“ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብዶክቶር የዕብዮ ወልደማርያም 4-21-2010 ኣብ መርበብ ኢንተርነት ዓዋተ ዝቐረበት ጽሕፍቲ ምሰ’ንበብኩ እዚ ዝስዕብ ርኢቶ ክሕውስ ወሲነ።

መበገሲ ጽሑፍ ናይ ዶክተር የዕብዮ ኣቶ ስዩም መስፍን ናይ ኢትዮጵያ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ናይ ኤርትራ ደምበ ተቓወምቲ ምስ ኢትዮጵያዋያን ሰብ መዚ ተኣኪቦም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዝተዛረብዎ ዘረባ ኢዩ። ሓሳብ ምጥርናፍ ንኽጥዕም ድማ ደጊመ ክጠቕሳ፣

“Seyoum Mesfin went to say that it is not uncommon to hear Eritreans ask the question; “What does Ethiopia want” and it is a timely question to also ask, “what do Eritreans want from Ethiopia?” Awate.com Gedab news”

ኣብቲ ቐንዲ ዘረባ ቅድሚ ምእታወይ ግን ኣብ እዋን ምብራዕ ኩናት 1998 -2000፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሕተም ሪፖርተር ዝበሃል ጋዜጣ “ኤርትራውያን በኢትዮጵያ ኢትዮጵያውያን በኤርትራ”

ብስም ስባጋድስ ሓጎስ ዝቐረበ ጽሑፍ ኣብ እዋኑ ብዙሕ ኣዛሪቡ ኔሩ። ብፍላይ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ንነብር ዝነበርና ሻዕብያን ወያነን ከምዝተማነዉ ብንጹር ኣሚቱልና፣ ክሳብ ንስጎግ ዕለት ድማ ብዛዕባ መጻኢ ዕድልና ከም ንሻቐል ጌሩና። ምኽንያቱ ምስ ሻዕብያ ኤርትራውያን፣ ምስ ወያነ ድማ ኢትዮጵያዋያን፣ ብምዃን ኣብ ውዑይን ዝሑልን ንኽልቲኦም ነገልግል ስለዝነበርና ጉዳይ መጻኢ ዕድልና ኣብ ኢትዮጵያ ሕጋዊ መዕለቢ ከይረኸበ’ዩ ተኹሊፉ።

ጋዜጣ ሪፖርተር 08-30-2009 ድማ “የኢትዮ ኤርትራ ጉዳይ ወጪና ኪሳራ... ስለሺ ማንደፍሮ ዘውጽኦ ጽሑፍ ...”የኢትዮጵያ ኤርትራ ጉዳይ ኣሁንም የኣገር ቤት ውስጥ ኣጀንዳ ነው” ... ኢሉ ይጅምር።

ስለዚ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዙሕ ዘይበሰለ ምዕራፋት ኣለዎ’ሞ ድሕሪ ሕጂ’ውን ክሳብ ዝጠልል ግቡእ ኣድህቦ ይግብኦ እብል። ከም’ዛ ዛዕባ’ዚኣ ከጋጥም ከሎ ድማ፣ ብውሕሉል ቋንቋ ግቡእ መልሲ ክወሃቦ ይግባእ። ዶክቶር የዕብዮ ክብሎ ዝደለየ መልእኽቲ ንኸመሓላልፍ ምኽሩ ለጊሱ ከብቅዕ ኣብ መወዳእታ “ናይ ኣቶ ስዩም ሕንቅልሕንቅሊተይ በዚ ዛዚምና” እናበለ ናብ መደምደታ ሓሳቡ ቀጺሉ። ከም ርኢቶይ ግን ዘረባ ኣቶ ስዩም ፖለቲካ ድኣምበር ሕንቅልቅሊተይ ኣይኮነትን።

ስለ’ዚ ኤርትራውያን ካብ ኢትይጵያ ዝደልይዎ እንታይ ኢዩ? ዝብል ሕቶ በሃሊኡ ብዘየገድስ ግቡእ መልሲ ዝደሊ ናይ ፖለቲካ ሕቶ ኢዩ። እንተኽኢልካ እትደልዮ ኣነጺርካ መልሲ ምሃብ’ዩ። ምኽንያቱ ስደተኛታት፣ ተቓወምቲ ውድባት፣ ከምኡ’ውን እቶም ኣብ ግዜ ኲናት ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጉ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ይውሕዙ ኣለዉ። ብወገነይ ኣብ’ዛ ሕቶ’ዚኣ ሕቡእ ምስጢር ኣይረኣየንን። እቲ መልሲ ግን ካብ ሰብ ናብ ከም ዝፈላለ ኣይጠራጠርን። እታ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ እንታይ ትደሊ ትብል ሕቶውን ዓባይ ሕቶ ኢያ። ፈላሊኻ ክትርእየን’ውን የጸግማ፣ ምናልባት እንተ’ድለየ ድማ ኢትዮጵያውያን ይመልስዋ። ኣብ’ዚ ኩነታት’ዚ ንኣይ ዝገርመኒ ነገር ኣሎ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ብጀኦግራፊ፣ ብባህሊ ይኹን ብታሪኽ ኣዝየን ዝተቐራረባ ስለዝኾና ከም ክሰማምዓ ዘይክእላ ተወዳድርቲ ወይ ድማ ከም ተሃላለኽቲ ሃገራት ጌርካ ምርኣየን ኣዝዩ ይገርመኒ። ኤርትራ ንእሽቶ ስለዝኾነት ከም ዓቕማ፣ ኢትዮጵያ ድማ ዓባይ ስለዝኾነት ከም ዕብየታ ምርኣይ ይሓይሽ እብል።

ዝኾነ ኾይኑ ናብ’ቲ ቀንዲ ዛዕባ ክምለስሞ፣ ካብ ዘረባ ኣቶ ስዩም “ኤርትራውያን” ትብል ቃል ንመን ተስምዕ?

ክም ርኢቶይ ነቶም ምኽሩን ሓገዙን ደልዮም ናብ ቤት ጽሕፈቱ ዝመላለሱ ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ጥራይ ኣይኮነን። “ቁሪ ናበይ ደሊኻ ናብ ክዱናት፣ ኣብኡ’ንዶ ኣለዉኻ ዕሩቓት፣ ንሳቶም ድኣ ትሑዛት።” ከም ዝብል ምስላ ኣበው፣ እዚ ሕቶ’ዚ ንኹሉ ኤርትራዊ ከምዝምልከት ስልዝኣምን እነሆ ርኢቶይ።

ሀ) መግዛእቲ ፈረንጂ ዝገደፎ ጽልዋ ዘይበለየሎም ኤርትራዋይን፣

እዚኣቶም ብፖለቲካ ብኤኮኖሚ ከምኡውን ብባህሊ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያዋያን ከምዝነፍዑን ከምዝበልጹን ዘድምቕ ኣተሓሳስባ ዘለዎም፣ ክሳብ’ውን ኤርትራውያን ፍሉያት’ዮም ወላ ብውግእ መን ይኽእሎም ክብሉ ዝደፍሩ እዮም። ንሳቶም ነቲ ብሓደ ጎድኑ “መን’ዩ ጎብለል ናይ’ዚ ዞቦ ንምፋላይ ዝግበር ኩናት’ዩ” እናተባህለ ዝተኻየደ ኩናት 1998-2000 ኣብ ምህንዳስ ይኹን ውጽኢቱ ኣብ ምትርጓም ዓቢ ተራ ኣለዎም።

ሁ) ብመግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝባህረሩ ኤርትራውያን፣

እዚኣቶም ብስቓይን ሕሰምን ግፍዕታት ንጉስ ሃይለስላሴን ደርግን ሰኪሖም፣ ንታሪኽ ብመንጽር’ቲ ዘሕለፍዎ፣ ዝረኣይዎ፣ ወይ ድማ ዝሰምዕዎ፣ ግፍዕታት ዘንብቡ፣ ብናይ ቂምታ ፖለቲካ ኣስናኖም እናሓርቀሙ፣ ኢትዮጵያን ጸላእን፣ ፈላልዮም ክርእዩ ብቕዓት ዘይብሎም ዜጋታት እዮም። ሕሉፍ ሓሊፍዎም ድማ እቲ ተሓቚኑ ዘይጽዒ “ኢትዮጵያ ብዘይካ ኤርትራ ከም ሃገር ክትቅጽል ኣይትኽእልን’ያ ዝብል ብላይ ፍልስፍና ናይ ንጉስ ሃይለስላሴን ናይ ደርግን” እናሓቖኑ ጌና ብሕጂ’ውን ኢትዮጵያ ዓሰብዶ ባጽዕ ደልያ፣ ሎሚ ወይ ጽባሕ፣ ንኤርትራ ክትወራ ትኽእል’ያ እናበሉ፣ ካብ ጌግኦም ንኸይእረሙ ስግኣት ክነዝሑ ዝነብሩ እዮም ። ብዕድመን ብኣተሓሳስባን ድማ ምስቶም ጽልዋ መግዛእቲ ፈረንጂ ዘይበለየሎም ብብዙሕ ይመሳሰሉን ይሰማምዑን። ኣብ’ቲ ኣብ መንጎ ሻዕብያን ወያነን ዝተገብረ ናይ ህልኽ ኩናት (1998-2000) ድማ ዓቢ ተራ ኣለዎም። ዛጊት ከምዝተረአ እዚኣቶም ዘጋጠሞም ፈተና ብበትሪ ክፈትሕዎ ክፍትኑ እንተዘይኮይኑ ብቛንቋ ናይ ምብልሓት ሜላ ክሳብ ሎሚ ኣየጥረዩን።

ድኽምነት ናይ’ዚ ብቛንቋ ናይ ምብልሓት ሜላ ክሳብ ክንደይ ንኤርታራ ከምዝሃሰያ ንምርድእ እስኪ እዘን ዝስዕባ ምሳሌታት ንመልከት።

ኤርትራዊ ጸሓፋይ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብ’ዚ ቀረባ ካብ ዝሃቦ ኣስተምህሮ ዝተወስደት ኢያ።

( 1) ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ከምዝበሎ፣

Eritrean author visits PSU Schuylkill classes.

assena.com 04-15-10.

“Tesfai said the Italians had made it a point to suppress Eritrean education as much as possible, capping education at the fourth grade. Ethiopians claimed Eritrea as a “long lost province,” Tesfai said, and his country found it difficult to make case for independence.

“Eritreans didn’t have the capacity to express themselves,” Tesfai said the written language had not been developed enough.”

(2) ፕሮፈሰር ተስፋጽዮን መድሃኔ፣ ብረመን ጀርመን ነሓሰ 2009 ካብ ዘስምዕዎ መደረ ዝተወስደት ኢያ።

ፕሮፈሰር ተስፋጽዮን ኣብ ውሽጢ “ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ክግበር ዘለዎ መኸተ፣” ትብል ኣስተምህሮኦም ከም’ዚ ይብሉ።

“...ሓው ንዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኤርትራውያን ክቛናጽብዎ ከለዉ ዓሻን ጉዳምን ጥራይ ዘይኮነ እንታይነቱ ክጽናዕ ዘለዎ ሕማም እውን ኢዩ። ..... ሕማም ስለ ዝኾነ ከኣ፣ ብትሕዝቶ ታሪኽን ባህልን ዝተቓመመ መድሃኒት ንኽርከቦ እጃመይ ከበርክት ክፍትን’የ።” ይብሉ።

ሂ) መግዛእቲ ሻዕብያ ዝፈጠሮም ኤርትራውያን፣

ክሳብ ሕጂ ከምዝተረአ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ወጺኡ መንግስቲ ሻዕብያ ኣትዩ። እዚ ድማ ነጻንት ተባሂሉ’ሎ። ብዛዕባ ፍልልዮ ምዝርዛር ንነፍስወከፍ ኤርትራዊ እገድፎ።

ናተይ ርኢቶ ግን፣ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ሻዕብያ/ህግደፍ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን ኣተሓሕዛ ህዝብን፣ ምምሕዳር ሃገርን፣ “ዘይተሰምዐ’ምበር ዘይተገብረ የለን” ዝብል ምስላ ካብ ምድጋም ናብ ምዝርዛር ክሓልፍ ኣይደልን።

ነቲ ክብሎ ዝደሊ ምእንቲ ክተብርሃለይ ግን እዛ ሓጻር ዕላል ከዘንትወልኩም። ኣብ ክፍላ 1999 ኣቢሉ ኣብ ኣስመራ ዘጋጠመትኒ ታሪኽ’ያ።

ሓደ መዓልቲ ኣጋ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ፋዱስ ኣቢሉ ጨው ቀትሪ እናተጎዓዝኩ፣ ንእግረ መንገደይ ዝፈልጦም መምህር (ዕደመ 55 -60) ቀቅድመይ ባይታ ባይታ እናጠመቱ ህውኽ ኢሎም ክጎዓዙ ተዓዘብኩ’ሞ ኣሳጉማይ ድርብ ድርብ ኣቢለ ኣርከብኩዎም። እንተ’ስተባሃልኩስ መምህር ሆየ ምስነብሶም የውግዑ። ዳርጋ ማዕረ ማዕረ እናተጎዓዝና’ውን ኣየቕለቡለይን።

ሽዑ ባዕለይ ‘ማዓልኩም መምህር!! እንታይ ደኣ ተመሃሮ ምጽናዕዶ ኣብዮም’ዮም በይንኹም ተውግዑ በልኩ። መምህር ድማ ቁዕርር ዝ’ኣፋ እንታይ ክዓብሰሎም ከጽንዑ!! በሉኒ። ኣነ ድማ ሰንቢደ ዋእ! መምህር ደሓንዶ ዓዲ! ወሰኽኩ። መምህር ካብ ድቃስ ከም ዝተበራበሩ ድምጾም ዋዕ ኣቢሎም ስማዕ! ኢሎም ዘረባኦም ቀጸሉ፣ ኣነ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳን ጆርጆ መንደፍራ’የ ተማሂረ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ተመሃሮ እንተረቢሽና ብፖሊስ ተታሒዝና ንእሰር ኔርና። ኣብ’ቲ ቤት ማሕቡስ ድማ ከም መቕጻዕቲ ጀርዲን ንኹስኩስ’ሞ ኣሕምልቲ ንበልዕ። ዒባ ናይ ስታላ ንጸርግ’ሞ ጸባ ንሰቲ ኔርና። ሎሚ ግን እዞም ኣነ ዝምህሮም ቆልዑ ኣብ ቅድሚኦም ካልእስ ይትረፍ ከም’ቲ ኣነ ዝእሰረሉ ዝነበርኩ ዕድል’ኳ የብሎምን። ስለ’ዚሲ እንታይ ክዓብሰሎም’ዮም ዘጽንዑ፣ ትብል ቃሎም ደገሙለይ። ኣነ ድማ ደሓን!! ደሓን!! መምህር ክሓልፍ’ዩ ንኺድሞ ቡን ንስተ በልኩ። መምህር ግን ቡንካ ይትረፈኒ ኪድ ስራሕካ ግበር በሉኒ’ሞ ተፈላለና።

መንእሰያት ኤርትራ እምበርከስ ብሕሰም መግዛእቲ ሻዕብያ/ህግደፍ ሰኪሖም ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን፣ ብትምህርቲ ብስራሕ ውይ ድማ ብሰላም፣ ተስፋ ዝህቦም ኣይረኽቡን። ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ወለዶም ክገብርዎ ዝግባእ ክገብሩ ዝውዕሉን ዝሓድሩን፣ ዝሞቱን ዝሓሩን፣ ዘለዉ መንእሰያት እዮም። ሽሕ’ኳ ብዛዕባ ግፍዕታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊኦም ጽዑቕ ጎስጓስ እንተተኻየደ፣ ነዚ ዘጋጥሞም ዘሎ ግፍዕታት ሻዕብያ/ህግደፍ ከረስዖም ኣይክእልን’ዩ። እዚኣቶም ገዚፍ ናይ ጥዕናን ናይ ትምህርትን ክንክን እንተዘይረኺቦም ኤርትራ እንታይ ዓይነት ሃገር ክትመስል’ያ ንታሪኽ ዝግደፍ ሕቶ ኢዩ። ምናልባት እዚኣቶም ካብ ኢትዮጵያ እንታይ ይደልዩ ዝብል ሕቶ ድማ፣ መዓስከራት ሽመልባ ይመስክሩ።

ዝኾነ ኮይኑ ግን ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ቻይናዋያን ከምኡ’ውን ኣስታት ሰለስት ሚልዮን ህንዳውያን ካብ ዩኒቨርሲቲን ካብ ኮለጃትን ኣብ ዓመት ይምረቑ’ለዉ። እዚኣቶም ምሸት ምሽት እንኪድቅሱ ብዛዕባ ሃገሮምን መጻኢ ዕድሎምን እንታይ ይሓልሙ። ኤርትራውያን መንእሰያትከ ብዛዕባ’ምንታይ ይሓልሙ ክነጻጸር ዝኽእል ጉዳይ ኣይኮነን።

ከምኡ’ውን ታሪኽ ቢል ጌትስ (ማይክሮሶፍት) ከምዝምስክሮ ሃብቲ፣ ማዕድናት (ወርቂ፣ ጨው....) ብምሻጥ ብምሽቃት ጥራይ ዘይኮነ ብትምህርትን ብኢንፎርማሽንን ይድለብ ኢዩ። ኤርትራውያን ግን ናይ ትምህርቲ ሃብትስ ዸሓን ይጽናሕ እታ “ብቐሊሉ ዝዕደን ማዕድን እንተሃለወ ጨው’ዩ” ዝበላ ዶክቶር የዕብዮ፣ ጨው’ኳ ኣብ’ታ ዝቐረበት ዕዳጋ ናይ ኢትዮጵያ ክንሽቅጥ ኣይከኣልናን። ጨው ይኹን ናይ ወደብ ኣገልግሎት ንኢትዮጵያ ንምሻጥ እምበኣርከስ ምምስሳልን ምትዕጽጻፍን ይሓትት። እዚ ብቑዕ ስልጠናን ትምህርትን ዝሓትት ሜላ እዩ። ኤርትራውያን ነዚ ምስንገብር ኢትዮጵያ ናብ ካልእ ዕዳጋ ትቋመተሉ ምኽንያት የለን። ሰኣን’ዛ ሜላ’ዚኣ ኣብ ህልኽ እንተቐጺልና ግን፣ ኢትዮጵያ ወላ ዕጽፊ ከፊላ ነዞም ናይ ኤርትራ ሃብቲ ካብ ካልእ ዕዳጋ ክትገዝኦም ናታ ምርጫ ኢዩ። እንተ ኸሲባ እንተኸሲራ ባዕላ’ላቶ። ብዛዕባ ክሳራ ናይ ኤርትራ ምትንታን ግን ንኹሉ ኤርትራዊ ዝጽበ ዘሎ ዓቢ ኣርእስቲ እዩ። እንተተኻኢሉ’ኳ።

ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ዘረባ ምድጋም ድኣ ከይከውን’ምበር፣ ኣብ’ቲ እዋን ኩናት 1998 - 2000 ካብ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ዝተላኣከ ናይ ረድኤት ምግቢ፣ ኣመሪካውያን ብዓሰብ ከሕልፍዎ ሓቲቶም ኔሮም። ይኹንደኣ’ምበር ሽሕ’ኳ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሕራይ እንተበለ ኢትዮጵያ ኣብያ። ምኽንያቱ ድማ፣ ብወግዒ ኤርትራ ምእንቲ ከይትረብሕ ብዓሰብ ዝኣቱ ረድኤት ኣይንቕብልን ኢና፣ ክብሉ መርገጺኦም ኣነጺሮም ገሊጾም። እቲ ህልኽ ክሳብ ክንድ’ዚ ኢዩ ኔሩ።

ዝኾነ ኾይኑ ታሪኽ መምህር ዝኸውን እንተኾይኑ፣ ህሉው ታሪኽ ዓለምና ከምዝምስክሮ ዕድልን ነጻነትን ዝረኸበ፣ ወዲ ሓደ ተራ ሰብ ኦባማ “ለውጥን ተስፋን” እናበለ ንሙሉእ ዓለም ብቛንቋ ኣንቀሳቒሱ ንኢምፐሪያሊዝም ኣምበርኪኹ ኣብ ዝሓሰቦ በጺሑ ስርሑ ይገብር ኣሎ። ንዓለም ድማ ይመርሕ ኣሎ። ኤርትራውያን ድማ ንሓድሕድና ምስ ፈትውትና ይኹን ምስ ጸላእትና ከይተቐያየምና ሓሳብና ንገልጸሉ ናይ ቋንቋ ብቕዓት የድልየና’ሎ።

ሃ) ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝተሰጉ ኤርትራውያን፣

ዶክቶር የዕብዮ፣ ንኽፋል ዘረባ ኣቶ ስዩም “..ንዘይማዕበላ ሃገራት ዋና ሞቶር ክኸውን እትጽበዮ ክኢላን በዓል ሙያን’ውን ካብ ኢትዮጵያ ምስጓግ ናብታ ሃገር ዘስዓቦ ኣሉታዊ ተጽዕኖ ከምዘይብሉ ኢያ እተስምር።” ይብል። ስዩም ዝበለ ይበል፣ እዚ ዘረባ’ዚ ተገልቢጡ ኢትዮጵያ ድያ ከሲራቶም ወይስ ንሳቶም’ዮም ከሲሮማ ናብ ዝብል ሕቶ የምርሕ።

ምኽንያቱ ሻዕብያ/ህግደፍ ደርጊ ዘስልጠኖ ሞያ ስለዝፍንፍን፣ ኣቐዲሙ’ውን መማህራን ዩኒቨርሲቲ ካብ ስራሕ ኣባሪሩ፣ ሰራሕተኛታት ጸልጺሉ ስለዝነበረ፣ ነቶም ዝተሰጉ ሰብ ሙያ ከምዓለሞም ክጥቀመሎም ኣይከኣለን። እንተ’ቶም ሰባት ግን ብዘይጥርጥር ፋሕ ብትን ኢሎም፣ ብሂወትን ብሞያን ከኣ ጠፊኦም። ወያነ’ኮ ንሻዕብያ/ንኤርትራ ሓንቲ ቅርሺ ምእንቲ ከኽስሩ ዕጽፉ ወላ’ውን ዝያዳ ክኸስሩ ድሉዋት ምዃኖም ዝጠራጠር ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ንሳቶም’ውን ኣግሂዶሞ እዮም።

ብሓፈሽኡ ግን እቲ ናይ ምስጓግ መስርሕ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከይተረፉ ፎ!!! ነውሪ!!! ኢሎሞ እዮም። መን ረቢሑ መንከ ከሲሩ ዝብል ሕቶ ኣልዒልካ ንድሕሪት ተመሊስካ ካብ’ዚ ፖለትካ ክትጸሙቕ ምፍታን ግን ብወገነይ ንቕድሚት ዘሰጉም ኣይመስለንን።

ክንስጎግ እንከሎና ዝሰማዕናዮ ዘረባ ግን “ኪዱ’ሞ ሰብኡት ኩኑ ዓድኹም ዓዲ ግበርዎ። ኣበይ ከምዝነበርኩም ዝርደኣኩም ድማ ኣብ ዓድኹም ምስበጻሕኩም’ዩ” ይብል። እቲ ኹሉ ኹናት እቲ ኹሉ ህልኽ ከኣ ሓንሳብ መን’ዩ ጎብለል ናይ’ዚ ዞባ ንምፍላይ፣ ይበሃል። ብኻልእ ቃላት ድማ ኤርትራ ብዘይ ኢትዮጵያዶ ወይስ ኢትዮጵያ ብዘይ ኤርትራ፣ መን ምንባር ከምትስእን ክንርኢ ኢና፣ ይበሃል። ጌና ብሕጂ’ውን ማ’ጨሎት ዝነጽግ ለባም እንተዘይተረኺቡ እቲ ናይ ህልኽ ጉዕዞ ብዝጀመሮ ይቕጽል ኣሎ።

ብወገነይ ሽሕኳ ካብ’ቶም ዝተሰጉ እንተኾንኩ ተስፋ ኣይቆርጽን’የ። ከመይ’ሲ ብዙሓት ተስፋ ዝህቡ ሰባትን መንገድታት ኣለዉ። ካብ’ዞም ናይ ተስፋ መንገድታት ከም ኣብነት ንምጥቃስ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ 2007፣

The dilemma of Eritrean identity and its future trajectories.

A paper read at the IV Congress of Association of African Historians.

Addis Ababa May, 23 to 25 2007.

By ተኸስተ ነጋሽ

Dalarna University

Center of African Studies

Falun Sweden.

“There has never been a problem between the Eritrean and the Ethiopian peoples, none in the past and nothing in the present. On the contrary these two peoples more than any other peoples in the region, enjoy a common cultural and historical heritage.......The TPLF (The Ethiopian government) regime, ignoring the deep historical and brotherly relations of the two peoples, launched an open aggression against Eritrea.... The relations between the Eritrean and Ethiopian peoples are so stable and excellent that they could not be ruptured even in times of war.......”

ስለ’ዚ ጉዳይ ህዝቢ ንህዝቢ እንተዝግደፍ ክንደይ ምመዓረ። እዛ ኤርትራ ናይ ሎሚ ብኲናት 1998 – 2000 ናብ ኤርትራ ናይ ሕጂ ተቐይራ እያ። ኤርትራውያን ደቂ ሎሚን ኤርትራውያን ደቂ ሕጂን ድማ ዝላዘብሉ መድረኽ የድሊ’ሎ።

ሄ) ደምብ ተቓውሞ፣

እዚኦም ድሕሪ ውድቀት ሻዕብያ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ኲናት 1998 -2000 ብተብተብ ዝተፈጥሩ እዮም። መብዝሕትኦም ምስ ጀብሃ ወይ ምስ ሻዕብያ ጽኑዕ ምትእስሳር ስለዝነበሮም፣ ብቐሊሉ ዝቃደዉ ኣይኮኑን።

ገሊኦም ድማ ምስ ሻዕብያ/ህግደፍ ክባተኹ ኣይደልዩን’ዮም። ምናልባት ሎሚ ወይ ጽባሕ ሻዕብያ ናብ ልባ ትምለስ ትኸውን’ያ ስለዝብሉ ከኣ ጎቦ ልቦም’ዮም ዘለዉ። ገሊኦም ድማ ቀደም ሻዕብያ ዝገበረትና! ወይ ድማ ወያነን ሻዕብያን ተዘራርየን ዝገበራና፣ ካብ ዝብል መርገጺ ኣይተላቐቑን። ብዓቢኡ ድማ፣ ኣብ ሙሉእ ዓለም ተበቲኖም ስለዝነብሩ ዘድምዕ ናይ ሓባር መትከል ክሕንጽጹ፣ ብቦታን ብግዜን ቀሊል ኣይኮነን። ልክዕ ከም’ቲ ፍልልዮም ድማ ካብ ኢትዮጵያ ዝደልይዎ ሓገዝ ይፈላለ። ጽባቐን ዕብየትን ናይ ኣስማቶም ንዝርኢ ግን ይሃበናን ይሃብካን የብሉ።

ዶክቶር የዕብዮ ጽሑፉ እንኪዛዝም “ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ርክብ ከም እንግሊዝን ኣመሪካን፣ ጀርመንን ፈረንሳን፣ ካናዳን ኣመሪካን ወዘተ ክኸውን ንምነ።” ይብል!!! ክንደይ ይጽብቕ ትምኒት! ይፍጠረልና። ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ ንሓመድ ዱግሪ የውጽኦ ኢሉ ከምዝመሰሎ ዶክቶር የዕብዮ፣

“ሓደ ሰብኣይሲ ጽብቕቲ ሕልሚ ሓሊሙ ይበሃል። ሓላማይ፣ እዛ ሕልሚ’ዚኣ ክትፍታሕ ኣለዋ ኢሉ ንጽባሒቱ ኣንጊሁ ተንሲኡ ሕልሙ ዝፈትሓሉ ፈላጥ ክረክብ ሃሰስ ይጅምር። ዕድል ጌሩ ብዙሕ ከይረሓቐ ሓበርቲ ይረክብ’ሞ ኣብ ቅድሚ ፈታሕ-ሕልሚ ቀረበ። ፈታሕ ሕልሚ ግርማ-ሞገስ ዝመለኦም ጨሓም ሽማግለ ሰብኣይ ኣብ መንበሮም ኮፍ ኢሎም፣ ሃየ በል ዝ’ወድይ እንታይ ሓሊምካ በልዎ። ሓላማይ ድማ ፊት ንፊቶም ጠጠው ኢሉ፣ ጽብቕቲ ሕልሚ ሓሊመ በለ። ፈታሕ ሕልሚ ድማ ዘምጽኣካ ግበር ዝወደይ ክፈትሓልካ ተቐሪበ ስለዘሎኹ ዝሓለምካዮ ዘርዚርካ ንገረኒ በልዎ። ሓላማይ ድማ እወ ንጉስ ኮይነስ! ኢሉ ዘረብኡ ምስ ጀመረ ፈታሕ ሕልሚ እንታይ በልካ በልዎ። እወ ንጉስ ኮይነስ ዘውዲ ኣብ ርእሰይ ..... ብምባል ሕልሙ ክገልጽ’ኳ እንተ ፈተነ፣ ፈታሕ-ሕልሚ ዘረብኡ ኣቋሪጾም፣ ሱቕ በል! ዝ’ወደይ! ኪድ’ሞ ገዛኻ፣ ስራሕካ ግበር፣ ምስደቀስካ ድማ ዓቕምኻ ሕለም በልዎ። ይበሃል።”

ንኤርትራውያን ድማ ዝቐደመ “ታይዋን” “ሲንጋፖር” ዝብል ትምኒት፣ ዝገደፎ ትምህርቲ ኣይምኣኸለንዶ? ሳእንኻ ማዕረ እግርኻ ኢሎም ይምስሉ ተዛረብቲ።

ኣብ ቦትኡ እንኪውዕል ትምኒት ጸሎት ወይ ምህልላ ኣይጽላእን’ዩ። ከም’ዚ ሕጂ ዘዛርብ ዘሎ ፍሉይ ናይ ፖለቲካ ዛዕባ ሒዝካ ተበጊስካ ትንታኔኻ ብትምኒት ክትዓጽዎ ምፍታን ግን ንቕድሚት ኣየሰጉምን’ዩ። ብፍላይ ድማ ኤርትራ ትጎዓዘሉ ዘላ መንገዲ እናረአኻ ከም’ዚ ዓይነት ትምኒት መዕጸዊ ናይ ሓደ ህጹጽ-ፍታሕ ዝደሊ ፖለቲካዊ ኣርእስቲ ኮይኑ ክቐርብ’ከሎ፣ ንኣይ ዳግማይ ምጽኣት ወዲ-ዝጊ የርእየና ምባል መሲሉ ይረኣየኒ። ምኽንያቱ ቅድም ቀዳድም ኤርትራ ብእግራ ጠጠው ምባል ክትክእል ኣለዋ። ሽዑ ዝተሓዝ ምስሓዝካ ድላይካ ምዝራብ። ንግዜኡ ግን ክንብርኩት ከይንብርኩትሲ ኣብ ማይ ዘለዎ’ሞ ንብጻሕ።(ምስላ)

እንተ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን ምእንቲ’ዛ ኤርትራ ናይ ሕጂ፣ ምእንቲ ሕጻናት፣ ምእንቲ ኣደታት፣ ምእንቲ መንእሰያት ክዕረ ይግብኦ። ብወገነይ ክብ ኤርትራውያን ብዙሕ ምትዕጽጻፍ እጽበ። እዚ ሓስብ’ዚ ምስ መንፈስ ተሳዓርነት፣ ምስ ምድማቕ ኣነነት ወይ ድማ ምስ ሃገራዊ ልዑላውነት ዘተኣሳስር የብሉን እብል።

ሰላምን ብልጽግናን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...