሰልቱ ተቓወምቲ ዉድባት ብጸረ ሃገራዉነት ብምዉንጃል ዘርኣዮ ጣቋ ዘይብሉ ኣካይዳ ዝጠቅም ኣይነበረን፡፡

ብኣንጻር እዚ ኮምሽን ይኹኑ ካልኦት ኣካላት ዋዕላ ንኩሉ ኣደብ-ኣልቦ ዘመተን ጸለመን፡ ንባሃልቱ ገዲፎም ኣብቲ ዜናዊ ግብረ መልሲ ከይኣተዉ ኣብ ዝተዋህቦም ስራሕን ዕማምን ጥራይ ኣድሂቦም ምኻዶም፡ ናይ ርዝነት ምልክት እዩ እሞ ሞጎስ ይግቦኦም።

ኣብ መወዳእታ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ኣብ ዉሽጢ እዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ሃዋህዉ እንዳሃለወ ንማእዝኑ ሰንደልደል ከየበለ ምስቲ ብዋዕላን ዉጽኢቱን ካብ ዘይምቕባል ሓሊፉ ኣብ ዘይተገርሐ ዉንጀላን ዘመተን ተሸኺሉ ዝጸንሐን ዘሎን መሪሕነት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ሸነኽ ወልደየሱስ ዓማር፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ንኽጋባእ ትጽቢት ንዝግበረሉ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ንኽሳተፉ ዝዓለመ፡ ብ14 ሰነ 2011 ኣብ ሎንዶን ዝገበሮ ርክብን ዘቕረቦ ዕድመን፡ ምልክት ርዝነትን ተጻዋርነትን ጥራይ ዘይኮነስ ኮምሽን ወናኒ ነብሱን ዓቕምታቱን ምዃኑ ዘመስከረ እዩ ኔሩ፡፡ ስለዚ ኸኣ እዩ ዝኾነ ወገን ኣብቲ ሃገራዊ ዉራይ ዝኾነ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ንኽሳተፍ ብኮምሽን ንዝቐርበሉ ናይ ምስታፍ ሕቶን ዕድመን፡ ምቕባልን ዘይምቕባልን ናይቲ ተዓዳሚ መሰል ኮይኑ፡ ኮምሽንን ግን ብዋዕላ ዝተነበርሉ ሓደራን ሓላፍነትን ብግቡእ ይዋጻእ ከምዘሎ ዘመስክር ተርእዮን መርትዖን ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ

መሓሪ ኣብራሃም

ሽወደን

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 ሓበሬታ: ጸሓፊ  ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓምለ 2010 ዝተኻየደ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጸት 17 ዝኣባላታ ኣካያዲት ሰክረታርያ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ሓደ ካብቶም 4 መራሕቲ ናይታ ሰክረታርያን ዋዕላን ዝነበረ እዩ፡፡            

 

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...