ዲክታተር መንግስቱ ሃይለማርያምን ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂን
ዝመሳሰሉልን ዝፈላለይሉን ነገራት
(2ይ ካብ 3)


መንግስቱ ሃይለማርያም፣ ኣካይዳ ኣባ ጎብየ እንዳ ከደ፣ ሓደ ሐደ ንስልጣኑ የስግኡኒ ኢዮም ዝብሎም ናይ ደርግ ኣባላት፣ ንገሊኦም ናይ ሕሶት ገበን  እንዳፈጠረ ምእሳርን ምቕታልን ንገሊኦም ድማ ብሕቡእ ምቕንጻል ጀመረ። ምስ መኤሶን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ኢፒአርፒ ናይ “ቀይ ሽብር” ዝበሃል ናይ መጥቃዕቲ ስጉምቲ ወሰደ። ነቶም ኢፒአርፒ ዝበሃሉ ምስ ኣውደቖም ድማ በታ ኣባላት ደርጊ ዘይፈልጥዋ ዉሽጢ ውሽጢ ተኺልዋ ዝነበረት፣ “ሰደድ” ተባሂላ ትጽዋዕ ፓርቲ፣ ተጠቒሙ ንመኤሶን ባዕሎም ተረኦም ምስበጸሐ በብሓደ እናሓዘ ኣሕቀቖም። ብድሕሪኡ ነቲ ሓደ ተሪፍዎ ዝነበረ ምኽትሉ ኮረኔል ኣጥናፉ ሓንቲ ገበን ከይፈጸመ ረሸኖ።  በዚ መንግስቱ ምሉእ ብሙሉእ ስልጣን ጠቕሊሉ ኣብ ኢዱ ኣእትዩ ኣብ ኢትዮጵያ ንሱ ንበይኑ ገባርን ሓዳግን ኮነ።  ብድሕሪ'ዚ ሓዳስ ባዕሉ ዝፈጠራ “ኢሳፓኮ” ዝተባህለት ፓርቲ መስሪቱ ንገዛእ ርእሱ ብዘይ ናይ ሕዝቢ ምርጫ ፕረሲደንት ገይሩ ሾመ። 

ነቶም ኩሎም ዝቃወሙዎን ንዝመጽእ ግዜ ክቃወሙኒ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሎም ጽራሪጉ፤ ንዑኡ ጎይታይ ጎይታይ ዝብሉን ፈራሓት ከም በዓል ፍሰሃ ደስታ፣ ፍቅረስላሴ ወግደረስን፣ ብርሃን ባዩህን፣ ዝአመሳሰሉ እንዳመረጸ ኣብ ስልጣን ኮፍ ኣበሎም። መንግስቱ ስልጣኑ ንምሕላው ዘይገብሮ ነገር ኣይነበሮን። ንአብነት ኣብ ዝተፋላለየ ግዜ ናይ ኤርትራ ገድሊ እንተደፊኦም ንዘተ ይዕድም፣ ወተሃደራቱ እንተ ደፊኦም ድማ ዘተ ነጺጉ ሓይሊ ይጥቀም። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራቱ እናጠፍኡን፣ ናይ ኢትዮጵያ ኤኮኖሚ መሬት ዘቢጡ እንከሎ፣ ንሕዝቢ ብባዶ ዝኾነ ጭርሖታት የስክሮ ነይሩ። ንአብነት “ኢትዮጵያ ትቅደም” “ኣብዮታዊ ሰራዊት ያሸንፋል” “ሁሉም ነገር ወደ ቅድመ ግንባር” “የኢትዮጵያ ድንበር ኣናስደፍርም” “ቀይ ባህር በደማችን ይጠበቃል” “ኢምፐሪያሊዝም ይውደም” “ኣመሪካ ዋና ጠላታችን ነች” “ኣብዮታዊት እናት ኣገር ወይም ሞት” ዝብሉ "ሃገራዊ" ጭርሖታት እናአጨረሐ ናይ ስልጣን ዕድሜኡ ከናውሕ ይፍትን ነይሩ።



ብዙሓት ሰበስልጣን ዝነበሩ ብፍላይ ጀነራላት፣ ሃገር ትዓኑዉ ኣላ፣ እዚ ምስ ኤርትራ ዘለና ውግእ ሓደ መፍትሒ ነናድየሉ እንተበልዎ “ኣንቱም ፈራሓት፣ ኣንቱም ጡልቁያት፣ ኣቱም ሸየጥቲ ሃገሮም” እንዳበለ ከዋርዶምን ከነአአእሶምን ይውዕል ነይሩ። ብፍላይ "የቀይ ኮክብ ዘመቻ" ምስፈሸለ ሓደ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ጀነራል፣ ካብ 10,000 ንላዕሊ ሞይቶሙና፡ ካብ 20,000 ንላዕሊ ድማ ቆሲሎሙና፣ ስለዚ ሕጂ ሓደ መፍትሒ ክርከብ ኣለዎ ይብል ስለ ዝነበረ፣ መንግስቱ ንኤርትራ ከይዱ “እዚ ፈራኀ ዝተጠላቐየ ኣምጽኡለይ” በለ። ምስ ኣምጽእዎ ከማኻን ወዲ ከማኻን ኢኹም ጀጋኑ ወተሃደራትና ተግድዕዎም ዘለኹም ኢሉ መዕርጉ ቀንጠጦ። እቶም ወተሃደራት በቲ ናይ መንግስቱ ዘረባ ተመሲጦም “ይህ ወራዳ ሌላም ይገባዋል” ምስ በሉ “ንሱ ድማ ሕጂ ከምአ ትብሉ ኣለኹም ጽባሕ ግን ክትበኽዩ ኢኹም። ኣነ ናታትኩም ወጽዓ ደአሉ የሕሚሙኒ እምበር ኣነ ደአ ከመይ ዝበለ ገዛ ኣሎኒ ካልእ ይትረፍ እንተ ደልየ ኢደይ ብማይ ዘይኮነስ ብዊስኪ እኳ ምተሓጽብኩ” ይብሎም ኔሩ። ነዚ ጀነራል ድማ ከም ካልኦት ዘይተኣዘዝዎን ብናቱ መስመር ዘይከዱን ኣብ ቅድሚ’ቶም ወተሃደራት ኣረሸኖ።

መንግስቱ ኣብ ዉሽጢ ደርግ ዘስግኦ ሰብ ኣይነበረን። በቶም ኣዘዝቲ ወተሃደራት ግን ብዙሕ ይሰግእ ነይሩ። ከምታ ዝጠርጠራ ድማ 1989 ጀነራላቱ ተሰማሚዖም ክግልብጥዎ ፈተኑ። ኮይኑ ግን ብሓሳብ አይተሳማምዑን። በዓል ጀነራል ፋንታየ መንግስቱ ኣብ ኣዉሮፕላን ተሰቒሉ ከሎ ብናይ ዉግእ ኣዉሮፕላን ጌርና ንህረሞ ክብሉ ከለው፣ ገሊኦም ድማ ከም በዓል ጀነራል መርድእ እታ ኣዉሮፕላን ሰላማውያን ሰብ ስለ ዘለዉዋ ብኡኡ ገይሩ ከም ዝተርፍ ንግበር በሉ። ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዉሮፕላን መዕረፊ ምስ ኣፋነዉዎ ተኣኪቦም ሕራይ እምበር ንህረሞ በሉ። ኣብቲ እዋን’ቲ ንሱ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ኣየር ክልል ስለ ዝወጸ ክቐትልዎ ኣይከአሉን። ኣብ ውሽጢ ብዝነበሩ ደግፍቱ እቲ ምግልባጥ መንግስቲ ስለ ዝተፈልጠ እቲ ጉዳይ ብዘይጠቕሙ ናይ ታሕቲ ወተሃደራት ከም ዝፈሽል ኮነ።

መንግስቱ ብድሕሪ’ዚ ነቶም ኩሎም ክግልብጥዎ ዝፈተኑ ጀነራላት ኣሰሮም። ናይዚኦም ጉዳይ ዝምርምርን ዝፍጽምን ፍሉይ ቤት ፍርዲ ተተኺሉ፣ ንዓሰርተ ሓደ ወርሒ ኣብ ቤት ፍርዲ ክትዕ ተኻይዱ። ኮይኑ ግን ህ.ግ.ሓ.ኤ. እ.ህ.ወ.ደ.ግ.ን እንዳ በርትዑዎ ምስ መጹ ብሕርቓን ናይ ቤት ፍርዲ ክትዕ ይትረፍ ኢሉ ከምዝርሸኑ ኣዚዙ ድማ ተረሺኖም። ግን ክሳብ’ታ ዝርሸኑላ መዓልቲ መግቦም ብግቡእ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ይስረሓሎም ነይሩ። ክዳውንቶም ብግቡእ ይሕጸብ ኔሩ። ካብቲ ተአሲሮሙሉ ቤተ-መንግስቲ ናብቲ ቤት ፍርዲ ክኸዱ ከለዉ ኣዝማዶም ንኽርእዩዎም ዕድል ይረኽቡ ነይሮም።

ኤርትራ ነጻ ወጺአ ኣዲስ ኣበባ ድማ ብእ.ህ.ወ.ደ.ግ. ምስ ተኸበት፣ መንግስቱ፣ “እንደ ኣጸይ ቴድሮስ ሽጉጤን ጠጥቸ እሞታለሁ እንጂ እናት ኣገሬን ክጄ ኣልሸሽም” ዝብል ዝነበረ “ፕረሲደንት” መንግስቱ፣ ንጀነራላቱ ኣንቱም ፈራሓት። ኣንቱም ጡልቁያት፡ ኣንቱም ጀጀዉቲ ይብል ከምዘይነበረ፣ መሬት ከም ኣፍ ዕንቚ ምስ ጸበበት ንኽሃድም ናይ መጀመሪያ ዝነበረስ “ጀግናው” “ኣብዮታዊው” “ቆራጡ” ጓድ መንግስቱ፣ ካብ ናይ ሃይለ ስላሴ ቤተ መንግስቲ ዝነበረ ናውቲ ገዛ ከይተረፈ ጠርኒፉ ንዚምባብወ ገጹ ደአ ኣንቆልቆለ

ኣብዚ እዋን’ዚ ጌና ኣብ ዚምባብወ ይነብር። ኣብ ኢትዮጵያ ንሱ ኣብ ዘይብሉ ንሞት ቤት ፍርዲ ኣግባብ ተኻይዱ ንሞት ተፈሪዱ ይርከብ። 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...