ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ መጠን፡ ቅድሚ ኩሎም እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነብሩ ኣህዛብ ጎረባብቱ፡ ጩራ ዲሞክራሲ ዝረኣየን ናይ ምውዳብን ምቅዋምን ልምዲ ዘኻዕበተን ህዝቢ ምንባሩ፡ ጸላእቱ’ውን ከይተረፈ ዘይክሕዱዎ ሓቂ’ዩ። ከምዚ ሎሚ ብምልኪ ከይተረመሰ፡ ኣብ ኣርብዓታት ዲሞክራስያዊ መሰሉ ተጠቒሙ፡ ብቃሕ ዝበሎ ቅርጻ ወይ ኣገባብ፡ ፖለቲካዊ ውደባታት ክምስርትን ክነጥፍን ተራእዩ እዩ።

ንዝተፈልየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት ናይ ምጽውዋር ዓቕምታቱ’ውን ልዑል ከም ዝነበረ’ዩ ዝዝንተወሉ። ከም ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ኣንድነት፡ ቡሮ-ኢታልያ፡ ኣል-ራቢጣ ኣል-ኢስላሚያ፡ ኤርትራ ንኤርትራውያንን ካልኦትን፡ ወዘተ...ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይከኣል። ምቛም ሕብረ-ሰልፍታት፡ ምቛም ማሕበር ሰራሕተኛታት፡  ብሰላማዊ ሰልፊታት ተቓውሞኻ ምግላጽ፡ ኣብ ባይቶ ይኹን ኣብ ነጻ ጋዜጣታት ብነጻ ሓሳባትካ ምግላጽ፡ መደረ ወኪላት ዝተፈላለያ ሰልፍታት ኤርትራ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ከይተረፈ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ዝተሰነዱ ዓበይቲ ተረኽቦታትን፡ ዘኹሩዑ ታሪኽን ዘመዝገበ ህዝቢ’ዩ።

እዚ ኣብ ኣርብዓታት ዝፈለመ ዲሞክራስያዊ ባህሊ’ዚ፡ ሎሚ ድሕሪ 70 ዓመታት ምልስ ኢልና ክንርእዮ ከሎና ግን፡ ኣብ ክንዲ ምስ ምዕባለ ሰጒሙ፡ ብዕጽፍታት ዳቢሩን ጎልቢቱን ኣብዚ ከባቢ’ዚ መሪሕ ተርኡ ዝጻወት፡ ብኣንጻሩ ሽታ ዲሞክራሲን ንቕሓትን በኒኖም፡ ብፍጹም ምልክን ራዕድን ተተኪኦም፡ ሃገር ብምልእታ ዋንነት ሓንቲ ሰልፊን ሓደ ሰብኣይን፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ሃገር ድማ ዋንነት ሓደ ሰብ ኮይኖም፡ ብሄር ኣንጻር ካልእ ብሄር፡ ሃይማኖት ኣንጻር ካልእ ሃይማኖት ዝታፋነኑሉ ተካል መዋእ ነጊሱዎ፡ ዒም ዝበለ ይተሓጎም እናተባህለ ብመለኽቱ ክፍከረሉ ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ።
 
ኣብ’ቲ ካብ ስሳታት ክሳብ ተስዓታት ዝተኻየደ ብረታዊ ሰውራ፡ ጡብ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ዘዕበይኦም መንእሰያት ብሓባር ክምክቱ ከለዉ፡ ንናይ ሓባር ሃገርን ንማዕርነትን’ዮም ተበጅዮም።
ናኣሽቱ ብሄራት ብዓበይቲ ብሄራት ክወሓጣ ወይ’ውን ስለ ዝነኣሳ ብሜላ ክጸንታን ክርገጻን ትጽቢት ዝኾነ መንእሰይ ተጋዳላይ ወይ ተጋዳሊት ኣይነበረን። እተን ዓበይቲ ዝብሃላ ብሄራት’ውን እንተኾና መሳርሒ መለኽቲ ስርዓታት’የን ተባሂለን በተን ካልኦት ብሄራት ብዓይኒ ጽልእን ቅርሕንትን ክጥመታን ክምረራን ማንም ኣይተጸበዮን።

ፈላሊኻ ግዛእ፡ ባህሪን እኩይ ሜላን ኩሎም መለኽቲ ስርዓታት ስለ ዝኾነ ግን፡ ኣብተን ዝሓየላ ብሄራት ተጸጊዖም ነተን ዝነኣሳ ብሄራት ምስ ጨፍለቑ፡ ነተን ከም ኢደ በይዛ ኮይነን ከገልግልኦም ዝጸንሓ ብሄራት’ውን ብተርኤን ምጭፍላቐን ዘይተርፍ ስለዝኾነ ንሳተን’ውን ከም ብጾተን ካብ’ቲ መሪር ጽዋዕ’ቲ ኣየምለጣን። ስለዝኾነ’ዩ ክኣ ሎሚ ብስርዓት ህግደፍ ዘይተወጽዔት ብሄር ኣብ ኤርትራ ኣላ ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ደፊርካ ክትዛረብ ዘይከኣል። ብጀነራላት ህግደፍ ስቡሕ መሬታ ዘይተመንጠለት፡ ክቡር ባህላ ዘይተደፍረት፡ ዝባና ዘይተገሰሰት ብሄር ኣብ ኤርትራ ሎሚ ኣላ ምባል ወይ ዕሽነት ወይ’ውን ምቅጫጭ ጥራሕ’ዩ ክኸውን።

እዞም ወጽዓታት እዚኣቶም’ዮም እምብኣር ሎሚ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ምእንቲ ብሄራዊ መሰሉ ዳግማይ ዋጋ ክኸፍል ክብገስ ዝደፋፍኡዎ። ድሮ ተበጊሶምስ ኣብ ደረጃ ሓያል ውደባታት ዝተሰጋገሩ ከም ብዓል ብሄረ ኩናማ፡ ብሄረ ዓፋር፡ ብሄረ ሳሆ ከም ዘለዉ ኣብ ባይታ ዘሎ ዘይክሓድ ክዉንነት’ዩ። ብንኡስ ዓቕሚ ዝተበገሱ ከም ብዓል ብሄረ ብሌንን ብሄረ ትግረን ብሄረ ናራን’ውን ምህላዎም ይስማዕ’ዩ። ብሄረ ትግርኛ ውን ኣብ መስርሕ ምቛም ብሄራዊ ውድብ ከም ዘሎ’ዩ ዝውረ። እሞ መን ድኣ ተረፈ !!! ብሄረ ራሻይዳ !!!

ምስላ ኣቦታትና ንከንቱ ኣይምሰሉን’ዮም፡ ንክዉንነት ኣቀዲሞም ብምስላ’ዮም ዝገልጹዎ። “ኣይፋልክንን ማማ፡ ገንኢ ከሎስ ሳርማ !!!” ኢሎም ክምስሉ ከለዉ፡ እቲ ቀንዲ ብዓል ጉዳይን ዋናን፡ ብኣካል እንከሎ፡ ወኪል’የ በሃሊ ኣፈ-ጨሌ፡ ዋና ኣቐሚጡ ኣብ ክንዲ ዋና ኮይኑ ከዕሎብጥ ኣየምሕረሉን’ዩ ማለቶም’ዮም። እሞ እተን ብኣካል ዝተወጽዓ፡ ብሄራዊ ክብረንን መሰላተንን ዝተጋህሳ ብሄራት ብኣካል ኣሎና ይብላና ኣሎዋ፡፡ ጉዳይና ባዕልና ኣሎናዮ፡ ንመሰልና ኩሉ መዳያዊ መስዋእቲ ከፊልና ክንቃለስ ተበጊስና ኣሎና፡ ክብርና ክሳብ ዝረጋገጽ ክኣ ክንረባረብ ኢና እብላ ኣሎዋ፡፡ ኣነ’የ ንጉዳይክን ዝውክሎ፡ ንስኽን ግን ኣፍክን ሓዛ፡ ንስኽን ብብሄር ክትውደባ መሰል የብልክንን፡ ናይ ምውዳብ መሰል ዘሎና ንሕና ሕብረ-ብሄራውያን ወይ ድማ ዘይሕብረ-ብሄራውያን ፖለቲካዊ ውድባት ጥራሕ ኢና ምባልከ ስነ-ሞጎታዊ ድዩ! መንዩ’ኸ ንመን ክውስነሉ!

ብሄራውያን ውድባት ድሮ ቆይመንስ ዓቕሚ’ውን ኣጥርየን ንርእየን ኣሎና። ካብ ምቕባለንን ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ሓድነት ሃገር ዕዙዝ ተርኤን ክጻወታን መሰል ካልኦት ውን ከኽብራን ካብ ምትብብዐን ወጻኢ ካሊእ ኣማራጺ ዝህሉ ኣይመስለንን። ንጎነጽን ቅርሕንትን ዝዕድም ናይ ኣቃጫጭን ናይ ምንእኣስን ዕሸላዊ ወስታታት ግን ካብ ህግደፋዊ ሕልና ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ዝህልዎ ኣይኮነን።  

ንምዃኑ፡ ዝኾነ ዜጋ ወይ ብሄር፡ ኣንጻር ወጽዓታቱ ንኽቃለስ፡ ብዝመስሎ ኣገባብ ክውደብን ክነጥፍን ይግብኦ ጥራሕ ዘይኮነስ ተፈጥሮኣዊ መሰሉ’ዶ ኣይኮነን ! ብፖለቲካዊ ዓይኒ እንተርኢናዮኸ  ዲሞክራስያዊ መሰሉዶ ኣይኮነን ! ክውለድ ከሎ ብህያው ኣምላኽ ዝተዓደሎን ምስኡ ዝተወልደን፡ ናይ ብነጻ ሓሳባትካ ምግላጽ መሰል፡ ናይ ኣብ ዝመረጽካዮ እምነት ምእማን መሰል፡ ናይ ምጽዓርን ብጽቡቕ ክትነብር ምድላይን መሰል፡ ናይ ብዝመስለካ ኣገባብ ምውዳብን ምቅዋምን መሰል፡ ኣማሓደርትኻ ናይ ምምራጽን ምቕያርን መሰል፡ ዝነፍገሉን ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝዕቅነሉንከ መንዩ?

በዚ ኢኻ ትቃለስ ወይ’ውን በዚ ኣገባብ እዚ ኢኻ ትውደብ ኢሉ ዝውስነሉ ኣካል ክህሉ እንተኾይኑ፡ እቲ ብሃሊ ወይ ጌና ዘይነቕሔ ዓሻ’ዩ፡ ወይ ድማ ኣካልን ኣምሳልን ናይቲ መላኺ ስርዓት ጥራሕ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ንምንታይሲ ዝቖሰለ ሰብ ወይ ብሄር እናተቐንዘወ ከሎ ኣብ ክንዲ ዋይ ሓወይ ወይ ዋይ ሓብተይ ምባሉ፡ “ሱቕ በል ኣይተቖንዞኻን ወይ ድማ ኡይ ዘይኮነስ ኣሰይ ድኣ በል” እናበልካ ኣገባብ ቃንዛ ክትውስነሉ የምሕር ድዩ ። ዋላ ውን ንባዕሉ እቲ ብሃሊ ብመጠኑ ዝቖሰለ እንተኾይኑ ፡ በቲ ዝሕሾን ዝመስሎን ኣገባብ ድኣ ይቆንዞ እምበር “ደይ ኩልና ቁሱላት ኢና። ሱቕ ኢልና ንሙት” ምባል በየናይ ስነ-ሞጎት’ዩ ርትዓዊ ኣበሃህላ ዝኸውን? ንባዕሉ እቲ ኣገባብ ቃንዛ ተሪር ኣውያት ምስ ዝኸውን’ዶ ኣይኮነን ንረድኤት ዝዕድም ወይ ውን ብተበተብ መድሃኒት ዝናደየሉ።

ስለዝኾነ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብሄራዊ ወጽዓታት ኣሎ ካብ በልና፡ ስልጣን ይኹን ጸጋታት ሃገር ብማዕርነት ዘይማቓርሑ ምህላዎም ካብ ርኣና፡ መን’ዩ ዝያዳ ተወጺዑ ብመንከ ተወጺዑ ዋላ ኣብ ሓባራዊ ነጥበ-ስምምዕ ኣይንብጻሕ ብዘየገድስ፡ ወጽዓ ዓመጽ ምዃኑ ንእመን። ኣንጻር ወጽዓን ዓማጽን ድማ ደው ንበል። እቲ ተወጺዔ ኣሎኹ ዝብልን ከም ተወጽዔ ንኣምነሉን ብሄር፡ ተወዲቡ ንማዕርነቱ ክቃለስ፡ ሕጋዊን ተፈጥሮኣውን መሰሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንሕና’ውን ክንድግፎ ሞራላዊ ግዴታ ከም ዘሎና ክንፈልጥ ይግባኣና። ኩሎም ውጹዓት፡ ውልቀ ዜጋታት ይኹኑ ብሄራት፡ ደገፍ ኩሎም እቶም ጸረ ወጽዓን ዓመጽን ኢና ተቓሊስና ዝብሉ ኤርትራውያን ክፍለዮም ኣይግባእን። እቲ ሓቂ ንዝተበገሰ ውጹዕ ከነተባብዕ እምበር፡ ብወጽዓ ውጹዓት ከነሽካዕልልን “ደይ ኩልና ዉጹዓት ኢና” እናበልና ሞራል ዉጹዓት ክንጎድእን ቃልሶም ክንዕንቅፍን ኣይግብኣናን’ዩ።

ስለ’ዚ ንሕና’ውን ውጹዓት ኢና ንብል እንተሊና፡ ንመሰልና ተመሳሳሊ ቃልሲ ዘይነበግስሉ የብልናን። ሓቢርና ንነብረላ ወጻዒን ተወጻዒን ዘይብላ ኤርትራ ክንፈጥር እንተኾና’ውን መጀመርያ ብወጽዓታትና ክንተኣማመንን ክንትሓባበርን ይግብኣና። ብዝመስለና ኣገባብ ውደባ መሰልና ምሕታትን ምቅላስን ንቡርን ውሁብን ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእትኡ ግን ከም ኤርትራውያን መጠን፡ ኣብ ትሕቲ ልኡላዊት ኤርትራ ሓቢርና ጥራሕ ከም ንረብሕን ሓቢርና ውን ከም እንዓቢን ንፍለጥ። ኣብ ማዕርነት ዝተሰረተት፡ ረብሓ ኩልና እተኣንግድ፡ ናይ ሓባር ሃገር ንምቛም ግን፡ በብዝጥዕመና ኣገባብ ውደባ ተወዲብና ክንቃለስ፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ  ማንም ዘይክልክለናን ማንም ዘይቶኽበልናን ተፈጥሮኣዊ መሰልና’ዩ።

እተን ብሄራዊ ውደባ ከይዕንትር ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፈርህኦን   ገለ እዋን’ውን ቅዳሕ ጎረባብትና’ዩ እናበላ ዘነኣእስኦን ኤርትራውያን ውድባትን ሰልፍታትን ግን ................... ይቕጽል..............

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...