ዲክታተር መንግስቱ ሃይለማርያምን ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂን
ዝመሳሰሉልን ዝፈላለይሉን ነገራት
(1ይ ካብ 3)


ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝቐነኹሉ ጊዜያት “ጀነራሎቹ” ዘርእስታ ብሻምበል ኢዮብ ኣባተ እንዳለ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ኣንበብኩ፡፡ ትሕዝቶኣ ዲክታተር መንግስቱ ብኸመይ ኣብ ስልጣን ደይቡን ከመይ ገይሩ ብምሉኡ ነቲ ስርዓት ጠቅሊሉ ከም ዝገበቶን ትገልጽ። ነዚ ምስ ኣንበብኩ፣ ዲክታተር ኢሳያስ ድማ ልክዕ ከምታ ናይ መንግስቱ ኣገባብ ተኸቲሉ ብሙሉኡ ስልጣን ከም ዝገበቶን፣ ንሱ ንበይኑ ኣብ ኤርትራ ገባርን ሓዳግን ክኸውን ከም ዝበቐዐን ተመሳሳሊ ኮይኑ ረኺበዮ። ኮይኑ ግን ምምሕዳር ስርዓቶም ኣዝዩ ዝተፋላለየ ስለዝኾነ ንአንበብቲ ከካፍል ወሰንኩ፡፡ መጀመሪያ እስኪ ኣሕጽር ኣቢለ ናይ ዲክተተር መንግስቱ ሃይለማሪያም ከቕርብ።

ብ1974 ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝተፋላለየ ናይ መነባብሮ ኩነታት ምምሕያሽ ጥርዓን ኣለና ኢሎም 120 ወተሃደራት መሪጾም ነቲ ጥርዓኖም ንምቕራብን ተኸታቲሎም ንኽፍጸም ክገብሩ ንአዲስ አበባ ተላእኩ፡፡ እዞም 120 ወተሃደራት ተኣኻኺቦም “የኢትዮጵያ የጦር ሃይሎች ኣስተባባሪ ኮሚቴ” ዝብል ስም ንነብሶም ኣጠሚቖም ክዝትዩ ጀሚሮም፡፡ ሽዑ ናይቲ ኮሚቴ ኣቦ መንበር ሻለቃ መንግስቱ  ሃይለማሪያም፤ ምኽትል ኣቦ መንበር ድማ ሻለቃ ኣጥናፉ ኣባተ ኮይኖም ተመርጹ። እዚ ኮሚቴ “ኢትዮጵያ ትቅደም ኣቖርቓዥዋ ይውደም” ዝብል ጭርሖ ሒዙ ብሓደ ወገን ነቲ ንጉስ ተኣመንቲ መሲሎም በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ መንግስቲ ከም ፉልሖ ዉሽጢ ውሽጢ ከፍርስዎ ጀሚሮም። ናይ መንግስቲ ሰበልጣናት ክሾሙን ክቕይሩን ጀሚሩ። ጽንሕ ኢሎም ድማ ነቶም ቀንዲ ናይ ሃይለስላሴ ሰበ ስልጣናት ዝነበሩ በብሓደ እንዳ ጸዉዑ ኣሰርዎም። ኣብ መወዳእታ ንንጉስ ካብ ስልጣኑ ኣውሪዶም ንገዛእ ርእሶም “ግዜአዊ ወታደራዊ ኣስተዳደአር ደርግ” ዝብል ስም ሂቦም ሃገር ክመርሑ ጀሚሮም። እቶም ዝለኣኹዎም ወተሃድራት፡ እዞም ናይ ደርግ ኣባላት ንሕና መሪጽና ዝለአኽናዮም ነቲ ናብቲ ንጉስ ዘቕረብናዮ ጥርዓን ተኸታቲሎም ከፈጽሙ እምበአር ሃገር ምርሑ ኣይበልናዮምን፣ ከምኡ ምዃኑ እንተ ንፈልጥ እሞ ካልእና ምመረጽና እንዳበሉ ብሕርቃንን ቕንኢን መዓንጠኦም ሕርር በሉ።

መንግስቱ ነታ ብናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ዝተረኽበት ስልጣን ከይተምልጦን ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ገና ስለዘየደልደለ፣ ስስዐ ናይ ስልጣን ከምዘይብሉ ኣምሲሉ፡ ነቶም ናይ ደርግ ኣባላት ጀነራል ኣማን ሚኪኤል ዓንዶም ኣቦ መንበር ክኾኖም፣ ንሱን ኣጥናፉን ከአ ቀዳማይን ካልአይን ምኽትል ኣቦ መንበር ኮይኖም ከገልግሉ ምዃኖም ጽቡቕ ገይሩ ኣእመኖም። ብኡ መሰረት ንጀነራል ኣማን ዓንዶም ካብ ጥሮትኡ ጸዊዖም ኣቦ መንበር ገይሮም ሾምዎ።

መንግስቱ ኣብ ትሽቱሽትቲ ጀነራል ኣማን ተሓቢኡ ቀስ እንዳ በለ ሓይሉ ከደልድል ዕድል ረኸበ። ኣማን “እንዴት ኣንድ ኣገር በአስር ኣለቃና ኣምሳ ኣለቃ ይመራል” ኣብ ርእሲ ምባሉ በቲ ናይ ኤርትራ ነገር ድማ ካብ መብዛሕትኦም ናይ ደርግ ኣባላት ፍልይ ዝበለ ኣረኣያ ዘለዎ ብምንባሩ፣ ንዕኡ ደርግ ብዝተፈላለየ መልክዓቱን ጠባያቱን ክእለቱን ክጥቀሙሉ ከምዝደለዩ ፈሊጡ ኔሩ ይበሃል።  

መንግስቱ እቲ ኩነታት ገና ኣይተረጋገአን ስለ ዝነበረን ሓይሉ ድማ ገና ስለየደልደለ እታ ዝምነያ ስልጣን ክትሞልቀኒ እንድያ ኢሉ ብዙሕ ሰገአን ተጨነቐን። ሽዑ ናይ ደርጊ ኣባላት ኣኼባ ጸዊዑ ሕጂ ኣብ ልዕሊ እቶም ተአሲሮም ዝነበሩ ናይ ሃይለ ስላሴ ሰበስልጣናት ስጉምቲ ንኽውሰድ ምእንቲ ኣኼባታት ምግባርን ንጀነራል ኣማን ምክትታልን ጀሚሮም።

ብድሕር’ዚ ነቶም ኣሲሮምዎም ዝነበሩ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ኣስማቶም በብሓደ እንዳ ጸዉዑ  ብብዝሒ ድምጺ ይቀተልዶ ወይስ ይጽናሕ ኢሎም ብድምጺ ብልጫ 58 ሰበስልጣናት ንኽቕተሉ ወሰኑ። ትእዛዝ ተመሓላሊፉ፣ ወተሃደራት ናብቲ ተአሲሮሙሉ ዝነበረ፣ 4ኛ ክፍለ ጦር ሰዲዶም ነቶም እሱራት በብክልተ ሰብ ብኢድ ካቴና ኣሲሮም ንዓለም በቃኝ ቤት ማእሰርቲ ወሰድዎም፡፡ ናይ ኣማን ደገፍቲ ኢኹም ብማለት ንኽልተ መኮነናት ኣቐዲሞም ሰዓት 6 ናይ ምሸት ኣቢሉ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣምጺኦም ኣብቲ ጥቓ ዋርድያ ኮፍ ኣበልዎም። ሰዓት ሾሞንተ ናይ ምሸት ኣብ ልዕሊ እቶም 58ን ነቶም ክልተ መኮንናት ወሲኾም ተኹሲ ከፊቶም ቀተልዎም፡፡

ኣብ መንጉኡ ንጀነራል ኣማን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክእትዉ ዝተላእኩ ወተሃደራት ናብ መንበሪኡ በጺሖም ክኣትዉ ስለዘይከኣሉ ኣብ ዝተገብረ ናይ ተዂሲ ምልውዋጥ፣ ታንክ ነቲ ማዕጾ ረጊጻ ድሕሪ ምእታዋ፣ ጀነራል ኣማን ነብሱ ቐቲሉ።

ናይ ኣማን ሬሳ ድማ ዳርጋ ፍርቂ ለይቲ ክኸውን ከሎ ናብቶም እቶም ዝተቐትሉ ዘለውዎ ቦታ ኣምጽእዎ። ንጽባሒቱ ሰንበት ነቲ ቤት ማእሰርቲ ዓጽዮሞ ወዓሉ። እሱራት ከም ዘይብጽሑ ገይሮም፣ ሓደ ሓደ ካብ ፍሩዳት ዝኾኑ እሱራት ጸዊዖም፣ ንኽቐብርዎም ሓደ ዓቢ ጉድጓድ 7 መትሮ ጎኑ 7 መትሮ ቁመቱ፣ ንታሕቲ ድማ 3 ሜትሮ ዕምቆቱ ኩዒቶም ኣዳለዉ። ኣብዚ ብመጀመሪያ 20 ሬሳ ኣእትዮም ደፈንዎም። እንደገና ድማ ከምኡ 20 ሬሳ የእትዮም ብኖራ እናሸፈኑ፣ ኣብ መወዳእታ ነቶም ዝተረፉ 21 ሬሳታት የእትዮም መጀመሪያ ብኖራ ደሓር ድማ ብሓመድ ከዲኖም ካብቲ ከባቢ ዝነበረ ቖስጣን ሳላጣን ኣምጺኦም ኣብቲ ቦታ ተኸሉ፡፡ ድሕርቲ ኣትክልቲ ምትካሉ እቲ ቦታ ነቲ ሬሳታት ፈጺሙ ኣሕቂቕዎ ዝብል ርእይቶ ኣብቲ እዋን እቲ እየ ኣሕዲረ።

ኣነ ኣብቲ ግዜ እቲ፣ ኣብኡ ማለት ዓለም በቃኝ ኣብያተ ማእሰርቲ፣ ናይ ደርጊ እሱር ስለዝነበርኩ ኩሉ ነገር ይርእዮን ይሰምዖን ነይረ፡፡ ምስቶም 61 ዝተቐትሉ ንኽቕተል’ውን ስመይ ተጸዊዑ ነይሩ ግን ንበዓል ኣነ ኣብቲ ካልእይ “ናይ ምቕታል ዙር” ተባሂሉ ስለ ዝተወሰነ ካብታ ናይታ ሽዑ ምሸት መቕተልቲ ኣምሊጠ። ዝርዝሩ ኣብቲ መወዳእታ ናይዚ ጽሑፍ ከቕርቦ ኢየ።

መንግስቱ ገና ዝአክል ሓይሊ ስለ ዘየደልደለ ካብ ብሕጂ ኣነ ኢየ መራሒኹም ክብል ኣይደለየን። ደርግ ድሕሪ 3 መዓልቲ ኣኼባ ኣካዪዶም ድሕሪ ብዙሕ ክርክር ንጀነራል ተፈሪ ባንተ ኣቦ መንበር ክኸውን ወሰኑ፡፡ ተፈሪ ባንተ ንኽምረጽ ዝደፋፈአ ድማ መንግስቱ ኢዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ጀነራል ተፈሪ ባንተ ብዙሕ ናይ ስልጣን ሕርፋን ዘይነበሮ ስለ ዝኾነ መንግስቱ ኣብ ትሕቲኡ ኮይኑ ክሳብ እግሩ ዘደልድል ክጸንሕ ከም ዝኽእልስ ይፈልጥ ነይሩ። መንግስቱ ሕጂ’ውን ከምታ ኣብ ድሕሪ ኣማን ተኸዊሉ ዝሰርሓ ዝነበረ ቀስ እናበለ ውሽጢ ውሽጢ ደገፍቱ ምውዳብ ጀመረ፡፡ ሽዑ ኣብ ኢትዮጵያ አፒኣርፒን መኤሶን ዝበሃላ ክልተ ፓርቲታት ኣንጻር ደርጊ ይንቀሳቐሳ ነይረን። ነንሕድዶም ድማ ኣንጻር ኢዮም ነይሮም። መንግስቱ ነቶም መኤሶም ዝበሃሉ ናይ ደርጊ ደገፍቲ ንክኾኑ ቀስ ገይሩ ኣእመኖም። ጀነራል ተፈሪ ባንተ ግን ምስ ኩላቶም ዘተ ነካይድ በለ፡፡ መንግስቱ ነዚ ኣይተሳማማዓሉን ምኽንያቱ ንክልቲኦም ወገናት ነቲ ውሳነ ዘተ እንተተቐቢሎሞም ስልጣን ከካፍልዎም ኣለዎም ማለት ኢዩ፡፡ እንተድኣ ደልዲሎም ድማ ንኽልቴአቶም ምጥፋእ ክሽግሮ ምዃኑ ፈሊጡ ነቲ ሓሳባት ኣይተሰማማዓሉን ጥራሕ ዘይኮነ፣ እቲ ናይ ስልጣን ጠቕሊልካ ምሕዝ ሓሳባቱ ኣብ ግብሪ ንኸውዕሎ ክጽግሞ ምዃኑ ተረደአ፡፡ ደርጊ ነዚ እንዳተኻራኸርሉ ከለው እቶም መኤሶን ምስ ደርግ ጸግዒ ክሕዙ ከለዉ፣ ኢፒአርፒ ድማ ኣንጻር ደርግን ኣንጻር መኤሶንን ምንቅስቓሶም ኣጎሃሃሩ።
 
ብ1976 መወዳእታ ደርጊ ሓድሽ ናይ ስራሕ ኣግባብ ኣዳልዩ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ብምግባር፣ መንግስቱ ናይ ሚኒስተራት ኣቦ መንበር ክኽውን ተገብረ፡፡ በዚ ሓድሽ ሓላፍነት መንግስቱ ፈጺሙ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ስልጣን ከምዘይብሉ ተገብረ፡፡ እዚ ድማ ነቲ ዝሓስቦ ዝነበረ ሓደ መዓልቲ ነቲ ስልጣን ጠቕሊልካ ናይ ምሓዝ ዕድሉ ከምዘይሰምረሉ ፈለጠ፡፡ ነቲ ሓድሽ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ከምዝተሰማማዓሉ መሲሉ፣ ነገለ ሳምንቲ ውሽጢ ውሽጢ ክውድብ ድሕሪ ምጽናሕ ሓደ መዓልቲ ናይ ሙሉእ ደርጊ ኣኼባ ክግበር ሓቲቱ ብዛዕባ ናይ ተመሃሮ ዘመቻ ይቐጽልዶ ወይስ ኣይቐጽል ንዝብል ጉዳይ ክንዛራረበሉ ኣሎና በሎም፡፡ ደርጊ ተአኪቦም ኣኼባ እንዳተኻየደ ከሎ መንግስቱ ኣቐዲሙ ኣዳልይዎ ብዝነበረ ሽጣራ ተሌፎን ናብቲ ዘለዎ ምስተደወለት መጸዋዕታ ዘሎዎ መሲሉ ካብቲ ኣኼባ ወጸ።

ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ማሺንጋን ዝተዓጥቑ ወተሃደራት ነቲ ማዕጾ ባግ ኣቢሎም ከፊቶም ኣትዮም ንሸውዓተ ሰባት ኣስማቶም ጸዊዖም ንዑ ዉጹ በልዎም፡፡ ሓደ ካብአቶም ጀነራል ተፈሪ ባንተ ነበረ፡፡ እቶም ካልኦት ድማ ኩሉም ዲግሪ ዘሎዎም መኮነናት ኢዮም ነይሮም፡፡ ንሸዉዓቲኦም ሽዑ ረሺኑ ናብቲ ኣኼባ ተመሊሱ፤ “ነቶም ንምሰሖም ክገብሩና ዝሓሰቡ ቀዲምና ንቁርሲ ጌርናዮም ኢና” ኢሉ ነገሮም፡፡ እቶም ዝተረፉ ናይ ደርጊ ኣባላት መን ምስ መንግስቱ ከም ዘሎን ዘየሎን ስለዘይፈለጡ ፈዚዞም ሱቕ በሉ፡፡ ቀጺሉ ካብ ሕጂ ንደሓር ኣነ ኣቦ መንበር ክኸውን ከሎኹ ኣጥናፉ ኣባተ ድማ ምኽትል ኣቦ መንበር ኢዩ ኢሉ ነገሮም፡፡ ንሳቶም ነቲ ዝበሎ ሰሚዖም ኣጽቐጡ።



Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...